ንኽትመሃር እርጋን ፈጺሙ ኣይዓገታን
ንኽትመሃር እርጋን ፈጺሙ ኣይዓገታን
ክሰንያ ብ1897 ኢያ ተወሊዳ። ሰለስተ ኣዋልድ: ሓደ ወዲ: 15 ደቂ ደቂ: 25 ደቂ ደቃ ዝወለድዎም ኣለዉዋ። ምሉእ ህይወታ ወለዳ ኽትገብሮ ዝመሃርዋ ነገራት ኢያ ገይራ። ካብታ ኣብ መንጎ ጸሊም ባሕርን ኮከሰስን እትርከብ ብውግእ ዝዓነወት ሪፓብሊክ ኣብካዝ ተሰዲዳ ናብ ሞስኮ እኳ እንተ ኸደት: ብናብራኣ ብፍላይ ከኣ በቲ ዝወረስክዎ እምነት ኢላ እትዛረበሉ ሃይማኖታ ሕጕስቲ ነበረት።
ብ1993 እታ መሪ እትበሃል ጓል ክሰንያ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነት። መሪ ንክሰንያ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ክትነግራ ጀመረት: ንሳ ግን ክትሰምዓ ኣይደለየትን። “ኣብ እርጋነይ ሓድሽ ነገር ክመሃር ኣይክእልን ኢየ” ትብላ ነበረት።
እንተዀነ ግን: እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀና መሪ ጓላ: ሎንዳ ሰበይቱ ንሓደ ኻብ ደቂ ደቃ: ከምኡውን ናናን ዛዛን ዝበሃላ ደቂ ደቃ ዝወለድወን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምንጋራ ኣየብኰራን። ብ1999 ሓደ ምሸት ግን ንክሰንያ ልባ ዝተንከፋ ጥቕሲ ኣንበባላ። እታ ጥቕሲ የሱስ ድራር ጐይታ ከቕውም ከሎ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ እተዛረቦ ልቢ ዝትንክፍ ቃላት ዝሓዘት ኢያ። (ሉቃስ 22:19, 20) በታ ምሸት እቲኣ እታ ጓል 102 ዓመት ዝነበረት ክሰንያ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ወሰነት።
ከምዚ ኸኣ በለት:- “ን102 ዓመታት ብህይወት ድሕሪ ምጽናሐይ: ኣብ መወዳእታ ትርጕም ህይወት እንታይ ምዃኑ ተረዳእክዎ። ነቲ ዘደንቕ ፈቃር ኣምላኽና የሆዋ ኻብ ምግልጋል ዝዓቢ ነገር ከም ዘየለ ሕጂ ተገንዚበ ኢየ። ክሳዕ ሕጂ ትኵርትን ጥዕይትን ኢየ። ብዘይ መነጸር ከንብብን ምስ ስድራይ ብዘይ ገለ ሽግር ማሕበራዊ ርክባተይ ከካይድን እኽእል ኢየ።”
ብ5 ሕዳር 2000 ክሰንያ ተጠምቀት። ከምዚ ኸኣ በለት:- “ሕጂ ንየሆዋ ብፍቕሪ ንኸገልግሎ ህይወተይ ወፍየ ኢየ። ኣብ ጥቓ ገዛይ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣውቶቡስ ደው መበሊ ኮፍ ኢለ መጽሔታትን ትራክትታትን እዕድል ኢየ። ብዙሕ ግዜ ኣዝማደይ ክበጽሑኒ ይመጹ ኢዮም: ብዛዕባ የሆዋ ኸኣ ተሓጒሰ ነቲ ሓቂ አካፍሎም።”
ክሰንያ ነቲ ‘ስጋኣ ኻብ ናይ ሕጻን ዝልምልመሉ: ናብ መዓልታት ንእስነታ ኸኣ እትምለሰሉ’ እዋን ብሃንቀውታ ኢያ ትጽበ ዘላ። (እዮብ 33:25) ካብ ሚእቲ ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሜኣ ኣደ እኳ ትርጕም ህይወት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትመሃር እርጋን ካብ ዘይዓገታ: ንስኻኸ፧