ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እምነት ኣብ ርትዒ እተመርኰሰት ክትከውንዶ ኣለዋ፧

እምነት ኣብ ርትዒ እተመርኰሰት ክትከውንዶ ኣለዋ፧

እምነት ኣብ ርትዒ እተመርኰሰት ክትከውንዶ ኣለዋ፧

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ዝርከብ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ሓላፊ “ንናይ ምሕሳብ ክእለቶም ከይጥቀምሉ ኢሎም ሃይማኖታውያን ዝዀኑ ብዙሓት ‘ሃይማኖታውያን’ ሰባት ኣለዉ” በለ። ቀጺሉ ድማ “ንዅሉ ነገር ‘ብእምነት’ ኢዮም ክቕበልዎ ዝደልዩ” በለ።

 እዚ ኸኣ መብዛሕትኦም ሃይማኖታዊ እምነት ኣለና ዝብሉ ሰባት ንምንታይ እቲ እምነት እቲ ኸም ዝሓዙ ወይ ከኣ ንእምነቶም ብቑዕ መሰረት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ፋዕራ ኸም ዘይብሎም ዝእምት ኢዩ። ሃይማኖት ብዙሓት ሰባት ክዛረብሉ ዘይደልዩ ጕዳይ ምዃኑ እምበኣር ኣየገርምን ኢዩ።

እቲ ዘሕዝን ድማ ሃይማኖታዊ ምስልታት ምጥቃምን ጸሎት ምድግጋምን ንርትዓዊ ኣተሓሳስባ የዳኽሞ ኢዩ። ብሚል​ዮናት ዝቘጸሩ ሰባት ዝስዕብዎ ሃይማኖታት ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ልምድታት ሓዊስካ: ኣብ ማራኺ ናይ ስነ⁠-​ህንጻ ስራሓት: ብውሕሉል ቅብእታት ኣብ ዘጌጸ መሳዅቲ: ከምኡውን ኣብ ዝምስጥ ሙዚቃ ጥራይ ዘተኰረ ኢዩ። ገሊአን ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት እምነተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ምዃኑ ዝገልጻ እኳ እንተዀና: እቲ ‘ኣብ የሱስ እመን እሞ ክትድሕን ኢኻ’ ጥራይ ዝብል መልእኽተን ግን ዕቱብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትገብር ዘተባብዕ ኣይኰነን። ካልኦት ከኣ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ዘተኰረ ወንጌል ኢየን ዝሰብካ። እዚ እንታይ ኣፍረየ፧

ሓደ ብዛዕባ ሃይማኖታት ዝጽሕፍ ሰብ ነቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዘሎ ዅነታት ኣመልኪቱ: “ክርስትና ዕምቈት ዘይብሉ ይኸውን ኣሎ: ሰዓብቱ [ድማ] ብዛዕባ እምነቶም ግቡእ ትምህርቲ ኣይወሃቦምን ኢዩ” በለ። ሓደ ንመጽናዕቲ ዝሕግዝ ጸብጻባት ዝእክብ ሰብ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሃይም ዝመልእዋ ሃገር” ኢሉ ኽሳዕ ምጽዋዕ በጺሑ ኢዩ። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: እዚ ተርእዮታት እዚ ኣብተን ክርስትና ኣስፋሕፊሑለን ዝበሃላ ሃገራት እውን ኣሎ። ካብ ክርስትና ወጻኢ ዘለዋ ብዙሓት ሃይማኖታት እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ርትዓውነትን ሃናጺ ኣተሓሳስባን ኣብ ክንዲ ዘተኵራ ኣብ መዝሙራት: ብልምዲ ኣብ ዝግበር ጸሎት: እተሓላለኸ ነገራት ዘጠቓልል እተፈላለየ ዓይነት ናይ ምስትንታን ተግባራት ኢየን ዘተኵራ።

ይኹን እምበር: እቶም ብዛዕባ ቅኑዕነት ወይ ሓቅነት ሃይማኖታዊ እምነታቶም ክሳዕ ክንድዚ ዘይጭነቑ ሰባት መብዛሕትኡ እዋን ንኻልእ ጕዳያት ተጠንቂቖም ኢዮም ዝሓስቡሉ። ሓደ ሰብ ንሓንቲ ድሕሪ እተወሰነ ግዜ እትጐሓፍ ማኪና ኽዕድግ ከሎ ጽዑቕ መጽናዕቲ ዝገብር ክነሱ ብዛዕባ ሃይማኖቱ ዝመጸ ግን ‘ንወለደይ እንተ ተሰማሚዕዎም ንዓይ እውን ይሰማምዓኒ ኢዩ’ ክብልሲ ስጊንጥር ኰይኑዶ ኣይስምዓካን፧

ብሓቂ ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ንደሊ እንተደኣ ዄንና: ብዛዕባኡ እንታይ ከም እንኣምን ብዕቱብ ክንሓስበሉዶ ኣይግብኣናን፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ግዜኡ ብዛዕባ ዝነበሩ ‘ብፍልጠት ዘይኰነ ንኣምላኽ ቅንኣት ዘለዎም’ እተወሰኑ ሃይማኖታውያን ሰባት ገሊጹ ኣሎ። (ሮሜ 10:⁠2) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ምስ ሓደ ብዓስቢ ዝሰርሕ ለቕላቓይ ግን ከኣ ነቲ ወናኒ ገዛ ዝሃቦ መምርሒ ብዘይ​ምስማዑ ዘይተባህሎ ቀለም ዝለኪ ኢዩ ዝመሳሰል። እቲ ለቕላቓይ ብስርሑ ይሕጐስ ይኸውን: እንተዀነ ግን ኣብቲ ዋና ገዛ ተቐባልነት ኣለዎ ድዩ፧

ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝመጸ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ እንታይ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ” ብምባል ይምልሰልና። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠3, 4) ገሊኣቶም ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ኣብዘን ሎሚ ዘለዋ ብዙሓት ሃይማኖታት ፈጺምካ ክርከብ ኣይከኣልን ኢዩ ይብሉ ይዀኑ። እንተዀነ ግን ሕስብ እሞ ኣብሎ፣ ሰባት ናብ ርጡብ ፍልጠት ሓቂ ኽመጹ ኣምላኽ ዝደሊ እንተደኣ ዀይኑ: ነዚ ፍልጠት እዚ ምሓብኦዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “[ንኣምላኽ] እንተ ደሌኻዮስ: ኪርከበልካ እዩ” ብምባል ከም ዘይሓብኦ ይገልጸልና ኢዩ።​—⁠1 ዜና መዋእል 28:9

ኣምላኽ ነቶም ናይ ብሓቂ ዝደልይዎ ሰባት ዝርከበሎም ብኸመይ ኢዩ፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ ኽትምልሶ ኢያ።