ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክትጥመቕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧

ክትጥመቕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧

ክትጥመቕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧

“ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . እናኣጥመቕኩም . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።”—⁠ማቴዎስ 28:19

1, 2. (ሀ) ገሊኡ ጥምቀት እተፈጸመ ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝበለ ዅነታት ኢዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ጥምቀት እንታይ ሕቶታት ክለዓል ይኽእል፧

 እቲ ፍራንካዊ ንጉስ ሻርልማኝ ብ775-​77 ከ.ኣ.ዘ. ነቶም ዝሰዓሮም ሳክሰናውያን ብጃምላ ኽጥመቑ ኣገደዶም። ጸሓፍ ታሪኽ ጆን ሎርድ “ናብ ስመ⁠-ክርስ​ትያን ብሓይሊ ኸም ዝቕየሩ ኢዩ ገይሩ” ኢሉ ጸሓፈ። ብተመሳሳሊውን እቲ ሩስያዊ ገዛኢ ቭላድሚር ቀዳማይ: ነታ ሰዓቢት ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ዝነበረት ልዕልቲ ብ987 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ተመርዓወ ተገዛእቱ “ክርስትያናት” ክዀኑ ኸም ዘለዎም ወሰነ። ህዝቡ ብጃምላ ኽጥመቑ ኣዘዘ: እቶም ዝኣብዩ ኸኣ ከም ዝቕተሉ ኣፈራርሀ!

2 ከምዚ ዝኣመሰለ ጥምቀት ግቡእ ድዩ ነይሩ፧ ናይ ሓቂ ትርጕም ዘለዎ ድዩ፧ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክጥመቕ ኣለዎ ድዩ፧

ጥምቀት​—⁠ብኸመይ፧

3, 4. ኣብ ርእሲ: ማይ ምንጻግ ወይ ምፍሳስ ቅኑዕ ኣገባብ ጥምቀት ክርስትና ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧

3 ሻርልማኝን ቭላድሚር ቀዳማይን ሰባት ንኽጥመቑ ብምግዳዶም ምስ ቃል ኣምላኽ ተሰማሚዖም ኣይኰኑን ዝኸዱ ነይሮም። አረ ንሰባት ማይ ብምንጻግ: ኣብ ርእሶም ማይ ብምፍሳስ: ወይ እውን ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ንዘይተማህሩ ሰባት ኣብ ማይ ብምጥሓል ከም ዝጥመቑ ምግባር ዋላ ሓንቲ ኣይጠቕሞምን ኢዩ።

4 ብ29 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ብዓል ናዝሬት ክጥመቕ ኢሉ ናብ ዮሃንስ መጥመቕ ምስ ከደ ዝዀነ ነገራት ንርአ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዮሃንስ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ የጠምቕ ነበረ። ሰባት ክጥመቑ ኢሎም ብፍቓዶም ይመጽዎ ነበሩ። ማይ ካብ ርባ ዮርዳኖስ ብምውሳድ ኣብ ርእሶም የፍስሰሎም ወይ ይነጽገሎም ድዩ ነይሩ፧ ዮሃንስ ንየሱስ ከጠምቖ ኸሎ እቲ ኣገባብ ከመይ ነበረ፧ ማቴዎስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ “የሱስ ምስ ተጠምቀ: ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ” ኢዩ ዝብለና። (ማቴዎስ 3:⁠16) ኣብቲ ማይ ጠሊቑ ወይ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ምሉእ ኣካሉ ጥሒሉ ኢዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ እቲ ሃይማኖታዊ ቕንኢ ዝነበሮ ስሉብ ኢትዮጵያዊ እውን “ማይ” ብብዝሒ ኣብ ዝርከቦ ቦታ ኢዩ ተጠሚቑ። የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ጥምቀት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ምጥሓል ስለ ዘጠቓልል ብዙሕ ማይ ዘለዎ ቦታ ይድለ ነበረ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠36

5. ቀዳሞት ክርስትያናት ንሰባት ብኸመይ የጥምቕዎም ነበሩ፧

5 እታ “ምጥማቕ:” “ጥምቀት:” ከምኡውን ብኻልእ ረባሕታ እትትርጐም ናይ ግሪኽ ቃል ኣብ ማይ ምጥሓል: ምጥላቕ: ወይ ምእላኽ ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። ስሚዝስ ባይብል ዲክሸነሪ “ጥምቀት ብቕኑዕ ኣገባብን ቃል ብቓሉን ክትርጐም ከሎ ምጥሓል ማለት ኢዩ” በለ። ስለዚ ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ “ዮሃንስ ኣጥሓሊ” ከምኡውን “ዮሃንስ ኣላኺ” ዝበሎ በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ። (ማቴዎስ 3:⁠1 ሮዘርሃም: ዲያግሎት ኢንተርሊንያር) ኣጉስተስ ኒያንደር ኣብቲ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ክርስትያን ረሊጅን ኤንድ ቸርች: ዱሪን ዘ ስሪ ፈርስት ሰንችሪስ ዝብል ጽሑፉ “ጥምቀት ኣብ መጀመርታ ብምጥሓል ኢዩ ዝግበር ነይሩ” በለ። እቲ ላሩስ ዱ ቪንቲዮም ሲዮክል (ፓሪስ 1928) ዝበሃል እተፈልጠ ኣብ ፈረንሳ እተዳለወ ጽሑፍ “እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ማይ ኣብ ዝርከቦ ዘበለ ብምጥሓል ኢዮም ዘጥምቑ ነይሮም” ዝብል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ድማ “ኣብ ቀዳመይቲ ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝነበረ ጥምቀት ብምጥሓል ይግበር ምንባሩ ንጹር ኢዩ” በለ። (1967: ጥራዝ 2 ገጽ 56) ስለዚ ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍጽምዎ ጥምቀት እቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ብፍታዉ ዝወስዶ ስጕምቲ ዀይኑ ኣብ ማይ ብምጥሓል ኢዩ ዝግበር።

ሓድሽ ምኽንያት ጥምቀት

6, 7. (ሀ) ዮሃንስ ዘጠምቕ ዝነበረ ንምንታይ ዕላማ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ሰዓብቲ የሱስ ዝፍጽምዎ ጥምቀት ፍልይ ዘብሎ እንታይ ኢዩ፧

6 ዮሃንስ ዝፍጽሞ ዝነበረ ጥምቀት ካብቲ ሰዓብቲ የሱስ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ጥምቀት እተፈልየ ዕላማ ኢዩ ነይርዎ። (ዮሃንሰ 4:⁠1, 2) ዮሃንስ ነቶም ኣብቲ ሕጊ ሓጢኣት ዝፈጸሙ ሰባት ከም እተናስሑ ብግህዶ ንምርኣይ ኢዩ ዘጠምቕ ነይሩ። a (ሉቃስ 3:⁠3) ሰዓብቲ የሱስ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ጥምቀት ግን ሓደ ሓድሽ ነገር ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። ብጴንጠቈስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሰማዕቱ “ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ” ኢሉ ተማሕጺንዎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:37-41) ንኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ይዛረቦም እኳ እንተ ነበረ: ኣብቲ ሕጊ ኻብ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ከም እተናስሑ ዘርኢ ጥምቀት ክጥመቑ ኣይኰነን ዝዛረቦም ነይሩ፣ ብስም የሱስ ምጥማቕ ካብ ሓጢኣትካ የጽርየካ ማለቱ እውን ኣይነበረን።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠10

7 ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ጴጥሮስ ካብተን ‘መርሖታት እታ መንግስቲ’ ነታ ናይ መጀመርታ ተጠቕመላ። ንምንታይ ዕላማ፧ ሰማዕቱ ናብ መንግስተ ሰማያት ንኽኣትዉ ኣጋጣሚ ንኽኸፍተሎም ኢዩ ተጠቂሙላ። (ማቴዎስ 16:⁠19) ኣይሁድ ንየሱስ ከም መሲህ ስለ ዘይተቐበልዎ: ኣምላኽ ይቕረ ንኽብለሎም ክንስሑን ኣብ የሱስ እምነት ክገብሩን የድልዮም ነበረ፣ እዚ ድማ ሓድሽን ኣገዳስን ምኽንያት ጥምቀት ነበረ። ብስም የሱስ ክርስቶስ ኣብ ማይ ብምጥሓል ከኣ እዚ እምነት እዚ ኸም ዘለዎም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኸርእዩ ይኽእሉ ነበሩ። በዚ ኸምዚ ድማ ብክርስቶስ ኣቢሎም ንኣምላኽ ህይወቶም ከም ዝወፈዩ ኸርእዩ ይኽእሉ። ሎሚ መለኮታዊ ስምረት ዝደልዩ ዘበሉ ዅሎም እምነት ክህልዎም: ንየሆዋ ኣምላኽ ህይወቶም ክውፍዩ: ከምኡውን ነቲ ልዑል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ህይወቶም ከም ዝወፈዩ ብክርስትያናዊ ጥምቀት ከርእዩ ኣለዎም።

ርጡብ ፍልጠት የድሊ

8. ክርስትያናዊ ጥምቀት ኵሉ ሰብ ዝበቕዖ ነገር ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧

8 ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ክርስትያናዊ ጥምቀት ንኽጥመቕ ብቕዓት ዘለዎ። የሱስ ንሰዓብቱ “ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኣዘዞም። (ማቴዎስ 28:19, 20) እቶም ሰባት ኣብ ጥምቀት ቅድሚ ምብጽሖም ‘ኵሉ እቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝኣዘዞም ነገራት ክሕልዉ ኽመሃሩ’ ኣለዎም። ስለዚ: ነቶም ኣብ ርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ እተመርኰሰት እምነት ዘይብሎም ሰባት ብምግዳድ ዝግበር ጥምቀት ዋጋ ዘይብሉን ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ ዝሃቦም ትእዛዝ ዝጻረርን ኢዩ።​—⁠እብራውያን 11:⁠6

9. “ብስም ኣቦ” ምጥማቕ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

9 “ብስም ኣቦ” ምጥማቕ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ እቲ ናይ ጥምቀት ሕጹይ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዘለዎ ቦታን ስልጣንን ኣፍልጦ ይህበሉ ማለት ኢዩ። ስለዚ የሆዋ ኣምላኽ ፈጣሪና: “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል:” ከምኡውን ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ጐይታ ምዃኑ ኣፍልጦ ይወሃቦ ማለት ኢዩ።​—⁠መዝሙር 83:⁠18፣ ኢሳይያስ 40:⁠28፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠24

10. ‘ብስም ወዲ’ ምጥማቕ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

10 ‘ብስም ወዲ’ ምጥማቕ ክበሃል ከሎ ነቲ የሱስ ከም ሓደ በይኑ ወዲ ኣምላኽ መጠን ዘለዎ ቦታን ስልጣንን ኣፍልጦ ምሃብ ማለት ኢዩ። (1 ዮሃንስ 4:⁠9) እቶም ንጥምቀት ብቑዓት ዝዀኑ: የሱስ “ምእንቲ ብዙሓት በጃ” ክኸውን ኣምላኽ ዝሃበና ምዃኑ ይቕበልዎ ኢዮም። (ማቴዎስ 20:⁠28፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:⁠5, 6) ናይ ጥምቀት ሕጹያት ኣምላኽ ንወዱ “ናብ ልዕሊ ዅሉ” ልዕል ከም ዘበሎ እውን ኣፍልጦ ኽህቡ ኣለዎም።​—⁠ፊልጲ 2:⁠8-11፣ ራእይ 19:⁠16

11. ‘ብስም መንፈስ ቅዱስ’ ምጥማቕ ክበሃል ከሎ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

11 ‘ብስም መንፈስ ቅዱስ’ ምጥማቕ ክበሃል ከሎ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ እቲ ዝጥመቕ ሰብ: መንፈስ ቅዱስ የሆዋ ዕላምኡ ንምፍጻም ብእተፈላለየ መገዲ ዝጥቀመሉ መስለጢ ሓይሉ ምዃኑ ኣፍልጦ ኽህበሉ ኣለዎ። (ዘፍጥረት 1:⁠2፣ 2 ሳሙኤል 23:⁠1, 2፣ 2 ጴጥሮስ 1:⁠21) እቶም ንጥምቀት ብቑዓት ዝዀኑ ዘበሉ መንፈስ ቅዱስ ን“መዓሙቝ ኣምላኽ” ንኽርድዎ: ዕዮ ስብከት ንኽፍጽሙ: ከም እኒ “ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል” ዝኣመሰለ ፍረ መንፈስ ድማ ንኸንጸባርቑ ኸም ዝሕግዞም ኣፍልጦ ይህቡሉ ኢዮም።​—⁠1 ቈረንቶስ 2:10፣ ገላትያ 5:22, 23፣ ዮኤል 2:28, 29

ኣድላዪነት ነስሓን ለውጥን

12. ክርስትያናዊ ጥምቀት ምስ ነስሓ ዝተኣሳሰር ብኸመይ ኢዩ፧

12 ጥምቀት ክበሃል ከሎ ብዘይ​ካ ነቲ ሓጢኣት ዘይነበሮ የሱስ: ንኻልኦት ኣምላኽ ዝቕበሎ ምስ ነስሓ ዝተኣሳሰር መርኣያ ኢዩ። ክንንሳሕ ከሎና ብዝገበርናዮ ነገር ወይ ከነማልኦ ብዘይ​ከኣልና ጕዳይ ዓሚቝ ጣዕሳ ወይ ጸጸት ኢዩ ዝስምዓና። እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ንኣምላኽ ከሐጕሱ ዝደልዩ ዝነበሩ ኣይሁድ ኣብ ክርስቶስ ሓጢኣት ብምፍጻሞም ክንስሑ ነበሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠11-19) ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኻብ ኣህዛብ ዝመጹ ገለ ኣመንቲ ሰባት ካብ ምንዝር: ኣምልኾ ጣኦት: ስርቂ: ከምኡውን ካብ ካልእ ከቢድ ሓጢኣት ተነሲሖም ኢዮም። ስለ እተነስሑ ኸኣ ብደም ክርስቶስ ‘ተሓጺቦም:’ ‘ተቐዲሶም’ ወይ ንኣገልግሎት ኣምላኽ ተፈልዮም: ከምኡውን ብስም ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ‘ጸዲቖም’ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 6:⁠9-11) ሰናይ ሕልና ንምርካብን ካብቲ ብሰንኪ ሓጢኣትና ዝስምዓና ጸጸት ከኣ ኣምላኽ ዕረፍቲ ንኽህበናን ነስሓ ናይ ግድን ኣድላዪ ስጕምቲ ኢዩ።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:⁠21

13. እቲ ምስ ጥምቀት ምትሕሓዝ ዘለዎ ለውጢ እንታይ ኢዩ ዘጠቓልል፧

13 ለውጢ ምግባር ቅድሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና ምጥማቕና ኢዩ ክመጽእ ዘለዎ። እዚ ኸኣ ሓደ ንክርስቶስ የሱስ ክስዕብ ብምሉእ ልቡ ዝወሰነ ሰብ ፈትዩ ዝወስዶ ስጕምቲ ኢዩ። ነዚ ስጕምቲ እዚ ዝወስዱ ውልቀ⁠-​ሰባት ነቲ ቕድም ዝመላለሱሉ ዝነበሩ መገዲ ሓዲጎም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ነገር ንኽገብሩ ይውስኑ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተን ንለውጢ ምግባር ዘመልክታ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት ምምላስ ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለወን። እዚ ተግባር እዚ ኸኣ ካብ ግጉይ መገዲ ናብ ኣምላኽ ምምላስ ኢዩ ዘመልክት። (1 ነገስት 8:⁠33, 34) ለውጢ “ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ” ምግባር ዝሓትት ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 26:⁠20) ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ሓዲግና ምስ ትእዛዛት ኣምላኽ ክንመላለስን ንየሆዋ ምሉእ ተወፋይነት ክንህቦን ዝሓተና ኢዩ። (ዘዳግም 30:⁠2, 8-10፣ 1 ሳሙኤል 7:⁠3) እዚ ድማ ኣብ ኣተሓሳስባናን ሸቶታትናን ባህርያትናን ለውጢ ዘምጽእ ኢዩ። (ህዝቅኤል 18:⁠31) ነቲ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ጠባያትና ብሓድሽ ሰብነት ምስ ተካእናዮ ኢና ‘እንምለስ።’​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠19፣ ኤፌሶን 4:⁠20-24፣ ቈሎሴ 3:⁠5-14

ብምሉእ ልቢ ህይወትካ ምውፋይ የድሊ

14. ሰዓብቲ የሱስ ዝፍጽምዎ ወፈያ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

14 ሰዓብቲ የሱስ ቅድሚ ምጥማቖም ብምሉእ ልቦም ህይወቶም ንኣምላኽ ክውፍዩ ኣለዎም። ህይወትካ ምውፋይ ንቕዱስ ዕላማ ኸም እተፈለኻ ኢዩ ዘመልክት። እዚ ስጕምቲ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ ንየሆዋ ንዘለኣለም ምሉእ ብምሉእ እተወፈና ምዃንና ዝገበርናዮ ውሳነ ብጸሎት ክንገልጸሉ ኣሎና። (ዘዳግም 5:⁠9) እወ: ወፈያና ንሓደ ዕዮ ወይ ንሰባት ዘይኰነስ ንኣምላኽ ኢዩ።

15. ናይ ጥምቀት ሕጹያት ኣብ ማይ ብምጥሓል ዝጥመቑ ስለምንታይ ኢዮም፧

15 ብክርስቶስ ኣቢልና ርእስና ንኣምላኽ ክንውፊ ኸሎና: ህይወትና ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ዘሎ መለኮታዊ ፍቓድ ንምፍጻም ከም እንጥቀመሉ ቈራጽነትና ኢና እንገልጽ። ከም መርኣያ ናይዚ ኸኣ እቶም ናይ ጥምቀት ሕጹያት ከምቲ የሱስ ንኣምላኽ ርእሱ ኸም ዘቕረበ ንኸርኢ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ እተጠምቀ ንሳቶም እውን ኣብ ማይ ብምጥሓል ይጥመቑ። (ማቴዎስ 3:⁠13) ኣብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝነበረ ኣጋጣሚ የሱስ ይጽሊ ምንባሩ ኸነስተውዕለሉ ዘሎና ጕዳይ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 3:⁠21, 22

16. ሰባት ክጥመቑ ኽንርኢ ኸሎና ሓጐስና ግቡእ ብዝዀነ መገዲ ኽንገልጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 ጥምቀት የሱስ ኣርዚንካ ዝርአ እኳ እንተ ነበረ ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ድማ ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜና ዝፍጸም ክርስትያናዊ ጥምቀት እውን ካብኡ እተፈልየ ኣይኰነን። ሰባት ንኣምላኽ ህይወቶም ከም ዝወፈዩ ብጥምቀት ከርእዩ ኽንዕዘብ ከሎና ብጣቕዒትን ልባዊ ናእዳ ብምሃብን ሓጐስና ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግን: እዚ ናይ እምነትና መግለጺ እዚ ቕዱስ ስለ ዝዀነ ኣብቲ ግዜ እቲ እልልታን ፋጻን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ኣይንገብርን ኢና። ሓጐስና ግቡእ ብዝዀነ መገዲ ኢና እንገልጾ።

17, 18. ሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ ንኽጥመቕ ብቑዕ ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ንምውሳን ዝሕግዝ እንታይ ኢዩ፧

17 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቶም ንቘልዑ ማይ ብምንጻግ ወይ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ንዘይብሎም ሰባት ብጃምላ ኣገዲዶም ዘጠምቑ ኣይኰኑን። ነቶም መንፈሳዊ ብቕዓት ዘይብሎም ፈጺሞም ኣየጠምቕዎምን ኢዮም። ዝዀነ ይኹን ሰብ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ናይቲ ብስራት ቅድሚ ምዃኑ እውን ከይተረፈ ነቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተረድኦ: ምስኡ ተሰማሚዑ ይነብር ምህላዉ: ከምኡውን “ብሓቂ ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትከውን ትደሊ ዲኻ፧” ንዝብል ወይ ካልእ ነዚ ዝመስል ሕቶ ኣወንታዊ መልሲ ምሃቡ ክርስትያን ሽማግለታት የረጋግጹ ኢዮም።

18 መብዛሕትኡ እዋን ነቶም ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ ዝገብሩን ክጥመቑ ኸም ዝደልዩ ዝገልጹን ሰባት: ህይወቶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ምዃኖም ከምኡውን ንጥምቀት ዘድሊ ኣምላኽ ዝሰርዖ ብቕዓታት ከም ዘማልኡ ንምርግጋጽ ክርስትያን ሽማግለታት የዘራርብዎም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠4፣ 18:⁠8) ነቲ ልዕሊ 100 ዝኸውን ኣብ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ሕቶታት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብብሕቱ ዝህቦ መልስታት ንኽጥመቕ መንፈሳዊ ብቕዓት እንተ ኣልይዎ ወይ እንተ ዘይብሉ ነቶም ሽማግለታት ንኽውስኑ ይሕግዞም ኢዩ። ገሊኣቶም ብቑዓት ስለ ዘይኰኑ ኽጥመቑ ኣይፍቀደሎምን ኢዩ።

ዘድሓርሕረካ ነገር ኣሎዶ፧

19. ዮሃንስ 6:⁠44 ኣብ ግምት ብምእታው መዋርስቲ የሱስ ዝዀኑ መን ኢዮም፧

19 ብዙሓት ብጃምላ ተገዲዶም እተጠምቁ ሰባት ምስ ሞቱ ናብ ሰማይ ከም ዝኸዱ ተነጊርዎም ይኸውን ኢዩ። የሱስ ግን ነቶም ኣሰሩ ዝስዕቡ “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” ኢልዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 6:⁠44) የሆዋ ነቶም ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ መዋርስቲ የሱስ ዝዀኑ 144,000 ናብ ክርስቶስ ስሒብዎም ኢዩ። ብምግዳድ ዝግበር ጥምቀት ግን ንዋላ ሓደ ሰብ ነቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ ግርማዊ ቦታ ንኽሕዝ ኣይቀደሶን።​—⁠ሮሜ 8:⁠14-17፣ 2 ተሰሎንቄ 2:⁠13፣ ራእይ 14:⁠1

20. ንገሊኣቶም ዘይተጠምቁ ሰባት ስጕምቲ ንምውሳድ እንታይ ክሕግዞም ይኽእል፧

20 ብፍላይ ካብ መፋርቕ 1930ታት ኣትሒዙ ኻብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ድሒኖም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ተስፋ ዝገብሩ ብዙሓት ሰባት ክፍሊ ናይቶም የሱስ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ኢሉ ዝሰመዮም ኰይኖም ኢዮም። (ራእይ 7:⁠9, 14፣ ዮሃንስ 10:⁠16) ህይወቶም ምስ ቃል ኣምላኽ ስለ ዘሰማምዑ: ንኣምላኽ ድማ ‘ብምሉእ ልቦምን ነፍሶምን ሓይሎምን ሓሳቦምን’ ስለ ዘፍቅርዎ ንጥምቀት ብቑዓት ኢዮም። (ሉቃስ 10:⁠25-28) ገሊኣቶም ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ንኣምላኽ ብመንፈስን ብሓቅን ከም ዝሰግዱሉ’ ዝፈልጡ እኳ እንተዀኑ: ገና ግን ንኣብነት የሱስ ኣይሰዓቡን: ብጥምቀት ገይሮም ከኣ ንየሆዋ ከም ዘፍቅርዎን ንዕኡ ምሉእ ተወፋይነት ከም ዘለዎምን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣየርኣዩን። (ዮሃንስ 4:⁠23, 24፣ ዘዳግም 4:⁠24፣ ማርቆስ 1:⁠9-11) እዞም ሰባት እዚኣቶም ምስ ቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ተሰማሚዖም ንኽመላለሱ ዘኽእሎም ተበግሶን ትብዓትን ንኽረኽቡ: ንየሆዋ ኣምላኽ ምሉእ ተወፋይነት ንኽህብዎ: ከምኡውን ኣብ ጥምቀት ንኽበጽሑ ኽሕግዞም ዝኽእል ነገር ብዛዕባ እዚ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዚ ኻብ ልቢ ዝመነጨ ንጹር ጸሎት ምግባር ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

21, 22. ገሊኣቶም ህይወቶም ካብ ምውፋይን ካብ ጥምቀትን ዘድሓርሕሩ ስለምንታይ ኢዮም፧

21 ገሊኣቶም ህይወቶም ንኸይውፍዩን ንኸይጥመቑን ዘድሓርሕሩ ኣብ ጕዳያት እዛ ዓለም ስለ ዝጠሓሉ ወይ ደድሕሪ ሃብቲ ኽጐዩ ኽብሉ ንመንፈሳዊ ነገራት እኹል ግዜ ስለ ዘይህቡ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። (ማቴዎስ 13:⁠22፣ 1 ዮሃንስ 2:⁠15-17) ኣረኣእያኦምን ሸቶኦምን እንተ ዝቕይሩ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ምተሓጐሱ! ናብ የሆዋ እንተ ቐሪቦም ብመንፈስ ይህብትሙ: ካብ ጭንቀቶም ይናገፉ: ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ምግባር ዝርከብ ሰላምን ዕግበትን ከኣ ይረኽቡ።​—⁠መዝሙር 16:⁠11፣ 40:⁠8፣ ምሳሌ 10:⁠22፣ ፊሊጲ 4:⁠6, 7

22 ካልኦት ድማ ንየሆዋ ከም ዘፍቅርዎ ይዛረቡ: ካብ ተሓታትነት ከምልጡ ኢሎም ግን ህይወቶም ኣይውፍዩን ወይ ኣይጥመቑን ኢዮም። እንተዀነ ግን: ነፍሲ ወከፍና ንኣምላኽ ጸብጻብ ክንህብ ኣሎና። ካብታ ቃል ኣምላኽ ዝሰማዕናላ እዋን ኣትሒዝና ሓላፍነትና ኣብ ርእስና ኢዩ። (ህዝቅኤል 33:⁠7-9፣ ሮሜ 14:⁠12) ጥንታዎት እስራኤላውያን ‘ሕሩያት ህዝቢ’ ከም ምዃኖም መጠን ክውለዱ ኸለዉ ኣትሒዞም ኣባላት ናይቲ ንየሆዋ እተወፈየ ህዝቢ ኢዮም ነይሮም: ስለዚ ኸኣ ምስ ሕግታቱ ብምስምማዕ ከገልግልዎ ግዴታ ነበሮም። (ዘዳግም 7:⁠6, 11) ሎሚ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህዝቢ ዝውለድ ሰብ የለን: ርጡብ ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ እንተ ተቐቢልና ግን ብእምነት ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና።

23, 24. እንታይ ፍርሂ ኢዩ ሰባት ንኸይጥመቑ ክጐቶም ዘይብሉ፧

23 ገሊኣቶም እኹል ፍልጠት ዘይብሎም ኰይኑ ስለ ዝስምዖም ካብ ጥምቀት የድሓርሕሩ ኢዮም። ይኹን እምበር: ‘ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገብሮ ግብሪ ከስተውዕሎ ፈጺሙ ስለ ዘይክእል’ ኵላትና ብዙሕ እንመሃሮ ነገራት ኣሎና። (መክብብ 3:⁠11) ብዛዕባ እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ እሞ ሕስብ ኣብል። ጵሮሴሊት ስለ ዝነበረ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት እተወሰነ ፍልጠት ነይርዎ ኢዩ: እንተዀነ ግን ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ዝምልከት ሕቶታት ክምልሶ ኣይከኣለን። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ብበጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ኣቢሉ ንድሕነት ዝገበሮ ምድላው ምስ ተማህረ ግን ብኡንብኡ ብማይ ተጠምቀ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠26-38

24 ገሊኣቶም ‘ምስ ወፈያይ ተሰማሚዐ ምንባር እንተ ዘይከኣልኩኸ’ ካብ ዝብል ፍርሂ እተላዕለ ህይወቶም ንኣምላኽ ካብ ምውፋይ ሰጋእ መጋእ ይብሉ ኢዮም። ሞኒክ እትበሃል ጓል 17 ዓመት መንእሰይ “ምስ ወፈያይ ተሰማሚዐ ክነብር ኣይክእልን ኢየ ካብ ዝብል ፍርሂ እተላዕለ ንኸይጥመቕ ከድሓርሕር ጸኒሐ” በለት። ብምሉእ ልብና ብየሆዋ እንተ ተኣሚንና ግን ንሱ ድማ ‘ኣካይዳና ኸቕንዕ ኢዩ።’ ህይወቶም ዝወፈዩ እሙናት ኣገልገልቲ ከም ምዃንና መጠን ‘ብሓቂ ንኽንመላለስ’ ክሕግዘና ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 3:⁠5, 6፣ 3 ዮሃንስ 4

25. ሕጂ ክንሓስበሉ ዘሎና ሕቶ እንታይ ኢዩ፧

25 ኣብ ዓዓመት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ የሆዋ ምሉእ እምንቶ ስለ ዘለዎም ከምኡውን ካብ ልቦም ስለ ዘፍቅርዎ ህይወቶም ንኽውፍዩን ንኽጥመቑን ተደሪኾም ኢዮም። ኵሎም ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እሙናት ክዀኑ ከም ዝደልዩ እውን ኣየጠራጥርን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ክፉእ ዘመን ንነብር ስለ ዘሎና እምነትና ብዙሕ ፈተና የጋጥማ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5) ምስቲ ንየሆዋ ዝገበርናዮ ወፈያ ተሰማሚዕና ምእንቲ ኽንነብር እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ነዚ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a የሱስ ሓጢኣት ዝበሃል ስለ ዘይብሉ: ጥምቀቱ ናይ ነስሓ ኣይነበረን። የግዳስ ፍቓድ ኣቦኡ ኽገብር ርእሱ ኸም ዘቕረበ ዘመልክት ኢዩ ነይሩ።​—⁠እብራውያን 7:⁠26፣ 10:⁠5-10

ትዝክሮዶ፧

• ክርስትያናዊ ጥምቀት ብኸመይ ኢዩ ዝፍጸም፧

• ሓደ ሰብ ንኽጥመቕ እንታይ ዓይነት ፍልጠት የድልዮ፧

• እንታይ ስጕምትታት ኢዩ ናብቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝፍጽምዎ ጥምቀት ዝመርሕ፧

• ገሊኣቶም ካብ ጥምቀት ዘድሓርሕሩ ስለምንታይ ኢዮም: ብኸመይከ ክሕገዙ ይከኣል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

“ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ምጥማቕ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ትፈልጦዶ፧