ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓልዮት ሕያውነትን ርሕራሐን ከነርኢ እትሕግዝ ባህሪ

ሓልዮት ሕያውነትን ርሕራሐን ከነርኢ እትሕግዝ ባህሪ

ሓልዮት ሕያውነትን ርሕራሐን ከነርኢ እትሕግዝ ባህሪ

 ሄለን ከለር “ንስቓይ ካልኦት ክሳዕ ዘህዳእካ: ከንቱ ኣይከውንን ኢዩ ህይወትካ” ኢላ ጸሓፈት። ከለር ስምዒታዊ ስቓይ ብርግጽ ትርድኦ ነበረት። ጓል ዓመትን ሸውዓተ ወርሕን ከላ ብሰንኪ ሕማም ምሉእ ብምሉእ ዓወረትን ጸመመትን። እንተዀነ ግን ሓንቲ ርሕርሕቲ መምህር መጀመርታ ብብረይል ምንባብን ምጽሓፍን ጸኒሓ እውን ምዝራብ መሃረታ።

እታ ንከለር መምህራ ዝነበረት ኣን ሱሊቫን ምስ ስንክልና ኽትቃለስ ከሎኻ ዘስዕቦ ተስፋ ምቝራጽ ኣጸቢቓ ትርድኦ ነበረት። ንሳውን እንተዀነት ዳርጋ ዕውርቲ ኢያ ነይራ። እንተዀነ ግን ብዓቕሊ ኣብ ኣእዳው ሄለን በብፊደል ምልክት እናገበረት ምስኣ እትረዳድኣሉ መገዲ መሃዘት። ሄለን እውን በቲ መምህራ ዘርኣየታ ሓልዮት ተለዓዒላ ምሉእ ህይወታ ንዝዓወሩን ዝጸመሙን ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ተዋፈረት። ስንክልናኣ ኵርምይቲ ንኸይገብራ ብርቱዕ ጻዕሪ ስለ ዝገበረት: ነቶም ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ዘለዉ ሰባት ደንገጸትሎም። ክትሕግዞምውን ደለየት።

ኣብዛ ስስዐ ዝመልኣ ዓለም ‘ድንጋጽካ ምዕጻውን’ ንኻልኦት ዘድልዮም ነገራት ዕሽሽ ምባልን ቀሊል ምዃኑ ተዓዚብካ ትኸውን ኢኻ። (1 ዮሃንስ 3:⁠17) ክርስትያናት ግን ንብጻዮም ከፍቅሩን ኣብ ንሓድሕዶም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ኽትህልዎምን ኢዮም ተኣዚዞም። (ማቴዎስ 22:⁠39፣ 1 ጴጥሮስ 4:⁠8) ገና ግን: ኵላትና ንሓድሕድና ኽንፋቐር ንደሊ እኳ እንተ ዀንና: ብዙሕ ግዜ ንስቓይ ኻልኦት ንምህዳእ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ኸም ዘይንጥቀመሉ ኣስተብሂልካ ትኸውን ኢኻ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ዘድልዮም ነገራት ብዘይ​ምፍላጥና ጥራይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓልዮት: ሕያውነትን ርሕራሐን ከነርኢ እትሕግዘና ባህሪ ኢያ።

ሓልዮት እንታይ ኢያ፧

ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ ነታ ሓለየ እትብል ቃል “ንጥቕሚ ኻልእ ሓሰበ፣ ብዛዕባ ድሕነት: ኵነታት ወዘተ ናይ ካልእ ሰብ ተጨነቐ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ንርእስኻ ኣብ ናይ ካልእ ሰብ ቦታ ምእታው ተባሂላ እውን ተገሊጻ ኣላ። ስለዚ ሓልዮት ብቐዳምነት ንዅነታት ካልእ ሰብ ምርዳእ: ካልኣይ ድማ እቲ ዅነታት ዘስዓበሉ ስምዒታት ክስምዓካ ዝሓትት ኢዩ። እወ: ሓልዮት ነቲ ኻልእ ሰብ ዘሕልፎ ዘሎ ስቓይ ኣብ ልብና ኽስምዓና እውን ዘጠቓልል ኢዩ።

ቅዱሳት ጽሑፋት ነዛ እንመያየጠላ ዘሎና ባህሪ ብእተፈላለየ መገዲ ኢዩ ጠቒስዋ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት ‘ዝዳናገጹ: ሕውነት ዘፍቅሩ: ለዋሃት’ ክዀኑ መዓዶም። (1 ጴጥሮስ 3:8) እታ ኣብዚ “እትዳናገጹ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል: ቃል ብቓሉ “ምስ ካልኦት ምስቓይ” ወይ “ርሕሩሕ ምዃን” ዝብል ትርጕም ኣለዋ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ክርስትያናት “ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ: ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ” ክብሎም ከሎ ተመሳሳሊ ሓሳባት ኢዩ ኣመሓላሊፉ። ወሲኹ ድማ “ንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ” በለ። (ሮሜ 12:15, 16) ንርእስኻ ኣብ ናይ ካልኦት ቦታ ኸተእቱ ዘይትኽእል እንተደኣ ዄንካ: ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኸተፍቅሮ ዳርጋ ዘይከኣል ምዃኑስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧

ዝበዝሕ ሰብ ብእተወሰነ ደረጃ ባህርያዊ ሓልዮት ኣለዎ። ልቢ ዝዅምትር ብጥሜት ናይ ዝሳቐ ሰብ ወይ ናይ እተዘንበ ስደተኛ ስእሊ ርእዩ ዘይድንግጽ መን ኢዩ፧ ኣየነይቲ ፈቃር ኣደ ኢያ ንዝበኪ ውላዳ ስቕ ኢላ ኽትርእዮ እትኽእል፧ ኵሉ ስቓይ ግን ብቐሊሉ ዝፍለጥ ኣይኰነን። ንሓደ ናይ መንፈስ ጭንቀት: ዘይርአ ኣካላዊ ጸገም: ወይ ጕድለት ኣመጋግባ ዘለዎ ሰብ ከምቲ ናቱ ጸግም እንተ ዘየሕሊፍና: ስምዒታቱ ኽንርድኣሉ ኣዝዩ ኸቢድ ኢዩ። ይኹን እምበር: ቅዱሳት ጽሑፋት ነቶም ፍልይ ዝበለ ሽግር ዘለዎም ሰባት እውን ክንድንግጸሎም ከም እንኽእልን ክንድንግጸሎም ከም ዘሎናን የርእየና ኢዩ።

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ኣብነታት ሓልዮት

ሓልዮት ብምርኣይ ዝመጸ የሆዋ ቐንዲ ኣብነትና ኢዩ። ፍጹም እኳ እንተዀነ: ፍጹማት ክንከውን ኣይጽበየናን ኢዩ፣ ከመይሲ “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ: ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።” (መዝሙር 103:14፣ ሮሜ 5:12) ኣብ ርእሲ እዚውን ዓቕምና ስለ ዝፈልጥ: ‘ካብ ዓቕምና ንንየው ክንፍተን ኣይሓድገናን ኢዩ።’ (1 ቈረንቶስ 10:⁠13) ብኣገልገልቱን መንፈሱን ኣቢሉ መውጽኢ ንኽንረክብ ይሕግዘና ኢዩ።​—⁠ኤርምያስ 25:⁠4, 5፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠32

የሆዋ እቲ ህዝቡ ዘሕልፍዎ ስቓይ ይስምዖ ኢዩ። ነቶም ካብ ባቢሎን እተመልሱ ኣይሁድ ‘ንኣኻትኩም ዝትንክስ: መርዓት ዓይነይ ኢዩ ዝትንኪ’ በሎም። (ዘካርያስ 2:⁠8) ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ዳዊት ንሓልዮት ኣምላኽ ኣጸቢቑ ስለ እተረድኦ “ንንብዓተይ ኣብ ጭልፎኻ አከብካዮ: ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን፧” ኢሉ ተዛረቦ። (መዝሙር 56:8) የሆዋ ነቲ እሙናት ኣገልገልቱ ንጽህንኦም ክሕልዉ ኣብ ዝገብርዎ ቓልሲ ዘፍስስዎ ንብዓት ልክዕ ከም ኣብ መጽሓፍ እተጻሕፈ ገይሩ ይዝክሮ ምዃኑ ምፍላጥሲ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ!

የሱስ ክርስቶስ እውን ልክዕ ከም ሰማያዊ ኣቦኡ ናይ ካልኦት ስምዒታት ይስምዖ ኢዩ። ንሓደ ጸማም ከሕውዮ ኸሎ ንበይኑ ወሰዶ፣ ከምዚ ዝገበረ ኸኣ እቲ ተኣምራዊ ምሕዋይ ከየሕፍሮ ወይ ከየሰምብዶ ኢሉ ኸም ዝዀነ ፍሉጥ ኢዩ። (ማርቆስ 7:⁠32-35) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ የሱስ ንሓንቲ ሓደ ወዳ ኽትቀብር እትኸይድ ዝነበረት መበለት ረኣያ። ነቲ ስቓያ ብኡንብኡ ተረድኦ: ናብቶም ክቐብርዎ ዝኸዱ ዝነበሩ ቕርብ ኢሉ ኸኣ ነቲ ጐበዝ ኣተንስኦ።​—⁠ሉቃስ 7:⁠11-16

የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንሳውል ናብ ደማስቆ ኣብ ዝወስድ መገዲ ምስ ተራእዮ: ሳውል ኣብ ደቀ መዛሙርቱ ዘውረዶ ብርቱዕ መስጐጕቲ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተሰምዖ ገለጸሉ። “ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ” ኸኣ በሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:3-5) ልክዕ ከምቲ ሓንቲ ኣደ ስቓይ ዝሓመመ ውላዳ ዝስምዓ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝስምዖም ዝነበረ ስቓይ ተሰምዖ። ብተመሳሳሊ: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሊቀ ኻህናትና የሱስ ‘ብድኻምና ይድንግጸልና’ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 4:⁠15

ሃዋርያ ጳውሎስ ስቓይን ስምዒትን ካልኦት ዝስምዖ ነበረ። “መን እዩ ዚደክም: ኣነ ኸኣ ዘይደኽመሉ፧ መን እዩ ዚዕንቀፍ: ኣነ ኸኣ ዘይነድድ፧” ኢሉ ድማ ሓተተ። (2 ቈረንቶስ 11:29) ሓደ መልኣኽ ብተኣምራዊ መገዲ ንጳውሎስን ሲላስን ካብቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፊልጲ ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ምስ ፈትሖም: ጳውሎስ መጀመርታ ዝሓሰቦ ነገር ነቲ ሓላው እሱራት ማንም ኸም ዘየምለጠ ንኽነግሮ ኢዩ። እቲ ሓላው እሱራት ርእሱ ክቐትል ከም ዝኽእል ተሰምዖ። እሱር: ብፍላይ ከኣ ኣጽኒዕካ ኽሕሎ ትእዛዝ እተዋህበሉ እሱር: እንተ ኣምሊጡ ብመሰረት ስርዓት ሮሜ እቲ ሓላው እሱራት ከቢድ መቕጻዕቲ ኸም ዝወርዶ ጳውሎስ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠24-28) እዚ ሕያውነት እዚ ነቲ ሓላው እሱራት ልቡ ተንከፎ: ንሱን ስድራ​ቤቱን ከኣ ክርስትያናት ንምዃን ስጕምቲ ወሰዱ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠30-34

ሓልዮት እንዅስኵሰሉ መገድታት

ቅዱሳት ጽሑፋት ብተደጋጋሚ ነቲ ሰማያዊ ኣቦናን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ክንመስሎም ስለ ዘተባብዓና: ሓልዮት ከነማዕብላ ዘሎና ባህሪ ኢያ። ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧ ንናይ ካልኦት ድሌትን ስምዒታትን ናይ ምርዳእ ክእለትና ኸነመሓይሸሉ እንኽእል ሰለስተ ቐንዲ መገድታት ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ምስማዕ: ምስትብሃል: ከምኡውን ኣብ ኣእምሮኻ ምስኣል ኢዩ።

ስማዕ። ጽን ኢልና ብምስማዕ ካልኦት እንታይ ጸገማት ከም ዘጋጥሞም ክንፈልጥ ንኽእል። ዝያዳ ብዝሰማዕናዮም ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ብእኡ መጠን ኣልባቦም ይኸፍቱልና ስምዒታቶም ድማ ይገልጹልና። ሚርያም ከምዚ በለት:- “ሓደ ሽማግለ ኸም ዝሰምዓኒ ርግጸኛ እንተ ዀይነ ኸዘራርቦ እኽእል ኢየ። ጸገመይ ኣጸቢቑ ኸም ዝርድኣለይ ክፈልጥ እደሊ ኢየ። ነቲ ዝነገርክዎ ተጠንቂቑ ኸም ዝሰምዓኒ ዘርኢ ሕቶታት ምስ ዝሓተኒ ኸኣ ኣብኡ ዘሎኒ ምትእምማን ይዓቢ።”

ኣስተብህል። እተሰምዖም ስምዒት ወይ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ጸገማት ዝነግሩና ዅሎም ሰባት ኣይኰኑን። ተጠንቂቑ ዝዕዘብ ሰብ ግን ሓደ ክርስትያን ክጭነቕ ከሎ: ሓደ ዀተቴ ስቕ በሃሊ ክኸውን ከሎ: ወይ ሓደ ቐናእ ኣገልጋሊ ኽዝሕል ከሎ የስተብህል ኢዩ። እቲ ጸገም ከይዓበየ ኸሎ ኣብ መጀመርታ ናይ ምስትብሃል ክእለት ንወለዲ ኣጸቢቑ ኢዩ ዘድልዮም። ማሪ “ኣደይ ከይተዛረብክዋ እንታይ ከም ዝስምዓኒ ትፈልጥ ኢያ። ስለዚ ብዛዕባ ጸገማተይ ብግህዶ ንኽዛረባ ኣይከብደንን ኢዩ” በለት።

ኣብ ኣእምሮ ናይ ምስኣል ክእለትካ ተጠቐመሉ። ሓላዪ ንኽትከውን ዝጠቅም ካብ ዅሉ ዝበለጸ መገዲ ንገዛእ ርእስኻ ‘ኣብዚ ዅነታት እዚ ነይረ እንተ ዝኸውን: ከመይ ምተሰምዓኒ፧ እንታይ ምገበርኩ፧ እንታይ መድለየኒ፧’ ኢልካ ምሕታት ኢዩ። እቶም ሰለስተ ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ እዮብ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ቦታኡ ኸእትውዋ ኣይከኣሉን። ስለዚ: በቲ ፈጺምዎ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ኣብ ኣእምሮኦም ዝፈ​ጠርዎ ሓጢኣቱ ዀነንዎ።

ዝበዝሕ ግዜ ዘይፍጹማት ሰባት ስምዒት ካልኦት ካብ ምርዳእ: ብጌጋታቶም ምፍራድ ይቐሎም። ይኹን እምበር: ጸበባ ናይ እተወጽዐ ሰብ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ እንተ ጽዒርና: ኣብ ክንዲ እንዅንኖ ኽንድግጸሉ ኢና እንድረኽ። ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ዃን ዝበሃል ሽማግለ “ቅድሚ ሓሳብ ምሃበይ ጽን ኢለ እንተ ሰሚዐን ንብምሉእ እቲ ዅነታት ክርድኦ እንተ ጽዒረን: ኣጸቢቑ ዝሓሸ ምኽሪ ኢየ ዝህብ” በለ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዝርግሕዎ ጽሑፋት ንብዙሓት ሓጊዙ ኢዩ። መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ከም ናይ መንፈስ ጭንቀትን ኣብ ቈልዑ ዝወርድ ማህሰይትን ዝኣመሰለ እተሓላለኸ ጸገማት ይገልጽ ኢዩ። እዚ እዋናዊ ሓበሬታ እዚ ሰማዕቲ ንስምዒት ካልኦት ክርድኡ ይሕግዞም ኢዩ። ብተመሳሳሊ እታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስታ መጽሓፍ ንብዙሓት ወለዲ ናይ ደቆም ጸገማት ንኽርድኡ ሓጊዛቶም ኢያ።

ሓልዮት ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ትሕግዘና

መብዛሕትና ብጥሜት ዝሳቐ ቘልዓ እንተ ርኢና ኻብ መግብና ነካፍሎ ኢና። ሓለይቲ እንተደኣ ዄንና እውን ብዛዕባ መንፈሳዊ ዅነታት ሰባት ነስተውዕል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ “ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረአየ: ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም” ይብለና። (ማቴዎስ 9:36) ሎሚ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ተመሳሳሊ መንፈሳዊ ዅነታት ስለ ዘለዉ ሓገዝ የድልዮም ኢዩ።

ልክዕ ከምቲ ብግዜ የሱስ: ሎሚውን ንልቢ ገሊኣቶም ሰባት ንምትንካፍ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህሪ ኸነወግድ ወይ ሱር ዝሰደደ ልምድታት ክንሰግር ከድልየና ይኽእል ኢዩ። ሓላዪ ኣገልጋሊ ነቲ መልእኽቱ ብዝያዳ ማራኺ ንምግባር ሓባራዊ ባይታ ኽረክብ ይጽዕር ወይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ዘሎ ጕዳይ ይዛረብ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠22, 23፣ 1 ቈረንቶስ 9:⁠20-23) ብሓልዮት ተደሪኽካ ዝግበር ሕያውነት: ከምቲ እቲ ኣብ ፊልጲ ዝነበረ ሓላው እሱራት ዝገበሮ: ሰማዕትና ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብቐሊሉ ኸም ዝቕበልዎ ይገብሮም ኢዩ።

ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ኣሕዋት ዘርእይዎ ጕድለታት ሸለል ንምባል ሓልዮት ብዙሕ ትሕግዘና ኢያ። ንስምዒታት ዘቐየመና ሓው ኽንርድኦ እንተደኣ ጽዒርና: ይቕረ ንኽንብለሉ ዝያዳ ኸም ዝቐለና ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት እንተ ንኣቱ: ከም ናቱ ዓይነት ተመክሮ ወይ ኣተዓባብያ እንተ ዝህልወና: ምናልባት ተመሳሳሊ ነገር ምገበርና። የሆዋ ብሓልዮቱ ተደሪኹ “ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ:” እምበኣር ንዘይፍጽምና ኻልኦት ኣብ ግምት ንኸነእቱን ‘ይቕረ ንኽንብሎምን’ ሓልዮት ኽትድርኸናዶ ኣይግባእን፧​—⁠መዝሙር 103:⁠14፣ ቈሎሴ 3:⁠13

ተግሳጽ ኣብ እንህበሉ እዋን: ንስምዒታትን ተኣፋፍነትን ናይቲ ዝበደለ ሰብ ምስ እንርድኦ ብሕያውነት ኢና እንገብሮ። ሓላዪ ክርስትያን ሽማግለ ‘ኣነውን ነዚ ጌጋ እዚ ኽፍጽም እኽእል ኢየ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታትውን ክኣቱ እኽእል ኢየ’ ኢሉ ንርእሱ የዘኻኽር ኢዩ። ስለዚ ጳውሎስ “ነዚ ኸምዚ ዝበለ . . . ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ንስኻውን ከይትፍተን: ንርእስኻ ተጠንቀቕ” ብምባል ተላበወ።​—⁠ገላትያ 6:1

ብተወሳኺውን ክርስትያን ብጻይና ሓገዝ ክንገብረሉ ኽሓተና ዝስከፍ እኳ እንተዀነ ዓቕምና ብዝፈቕዶ መጠን ብግብራዊ መገዲ ኽንሕግዝ ሓልዮት ትድርኸና ኢያ። ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረአዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉ: ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧ . . . ብግብርን ብሓቅን እምበር: ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር።”​—⁠1 ዮሃንስ 3:17, 18

“ብግብርን ብሓቅን” ንኽንፋቐር: ንሓውና ብፍላይ ዘድልዮ ነገራት ኸነስተብህል ኣሎና። ንኻልኦት ክንሕግዞም ኢልና እንታይ ከም ዘድልዮም ነስተብህል ዲና፧ ሓልዮት ማለት ከምዚ ኢዩ።

ድንጋጽ ኣማዕብል

ብተፈጥሮና ብዙሕ ዘይንድግጽ ክንከውን ንኽእል ኢና: እንተዀነ ግን ነዛ ባህሪ እዚኣ ኸነማዕብላ ንኽእል ኢና። ጽን ኢልና እንተ ሰሚዕና: ኣጸቢቕና እንተ ኣስተብሂልና: ከምኡውን ንገዛእ ርእስና ብተደጋጋሚ ኣብ ኵነታት ካልኦት ነእትዋ እንተ ዄንና: ሓልዮትና ይዓቢ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ንደቅና: ንክርስትያን ብጾትና: ከምኡውን ንጐረባብትና ዝያዳ ፍቕርን ሕያውነትን ርሕራሐን ከነርእዮም ኢና።

ስስዐ ንሓልዮትካ ኸጥፍኦ ኣይተፍቅደሉ። ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊልጲ 2:4) ዘለኣለማዊ ተስፋና ኣብቲ የሆዋን ሊቀ ኻህናትና የሱስ ክርስቶስን ዘርእዩና ሓልዮት ኢዩ ዝምርኰስ። እምበኣር ነዛ ባህሪ እዚኣ ንምምዕባል ግዴታ ኣሎና። ሓልዮትና: ዝሓሹ ኣገልገልትን ወለድን ንኽንከውን ይድግፈና ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ሓለይቲ ምስ እንኸውን ‘ካብ ምቕባል ምሃብ ኣዝዩ ኸም ዝባረኽ’ ክንግንዘብ ኢና።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ሓልዮት ምርኣይ: ንኻልኦት ክትሕግዞም ኢልካ እንታይ ከም ዘድልዮም ምስትብሃል ዘጠቓልል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ሓንቲ ፈቃር ኣደ ብተፈጥሮ ንውላዳ ዝስምዓ ሓልዮት ክንመሃሮ ዲና፧