ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 “ብስም የሱስ” ከይበልና ናብ ኣምላኽ ብጸሎት ምቕራብ ግቡእ ድዩ፧

ናብ የሆዋ ብጸሎት ክቐርቡ ዝደልዩ ክርስትያናት ብስም የሱስ ክቐርብዎ ኸም ዘለዎም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ብዘይ​ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ: ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ። ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም: ክገብረልኩም እየ” በለ።​—⁠ዮሃንስ 14:6, 13, 14

ሳይክሎፔድያ ኦቭ ቢብሊካል: ቲኦሎጂካል: ኤንድ ኤክለስያስቲካል ሊትረቸር ዝበሃል መዝገበ⁠-​ፍልጠት የሱስ ብዛዕባ ዘለዎ ፍሉይ ቦታ ኽገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ:- “ጸሎት ዝቐርበሉ ኣምላኽ በይኑ ጥራይ ኰይኑ እቲ ማእከላይ ከኣ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ስለዚ ናብ ቅዱሳት ወይ መላእኽቲ ዝቐርብ ኵሉ ልመና ዘይጠቅም ጥራይ ዘይኰነስ ንዕቀት እውን ኢዩ። ሓደ ፍጡር ዕብየቱ ኽሳዕ ክንደይ ምዃኑ ብዘየገድስ ብምሉኡ እቲ ናብ ፍጡር ዝቐርብ ኣምልኾ: ምምላኽ ጣኦት ኢዩ፣ ኣብቲ ቕዱስ ሕጊ ኣምላኽ ከኣ ብጽኑዕ ተኸልኪሉ ኢዩ።”

ሓደ ሰብ ባህ ዘብል ነገር ምስ ኣጋጠሞ “ብስም የሱስ” ከይበለ “ተመስገን የሆዋ” እንተ በለ ጌጋ ድዩ፧ ዘይግቡእ ገይሩ ኽበሃል ኣይክእልን ኢዩ። ሓደ ክርስትያን ዘይተሓሰበ ሓደጋ ምስ ኣጋጠሞ “የሆዋ ሓግዘኒ!” ኢሉ ኸም ዝጨደረ ጌርና እሞ ንሕሰብ። ኣምላኽ ንኣገልጋሊኡ “ብስም የሱስ” ዘይበልካ ኢሉ ሓገዙ ኸም ዘይከልኦ ፍሉጥ ኢዩ።

ይኹን እምበር: ንኣምላኽ ዓው ኢልካ ተዛሪብካዮ ማለት: ጸሎት ኣቕሪብካ ማለት ከም ዘይኰነ ኸነቕልበሉ ዘሎና ጕዳይ ኢዩ። ንኣብነት: ቃየል ንሓዉ ብምቕታሉ የሆዋ ምስ ፈረዶ “በደለይ ክጾሮ ዘይከአለኒ ዓብዪ እዩ። እንሆ: ሎሚ ኻብ ገጽ ምድሪ ትሰጐኒ አሎኻ: ኣነ ድማ ኻብ ገጽካ ኽሕባእ እየ: ኣብ ምድሪ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ክኸውን እየ። ኪኸውን ከኣ እዩ: ዚረኽበኒ ዘበለ ዅሉ ኪቐትለኒ እዩ” ኢሉ ተዛረበ። (ዘፍጥረት 4:13, 14) ቃየል ንኣምላኽ ይዛረቦ እኳ እንተ ነበረ: እቲ ብስምዒት ገንፊሉ እተዛረቦ ነገር ሓጢኣት ብዘስዓበሉ መሪር ሳዕቤን ዘቕረቦ ጥርዓን ኢዩ ነይሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም” ይብለና ኢዩ። ነቲ ኻብ ኵሉ ልዑል ዝዀነ ኣምላኽ ኸምቲ ምስ ሰብ እተዕልሎ ጌርካ ምዝራብ: ትሕትና ዘይምህላው ኢዩ ዘርኢ። (ያእቆብ 4:⁠6፣ መዝሙር 47:⁠2፣ ራእይ 14:⁠7) ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ የሱስ ዘለዎ ግደ እንታይ ከም ዝብል እናፈለጥካ ዀነ ኢልካ ንየሱስ ክርስቶስ ኣፍልጦ ኸይሃብካ ምጽላይ ኣኽብሮት ዘይምርኣይ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 1:⁠32, 33

እዚ ኽበሃል ከሎ የሆዋ እተወሰነ ዓይነት ኣገባብ ወይ ኣቃውማ ጸሎት ይጽበ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። እቲ ቐንዲ ረቛሒ ዅነታት ልቢ ኢዩ። (1 ሳሙኤል 16:⁠7) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ቆርኔሌዎስ ዝበሃል ሓለቓ ሰራዊት ሮሜ “ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ዚልምን” ሰብ ነበረ። ካብቶም ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ስለ ዝነበረ ህይወቱ ንየሆዋ ኣይወፈየን ነበረ። ብስም የሱስ ጸሎት ከቕርብ እውን ዘይመስል ኢዩ: እንተዀነ ግን ጸሎቱ “ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ንመዘከርታ ደዪቡ እዩ።” ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቲ “ንልቢ ዚፍትኖ” ኣምላኽ: ቆርኔሌዎስ ‘ጻድቕን ንኣምላኽ ዝፈርህን’ ምዃኑ ርእዩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠2, 4፣ ምሳሌ 17:⁠3) ቆርኔሌዎስ ብዛዕባ “የሱስ ብዓል ናዝሬት” ፍልጠት ምስ ኣጥረየ: መንፈስ ቅዱስ ተቐበለ: እተጠምቀ ወደ መዝሙር የሱስ ከኣ ዀነ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠30-48

እምበኣርከስ: ኣምላኽ ነየናይ ጸሎት ከም ዝሰምዕ ምውሳን: ናይ ደቅሰብ ኣይኰነን። ሓደ ክርስትያን ምስ ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ ሳሕቲ “ብስም የሱስ” ምባል እንተ ረሲዑ: ብናይ በደል ስምዒት ክወሓጥ የብሉን። የሆዋ ዓቕምና ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ: ኽሕግዘና ኸኣ ኢዩ ዝደሊ። (መዝሙር 103:⁠12-14) ‘ብወዲ ኣምላኽ’ እንተ ኣሚንና “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ: ይሰምዓና” ምዃኑ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። (1 ዮሃንስ 5:⁠13, 14) ይኹን እምበር: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍላይ ንኻልኦት ወኪሎም ኣብ ቅድሚ ሰባት ክጽልዩ ኸለዉ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ዘሎ የሱስ ኣብ ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ግደ ኣፍልጦ ይህቡሉ ኢዮም። ብየሱስ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ብምጽላይ ንየሱስ ዘለዎም ኣኽብሮት ብተኣዛዝነት ከርእዩ ይጽዕሩ ኢዮም።