ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕጂ ድሕንነት ይስምዓካ ንሓዋሩውን ድሕንነት ትረክብ

ሕጂ ድሕንነት ይስምዓካ ንሓዋሩውን ድሕንነት ትረክብ

ሕጂ ድሕንነት ይስምዓካ ንሓዋሩውን ድሕንነት ትረክብ

 ድሕንነት ብቐሊሉ ዘይርከብ: እንተ ተረኽበ እውን ግዝያዊ ጥራይ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ ብዛዕባ ድሕንነት ዘሎና ኣረኣእያ ኣብ ኣእምሮ እተሳእለ ጥራይ ማለት ኣብቲ ኽንረኽቦ እንኽእል ዘይኰነስ ኣብቲ ኽንረኽቦ እንደሊ እተመርኰሰ ስለ ዝዀነዶ ዀን ይኸውን፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ምድንጋር ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ምንባር ተባሂሉ ኽጽዋዕ ይከኣል ኢዩ።

ኣብ ኣእምሮ ናይ ምስኣል ክእለት ነቲ ድሕንነት ዘይብሉ ኽዉንነት ህይወት ብምጥንጣን ንሕልምና ኽዘርግ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር እናኣወገድና ናብ ባህ ዘብልን ድሕንነት ዘለዎን ዓለም ክወስደና ይኽእል ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን እቲ ኣብ ናይ ጋህዲ ዓለም ዘሎ ጸገማት ኣብቲ ናይ ሕልሚ ዓለም ቅልቅል ይብል እሞ ነቲ ህድኣት ብምዝራግ ነቲ ሓላሚ ናብቲ መሪር ክውንነት የበራብሮ።

ሰባት ድሕንነት ዘናድዩሉ ሓደ መዳይ ማለት ዓዲ ምቕያር እስከ ንርአ። ንኣብነት: ሓንቲ ዓባይ ከተማ: ጽቡቕ ግዜ እተሕልፈላ: ብዙሕ ደሞዝ እትረኽበላ: ከምኡውን ኣብ ብሉጽ ኣባይቲ እትነብረላ ጌርካ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእላ ትኽእል ኢኻ። እወ: እታ ኸተማ ነቲ ነዊሕ እተጸበኻዮ ድሕንነት እትረኽበላ ኢዩ ዝመስለካ። እንተዀነ ግን እዚ ሕልሚ እዚ ጋህዲ ክኸውን ይኽእል ድዩ፧

ዓዲ ምቕያር​—ዓብዪ ኸተማ ከምቲ ዝውረየሉ ድዩ ወይስ ዘይገሃድ ሕልሚ፧

ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ናብ ዓበይቲ ኸተማታት ምኻድ ዝብል መህረሪ ሓሳብ በቲ ኣብ ኣእምሮኻ ስእሊ ዝገድፍ ረክላማት ይተባባዕ ኢዩ። ነዚ ረክላማት ዝገብራ ትካላት ብዛዕባ ድሕንነትካ ሓልየን ዘይኰነስ ብዛዕባ መሸጣአን ሓሲበን ኢየን ዝገብርኦ። ነቲ ኣብ ናይ ጋህዲ ዓለም ዘሎ ጸገማት: ድሕንነት ከም እትረክብ ብዝገልጽ ዘብለጭልጭ ነገራት ይሽፍንኦ። በዚ ኸምዚ ድሕንነት ምስቲ ዘፍርይኦ ፍርያትን ምስቲ ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ዘሎ መነባብሮን ይተኣሳሰር።

ነዚ ዝስዕብ ኣብነት እሞ ሕስብ ኣብለሉ። ሰበ⁠-​ስልጣን ሓንቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ትርከብ ከተማ: ሽጋራ ምትካኽ ነቲ ጽዒርካ ዝረኸብካዮ ገንዘብ ብሓዊ ምንዳድ ከም ዝዀነ ዝሕብር ንጹር ስእልታት ኣብ ናይ ምልክታ ሰሌዳታት ጠቅዑ። እዚ ኽፍሊ ናይቲ ሽጋራ ምትካኽ ዘስዕቦ ሳዕቤን ንምሕባር እተገብረ ወፈራ ኢዩ ነይሩ። ኣፍረይትን ነጋዶን ሽጋራ ግን ንዓይኒ ዝማርኹ ሕጉሳትን ዕዉታትን ሰባት ሽጋራ ከትክኹ ኸለዉ ዘርኢ ብውሕልነት እተዳለወ ስእልታት ብምልጣፍ መልሰ⁠-​ግብሪ ሃቡ። ኣብ ርእሲ እዚውን ሓደ ኩባንያ ሽጋራ ንገለ ኻብ ሰራሕተኛታቱ ብሉጽ ዩኒፎርምን ቆብዕን ብምኽዳን ኣብ መገዲ ንዝረኸብዎም መንእሰያት “ፈትኖ” እናበሉ ብምትብባዕ ሽጋራ ኸም ዝዕድሉ ገበረ። መብዛሕትኦም ካብዞም መንእሰያት ካብ ገጠራት ኢዮም መጺኦም: ንሜላ እዚ ረክላም እዚ ገርህታት ስለ ዝዀኑ ኸኣ ነቲ ዕድመ ተቐበልዎ። ውሉፋት ኣትከኽቲ ሽጋራ ድማ ዀኑ። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ናብታ ዓባይ ከተማ ዝመጹ: ድሕንነት ረኺቦም ንስድራኦም ምእንቲ ኽሕግዙ ወይ ንኽህብትሙ ኢሎም ኢዮም። ኣብ ክንድኡ ግን ንዝሓሸ መዓላ ኸውዕልዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ዝበዝሕ ገንዘቦም የንድድዎ ነበሩ።

ኣብ ዓብዪ ኸተማ ዕዉት ናብራ ኸም ዝህልወካ ዘርኢ ረክላማት ኵሉ ሳዕ ካብ ነጋዶ ጥራይ ኣይኰነን ዝምንጭ። እቶም ናብ ዓበይቲ ከተማታት ዝገዓዙ እሞ ናብ ዓዶም ከይምለሱ ዝሓፍሩ ውልቀ⁠-​ሰባት እውን ምንጪ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ “ረክላም” ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ናብራ ዓብዪ ኸተማ ምዃን ኣብይዎም ምእንቲ ኸይበሃሉ ኢሎም ኣብቲ ኸተማ ሃብትን ኣሳልጦን ከም ዝረኸቡ ብምውራይ ይጅሃሩ ኢዮም። ይኹን እምበር: ነቲ ዅነታቶም ቅርብ ኢልካ ምስ እትዕዘቦ እቲ ዘለዉዎ ናብራ ኻብቲ ኣብ ገጠር ዝነበሮም ናብራ ኸም ዘይተመሓየሸ ኽርአ ይከኣል ኢዩ። ልክዕ ከም ካልኦት ተቐማጦ ኸተማ ብቝጠባዊ መዳይ ይቃለሱ ኢዮም ዘለዉ።

እቶም ድሕንነት ክረኽቡ ሃለው ዝብሉ ሓደስቲ ሰባት ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ግዳያት ጐሓሉ ዀይኖም ኢዮም ዝተርፉ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብሓፈሽኡ ኽርአ ኸሎ ጥብቂ ዕርክነት ንኽምስርቱ እኹል ግዜ የብሎምን: ካብ ስድራ​ቤቶም ከኣ ርሒቖም ኢዮም። ስለዚ ኣብቲ መፈንጠራ ናይቲ ደድሕሪ ፍቕረ⁠-​ንዋይ ከም እትጐዪ ዝገብር ዓይነት ናብራ ንኸይወድቁ ዝምዕዶም የብሎምን።

ዦስዊ ሽጋራ ምትካኽ ኣይጀመረን። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ናብራ ኸተማ ኻብ ዓቕሙ ንላዕሊ ምዃኑ ኣስተውዓለ። ከተማ ኽህቦ ዝኽእል ነገር እንተ ሃልዩ ዘይገሃድ ሕልምታት ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ከተማ ናይ ሓቂ ድሕንነት ከም ዘይረኸበ ኣስተውዓለ: ናብራ ኸተማ ንዕኡ ዝኸውን ኣይነበረን። ባዶነት ተሰምዖ: ተደቝሰ: ከምኡውን ብላሽ ዝዀነ ዀይኑ ተሰምዖ። ኣብ መወዳእታኡ ትሕት ብምባል ናብታ ቍሸቱ ተመልሰ።

መስሓቕ ሰብ ከይከውን ፈሪሁ ነይሩ። ኣብ ክንድኡ ግን ስድራ​ቤቱን ናይ ሓቂ ፈተውቱን መርሓባ ኢሎም ተቐበልዎ። ስድራ​ቤቱ ሓንጐፋይ ኢሎም ስለ እተቐበልዎ: ንቝሸቱ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጣ: ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ፈተውቱ እውን ፍቕሪ ስለ ዘርኣይዎ: ኣብታ ጽቡቕ ተመንዩ ዝኸዳ እሞ ከርፋሕ ናብራ ዘሕለፈላ ዓባይ ከተማ ኻብ ዝነበሮ ንላዕሊ ድሕንነት ይስምዖ ኣሎ። እቲ ዘገርም ከኣ ምስ ኣቦኡ ኣብ ሕርሻ ኣበርቲዑ ምስ ዓየየ: ንዕኡን ንስድራ​ቤቱን ካብቲ ኣብ ከተማ ዝረኽቦ ዝነበረ ኣታዊ ንላዕሊ ረኸበ።

ገንዘብ​—⁠እቲ ናይ ሓቂ ጸገም እንታይ ኢዩ፧

ገንዘብ ድሕንነት ከም ዝስምዓካ ኽገብር ይኽእል ድዩ፧ ሊዝ እትበሃል ካናዳዊት “ንእሽቶ ኸለኹ ገንዘብ ካብ ጭንቀት ሓራ ዝገብር ይመስለኒ ነይሩ” በለት። ንሓደ ሃብታም ሰብኣይ ከኣ ኣፍቀረት። ነዊሕ ከይጸንሑ ተመርዓዉ። ድሕንነትዶ ተሰምዓ፧ ሊዝ ቀጺላ ኸምዚ ትብል:- “ምስ ተመርዓኹ ጽቡቕ ገዛን ክልተ ማካይንን ነበረና: ቍጠባዊ ዅነታትና እውን ዓለም ብስጋዊ መዳይ ክትህቦ እትኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ንኽንረክብ ዘኽእለና ነበረ። ክንገይሽን ክንዘናጋዕን ንኽእል ነበርና። እቲ ዘገርም ግን: ብዛዕባ ገንዘብ ምጭናቕ ኣየቋረጽኩን።” ስለምንታይ ከምዚ ኸም እተሰምዓ ድማ ኸምዚ ብምባል ገለጸት:- “ብዙሕ ወጻኢታት ነበረና። ዝያዳ ገንዘብ ብዘጥረኻ መጠን: ዘሎካ ናይ ድሕንነት ስምዒት ድማ ብእኡ መጠን እናጐደለ ዝኸይድ ኢዩ ዝመስል። ገንዘብ ካብ ጭንቀት ወይ ሻቕሎት ሓራ ኣየውጽኣካን ኢዩ።”

ድሕንነት ንኽትረክብ ዘኽእል እኹል ገንዘብ ዘይብልካ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካ ንርእስኻ ‘እቲ ናይ ሓቂ ሽግር እንታይ ኢዩ፧ እኹል ገንዘብ ዘይምርካበይ ድዩ ወይስ ነቲ ዝረኽቦ ብግቡእ ስለ ዘየካውኖ ኢየ፧’ ኢልካ ሕተት። ሊዝ ንዝሓለፈ ህይወታ ምልስ ኢላ ድሕሪ ምርኣያ ከምዚ በለት:- “ቈልዓ ኸለኹ ኣብ ስድራ​ቤትና ዘጋጥም ዝነበረ ጸገማት ብሰንኪ ዘይምክዋን ምዃኑ ሕጂ ተረዲአዮ ኢየ። ተዓዲና ኢና እንሽምት: ስለዚ ዅሉ ሳዕ ዕዳ ምስ ተሰከምና ኢና። እዚ ኸኣ ጭንቀት ኣምጽአ።”

ሎሚ ግን ሊዝን በዓል ቤታን ካብቲ ናይ ቀደም ዝውሕድ ገንዘብ እኳ እንተለዎም ዝያዳ ድሕንነት ይስምዖም ኢዩ። ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ሓቂ ምስ ተማህሩ ብዛዕባ ገንዘብ ንዝወሃብ ዘስድዕ ሓሳባት ሓዲጎም ንጥበብ ኣምላኽ ክሰምዑ ጀመሩ። ገለ ኻብቲ ጥበብ ኣምላኽ ከኣ “እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር: ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ” ዝብል ይርከቦ። (ምሳሌ 1:33) ኣብ ባንክ እተዋህለለ ብዙሕ ገንዘብ ክህቦም ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ህይወቶም ትርጕም ክህልዎ ደለዩ። ሕጂ ኣብ ርሑቕ ሃገር ሚስዮናውያን ኰይኖም ብምግልጋል: የሆዋ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ መላእ ምድሪ ናይ ሓቂ ድሕንነት ከምጽእ ምዃኑ ንሃብታማት ኰነ ንድኻታት ይምህሩ ኣለዉ። እዚ ንጥፈት እዚ ኻብ ብሉጽ ዕላማን ሓለፍ ዝበለ ስነ⁠-​ምግባራዊ ባህርያትን ደኣ እምበር ብገንዘብ ዘይርከብ ዓሚቝ ዕግበትን ርግኣትን ኣምጺእሎም ኢዩ።

ነዚ መሰረታዊ ሓቂ እዚ ኣይትረስዕ:- ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ምዃን ካብ ዝዀነ ይኹን ስጋዊ ሃብቲ ይበልጽ። ኣብ ምሉእ ቅዱሳት ጽሑፋት ስጋዊ ሃብቲ ኸነጥሪ ዘይኰነስ: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽቡቕ ኣቕዋም ክህልወና ኢዩ ጐሊሑ ዘሎ። ነዚ ኸኣ ወርትግ ብእምነት ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ክንፍጽሞ ንኽእል ኢና። ክርስቶስ የሱስ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ክንከውንን ‘መዝገብና ኣብ ሰማይ’ ክንዓቍርን ኢዩ ኣተባቢዑና።​—⁠ሉቃስ 12:⁠21, 33

ዝለዓለ ደረጃ​—⁠ናበይ ገጽካ ኢኻ ትጐዓዝ ዘሎኻ፧

ዝለዓለ ማሕበራዊ ደረጃ ምሓዝ ድሕንነት ንኽትረክብ ዘኽእለካ መገዲ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ ንርእስኻ ‘ኣበየናይ ደረጃ ዝበጽሐ ሰብ ኢዩ ናይ ሓቂ ድሕንነት ዝረክብ፧ ነዚ ንምርካብ ኣበይ ክበጽሕ ኣሎኒ፧’ ኢልካ ሕተት። ጽቡቕ ስራሕ ምርካብ ድሕንነት ዘምጽእ ይመስል እሞ: መወዳእታኡ ናብ ጓሂ ወይ ዝኸፍአ ውድቀት ኢዩ ዝመርሕ።

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም ምህላው: ኣብ ቅድሚ ሰብ ጽቡቕ ስም ካብ ምህላው ንላዕሊ ድሕንነት ከም ዘምጽኣልካ ኣብ ናይ ሓቂ ተመክሮታት ተራእዩ ኢዩ። የሆዋ ጥራይ ኢዩ ንሰባት ዘለኣለማዊ ህይወት ክህቦም ዝኽእል። እዚ ኸኣ ኣብቲ ሰናይ ግብርታት ዝምዝገበሉ መዝገብ ዘይኰነስ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ መጽሓፍ ህይወት ስምካ ኸም ዝጸሓፍ ምግባር ዘጠቓልል ኢዩ።​—⁠ዘጸኣት 32:⁠32፣ ራእይ 3:⁠5

ትምኒታት ካብ ኣእምሮኻ ብምውጻእ ንዅነታትካ ብኸመይ ትግምግሞ: ኣብ መጻኢኸ እንታይ ክትረክብ ኢኻ እትጽበ፧ ዝደለዮ ነገራት ብምሉኡ ዝረክብ ሰብ የለን። ከምቲ ሓደ ለባም ክርስትያን “ህይወት እዚ ከምኡውን እቲ ዘይኰነስ እዚ ወይ እቲ ዝርከበላ ምዃና ኽማሃር ነይሩኒ” ዝበሎ ኢዩ። ሓንሳእ ነዚ ኣቋሪጽካ ነዛ “ጽውጽዋይ በኒን” ዘርእስታ ሳጹን ኣንብብ።

ሕጂ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት መልሶ:- ኣብ ህይወተይ ቀንዲ መዓልቦይ ወይ ሸቶይ እንታይ ኢዩ፧ ናብኡ ንምብጻሕ እቲ ዝሓጸረ መገዲ ኣየናይ ኢዩ፧ ካብ መገደይ ኣላጊሰ ብነዊሕን ዘየተኣማምንን መገዲ እጐዓዝዶ እህሉ: እቲ ብሓቂ ዝደልዮን ኽበጽሖ ድማ ዝኽእልንከ ብዘይ​ተሓላለኸ መገዲ ኽበጽሖ እኽእልዶ፧

የሱስ ስጋዊ ነገራት ምስ መንፈሳዊ ነገራት ክወዳደር ከሎ ብዛዕባ ዘለዎ ተዛማዲ ዋጋ ድሕሪ ምምዓዱ: ዓይንና “ጥዕይቲ” ኽንገብራ ተዛረበ። (ማቴዎስ 6:⁠22) ኣብ ህይወት እቲ ቐንዲ ነገር ኣብ ስም ኣምላኽን መንግስቱን ዘተኵር መንፈሳዊ ነገራትን ሸቶታትን ምዃኑ ንጹር ገበረ። (ማቴዎስ 6:⁠9, 10) ካልእ ነገራት ኣገዳስነቱ ድሕርዚ ኢዩ ዝስራዕ: ወይ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ዓይኒ ኸተተኵረሉ ዝግባእ ኣይኰነን።

ሎሚ ዘለዋ ብዙሓት ካሜራታት ኣብ ቀረባ ዀነ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ነገራት ብቕጽበት ኣነጺረን የርእያ እየን። ከምዚ ናይ ምዃን ዝንባለ ኣሎካዶ፧ ኵሉ እትርእዮ ዘበለ ኸተተኵረሉ ዘሎካ ማለት ዘገድስ: ዝብሃግ: ወይ ተመኒኻ ክርከብ ዝከኣል ድዩ፧ ምናልባት ብእተወሰነ ደረጃ ከምኡ እንተደኣ ዀይኑ እውን ኻብታ ንክርስትያናት ኣገዳሲት ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ኣቓልቦኻ ዝሰርቕ ብዙሕ ነገራት ስለ ዘጋጥመካ ንኸተተኵረላ ኽትሽገር ኢኻ። የሱስ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ብምባል ተሪር ማዕዳ ሂቡ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 6:33

ሕጅን ንሓዋሩን ድሕንነት ምርካብ

ኵላትና ንገዛእ ርእስናን ንእነፍቅሮም ሰባትን ዝሓሸ ነገራት ክንረክብ ንምነ ንኸውን። እንተዀነ ግን: ዘይፍጹማት ምዃንናን ኣብ ዘይፍጽምቲ ዓለም ንነብር ምህላውናን ከምኡውን ዕምርና ሓጺር ምዃኑ ነቲ ኽንበጽሖ እንሓስቦ ነገራት ይድርቶ ኢዩ። ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከኣ ጕያ ንፈጣናት: ውግእ ንጀጋኑ: እንጌራ ንጥበበኛታት: ሃብቲ ነእምሮኛታት: ሞገስ ንብልህታት ከም ዘይኰነሎም: ተመሊሰ ርኤኹ። ግናኸ ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም” በለ።​—⁠መክብብ 9:11

ሓድሓደ ግዜ ብሰንኪ እቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዘጋጠመና ሃልኪ: ዝዓበየ ጕዳያት ማለት መን ምዃንናን ናይ ሓቂ ድሕንነት ንኽስምዓና እንታይ ከም ዘድልየናን ንርስዕ ኢና። ነዚ ጥንቲ እተጻሕፈ ጥበብ ዝመልኦ ቓላት እሞ ኣስተብህለሉ:- “ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን: እዚውን ከንቱነት ኢዩ። እቲ ዓያዪ ብዙሕ ወይስ ሒደት እንተ በልዔ: ጥዑም ድቃስ ይድቅስ: ንሃብታም ግና ጽጋቡ ኣየደቅሶን።” (መክብብ 5:⁠10, 12) እወ: ካበይ ኢኻ ድሕንነት እትጽበ፧

ኵነታትካ ምስቲ ጋህዲ ዘይከውን ሕልሚ ዦስዊ ዝመሳሰል እንተደኣ ዀይኑ: መደባትካ ኽትቅይር ትኽእልዶ፧ እቶም ብሓቂ ዘፍቅሩኻ ሰባት ከምቲ ንዦስዊ ስድራ​ቤቱን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝርከቡ ፈተውቱን ዝሓገዝዎ ንዓኻውን ክሕግዙኻ ኢዮም። ኣብቲ ኽምዝምዙኻ ዝደልዩ ሰባት ዘለዉዎ ኸተማ ዘይኰነስ ምስቶም እተፍቅሮም ብሓባር ኣብቲ ትሑት መነባብሮ ዘለዎ ኸባቢ ዝሓሸ ድሕንነት ክትረክብ ትኽእል ትኸውን።

ከም ሊዛን በዓል ቤታን ጥጡሕ መነባብሮ ዘሎካ እንተደኣ ዄንካ ድማ: ንሃብታማት ኰኑ ድኻታት ብዛዕባ እታ ናይ ሓቂ ድሕንነት ዝርከባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምምሃር ዝያዳ ግዜን ጕልበትን ንምውፋይ ኣነባብራኻ ከተተዓራሪ ምኸኣልካዶ፧

ናብ ዘለዓለ ማሕበራዊ ደረጃ ትድይብ ወይ ኣብ ስራሕ ዝዓበየ ቦታ ንምርካብ ትጽዕር እንተ ሃሊኻ: ድራኸ ዝገብረልካ ዘሎ እንታይ ምዃኑ ብቕንዕና ኽትምርምር ትደሊ ትኸውን። ልክዕ ኢዩ: እተወሰነ ምቾት ንህይወትካ ሓጐስ ይውስኸሉ ይኸውን። ይኹን እምበር: ነታ ነባሪ ድሕንነት እንረኽበላ መንግስቲ ኣምላኽ ከተተኵረላ ትኽእልዶ፧ ነቲ የሱስ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ዝበሎ ቓል ኣይትረስዕ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ እተፈላለየ ንጥፈታት ትካፈል እንተደኣ ሃሊኻ: ናይ ሓቂ ድሕንነት ክስምዓካ ኢዩ።

እቶም ኣብ የሆዋን ኣብ መንግስቱን ምሉእ ብምሉእ ዝውከሉ: ሕጂ ባህ ዘብል ድሕንነት ይስምዖም: ኣብ መጻኢ ኸኣ ምሉእ ድሕንነት ክረኽቡ ተስፋ ኣለዎም። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኸምዚ በለ:- “ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ: ብየማነይ ስለ ዝዀነ: ኣይክናወጽን እየ። . . . ልበይ ይሕጐስ: ክብረይ እልል ይብል: ስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሐድር እዩ።”​—⁠መዝሙር 16:8, 9

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ጽውጽዋይ በኒን

እዚ ጽውጽዋይ እዚ ብእተፈላለየ መልክዕ ኣሽሓት ግዜ ተዘንትዩ ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ሓደ ኣብ በኒን: ምዕራብ ኣፍሪቃ: ዝነብር ሽማግለ ሰብኣይ ንቘልዑ እዚ ዝስዕብ ጽውጽዋይ ኣዘንተወሎም።

ሓደ ገፋፍ ዓሳ ናብ ገዝኡ ምስ ተመልሰ ኣብዛ ኣብ ምምዕባል ዘላ ሃገር ዝሰርሕ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጸ ናይ ንግዲ ኽኢላ ይረኸቦ። እቲ ኽኢላ ነቲ ገፋፍ ዓሳ ስለምንታይ ቀልጢፉ ኸም እተመልሰ ይሓቶ። ንሱ ድማ ነዊሕ ክጸንሕ ይኽእል ከም ዝነበረ: የግዳስ ስድራኡ ንምንባይ ዝኣኽሎ ስለ ዝገፈፈ ምዃኑ ይምልሰሉ።

እቲ ኽኢላ መሊሱ “ነዚ ዅሉ ግዜኻ ኣብ ምንታይ ተሕልፎ፧” ኢሉ ይሓቶ።

እቲ ገፋፍ ዓሳ ኸኣ “ሒደት ዓሳ እገፍፍ። ምስ ደቀይ እጻወት። መዓልቲ ምስ ደሃረ ኵላትና ቐም ነብል። ምሸት ብሓባር ንድረር። ድሕሪኡ ምስ ኣዕሩኸይ ተኣኻኺብና ሙዚቃ ንሰምዕ: . . . ”

እቲ ኽኢላ ኣብ መንጎ ብምዅላፍ ከምዚ በሎ:- “ርኢኻ: ኣነ ኻብ ዩኒቨርሲቲ ብዲግሪ እተመረቕኩ ኢየ: ነዚ ጕዳይ እዚ ኸኣ መጽናዕቲ ገይረሉ ኢየ። ክሕግዘካ እደሊ ኢየ። ንንውሕ ዝበለ ሰዓታት ዓሳ ኽትገፍፍ ኣሎካ። ዝያዳ ኣታዊ ኽትረክብ ኢኻ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ ዝዓበየት ጃልባ ኽትዕድግ ኢኻ። በታ ዓባይ ጃልባ ዝያዳ ኣታዊ ትረክብ እሞ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ብዙሓት ዓሳ ዝገፋ መራኽብ ከተጥሪ ኢኻ።”

“ብድሕሪኡኸ፧” ሓተተ እቲ ገፋፍ ዓሳ።

“ድሕሪኡ: ብደላላይ ገይርካ ዓሳኻ ኣብ ክንዲ እትሸይጥ: ምስ ፋብሪካ ብቐጥታ ኽትወዓዓል ትኽእል: ወይ እውን ናይ ገዛእ ርእስኻ ዓሳ ዝሸይጥ ፋብሪካ ትኸፍት። ካብዚ ቝሸትካ ወጺእካ ናብ ኮትኑ: ወይ ፓሪስ: ወይ ኒው ዮርክ ትግዕዝ: ኣብኡ ዄንካ ኸኣ ንዅሉ ተካይዶ። ምናልባት እውን ንትካልካ ኣብ ናይ ኣክስዮን ዕዳጋ ተእትዎ: ሚልዮናት ከኣ ትሓፍስ።”

“እዚ ዅሉ ክንደይ ግዜ ይወስድ፧” ሓተተ እቲ ገፋፍ ዓሳ።

“ምናልባት ካብ 15 ክሳዕ 20 ዓመት” መለሰ እቲ ኽኢላ።

“ብድሕሪኡኸ፧” ወሲኹ ሓተተ እቲ ገፋፍ ዓሳ።

“ሽዑ ንህይወት ተስተማቕራ። ካብኡ ጥሮታ ትወጽእ። ነቲ ዅሉ ሃለኽለኽ ገዲፍካ ናብ ሓንቲ ቝሸት ትኸይድ” ኢሉ መለሰ እቲ ኽኢላ።

“ካብኡኸ፧” ሕጂውን ሓተተ ገፋፍ ዓሳ።

“ድሕሪኡ ግዜ ስለ ዝህልወካ ሒደት ዓሳ ትገፍፍ: ምስ ደቅኻ ትጻወት: መዓልቲ ምስ ደሃረ ቐም ተብል: ምስ ስድራኻ ትድረር: ምስ ፈተውትኻ ተኣኻኺብኩም ከኣ ሙዚቃ ትሰምዑ።”

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ስራሕ ዕቤት ድሕንነት የምጽእ ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ብጾትካ ብድሕንነትካ ናይ ሓቂ ይግደሱ ኢዮም