ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕግታት ኣምላኽ ንጥቕምና ኢዩ

ሕግታት ኣምላኽ ንጥቕምና ኢዩ

ሕግታት ኣምላኽ ንጥቕምና ኢዩ

“ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ።”​—⁠መዝሙር 119:97

1. ንሕግታት ኣምላኽ ብዛዕባ ምኽባር ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ኣረኣእያ እንታይ ኢዩ፧

 ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ሰባት ንሕግታት ኣምላኽ ኣየኽብሩን ኢዮም። ሓያሎ ሰባት ብዓይኒ ንዘይርአ ዝለዓለ ስልጣን ክእዘዙ ጥቕሚ ዘይብሉ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዖም። መለክዒታት ስነ⁠-​ምግባር ተዛማዲ ኢዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብ ዝሰፈነሉ: ኣብ መንጎ ቕኑዕን ጌጋን ንጹር ሕንጻጽ ኣብ ዘይብሉ: ከምኡውን ኣይቅኑዕ ኣይጌጋ ዝበሃል ስርዓታት ኣብ ዝበዝሓሉ መዋእል ኢና ንነብር ዘሎና። (ምሳሌ 17:⁠15፣ ኢሳይያስ 5:⁠20) ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተገብረ መጽናዕቲ “ብዙሓት ኣመሪካውያን ቅኑዕ: ጽቡቕ: ከምኡውን ትርጕም ዘለዎ ነገር ንገዛእ ርእሶም ባዕሎም ክውስኑ ኢዮም ዝደልዩ” ብምባል ነቲ ኣብ ብዙሓት ዓለማውያን ሕብረተሰባት ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ኣተሓሳስባ ገለጸ። “ተሪር ኣምላኽ: ጽኑዕ መምርሒታት: ስነ⁠-​ምግባራዊ መዐቀኒታት ኰነ ካልእ ጽኑዕ መትከል ዘለዎም ተረርቲ ሓለፍቲ” እንተ ዘይሃለዉዎም ይመርጹ። ሓደ ብዛዕባ ሕብረተሰብ ዘጽንዕ ሰብ: ሎሚ “ውልቀ⁠-​ሰባት ናብ ጽቡቕን ስነ⁠-​ምግባራውን ህይወት ዝመርሖም መገዲ ንገዛእ ርእሶም ባዕሎም ክውስኑ ኢዩ ትጽቢት ዝግበረሎም” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ “ዝዀነ ይኹን ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ኣካል: ንትእዛዛቱ ምስ ድሌት ህዝቢ ዝወሃሃድ ክገብሮ ኣለዎ” በለ።

2. እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ ሕጊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳብ ምስ መለኮታዊ በረኸትን ሞገስን ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ ብኸመይ ኢዩ፧

2 ብዙሓት ሰባት ሕግታት የሆዋ ዘለዎ ጥቕሚ ኣብ ሕቶ የእትዉዎ ስለ ዘለዉ: መለኮታዊ መዐቀኒታት ንጥቕምና ምዃኑ ዘሎና ምርዳእ ኸነደልድል የድልየና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ ሕጊ እተጠቕሰሉ ቦታ ምርኣይ ይሕግዘና ኢዩ። ኣብ ዘፍጥረት 26:⁠5 ኣምላኽ: ‘ኣብርሃም እቲ ሓልዎ ኢለ ዝኣዘዝክዎ: ትእዛዛተይን ስርዓታተይን ሕጋጋተይን ሓለወ’ ከም ዝበለ ነንብብ ኢና። እዘን ቃላት እዚኣተን እተዘርባ የሆዋ ንዘርኢ ኣብርሃም ዝርዝር ሕግታት ቅድሚ ምሃቡ ዘመናት ይገብር ኢዩ። ኣምላኽ ነቲ ኣብርሃም ንዕኡን ንሕግታቱን ዘርኣዮ ተኣዛዝነት ዓስቡ ዝሃቦ ብኸመይ ኢዩ፧ የሆዋ ኣምላኽ “ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም” ኢሉ ቓል ኣተወሉ። (ዘፍጥረት 22:18) ንሕግታት ኣምላኽ ምእዛዝ እምበኣር ምስ መለኮታዊ በረኸትን ሞገስን ኣጸቢቑ ይተኣሳሰር ኢዩ።

3. (ሀ) ሓደ ጸሓፍ መዝሙር ንሕግታት የሆዋ ዘለዎ እንታይ ስምዒት ኢዩ ዝገለጸ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ዝግባኣና፧

3 ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መዝሙር​—⁠ምናልባት ደሓር ንጉስ ዝዀነ መስፍን ይሁዳ ኢዩ ዝኸውን​—⁠መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሕጊ ዘይተሓሓዝ ስምዒት ገሊጹ ኣሎ። ንኣምላኽ ክዛረቦ ኸሎ “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ” በሎ። (መዝሙር 119:97 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ስምዒታዊ ዘረባ ኣይነበረን። ከምቲ ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ተጠቒሱ ዘሎ ንፍቓዱ ዘለዎ ፍቕሪ ኢዩ ዝገልጽ ነይሩ። እቲ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ተመሳሳሊ ስምዒት ነበሮ። ብዛዕባኡ ኣብ እተጻሕፈ ትንቢት “ኣምላኸየ: ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ: ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ” ኸም ዝበለ ጌርካ ተጠቒሱ ኣሎ። (መዝሙር 40:8፣ እብራውያን 10:9) ንሕናኸ፧ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ባህጊ ኣሎና ድዩ፧ ሕግታት የሆዋ ኸም ዝጠቕመናን ዝረብሓናን ንኣምነሉ ዲና፧ ንሕግታት ኣምላኽ ምእዛዝ ኣብ ኣምልኾና: ኣብ መዓልታዊ ህይወትና: ኣብ ውሳነና: ከምኡውን ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ እንታይ ቦታ ኣለዎ፧ ንመለኮታዊ ሕግታት ምእንቲ ኸነፍቅር ኣምላኽ ሕግታት ንምቛም መሰል ዘለዎ ስለምንታይ ምዃኑ ኽንርዳእ የድሊ።

የሆዋ ሓጋግ ሕጊ ንምዃን መሰል ኣለዎ

4. የሆዋ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ሓጋግ ሕጊ ንምዃን መሰል ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧

4 የሆዋ ፈጣሪ ስለ ዝዀነ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ኣብ ኣድማስ ዘሎ ኣካል ሓጋግ ሕጊ ንምዃን መሰል ኣለዎ። (ራእይ 4:⁠11) ነብዪ ኢሳይያስ “እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ” በለ። (ኢሳይያስ 33:22) ንህይወት ዘለዎምን ዘይብሎምን ፍጡራቱ ዝቈጻጸር ተፈጥሮኣዊ ሕግታት ኣቚሙ ኢዩ። (እዮብ 38:⁠4-38፣ 39:⁠1-12፣ መዝሙር 104:⁠5-19) ወድሰብ ፍጥረት ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ነቲ የሆዋ ዘቘሞ ተፈጥሮኣዊ ሕግታት ይግዛእ ኢዩ። ናጻ ስነ⁠-​ምግባራዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዘለዎ ባዕሉ ኽሓስብ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ነቲ ስነ⁠-​ምግባራውን መንፈሳውን ሕግታት ኣምላኽ ምስ ዝግዛእ ጥራይ ኢዩ ሕጉስ ክኸውን ዝኽእል።​—⁠ሮሜ 12:⁠1፣ 1 ቈረንቶስ 2:⁠14-16

5. ኣብ ገላትያ 6:⁠7 ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ሕግታት ኣምላኽ ዝውዕል ብኸመይ ኢዩ፧

5 ከም እንፈልጦ የሆዋ ዘቘሞ ተፈጥሮኣዊ ሕግታት ኣይፈርስን ኢዩ። (ኤርምያስ 33:⁠20, 21) ሓደ ሰብ ኣንጻር ተፈጥሮኣዊ ሕግታት: ንኣብነት ኣንጻር ሕጊ ስሕበት እንተ ኸይዱ ፍሬኡ ይዓጽድ ኢዩ። ብተመሳሳሊ ስነ⁠-​ምግባራዊ ሕግታት ኣምላኽ ኣይቅየርን ኢዩ: ዝጠሓሶ ኸኣ ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን ኢዩ። ምናልባት ሳዕቤኑ ብኡንብኡ እኳ እንተ ዘይመጸ: ልክዕ ከምቲ ተፈጥሮኣዊ ሕግታቱ ግን ጽኑዕ ኢዩ። “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ . . . ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ።”​—⁠ገላትያ 6:⁠7፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:⁠24

ስፍሓት ሕጊ ኣምላኽ

6. ሕግታት ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ሰፊሕ ኢዩ፧

6 ሓደ ኻብቲ መለኮታዊ ሕጊ ብዘደንቕ መገዲ እተገልጸሉ መዳይ ሕጊ ሙሴ ኢዩ። (ሮሜ 7:⁠12) ድሕሪ ግዜ የሆዋ ኣምላኽ ንሕጊ ሙሴ ብ“ሕጊ ክርስቶስ” ተክኦ። a (ገላትያ 6:⁠2፣ 1 ቈረንቶስ 9:⁠21) ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ኣብ ትሕቲ እቲ “ምሉእ ሕጊ: ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት” ስለ ዝዀንና: ኣምላኽ መምርሒታቱ ኣብ እተወሰነ ሰረተ⁠-​እምነት ወይ ጽምብላት ጥራይ ከም ዘይሓጸሮ ንግንዘብ ኢና። ስርዓታቱ ንናይ ስድራ​ቤት ጕዳያት: ናይ ንግዲ ጕዳያት: ምስ ኣንጻር ጾታ ኸነርእዮ ዘሎና ጠባይ: ንክርስትያናት ብጾትና ዘሎና ኣረኣእያ: ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘሎና ተሳትፎ: ኰታስ ንዅሉ መዳያት ህይወትና ዝትንክፍ ኢዩ።​—⁠ያእቆብ 1:⁠25, 27

7. ኣብነት ናይ ኣገዳሲ መለኮታዊ ሕግታት ሃብ።

7 ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ “ኣመንዝራታት: ወይ መምለኽቲ ጣኦት: ዘመውቲ: ወይ ሕንቁቓት: ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ: ሰረቕቲ: ወይ ስሱዓት: ወይ ሰካራት: ወይ ተጻረፍቲ: ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም” ይብል። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) እወ: ዝሙትን ምንዝርን “ናይ ፍቕሪ ህይወት” ጥራይ ኣይኰነን። ግብረ⁠-​ሰዶም እውን “ኣማራጺ ኣነባብራ” ጥራይ ኣይኰነን። እዚ ንሕግታት የሆዋ ምጥሓስ ኢዩ። ስርቅን ሓሶትን ጸለመን እውን ከምኡ። (መዝሙር 101:⁠5፣ ቈሎሴ 3:⁠9፣ 1 ጴጥሮስ 4:⁠15) ያእቆብ ንጃህራ ዀነነ: ጳውሎስ ከኣ ዘረባ ዕሽነት ወይ ዘይግባእ ዋዛ ንኸነርሕቕ መዓደ። (ኤፌሶን 5:⁠4፣ ያእቆብ 4:⁠16) ንክርስትያናት እዚ ዅሉ ንኣካይዳ ዝምልከት መምርሒታት ክፍሊ ናይቲ ፍጹም ሕጊ ኣምላኽ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 19:⁠7

8. (ሀ) ሕጊ የሆዋ ኸመይ ኢዩ፧ (ለ) መሰረታዊ ትርጕም ናይታ “ሕጊ” ተባሂላ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል እንታይ ኢዩ፧

8 ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ቃል የሆዋ ዝርከብ መሰረታዊ መምርሒታት: ሕግታቱ ድርቕ ዝበለ ንስምዒት ኣብ ግምት ዘየእቱ መምርሒ ከም ዘይኰነ የርኢ። ሚዛናውን ፍረ ዘለዎን ህይወት ንምምራሕ መሰረት ዘጣጥሕ ኢዩ: ኣብ ኵሉ ኣካይዳና ኸኣ ይጠቕመና ኢዩ። መለኮታዊ ሕጊ ሃናጺ: ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓት ዝሓዘ: ከምኡውን መሃሪ ኢዩ። (መዝሙር 119:⁠72) እቲ ጸሓፍ መዝሙር እተጠቕመላ “ሕጊ” እትብል ቃል ካብታ ቶራህ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ኢያ ተተርጒማ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር “እዛ ቓል እዚኣ ኻብታ ምምራሕ: ምቕናዕ: ንቕድሚት ምውርዋር ዝብል ትርጕም ዘለዋ ግሲ ኢያ ቘይማ። . . . ትርጕማ እምበኣር ንኣካይዳኻ ዝኸውን መምርሒ ማለት ኢዩ” በለ። ነቲ ጸሓፍ መዝሙር እቲ ሕጊ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት ኢዩ ነይሩ። ንሕናኸ ንኣነባብራና ኽቐርጾ ብምፍቃድ ከምኡ ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኣይግብኣናንዶ፧

9, 10. (ሀ) ክንተኣማመነሉ እንኽእል መምርሒ ዘድልየና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሕጉስን ዕዉትን ናብራ ኽንነብር እንኽእል ብኸመይ ጥራይ ኢና፧

9 ኵሎም ፍጥረታት ክተኣማመንሉ ዝኽእሉ መምርሕን ትውክልቲ ዝገብሩሉ መሪሕነትን የድልዮም ኢዩ። እቶም ካብ ሰብ ዝለዓሉ የሱስን ካልኦት መላእኽትን እውን እዚ የድልዮም ኢዩ። (መዝሙር 8:⁠5፣ ዮሃንስ 5:⁠30፣ 6:⁠38፣ እብራውያን 2:⁠7፣ ራእይ 22:⁠8, 9) እዞም ፍጹማት ፍጥረታት ካብ መለኮታዊ መሪሕነት ክጥቀሙ ኻብ ከኣሉ: እቶም ዘይፍጹማት ሰባት ደኣኸ ኸመይ ብዝያዳ ዘይንጥቀም! ታሪኽ ወድሰብን ብብሕትና ዘጥረናዮ ተመክሮን ንሓቅነት ናይቲ ነብዪ ኤርምያስ “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ” ብምባል ዝገለጾ ኢዩ ዘረጋግጸልና።​—⁠ኤርምያስ 10:⁠23

10 ሕጉስን ዕዉትን ናብራ ኽንነብር እንተደኣ ደሊና: ካብ ኣምላኽ መምርሒ ኽንረክብ ኣሎና። ንጉስ ሰሎሞን ካብ መለኮታዊ መሪሕነት ተፈሊና ብናይ ብሕትና መዐቀኒታት ምምልላስ ዘስዕቦ ሓደጋ ስለ ዘስተውዓለሉ “ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ አላ: መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ” በለ።​—⁠ምሳሌ 14:12

ንሕጊ የሆዋ ኣኽቢርና ንኽንርእዮ ምኽንያት ዝዀነና ነገራት

11. ሕጊ ኣምላኽ ንኽንርዳእ ባህጊ ኽሓድረና ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧

11 ንሕጊ የሆዋ ንኽንርድኦ ዓሚቝ ባህጊ ከነማዕብል ኣሎና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስ: ኣዒንተይ ክፈተለይ” ብምባል ከምዚ ዝኣመሰለ ሃረርታ ኸም ዘለዎ ገሊጹ ኢዩ። (መዝሙር 119:18) ንኣምላኽን መገድታቱን ዝያዳ ብዝፈለጥናዮ መጠን ነቲ “ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ኣየ: ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውን” ዝብል ቃላት ኢሳይያስ ብዝያዳ ንርድኦ ኢና። (ኢሳይያስ 48:17, 18) የሆዋ: ህዝቡ ትእዛዛቱ ብምስማዕ ካብ ጥፍኣት ክድሕኑን ህይወት ክረኽቡን ዓሚቝ ባህጊ ኣለዎ። ንሕጊ ኣምላኽ ስለምንታይ ኣኽቢርና ክንርእዮ ኸም ዘሎና ዝገልጽ ገለ ዓበይቲ ምኽንያታት ንርአ።

12. እቲ የሆዋ ብዛዕባና ዘለዎ ፍልጠት እቲ ዝበለጸ ሓጋግ ሕግና ዝገብሮ ብኸመይ ኢዩ፧

12 መለኮታዊ ሕጊ ዝወጽእ በቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣጸቢቑ ዝፈልጠና ኣካል ኢዩ። የሆዋ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ ንደቅ​ሰብ ውሽጦምን ውሻጠኦምን እንተ ፈለጦም ዘገርም ኣይኰነን። (መዝሙር 139:⁠1, 2፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠24-28) ናይ ቀረባ ፈተውትና: ኣዝማድና: ወይ እውን ወለድና ኸም የሆዋ ገይሮም ክፈልጡና ኣይክእሉን ኢዮም። አረ ኻብቲ ንሕና ንገዛእ ርእስና እንፈልጣ ንላዕሊ እውን ኢዩ ዝፈልጠና! ፈጣሪና ብዛዕባ መንፈሳዊ: ስምዒታዊ: ኣእምሮኣዊ: ከምኡውን ስጋዊ ድሌትና ዘለዎ ፍልጠት መዳርግቲ የብሉን። ኣቓልቦኡ ኽገብረልና ኸሎ: ንኣፈጣጥራናን ባህግናን ትምኒትናን ኣጸቢቑ ከም ዝርድኦ የርኢ ኢዩ። የሆዋ ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ይርድኦ ኢዩ: እንተዀነ ግን ሰናይ ንምግባር ተኽእሎ ኸም ዘሎና እውን ይፈልጥ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ: ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ” በለ። (መዝሙር 103:14) እምበኣር: ንመሪሕነት ኣምላኽ ብፍታውና ተገዛእቲ ብምዃን ብሕግታቱ ኽንመላለስ ክንጽዕር ከሎና መንፈሳዊ ድሕንነት ይስምዓና ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 3:⁠19-26

13. የሆዋ ብሓቂ ኸም ዝሓልየልና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

13 መለኮታዊ ሕጊ ኻብቲ ዘፍቅረና ኢዩ ዝወጽእ። ኣምላኽ ብዛዕባ ነባሪ ድሕንነትና ኣጸቢቑ ይሓሊ ኢዩ። ንወዱ “ምእንቲ ብዙሓት በጃ” ክኸውን ኢሉ ዓብዪ ዋጋዶ ኸይኰነ ዝኸፈለ፧ (ማቴዎስ 20:28) ‘ካብ ዓቕምና ንንየው ክንፍተን ከም ዘይሓድገና’ ቓልዶ ኣይኣተወልናን ኢዩ፧ (1 ቈረንቶስ 10:⁠13) ከም ‘ዝሓልየልና’ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልናዶ ኸይኰነ፧ (1 ጴጥሮስ 5:⁠7) ንፍጥረት ወድሰብ ዝጠቅም መምርሒ ኣብ ምሃብ ከም የሆዋ ገይሩ ፍቕራዊ ሓልዮት ዘርኣየ የለን። ዝጠቕመና ይፈልጥ: ኣብ መንጎ ሓጐስን ጓህን ዘሎ ዶብ እውን ይፈልጦ ኢዩ። ዘይፍጹማት ብምዃንና ጌጋታት ንፍጽም እኳ እንተዀንና: ጽድቂ እንተ ስዒብና ህይወትን በረኸትን ብዘምጽኣልና መገዲ ፍቕሩ የርእየና ኢዩ።​—⁠ህዝቅኤል 33:⁠11

14. ሕጊ ኣምላኽ ካብ ሓሳባት ደቅሰብ ዝፍለየሉ ኣገዳሲ መዳይ እንታይ ኢዩ፧

14 ቃል ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይቅየርን ኢዩ። ኣብዚ እን​ነብረሉ ዘሎና ህውከት ዝመልኦ እዋን የሆዋ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዝነብር ስለ ዝዀነ ከም ከውሒ ጽኑዕ ኢዩ። (መዝሙር 90:⁠2) ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ “ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ” በለ። (ሚልክያስ 3:6) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ መዐቀኒታት ኣምላኽ ከምቲ ብቐጻሊ ዝቀያየር ኣተሓሳስባ ሰባት ዘይኰነስ: ምሉእ ብምሉእ ክንውከሎ እንኽእል ኢዩ። (ያእቆብ 1:⁠17) ንኣብነት: ናይ ስነ⁠-​ኣእምሮ ተመራመርቲ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ኣተዓባብያ ቘልዓ ሸለል በሃላይ ምዃን ይሓይሽ ክብሉ ጸኒሖም ኢዮም: ድሕሪ ግዜ ግን ገሊኣቶም ኣተሓሳስባኦም ብምቕያር ተጋግዮም ምንባሮም ተኣሚኖም ኢዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ መዐቀኒታትን መምርሒታትን ዓለም ልክዕ ብንፋስ ይድፋእ ከም ዘሎ ናብዝን ናብትን ይላኻዕ ኢዩ። ቃል የሆዋ ግን ምንቕ ኣይብልን ኢዩ። ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት መጽሓፍ ቅዱስ ንቘልዑ ብፍቕሪ ብኸመይ ከም እተዕቢ ምኽሪ ሂቡ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣቱም ኣቦታትውን: ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌሶን 6:4) ኣብቲ ዘይቀያየር መዐቀኒታት የሆዋ ኽንውከል ከም እንኽእል ምፍላጥናስ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን ኢዩ!

እቶም ሕግታት ኣምላኽ ዝሕልዉ ዝረኽብዎ በረኸት

15, 16. (ሀ) መዐቀኒታት የሆዋ ኣብ ግብሪ እንተደኣ ኣውዒልናዮ እንታይ ኢና እንረክብ፧ (ለ) ሕግታት ኣምላኽ ኣብ ሓዳር ጽቡቕ መምርሒ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧

15 ኣምላኽ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ “እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ . . . ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ . . . እዩ” በለ። (ኢሳይያስ 55:11) ብተመሳሳሊውን ኣብ ቃሉ ዝርከብ መዐቀኒታት ንምስዓብ ብትግሃት ክንጽዕር ከሎና: ኣሳልጦ ኸም እንረክብ: ጽቡቕ ዕማም ከም እንዓምም: ከምኡውን ሓጐስ ከም እንረክብ ርግጸኛታት ኢና።

16 ሕግታት ኣምላኽ ንድልዱል ሓዳር ብኸመይ ጽቡቕ መምርሒ ኸም ዝኸውን እስከ ንርአ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ: መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር: እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ ይኹን” በለ። (እብራውያን 13:4) ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ክከባበሩን ክፋቐሩን ኣለዎም:- “ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ: እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሀዮ።” (ኤፌሶን 5:33) እታ ኣብዚ ኣድልያ ዘላ ዓይነት ፍቕሪ ኣብ 1 ቈረንቶስ 13:⁠4-8 ተገሊጻ ኣላ:- “ፍቕሪ ዓቃል እያ: ፍቕሪ ለዋህ እያ: ፍቕሪ ኣይትቐንእን: ፍቕሪ ኣይትጀሀርን ኣይትንፋሕን: ኣይተስተሐፍርን: ናታ ኣይትደልን: ኣይትምረርን: ኣይትቕየምን እያ: ብሓቂ ትሕጐስ እምበር: ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኵሉ ትጸውር: ኵሉ ትአምን: ኵሉ ተስፋ ትገብር: ኵሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ።” ነዛ ዓይነት ፍቕሪ እዚኣ ዘንጸባርቕ ሓዳር ኣይፈርስን ኢዩ።

17. መዐቀኒታት የሆዋ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ዝህቦ መምርሒታት ኣብ ግብሪ ምውዓል እንታይ ረብሓታት ኣለዎ፧

17 መዐቀኒታት የሆዋ ጠቓሚ ምዃኑ ዘርኢ ኻልእ መርትዖ: ንስኽራን ዝዅንን ምዃኑ ኢዩ። ‘ብዙሕ ወይኒ ምስታይ’ እውን ከይተረፈ ኣይቅበሎን ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠3, 8፣ ሮሜ 13:⁠13) ነዚ መዐቀኒታት ኣምላኽ ዕሽሽ ዝበሉ ብዙሓት ሰባት ብሰንኩ ሕማም ኣጥርዮም ወይ ንዝነበሮም ሕማም ኣጋዲዱሎም ኢዩ። ገሊኣቶም ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ መጠን ንላዕሊ ንኸይንሰቲ ዝሃበና ምኽሪ ሸለል ብምባሎም “ንኽፈዅሰና” እናበሉ ብብዝሒ ናይ ምስታይ ልማድ ኣጥርዮም ኢዮም። ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ ሓያሎ ጸገማት የምጽእ ኢዩ። ገለ ኻብዚ ኸኣ ክብረትካ ይጐድል: ምስ ስድራ​ቤትካ ዘሎካ ርክብ ይበላሾ ወይ ስድራ​ቤትካ ይበታተን: ብዙሕ ገንዘብ ተጥፍእ: ከምኡውን ስራሕካ ትስእን። (ምሳሌ 23:⁠19-21, 29-35) የሆዋ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ዝሃቦ መምርሒታት ዕቝባዶ ኣይኰነን፧

18. ሕግታት ኣምላኽ ኣብ ቍጠባዊ መዳያት ጠቓሚ ድዩ፧ ግለጽ።

18 መዐቀኒታት ኣምላኽ ኣብ ቍጠባዊ መዳያት እውን ጠቓሚ ምዃኑ ተራእዩ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትያናት ቅኑዓትን ህርኩታትን ክዀኑ ኢዩ ዝላበዎም። (ሉቃስ 16:⁠10፣ ኤፌሶን 4:⁠28፣ ቈሎሴ 3:⁠23) ብዙሓት ክርስትያናት ነዚ ማዕዳ እዚ ብምስዓቦም ኣብ ስራሕ ዕቤት ረኺቦም ወይ ካልኦት ክስጐጉ ኸለዉ ንሳቶም ግን ኣይተሰጐጉን። ሓደ ሰብ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝጻረር ናይ ምጥላዕ: ሽጋራ ምትካኽ: ከምኡውን ሓሽሽ ምውሳድ ዝኣመሰለ ልማዳትን ወልፍታትን እንተ ዘይብሉ እውን ብቝጠባዊ መዳይ ይረብሕ ኢዩ። መዐቀኒታት ኣምላኽ ኣብ ቍጠባዊ መዳይ ዘለዎ ረብሓ ዝገልጽ ካልእ ኣብነታት ክትዝክር ከም እትኽእል ኣየጠራጥርን ኢዩ።

19, 20. ንመለኮታዊ ሕግታት ምቕባልን ኣጽኒዕካ ምሓዙን ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

19 ዘይፍጹማት ሰባት ካብ ሕግታትን መዐቀኒታትን ኣምላኽ ክወጹ ቐሊል ኢዩ። እስራኤላውያን ኣብ ከረን ሲና እተባህልዎ እሞ ሕሰብ። ኣምላኽ “ሕጂ ድማ ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም: ኪዳነይውን እንተ ሐሎኹም: . . . ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር” ኢሎም መለሱ። እንተዀነ ግን እቲ እተመላለሱሉ መገዲ ብኣንጻሩ ኢዩ ነይሩ! (ዘጸኣት 19:5, 8፣ መዝሙር 106:⁠12-43) እምበኣር ንመዐቀኒታት ኣምላኽ ንቀበሎ እሞ ኣጽኒዕና ኸኣ ንሓዞ።

20 ነቲ የሆዋ ንህይወትና መምርሒ ክኸውን ዝሃበና መወዳድርቲ ዘይብሉ ሕግታት ጠቢቕና ምስዓብና ጥበባዊ ኢዩ: ሓጐስ ከኣ የምጽኣልና። (መዝሙር 19:​7-11) ነዚ ንምፍጻም ጥቕሚ ናይ መሰረታዊ ስርዓታት ኣምላኽ ኽንግንዘቦን ኣኽቢርና ኽንርእዮን ኣሎና። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባዚ ኽንመያየጥ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ “ሕጊ ክርስቶስ” ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ናይ 1 መስከረም 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 14-24 ርአ።

ትዝክሮዶ፧

• ሕግታት ኣምላኽ ንጥቕምና ምዃኑ ኽንተኣማመን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ንሕጊ የሆዋ ኣኽቢርና ኽንርእዮ ዝግብኣና በየናይ ምኽንያታት ኢና፧

• ሕግታት ኣምላኽ ጠቓሚ ዝዀነ በየናይ መገድታት ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣብርሃም ንሕጊ የሆዋ ብምሕላዉ ብዙሕ በረኸት ረኸበ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ሃታሃታ ዝመልኦ ህይወት ዘስዕቦ ጭንቀት ንብዙሓት ካብ መለኮታዊ ሕጊ ኸም ዘላግሱ ይገብሮም

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ከምቲ ንመራኽብ ዝሕብር ኣብ ዓብዪ ከውሒ እተሃንጸ ናይ መብራህቲ ገዛ: ሕጊ ኣምላኽ ጽኑዕን ዘይቀያየርን ኢዩ