ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ራስል ንዘዳለዎ ጽሑፋት ዘማሰዉሉ ኽልተ ኣቕሽሽቲ

ራስል ንዘዳለዎ ጽሑፋት ዘማሰዉሉ ኽልተ ኣቕሽሽቲ

ራስል ንዘዳለዎ ጽሑፋት ዘማሰዉሉ ኽልተ ኣቕሽሽቲ

 እቲ ብ1891 ኣብ መንጎ እቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ ዝዀኑ ክርስትያናት ዝነኣድ ዕዮ ዝፍጽም ዝነበረ ቻርለስ ቴዝ ራስል ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣውሮጳ ምብጻሕ ገበረ። ብመሰረት ገለ ጸብጻባት ኣብ ፒናሮሎ: ኢጣልያ: ንሓጺር እዋን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስቲ ናይ ዋልደንሳውያን a ዝበሃሉ ጕጅለ ሃይማኖት ቀሺ ዝነበረ ፕሮፌሰር ዳኒኤለ ሪቮይረ ተራኸበ። ሪቮይረ ቅሽነቱ ድሕሪ ምግዳፉ ምስ ዋልደንሳውያን ዝነበሮ ጥብቂ ርክብ እኳ እንተ ዘየቋረጸ: ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ስለ ዝነበሮ ሓያሎ ናይ ሲ. ቲ. ራስል ጽሑፋት ኣንበበ።

ብ1903 ሪቮይረ ነታ ራስል ዝጸሓፋ ዘ ዲቫይን ፕላን ኦቭ ዘ ኤጅስ ዘርእስታ መጽሓፍ ናብ ጣልያንኛ ተርጐማ: ወጻኢኣ ሸፊኑ ድማ ኣሕተማ። እዚ ዝዀነ እቲ ብጣልያንኛ እተዳለወ ወግዓዊ ሕታም ቅድሚ ምውጽኡ ነዊሕ ግዜ ኣቐዲሙ ኢዩ። ኣብቲ ናይታ መጽሓፍ መቕድም ሪቮይረ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነዚ ብጣልያንኛ እተዳለወ ናይ መጀመርታ ሕታም ኣብ ትሕቲ ዕቝባ ጐይታ ገዲፍናዮ ኣሎና። እዚ ጽሑፍ እዚ ጕድለት እኳ እንተለዎ ነቲ ኣዝዩ ቕዱስ ስሙ ንምጕላሕን ነቶም ጣልያንኛ ዝዛረቡ ደቁ ዝያዳ ውፉያት ንኽዀኑ ንምትብባዕን ጐይታ ባዕሉ ይባርኮ። ኣልባብ እቶም ነዛ መጽሓፍ ብምንባብ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሃብቲ: ጥበብ: ከምኡውን ፍልጠት ናይቲ ኣምላኽ ዘለዎ ውጥንን ፍቕርን ዘማስዉ ብምሉኦም: ነቲ ብጸግኡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ዘዳለወልና ኣምላኽ የመስግኖ።”

ሪቮይረ ነታ ዛዮንስ ዎችታወር ኤንድ ሄራልድ ኦቭ ክራይስትስ ፕረዘንስ እትበሃል መጽሔት እውን ናብ ጣልያንኛ ኽትርጕማ ጀሚሩ ነይሩ። እዛ መጽሔት እዚኣ: እታ ደሓር ግምቢ ዘብዐኛ እተባህለት ኰይና: ብ1903 ርብዒ ዓመታዊ ትሕተም ነበረት። ፕሮፌሰር ሪቮይረ ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እኳ እንተ ዘይነበረ: ነቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝሓትምዎ ጽሑፋት ዝርከብ መልእኽቲ ኣብ ምዝርጋሕ ግን ተገዳስነት ኣርኣየ።

“ኻብ ኣዒንተይ ከም ቅራፍ ዝበለ ከም ዝወደቐ ኢየ ዀይነ”

ነቲ ራስል ዘዳለዎ ጽሑፋት ኣኽብሮት ዝነበሮ ኻልእ ዋልደንሳዊ ቐሺ ድማ ጁሰፐ ባንከቲ ኢዩ። እቲ እምነቱ ኻብ ካቶሊክ ናብ ዋልደንሳውነት ዝቐየረ ኣቦኡ ብዛዕባ እቲ እምነት መሃሮ። ብ1894 ጁሰፐ ቀሺ ዀነ እሞ ነቶም ኣብ ኣፑልያ: ኣብሩትሲ: ከምኡውን ኣብ ደሴታት ኤልባን ሲሲሊን ዝርከቡ ዋልደንሳውያን ኣገልገለ።

ብ1905 እቲ ዲቫይን ፕላን ኦቭ ዘ ኤጅስ ዘርእስቱ ራስል ዘዳለዎ ጽሑፍ ናብ ጣልያንኛ ብወግዒ ተተርጐመ። ባንከቲ ኸኣ ብውዕዉዕ ስምዒት ብዛዕባ እታ መጽሓፍ ዘለዎ ርእይቶ ጸሓፈ። እዚ ኸኣ ኣብቲ በብእዋኑ ዝሕተም ላ ሪቪስታ ክሪስትያና ዘርእስቱ ናይ ፕሮተስታንት ጽሑፍ ወጸ። ባንከቲ ኸምዚ ዝስዕብ ኢሉ ጸሓፈ:- “[ናይ ራስል መጽሓፍ] ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ጠቓምን እተባረኸን መጽናዕቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ንምግባር ክጥቀመሉ ዝኽእል ዝበለጸ ብርሃንን እተረጋገጸ መምርሕን ኢዩ ዀይኑልና። . . . ምስ ኣንበብክዎ ብኡንብኡ ኻብ ኣዒንተይ ከም ቅራፍ ዝበለ ከም ዝወደቐ ኢየ ዀይነ: ማለት ናብ ኣምላኽ ንምብጻሕ እቲ መገዲ ትኽ ዝበለን ዝቐለለን ኰነለይ። መብዛሕትኡ ዝጋጮ ዝመስል ነገራት እውን ተፈትሐ። ኣጸጋሚ ዝመስል ዝነበረ ሰረተ⁠-​እምነታት ቀሊልን ዝወሓጠልካን ኰነ። ንምርድኡ ኸቢድ ዝነበረ ነገራት ንጹር ኰነ። እቲ ንዓለም ብክርስቶስ ኣቢልካ ንምድሓን እተገብረ ዘደንቕ ውጥን ኣጸቢቑ ስለ ዝነጸረለይ ከምቲ ሃዋርያ ‘ወዳጄ: መዓሙቕ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን’ ንኽብል ደሪኹኒ ኢዩ።”​—⁠ሮሜ 11:33

ከምቲ ብ1925 ሪሚጂዮ ኩሚነቲ ዝገለጾ: ባንከቲ ምስቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝፍጽምዎ ዕዮ “ኣጸቢቑ ይሰማማዕ:” ነቲ ሰረተ⁠-​እምነቶም ከኣ “ምሉእ ብምሉእ ይኣምነሉ” ነበረ። ባንከቲ ብናይ ገዛእ ርእሱ መገዲ ነዚ ሰረተ⁠-​እምነታት ንሰባት ከፍልጥ ጽዒሩ ኢዩ።

ካብ ጽሑፋት ባንከቲ ኽንዕዘቦ ኸም እንኽእል ልክዕ ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ምድራዊ ትንሳኤ ይኣምን ምንባሩ ንጹር ኢዩ። ኣብቲ ዳንኤል ብዛዕባ 70 ሰሙናት እተነበዮ ትንቢት የሱስ ዝሞተላ ዓመት ተወሲና ምንባራ ብምግላጹ እውን ምስ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝሰማማዕ ኣርእዩ ኢዩ። (ዳንኤል 9:⁠24-27) በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ ኣብ ዓመት ሓንሳእ “ኣብታ ዝኽረ⁠-​ዓመት ዝውዕለላ መዓልቲ” ጥራይ ክበዓል ከም ዘለዎ ብምግላጽ ምስቲ ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያኑ ትምህርትታት ከም ዘይሰማማዕ ብግሁድ ደጋጊሙ ኣርእዩ ኢዩ። (ሉቃስ 22:⁠19, 20) ነቲ ናይ ዳርዊን ክልሰ⁠-​ሓሳብ ፍልቀት ነጺግዎ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ዓለማዊ ውግእ ክኣትዉ ኸም ዘይብሎም ከኣ ተዛሪቡ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 2:⁠4

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ባንከቲ ምስ ሓደ ጄይ. ካምፕበል ዎል ዝበሃል ሰብኣይ ብዛዕባ ጽሑፋት ራስል ይመያየጥ ነበረ። ባንከቲ ነቲ ዎል እተዛረቦ ነቐፌታ መልሲ ኽህበሉ ኸሎ ኸምዚ በለ:- “ነተን ራስል ዝጸሓፈን ሽዱሽተ ጥራዛት እንተ ተንብበን: ዓብዪን ዓሚቝን ሓጐስ ከም ዝስምዓካ: ብውዕዉዕ ስምዒት ድማ ኸም እተመስግነኒ ርግጸኛ ኢየ። ብሰረተ⁠-​እምነት ኣይንየትን ኢየ፣ እንተዀነ ግን ነዚ መጻሕፍቲ እዚ ቕድሚ ዓሰርተ ሓደ ዓመት እኳ እንተ ኣንበብክዎ: ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብእተመስረተ ጽሑፍ ገይሩ ኸምዚ ዝኣመሰለ ብርሃንን ምጽንናዕን ስለ ዝሃበኒ መዓልቲ መዓልቲ አመስግኖ ኢየ።”

‘ተጠንቂቕካ ስማዕ’

እዞም ክልተ ዋልደንሳውያን ኣቕሽሽቲ​—⁠ዳንኤለ ሪቮይረን ጁሰፐ ባንከቲን​—⁠ነቲ ራስል ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝገለጸሉ መገድታት ሞሳ ምርኣዮም ኣፍኲስካ ዝርአ ኣይኰነን። ባንከቲ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ዋላ ሓደ ኻብዞም ወንጌላውያን ዘበልና: ኣቕሽሽትና ዀኑ ናይ ሃይማኖት ፕሮፌሰራትና: ኰታስ ዋላ ሓደ ሰብ ንዅሉ ዝፈልጥ የለን ኢየ ዝብል። ገና ብዙሕ ኽንማሃሮ ዘሎና ነገራት ኣሎ። . . . ንዅሉ ነገር እፈልጦ ኢየ ኽንብልን ንኽንምርምሮ ዝቐረበልና ነገራት ክንነጽጎን ዘይኰነስ ግዜ ወሲድና ኽንሰምዕ ኣሎና። እወ: ተጠንቂቕና ኽንሰምዕ ኣሎና።”

ኣብ ዓዓመት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤቶም ብምኻድ ዝነግርዎም መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰምዑ ኢዮም። ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ዝርከቡ ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ነቲ የሱስ ዘቕረቦ “ንዓ ሰዐበኒ” ዝብል ጻውዒት ይቕበልዎ ኣለዉ።​—⁠ማርቆስ 10:⁠17-21፣ ራእይ 22:⁠17

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዚ ስም እዚ ካብቲ ኣብ መበል 12 ዘመን ኣብ ሊዮን: ፈረንሳ: ዝነብር ዝነበረ ፒየር ቮደ ወይ ፒተር ዋልዶ ዝስሙ ነጋዳይ እተወስደ ኢዩ። ዋልዶ ብሰንኪ እምነቱ ኻብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ካቶሊክ ተወገደ። ብዛዕባ ዋልደንሳውያን ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ነታ ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ዋልደንሳውያን​—⁠ካብ መናፍቓን ናብ ፕሮተስታንት” እትብል ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ፕሮፌሰር ዳኒኤለ ሪቮይረ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ጁሰፐ ባንከቲ

[ምንጪ ስእሊ]

Banchetti: La Luce, April 14, 1926