ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብመሰረታዊ ስርዓታት ኣምላኽ ተመላለስ

ብመሰረታዊ ስርዓታት ኣምላኽ ተመላለስ

ብመሰረታዊ ስርዓታት ኣምላኽ ተመላለስ

“ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካ [የሆዋ ኢዩ ]።”​—⁠ኢሳይያስ 48:17

1. ፈጣሪ ንደቅ​ሰብ ዝመርሖም ብኸመይ ኢዩ፧

 ሊቃውንቲ ምስጢር ኣድማስ ንምፍላጥ ኣብ ዝጽዕሩሉ እዋን: በቲ ኣብ ኣድማስ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ኣስተንኪሮም ኢዮም። እታ ማእከላይ ዕቤት ዘለዋ ኰዀብ እትበሃል ጸሓይና “ኣብ ሓደ ካልኢት ማዕረ እቲ 100 ቢልዮን ሃይድሮጅን ቦምብ ክትኰስ ከሎ” ዘውጽኦ ጸዓት ኢያ እተመንጩ። ፈጣሪ በቲ ደረት ዘይብሉ ሓይሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ሰማያዊ ኣካላት ክቈጻጸርን ክመርሕን ይኽእል ኢዩ። (እዮብ 38:⁠32፣ ኢሳይያስ 40:⁠26) ነዞም ናጻ ድሌት: ስነ⁠-​ምግባራዊ ናብራ ናይ ምንባር ተኽእሎ: ናይ ምሕሳብ ክእለት: ከምኡውን ንመንፈሳዊ ነገራት ናይ ምርዳእ ዓቕሚ ዘሎና ሰባትከ ብኸመይ ኢዩ ኽመርሓና ዝደሊ፧ በቲ ፍጹም ሕግታቱ: በቲ ልዑል መሰረታዊ ስርዓታቱ: ከምኡውን በቲ ዝሰልጠነ ሕልናና ኣቢሉ ብፍቕራዊ መገዲ ኢዩ ዝመርሓና።​—⁠2 ሳሙኤል 22:⁠31፣ ሮሜ 2:⁠14, 15

2, 3. ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ተኣዛዝነት ኢዩ ባህ ዘብሎ፧

2 ኣምላኽ በቶም ክእዘዝዎ ዝደልዩ መስተውዓልቲ ፍጡራት ይሕጐስ ኢዩ። (ምሳሌ 27:⁠11) ከምቶም ዘየስተውዕሉ ሮቦት ከይሓሰብና ኸም እንግዝኦ ገይሩ ዘይኰነስ: እቲ ቕኑዕ ነገር ፈሊጥና ንኽንገብር ናጻ ድሌት ሂቡ ኢዩ ፈጢሩና።​—⁠እብራውያን 5:⁠14

3 እቲ ንኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ዝመሰሎ የሱስ: ንደቀ መዛሙርቱ “ንስኻትኩም እዚ ዝአዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም: ኣዕሩኸይ ኢኹም። . . . ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ” በሎም። (ዮሃንስ 15:14, 15) ኣብ ግዜ ጥንቲ: ባርያ ንጐይታኡ ኽእዘዝ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ዕርክነት ዝምስረት ብዝማርኽ ባህርያት ኢዩ። ንሕናውን ኣዕሩኽ የሆዋ ኽንከውን ንኽእል ኢና። (ያእቆብ 2:⁠23) እዚ ዕርክነት እዚ ብኽልተኣዊ ፍቕሪ ይድልድል ኢዩ። የሱስ “ዜፍቅረኒ እንተሎ: ቃለይ ይሕሉ እዩ: ኣቦይ ድማ የፍቅሮ” ብምባል ንኣምላኽ ምእዛዝ ምስ ፍቕሪ ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። (ዮሃንስ 14:23) የሆዋ ምእንቲ ኸፍቅረናን ብድሕንነት ክመርሓናን ብመሰረታዊ ስርዓታቱ ንኽንመላለስ ጻውዒት ኣቕሪቡልና ኣሎ።

መሰረታዊ ስርዓታት ኣምላኽ

4. መሰረታዊ ስርዓት ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

4 መሰረታዊ ስርዓታት እንታይ ኢዩ፧ መሰረታዊ ስርዓት: ሓፈሻዊ ወይ መሰረታዊ ሓቂ፣ ኣጠቓላልን መሰረታውን ሕጊ: ትምህርቲ: ወይ ከኣ ካልእ ሕግታት ዝምስረተሉ ወይ ዝወጸሉ ተባሂሉ ተተርጒሙ ኣሎ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቕና ምስ እነጽንዖ: ሰማያዊ ኣቦና ንእተፈላለየ ዅነታትን መዳያትን ህይወት ዝትንክፍ መሰረታዊ መምርሒታት ሂቡና ኢዩ። ከምዚ ዝገበረ ንዘለኣለማዊ ጥቕምና ኢሉ ኢዩ። እዚ ኸኣ ምስቲ ንጉስ ሰሎሞን “ወደየ: ስማዕ: ቃለይ ድማ ተቐበል: ዓመታት ዕድሜኻውን ኪበዝሕ እዩ። ብጐደና ጥበብ መሀርኩኻ: ብመገዲ ቕንዕና መራሕኩኻ” ብምባል ዝጸሓፎ ዝሰማማዕ ኢዩ። (ምሳሌ 4:10, 11) እቲ የሆዋ ዝሃበና መሰረታዊ ስርዓታት ነቲ ምስኡን ምስ ሰባትን ዘሎና ርክብ: ንኣምልኾና: ከምኡውን ንመዓልታዊ ናብራና ይጸልዎ ኢዩ። (መዝሙር 1:⁠1) ገለ ኻብዚ መሰረታዊ ስርዓታት እስከ ንርአ።

5. ገለ ኣብነታት መሰረታዊ ስርዓታት ሃብ።

5 የሱስ ምስ የሆዋ እንታይ ዓይነት ርክብ ክህልወና ከም ዝግባእ ክገልጽ ከሎ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” በለ። (ማቴዎስ 22:37) ብተወሳኺውን ኣምላኽ ምስ ሰባት እንታይ ዓይነት ርክብ ክህልወና ከም ዘለዎ ዝገልጽ መሰረታዊ ስርዓታት ሂቡና ኢዩ፣ ሓደ ኻብኡ እታ “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” እትብል ወርቃዊት ሕጊ ኢያ። (ማቴዎስ 7:12፣ ገላትያ 6:10፣ ቲቶስ 3:2) ንኣምልኾና ብዝምልከት ከኣ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል . . . ኣኼባና [እውን] ኣይንሕደግ” ዝብል ማዕዳ ተዋሂቡና ኣሎ። (እብራውያን 10:24, 25) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ መዓልታዊ ናብራና “እንተ በላዕኩም: ወይስ እንተ ሰቴኹም: ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም: ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ኢሉና ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 10:31) ኣብ ቃል ኣምላኽ ብዙሕ ካልእ መሰረታዊ ስርዓታት እውን ኣሎ።

6. መሰረታዊ ስርዓታት ካብ ሕግታት ዝፍለ ብኸመይ ኢዩ፧

6 መሰረታዊ ስርዓታት ህያውን ኣገዳስን ሓቅታት ስለ ዝዀነ ጥበበኛታት ክርስትያናት የፍቅርዎ ኢዮም። የሆዋ ንሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ንኽጽሕፍ ብመንፈስ ደረኾ:- “ወደየ: ናብ ቃላተይ ኣቕልብ: እዝንኻ ናብ ዘረባይ ኣድንን። ንዝረኸበን ህይወቱ: ንብዘሎ ስጋኡ ኸኣ ፈውሱ እየን እሞ: ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይተርሕቀን: ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቘረን።” (ምሳሌ 4:20-22) መሰረታዊ ስርዓታት ካብ ሕግታት ዝፍለ ብኸመይ ኢዩ፧ መሰረታዊ ስርዓታት ንሕግታት መሰረት ዘንብር ኢዩ። ሕግታት ኣብ ሓደ ነገር ናይ ምትኳር ባህሪ ስለ ዘለዎ ኣብ እተወሰነ ግዜ ወይ ኵነታት ጥራይ ዝሰርሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: መሰረታዊ ስርዓታት ግን ግዜ ኣይሓጽሮን ኢዩ። (መዝሙር 119:⁠111) ግዜ ዝሓልፎ ወይ ዝቕይሮ እውን ኣይኰነን። እቲ ነብዪ ኢሳይያስ ብመንፈስ ተደሪኹ “ሳዕሪ ይነቅጽ: ዕምባባ ይቕምስል: ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር” ብምባል እተዛረቦ ሓቂ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 40:8

ሓሳብካን ተግባርካን ኣብ መሰረታዊ ስርዓታት እተመርኰሰ ግበሮ

7. ቃል ኣምላኽ ሓሳብናን ተግባራትናን ኣብ መሰረታዊ ስርዓታት እተመርኰሰ ንኽንገብሮ ዘተባብዓና ብኸመይ ኢዩ፧

7 “ቃል ኣምላኽና” ሓሳብናን ተግባርናን ኣብ መሰረታዊ ስርዓታት እተመርኰሰ ክኸውን ብተደጋጋሚ የተባብዓና ኢዩ። የሱስ ነቲ ሕጊ ጸሚቑ ኸቕርቦ ምስ ተሓትተ: ክልተ ንጹርን ሓጺርን መግለጺ ኢዩ ሂቡ። እዚ ኸኣ እቲ ሓደ ንየሆዋ ኸነፍቅሮ: እቲ ኻልኣይ ከኣ ንብጻይና ኸነፍቅሮ ዘጕልሕ ነበረ። (ማቴዎስ 22:⁠37-40) የሱስ ነዚ ኽጠቅስ ከሎ: ካብቲ ኣቐዲሙ ኣብ ሕጊ ሙሴ ብሕጽር ዝበለ ተጠቒሱ ዝነበረ መሰረታዊ እምነት እተወሰነ ኽፋል ጠቒሱ ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ ዘዳግም 6:⁠4, 5 ዝርከብ ኰይኑ “እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ። ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ” ይብል። የሱስ ነቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:⁠18 ዝርከብ ኣምላኽ ዝሃቦ መምርሒ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ኸም ዝነበረ እውን ፍሉጥ ኢዩ። ንጉስ ሰሎሞን ኣብ መጽሓፍ መክብብ እተጠቕመሉ ንጹርን ሓጺርን ሓያልን መደምደምታ ንብዙሕ መለኮታዊ ሕግታት ዘጠቓልል ኢዩ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ: እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ። ኣምላኽሲ ንዅሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን: ሰናይ ኰነ ወይስ እኩይ: ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ።”​—⁠መክብብ 12:13, 14፣ ሚክያስ 6:⁠8

8. መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ምርዳእ ዕቝባ ዝዀነና ስለምንታይ ኢዩ፧

8 ንኸምዚ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ስርዓታት ምሉእ ብምሉእ ምስ እንግንዘቦ: ነቲ ኣብ ዝርዝር ነገራት ዝወሃብ መምርሒታት ንኽንርድኦን ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ብተወሳኺውን ንመሰረታዊ ስርዓታት ምሉእ ብምሉእ እንተ ዘይተረዲእናዮን እንተ ዘይተቐቢልናዮን: ጥበባዊ ውሳነታት ካብ ምግባር ክንሰንፍ ንኽእል ኢና: እምነትና እውን ብቐሊሉ ክትናወጽ ትኽእል ኢያ። (ኤፌሶን 4:⁠14) ኣብ ኣእምሮናን ልብናን እንተ ተኺልናዮ ድማ ውሳነታት ንምግባር ብቐሊሉ ንጥቀመሉ ኢና። ብምርዳእ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ ኸኣ ኣሳልጦ ንረክብ።​—⁠እያሱ 1:⁠8፣ ምሳሌ 4:⁠1-9

9. ንመሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተገንዚብካ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ዅሉ ሳዕ ቀሊል ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧

9 ንመሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተገንዚብካ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ: ንእተሓገገ ሕጊ ኸም ምስዓብ ቀሊል ኣይኰነን። ዘይፍጹማት ሰባት ከም ምዃንና መጠን ንመሰረታዊ ስርዓታት ንኽንሓስበሉ ዝኣክል ጻዕሪ ኣይንገብርን ኢና። ውሳነ ኽንገብር ከሎና ወይ ኣብ መዋጥር ክንኣቱ ኸሎና እተወሰነ ሕጊ ንደሊ ንኸውን። ሓድሓደ ግዜ ካብ ዝበሰሉ ክርስትያናት​—⁠ምናልባትውን ካብ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት​—⁠ብፍላይ ንዅነታትና ዝኸውን ሓደ መምርሒ ንሓትት ንኸውን። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋት ንሓደ ጕዳይ ብቐጥታ ዝምልከት መምርሒ ኸይህበና ይኽእል ኢዩ፣ እንተ ሃበና እውን ኣብ ኵሉ ቦታታት ወይ ኵነታት እትጥቀመሉ ኸይከውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ሰብኣይ ንየሱስ “መምህር: ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ በለለይ” ከም ዝበሎ ትዝክር ትኸውን። የሱስ ብኡንብኡ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ኣሕዋት ዝነበረ ባእሲ ዘዳቕስ ሕጊ ኣብ ክንዲ ምሃብ: “ተጠንቀቑ: ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ” ብምባል ሓፈሻዊ ስርዓት ሃቦ። በዚ ኸምዚ የሱስ ኣብቲ ግዜ እቲ ጠቓሚ ዝነበረን ሕጂውን ዝጠቅምን መምርሒ ሃበ።​—⁠ሉቃስ 12:⁠13-15

10. ምስ መሰረታዊ ስርዓታት ተሰማሚዕና ምምልላስና ንድራኸ ልብና ዘርኢ ብኸመይ ኢዩ፧

10 መቕጻዕቲ ብምፍራህ ባህ ከይበሎም ሕግታት ዘኽብሩ ሰባት ርኢኻ ትኸውን። ንመሰረታዊ ስርዓታት ኣኽብሮት እንተሎካ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ተወግድ ኢኻ። ባህሪ ናይቲ ስርዓታት ነቶም ሰባት ካብ ልቦም ከም ዝእዘዙ ይገብሮም። አረ መብዛሕትኡ መሰረታዊ ስርዓታትሲ ነቶም ዝጠሓስዎ ብኡንብኡ መቕጻዕቲ ኣየምጽእን ኢዩ። እዚ ኸኣ ንየሆዋ ስለምንታይ ከም እንእዘዞ ማለት ልብና ኸመይ ምዃኑ የርእየና ኢዩ። ዮሴፍ ነቲ ሰበይቲ ጶጢፋር ዘቕረበትሉ ብዕሉግ ዕድመ ብምእባዩ ኣብነት ክዀነና ይኽእል ኢዩ። ቅድሚ እቲ እዋን እቲ የሆዋ ንዝሙት ዝኽልክል ሕጊ ብጽሑፍ ዘይሃበ: ምስ ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ እንተ ተፈጺሙ ዝስዕብ መቕጻዕቲ እውን ዘይሓገገ እንተ ነበረ እኳ: ዮሴፍ ግን ኣብ ሓዳር ብዛዕባ ኽህሉ ዘለዎ እምነት ኣምላኽ ዘቘሞ መሰረታዊ ስርዓታት ይፈልጥ ነበረ። (ዘፍጥረት 2:⁠24፣ 12:⁠18-20) እዚ መሰረታዊ ስርዓታት እዚ ኣጸቢቑ ጽልዋ ኸም ዝገበረሉ ኻብቲ “ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ብምባል ዝሃቦ መልሲ ኽንርኢ ንኽእል ኢና።​—⁠ዘፍጥረት 39:9

11. ክርስትያናት ኣብ ከመይ ዝበለ ጕዳያት ኢዮም ብመሰረታዊ ስርዓታት የሆዋ ኽምርሑ ዝደልዩ፧

11 ሎሚ ክርስትያናት ኣብ ከም ኣዕሩኽን መዘናግዕን ሙዚቃን ዘንብብዎ ጽሑፍን ዝገብርዎ ምርጫ ዝኣመሰለ ብሕታዊ ጕዳያት ብመሰረታዊ ስርዓታት ኢዮም ክምርሑ ዝደልዩ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠33፣ ፊልጲ 4:⁠8) ንየሆዋን ንመዐቀኒታቱን ዘሎና ፍልጠት: ምርዳእ: ከምኡውን ሞሳ እናዓበየ ምስ ከደ: ሕልናና ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት እንተላይ ኣብ ብሕታዊ ጕዳያት መሰረታዊ ስርዓታት ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ኽሕግዘና ኢዩ። ብመሰረታዊ ስርዓታት ኣምላኽ ክንምራሕ ከሎና መህደሚ ክዀነና ኢልና ኣብ ሕግታት ኣምላኽ ቐዳዳት ኣይነናድን ኢና። ነቶም ንሓደ ሕጊ ኸየፍረሱ ኽሳዕ ደንደስ ናይቲ ሕጊ ክኸዱ ዝደልዩ እውን ኣይንመስሎምን ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ጐዳኢ ምዃኑ ንግንዘቦ ኢና።​—⁠ያእቆብ 1:⁠22-25

12. ብመሰረታዊ ስርዓታት ኣምላኽ ንኽንምራሕ ዝሕግዘና ቐንዲ ነገር እንታይ ኢዩ፧

12 መሰረታዊ ስርዓታት ኣምላኽ ንምስዓብ ዝሕግዝ ቐንዲ ነገር: የሆዋ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ከመይ ከም ዝስምዖ ምፍላጥ ምዃኑ ብሱላት ክርስትያናት ይርድእዎ ኢዮም። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተፍቅርዎ: እከይ ጽልኡ” ኢሉ ተማሕጸነ። (መዝሙር 97:10) ገለ ኻብቲ ኣምላኽ ከም ሕማቕ ገይሩ ዝርእዮ ነገራት ኣብ ምሳሌ 6:⁠16-19 ተዘርዚሩ ኣሎ:- “እግዚኣብሄር ዚጸልኤን ሹድሽተ ነገር እየን: ኤረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን: ትዕቢተኛ ዓይኒ: ሓሳዊት መልሓስ: ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው: እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ: እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋር: ሓሶት ዚዛረብ ሓሳዊ ምስክር: ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዚዘርእ።” ኣብ መሰረታዊ ነገራት የሆዋ ዝስምዖ ስምዒት ንህይወትና ኽመርሖ ባህጊ እንተ ኣልዩና: ኣብ ኵሉ ናብራና ምስ ስርዓታቱ ተሰማሚዕና ኽንነብር ኢና።​—⁠ኤርምያስ 22:⁠16

ሰናይ ድራኸ የድሊ

13. የሱስ ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኢዩ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ዘጕልሐ፧

13 መሰረታዊ ስርዓታት ምፍላጥናን ምሕላውናን እውን ትርጕም ዘይብሉ ንማለቱ ዝግበር ኣምልኾ ንኸይነቕርብ ይሕግዘና ኢዩ። ኣብ መንጎ መሰረታዊ ስርዓታት ምስዓብን ንሕግታት ብጥብቂ ምሕላውን ፍልልይ ኣሎ። የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ነዚ ንጹር ገይርዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 5:⁠17-48) ሰማዕቱ ኣይሁድ ምንባሮም ኣይትረስዕ: ስለዚ ብሕጊ ሙሴ ዝመላለሱ ኢዮም ክዀኑ ነይሩዎም። ከም ሓቂ ግን ነቲ ሕጊ ብጌጋ ኢዮም ዝርድእዎ ነይሮም። ንመንፈስ ናይቲ ሕጊ ዘይኰነስ ንደጋዊ ትርጕም ይጸቕጡሉ ነበሩ። ንስርዓታት ኣቦታቶም ድማ ካብ ትምህርታት ኣምላኽ ዝልዕል ቦታ ይህብዎ ነበሩ። (ማቴዎስ 12:⁠9-12፣ 15:⁠1-9) ከም ሳዕቤኑ ድማ እቶም ህዝቢ ብሓፈሻ ኣተሓሳስባኦም ኣብ መሰረታዊ ስርዓታት እተመርኰሰ ኣይነበረን።

14. የሱስ ንሰዓብቱ ኣተሓሳስባኦም ኣብ መሰረታዊ ስርዓታት እተመርኰሰ ክኸውን ብኸመይ ሓገዞም፧

14 ብኣንጻሩ ግን የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ብዛዕባ ስነ⁠-​ምግባር ዝመጸ ሓሙሽተ መሰረታዊ ስርዓታት ጠቐሰ፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ቝጥዓ: ሓዳርን ፍትሕን: መብጽዓ: ሕነ ምፍዳይ: ከምኡውን ብዛዕባ ፍቕርን ጽልእን ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነጥቢ መሰረታዊ ስርዓት ዘለዎ ጥቕሚ ኣርኣየ። ስለዚ ንሰዓብቱ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ክብ ኣቢሎም ከም ዝርእዩ ገበሮም። ንኣብነት ብዛዕባ ዝሙት ዝምልከት “ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ” ብምባል ንተግባር ጥራይ ዘይኰነስ ንሓሳባትን ባህግታትን እውን ዝሕሉ መሰረታዊ ስርዓት ሃበ።​—⁠ማቴዎስ 5:28

15. ኣብ ዝርዝር ሕግታት ናይ ምትኳር ባህሪ ብኸመይ ከነወግዶ ንኽእል፧

15 እዚ ኣብነት እዚ ንውጥንን መንፈስን ናይ መሰረታዊ ስርዓታት የሆዋ ፈጺምና ኽንስሕቶ ኸም ዘይብልና የርእየና። ንማለቱ ኢልና ብእንፍጽሞ ነገራት ሞገስ ኣምላኽ ንኽንረክብ ክንፍትን የብልናን። የሱስ ኣብ ምሕረትን ፍቕርን ኣምላኽ ብምትኳር ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ግጉይ ሓሳባት ኣቃልዖ። (ማቴዎስ 12:⁠7፣ ሉቃስ 6:​1-11) መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እንስዕብ ኣብ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይርከብ እዚ ግበር እዚ ኣይትግበር ዝብል ብዙሕን ጽኑዕን ሕግታት ብምውጻእ ኣይንመላለስን (ወይ ካልኦት ብእኡ ኽመላለሱ ትጽቢት ኣይንገብረሎምን) ኢና። ኣብ ደጋዊ ትርኢት ኣምልኾና ዘይኰነስ ኣብቲ መሰረታዊ ስርዓታት ፍቕርን ንኣምላኽ ኣብ ምእዛዝን ኢና እነተኵር።​—⁠ሉቃስ 11:⁠42

ዘሐጕስ ፍረ

16. ሕግታት መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ስርዓታት ከም ዘለዎ ዝገልጽ ኣብነት ሃብ።

16 ንየሆዋ ኽንእዘዝ ክንጽዕር ከሎና: ሕግታቱ ኣብ መሰረታዊ ስርዓታት እተመስረተ ምዃኑ ኸነስተውዕል የድልየና። ንኣብነት ክርስትያናት ካብ ኣምልኾ ጣኦትን ጾታዊ ርኽሰትን ደምን ክርሕቑ ኣለዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠28, 29) ነዚ ክርስትያናዊ ኣቕዋም መሰረት ዝዀኖ ግን እንታይ ኢዩ፧ ኣምላኽ ምሉእ ወፈያና ዝግብኦ ምዃኑ: ንናይ መርዓ ብጻይና እሙናት ክንከውን ስለ ዘሎና: ከምኡውን የሆዋ ወሃብ ህይወትና ምዃኑ ነዚ መሰረት ዝኸውን ስርዓት ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:⁠24፣ ዘጸኣት 20:⁠5፣ መዝሙር 36:⁠9) ነዚ ምግንዛብና ነቲ ምስኡ ዝተሓሓዝ ሕግታት ንኽንቅበሎን ንኽንስዕቦን ዝቐለለ ይገብሮ።

17. መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምግንዛብን ኣብ ግብሪ ኻብ ምውዓልን እንታይ ጽቡቕ ፍረ ኽርከብ ይከኣል፧

17 ነቲ መሰረታዊ ስርዓታት ምስ እነለልዮን ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎን ንጥቕምና ምዃኑ ነስተውዕሎ ኢና። ህዝቢ ኣምላኽ ዝረኽብዎ መንፈሳዊ በረኸት መብዛሕትኡ ግዜ ብዝርአ ረብሓታት እተሰነየ ኢዩ። ንኣብነት: እቶም ሽጋራ ዘየትክኹ: ስነ⁠-​ምግባራዊ ናብራ ዝነብሩ: ከምኡውን ንቕድስና ደም ዘኽብሩ ሰባት ብገሊኡ ሕማማት ኣይጥቅዑን ኢዮም። ብተመሳሳሊ ምስ መለኮታዊ ሓቂ ተሰማሚዕካ ምንባር ብቍጠባውን ማሕበራውን መዳያት ኰነ ኣብ ስድራ​ቤት ረብሓታት ከምጽኣልና ይኽእል ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ከምዚ ዝኣመሰለ ዝርአ ረብሓታት ከኣ ኣምላኽ ዘቘሞ ስርዓታት ብሓቂ ጠቓሚ ምዃኑ የረጋግጸልና። እንተዀነ ግን መሰረታዊ ስርዓታት ኣምላኽ ዝኽበር ብቐዳምነት ነዚ ጥቕምታት እዚ ንምርካብ ኢልካ ኣይኰነን። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንየሆዋ ዝእዘዝዎ ስለ ዘፍቅርዎ: ኣምልኾ ስለ ዝግብኦ: ከምኡውን ግቡእን ቅኑዕን ስለ ዝዀነ ኢዩ።​—⁠ራእይ 4:⁠11

18. ዕዉታት ክርስትያናት ክንከውን እንተደኣ ደሊና: ኣብ ህይወትና ብምንታይ ክንምራሕ ኣሎና፧

18 ህይወትና ብመሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ እቲ ዝበለጸ ኣነባብራ ኢዩ: እዚውን ንኻልኦት ናብ መገዲ ኣምላኽ ንኽመጹ ኽስሕቦም ይኽእል ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ኣነባብራና ንየሆዋ የኽብሮ። የሆዋ እቲ ዝበለጸ ኽንህቦ ዝደሊ ፈቃር ኣምላኽ ምዃኑ ነስተውዕል ኢና። ኣብ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስና ውሳነታት ክንገብር ከሎና የሆዋ ብኸመይ ከም ዝባርኸና ኸኣ ምስ እንርኢ: ብዝያዳ ናብኡ ንቐርብ። እወ: ምስ ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ፍቕራዊ ርክብ ነደልድል ኢና።

ትዝክሮዶ፧

• መሰረታዊ ስርዓት እንታይ ኢዩ፧

• መሰረታዊ ስርዓታት ካብ ሕግታት ዝፍለ ብኸመይ ኢዩ፧

• ሓሳብናን ተግባርናን ኣብ መሰረታዊ ስርዓታት እተመርኰሰ ምስ ዝኸውን ዝጠቕመና ስለምንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

ዊልሰን ዝበሃል ኣብ ጋና ዝነብር ክርስትያን ድሕሪ ሒደት መዓልታት ካብ ስራሕ ከም ዝወጽእ ተነግሮ። ኣብታ ኣብ ስራሕ ዝጸንሓላ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ናይቲ ኣካያዲ ስራሕ ናይ ብሕቲ ማኪና ኽሓጽብ ተመደበ። ዊልሰን ኣብታ ማኪና ብዙሕ ገንዘብ ምስ ረኸበ: በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ስራሕ ስለ ዝወጽእ ኣምላኽ ነቲ ገንዘብ ከም ዝሃቦ እቲ ሓለቓኡ ነገሮ። ዊልሰን ግን ነቲ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቅንዕና ዝብሎ ኣብ ግብሪ ብምውዓል እቲ ገንዘብ ነቲ ኣካያዲ ስራሕ መለሰሉ። እቲ ኣካያዲ ስራሕ በዚ ስለ እተገረመን እተመሰጠን ቀዋሚ ስራሕ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ ኩባንያ ዝለዓለ ቦታ ድማ ሃቦ።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠28

ሩክያ ኣብ 60ታት ዓመት ዕድሚኣ እትርከብ ኣልባንያዊት ኢያ። ብሰንኪ ኣብ ስድራ​ቤታ ዝነበረ ዘይምስምማዕ ንሓዋ ንልዕሊ 17 ዓመታት ኣየዘራረበቶን። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኸተጽንዕ ምስ ጀመረት ግን ናይ ሓቂ ክርስትያናት ቂም ክሕዙ ኸም ዘይብሎም የግዳስ ምስ ካልኦት ብሰላም ክነብሩ ኸም ዘለዎም ተማህረት። ምሉእ ለይቲ ኽትጽሊ ሓደረት እሞ ልባ እናወቕዐ ናብ እንዳ ሓዋ ኸደት። ጓል ሓዋ ማዕጾ ኸፈተትላ። ብምግራም ከኣ ንሩክያ “መን ሞይቱ፧ እንታይ ክትገብሪ መጺእኪ፧” ኢላ ሓተተታ። ሩክያ ንሓዋ ኽትረኽቦ ኸም እትደሊ ነገረታ። ብዛዕባ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባ የሆዋን ስለ እተማህረት ምስ ሓዋ ሰላም ንኽትገብር ከም እተደረኸት ብህድኣት ገለጸት። ምስ ነብዑን ተሓቛቘፉን ከኣ ነዚ ፍሉይ ሕብረት እዚ ጸምበልዎ።​—⁠ሮሜ 12:⁠17, 18

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ማቴዎስ 5:⁠27, 28

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ማቴዎስ 5:⁠3 NW

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ማቴዎስ 5:⁠24

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

“ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ: ናብ ከረን ደየበ። ምስ ተቐመጠ ኸኣ: ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐረቡ። ኣፉ ኸፈተ: . . . መሀሮም [ድማ ]።”—⁠ማቴዎስ 5:​1, 2