ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

 ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ ኢኻ፧ እምበኣር: እስከ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

ነቲ ኣብ ከረን እተገብረ ስብከት ዘጠቓልል ንውጥረትካ ዘፋዅስ እንታይ ናይ ብሕቲ ፕሮግራም ክትገብር ትኽእል፧

መዓልቲ መዓልቲ ሓደ ኻብቲ የሱስ ኣብቲ ኸረን እተዛረቦ ወይ ኣብ ወንጌላት ኣብ ካልእ ቦታ ተጠቒሱ ዝርከብ መሰረታዊ ትምህርትታት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ትምህርቲ ብምስትንታንን ብብሕቲ ኽትዓየሉ ብምጽዓርን: ተወሳኺ ሓጐስ ከም እትረክብን ውጥረትካ ኸም ዝፈዅሰካን ፍሉጥ ኢዩ።​—⁠15/12 ገጽ 12-14

ሽማግለታት ጉባኤ ንኣገልገልቲ ጉባኤ ተወሳኺ ሓላፍነታት ክስከሙ ንኸሰልጥንዎም ምኽንያት ዝዀኖም ሰለስተ ነገራት እንታይ ኢዩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እናበዝሑ ይኸዱ ስለ ዘለዉ: ነቶም ሓደስቲ እተጠምቁ ሰባት ናብ ዕቤት ንኽበጽሑ ኣብ ምሕጋዝ ተወሰኽቲ ሓላፍነት ዝስከሙ ሰብኡት ይድለዩ ኣለዉ። ዕድመ ወይ ናይ ጥዕና ጸገማት ነቶም ንነዊሕ እዋን ሽማግለታት ኰይኖም ዘገልገሉ ይድርቶም ኣሎ። ገሊኣቶም ክኢላታት ሽማግለታት ካብ ጉባኤኦም ወጻኢ ተወሳኺ ሓላፍነታት ይስከሙ ኣለዉ: ስለዚ ከም ቀደሞም ኣብ ጉባኤኦም ብዙሕ ንምሕጋዝ ዓቕሞም ኣይፈቕደሎምን ይኸውን።​—⁠1/1 ገጽ 29

ሰባት ናይ ሓቂ ኣብ ዘይኰኑ ኣማልኽቲ ዝውከሉ ከመይ ኢሎም ኢዮም፧

ብዙሓት ሰባት ነቶም ኣብ ሃይማኖቶም ዝፈልጥዎም ኣማልኽቲ የምልኹ ኢዮም: እዚኣቶም ግን ከምቲ ብግዜ ኤልያስ ዝነበረ በዓል ከድሕኑ ዘይከኣሎም ህይወት ዘይብሎም ኣማልኽቲ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። (1 ነገስት 18:⁠26, 29፣ መዝሙር 135:⁠15-17) ካልኦት ድማ ንውሩያት ተዋሳእቲ ወይ ህቡባት ስፖርተኛታት ፍሉይ ክብሪ ይህብዎም ኢዮም: እዚኣቶም እውን ብዛዕባ መጻኢ ናይ ሓቂ ተስፋ ኽህብዎም ኣይክእሉን ኢዮም። ብኣንጻሩ ግን የሆዋ ብርግጽ ህያው ኢዩ: ዕላምኡ ኸኣ ይፍጽም ኢዩ።​—⁠15/1 ገጽ 3-5

ካብቲ ቃየል ኣምላኽ ንዝሃቦ መጠንቀቕታ ዘርኣዮ ምላሽ እንታይ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል፧

ኣምላኽ ናጻ ድሌት ሂቡና ኢዩ: ስለዚ ኸም ቃየል ንጽቡቕ ግብሪ ዝባንና ኣብ ክንዲ ምሃብ: ቅኑዕ ንኽንገብር ክንመርጽ ንኽእል ኢና። ብተወሳኺውን የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዘይንስሑ ሰባት ፍርዱ የውርድ ምዃኑ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና ኢዩ።​—⁠15/1 ገጽ 22-3

ጽሬት ብፍላይ ሎሚ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

ማሕበራዊ ኣነባብራ እናተቐየረ ይኸይድ ስለ ዘሎ: ብዙሓት ሰባት ንቤቶም ኣብ ምጽራይ ዘሕልፍዎ ግዜ ኻብ ናይ ቀደም ዝውሕድ ኢዩ። መግብን ማይን ብጽሬት እንተ ዘይተታሒዙ ናይ ጥዕና ጸገማት የስዕብ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ርእሲ ኣካላዊ ጽሬት ንመንፈሳውን ስነ⁠-​ምግባራውን ኣእምሮኣውን ጽሬት እውን ኣትኵሮ ይገብረሉ ኢዩ።​—⁠1/2 ገጽ 3-6

ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ መሰኻኽር “ብጀካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ኸይበጽሑ” ብምባል ጽሒፉ ኢዩ። እዚ ብኸመይ ክኸውን ይኽእል፧ (እብራውያን 11:⁠40)

ኣብቲ ዝመጽእ ሽሓዊ ግዝኣት: ክርስቶስን እቶም ኣብ ሰማይ ካህናትን ነገስታትን ብምዃን ዝዓዩ ቕቡኣት ኣሕዋቱን ነቲ በጅነት ዘምጽኦ ረብሓታት ካብ ሞት ንዝትንስኡ ሰባት ክዝርግሕዎ ኢዮም። በዚ ኸምዚ: ከምቶም ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 ተጠቒሶም ዘለዉ ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት ‘ናብ ፍጽምና ይበጽሑ።’​—⁠1/2 ገጽ 23

ጳውሎስ ንእብራውያን “ገና ኽሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን” ክብሎም ከሎ እንታይ መልእኽቲ ኢዩ ኸመሓላልፍ ደልዩ፧ (እብራውያን 12:4)

ክሳዕ ሞት ምቅዋም ማለቱ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኽሳዕ ሞት እሙናት ብምዃን ኣብነት ዝዀኑ ሰባት ነይሮም ኢዮም። እቶም ጳውሎስ ዝጸሓፈሎም እብራውያን ክሳዕ እዚ ደረጃ እዚ እኳ እንተ ዘይተፈተኑ: ዝመጸ እንተ መጸ ምእንቲ ኽጸንዑ ንእምነቶም ብምህናጽ ናብ ብስለት ክዓብዩ ነበሮም።​—⁠15/2 ገጽ 29

ፍትሒ የሆዋ ብምሕረቱ ይለዝብ እንተ ዘይበልና ዝሓይሽ ስለምንታይ ኢዩ፧

ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት “ምልዛብ” ክበሃል ከሎ ማእከላይ ምዃን ወይ ምግታእ ዝብል ትርጕም ኣለዋ። የሆዋ ፍትሓውን መሓርን ኣምላኽ ኢዩ: ነዚ ባህርያት እዚ ኣብ ዘንጸባርቐሉ እዋን ከኣ ክልቲኡ ባህርያት ተሰማሚዑ ኢዩ ዝዓዪ። (ዘጸኣት 34:⁠6, 7፣ ዘዳግም 32:⁠4፣ መዝሙር 116:⁠5፣ 145:⁠9) ፍትሒ የሆዋ ብምሕረቱ ኽሃድእ ወይ ክለዝብ ኣየድልዮን ኢዩ።​—⁠1/3 ገጽ 30

ንሬሳ ናይ እነፍቅሮ ሰብ ብመድሃኒት ምዕቃብ ኣብ ክርስትያናት ግቡእ ድዩ፧

ብመድሃኒት ሬሳ ምዕቃብ: ንሬሳ ከይተበላሸወ ኸም ዝጸንሕ ምግባር ማለት ኢዩ። ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት ከምዚ ኽግበሩ ኸለዉ ካብ ሃይማኖታዊ ምኽንያታት ተላዒሎም ኢዮም። ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ግን ኻብዚ ተበጊሶም ኽገብርዎ የብሎምን። (መክብብ 9:⁠5፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15) ብመድሃኒት ሬሳ ምዕቃብ ነቲ ውዒሉ ሓዲሩ ዘይተረፍ ናብ መሬት ምምላስ ኢዩ ዘደናጕዮ። (ዘፍጥረት 3:⁠19) እንተዀነ ግን ብሕጊ እቲ ዓዲ ዝሕተት እንተደኣ ዀይኑ: ገለ ኣባላት ስድራ​ቤት እንተ ደልዮሞ: ወይ ገሊኣቶም ቀብሪ ንኸርክቡ ነዊሕ እዋን ዝወስድ እንተደኣ ዀይኑ ነቲ ሬሳ ብመድሃኒት ከም ዝዕቀብ ምግባር ከጨንቐና የብሉን።​—⁠15/3 ገጽ 29-31

ኣምላኽ ንዅሎም ኣህዛብ ከም ዝቕበሎም ዘርእየና እንታይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ኢዩ፧

የሆዋ ንነብዪ ዮናስ ንሰብ ነነዌ ኸጠንቅቖም ለኣኾ: ነቲ ነስሓኦም ክቕበሎ ኸኣ ተላበዎ። የሱስ ብቓል ኰነ ብግብሪ ንሳምራውያን ፍቕሪ ምርኣይ ኣተባብዐ። ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ጳውሎስን እቲ ብስራት ነቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ኣብ ምስባኽ ኣበርክቶ ገይሮም ኢዮም። ካብዚ ኣብነታት እዚ ኸም እንርእዮ: ካብ ኵሉ ዓይነት ድሕረ⁠-​ባይታ ንዝመጹ ሰባት ክንሕግዞም የድሊ።​—⁠1/4 ገጽ 21-4