ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኣኽራን ፊሊፕንስ ንኣምላኽ ምውዳስ

ኣብ ኣኽራን ፊሊፕንስ ንኣምላኽ ምውዳስ

ኣብ ኣኽራን ፊሊፕንስ ንኣምላኽ ምውዳስ

ንፊሊፕንስ ከም ደሴት ጌርካ ትርእያ እንተደኣ ዄንካ ኣይተጋገኻን። እንተዀነ ግን: ዘደንቕ ኣኽራን ዘለዋ ሃገር እውን ኢያ። ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከተማታትን መታሕትን ናይታ ሃገር ምስባኽ ብተዛማዲ ኽርአ ኸሎ ቐሊልን ውጽኢታውን ኢዩ ዀይንሎም። ኣብቲ ኣኽራን ግን እቲ ዅነታት እተፈልየ ኢዩ።

 እቲ ግሩም ኣኽራን ናይታ ሃገር ምስቲ ሑጻ ዝመልኦ ገማግም ባሕሪ: ንሓድሕዱ እተላገበ መርጀን: ብምግፋፍ ዓሳ ዝናበራ ኣቝሻት: ከምኡውን ምስቲ ኣብ ጐላጕል እታ ደሴት ዝርከብ ብዙሕ ምንቅስቓስ ዝርኣየሉ ኸተማታት ኽነጻጸር ከሎ ዓብዪ ፍልልይ ኢዩ ዘለዎ። እዚ ኣኽራን እዚ “ወንጌል” መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ እውን ዕንቅፋት ኰይኑ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14

ደሴታት ፊሊፕንስ ክልተ ተክቶኒካዊ ጽፍሕታት ኣብ ዝጋጨዉሉ ቦታ ኢየን ዝርከባ። እዚ ድማ ኣብተን ዓበይቲ ደሴታት በላሕቲ ጤረራት ዘለዎ ኣኽራን ፈጢሩ ኢዩ። ንፊሊፕንስ ዘቝማ ልዕሊ 7,100 ዝዀነ ደሴታት ኣብቲ ምዕራባዊ ቀስታዊ ቕርጺ ናይቲ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ዓንኬል እሳተ⁠-​ጎመራ ኢየን ዝርከባ። ስለዚ: ኣብ ብዙሕ ቦታታት እሳተ⁠-​ጎመራ ይርአ ኢዩ: እዚ እውን ኣብታ ሃገር ኣኽራን ንኽበዝሕ ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ። እቲ መሬት ሓባጥ ጐባጥ ዝበዝሖ ብምዃኑ ነቶም ኣብ ኣኽራን ዝነብሩ ህዝቢ ካብ ሰብ ከም ዝግለሉ ገይርዎም ኢዩ። ብተዛማዲ ኽርአ ኸሎ ንመጓዓዝያ ዝኸውን ብዙሕ ጥጡሕ መገዲ ስለ ዘየለ: ክትበጽሖም ቀሊል ኣይኰነን።

እዚ ዅሉ ዕንቅፋታት እናሃለወ ኽነሱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ን“ዅሉ ሰብ” ክረኽብዎ ኸም ዘድልዮም ኣስተውዓሉ። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠4) ስለዚ ኣብ ፊሊፕንስ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቲ ኣብ ኢሳይያስ 42:⁠11, 12 ዝርከብ “እቶም ኣብ ኣኻውሕ ዚነብሩ ብሓጐስ ይጨድሩ: ካብ ርእሲ ኣኽራን እልል ይበሉ። ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሀቡ: ምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ደሴታት ይንገሩ” ዝብል ሓሳባት ብምስምማዕ ዓዪዮም ኢዮም።

ነቶም ኣብ ኣኽራን ዝነብሩ ህዝቢ ንምምስካር ብርቱዕ ጻዕሪ ኽግበር ዝጀመረ ቕድሚ 50 ዓመታት ኣቢሉ ኢዩ። ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ሚስዮናውያን ነዚ ዕዮ እዚ ሓይሊ ወሰኹሉ። ብዙሓት ኣብቲ ቦታ ዝነብሩ ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐበሉ እሞ ንሳቶም እውን ብግዲኦም ኣብቲ ኣኽራን ኣብ ዝርከብ ኣቝሻት ነቲ ሓቂ ንምዝርጋሕ ሓገዙ። እዚ ጽቡቕ ፍረ ኣፍርዩ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ሰሜናዊ ሉዞን ኣብ ዝርከብ ሰንሰለት ኣኽራን: ልዕሊ 6,000 ዝዀኑ ኣስፋሕቲ እቲ ብስራት ኣለዉ። መብዛሕትኦም ደቀባት ኰይኖም: ካብዚኣቶም ኢባሎይ: ኢፉጋዎ: ከምኡውን ካሊንጋ ዝበሃሉ ህዝብታት ይርከብዎም ኢዮም።

ይኹን እምበር: ኣብቲ ኣኽራን ብቐሊሉ ኽብጻሕ ዘይከኣል ቦታታት ኣሎ። እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ህዝቢ እውን ኣይተረስዑን። ገሊኣቶም ብኸመይ ኢዮም ኽርከቡ እተኻእሉ: እንታይ ምላሽከ ሃቡ፧

ዝጸንሐ ልምዲ ብናይ ሓቂ እምነት ይትካእ

ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ደሴት ሉዞን ዝርከብ ኣኽራን ዝበዝሖ ኣውራጃ ኣብራ: ቲንጊያውያን ዝበሃሉ ህዝቢ ሰፊሮም ይርከቡ። እዚ ስም እዚ ኻብቲ ቲንጊ ዝብል “ከረን” ዝትርጕሙ ጥንታዊ ናይ ማላይ ቃል ዝመነጨ ኢዩ። ብርግጽ ነዞም ህዝቢ ዝበቅዕ ስያመ ኸኣ ኢዩ! እቶም ህዝቢ ንርእሶም ኰነ ንቛንቋኦም ኢትነግ ኢሎም እውን ይጽውዕዎ ኢዮም። ኣብ ካቡንያን ዝበሃል ኣምላኽ ይኣምኑ: መዓልታዊ ህይወቶም ከኣ ብማሪታዊ እምነት እተጸልወ ኢዩ። ንኣብነት: ናብ ሓደ ቦታ ክኸይድ ዝመደበ ሰብ እንጥሾ ምስ ዝብል: ሕማቕ ፋል ኢዩ ዝበሃል። እቲ ሕማቕ ፋል ዘምጽኦ ሳዕቤን ክሳዕ ዝቕንጠጥ ንሒደት ሰዓታት ክጸንሕ ኣለዎ።

ብ1572 ስጳኛውያን ናብዛ ሃገር እዚኣ እምነት ካቶሊክ ኣተኣታተዉ: እንተዀነ ግን ንቲንጊያውያን ናይ ሓቂ ክርስትና ኣይመሃርዎምን። እቶም እምነት ካቶሊክ እተቐበሉ ኣብ ካቡንያን ካብ ምእማን ኣየቋረጹን: ነቲ ናይ ጥንቲ ልምድታቶም ድማ ኣይገደፍዎን። ብ1930ታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዚ ኣኽራን ክሰብኩ ምስ ጀመሩ: ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ በጽሖም። ብዙሓት ቅኑዕ ዝልቦም ቲንጊያውያን “ካብ ርእሲ ኣኽራን” ንየሆዋ ኽውድሱ ጀመሩ።

ንኣብነት: ሊንግባዋን ቀደም ኣብ ከባቢኡ ኽብሪ ዝወሃቦ ርእሲ ሓደ ቐቢላ ኢዩ ነይሩ። ንልምድታት ቲንጊያውያን ከኣ ብጥብቂ ዝስዕብ ሰብ ነበረ። ከምዚ ድማ በለ:- “ንልምድታት ቲንጊያውያን ብዝግባእ እስዕብ ነበርኩ። ሓደ ሰብ እንተ ተቐቲሉ: ድሕሪ ቐብሩ ንስዕስዕን ብሓጺን እተሰርሐ ነጋሪት ንወቅዕን ነበርና። እንስሳታት እውን ንስውእ ነበርና። ኣብ ካቡንያን ንኣምን ነበርና: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣምላኽ እውን ኣይፈልጦን ኢየ ነይረ።” እዚ ዅሉ ዝኸውን ዘሎ ኸኣ ካቶሊክ ተባሂሉ እናተጸወዐ ኸሎ ኢዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኸባቢ ንኽሰብኩ ምስ መጹ ንሊንግባዋን ረኸብዎ: መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከኣ ኣተባብዕዎ። “የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ዝኣምን ዝገበረኒ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ” ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ። ድሕሪኡ ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዐ: ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከገልግል ከኣ ወሰነ። ነቲ ናይ ቀደም መገድታቱ እንተላይ ከም መራሒ ቐቢላ ዝነበሮ ሓላፍነት ሓደገ: ከምዚ ብምግባሩ ኸኣ እቲ ናይቲ ዓዲ ኻህንን እቶም ናይ ቀደም ኣዕሩኽቱን ተቘጥዑ። ንሱ ግን ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸቦ ሓቂ ኽስዕብ ቈረጸ። ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ጉባኤ ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ኣሎ።

ሸውዓተ መዓልትን ሽዱሽተ ለይትን

ኣብ ገሊኡ ክፋል ኣብራ ዝነብሩ ሰባት ነቲ ብስራት ብተደጋጋሚ ዝሰምዕዎ እኳ እንተዀኑ: ገሊኣቶም ግን ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታታት ስለ ዝነብሩ ሳሕቲ ኢዩ ምስክርነት ዝበጽሖም። ቅድሚ እተወሰነ ግዜ ንሓደ ኻብዚ ቦታታት ንምብጻሕ ጻዕርታት ተገይሩ ኢዩ። ሰላሳን ሓሙሸተን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ን27 ዓመታት ምብጻሕ ኣብ ዘይተገብረሉ ኣብ ኣብራ ዝርከብ ቲነግ ዝበሃል ቦታ ንኸገልግሉ ተበገሱ።

እዚ ናይ ስብከት ጕዕዞ ብእግሪ ኢዩ ተገይሩ: ሸውዓተ መዓልቲ ኸኣ ወሰደ። ነቶም ሳሕቲ ነቲ ብስራት ዝሰምዑ ኽትሰብኽ ኢልካ: ብገመድ ተወጢሩ ጠልጠል ዝበለ ድንድላትን ዓሚቝ ወሓይዝን ክትሰግር ከምኡውን ዘድልየካ ነገራት ተሰኪምካ ኣብ ኣኽራን ንሰዓታት ክትጓዓዝ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ሰኣሎ! ካብቲ ኣብ ጕዕዞ ዘሕለፍዎ ሽዱሽተ ለይቲ እቲ ኣርባዕተ ኣብቲ ኣኽራን ኣብ ቃልዕ ኢዮም ሓዲሮም።

እቶም ኣብዚ ጕዕዞ ዝኸዱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መግቢ ተማሊኦም እኳ እንተ ነበሩ: ንብምሉኡ እቲ ጕዕዞ ዘድልዮም መግቢ ግን ክስከሙ ኣይከኣሉን። እዚ ግን ጸገም ኣይኰኖምን: ከመይሲ እቶም ዝረኸብዎም ሰባት መግቢ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ተሓጒሶም ኢዮም ቀይሮምዎም። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እኹል ናይ ሕርሻ ፍርያት: ዓሳ: ከምኡውን ስጋ ሸውዓተ ቐርኑ ረኸቡ። እተወሰነ ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠሞም “እዚ መስዋእትታት እዚ በቲ ዝረኸብናዮ ኣኽል⁠-​ታርፍ ሓጐስ ተኻሒሱ ኢዩ” በሉ።

ኣብተን ሸውዓተ መዓልቲ እዞም ኣገልገልቲ እዚኣቶም ኣብ ዓሰርተ ኣቝሻት ሰበኹ: 60 መጻሕፍቲ: 186 መጽሔታት: 50 ብሮሹራት: ከምኡውን ብዙሕ ትራክትታት ኣበርከቱ። ን74 ጕጅለታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ብኸመይ ከም ዝግበር ኣርኣዩ። ኣብታ ቲነግ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ ናይቲ ዓዲ ሰበ⁠-​ስልጣንን ገለ ዓበይቲ ዓድን ብዘቕረብዎ ሕቶ: 78 ተኣከብቲ እተረኽብዎ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ተገብረ። መብዛሕትኦም ካብቶም ተኣከብቲ መምህራንን ኣባላት ፖሊስን ነበሩ። ብዙሓት ቲንጊያውያን ነቶም ካብ ርእሲ ኣኽራን ‘እልል ዝብሉን’ ንየሆዋ ዝውድሱን ዘለዉ ኽጽምበርዎም ተስፋ ንገብር።

ካብ ወርቂ ዝበልጽ

ኣብ ደቡብ ፊሊፕንስ ስጳኛውያን ወርቂ ዝረኸቡለን ደሴታት ኣለዋ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ሚንዶሮ ተባህላ: እዚ ኸኣ ካብቲ ብቛንቋ ስጳኛ ሚና ደ ኦሮ ወይ “መዐደኒ ወርቂ” ዝብል ስያመ ዝመጸ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብዘን ደሴታት እዚኣተን ካብ ወርቂ ዝሓይሽ ነገር ይርከብ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ከገልግሉ ዝደልዩ ምርካብ ኢዩ።

ማንግያናውያን ዝበሃሉ 125,000 ዝዀኑ ደቀባት ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ ሚንዶሮ ዝርከብ ምሕድግ ዝበለ ጫካ ኢዮም ዝነብሩ። ቀሊል ናብራ ይነብሩ: ምስ ካልኦት ህዝቢ ኣይሕወሱን: ናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋ ኸኣ ኣለዎም። መብዛሕትኦም ድማ ዘይሞቱ መናፍስትን ብዙሓት ኣማልኽትን ዘምልኹ ኢዮም: ኣብ እተፈላለዩ መናፍስትን ተፈጥሮን ከኣ ይኣምኑ።

ዋሕዲ መግቢ ወይ ናይ ካልእ ነገራት ሕጽረት ከጋጥሞም ከሎ ስራሕ ደልዮም ብተደጋጋሚ ናብ ከባቢ እቲ ገማግም ባሕሪ ይመጹ ኢዮም። ባታንጋናውያን ካብ ዝበሃሉ ንኡስ ጕጅለ ማንግያናውያን ዝዀነ ፓይሊን በዚ ምኽንያት እዚ ኻብ ዓዱ ወጸ። ኣብቲ ኣብ ኣኽራን ዝርከብ ጫካ ተወሊዱ ኢዩ ዓብዩ: ንእምነታትን ልምድታትን ባታንጋናውያን ድማ ይስዕብ ነበረ። እቲ ኣብቲ ዓዲ እተለምደ ንሕፍረቱ ዝሽፍን ኣገልድም ጥራይ ከኣ ኢዩ ዝዕጠቕ ነይሩ። ባታንጋናውያን ጽቡቕ ምህርቲ ንምሕፋስ ደርሆ ይሓርዱ እሞ እናጸለዩ ደም እታ ደርሆ ኣብ ማይ ናይ ምፍሳስ ልምዲ ኣለዎም።

ፓይሊን ሕጂ ነዚ ልምድታት እዚ ገዲፍዎ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ናብ መታሕት ናይታ ዓዲ ኸይዱ ምስ ሓንቲ ስድራ​ቤት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስራሕ ጀመረ። ሓደ ኻብዞም ኣባላት ስድራ​ቤት በዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ንፓይሊን ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣፋለጦ። ፓይሊን ነቲ ትምህርቲ ተቐበሎ: የሆዋ ብዛዕባ ወድሰብን ምድርን ዘለዎ ዕላማ ብምፍላጡ ኸኣ ተሓጐሰ። መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ከም ዝኣቱን መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘጽንዕን ገበሩ። ወዲ 24 ዓመት ምስ ኰነ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ተጠምቀ። ወዲ 30 ዓመት ምስ ኰነ ኣብ ካልኣይ ዓመት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ በጽሐ: ነቲ ቤት ትምህርቱ ኸኣ ናይ ስብከት ዞባኡ ገበሮ። ሕጂ ሮላንዶ (ናይ መታሕት ስም) ኢሎም ኢዮም ዝጽውዕዎ።

ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ሮላንዶ እንተ ትራኸብ ምዕሩግ ኣከዳድናን ፍሽሑው ገጽን ዘለዎ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ሚንዶሮ ዝርከባ ጉባኤታት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋልን ናይ ጉባኤ ኣገልጋልን ኰይኑ ዘገልግል ሰብኣይ ኰይኑ ኢዩ ዝጸንሓካ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ሮላንዶ ናብቲ ኣኽራን ከይዱ ነይሩ: ሕጂ ግን ነቶም ባታንጋናውያን ኣብ ልምድታቶም ኽሓብሮም ኢሉ ዘይኰነስ ነቲ ህይወት ዘውህብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ንኸካፍሎም ኢሉ ኢዩ።

ኣደራሽ መንግስቲ ንምርካብ ህንጡያት

ኣውራጃ ቡኪድኖን​—⁠ብቛንቋ ሰቡዋኖ “ህዝቢ ኣኽራን” ማለት ኢዩ​—⁠ኣብ ደቡባዊ ደሴት ሚንዳናኦ ኢዩ ዝርከብ። እዚ ቦታ እዚ ኣኽራን: ዓሚቝ ሽንጭሮ: ወሓይዝ: ከምኡውን ሮራ ይርከቦ። ኣብዚ ፍርያም መሬት ኣናናስ: ዕፉን: ቡን: ሩዝ: ከምኡውን ባናና ይሕፈስ። ኣብቲ በረኽቲ ቦታታት ታላንዲግን ሂጋኦኖንን ዝበሃሉ ቐቢላታት ይነብሩ። እዞም ህዝቢ እዚኣቶም እውን ብዛዕባ የሆዋ ኽማሃሩ የድልዮም ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ጥቓ ኸተማ ታላካግ ሓደ ዘገርም ነገር ኣጋጠመ።

ናብቲ በረኽቲ ቦታታት ዝኸዱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ቘራሪ ክሊማ: ምዉቕ ኣቀባብላ ረኸቡ። ኣብቲ ቦታ ዝነብሩ ሰባት ኣብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ: ኣቦ: ኸም ዝኣምኑ ኢዮም ዝዛረቡ: እንተዀነ ግን ስሙ ኣይፈልጥዎን ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜኦም ኣብ ጫካ ስለ ዘሕልፍዎ: ንመጀመርታ ግዜኦም ኢዮም ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኺቦም። ስም ኣምላኽን ምስ መንግስቱ ዝተሓሓዝ ዘደንቕ ዕላምኡን ተነግሮም። እቶም ህዝቢ ኣዝዮም ስለ እተሓጐሱ ተወሳኺ ምብጻሕ ክግበረሎም ተወሰነ።

ንእተወሰነ ግዜ ምብጻሕ ተገብረሎም። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ እቶም ደቂ እታ ዓዲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር “ቤት” ንምስራሕ ቦታ ኽህብዎም ከም ዝኽእሉ ነገርዎም። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ተሓጒሶም ተቐበልዎ። እቲ ቦታ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከብ ዝበረኸ ዅርባ ዀይኑ ኣብኡ ዄንካ እቲ መገዲ ይርአ ኢዩ። እታ ቤት ብዕንጨይቲ: ኣርቃይ: ከምኡውን ጨናፍር ስየ ተሰርሐት። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሕን ዓሰርተ መዓልትን ከኣ ተዛዘመት። “ኣደራሽ መንግስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዝብል ጽሕፈት ብሸነኽ ቅድሚት ናይታ ቤት ብጕሉሕ ተጻሒፉ ኢዩ ዝርአ። ሕስብ እሞ ኣብሎ: ጉባኤ ቕድሚ ምቛሙ ኣደራሽ መንግስቲ ተሰሪሑ!

ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ሓደ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይኑ ዘገልግል ናይ ጉባኤ ሽማግለን ሓደ ናይ ጉባኤ ኣገልጋልን ናብቲ ቦታ ገዓዙ። ምስ ጐረባብቲ ጉባኤታት እናተሓባበሩ ኸኣ ጉባኤ ንኸቝሙ ጸዓሩ። ኣብ ነሓሰ 1998 ከኣ ከምቲ ዝሓለንዎ ዀነሎም። ሕጂ ሓንቲ ንእሽቶ ጉባኤ ነቶም ኣብቲ ኣኽራን ዝነብሩ ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምምሃር ነዚ ኣደራሽ መንግስቲ ምሉእ ብምሉእ ትጥቀመሉ ኣላ።

ብሓቂ የሆዋ ነቶም ኣብ ፊሊፕንስ ዝርከቡ ፍቓደኛታት ኣገልገልቱ ኣብቲ ብቐሊሉ ኽብጻሕ ዘይከኣል ኣኽራን ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ሓቂ ንኽዝርግሑ ኣጸቢቑ ይጥቀመሎም ኣሎ። እዚ ኸኣ ነተን “እቲ ብስራት ዜበስር . . . ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን” ዝብላ ኣብ ኢሳይያስ 52:⁠7 ዝርከባ ቓላት ኢየን ዘዘኻኽራና።

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ካርታ]

ኣብራ

ሚንዶሮ

ቡኪድኖን

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Globe: Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣኽራን ምስባኽ ንሰዓታት ሓባጥ ጐባጥ ኣብ ዝበዝሖ መሬት ምጕዓዝ ዘጠቓልል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ኸረን ኣብ ዝርከብ ወሓዚ እተፈጸመ ጥምቀት