ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካበይ ኢኻ ድሕንነት እትጽበ፧

ካበይ ኢኻ ድሕንነት እትጽበ፧

ካበይ ኢኻ ድሕንነት እትጽበ፧

ኣብ ሓንቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ንእሽቶ ቍሸት ዦስዊ ዝበሃል መንእሰይ ንስድራ​ቤቱን ፈተውቱን ደሓን ኩኑ ኢሉ ተሰናበቶም። a ድሕሪኡ ቝጠባዊ ድሕንነት ንምርካብ ናብታ ዓባይ ከተማ ኸደ። እንተዀነ ግን: ኣብታ ኸተማ ምስ በጽሐ ነዊሕ ከይጸንሐ ወርቂ ኣብ መገዲ ወዲቑ ዝርከበላ ዘይምዃና ምስ ፈለጠ ተስፋኡ ጸልመተ።

 ዦስዊ ናብራ ኸተማ ንኽለምድ ዝገበሮ ጻዕሪ ተስፋ ኣቝረጾ። እታ ዓባይ ከተማ ኻብቲ ዝሓሰቦ ኣዝያ እተፈልየት ኰይና ኢያ ጸኒሓቶ። ምስናይዚ ዅሉ ኸኣ ናፍቖት ናይቶም ኣብታ ንእሽቶ ቝሸት ዝሓደጎም ስድራ​ቤቱን ፈተውቱን ስለ ዝበርትዖ ክምለስ ደለየ። እንተዀነ ግን ገሊኣቶም ተቐማጦ እታ ቝሸት መስሓቂ ኸይገብርዎ ፈርሀ። ‘ከይሓለፈሉ ተመሊሱ ኢሎም ሕማቕ ክብሉኒ ኢዮም’ ዝብል ጭንቀት ኣሕደረ።

ወለዱ ኽስምዖም ዝኽእል ጓሂ እውን ዝያዳ ጾር ኢዩ ዀይንዎ። ክሕግዞም ኢዮም ዝጽበይዎ ዘለዉ። ነዚ ስምዒታዊ ጾር ክዋጽኣሉ እናጸዓረ ኸሎ ድማ: ንነዊሕ ሰዓታት ክሰርሕን ምስቲ ዝነበሮ ትጽቢት ክወዳደር ከሎ ኣብ ግምት ዘይኣቱ መሃያ ኽረክብን ጀመረ። ካብ እምብዛ ስራሕ ሓይሉ ተጸንቀቐ። ነቲ ኣኽቢሩ ዝርእዮ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ዝኸውን ግዜ ኸኣ ካብ ሰሙን ናብ ሰሙን እናቐነሰ ኸደ። ምስ ስድራ​ቤቱን ናይ ቀደም ፈተውቱን ብቐሊሉ ኽራኸብ ስለ ዘይክእል: ጓህን ጽምዋን ተሰምዖ። እታ ኸተማ ነቲ ብዙሕ ሃረር ዝበሎ ድሕንነት ከም ዘይሃበቶ ኸኣ ኣስተውዓለ።

ኣስማት ሰባትን ቦታታትን ይፈላለ ይኸውን እምበር እዚ ንዦስዊ ዘጋጠሞ ነገር ልሙድ ተርእዮ ኢዩ። ዦስዊ ናብ ከተማ ኽግዕዝ ምድላዩ ብስስዐ ኣይኰነን፣ ድሕንነት ክረክብ ጥራይ ኢዩ ዝደሊ ነይሩ። ኣብ ከተማ ኻብቲ ኣብታ ንእሽቶ ቝሸቱ ዘሎ ዝሓሸ ኣጋጣሚ ዝረክብ ኢዩ መሲልዎ። ልክዕ ኢዩ: ሓድሓደ ግዜ ንገለ ሰባት ናብርኦም ይመሓየሸሎም ኢዩ: እንተዀነ ግን ናይ ሓቂ ድሕንነት ረኺቦም ማለት ኣይኰነን። ንዦስዊ ኸምቲ ዝሓሰቦ ኸም ዘይኰነሉ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ካልኦት ከምዚ ናይ ዦስዊ ዝፈተኑ ብዙሓት ሰባት እውን ተመሳሳሊ ነገር የጋጥሞም ኢዩ። እዚ ዅነታት እዚ ‘ድሕንነት እንታይ ኢዩ፧’ ኢልና ንኽንሓትት ይድርኸና ኢዩ።

ሰባት ብዛዕባ ድሕንነት ዘለዎም ምርዳእ እተፈላለየ ኢዩ። ሓደ መዝገበ⁠-​ቓላት ድሕንነት “ካብ ሓደጋ ሓራ ምዃን” ወይ ከኣ “ካብ ፍርሂ ወይ ጭንቀት ሓራ ምዃን” ኢልዎ ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ሕጂ እዋን ምሉእ ብምሉእ “ካብ ሓደጋ ሓራ ምዃን” ከም ዘይከኣል ኣስተውዒሎም ኢዮም። ኣብ ከባቢኦም ዘፍርህ ኵነታት እኳ እንተ ሃለወ: ንዓታቶም ድሕንነት እንተ ተሰሚዕዎም ጥራይ ዕጉባት ኢዮም።

ንስኻኸ ድሕንነት ካበይ ኢኻ እትጽበ፧ ከምቲ ዦስዊ እተጸበዮ ኣብ ቍሸት ዘይኰነስ ኣብ ከተማ ዝርከብ ድዩ ዝመስለካ፧ ኣበይ ወይ ብኸመይ ከም እተጥርዮ ብዘየገድስ ካብ ገንዘብ ድዩ ዝርከብ፧ ዝለዓለ ማሕበራዊ ደረጃ ካብ ምሓዝ ድዩ፧ ድሕንነት እረኽበሉ ኢየ እትብሎ መገዲ ብዘየገድስ: እቲ እትረኽቦ ድሕንነት ግን ንዓኻ ዀነ ንስድራ​ቤትካ ኽሳዕ ክንደይ ቀጻልነት ዘለዎ ኢዩ፧

ብዙሓት ውልቀ⁠-​ሰባት ድሕንነት ዝደልዩሉ ሰለስተ መገድታት እስከ ንመርምር፣ እዚ ድማ ዓዲ ምቕያር፣ ገንዘብ ምጥራይ፣ ከምኡውን ዝለዓለ ደረጃ ወይ ቦታ ምርካብ ኢዩ። ድሕሪኡ ናይ ሓቅን ነባርን ድሕንነት ካበይ ከም ዝርከብ ክንምርምር ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስም ተቐዪሩ ኢዩ።