ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 ዮሃንስ እቶም “ዓብዪ ጭፍራ” (NW ) ኣብ መቕደስ የሆዋ ቅዱስ ኣገልግሎት ከቕርቡ ኽርእዮም ከሎ: ኣበየናይ ክፍሊ ናይቲ ቤት መቕደስ ኰይኖም ኢዮም ዘገልግሉ ነይሮም፧​—ራእይ 7:⁠9-15

እቶም ዓብዪ ጭፍራ ኣብ ሓደ ኻብቲ ምድራዊ ኣጸድ ናይቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ ብፍላይ ድማ ምስቲ ወጻኢ ኣጸድ ናይቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ቤት መቕደስ ኣብ ዝመሳሰል ኰይኖም ንየሆዋ የምልኽዎ ኣለዉ ምባል ርትዓዊ ኢዩ።

ቅድሚ ሕጂ: እቶም ዓብዪ ጭፍራ ምስቲ ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበረ ኣጸድ ኣህዛብ ኣብ ዝመሳሰል መንፈሳዊ ኣጸድ ከም ዝነብሩ ጌርካ ኢዩ ተገሊጹ ነይሩ። ተወሳኺ ምርምር ምስ ተገብረ ግን እንተ ወሓደ ብሓሙሽተ ምኽንያታት ከምኡ ከም ዘይኰነ ኽፍለጥ ተኻኢሉ እዩ። ቀዳማይ: ሄሮድስ ዝሃነጻ ቤት መቕደስ ብዅሉ መዳያታ ኣይኰነትን ጽላሎት ናይቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ እትኸውን። ንኣብነት: ቤት መቕደስ ሄሮድስ ኣጸድ ደቂ ኣንስትዮን ኣጸድ እስራኤልን ነይርዎ ኢዩ። ኣብቲ ኣጸድ ደቂ ኣንስትዮ: ሰብኡትን ኣንስትን ክኣትዉ ዝኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ: ኣብ ኣጸድ እስራኤል ግን ሰብኡት ጥራይ ኢዩ ዝፍቀደሎም ነይሩ። ኣብቲ ምድራዊ ኣጸድ ናይታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ የሆዋ: ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ኣምልኾኦም ኣይፈላለዩን ኢዮም። (ገላትያ 3:⁠28, 29) ስለዚ ኣብታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ምስ ኣጸድ ደቂ ኣንስትዮን ኣጸድ እስራኤል ዝመሳሰል ክፍልታት የለን።

ካልኣይ: ኣብቲ ኣምላኽ ንሰሎሞን ዝሃቦ ንድፊ ቤት መቕደስ ወይ ኣብታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤት መቕደስ ኰነ ኣብታ ብዘሩባቤል እተሃንጸት ቤት መቕደስ ኣጸድ ኣህዛብ ዝበሃል ኣይነበረን። ስለዚ እምበኣር: ነዝን ብፍላይ ድማ ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ሳልሳይ ነጥብን ኣብ ግምት ብምእታው: ኣብ ምድላው ናይታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ የሆዋ ምስ ኣጸድ ኣህዛብ ዝመሳሰል ቦታ ኣሎ ኽንብል መሰረት የብልናን።

ሳልሳይ: ንኣጸድ ኣህዛብ ዝሃነጸ እቲ ኤዶማዊ ንጉስ ሄሮድስ ክኸውን ከሎ ንኽብሪ ርእሱን ካብ ሮሜ ስምረት ንምርካብን ኢሉ ኢዩ ሃኒጽዎ። ሄሮድስ ነታ ብዘሩባቤል እተሃንጸት ቤት መቕደስ ዘሐደሳ ምናልባት ብ18 ወይ 17 ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ዘ ኣንከር ባይብል ዲክሽነሪ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እቲ ንጉሳዊ ስልጣን ምዕራብ [ሮሜ] ዝኽተሎ ዝነበረ ኣገባብ . . . ካብቲ ናይተን መወዳድርቶም ዝነበራ ከተማታት ምብራቕ ዝሃንጽኦ ኣብያተ⁠-​መቕደስ ዝዓበየ ቤት መቕደስ ክህነጽ ኢዩ ዝሓትት ነይሩ።” ይኹን እምበር: ዓቐናት ናይታ ቤት መቕደስ ድሮ ተወሲኑ ኢዩ ነይሩ። እታ መዝገበ⁠-​ቓላት “ዓቐን ናይታ ቤት መቕደስ ልክዕ ምስቲ ናይተን ቀዳሞት ኣብያተ⁠-​መቕደስ [ብሰሎሞንን ዘሩባቤልን እተሃንጻ] ሓደ ዓይነት እኳ እንተ ነበረ: እታ ቤት መቕደስ እተሃንጸትሉ ኸረን ግን ዝያዳ ቦታ ነበሮ።” ስለዚ ሄሮድስ ነቲ ሎሚ ኣጸድ ኣህዛብ ዝበሃል ዘሎ ቦታ ብምውሳኽ ንኸባቢ እታ ቤት መቕደስ ኣስፍሖ። ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኽ ዘለዎ ህንጻ ከመይ ኢሉ ጽላሎት ናይታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ የሆዋ ክኸውን ይኽእል፧

ራብዓይ: ዳርጋ ኵሎም ሰባት​—⁠ዕዉራትን ሓንካሳትን ዘይተገዝሩን ኣህዛብ​—⁠ናብ ኣጸድ ኣህዛብ ክኣትዉ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። (ማቴዎስ 21:⁠14, 15) ሓቂ ኢዩ: እቲ ኣጸድ ንኣምላኽ መስዋእቲ ከቕርብሉ ንዝደልዩ ሓያሎ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ኣገልጊሉ ኢዩ። የሱስ ሓድሓደ ግዜ ነቶም ህዝቢ ዝምህረሉ ዝነበረ: ነቶም ሸረፍትን ነጋዶን ከኣ ንቤት ኣቦኡ ንዕቐት ከም ዘርኣዩ ብምዝራብ ክልተ ግዜ ዝኸውን ዝሰጐጐም ካብዚ ቦታ እዚ እዩ። (ማቴዎስ 21:⁠12, 13፣ ዮሃንስ 2:⁠14-16) ይኹን እምበር: ዘ ጀዊሽ ኢንሳይክሎፔድያ ከምዚ ይብል:- “እዚ ወጻኢ ኣጸድ እዚ: ብልክዕ ክርአ እንተደኣ ዀይኑ: ክፍሊ ናይቲ ቤት መቕደስ ኣይነበረን። እቲ መሬት እተቐደሰ ኣይነበረን: ዝዀነ ይኹን ሰብ ከኣ ክኣቱ ይኽእል ነይሩ ኢዩ።”

ሓሙሻይ: ኣብታ ብባርክለይ ኤም. ኒውማን ከምኡውን ፊሊፕ ሲ. ስታይን እተጻሕፈት ኤ ሃንድቡክ ኦን ዘ ጎስፕል ኦቭ ማቲው ከም እተገልጸ: እታ ንኣጸድ ኣህዛብ ንምምልካት እትውዕል “ቤት መቕደስ” እትትርጐም ናይ ግሪኽ ቃል (ሄሮን) “ብፍላይ ንህንጻ እቲ ቤት መቕደስ ዘይኰነስ ንብምሉኡ እቲ ኸባቢ ኢያ እተመልክት።” ብኣንጻሩ ኸኣ ኣብቲ ዮሃንስ ነቶም ዓብዪ ጭፍራ ኣብ ዝረኣዮም ራእይ እተጠቕሰት “ቤት መቕደስ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽ ቃል (ናኦስ) ንእተፈልየ ኽፋል ኢያ እተመልክት። ኣብቲ ብዛዕባ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ዝዛረብ ሓሳባት: ዝበዝሕ ግዜ ንቕድሰተ ቅዱሳን ወይ ከኣ ንህንጻ እቲ ቤት መቕደስ ኢያ እተመልክት። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ “መቕደስ” ተባሂሉ ተተርጒሙ ኣሎ።​—⁠ማቴዎስ 27:⁠5, 51 NW ፣ ሉቃስ 1:⁠9, 21 NW 

ኣባላት ናይቲ ዓብዪ ጭፍራ ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ እምነት ኣለዎም። ‘ንኽዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ስለ ዘጻዕደዉ’ ብመንፈሳዊ መገዲ ንጹሃት ኢዮም። ስለዚ እምበኣር: ኣዕሩኽ ኣምላኽ ናይ ምዃንን ካብቲ ዓብዪ ጸበባ ኸኣ ናይ ምድሓንን ፍሉይ መሰል ስለ እተዋህቦም ጻድቃን ተባሂሎም እዮም። (ያእቆብ 2:⁠23, 25) ብብዙሕ መገዲ ኸምቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ነቲ ሕጊ እተቐበልዎ ምስ እስራኤላውያን ብምዃን ከኣ ዘገልግሉ ዝነበሩ ጵሮሴሊታት ኢዮም።

ርግጽ ኢዩ እዞም ጵሮሴሊታት እዚኣቶም ኣብቲ ካህናት ዕዮታቶም ዝገብርሉ ዝነበሩ ውሽጣዊ ኣጸድ ኣየገልገሉን። እቶም ዓብዪ ጭፍራ እውን ናብ ውሽጣዊ ኣጸድ ናይቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ የሆዋ ኣይኣተዉን። እዚ ኣጸድ እዚ ንምድራዊ ዅነታት ናይቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ኣባላት ናይቲ “ቕዱስ ክህነት” የሆዋ ዘመልክት ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:⁠5) ይኹን እምበር: እቲ ሰማያዊ ሽማግለ ንዮሃንስ ከም ዝነገሮ: እቶም ዓብዪ ጭፍራ ኣብታ ቤት መቕደስ ደኣ እምበር ኣብቲ መንፈሳዊ ኣጸድ ኣህዛብ ጌርካ ዝውሰድ ወጻኢ ቤት መቕደስ ኣይኰኑን ዘለዉ። ምስቲ ደጋዊ ኣጸድ ቤት መቕደስ ሰሎሞን ኣብ ዝመሳሳል ንጹህን ጽድቂ ዝመልኦን መንፈሳዊ ዅነታት ኢዮም ዘለዉ። እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ክቡር መሰል ኰን ኢዩ! ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከኣ ወትሩ መንፈሳውን ስነ⁠-​ምግባራውን ንጽህና ዓቂቡ ኽመላለስ ከም ዘድልዮ ዘጕልሕዶ ኸይኰነ፧

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሰሌዳ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ቤት መቕደስ ሰሎሞን

1. ቅድስተ ቅዱሳን

2. ውሽጣዊ ኣጸድ

3. ወጻኢ ኣጸድ

4. ናብ ኣጸድ ቤት መቕደስ ዝወስድ መደያይቦ