ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መለኮታዊ ብቕዓታት ምምላእ ንየሆዋ ልዕል የብሎ

መለኮታዊ ብቕዓታት ምምላእ ንየሆዋ ልዕል የብሎ

መለኮታዊ ብቕዓታት ምምላእ ንየሆዋ ልዕል የብሎ

“ብምምሳው . . . ልዕል ከብሎ እየ።”​መዝሙር 69:30

1. (ሀ) የሆዋ ልዕል ክብል ዝግብኦ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብኸመይ ኢና ብምምሳው ልዕል እነብሎ፧

 የሆዋ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ: ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ጐይታ: ከምኡውን ፈጣሪ ኢዩ። ስለዚ ንስሙን ዕላምኡን ልዕል ከነብሎ ይግባእ። ንየሆዋ ልዕል ምባል ክበሃል ከሎ ዓብዪ ኣኽብሮት ምሃብ ከምኡውን ብቓል ኰነ ብተግባር ክንውድሶን ከነሞግሶን ማለት ኢዩ። ነዚ “ብምምሳው” ክንገብሮ ማለት ከኣ ንዅሉ እቲ ሕጂ ዝገብረልና ዘሎን ኣብ መጻኢ ዝገብረልና ነገራትን መማሰውቲ ምዃን ዝሓትት ኢዩ። ብዛዕባዚ ኽህልወና ዘለዎ ዝንባለ ኣብ ራእይ 4:⁠11 ተገሊጹ ኣሎ፣ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ ሰማይ ዝርከቡ እሙናት መንፈሳውያን ፍጥረታት ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ኣወጁ:- “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን: ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ: ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።” ንየሆዋ ኸመይ ጌርና ልዕል ከነብሎ ንኽእል፧ ብዛዕብኡ ብምፍላጥን ነቲ ዝሓተና ብቕዓታት ብምምላእን ኢዩ። ከምቲ “ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ: ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ” ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር ዓይነት ስምዒት ክህልወና ኣለዎ።​—⁠መዝሙር 143:10

2. የሆዋ ነቶም ልዕል ዘብልዎ ብኸመይ ኢዩ ዝሕዞም: ነቶም ልዕል ዘየብልዎኸ፧

2 የሆዋ ነቶም ልዕል ዘብልዎ ኽብ ኣቢሉ ኢዩ ዝርእዮም። ስለዚ ኸኣ ኢዩ “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ . . . ዚህቦም።” (እብራውያን 11:6) እዚ ዓስቢ እንታይ ኢዩ፧ የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:3) እወ: እቶም ንየሆዋ ‘ብምምሳው ልዕል ዘብልዎ’ “ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።” (መዝሙር 37:⁠29) ብኻልእ ሸነኽ ግን “እኩይ ሰብ ውሬታ የብሉን።” (ምሳሌ 24:20) ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ከኣ የሆዋ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንእኩያት ከጥፍኦምን ንጻድቃን ከድሕኖምን ስለ ዝዀነ ብቕልጡፍ ልዕል ከነብሎ ኣሎና። “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።”​—⁠1 ዮሃንስ 2:17፣ ምሳሌ 2:21, 22

3. ንመጽሓፍ ሚልክያስ ኣቓልቦ ኽንገብረላ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

3 ፍቓድ የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ዝርከብ: ከመይሲ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ . . . ይጠቅም እዩ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:16) እዚ ቓል ኣምላኽ እዚ የሆዋ ነቶም ልዕል ዘበልዎ ብኸመይ ከም ዝባረኾምን ነቶም ከምዚ ዘይገብሩ ግን እንታይ ከም ዘጋጠሞምን ዝገልጽ ብዙሕ ጸብጻባት ዝሓዘ ኢዩ። ሓደ ኻብዚ ጸብጻባት እዚ ብግዜ ነብዪ ሚልክያስ ኣብ እስራኤል ብዛዕባ እተፈጸመ ዅነታት ዝገልጽ ኢዩ። ብ443 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ነህምያ ኣብ ይሁዳ ምስለኔ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሚልክያስ ነታ ብስሙ እተሰየመት መጽሓፍ ጸሓፋ። እዛ ሓያልን ባህ እተብልን መጽሓፍ “ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና . . . እተጻሕፈ” ሓበሬታታትን ትንቢታትን ዝሓዘት ኢያ። (1 ቈረንቶስ 10:⁠11) ንቓላት ሚልክያስ ኣቓልቦ ምግባርና ነታ እዚ እኩይ ኣገባብ ዝጠፍኣላ “ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ እግዚኣብሄር” ንኽንዳሎ ኽሕግዘና ይኽእል ኢዩ።​—⁠ሚልክያስ 4:⁠5

4. ኣብ ሚልክያስ ምዕራፍ 1 እንታይ ሽዱሽተ ነጥብታት ኢዩ ኣቓልቦና ዝስሕብ፧

4 መጽሓፍ ሚልክያስ ኣስታት 2,400 ዓመታት ይገብር ብኸመይ ከም እተጻሕፈት ምፍላጥና ኣብዚ መበል 21 ዘመን ነታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ የሆዋ ንኽንዳሎ ብኸመይ ይሕግዘና፧ እታ ቐዳመይቲ ምዕራፍ ሞገስ የሆዋን ዘለኣለማዊ ህይወትን ምእንቲ ኽንረክብ ንየሆዋ ብምምሳው ልዕል ከነብለሉ እንኽእል ሽዱሽተ ወሳኒ ነጥብታት ትገልጽ ኢያ:- እዚ ኸኣ (1) የሆዋ ንህዝቡ የፍቅር ኢዩ። (2) ንቕዱስ ነገራት ሞሳ ኸነርኢ ኣሎና። (3) የሆዋ እቲ ዝበለጸ ኽንህቦ ኢዩ ዝጽበየና። (4) ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብስስዐ ዘይኰነስ ስስዐ ብዘይ​ብላ ፍቕሪ ተደሪኽካ ኢዩ ዝፍጸም። (5) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ ኣገልግሎት ምቕራብ ንማለቱ ኢልካ ዝግበር ጾር ኣይኰነን። (6) ነፍሲ ወከፍና ንኣምላኽ ጸብጻብ ክንህብ ኣሎና። እምበኣር: ካብዘን ብዛዕባ መጽሓፍ ሚልክያስ ዝገልጻ ሰለስተ ዓንቀጻት ኣብዛ ናይ መጀመርታ ንሚልክያስ ምዕራፍ 1 ኽንምርምራ ኸሎና ነዚ ነጥብታት እዚ በብተራ ንርኣዮ።

የሆዋ ንህዝቡ የፍቅሮ

5, 6. (ሀ) የሆዋ ንያእቆብ ዘፍቀሮ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ያእቆብ ንዘርኣዮ ተኣማንነት ምስ እንቐድሖ እንታይ ክንጽበ ንኽእል፧

5 ፍቕሪ የሆዋ ኣብ መጀመርታ ቍጽርታት ትንቢት ሚልክያስ ነጺሩ ኣሎ። እታ መጽሓፍ “ጾር ቃል እግዚኣብሄር ንእስራኤል” ብዝብል ቃላት ኢያ እትጅምር። ቀጺሉ ኸኣ ኣምላኽ “ኣነ ኣፍቀርኩኹም” በለ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ የሆዋ ብዛዕባ ፍቕሩ ኣብነት ክህብ ከሎውን “ንያእቆብ ኣፍቀርክዎ” በለ። ያእቆብ ኣብ የሆዋ እምነት ዝነበሮ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ግዜ የሆዋ ንያእቆብ ስሙ ናብ እስራኤል ለወጦ: ኣባሓጎ ህዝቢ እስራኤል ከኣ ዀነ። የሆዋ ንያእቆብ ዘፍቀሮ ናይ እምነት ሰብ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ካብቶም ህዝቢ እውን እቶም ከም ናይ ያእቆብ ዓይነት ዝንባለ ዘርኣዩ የሆዋ የፍቅሮም ነበረ።​—⁠ሚልክያስ 1:⁠1, 2

6 ንሕናውን ንየሆዋ እንተ ኣፍቂርናዮን ምስ ህዝቡ እንተ ለጊብናን: ካብቲ ኣብ 1 ሳሙኤል 12:⁠22 ዝርከብ “እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንህዝቡ ኣይሐድጎን እዩ” ዝብል መግለጺ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና። የሆዋ ንህዝቡ የፍቅሮን ዓስቢ ይህቦን ኢዩ: ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ዘለኣለማዊ ህይወት ክህቦም ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢና “ብእግዚኣብሄር ተማዕቈብ: ሰናይ ድማ ግበር: ኣብታ ሃገር ተቐመጥ: እምነት ከኣ ድለ። ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ: ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ” ዝብል እነንብብ። (መዝሙር 37:3, 4) ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ነቲ ኣብ ሚልክያስ ምዕራፍ 1 ዝርከብ ካልኣይ ነጥቢ ዘጠቓልል ኢዩ።

ንቕዱስ ነገራት ሞሳ ኣርኢ

7. የሆዋ ንኤሳው ዝጸልኦ ስለምንታይ ኢዩ፧

7 ኣብ ሚልክያስ 1:⁠2, 3 ከነንብብ ከሎና የሆዋ “ንያእቆብ ኣፍቀርክዎ” ድሕሪ ምባሉ “ንኤሳው ግና ጸላእክዎ” በለ። ስለምንታይ ኢዩ እተፈላለየ ኣረኣእያ ዝነበሮ፧ ያእቆብ ንየሆዋ ልዕል ከብሎ ኸሎ: እቲ ፍላይ ማንታኡ ዝነበረ ኤሳው ግን ከምኡ ኣይገበረን። ኤሳው: ኤዶም እውን ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ሚልክያስ 4:⁠1 ምድሪ ኤዶም ዶብ ረሲእነት ተባሂሉ ኣሎ: ተቐማጦ እታ ሃገር ከኣ ተዀኒኖም ኣለዉ። ንኤሳው እታ ኤዶም (ማለት “ቀይሕ”) እትብል ስሙ እተዋህበቶ: ንብዅርናኡ ብቐይሕ ጸብሒ ስለ ዝሸጣ ኢዩ። ዘፍጥረት 25:⁠34 “ኤሳው ንብዅርናኡ ኸምዚ ገይሩ ነዐቓ” ትብለና። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኤሳው ድሕሪ ምጥቃስ ንኣመንቲ ብጾቱ ኸምዚ ኢሉ ተማሕጸኖም:- “ከምቲ ንሓደ ብልዒ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው: ሓደ እኳ ኣመንዝራ ወይስ ርኹስ ከይከውን: ተጠንቀቑ።”​—⁠እብራውያን 12:⁠14-16

8. ጳውሎስ ንኤሳው ምስ ኣመንዝራ ዘመሳሰሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

8 ጳውሎስ ንተግባራት ኤሳው ምስ ምንዝር ዘመሳሰሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ከም ናይ ኤሳው ዝበለ ኣተሓሳስባ ምሓዝ ንቕዱስ ነገራት ሞሳ ኸም ዘይተርኢ ኽገብር ይኽእል ኢዩ። እዚ ኸኣ ናብ ከም ምንዝር ዝኣመሰለ ከቢድ ሓጢኣት ክመርሕ ይኽእል። ስለዚ: ንገዛእ ርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና:- ‘ነቲ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ክርስትያናዊ ውርሻይ: ብሓደ ኸም ቀይሕ ጸብሒ ነባሪ ጥቕሚ ዘይብሉ ነገር ንኽቕይሮ ድንዕ ድንዕ እብል ድየ፧ ምናልባት ከይተፈለጠኒ ንቕዱስ ነገራት እንዕቕ ድየ፧’ ኤሳው ንስጋዊ ባህጉ ንምዕጋብ ዓቕሊ ኣይነበሮን። ንያእቆብ “በጃኻ [“ቐልጢፍካ:” NW ] ካብዚ ቐይሕ ጸብሒ ኣብልዓኒ” በሎ። (ዘፍጥረት 25:30) እቲ ዘሕዝን ግን ገሊኣቶም ኣሕዋትና ቃል ብቓሉ እኳ እንተዘይኰነ “እንተ ቐልጠፍኩ ይሕሸኒ! ክብሪ ዘለዎ መርዓ እንታይ ኣጸበየኒ፧” ኢሎም ኢዮም። ዝኸፈሉ ኸፊሎም ጾታዊ ባህጎም ምዕጋብ ከም ቐይሕ ጸብሒ ዀይንዎም ኢዩ።

9. ንየሆዋ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ከነሕድር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 ንንጽህናናን ተኣማንነትናን መንፈሳዊ ውርሻናን ኣትሒትና ብምርኣይ ንቕዱስ ነገራት ኣይንንዓቕ። ከም ኤሳው ኣብ ክንዲ እንኸውን: ንመለኮታዊ ብቕዓታት ብምምላእ ንኣምላኽ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ነሕድር: ንቕዱስ ነገራት ከኣ ወትሩ ዓሚቝ ሞሳ ነርኢ። ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧ ተጠንቂቕና የሆዋ ዝሓቶ ብቕዓታት ብምምላእ ኢዩ። እዚ ናብቲ ኣብ ሚልክያስ ምዕራፍ 1 ዝርከብ ሳልሳይ ነጥቢ ይመርሓና። እዚ እንታይ ኢዩ፧

ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ ንሃቦ

10. እቶም ካህናት ንመኣዲ የሆዋ ዘሕስሩ ዝነበሩ ብኸመይ ኢዮም፧

10 ብግዜ ሚልክያስ ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤት መቕደስ ዘገልግሉ ዝነበሩ ኻህናት ኣይሁድ: ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ መስዋእቲ ኣይህብዎን ኢዮም ነይሮም። ሚልክያስ 1:⁠6-8 ኸምዚ ትብለና:- “ንኣኻትኩም ስመይ እትንዕቁ . . . ኻህናት: እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብለኩም አሎ: ውሉድ ንወላዲኡ: ባርያ ኸኣ ንጐይታኡ የኽብር። እምበኣርሲ ኣቦ እንተ ደኣ ዀይነ: ክብረተይ ኣበይ አሎ፧ ጐይታ እንተ ዀይነስ: ምፍርሄይ አበይ አሎ፧” እቶም ካህናት “ብምንታይ ንስምካ ነዐቕናዮ፧” ኢሎም ሓተቱ። የሆዋ ድማ “ኣብ መሰውእየይ ርኹስ እንጌራ ኣቕሪብኩም” ብምባል መለሰሎም። እቶም ካህናት መሊሶም “ብምንታይ ኣርከስናካ፧” ኢሎም ሓተቱ። የሆዋ ኸኣ “መኣዲ እግዚኣብሄር ሕሱር እዩ ብምባልኩም እዩ” ኢሉ መለሰሎም። እዞም ካህናት እዚኣቶም ዕዉር: ሓንካስ: ከምኡውን ሕሙም እንስሳ ንመስዋእቲ ኸቕርቡ ኸለዉ ‘ክፉእ ኣይኰነን’ ብምባሎም ንመኣዲ የሆዋ ኣሕሲሮሞ ኢዮም።

11. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባ እቲ ተቐባልነት ዘይብሉ መስዋእትታት እንታይ በለ፧ (ለ) እቶም ህዝቢ ብሓፈሻ ብምንታይ ኢዮም ገበነኛታት ዝነበሩ፧

11 ድሕሪኡ የሆዋ እዚ ተቐባልነት ዘይብሉ መስዋእቲ ምዃኑ ኸምዚ ብምባል ኣረድኦም:- “እስኪ እዚ ንምስለኔኻ ኣቕርበሉ: ይሕጐሰልካዶ እዩ፧ ወይስ ኣብኡዶ ሞገስ ትረክብ ኢኻ፧” ምስለኔኦም ከምዚ ዓይነት ህያብ ኣይመሐጐሶን። እቲ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ጐይታ ደኣኸ ኸመይ ኢሉ ጐደሎ መስዋእቲ ኽቕበል፧ በዚ ዝውቀሱ ግን እቶም ካህናት ጥራይ ኣይኰኑን። ልክዕ ኢዩ: እቶም ካህናት እቲኣቶም ጐደሎ መስዋእቲ ብምቕራቦም ንየሆዋ ንዕቀት ከም ዘለዎም ኣርአዮም ኢዮም። ይኹን እምበር: እቶም ህዝቢ ብሓፈሻ ኻብቲ ገበን ሓራ ድዮም ነይሮም፧ ኣይኰኑን! ነቶም ዕዉራት: ሓንካሳት: ከምኡውን ሕሙማት እንስሳታት ንየሆዋ መስዋእቲ ክዀኑ ኢሎም ናብቶም ካህናት ዘምጽእዎም ዝነበሩ ንሳቶም ኢዮም። ኣቤት ሓጢኣት!

12. ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ ምእንቲ ኽንህቦ ሓገዝ እተገብረልና ብኸመይ ኢዩ፧

12 ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ ዅለንትናና ምሃብ: ብሓቂ ኸም እነፍቅሮ እነርእየሉ ሓደ መገዲ ኢዩ። (ማቴዎስ 22:⁠37, 38) ማሕበር የሆዋ ኸምቶም ብግዜ ሚልክያስ ዝነበሩ ደረቓት ካህናት ዘይኰነትስ: መለኮታዊ ብቕዓታት ብምምላእ ንየሆዋ ልዕል ኸነብሎ ዝሕግዘና ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ትህበና ኢያ። እቲ ኣብ ሚልክያስ ምዕራፍ 1 ዘሎ ራብዓይ ኣገዳሲ ነጥቢ እውን ምስዚ ዝተኣሳሰር ኢዩ።

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብስስዐ ዘይኰነስ ብፍቕሪ ተደሪኽካ ኢዩ ዝፍጸም

13. እቶም ካህናት ብስስዐ ይመላለሱ ምንባሮም ዘርኢ እንታይ ግብሪ ኢዮም ዝገብሩ ነይሮም፧

13 እቶም ብግዜ ሚልክያስ ዝነበሩ ኻህናት ስሱዓት: ፍቕሪ ዘይብሎም: ከምኡውን ህርፋን ገንዘብ ዝነበሮም ሰባት ኢዮም ነይሮም። እዚ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ሚልክያስ 1:⁠10 ከምዚ ትብለና:- “ኣብ መሰውእየይ ብኸንቱ ሓዊ ኸይተንድዱስ: ደጌታት ዚዐጹ ዀታ ኻባኻትኩም ሓደ እንተ ዚህሉ። ኣነ ኣይሕጐሰልኩምን: ካብ ኢድኩምውን ገለ መስዋእቲ ኣይቅበልን እየ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” እወ: እዞም ስሱዓት ካህናት ከም ንደጌታት ምዕጻው ኰነ ኣብ መሰውኢ ሓዊ ምንዳድ ዝኣመሰለ ዝቐለለ ኣብ ቤት መቕደስ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት እውን ከይተረፈ ኽፍሊት ይሓቱ ነይሮም ኢዮም! የሆዋ ካብ ኢዶም መስዋእቲ እንተ ዘይተቐበለ ኣየገርምን ኢዩ!

14. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍቕሪ ተደሪኾም ኢዮም ዘገልግሉ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

14 ስስዐን ሓጢኣትን ናይቶም ኣብ ጥንታዊት የሩሳሌም ዝነበሩ ኻህናት: ነቲ ስሱዓት ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርሱዋ ዝገልጽ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ሓሳብ የዘኻኽረና ይኸውን። (1 ቈረንቶስ 6:⁠9, 10) ብዛዕባ እዞም ምእንቲ ጥቕሞም ጥራይ ዘገልግሉ ካህናት ምስ እነስተንትን ነቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍጸም ዕዮ ስብከት ዘሎና ሞሳ ኽብ የብሎ ኢዩ። ነዚ ብፍታውና ኢና እንፍጽሞ: ንኣገልግሎትና እውን ኣይነኽፍልን ኢና። እወ: “ንቓል ኣምላኽ ዚሐዋውሱ [“ዝሸጡ:” NW ] ኣይኰንናን።” (2 ቈረንቶስ 2:⁠17) ከም ጳውሎስ ነፍሲ ወከፍና ኣፍና መሊእና ‘ወንጌል ኣምላኽ ብኸምኡ [‘ተሓጒስና:’ NW ] ሰበኽናልኩም’ ክንብል ንኽእል ኢና። (2 ቈረንቶስ 11:⁠7) ጳውሎስ ‘ተሓጒሱ ወንጌል ከም ዝሰበኸ’ ኣስተውዕል። እዚ ኸኣ ናብቲ ኣብ ሚልክያስ ምዕራፍ 1 ዝርከብ ሓምሻይ ነጥቢ ዝእምት ኢዩ።

ንኣምላኽ ዝቐርብ ኣገልግሎት ንማለቱ ዝግበር ጾር ኣይኰነን

15, 16. (ሀ) እቶም ካህናት መስዋእትታት ምቕራብ ብኸመይ ይርእይዎ ነይሮም፧ (ለ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር መስዋእትታቶም ብኸመይ ኢዮም ዘቕርብዎ፧

15 እቶም እምነት ዘይነበሮም ካህናት ጥንታዊት የሩሳሌም መስዋእትታት ምቕራብ ከም ኣድካሚ ሃይማኖታዊ ስርዓት ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ። ንዓታቶም ጾር ኢዩ ዀይንዎም ነይሩ። ኣብ ሚልክያስ 1:⁠13 ኣምላኽ “ንስኻትኩምውን: ኣየ ኽንደይ ድኻም: ትብሉ: ኡፍ ድማ ትብሉሉ” በሎም። እዞም ካህናት እዚኣቶም ነቲ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ ነገራት ኡፍ ኢሎምሉ ወይ ንዒቖሞ ኢዮም። ንሕናውን ከምኦም ምእንቲ ኸይንኸውን ንጸሊ። ኣብ ክንድኡስ: ንመንፈስ ናይቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:⁠3 ዘሎ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” ዝብል ቓላት ነንጸባርቕ።

16 ንኣምላኽ እነቕርቦ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸም ኣድካሚ ጾር ጌርና ኣይንርኣዮ: ብእኡ ድማ ባህ ይበለና። ነቲ “ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተመለሱ እሞ: ኵሉ ኣበሳና ይቕረ በለልና: ሰናይ ከኣ ተቐበል: ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና ኸነቕርብ ኢና: በልዎ” ዝብል ትንቢታዊ ቓል ንስዓቦ። (ሆሴእ 14:⁠2) እቲ “ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና” ዝብል መግለጺ ንመንፈሳዊ መስዋእቲ ማለት ነቲ ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ንምውዳስ እነውስኦ ቓላት ኢዩ ዘመልክት። እብራውያን 13:⁠15 ኸምዚ ትብል:- “እምብኣርስ ብእኡ [ብየሱስ ክርስቶስ] ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና: ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር: ነቕርብ።” መንፈሳዊ መስዋእትና ንማለቱ ዝግበር ዘይኰነስ ንኣምላኽ ብምሉእ ልብና ኸም እነፍቅሮ እንገልጸሉ መገዲ ምዃኑስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘሐጕሰና! እዚ ኸኣ ናብቲ ኣብ ሚልክያስ ምዕራፍ 1 እንረኽቦ ሻድሻይ ነጥቢ ይመርሓና።

ነፍሲ ወከፍና ጸብጻብ ክንህብ ኣሎና

17, 18. (ሀ) የሆዋ ነቲ ‘ጠባሪ’ ዝረገሞ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቶም ክጥብሩ ዝፍትኑ እንታይ ኢዮም ኣብ ግምት ዘየእተዉ፧

17 ብግዜ ሚልክያስ ዝነበሩ ውልቀ⁠-​ሰባት ነፍሲ ወከፎም ብዝገብርዎ ተግባራት ተሓተትቲ ኢዮም ነይሮም: ንዓናውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። (ሮሜ 14:⁠12፣ ገላትያ 6:⁠5) ሚልክያስ 1:⁠14 “እቲ ኣብ መጓሲኡ [ኣበር ዘይብሉ] ተባዕታይ ዘለዎ: ተማባጺዑ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ጐደሎ ዚስውኣሉ ጠባርስ ርጉም ይኹን” ትብል። መጓሰ ዘለዎ ሰብኣይ ከምቲ ሓንቲ እንስሳ ጥራይ: ንኣብነት ሓንቲ በጊዕ ጥራይ ከም ዘላቶ ሰብ ኣማራጺ ዝስእን ኣይኰነን። ንመስዋእቲ ዝኸውን እንስሳ ኽመርጽ ከሎ እምበኣር ዕዉር: ሓንካስ: ወይ ሕሙም ክመርጽ ኣይግደድን ኢዩ። መጓሰ ዘለዎ ሰብኣይ ጐደሎ ዘይብሉ እንስሳ ብርግጽ ስለ ዘይስእን: ጐደሎ እንስሳ እንተ መሪጹ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ መስዋእቲ ዝገበሮ ምድላው ከም ዝነዓቖ ኢዩ ዘርኢ!

18 የሆዋ እምበኣር ነቲ ብቑዕ ተባዕታይ እንስሳ እናሃለዎ ኽነሱ ንመስዋእቲ ኢሉ ዕዉር: ሓንካስ: ወይ ሕሙም እንስሳ ናብ ካህን ዘምጽእ: ምናልባት እውን እናጐተተ ዘምጽእ ‘ጠባሪ’ ሰብ ንኽረግሞ እኹል ምኽንያት ኣለዎ። ይኹን እምበር ዋላ ሓደ ኻብቶም ካህናት ሕጊ ጠቒሱ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጐደሎ እንስሳ ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ኸም ዝገለጸ ዝእምት ነገር የለን። (ዘሌዋውያን 22:⁠17-20) ዝዀነ ይኹን ምኽንያታዊ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ንምስለኔኡ ህያብ ኽህቦ እንተ ፈቲኑ ሕማቕ ከም ዝረክብ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ኣብዚ ግን ናብቲ ኻብ ምስለኔ ኣጸቢቑ ዝዓቢ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ጐይታ: የሆዋ: ኢዮም ዘቕርብዎ ነይሮም። ሚልክያስ 1:⁠14 ነዚ ጕዳይ እዚ “ኣነ ዓብዪ ንጉስ እየ: ስመይ ድማ ኣብ ኣህዛብ እተፈርሄ እዩ” ብምባል ትገልጾ።

19. ብሃረርታ እንጽበዮ እንታይ ኢዩ: ክሳዕ ሽዑኸ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

19 እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን የሆዋ እቲ ዓብዪ ንጉስ ብዅሎም ደቅሰብ ዝኽበረሉ ግዜ ብሃረርታ ንጽበ ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ።” (ኢሳይያስ 11:9) ክሳዕ ሽዑ ግን ነቲ “ብምምሳው . . . ልዕል ከብሎ እየ” ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር ብምምሳል መለኮታዊ ብቕዓታት ንምምላእ ዝከኣለና ዅሉ ንግበር። (መዝሙር 69:⁠30) ነዚ ንምግባር ግን ሚልክያስ ተወሳኺ ኽጠቕመና ዝኽእል ማዕዳ ሂቡና ኢዩ። ኣብዚ ዝቕጽል ክልተ ዓንቀጻት ነቲ ኻልእ ክፋል መጽሓፍ ሚልክያስ ተጠንቂቕና ንመርምር።

ትዝክሮዶ፧

• ንየሆዋ ልዕል ከነብሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

• የሆዋ ነቲ ብግዜ ሚልክያስ ካህናት ዘቕርብዎ ዝነበሩ መስዋእትታት ዘይተቐበሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

• ንየሆዋ መስዋእቲ ምስጋና እነቕርበሉ ብኸመይ ኢና፧

• ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ድራኸ ዘሕድረልና እንታይ ክኸውን ኣለዎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ትንቢት ሚልክያስ ንግዜና ዝምልከት ኢዩ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኤሳው ንቕዱስ ነገራት ሞሳ ኣይነበሮን

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ካህናትን ህዝብን ዘይቅቡል መስዋእትታት ኣቕረቡ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መላእ ዓለም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይ​ ክፍሊት መስዋእቲ ምስጋና የቕርቡ ኢዮም