ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስንክልና ዘኽትመሉ መገዲ

ስንክልና ዘኽትመሉ መገዲ

ስንክልና ዘኽትመሉ መገዲ

 ኣዒንቲ ዕዉራት ክርእያ: ኣእዛን ጸማማት ዝዀነ ይኹን ድምጺ ክሰምዓ: ልሳን ዓባሳት ብሓጐስ ክዝምራ: ኣእጋር ሓንካሳት ደልዲለን ክኸዳ ክትርእስ ሕስብ እሞ ኣብሎ! ብዛዕባ እቲ ብሕክምናዊ ስነ⁠-​ፍልጠት ዝብጻሕ ምዕባለ ዘይኰነስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ደቅሰብ ኢዱ ብምእታዉ ዝርከብ ውጽኢት ኢና እንዛረብ ዘሎና። መጽሓፍ ቅዱስ “ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ: ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር: ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል [እዩ]” ይብለና። (ኢሳይያስ 35:5, 6) እዚ ብሓቂ ዘደንቕ ትንቢት እዚ ከም ዝፍጸም ብኸመይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

ብመጀመርታ ደረጃ: የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንዅሉ ዓይነት ሕማምን ስንክልናን ሰባት ብርግጽ ፈዊሱ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን መብዛሕትኡ ካብቲ ዝፈጸሞ ተኣምራት ብብዙሓት መሰኻኽር ብጸላእቱ እውን ከይተረፈ ተራእዩ ኢዩ። አረ ኣብ ሓደ ኣጋጣምስ እቶም ተጠራጠርቲ ዝነበሩ ተቓወምቲ የሱስ: ክብሪ ምእንቲ ከይውሃቦ ኢሎም ንሓደ ኻብቲ ዝፈጸሞ ምሕዋይ ኣጸቢቖም ብምምርማር ኣብ ሕቶ ኣውዲቖምዎ ኢዮም። ይኹን እምበር: ኵሉ እቲ ዝገበርዎ ጻዕሪ ነቲ ተኣምራቱ ዘረጋግጽ ጥራይ ኰይኑ ምስ ተረኽበ ተዋሪዶም ኢዮም። (ዮሃንስ 9:⁠1, 5-34) የሱስ ኣሉ ኽበሃለሉ ዘይክኣል ካልእ ተኣምራት ድሕሪ ምፍጻሙ ኸኣ ካብ ብስጭት እተላዕለ “እዚ ሰብኣይዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር አሎ እሞ: እንታይ ንግበር፧” በሉ። (ዮሃንስ 11:47) እቶም ተራ ሰባት ግን ድንዙዛት ኣይነበሩን: ከመይሲ ሓያሎ ኻባታቶም ብየሱስ ይኣምኑ ነይሮም ኢዮም።​—⁠ዮሃንስ 2:⁠23፣ 10:⁠41, 42፣ 12:⁠9-11

ተኣምራት የሱስ​—⁠መርኣያ ናይቲ ብዓለምለኸ ደረጃ ዝፍጸም ምፍዋስ

እቲ የሱስ ዝፈጸሞ ተኣምራት መሲሕን ወዲ ኣምላኽን ምዃኑ ካብ ምርግጋጽ ንላዕሊ ኢዩ ገይሩ። ኣብቲ እዙዛት ደቅሰብ ኣብ ዝመጽእ እዋን ክሓውዩ ምዃኖም ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓታት እምነት ንምግባር መሰረት ዘንብር ኢዩ ነይሩ። እዚ መብጽዓ እዚ ነቲ ኣብ መእተዊ ናይዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሰ ናይ ኢሳይያስ 35 ትንቢት እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ኢሳይያስ ምዕራፍ 33:⁠24 ብዛዕባ መጻኢ ጥዕና ናይቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት “ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ: ሕማቕ እየ: [“ሓሚመ:” NW ] ኣይብልን” ትብለና። ብተመሳሳሊ ራእይ 21:⁠4 “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ [ሕጂ ዘሎ ፈተናታትን ስቓይን] ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ኢላ ትመባጻዕ።

ሰባት ነቲ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ዝብል የሱስ ዝመሃሮ ናይ ኣብነት ጸሎት ብምድጋም እዚ ትንቢታት እዚ ኽፍጸመሎም ኣዘውቲሮም ይጽልዩ ኢዮም። (ማቴዎስ 6:10) እወ: ፍቓድ ኣምላኽ ንምድርን ንደቅ​ሰብን ዘጠቓልል ኢዩ። ሽሕኳ ሕማምን ስንክልናን ብምኽንያት እንተ ተፈቕደ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኽትም ኢዩ፣ ነዛ ‘መርገጽ እግሪ’ ኣምላኽ ንዘለኣለም ጸይቕዋ ኣይክነብርን ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 66:⁠1 a

ብዘይቃንዛ ወይ ብዘይክፍሊት ሓወዩ

የሱስ ነቶም እተፈላለየ ሕማም ዝነበሮም ሰባት ዓይነት ሕማሞም እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ከየቐንዘወ: ከየደናጐየን ከየኽፈለን ኣሕውይዎም ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ዝገልጽ ወረ ኸኣ ልክዕ ከም ባርዕ ኣብ ኵሉ ተዘርግሐ: ነዊሕ ከይጸንሑ ኸኣ “ብዙሓት ሰብ . . . ሓንካሳት: ዕዉራት: ጸማማት: ቈራያት: ብዙሓት ካልኦትውን ምሳታቶም ሒዞም: ናብኡ መጹ: ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስውን ኣንበርዎም። ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም።” እቶም ህዝቢ እንታይ ምላሽ ኣርኣዩ፧ እቲ ማቴዎስ ብዓይኑ ርእዩ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “እቶም ህዝቢ ድማ ዓባሳት ኪዛረቡ: ቈራያት ኪሐውዩ: ሓንካሳት ኪኸዱ: ዕዉራትውን ኪርእዩ ርእዮም ተገረሙ እሞ: ንኣምላኽ እስራኤል አመስገንዎ።”​—⁠ማቴዎስ 15:30, 31

እቶም የሱስ ዘሕወዮም ሰባት ከምቲ ብመደናገርቲ ዝግበር ካብቲ ህዝቢ ብጥንቃቐ እተመርጹ ከም ዘይነበሩ ኣስተብህል። ኣብ ክንድኡ ኣዝማዶምን ኣዕሩኽቶምን ኢዮም ‘ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስ ዘንበርዎም። ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም።’ ቀጺልና እምበኣር: ገለ ኻብቲ የሱስ ንምሕዋይ ዘለዎ ኽእለት ዝገልጽ ኣብነታት ንርአ።

ዑረት:- የሱስ ኣብ የሩሳሌም ከሎ ንሓደ “ብዕዉሩ እተወልደ” ሰብኣይ ኣዒንቱ ኸፈተሉ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብታ ኸተማ ብዕዉሩ ይልምን ስለ ዝነበረ ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ሰባት: ኣዒንቱ ተኸፊተን ክዛወር ክርእይዎ ኸለዉ እንታይ ዓይነት ምግራምን ጫውጫውን ከም ዝነበረ ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ! ይኹን እምበር: ኵሎም ኣይኰኑን ሕጉሳት ዝነበሩ። ገለ ኣባላት ናይቶም ፈሪሳውያን ዝበሃሉ ምርኡያትን ዓብዪ ጽልዋ ዝነበሮምን ናይ ኣይሁድ ኣንቈራ: የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ንእኩይ ተግባራቶም ብምቅልዑ ሓሪቖም ስለ ዝነበሩ ዝፈጸሞ ተኣምር ብምትላል ከም ዝዀነ ዘረጋግጽ መርትዖ ንምርካብ ተሃንጥዮም ነበሩ። (ዮሃንስ 8:13, 42-44፣ 9:1, 6-31) ስለዚ ኸኣ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ: ድሕሪኡ ንወለዱ: እንደገና ነቲ ሰብኣይ መርመርዎም። ይኹን እምበር: እቲ ናይ ፈሪሳውያን ሕቶታት ነቲ የሱስ ዝፈጸሞ ተኣምር ዘረጋግጽ ጥራይ ኢዩ ነይሩ: እዚ ድማ ኣቘጥዖም። እቲ ዕዉር ሰብኣይ በቲ ስግንጢር ተግባር ናይቶም ግቡዛት ፈሪሳውያን ደንጽይዎ “ንብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ: ካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዔን። እዚ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ: ገለ ኺገብር እኳ ኣይምተኻእሎን ነይሩ” ኢሉ መለሰሎም። (ዮሃንስ 9:32, 33) ብቕንዕናን ብምስትውዓልን እምነቱ ስለ ዝገለጸ: እቶም ፈሪሳውያን ‘ናብ ወጻኢ ኣውጽእዎ:’ ማለት ካብ ቤት ጸሎቶም ሰጐጕዎ።​—⁠ዮሃንስ 9:⁠22, 34

ጽመት:- የሱስ ኣብቲ ኻብ ርባ ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ ዝርከብ ዓሰርተ ዓዲ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እቶም ህዝቢ ‘ሓደ ጸማምን ዓባስን ኣምጽኡሉ።’ (ማርቆስ 7:31, 32) የሱስ ነቲ ጸማም ኣሕውይዎ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ህዝቢ ኽሓፍር ስለ ዝኽእል ብዛዕባ ስምዒቱ እውን ዓሚቝ ምስትውዓል ኣርእዩ ኢዩ። የሱስ ነቲ ጸማም “ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ወሲዱ” ከም ዘሕወዮ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና ኢዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚውን እቶም ነዚ ዝረኣዩ ሰባት “ንሱ ንዅሉ ጽቡቕ ገበሮ: ጸማማት ከም ዚሰምዑ: ዓባሳት ከም ዚዛረቡ ገበረ: እናበሉ ብዘይ​ ልክዕ ተገረሙ።”​—⁠ማርቆስ 7:33-37

መልመስቲ:- የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብዙሓት ሰባት መጻጕዕ ኣብ ዓራት ጸይሮም ኣምጽእሉ። (ማቴዎስ 9:⁠2) ካብ ቍጽሪ 6 ክሳዕ 8 ብዛዕባ እቲ እተፈጸመ ነገር ተገሊጹ ኣሎ። “[የሱስ] ነቲ መጻጕዕ፤ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ: በሎ። ተንሲኡ ናብ ቤቱ ኸደ። እቶም ህዝቢ እዚ ርእዮም ፈርሁ። ንኣምላኽ ድማ ከምዚ ዝበለ ስልጣን ንሰብ ብምሃቡ ኣመስገንዎ።” እዚ ተኣምራት እዚ ኣብ ቅድሚ ደቀ⁠-​መዛሙርትን ጸላእትን የሱስ ኢዩ ተፈጺሙ። ደቀ⁠-​መዛሙርቲ የሱስ ብጽልእን ብኣድልዎን ብዘይ​ምዕዋሮም በቲ ዝረኣይዎ ‘ንኣምላኽ ከም ዘመስገንዎ’ ኣስተብህል።

ሕማም:- “ሓደ ለምጻም ናብኡ [ናብ የሱስ] መጸ: ተምበርኪኹ ድማ፤ እንተ ትፈቱስ: ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ: እናበለ ለመኖ። የሱስ ከኣ ደንገጸሉ: ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ፤ ፈትየ አሎኹ: ንጻህ: በሎ። እዚ ምስ በለ: እቲ ለምጺ ብኡብኡ ሐደጎ።” (ማርቆስ 1:40-42) የሱስ ነዚ ሰብ እዚ ኻብ ልባዊ ድንጋጽ ተለዓዒሉ ደኣ እምበር ማእደድ እናበለ ከም ዘየሕወዮ ኣስተብህል። ለምጻም ነይረ እንተ ዝኸውን ኢልካ እሞ ሕሰብ። ካብዚ በብግዜኡ ንኣካላትካ ዘበላሹ ዘፍርህ ሕማም ብቕጽበት ብዘይ​ገለ ቓንዛ እንተ ትሓዊ ከመይ ምተሰምዓካ፧ ሓደ ኻልእ ብተኣምራታዊ መገዲ ዝሓወየ ለምጻም ንየሱስ ‘እናኣመስገኖ ኣብ እግሩ ብገጹ እተደፍኣሉ’ ምኽንያት ክትርድኦ ከም እትኽእል ፍሉጥ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 17:12-16

መቝሰልቲ:- እታ የሱስ ቀቅድሚ ምትሓዙን ምስቃሉን ዝፈጸማ ናይ መወዳእታ ተኣምር: ምሕዋይ ኢያ ነይራ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ንየሱስ ክሕዝዎ ዝመጹ ሰባት ምስ ረኣየ ብሃወኽ “ሰይፉ መሊሑ: ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ።” (ዮሃንስ 18:3-5, 10) እቲ ኣብ ሉቃስ ዘሎ ተመሳሳሊ ጸብጻብ የሱስ ‘እዝኑ ተንክዩ ኸም ዘሕወዮ’ ይነግረና። (ሉቃስ 22:⁠50, 51) ኣብዚ እውን የሱስ ነዚ ብሕያውነት ዝገበሮ ምሕዋይ ኣብ ቅድሚ ኣዕሩኽቱን ኣብ ቅድሚ ጸላእቱን​—⁠ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ክሕዝዎ ዝመጹ​—⁠ኢዩ ፈጺምዎ።

እወ: ንተኣምራት የሱስ ኣጸቢቕና ብዝመርመርናዮ መጠን ሓቅነቱ ዘረጋግጸልና ተወሳኺ ነጥብታት እናስተውዓልና ኢና እንኸይድ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16) ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኸኣ: እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ኣብቲ ኣምላኽ ንእዙዛት ደቅሰብ ንምሕዋይ ዝኣተዎ መብጽዓ ዘሎና እምነት ከደልድሎ ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ ክርስትያን እምነት ክገልጻ ኸሎ “ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር: ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ” ይብለና። (እብራውያን 11:1 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣምላኽ ተዓሚትና ክንኣምን ወይ ትምኒት ጥራይ ክህልወና ዘይኰነስ ኣብ መርትዖ እተመርኰሰት እምነት ከነሕድር ኢዩ ዝደልየና። (1 ዮሃንስ 4:⁠1) ነዛ እምነት እዚኣ ብዘጥረና መጠን ከኣ ብመንፈስ ድልዱላት: ጥዑያት: ሕጉሳት ኢና እንኸውን።​—⁠ማቴዎስ 5:⁠3፣ ሮሜ 10:⁠17

ቅድም መንፈሳዊ ምሕዋይ ክህሉ ኣለዎ!

መብዛሕትኦም ኣካላዊ ጥዕና ዘለዎም ሰባት ሕጉሳት ኣይኰኑን። አረ ገሊኣቶምሲ ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ስለ ዘይብሎም ወይ ከኣ ብእተፈላለየ ጸገማት ስለ ዝወሓጡ ርእሰ⁠-​ቕትለት ክፍጽሙ ይፍትኑ ኢዮም። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ብመንፈሳዊ መገዲ ሰንኪሎም ኢዮም ማለት ኢዩ። እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካብ ኣካላዊ ስንክልና ንላዕሊ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝርአ። (ዮሃንስ 9:⁠41) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ከምቶም ኣብታ ቐዳመይቲ ዓንቀጽ እተጠቕሱ ክርስቸንን ጁንየርን ዝኣመሰሉ ሓያሎ ብኣካል ዝሰንከሉ ሰባት ሓጐስን ዕግበትን ዘለዎ ናብራ ይነብሩ ኣለዉ። ስለምንታይ፧ ብመንፈስ ጥዑያት ብምዃኖምን በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ እተረጋገጸ ተስፋ ሓይሊ ብምርካቦምን ኢዩ።

የሱስ ብዛዕባ እቲ ኸም ደቅሰብ መጠን ዘድልየና ፍሉይ ነገር “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” በለ። (ማቴዎስ 4:4) እወ: ደቅሰብ ከም እንስሳ ስለ ዘይኰኑ ካብ ስጋዊ ደገፍ ንላዕሊ ኢዩ ዘድልዮም። ‘ብመልክዕ’ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና መንፈሳዊ መግቢ የድልየና ኢዩ። እዚ ድማ ብዛዕባ ኣምላኽን ምስ ዕላምኡ ዀነ ምስ ፍቓዱ ብኸመይ ተሰማሚዕና ኸም እንመላለስን ምፍላጥ ማለት ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:⁠27፣ ዮሃንስ 4:⁠34) ፍልጠት ኣምላኽ እንተደኣ ሃልዩና ንናብራ ትርጕም ዘለዎ ይገብሮ: መንፈሳዊ ሓይሊ ኸኣ ይህበና። ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽንረክብ ድማ መሰረት የንብረልና። የሱስ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ።​—⁠ዮሃንስ 17:3

እቶም ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ሰባት “መምህር” ደኣ እምበር “ፈዋሲ” ኢሎም ይጽውዕዎ ከም ዘይነበሩ ኣስተብህል። (ሉቃስ 3:⁠12፣ 7:⁠40) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሱስ ብዛዕባ እታ ንጸገማት ደቅሰብ ነባሪ መፍትሒ እተምጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዩ ዝምህር ነይሩ። (ሉቃስ 4:⁠43፣ ዮሃንስ 6:⁠26, 27) እዛ ብየሱስ ክርስቶስ እትመሓደር ሰማያዊት መንግስቲ ንምልእቲ ምድሪ ኽትገዝእ ከምኡውን ንዅሉ እቲ ጻድቃን ኰኑ ምድራዊት ቤቶም ንዘለኣለምን ምሉእ ብምሉእን ክሕደሱ ምዃኖም ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓታት ክትፍጽሞ ኢያ። (ራእይ 11:⁠15) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ የሱስ ኣብታ ናይ ኣብነት ጸሎቱ ንምምጻእ እታ መንግስቲ ምስቲ ኣብ ምድሪ ዝፍጸም ፍቓድ ኣምላኽ ኣተሓሒዙ ኢዩ ገሊጽዎ ዘሎ።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠10

መብዛሕትኦም ስንኩላት ብዛዕባ እዚ ህያው ተስፋ እዚ ምስ ተማህሩ ጓሂኦም ናብ ሓጐስ ተቐይሩ ኢዩ። (ሉቃስ 6:⁠21) አረ ኣምላኽሲ ንሕማምን ስንክልናን ምልጋስ ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ኽገብር ኢዩ። ነቲ ጠንቂ ስቓይ ደቅሰብ ዝዀነ ሓጢኣት ከወግዶ ኢዩ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብ ኢሳይያስ 33:⁠24 ከምኡውን ማቴዎስ 9:⁠2-7 ዘሎ ሓሳባት ንሕማም ምስቲ ሓጥእ ኵነታትና ኢዩ ዘተሓሕዞ። (ሮሜ 5:⁠12) ስለዚ ሓጢኣት ምስ ተሳዕረ ደቅሰብ “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ማለት ናይ ኣእምሮን ኣካላትን ፍጽምና ዘጠቓልል ሓርነት ከስተማቕሩ ኢዮም።​—⁠ሮሜ 8:21

ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ሰባት ንዅነታቶም ኣቕሊሎም ክርእይዎ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ስንክልና ዘጋጠሞም ሰባት ግን ከምኡ ገይሮም ኣይኰኑን ዝምልከትዎ። ጥዕናን ህይወትን ክሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑ: ሃንደበትን ከይተጸበኻዮን ከኣ ዅነታት ክቕየር ከም ዝኽእል ይፈልጡ ኢዮም። (መክብብ 9:⁠11) ስለዚ እምበኣር: ኵሎም ንመጽሔታትና ዘንብቡ ስንኩላት ነቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዘደንቕ ተስፋታት ፍሉይ ቈላሕታ ኽገብሩሉ ትምኒትና ኢዩ። የሱስ እዚ መብጽዓታት እዚ ምእንቲ ኽፍጸም ህይወቱ ኣብ ክንዳና ሂቡ ኢዩ። ካብዚ ዝዓቢ ውሕስነት እሞ እንታይ ኣሎ፧​—⁠ማቴዎስ 8:⁠16, 17፣ ዮሃንስ 3:⁠16

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣምላኽ ስቓይ ዘፍቀደሉ ምኽንያት ዝገልጽ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ነታ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ እትበሃል ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ብሮሹር ርአ።