ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በታ መዓልቲ የሆዋ ዝድሕን መን ኢዩ፧

በታ መዓልቲ የሆዋ ዝድሕን መን ኢዩ፧

በታ መዓልቲ የሆዋ ዝድሕን መን ኢዩ፧

“እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመጽእ አላ።”​ሚልክያስ 4:1

1. ሚልክያስ ንመወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ብኸመይ ገለጾ፧

 ነብዪ ሚልክያስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ድሕሪ ሓጺር እዋን ዘጋጥም ዘደንቕ ፍጻመታት መዝጊቡ ኣሎ። እዚ ፍጻመታት እዚ ንነፍሲ ወከፍ ኣብዛ ምድሪ ዘሎ ሰብ ዝትንክፍ ኢዩ። ሚልክያስ 4 ቍጽሪ 1 ከምዚ ትብል:- “እንሆ እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመጽእ አላ እሞ: ኵሎም ዕቡያትን ረሲእነት ዚገብሩ ዘበሉ ዅላቶምን ብርዒ ኪዀኑ እዮም: እታ እትመጽእ መዓልቲ ኸኣ ንእኦም: ሱር ወይስ ጨንፈር ከይሐደገት: ሞዅ ከተብሎም እያ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” ጥፍኣት ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ኢዩ ኸቢድ፧ ልክዕ ከምቲ ምእንቲ ኸይጥጥዕ ሱሩ ሞኽ ዝበለ ኦም ኢዩ ክኸውን።

2. ገሊኡ ጥቕስታት ንመዓልቲ የሆዋ ብኸመይ ኢዩ ዝጠቕሳ፧

2 ‘ሚልክያስ ብዛዕባ ኣየነይቲ “መዓልቲ” ኢዩ ተነብዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ብዛዕባ እታ ኣብ ኢሳይያስ 13:⁠9 ዘላ ኸምዚ ዝስዕብ ተባሂሉላ ዘሎ መዓልቲ ኢዩ ተነብዩ:- “እንሃ: መዓልቲ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸተባድማ: ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሓጥኣን ድማ ከተብርሶም: ብቝጥዓን ብርሱን ነድርን መሰክሒት ኰይና ትመጽእ አላ።” ጸፎንያስ 1:⁠15 ድማ ኸምዚ ብምባል ትገልጻ:- “እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ቝጥዓ: መዓልቲ ጸበባን መከራን: መዓልቲ ምዕናውን ምብዳምን: መዓልቲ ጸልማትን ጣቓን: መዓልቲ ደበናን ግብ ዝበለ ጸልማትን እያ።”

“ዓብዪ መከራ”

3. “መዓልቲ እግዚኣብሄር” እንታይ ኢያ፧

3 ትንቢት ሚልክያስ ብዓቢኡ ፍጻሜኡ ኣብ ዝረኽበሉ እዋን እታ “መዓልቲ እግዚኣብሄር” ተባሂላ ዘላ ነቲ የሱስ “ዓብዪ መከራ” ዝበሎ እዋን ኢያ እተመልክት። የሱስ “ሽዑ [“ዓብዪ:” NW ] መከራ ኪኸውን እዩ: ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ” ኢሉ ተነበየ። (ማቴዎስ 24:⁠21) ዓለም ብፍላይ ካብ 1914 ኣትሒዛ ኽንደይ ጸበባ ኸም ዘሕለፈት እሞ ሕስብ ኣብሎ። (ማቴዎስ 24:⁠7-12) ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጥራይ እኳ 50 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም ኢዮም! እዚ ዅሉ ግን ምስቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ኽወዳደር ከሎ ኣብ ግምት ዝኣቱ ኣይኰነን። እቲ ዓብዪ መከራ ማለት መዓልቲ የሆዋ በታ መወዳእታ ናይዘን ዳሕሮት መዓልታት ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ዝዀነት ኣርማጌዶን ኢዩ ዝዛዘም።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5, 13፣ ራእይ 7:⁠14፣ 16:⁠14, 16

4. መዓልቲ የሆዋ ክትዛዘም ከላ እንታይ ኢዩ ክኸውን፧

4 ኣብ መወዳእታ መዓልቲ የሆዋ ናይ ሰይጣን ዓለምን ደገፍቱን ኽድምሰሱ ኢዮም። መጀመርታ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክትጠፍእ ኢያ። ብድሕሪኡ: ንግዳውን ፖለቲካውን ኣገባብ ሰይጣን ፍርዲ የሆዋ ክወርዶ ኢዩ። (ራእይ 17:⁠12-14፣ 19:⁠17, 18) ህዝቅኤል ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “ብሩሮም ኣብ ኣደባባያት ኪድርብዩ: ወርቆም ከኣ ከም ርኹስ ነገር ኪኸውን እዩ። ብሩሮምን ወርቆምን . . . በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኬድሕኖም ኣይተኻእሎን።” (ህዝቅኤል 7:⁠19) ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ጸፎንያስ 1:⁠14 “እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር: ድምጺ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ: ቀሪባ እያ: ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ አላ” ትብል። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መዓልቲ የሆዋ ዝብሎ ኣብ ግምት ብምእታው: ምስቲ ኣምላኽ ዝሓቶ ጽድቃዊ ብቕዓታት ተሰማሚዕና ንኽንመላለስ ቈራጽነት ክንገብር ኣሎና።

5. እቶም ንስም የሆዋ ዝፈርሁ እንታይ ኢዮም ረኺቦም ዘለዉ፧

5 መዓልቲ የሆዋ ንናይ ሰይጣን ዓለም እንታይ ከም እትገብሮ ድሕሪ ምንባይ: ሚልክያስ 4:⁠2 የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ኸም እተዛረበ ትገልጽ:- “ንኣኻትኩም ስመይ እትፈርሁ ግና: ጸሓይ ጽድቂ ኽትበርቀልኩም እያ: ምድሓን ከኣ ኣብ ኣኽናፋ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ክትወጹን ከም ብተይ ደምበ ኽትዕንድሩን ኢኹም።” “ጸሓይ ጽድቂ” ተባሂሉ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ንሱ መንፈሳዊ “ብርሃን ዓለም” ኢዩ። (ዮሃንስ 8:⁠12) የሱስ ዝበርቀልና ፈለማ በዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና መንፈሳዊ ምፍዋስ: ብድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ሓዳስ ዓለም ምሉእ ኣካላዊ ምፍዋስ ብምግባር ኢዩ። ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ኸኣ እቶም እተፈወሱ ልክዕ ከምቲ ኻብ እተኣስረሉ ምስ ተፈትሐ ኣዝዩ ዝሕጐስን ባህ ዝብሎን ‘ብተይ ደምበ ኽዕንድሩ ኢዮም።’

6. ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ናይ ዓወት ጽምብል ኢዮም ክገብሩ፧

6 እቶም የሆዋ ዝሓቶ ብቕዓታት ንምምላእ ዕሽሽ ዝብሉኸ እንታይ ከጋጥሞም ኢዩ፧ ሚልክያስ 4:⁠3 ከምዚ ትብለና:- “በታ ኣነ ዝገብረላ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ኸብዲ እግርኹም [እግሪ ኣገልገልቲ ኣምላኽ] ሓሙዅስቲ ኪዀኑ እዮም እሞ: ንረሲኣን ክትረግጽዎም ኢኹም: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” ንኣምላኽ ዘምልኹ ደቅሰብ ንናይ ሰይጣን ዓለም ኣብ ምጥፋእ ኢዶም ኣየእትዉን ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ ድሕሪ መዓልቲ የሆዋ ኣብ ዝህሉ ናይ ዓወት ጽምብል ብምክፋል ብምሳልያዊ መገዲ ኢዮም ‘ንረሲኣን ክረግጽዎም።’ ፈርኦንን ሰራዊቱን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ተደምሰሱ ዓብዪ ጽምብል ተገይሩ ነይሩ። (ዘጸኣት 15:⁠1-21) ሰይጣንን እታ ንሱ ዝቈጻጸራ ዓለምን ኣብቲ ዓብዪ መከራ ምስ ጠፍኡ ድማ ብተመሳሳሊ ናይ ዓወት ጽምብል ክግበር ኢዩ። እቶም በታ መዓልቲ የሆዋ ዝድሕኑ “ብምድሓኑ ንተሐጐስ ባህውን ይበለና” ኢሎም ክጭድሩ ኢዮም። (ኢሳይያስ 25:⁠9) ሉዓላውነት የሆዋ ምስ ተረጋገጸን ምድሪ ጸርያ ሰላማዊት መንበሪት ምስ ኰነትን ኣየ ኸመይ ዝበለ ፍስሃ ዀን ኢዩ ክኸውን!

ህዝበ⁠-​ክርስትያን ንእስራኤል ትመስል

7, 8. ብግዜ ሚልክያስ መንፈሳዊ ዅነታት እስራኤላውያን ከመይ ከም ዝነበረ ግለጽ።

7 ሞገስ የሆዋ ዝረኽቡ እቶም ዘየገልግልዎ ዘይኰኑስ እቶም ዘገልግልዎ ኢዮም። ሚልክያስ ንመጽሓፉ ኣብ ዝጽሕፈሉ እዋን ዝነበረ ዅነታት እውን ምስዚ ሕደ ኢዩ። ህዝቢ እስራኤል ን70 ዓመት ኣብ ባቢሎን ምሩኻት ኰይኖም ድሕሪ ምጽናሕ ተረፎም ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ናብ ዓዶም ተመሊሶም ነይሮም። ይኹን እምበር: ኣብቲ ዝቕጽል ዘመን እስራኤላውያን ቀስ እናበሉ ናብ ክሕደትን እከይን ተመሊሶም ኢዮም። መብዛሕትኦም ካብቶም ህዝቢ ንስም የሆዋ ይንዕቕዎ፣ ንጽድቃዊ ሕግታቱ ዕሽሽ ይብሉ፣ ዕዉር: ሓንካስ: ሕሙም እንስሳ ንመስዋእቲ ብምምጻእ ንመቕደሱ የርክሱ፣ ንኣንስቲ ንእስነቶም ከኣ ይፈትሑ ነበሩ።

8 ስለዚ: የሆዋ ኸምዚ በሎም:- “ኣነ ንፍርዲ ክቕርበኩም እየ: ኣነ ኣንጻር ኣስማተኛታትን ዘመውትን ኣንጻር እቶም ብሓሶት ዚምሕሉን ነቲ ብዓል ዓስቢ ዓስቡ ዚዕምጽዎን ንመበለትን ዘኽታምን ዚገፍዕዎምን ንስደተኛ መሰሉ ዚጠውዩሉን ንኣይ ከኣ ዘይፈርሁን ቅልጡፍ ምስክር ክዀኖም እየ: . . . ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ።” (ሚልክያስ 3:⁠5, 6) እንተዀነ ግን: የሆዋ ነቶም ካብ ክፉእ መገዶም ክምለሱ ዝደልዩ ዘበሉ “ናባይ ተመለሱ: ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ብምባል ጻውዒት ኣቕሪብሎም ኢዩ።​—⁠ሚልክያስ 3:⁠7

9. ትንቢት ሚልክያስ ቀዳማይ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ብኸመይ ኢዩ፧

9 እዚ ትንቢታት እዚ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. እውን ፍጻሜኡ ረኺቡ ኢዩ። ተረፍ ኣይሁድ ክፍሊ ናይቲ ነህዛብ እውን ዘጠቓልል ሓድሽ “ህዝቢ” ናይቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ኰኑ። ዝበዝሑ ስጋውያን እስራኤል ግን ንየሱስ ነጸግዎ። ስለዚ የሱስ ንእስራኤላውያን “እንሆ: ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ” በሎም። (ማቴዎስ 23:⁠38፣ 1 ቈረንቶስ 16:⁠22) ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ከምቲ ኣብ ሚልክያስ 4:⁠1 ብትንቢት ተገሊጹ ዝነበረ “ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ” ኣብቶም ስጋውያን እስራኤል መጺኣ ኢያ። የሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ተደምሰሳ: ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ከኣ ብጥሜት: ስልጣን ንምርካብ ብእተገብረ ቓልሲ: ከምኡውን ሰራዊት ሮሜ ብዝፈነውዎ መጥቃዕቲ ሞቱ። እቶም ንየሆዋ ዘምልኹ ግን ካብቲ መከራ ኣምለጡ።​—⁠ማርቆስ 13:⁠14-20

10. ደቅሰብ ብሓፈሻ: ብፍላይ ከኣ ኣቕሽሽቲ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ እስራኤላውያን ዝመሰልዎም ብኸመይ ኢዮም፧

10 ደቅሰብ ብሓፈሻ: ብፍላይ ከኣ ህዝበ⁠-​ክርስትያን: ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ እስራኤላውያን መሲሎምዎም ኢዮም። ናይ ህዝበ⁠-​ክርስትያን መራሕትን ምእመናንን ነቲ የሱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝመሃሮ ሓቂ ዘይኰነስ ናይ ሓሶት ሰረተ⁠-​እምነታት ኢዮም መሪጾም። ብፍላይ ኣቕሽሽቲ በዚ ተሓተትቲ ኢዮም። ንስም የሆዋ ኸይጥቀሙሉ ኣብዮም: ሕሉፍ ሓሊፎም ካብ እተፈላለየ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣውጺኦምዎ ኢዮም። ከም ገሃነም እሳት ዘለኣለማዊ መሳቐዪ ቦታ ኢዩ: ስላሴ: ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ኣረማዊ እምነት: ከምኡውን ከም ናይ ፍልቀት ክልሰ⁠-​ሓሳብ ዝኣመሰለ ዘይቕዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት ገይሮም ንየሆዋ የሕስርዎ ኣለዉ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ከምቶም ብግዜ ሚልክያስ ዝነበሩ ኻህናት እቲ ዝግብኦ ኽብሪ ኣይህብዎን ኢዮም ዘለዉ።

11. ናይ ዓለም ሃይማኖታት ብሓቂ ንመን የገልግላ ኸም ዘለዋ ዘርኣያ ብኸመይ ኢየን፧

11 ብ1914 ዳሕሮት መዓልታት ምስ ጀመራ: ናይ ዓለም ሃይማኖታት በቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ እናተመርሓ ብሓቂ ንመን የገልግላ ኸም ዘለዋ ኣርኣያ። ኣብ ክልቲኡ ናይ ዓለም ውግኣት ንምእመናነን ምእንቲ ሃገራዊ ጕዳያት ኢሎም ንኽዋግኡን ንደቂ ሃይማኖቶም እውን ከይተረፈ ኽቐትሉን ኣተባቢዐንኦም ኢየን። ቃል ኣምላኽ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ንየሆዋ ዝእዘዝዎን ዘይእዘዝዎን ዘሎ ንጹር ፍልልይ ከምዚ ብምባል ይገልጾ:- “ጽድቂ ዘይገብርን ንሓዉ ዘየፍቕርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን: ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ። ንሓድሕድና ኽንፋቐር: እዚኣ እታ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ እያ። ከምቲ ካብ እኩይ ዝነበረ: ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን።”​—⁠1 ዮሃንስ 3:⁠10-12

ፍጻሜኡ ዝረክብ ዘሎ ትንቢት

12, 13. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብዚ ግዜና እንታይ ትንቢታት ኢዮም ፈጺሞም፧

12 ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ማለት ብ1918 ኣምላኽ ንህዝበ⁠-​ክርስትያንን ንዅለን እተን ካልኦት ናይ ሓሶት ሃይማኖታትን ንጥፍኣት ከም ዝፈረደን ኣገልገልቲ የሆዋ ኽግንዘቡ ኽኢሎም ኢዮም። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት “ኣቱም ህዝበይ: ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ: ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ እሞ: ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ: ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ: ካብኣ ውጹ” ዝብል ጻውዒት ክቐርብ ጸኒሑ ኢዩ። (ራእይ 18:⁠4, 5) እቶም ንየሆዋ ኸገልግልዎ ዝደልዩ ካብ ኣሰር ናይ ሓሶት ሃይማኖት ርእሶም ከጽርዩን ነቲ ቕድሚ መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ ክዛዘም ዘለዎ ብስራት ናይታ ቘይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኽሰብኩን ጀመሩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14

13 እዚ ዝዀነ ኣብ ሚልክያስ ምዕራፍ 4:⁠5 ዝርከብ ትንቢት ፍጻሜኡ ምእንቲ ኽረክብ ኢዩ፣ ኣብኡ የሆዋ ኸምዚ በለ:- “እንሆ: እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት: ነብዪ ኤልያስ ክልእከልኩም እየ።” እዚ ትንቢት እዚ መጀመርታ ኣብቲ ኤልያስ ጽላሎቱ ዝነበረ ዮሃንስ መጥመቕ ዝገበሮ ዕዮ ኢዩ ፍጻሜኡ ረኺቡ። ዮሃንስ ነቶም ኣብቲ ሕጊ ኺዳን ንዝፈጸምዎ ሓጢኣት እተነስሑ ኣይሁድ ብምጥማቕ ከም ናይ ኤልያስ ዝኣመሰለ ዕዮ ዓየየ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ጸራጊ መገዲ ናይቲ መሲህ ኢዩ ነይሩ። ዕዮ ዮሃንስ ግን ናይ መጀመርታ ፍጻሜ ናይ ትንቢት ሚልክያስ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ንዮሃንስ ከም ካልኣይ ኤልያስ ገይሩ ኣብ ዝጠቕሰሉ እዋን ኣብ መጻኢ “ኤልያስ” ዝዓዮ ዕዮ ኸም ዘሎ ገሊጹ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 17:⁠11, 12

14. መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ቅድሚ ምምጽኡ እንታይ ኣገዳሲ ዕዮ ኢዩ ኽዕየ ዘለዎ፧

14 ብተወሳኺውን እዚ ዓብዪ ዕዮ ኤልያስ እዚ ቀቅድሚ “እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ እግዚኣብሄር” ከም ዝግበር ኣብ ትንቢት ሚልክያስ ተገሊጹ ኢዩ። እታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ በቲ ብቕልጡፍ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ ኣብታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዝግበር ውግእ ኣርማጌዶን ኢያ እትዛዘም። እዚ ኽበሃል ከሎ ኸኣ መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ ቅድሚ ምምጽኡ ከምኡውን ሽሓዊ ግዝኣት ናይታ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሚ ምጅማሩ ምስ ናይ ኤልያስ ዝመሳሰል ዕዮ ኽዕየ ኣለዎ ማለት ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ብትንቢት እተገልጸ ኸኣ የሆዋ ነዚ እኩይ ኣገባብ ቅድሚ ምጥፍኡ: እቶም ዘመናውያን ክፍሊ ኤልያስ በቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ክርስትያን ብጾቶም ተደጊፎም: ነቲ ንጹህ ኣምልኾ ናብ ቦትኡ ብምምላስ: ስም የሆዋ ልዕል ብምባል: ከምኡውን ኣባጊዕ መሰል ንዝዀኑ ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብምምሃር ብትግሃትን ብውዕዉዕ ስምዒትን ነዚ ዕዮ ይፍጽምዎ ኣለዉ።

የሆዋ ንኣገልገልቱ ይባርኾም

15. የሆዋ ንኣገልገልቱ ዝዝክሮም ብኸመይ ኢዩ፧

15 የሆዋ ነቶም ዘገልግልዎ ይባርኾም ኢዩ። ሚልክያስ 3:⁠16 ከምዚ ትብለና:- “ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ: እግዚኣብሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዔውን። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሐስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ።” ኣምላኽ ካብ ግዜ ኣቤል ኣትሒዙ ነቶም ኣብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝዝከሩ ደቅሰብ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣስማቶም ኣብ መጽሓፍ ክጽሕፎ ጸኒሑ ኢዩ። ነዚኣቶም የሆዋ “ኣብ ቤተይ ምግቢ ኪኸውንሲ: ዕሽር ዘበለ ዅሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ: ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም: በረኸት ድማ ብዘይ​ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም: በዚ ተዐዘቡኒ” ይብሎም ኢዩ።​—⁠ሚልክያስ 3:⁠10

16, 17. የሆዋ ንህዝቡን ንዕዮኦምን ብኸመይ ባረኾ፧

16 የሆዋ ነቶም ውፉያት ህዝቡ ብርግጽ ባሪኽዎም ኢዩ። ብኸመይ፧ ሓደ መገዲ ብዛዕባ ዕላማታቱ ዘለዎም ምርዳእ እናወሰኸ ከም ዝኸይድ ብምግባር ኢዩ። (ምሳሌ 4:⁠18፣ ዳንኤል 12:⁠10) ካልእ ከኣ ኣብ ዕዮ ስብከቶም ዘደንቕ ፍረ ኸም ዝረኽቡ ብምግባር ኢዩ። ብዙሓት ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ሓቢሮምዎም ኢዮም: እዚኣቶም ከኣ እቶም “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ . . . ብዙሓት ሰብ” ኰይኖም: “ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ: እናበሉ ዓው ኢሎም [ይጭድሩ]” ኣለዉ። (ራእይ 7:⁠9, 10) እዞም ብዙሓት ሰብ ብዘደንቕ መገዲ ተጋሂዶም ኢዮም። እቶም ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ንየሆዋ ብንጥፈት ዘምልኽዎ ዘለዉ ቍጽሮም ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን በጺሑ ኣሎ: ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣብ ዘለዋ ካብ 93,000 ዝዛይዳ ጉባኤታት ከኣ ይርከቡ ኣለዉ!

17 ኣብ ርእሲ እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ብዝርጋሐኡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋት ብምሕታሞም እውን በረኸት የሆዋ ተራእዩ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ወወርሒ 90 ሚልዮን ኣቢሉ ዝኸውን ቅዳሓት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ይሕተም ኣሎ፣ ግምቢ ዘብዐኛ ብ141 ቋንቋታት ንቕሑ! ኸኣ ብ87 ቋንቋታት ይዳሎ ኣሎ። እታ ብ1968 እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ ናብ ናይ ዘልኣለም ህይወት እትመርሕ ሐቂ ብ117 ቋንቋታት ልዕሊ 107 ሚልዮን ቅዳሓት ተሓቲማ ኢያ። ብ1982 ዝወጸት ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ብ131 ቋንቋታት ልዕሊ 81 ሚልዮን ቅዳሓት ተሓቲማ ኢያ። እታ ብ1995 ዝወጸት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ከኣ ብ154 ዝኸውን ቋንቋታት ልዕሊ 85 ሚልዮን ቅዳሓት ተሓቲማ ኣላ። እታ ብ1996 እተሓትመት ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ድሮ ብ244 ቋንቋታት 150 ሚልዮን ዝኸውን ቅዳሓት ተሓቲማ ኣላ።

18. ምጽራር እናኣጋጠመና ኽነሱ መንፈሳዊ ብልጽግና እንረክብ ስለምንታይ ኢና፧

18 እዚ መንፈሳዊ ብልጽግና እዚ ዝርከብ: ናይ ሰይጣን ዓለም ከቢድን ቀጻልን ምጽራር ኣብ እትገብረሉ ዘላ እዋን ኢዩ። እዚ ንሓቅነት ናይቲ ኣብ ኢሳይያስ 54:⁠17 ተጠቒሱ ዘሎ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ቓላት ዘረጋግጽ ኢዩ:- “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ: ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዅሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄር: ጽድቆምውን ካባይ እዩ: ይብል እግዚኣብሄር።” ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝዓበየ ፍጻሜ ናይቲ ኣብ ሚልክያስ 3:⁠17 ዘሎ “በታ ኣነ ዝገብረላ መዓልቲ ንሳቶም ገንዘበይ ኪዀኑኒ እዮም። ኣነ ኸኣ: ከምቲ ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎ: ክንሕፎም እየ” ዝብል ትንቢት ኣብኦም ከም ዝውዕል ምፍላጦምሲ ኣየ ኽንደይ ኰን ኢዩ ዘጸናንዖም!

ንየሆዋ ብሓጐስ ምግልጋል

19. እቶም ንየሆዋ ዘገልግሉ ኻብ ካልኦት ዝፍለዩ ብኸመይ ኢዮም፧

19 እቲ ኣብ መንጎ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋን ክፍሊ ናይ ሰይጣን ዓለም ዝዀኑን ዘሎ ፍልልይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናነጸረ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ሚልክያስ 3:⁠18 ከምዚ ብምባል ትንበ:- “ንስኻትኩም ድማ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን: ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ክትርእዩ ኢኹም።” ሓደ ኻብቲ ምፍልላይ እቶም ንየሆዋ ዘገልግልዎ ብዓብዪ ሓጐስ ዝገብርዎ ምዃኖም ኢዩ። ነዚ ምኽንያት ካብ ዝዀኖም ነገራት ሓደ እቲ ዘለዎም ዘደንቕ ተስፋ ኢዩ። የሆዋ “እንሆ: ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየ እሞ: እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ። . . . በቲ ኣነ ዝፈጥሮስ ክትሕጐሱን ንዘለኣለም ደስ ኪብለኩምን እዩ” ብምባል ክዛረብ ከሎ ምሉእ ብምሉእ ኢዮም ዝተኣማመኑሉ።​—⁠ኢሳይያስ 65:⁠17, 18፣ መዝሙር 37:⁠10, 11, 29፣ ራእይ 21:⁠4, 5

20. ሕጉሳት ዝዀንና ስለምንታይ ኢና፧

20 የሆዋ እቶም ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘለዉ እሙናት ህዝቡ በታ ዓባይ መዓልቱ ድሒኖም ናብ ሓዳስ ዓለም ክኣትዉ ምዃኖም ዝገበሮ መብጽዓ ኸም ዝፍጽሞ ንተኣማመን ኢና። (ጸፎንያስ 2:⁠3፣ ራእይ 7:⁠13, 14) ገሊኣቶም ቅድሚ ሓዳስ ዓለም ምምጻኣ ብእርጋን: ሕማም: ወይ ሓደጋ እንተ ሞቱ እውን: የሆዋ ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ኸፊቱ ኸም ዘተንስኦም ቃል ኣትይሎም ኢዩ። (ዮሃንስ 5:⁠28, 29፣ ቲቶስ 1:⁠2) ስለዚ ዅላትና ጸገማትን ብድሆታትን እኳ እንተ ሃለወና: ንመወዳእታ ናይታ መዓልቲ የሆዋ ኣብ እንጽበየሉ ዘሎና እዋን ኣብ ገጽ ምድሪ ኻብ ዝርከቡ ሰባት ንላዕሊ ሕጉሳት ንኽንከውን እኹል ምኽንያት ኣሎና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• “መዓልቲ እግዚኣብሄር” እንታይ ኢያ፧

• ናይ ዓለም ሃይማኖታት ንጥንታዊት እስራኤል ዝመስላ ብኸመይ ኢየን፧

• ኣገልገልቲ የሆዋ ነየናይ ትንቢታት ኢዮም ዝፍጽምዎ ዘለዉ፧

• የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ኢዩ ኽባርኾም ጸኒሑ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቀዳማይ ዘመን የሩሳሌም ‘ከም እቶን ነደደት’

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቶም ዘገልግልዎ ዘድልዮም የማልኣሎም ኢዩ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣገልገልቲ የሆዋ ዘደንቕ ተስፋ ስለ ዘለዎም ብሓቂ ሕጉሳት ኢዮም