ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኣልባብ ደቅና ፍቕሪ የሆዋ ምስራጽ

ኣብ ኣልባብ ደቅና ፍቕሪ የሆዋ ምስራጽ

ታሪኽ ህይወት

ኣብ ኣልባብ ደቅና ፍቕሪ የሆዋ ምስራጽ

ቨርነር ማትሰን ዘዘንተዎ

ቅድሚ ገለ ዓመታት እቲ ሃንስ ቨርነር ዝበሃል በዅሪ ወደይ መጽሓፍ ቅዱስ ሃበኒ። ኣብ ውሽጢ እቲ ገበር ከኣ “እተፈቶኻ ኣቦይ: ቃል የሆዋ ንስድራ​ቤትና ብመገዲ ህይወት ክመርሓ እምነ። ምስ ምስጋና: በዅሪ ወድኻ።” ወለዲ ዘበሉ እዘን ቃላት እዚኣተን ብኸመይ ንልበይ ብሞሳን ሓጐስን ከም ዘጀርበባኦ ይርድኦም ኢዩ። ኣብ መጻኢ ንስድራቤትና እንታይ ዓይነት ጸገማት ከም ዘጋጥማ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣይፈልጥን ነይረ።

 ብ1924 ኣብታ ሃምበርግ ካብ እትበሃል ወደብ ጀርመን 20 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ሃልስተንበክ ተወለድኩ። ምስ ኣደይን ኣባሓጎይን ከኣ ዓበኹ። ንዕዮ ዘገልግል ናውቲ ኣብ ምስራሕ ተዋፊረ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ብ1942 ኣብቲ ቫይርማኽት ዝበሃል ዝነበረ ሰራዊት ናይታ ሃገር ተኸተብኩ። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ግንባር ሩስያ ዘሕለፍክዎ ተመክሮ ብቓላት ክትገልጾ ዘሰቅቕ ኢዩ። ሕማም ፌራ ስለ ዝሓዘኒ ኻብ ግንባር ንድሕሪት ተመለስኩ: ሕክምና ምስ ተገብረለይ ግን እንደገና ናብኡ ኸድኩ። ኣብ ጥሪ 1945 ቈሲለ ኣብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ኣብ ዝኣተኹሉ እዋን ኣብ ሎድዝ: ፖላንድ: ኢየ ነይረ። እቲ ውግእ ከብቅዕ ከሎ እውን ኣብኡ ነበርኩ። ኣብቲ ሆስፒታል: ድሓር ከኣ ኣብ ደምበ እሱራት ኖይንጋም ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ንኸስተንትን ግዜ ረኺበ ነይረ። ‘ኣምላኽ ብሓቂ ኣሎ ድዩ፧ እንተልዩ ንምንታይ ኢዩ ኽሳዕ ክንድዚ ጭከና ዘፍቀደ፧’ ዝብላ ሕቶታት የጨንቓኒ ነበራ።

ኣብ መስከረም 1947 ኻብቲ ደምበ እሱራት ምስ ወጻእኩ: ንካርላ ተመርዓኹዋ። ኣብ ሓንቲ ኸተማ እኳ እንተ ዓበና: ካርላ ሰዓቢት እምነት ካቶሊክ ክትከውን ከላ ኣነ ግን ሃይማኖት ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ቦታ ኣይነበሮን። እቲ ዘመራዓወና ኻህን እንተ ወሓደ ምሸት ምሸት ኣቡነ⁠-​ዘበሰማያት ክንብል ነገረና። እንጽልዮ ይርድኣና እኳ እንተ ዘይነበረ: ከምቲ ዝበለና ንገብር ነበርና።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ሃንስ ቨርነር ተወልደ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ ቪልሀልም ኣረንስ ዝበሃል መሳርሕተይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣፋለጠኒ። ሓደ መዓልቲ ውግእ ንሓዋሩ ኸም ዘኽትም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣየኒ። (መዝሙር 46:⁠9) ኣብ ቀውዒ ናይ 1950 ህይወተይ ንየሆዋ ወፈኹ: ድሕሪኡ ኸኣ ተጠመቕኩ። ድሕሪ ሓደ ዓመት እታ ዘፍቅራ በዓልቲ ቤተይ ምስ ተጠምቀት ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢየ እተሓጐስኩ!

ደቅና ብመገዲ የሆዋ ምዕባይ

መስራቲ ሓዳር: የሆዋ ምዃኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢበ ኢየ። (ዘፍጥረት 1:⁠26-28፣ 2:⁠22-24) በዓልቲ⁠-​ቤተይ ነቶም ሃንስ ቨርነር: ካርል⁠-​ሀይንስ: ሚኻየል: ጋብሪየል: ከምኡውን ቶማስ ዝበሃሉ ደቅና በብግዜኡ ኽትሓርስ ከላ ምስኣ ስለ ዝነበርኩ: ንፉዕ ሰብኣይን ኣቦን ንኽኸውን ዝነበረኒ ቘራጽነት ኣደልደሎ። ኣነን ካርላን ነፍሲ ወከፎም ክውለዱ ኸለዉ ብሓጐስ ፍንጭሕ ንብል ነበርና።

እቲ ብ1953 ኣብ ኑረምበርግ እተገብረ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓብዪ ኣኼባ ንስድራ​ቤትና ዘይርሳዕ ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ። ዓርቢ ድሕሪ ቐትሪ “ኣብ ናይ ሓዳስ ዓለም ሕብረተሰብ ቈልዑ ምዕባይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ እቲ ተዛራባይ “ንደቅና ኸነውርሶም እንኽእል ዝዓበየ ውርሻ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናይ ምዃን ባህጊ ምሕዳር ኢዩ” ብምባል ካብ ኣእምሮና ዘይሃስስ ዘረባ ተዛረበ። ኣነን ካርላን ብሓገዝ የሆዋ ኸምኡ ኽንገብር ደለና። ብኸመይ ኢና ግን ነዚ እንገብሮ፧

መጀመርታ: መዓልቲ መዓልቲ ኸም ስድራ​ቤት መጠን ብሓባር ምጽላይ ልማድና ገበርናዮ። እዚ ኸኣ ኣብ ደቅና ናይ ጸሎት ኣድላይነት ሰረጸሎም። ውሉዳትና ገና ብንእሽቶኦም ቅድሚ መግቢ ኸም ዝጽለ ፈለጡ። ገና ሕጻናት ከለዉ እውን ከይተረፈ ጡጦኦም ርእይ ምስ ኣበሉ: ርእሶም ኣድኒኖም ኣእዳዎም የጣምሩ ነበሩ። ሓደ እዋን ናብ መርዓ ናይ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ዘመድ ሰበይተይ ተዓዲምና ኸድና። ድሕሪ እቲ ስነ⁠-​ስርዓት መርዓ እቶም ወለዲ እታ መርዓት ነቶም ዕዱማት ናብ ገዛ ኣትዮም ካብቲ እተዳለወ ሽሻይ ክንምገብ ዓደሙና። ኵሉ ሰብ ብኡንብኡ ኽበልዕ ጅምር ምስ ኣበለ: እቲ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ዝነበረ ወድና ካርል⁠-​ሀይንስ እዚ ዘይግቡእ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ “መጀመርታ እባ ንጸሊ” በለ። እቶም ዕዱማት ፈለማ ንዕኡ: ድሕሪኡ ንዓና: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነቲ በዓል ውራይ ጠመትዎ። ምእንቲ ኸየስተሓፍሮም ኢለ ጸሎት ምስጋና ኸቕርብ ሓተትኩ: እቲ በዓል ውራይ ከኣ ፈቐደለይ።

እዚ ሓጺር ፍጻመ ነቲ “ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ” ዝብል ቃላት የሱስ ኢዩ ዘዘኻኽረኒ። (ማቴዎስ 21:16) ከየባተኽና ልባዊ ጸሎት ብምቕራብና ደቅና ንየሆዋ ከም ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኦም ገይሮም ንኽርእይዎ ኸም ዝሓገዞም ርግጸኛታት ኢና።

የሆዋ ዝሃበና ሓላፍነት

ደቅና ንየሆዋ ኸፍቅሩ ንምምሃር ንቓሉ ስርዓታዊ ዄንካ ምንባብን ምጽናዕን ዝሓትት ኢዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ ሰሙን ሰሙን: መብዛሕትኡ ግዜ ሰኑይ ምሸት: ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ ነበረና። ኣብ መንጎ እቲ በዅርን ሕሳስ ልደን ናይ ትሽዓተ ዓመት ፍልልይ ስለ ዝነበረ: ዘድልዮም ነገራት እውን ብእኡ መጠን ይፈላለ ብምንባሩ ሓደ ዓይነት ጽሑፍ ኣይኰንናን እነጽንዖም ዝነበርና።

ንኣብነት ትምህርቲ ንዘይጀመሩ ደቅና ቅልል ዝበለ ትምህርቲ ንህቦም ነበርና። ካርላ ሓንቲ ጥቕሲ ጥራይ ትምህሮም ወይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተመስረተ ጽሑፋት ዝርከብ ስእልታት ትጥቀም ነበረት። እቶም ንኣሽቱ ደቅና ጋሕጋሕ ምድሪ ኻብታ ዘ ኒው ዎርልድ  a ዘርእስታ መጽሓፍ እታ ዝፈትዉዋ ስእሊ ኸርእዩና ኢሎም ናብ ዓራትና ደይቦም ከተስኡና ኸለዉ ባህ ካብ ዝብለኒ ተዘክሮታተይ ሓደ ኢዩ።

ካርላ ዅላትና ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ዝገብረና ብዙሕ ምኽንያታት ንደቅና ብዓቕሊ እትምህረሉ ብልሓት ኣጥርያ ኢያ። እዚ ቐሊልን ቀጥታውን ይመስል ይኸውን: እንተዀነ ግን ንዓይን ንካርላን ብኣካል ኰነ ብስምዒት ምሉእ ግዜና ኽንውፍየሉ ሓቲቱና ኢዩ። ይኹን እምበር ኣይተሓለልናን። ንየሆዋ ዘይፈልጡ ኻልኦት ሰባት ጽልዋ ኸይገበሩሎም ከለዉ ኣብቲ ዕሸል ኣልባቦም ባዕልና ኽንቀርጸሎም ንደሊ ነበርና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ካብ ኮፍ ኢልካ ምስማዕ ዝኸኣሉላ ግዜ ኣትሒዝና ደቅና ኣብ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ ኸም ዝርከቡ ንገብር ነበርና።

ኣነን ካርላን ወለዲ ኸም ምዃንና መጠን ንደቅና ኣብ ኣምልኾ ሰናይ ኣብነት ክንኰኖም ኣድላዪ ምዃኑ ተገንዚብና ኢና። እናበላዕና: ኣትክልቲ እናዀስኰስና ዀነ ብእግርና እናተዛወርና ነፍሲ ወከፍ ውሉድና ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ከደልድል ጸዓርና። (ዘዳግም 6:⁠6, 7) ነፍሲ ወከፍ ውሉድና ኻብ ሕጻንነቱ ኣትሒዙ ናይ ገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝህልዎ ገበርና። ብተወሳኺውን መጽሔታት ምስ መጸና: ስም ናይ ነፍሲ ወከፍና ኣብ መመጽሔትና እጽሕፍ ነበርኩ። በዚ ኸምዚ ደቅና ጽሑፋቶም ከለልዩ ይኽእሉ ነበሩ። ካብ ንቕሑ! እተወሰነ ዓንቀጻት ንኸንብቡ እውን ንምድበሎም ነበርና። ሰንበት ድሕሪ ምሳሕ ነቲ ዓንቀጻት ብኸመይ ከም እተረድእዎ ይገልጹልና ነበሩ።

ንደቅና ዘድልዮም ቘላሕታ ምሃብ

ልክዕ ኢዩ: እዚ ወትሩ ቐሊል ኣይነበረን። ደቅና እናዓበዩ ምስ ከዱ ኣብ ኣልባቦም ፍቕሪ ንምስራጽ: ኣብ ኣልባቦም ዘሎ ነገራት ክንፈልጥ ከም ዘድልየና ኣስተውዓልና። እዚ ኸኣ ክንሰምዖም ነይሩና ማለት ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ዘዕዘምዝሙሉ ነገራት ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም ነበረ። ስለዚ ኣነን ካርላን ኮፍ ኢልና ነቲ ጕዳይ ምሳታቶም ብሓባር ንዘራረበሉ ነበርና። ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕትና ምስ ወዳእና ንፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ንእተፈልየ ነገራት ዝኸውን ግዜ መደብና። ዝዀነ ይኹን ውላድ እተሰምዖ ብግህዶ ንኽዛረብ ከኣ ተፈቕደሉ።

ንኣብነት: እቶም ክልተ ዝነኣሱ ቶማስን ጋብሪየልን ዝበሃሉ ደቅና: ነቲ በዅሪ ሓዎም ሓለፋታት ከም እንገብር ተሰምዖም። ሓደ እዋን ብግህዶ “ኣቦ: ንስኻን ኣዴናን ንሃንስ ቨርነር ድሌቱ ኽገብር ትገድፍዎ ኢኹም” በሉና። ኣብ መጀመርታ ዝበልዎ ኣዝዩ ገረመኒ። ይኹን እምበር: ነቲ ጕዳይ ቀስ ኢለ ምስ መርመርክዎ: እቶም ቈልዑ ሓቆም ምንባሮም ኣነን ካርላን ክንእመን ነበረና። ስለዚ ንዅሎም ደቅና ብማዕረ ንኽንርእዮም ዝያዳ ጻዕሪ ገበርና።

ሓድሓደ ግዜ ንደቀይ ተሃዊኸ ወይ ብዘይ​ግቡእ እቐጽዖም ነይረ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ከም ወለዲ መጠን ይቕረታ ምሕታት ክንመሃር ነይሩና። ድሕሪኡ ናብ የሆዋ ብጸሎት ንቐርብ ነበርና። ደቅና: ኣነ ኣቦኦም ንየሆዋን ንዖኦምን ኣይትሓዘለይ ንምባል ድሉው ምንባረይ ክፈልጡ ኣድላዪ ኢዩ ነይሩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ምሳታቶም ምዉቕን ባህ ዘብልን ርክብ ነበረና። መብዛሕትኡ ግዜ “ንስኻትኩም እቶም ዝበለጹ ኣዕሩኽትና” ኢኹም ይብሉና ነበሩ። እዚ ኸኣ ኣጸቢቑ የሐጕሰና ነበረ።

ኣብ ስድራ​ቤትና እንገብሮ ዝነበርና ምትሕብባር ሓድነት የምጽኣልና ነበረ። ስለዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍና ዋኒን ገዛ ተዋሂቡና ነበረ። ሃንስ ቨርነር ሓንሳእ ኣብ ሰሙን ናብ ዕዳጋ ከይዱ ኣስቤዛ ኽገብር ተመዲቡ ነበረ: እዚ ኸኣ እንታይ ከም ዝገዝእ ዝገልጽ ዝርዝርን እተወሰነ ገንዘብን ይወሃቦ ማለት ኢዩ። ሓደ ሰሙን እንታይ ከም ዝዕድግ ዝገልጽ ዝርዝር ኰነ ገንዘብ ኣይሃብናዮን። ንኣዲኡ ብዛዕባዚ ምስ ሓተታ: ገንዘብ ከም ዘየለ ነገረቶ። ድሕርዚ እቶም ቈልዑ ኣብ ንሓድሕዶም ከሕሸዅሽኹ ጀመሩ: ድሕርዚ ነፍሲ ወከፎም ገንዘብ ዘዋህልሉሉ ሳጹናቶም ኣምጺኦም ኣብቲ ጣውላ ኣፍሰስዎ እሞ “ኣደይ: ሕጂ ኣስቤዛ ንግበር!” በልዋ። እወ: ኣብ ኣጸጋሚ እዋን ሓገዝ ክገብሩ ተማሂሮም ኢዮም: እዚ ድማ ንስድራ​ቤትና ዝያዳ ኣተሓቛቘፋ።

እናዓበዩ ምስ ከዱ እቶም ኣወዳት: ኣዋልድ ክፈትዉ ጀመሩ። ንኣብነት ቶማስ ንሓንቲ ጓል 16 ዓመት ናይ የሆዋ ምስክር ኣጸቢቑ ፈተዋ። ብዛዕባ እዛ ጓል ዘለዎ ስምዒት ኻብ ልቡ እንተ ዀይኑ: ንኽምርዓዋ ከምኡውን ሰበይቱን ደቁን ንኽኣሊ ኽዳሎ ኸም ዘለዎ ነገርክዎ። ገና ወዲ 18 ዓመት ብምንባሩ ንሓዳር ኸም ዘይተዳለወ ኣስተውዓለ።

ከም ስድራ​ቤት መጠን ዕቤት ምግባር

ደቅና ገና ንኣሽቱ ኸለዉ ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ ኣብ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተመዝገቡ። ነቲ እተዋህቦም ክፍልታት ጽን ኢልና ንሰምዖ እሞ ንኣምላኽ ዘለዎም ልባዊ ፍቕሪ ስለ እንርኢ ኸኣ ንተባባዕ ነበርና። ሓሓሊፎም ኣብ ቤትና ዝመጹ ዝነበሩ ናይ ወረዳን ኣውራጃን ተዓዘብቲ: ተመክሮታቶም ይነግሩና ወይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡልና ነበሩ። እዞም ሰብኡትን ኣንስቶምን ኣብ ኣልባብ ስድራ​ቤትና ፍቕሪ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽሓድር ሓጊዞም ኢዮም።

ዓበይቲ ኣኼባታት ብሃንቀውታ ኢና ንጽበዮ ኔርና። ከመይሲ ንደቅና ንኣምላኽ ናይ ምግልጋል ባህጊ ንኽንሰርጸሎም ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ወሳኒ ግደ ነይሩዎ ኢዩ። ደቅና ኸኣ ናብቲ ዓብዪ ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ ክኸዱ ኸለዉ ባጅ ይልጥፉ ብምንባሮም ንዕኦም ፍሉይ ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ። ሃንስ ቨርነር ወዲ ዓሰርተ ዓመት ከሎ ምስ ተጠመቐ ተሓጒስና ኢና። ገሊኣቶም ሰባት ህይወቱ ንየሆዋ ንኽውፊ ኣዝዩ ንእሽቶ ኸም ዝዀነ ተሰሚዕዎም ነይሩ: ንሱ ግን ወዲ 50 ዓመት ኣብ ዝዀነሉ እዋን ን40 ዓመታት ንየሆዋ ምግልጋሉ ኸም ዘሐጕሶ ነጊሩኒ ኢዩ።

ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ንደቅና ኣርኢናዮም ኢና: ህይወቶም ንኽውፍዩ ግን ጸቕጢ ኣይገበርናሎምን። ይኹን እምበር: እቶም ዝተረፉ ኣብ ገግዚኦም ናብ ጥምቀት ምስ በጽሑ ተሓጒስና ኢና።

ጾርና ኣብ የሆዋ ምድርባይ ተማሃርና

ብ1971 ሃንስ ቨርነር ካብ መበል 51 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተመሪቑ ኣብ ስጳኛ ሚስዮናዊ ዀይኑ ኸገልግል ምስ ተመደበ ሓጐስና ወሰን ኣይነበሮን። እቶም ዝተረፉ ደቅና እውን በብሓደ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እተወሰነ ግዜ ኣሕለፉ: እዚ ኸኣ ከም ወለዲ መጠን ዓብዪ ሓጐስ ኣምጽኣልና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ ኢዩ ሃንስ ቨርነር እቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስክዎ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሃበኒ። ስድራ​ቤትና ምሉእ ሓጐስ ዝረኸብና ዀይኑ ተሰምዓና።

ድሕርዚ ግን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ናብ የሆዋ ኽንጠብቕ ከም ዘሎና ፈለጥና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ደቅና ንእምነቶም ኣጸቢቑ ዝፍትን ጸገማት ኣጋጠሞም። ንኣብነት: እታ ፍቕርቲ ጓልና ጋብሪየል ካብ መከራ ኣየምለጠትን። ብ1976 ንሎታር ተመርዓወቶ። ድሕሪ መርዓኦም ነዊሕ ከይጸንሐ ሓመመ። እናደኸመ ብምኻዱ ኸኣ ክሳዕ ዝመውት ጋብሪየል ኣለየቶ። ጥዑይ ኣባል ስድራ​ቤትና ኽሓምምን ክመውትን ብምርኣይና እታ ፈቃር ኢድ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተድልየና ተዘኻኸርና።​—⁠ኢሳይያስ 33:⁠2

ኣብ ማሕበር የሆዋ ዝረኸብክዎ ፍሉይ መሰላት

ብ1955 ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ዀይነ ምስ ተሸመኩ: ነዚ ሓላፍነት እዚ ድሉው ዝዀንኩ ዀይኑ ኣይተሰምዓንን። ብዙሕ ዝዕየ ዕዮ ነበረ: ሓድሓደ ግዜ ሓላፍነተይ ክፍጽም ዝኽእለሉ እንኮ መገዲ ኸኣ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ወጋሕታ ምትንሳእ ነበረ። በዓልቲ ቤተይን ደቀይን ምሸት ክዕየ ዘለዎ ዕዮ ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ንኸይርበሽ ስለ ዝጥንቀቑ ዓብዪ ሓገዝ ገይሮምለይ ኢዮም።

እንተዀነ ግን: ብእተኻእለና መጠን ስድራ​ቤትና ብሓባር ኴንና እንዘናግዓሉ ግዜ ነይሩና ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ወሃብ ስርሐይ ደቀይ ሒዘ ምእንቲ ኽዘናጋዕ ማኪናኡ ኽጥቀመላ ይፈቕደለይ ነበረ። መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ጫካ ዄንና ኸነጽንዕ ከሎና ደቅና ባህ ይብሎም ነበረ። ብሓባር ብእግርና ንዛወር: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ኣነ ፋምፋም እናነፋሕኩ ንሳቶም ከኣ እናዘመሩ ኣብ መንጎ እቲ ኣእዋም ንዛወር ነበርና።

ብ1978 ተተካኢ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ (ገያሺ ኣገልጋሊ) ክኸውን ተመዘዝኩ። እዚ ሓላፍነት እዚ ልዕሊ ዓቕመይ ኰይኑ ስለ እተሰምዓኒ “የሆዋ: እዚ ኽገብሮ ዝኽእል ኰይኑ ኣይተሰምዓንን። ክፍትኖ እንተ ደሊኻኒ ግን ዝከኣለኒ ኽገብር ኢየ” ኢለ ጸለኹ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ወዲ 54 ዓመት ምስ ኰንኩ ነቲ ዓለማዊ ስርሐይ ናብ ቶማስ እቲ ሕሳስ ልደ ወድና ኣመሓላለፍክዎ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ዅሎም ደቅና ዓብዮም ኢዮም ነይሮም: እዚ ኸኣ ንዓይን ንካርላን ንየሆዋ ብዝያዳ ንኸነገልግሎ ኣጋጣሚ ኸፈተልና። ኣብታ ዓመት እቲኣ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ኣብ እተወሰነ ኽፋል ሃምበርግን ኣብ ብምሉኡ ሸለስዊግ⁠-​ሆልስቲንን ከገልግል ተመዘዝኩ። ኣብ ኣተዓባብያ ቘልዑ ተመክሮ ስለ ዝነበረና: ንወለድን ንውሉዳትን ብፍላይ ንርድኣሎም ነበርና። ብዙሓት ኣሕዋት ከኣ ናይ ወረዳኦም ወለዲ ኢሎም ይጽውዑና ነበሩ።

ካርላ ንዓሰርተ ዓመት ከተሰንየኒ ድሕሪ ምጽናሕ መጥባሕቲ ተገብረላ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ንዓይ እውን ናይ ሓንጐል ጥረ ኸም ዘሎኒ ሓኻይም ፈለጡ። ስለዚ: ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ምግልጋል ኣቋሪጸ: ናይ ሓንጐል መጥባሕቲ ገበርኩ። ድሕርዚ እንደገና ተተካኢ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ከገልገል ዝኸኣልኩ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኢዩ። ሕጂ ኣነን ካርላን ኣብ 70ታት ዓመት ዕድሜና ስለ እንርከብ ኣብ ናይ መገሻ ኣገልግሎት ኣይንሳተፍን ኢና። ነቲ መሊአ ኽፍጽሞ ዘይክእል ፍሉይ መሰል ምሓዘይ ትርጕም ከም ዘይብሉ ንኸስተውዕል የሆዋ ሓጊዙኒ ኢዩ።

ንድሕሪት ምልስ ኢለ ኽርእዮ ኸለኹ ኣነን ካርላን ኣብ ኣልባብ ደቅና ፍቕሪ ሓቂ ኣብ ምስራጽ የሆዋ ሓገዙ ስለ ዝገበረልና ነመስግኖ ኢና። (ምሳሌ 22:⁠6) ኣብዚ ዅሉ ዓመታት የሆዋ መሪሑና: ኣሰልጢኑና: ከምኡውን ሓላፍነታትና ንኽንስከም ሓጊዙና ኢዩ። ሕጂ ኣሪግናን ደኺምናን እኳ እንተዀንና: ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ኸም ቀደሙ ውዕዉዕን ህያውን ኢዩ ዘሎ።​—⁠ሮሜ 12:⁠10, 11

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኰይና ሕጂ ግን ኣይትርከብን ኢያ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብ1965 ስድራ​ቤትና ብሓባር ኣብ ገማግም እቲ ኣብ ሃምበርግ ዝርከብ ሩባ ኢልበ እናተጓዓዝና ኸሎና

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ገለ ኣባል ስድራ​ቤትና ኣብቲ ብ1998 ኣብ በርሊን እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ካርላ በዓልቲ ቤተይ