ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ውሉድ ንኣቦኡ ዝሓገዘሉ መገዲ

ውሉድ ንኣቦኡ ዝሓገዘሉ መገዲ

ውሉድ ንኣቦኡ ዝሓገዘሉ መገዲ

 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብር ኣብ 30ታት ዕድመ ዝርከብ ጀምስ: ከቢድ ናይ ኣእምሮን ምዝራብን ጸገም ነበሮ። ይኹን እምበር: ንብዙሕ ዓመታት ምስ ኣዲኡን ሓብቱን ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክካፈል ጸኒሑ ኢዩ። ኣቦኡ ግን ኣብ ናይ ስድራ​ቤቱ እምነት ብዙሕ ተገዳስነት ኣየርእን ኢዩ ነይሩ። ሓደ ምሸት ኣብ ኣኼባ ንሓደ እትፈልጦ ሰብ ብኸመይ ናብ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ ከም እትዕድሞ ዝገልጽ መርኣያ ርእዩ ናብ ገዝኡ ምስ ተመልሰ ጀምስ ቀልጢፉ ናብ ክፍሉ ኸደ። ኣዲኡ ስለ እተሻቐለት ሰዓበቶ እሞ ካብ ናይ ቅድም ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ሸበድበድ እናበለ ኽደሊ ኸሎ ረኸበቶ። ኣብ ድሕሪት ገጽ ናይ በዓል ዝኽሪ ዕድመ ዝሓዘት ሓንቲ መረጸ እሞ እናጐየየ ናብ ኣቦኡ ኸደ። መጀመርታ ናብቲ ስእሊ ድሓር ናብ ኣቦኡ እናኣመልከተ “ንስኻ!” በለ። ጀምስ ነቦኡ ናብ በዓል ዝኽሪ ይዕድሞ ምህላዉ ምስ ተገንዘቡ: ኣቦኡን ኣዲኡን ገሪምዎም ንሓድሕዶም ተጠማመቱ። ኣቦኡ ምናልባት ከም ዝመጽእ ገለጸሉ።

ጀምስ ኣብታ በዓል ዝኽሪ እትበዓለላ ምሸት: ናብ ኣርማድዮ ኣቦኡ ኸይዱ ስረ ኣልዒሉ ወሰደሉ እሞ ክኽደኖ ኣመልከተሉ። ኣቦኡ ኣኼባ ከም ዘይከይድ ሓበሮ። ድሕርዚ ጀምስን ኣዲኡን በይኖም ናብ ኣኼባ ክኸዱ ተበገሱ።

ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ኣዲኡ ንጀምስ ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክኸይድ ኸተዳልዎ ክትጽዕር ከላ ንሱውን ምስ ኣቦኡ ኽተርፍ ብምድላይ ድሕር ክብል ጀመረ። ሓደ ሰንበት ንግሆ: ጀምስ ኣዲኡ ንኣኼባ ክኸይድ ከተቀራርቦ ምስ ፈተነት ሕጅውን ኣበየ። ሽዑ ኣቦኡ “ጀምስ ኣነ ሎሚ ንኣኼባ እንተደኣ ኸይደ ንስኻኸ ክትከይድ ዲኻ፧” ምስ በሎ ደንጸዋ። ጀምስ ገጹ በርሀ። ንኣቦኡ ሕቝፍ ኣቢሉ “እወ!” በሎ እሞ ሰለስቲኦም ሓቢሮም ናብ ኣኼባ ኸዱ።

ኣቦ ጀምስ ካብ ሽዑ ንነጀው ሰንበት ሰንበት ከየብኰረ ኣኼባ ክኸይድ ጀመረ: ዕቤት ምእንቲ ኽገብር ኣብቲ ኻልእ ኣኼባታት እውን ግድን ክካፈል ከም ዘለዎ ሓሳቡ ገለጸ። (እብራውያን 10:⁠24, 25) ከምኡ ድማ ገበረ: ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኸኣ ስርዓታዊ ዀይኑ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመረ። ኣብ ናብራ ህይወቱ ቀልጢፉ ዘድሊ ምትዕርራይ ብምግባር ቅልጡፍ ዕቤት ኣርኣየ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ክካፈል ጀመረ። ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ዝጀመረሉ ሓደ ዓመት ዝኸውን ጸኒሑ: ህይወቱ ንየሆዋ ወፈየ ነዚ ድማ ብማይ ጥምቀት ኣርኣዮ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ኣሎ። ሕጂ ብምልእታ ስድራ​ቤት ብሓባር ንየሆዋ ተገልግል ኣላ።