ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ጥልመት ይጸልእ

የሆዋ ጥልመት ይጸልእ

የሆዋ ጥልመት ይጸልእ

‘ንሓድሕድኩም ኣይትጣለሙ።’​—⁠ሚልክያስ 2:⁠10

1. ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽንረክብ ኣምላኽ እንታይ ብቕዓታት ከነማልእ ኢዩ ዝሓተና፧

 ዘለኣለማዊ ህይወት ምደለኻዶ፧ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ተስፋ ትኣምነሉ እንተደኣ ዄንካ: ‘እሂናይ ደኣ’ ኢልካ ትምልስ ትኸውን። ኣምላኽ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዘለኣለማዊ ህይወት ክህበካ እንተ ደሊኻ ግን ንሱ ዝሓቶ ብቕዓታት ከተማልእ ኣሎካ። (መክብብ 12:⁠13፣ ዮሃንስ 17:⁠3) ዘይፍጹማት ሰባት ነዚ ንኸማልኡ ኣዝዩ የጸግሞም ድዩ፧ ኣየጸግሞምን ኢዩ: ከመይሲ የሆዋ “ኣነስ ምሕረት እየ ዝፈቱ: መስዋእቲ ኣይኰነን: ካብ ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ፍልጠት ኣምላኽ እፈቱ” ብምባል ኣተባቢዑ ኢዩ። (ሆሴእ 6:⁠6) ስለዚ እቶም ወትሩ ዝጋገዩ ሰባት እውን ከይተረፉ ነቲ ኣምላኽ ዝሓቶ ብቕዓታት ከማልኡ ይኽእሉ ኢዮም።

2. ብዙሓት እስራኤላውያን ንየሆዋ ዝጠለምዎ ብኸመይ ኢዮም፧

2 ኵላቶም ሰባት ግን ኣይኰኑን ፍቓድ የሆዋ ኽፍጽሙ ዝደልዩ። ብዙሓት እስራኤላውያን ፍቓድ የሆዋ ኽፍጽሙ ኸም ዘይደልዩ ሆሴእ ገሊጹ ኢዩ። ብደረጃ ህዝቢ ብፍታዎም ሕግታት የሆዋ ንምኽባር ቃል ኪዳን ኣትዮም ወይ ተሰማሚዖም ኢዮም። (ዘጸኣት 24:⁠1-8) እንተዀነ ግን: ነዊሕ ከይጸንሑ ሕግታቱ ብምሕዳግ ‘ኪዳን ከፍርሱ’ ጀመሩ። ስለዚ የሆዋ: እስራኤላውያን “ጠለሙኒ” ብምባል ተዛረበ። (ሆሴእ 6:⁠7) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዞም እውን ብዙሓት ሰባት ከምኡ ገይሮም ኢዮም። የሆዋ ግን ንዕኡ ዀነ ነቶም ዘፍቅርዎን ዘገልግልዎን ሰባት ምጥላም ይጸልእ ኢዩ።

3. ኣብዚ ሕጂ እንገብሮ መጽናዕቲ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ኣምላኽ ንጥልመት ዘለዎ ኣረኣእያ ዘጕልሐ ሆሴእ ጥራይ ኣይኰነን። ንሕናውን ሕጉስ ህይወት ክህልወና እንተ ደሊና እዚ ኣረኣእያ እዚ ኽህልወና ኣለዎ። ኣብዛ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ትንቢት ሚልክያስ ሒዝዎ ንዘሎ መልእኽቲ ኻብ ምዕራፍ 1 ኣትሒዝና ኽንምርምሮ ጀሚርና ኢና። ሕጂ ናብ ምዕራፍ ክልተ ናይታ መጽሓፍ ንሕለፍ እሞ የሆዋ ንጥልመት ዘለዎ ኣረኣእያ ብዝያዳ ጐሊሑ ኽንረኽቦ ኢና። ሚልክያስ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ባቢሎን ምስ ተመልሱ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ንዝነበርዎ ዅነታት ይዛረበሉ እኳ እንተሎ: ምዕራፍ ክልተ ሎሚ እውን ንዓና ዓብዪ ትርጕም ዘለዎ ሓሳብ ሒዛትልና ኣላ።

ክውቀሱ ዝግብኦም ካህናት

4. የሆዋ ነቶም ካህናት እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃቦም፧

4 ምዕራፍ 2 እቶም ካህናት ካብ ጽድቃዊ መገድታቱ ብምርሓቖም የሆዋ እንታይ ኢሉ ኸም ዝወቐሶም ብምጥቃስ ኢያ እትጅምር። እቶም ካህናት ነቲ ምዕዶኡ ኣብ ልቦም እንተ ዘየሕዲሮሞን መገዶም እንተ ዘየዐርዮምን ብዘይ​ጥርጥር ከቢድ ሳዕቤን ክመጾም ነበሮ። ነተን ናይ መጀመርታ ኽልተ ቍጽርታት እሞ ኣስተብህለለን:- “ኣቱም ካህናት: ሕጂውን እዛ ትእዛዝ እዚኣ ንኣኻትኩም እያ። ምስማዕ እንተ አቤኹም: ብልብኹም ንስመይ ከተኽብሩ እንተ ዘይደሌኹም: መርገም ክሰደልኩም: ንበረኸትኩምውን ክረግሞ እየ።” እቶም ካህናት ነቲ ህዝቢ ሕጊ ኣምላኽ እንተ ዝምህርዎን ባዕላቶም እንተ ዝሕልዉዎን ምተባረኹ ነይሮም። ፍቓድ ኣምላኽ ዕሽሽ ብምባሎም ግን መርገም ኢዮም ክረኽቡ። እቶም ካህናት ንኻልእ እንተ ባሪኾም እውን በረኸቶም ናብ መርገም ክቕየር ኢዩ።

5, 6. (ሀ) እቶም ካህናት ብፍላይ እተወቕሱ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) የሆዋ ነቶም ካህናት ዘለዎ ንዕቐት ዝገለጸ ብኸመይ ኢዩ፧

5 እቶም ካህናት ብፍላይ እተወቕሱ ስለምንታይ ኢዮም፧ ቍጽሪ 7 ንጹር መልሲ ትህበና:- “ንሱ ልኡኽ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ስለ ዝዀነ: ከናፍር ካህን ፍልጠት ይሕልዋ: ንሕጊ ድማ ካብ ኣፉ ይደልዩ እዮም።” ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝኸውን ዓመታት ኣቐዲሙ: ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን እተዋህቦም ሕግታት እቶም ካህናት ‘ንደቂ እስራኤል እቲ እግዚኣብሄር ዝነገሮም ኵሉ ሕጋጋት ናይ ምምሃር’ ሓላፍነት ነበሮም። (ዘሌዋውያን 10:⁠11) እቲ ዘሕዝን ግን ድሕሪ እተወሰነ ግዜ 2 ዜና መዋእል 15:⁠3 “እስራኤልስ ነዊሕ ዘመን ብዘይ​ ኣምላኽ ሓቅን ብዘይ​ መሃሪ ካህንን ብዘይ ሕግን ነበሩ” ብምባል ትገልጽ።

6 ብግዜ ሚልክያስ ማለት ኣብ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ናይቶም ካህናት ኵነታት ካብዚ እተፈልየ ኣይነበረን። ነቲ ህዝቢ ሕጊ ኣምላኽ ኣይምህርዎን ኢዮም ነይሮም። ስለዚ በዚ ተሓተትቲ ክዀኑ ዝግብኦም ኢዩ። የሆዋ ንዖኦም እተዛረቦ ተሪር ቃላት እሞ ኣስተብህለሉ። ሚልክያስ 2:⁠3 “ኣብ ገጽኩም ዒባ: ነቲ ዒባ በዓላትኩም: ክብትነልኩም እየ” ትብል። እዚ ኸቢድ መግናሕቲ ኢዩ! ፈርሲ ናይ ዝስዋእ እንስሳ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ኢዩ ዝነድድ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 16:⁠27) የሆዋ ነቲ ዒባ ኣብ ገጾም ክብትነሎም ምዃኑ ኽነግሮም ከሎ ግን ከም ዝንዓቖም ከምኡውን ንመስዋእቶምን ነቶም ዘቕርብዎን ከም ዝነጸጎም ኢዩ ብንጹር ዘርኢ።

7. የሆዋ ንመምህራን ናይቲ ሕጊ እተቘጥዖም ስለምንታይ ኢዩ፧

7 ካብ ግዜ ሚልክያስ ብዙሕ ዘመናት ኣቐዲሙ የሆዋ ነቶም ሌዋውያን ኣብቲ ማሕደር ደሓር ከኣ ኣብቲ ቤት መቕደስ ከገልግሉን ቅዱስ ኣገልግሎት ክፍጽሙን መዲብዎም ነበረ። ናይ ህዝቢ እስራኤል መምህራን ኢዮም ነይሮም። ዕዮኦም እንተ ፈጺሞም ንሳቶምን እቶም ህዝብን ብህይወት ይነብሩ: ሰላም ድማ ይረኽቡ ነበሩ። (ዘሁልቍ 3:⁠5-8) እንተዀነ ግን እቲ መጀመርታ ዝነበሮም ፍርሃት ኣምላኽ ኣጥፍኡ። ስለዚ የሆዋ ኸምዚ በሎም:- “ንስኻትኩም ግና ካብ መገዲ ኣግለስኩም: ንብዙሓት ብሕጊ ኣዐንቀፍኩም: ነቲ ቓል ኪዳን ሌዊ ኣፍረስኩም: . . . መገደይ [ኣይሐሎኹምን]።” (ሚልክያስ 2:8, 9) እዞም ካህናት እዚኣቶም ሓቂ ብዘይ​ምምሃሮምን ሕማቕ ኣብነት ብምዃኖምን ንብዙሓት እስራኤላውያን ኣስሒቶም ኢዮም: ስለዚ የሆዋ ኽቝጥዖም ሓቁ ኢዩ።

ስርዓታት ኣምላኽ ምሕላው

8. ሰባት ስርዓታት ኣምላኽ ምሕላው ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ይዀኖም ድዩ፧ ግለጽ።

8 እቶም ብግዜ ሚልክያስ ዝነበሩ ሌዋውያን ንስርዓታትን መገድታትን ኣምላኽ ክሕልዉ ዘይከኣልሉ ምኽንያት ዘይፍጹማት ሰባት ስለ ዝዀኑ ኢዮም ብምባል ድንጋጽን ምሕረትን ከም ዝግብኦም ጌርና ኣይንሕሰብ። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ ደቅሰብ ትእዛዛት ኣምላኽ ክሕልዉ ይኽእሉ ኢዮም: ከመይሲ የሆዋ ልዕሊ ዓቕሞም ክገብሩ ኣይጽበዮምን ኢዩ። ገሊኣቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኻህናት ሓልዮምዎ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም: እቲ ጸኒሑ ዝመጸ ዓብዪ “ሊቀ ኻህናት:” የሱስ: ነቲ ሕግታት ከም ዝሓለዎ እውን ዘጠራጥር ኣይኰነን። (እብራውያን 3:⁠1) ብዛዕባኡ ኸምዚ ዝስዕብ ክበሃል ይከኣል ኢዩ:- “ሕጊ ሓቂ ኣብ ኣፉ ነበረ: ኣብ ከናፍሩ ኸኣ በደል ኣይተረኽበን: ንሱ ድማ ብሰላምን ቅንዕናን ምሳይ ተመላለሰ ንብዙሓትውን ካብ ኣበሳ መለሰ።”​—⁠ሚልክያስ 2:⁠6

9. ኣብዚ ግዜና ብተኣማንነት ነታ ሓቂ ዝዘርግሑ መን ኢዮም፧

9 ብተመሳሳሊ: ኣብዚ እዋን እዚ እቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ‘ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ዘቕርቡ ቕዱስ ክህነት’ ኰይኖም ኣገልጊሎም ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 2:⁠5) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኻልኦት ኣብ ምዝርጋሕ መሪሕነት ተዋሂብዎም ኢዩ። ንሳቶም ዝምህርዎ ሓቂ ኽትመሃር ኸሎኻ: እቲ ሕጊ ሓቂ ኣብ ኣፎም ኣይረኸብካዮንዶ ኢኻ፧ ንብዙሓት ሰባት ካብ ሃይማኖታዊ ኣበሳ ክምለሱ ሓጊዞም ኢዮም: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሕጂ ኣብ መላእ ዓለም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እተማህሩን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ዘለዎምን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣለዉ። እዚኣቶም እውን ብግዲኦም ነቲ ሕጊ ሓቂ ንኻልኦት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ናይ ምምሃር ዓብዪ መሰል ኣለዎም።​—⁠ዮሃንስ 10:⁠16፣ ራእይ 7:⁠9

ንኽንጥንቀቕ ምኽንያት ዝዀነና ነገራት

10. ጥንቁቓት ንኽንከውን ምኽንያት ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

10 ይኹን እምበር: ጥንቁቓት ክንከውን ኣሎና። እንተ ዘይኰይኑ ነቲ ኣብ ሚልክያስ 2:⁠1-9 ዘሎ ትምህርቲ ኽንስሕቶ ንኽእል ኢና። ኣብ ከናፍርና በደል ንኸይርከብ ብብሕቲ ንጥንቀቕ ዲና፧ ንኣብነት: ኣባላት ስድራ​ቤትና ነቲ እንብሎ ይኣምንዎ ድዮም፧ ኣብ ጉባኤና ዘለዉ መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትንከ፧ ኣርቂቕካ ኽርአ ኸሎ ቅኑዕ ግን ከኣ ደይ መደይ ኢልካ ንኻልኦት ዘታልል ቃላት ምጥቃም ቀሊል ኢዩ። ወይ ሓደ ሰብ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ኣጋኒኑ የቕርብ ወይ ዝርዝር ሓበሬታ ይሓብእ ይኸውን። የሆዋ ነዚ ኣይርእዮንዶ፧ ከምዚ ንገብር እንተደኣ ዄንና: ካብ ከናፍርና መስዋእቲ ምስጋና ይቕበልዶ፧

11. መን ኢዮም ብፍላይ ጥንቁቓት ክዀኑ ዘለዎም፧

11 ሚልክያስ 2:⁠7 ነቶም ሎሚ ኣብ ጉባኤ ቃል ኣምላኽ ናይ ምምሃር መሰል ዘለዎም መጠንቀቕታ ክትኰኖም ይግባእ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ከናፍሮም “ፍልጠት ይሕልዋ: ንሕጊ ድማ ካብ [ኣፎም] ይደልዩ” ኢያ ትብል። ያእቆብ 3:⁠1 ‘ዝገድድ ፍርዲ ኸም ዝቕበሉ’ ስለ እትሕብር እዞም መምህራን እዚኣቶም ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎም። ብውዕዉዕ ስምዒት ክምህሩ እኳ እንተለዎም: ትምህርቶም ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብቲ ኻብ ማሕበር የሆዋ ዝመጽእ መምርሒታትን እተመስረተ ክኸውን ኣለዎ። በዚ ኸምዚ ‘ንኻልኦት ንምምሃር ከኣልቲ’ ይዀኑ። ስለዚ ኸኣ “ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል: ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ: ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር” ዝብል ማዕዳ ተዋሂብዎም ኣሎ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 2:2, 15

12. እቶም ዝምህሩ እንታይ ጥንቃቐ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧

12 ክንምህር ከሎና እንተ ዘይተጠንቂቕና ናይ ብሕቲ ምርጫና ወይ ኣረኣእያና ንምትእትታው ክንፍተን ንኽእል ኢና። ብፍላይ ምስቲ ማሕበር የሆዋ እትምህሮ ትምህርቲ እናተጻረረ ኽነሱ ብናይ ርእሱ ኣረኣእያ ዝተኣማመን ሰብ በዚ ኽፍተን ይኽእል ኢዩ። እቶም ኣብ ጉባኤ መምህራን ኰይኖም ዘገልግሉ ነተን ኣባጊዕ ክዕንቅፍ ዝኽእል ናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳባት ዘይኰነስ: ፍልጠት ኣምላኽ ከመሓላልፉ ኽንጽበዮም ከም ዝግባእ ሚልክያስ ምዕራፍ 2 ተጕልሕ ኢያ። የሱስ “ካብዞም ብኣይ ዚአምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና: መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተአሲሩ ኣብ ዓሚቝ ባሕሪ ኺጥሕል ይሔሾ” በለ።​—⁠ማቴዎስ 18:6

ዘይኣማኒ ምምርዓው

13, 14. ሚልክያስ ዘጕልሖ ሓደ ዓይነት ጥልመት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

13 ሚልክያስ ምዕራፍ 2 ካብ ቍጽሪ 10 ንንየው ንጥልመት ብቐጥታ ኢያ እተጕልሕ። ሚልክያስ ኣብ ክልተ ዝተኣሳሰር ጕዳያት ኣተኰረ እሞ ‘ጥልመት’ እትብል ቃል ድማ ብተደጋጋሚ ተጠቕመላ። መጀመርታ ሚልክያስ ከምዚ ኢሉ ብምሕታት ክመክር ይጅምር:- “ንዅላትናዶ ሓደ ኣቦ ኣይኰነን ዘሎና፧ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኰነን ዝፈጠረና፧ ስለምንታይ ደኣ ኪዳን ኣቦታትና እናርከስና ንሓድሕድና ንጣለም፧” ቀጺሉ ኣብ ቍጽሪ 11 ጥልመት ‘ንናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ነገር’ ምስ ምርካስ ማዕረ ኸም ዝርአ ገለጸ። ነቲ ጕዳይ ክሳዕ ክንድዚ ረዚን ዝገበሮ እንታይ ግዲ ገይሮም ኢዮም፧ እታ ጥቕሲ ሓደ ኻብቲ ኽፉእ ተግባራት ትገልጽ ኢያ፣ እዚ ድማ ‘ጓል ጓና ኣምላኽ ምምርዓዎም ኢዩ።’

14 ብኻልእ ኣበሃህላ: ገለ ኻብቶም ህይወቶም ንየሆዋ ዝወፈዩ እስራኤላውያን ንየሆዋ ንዘየምልኻ ኣንስቲ ተመርዕዮም ኢዮም። ኣብ ከባቢ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘሎ ሓሳባት እዚ ጕዳይ እዚ ኣዝዩ ኸቢድ ምንባሩ ንኽንግንዘብ ይሕግዘና። ኣብ ቍጽሪ 10 ንዅላቶም ሓደ ኣቦ ኸም ዘለዎም ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ያእቆብ (ድሓር እስራኤል እተባህለ) ወይ ኣብርሃም ወይ እውን ኣዳም ኣይኰነን። ሚልክያስ 1:⁠6 እቲ “ሓደ ኣቦ” ተባሂሉ ዘሎ የሆዋ ምዃኑ ትሕብረና ኢያ። ህዝቢ እስራኤል ኣቦታቶም ብዝገበርዎ ኺዳን ኣቢሎም ምስ የሆዋ ኺዳን ተኣታትዮም ነይሮም ኢዮም። ሓደ ኻብቲ ኣብቲ ኺዳን እተዋህቦም ሕጊ “ኣይትዋሰቦም፤ ጓልካ ንወዱ ኣይትሀቦ: ጓሉ ኸኣ ንወድኻ ኣይትውሰድ” ዝብል ነበረ።​—⁠ዘዳግም 7:⁠3

15. (ሀ) ገሊኣቶም ንዘይኣማኒ ንምምርዓው እንታይ ምኽኒት የቕርቡ፧ (ለ) የሆዋ ብዛዕባ መርዓ እንታይ ኢዩ ዝበለ፧

15 ሎሚውን ‘እዛ ኣነ ዘፍቅራ ጓል ተፈታዊ ባህሪ ኢዩ ዘለዋ። ምናልባት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ትቕበል ትኸውን’ ዝብል ምኽኒት ዘቕርቡ ክርስትያናት ይህልዉ ይዀኑ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ነቲ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ” ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ መጠንቀቕታ ኢዩ ዘረጋግጸልና። (ኤርምያስ 17:⁠9) ኣምላኽ ንዘይኣማኒ ምምርዓው ብኸመይ ከም ዝርእዮ ኣብ ሚልክያስ 2:⁠12 ‘እግዚኣብሄር ነቲ ኸምዚ ዝገብር ሰብ ከጥፍኦ [“ከወግዶ:” NW ] ኢዩ’ ብምባል ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ክርስትያናት “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ክምርዓዉ ለበዋ ተዋሂብዎም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:⁠39) ኣብ ክርስትና ሓደ ኣማኒ ንዘይኣማኒት እንተ ተመርዕዩ ‘ኣይውገድን’ ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ዘይኣማኒ ወይ እታ ዘይኣማኒት ብመገዶም እንተ ቐጺሎም: ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ነዚ ኣገባብ እዚ ኸጥፍኦ ኸሎ እንታይ ኢዮም ክዀኑ፧​—⁠መዝሙር 37:⁠37, 38

ንናይ መርዓ ብጻይ ምግፋዕ

16, 17. ገሊኣቶም ዝፈጸምዎ ጥልመት እንታይ ኢዩ፧

16 ሚልክያስ ቀጺሉ ኻልኣይ ጥልመት ጠቐሰ: እዚ ኸኣ ንናይ መርዓ ብጸይቲ ምግፋዕ: ብፍላይ ድማ ብዘይ​ግቡእ ምፍታሕ ኢዩ። ምዕራፍ 2 ቍጽሪ 14 “እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ብጸይትኻን ብዓልቲ ቓል ኪዳንካን ክነሳ ዝጠለምካያ ሰበይቲ ንእስነትካን ምስክር ስለ ዝዀነ እዩ” ትብል። እቶም ኣይሁዳውያን ሰብኡት ንኣንስቶም ብምጥላም: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንመሰውኢ የሆዋ ‘ብንብዓት ከዲኖምዎ’ ኢዮም። (ሚልክያስ 2:⁠13) እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ብዘይ​ሕጋዊ ምኽንያት ነንስቶም ይፈትሑ: ምናልባት ዝነኣሰት ወይ ኣረማዊት ሰበይቲ ንኽምርዓዉ ኢሎም ከኣ ሰበይቲ ንእስነቶም ይሓድጉ ነበሩ። እቶም ርኹሳት ካህናት ከኣ ነዚ ኽገብሩ ፈቐዱሎም! ሚልክያስ 2:⁠16 ግን “ምፍታሕ . . . እጸልእ አሎኹ: ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል” ኢያ ትብል። ጸኒሑ የሱስ ሓደ ሰብ ተፋቲሑ ኻልእ ክምርዖ ዝኽእል ብምኽንያት ጾታዊ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት ጥራይ ምዃኑ ገለጸ።​—⁠ማቴዎስ 19:⁠9

17 ንቓላት ሚልክያስ እሞ ኣስተንትነሉ: ብኸመይ ነልባብ ከም ዝትንክፍን መሰረታዊ ናይ ሕያውነት ስምዒት ከም ዘለዓዕልን ከኣ ርአ። “ብጸይትኻን በዓልቲ ቓል ኪዳንካን” ኢሉ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ከም ናቱ ዓይነት እምነት ዘለዋ እስራኤላዊት ሰበይቲ ብምምራጽ ንምሉእ ህይወቱ ዘፍቅራ ብጸይቲ ኽትኰኖ ኢዩ ተመርዒዋ ነይሩ። እዚ ዝዀነ ክልቲኦም ንኣሽቱ ኸለዉ እኳ እንተ ነበረ: ግዜ ምሕላፉን እቲ ደሓር ዝመጸ እርጋንን ነቲ ኣብ መርዓኦም ዝኣሰርዎ ቓል ኪዳን ንኸፍርሶ ቅቡል ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ።

18. ሚልክያስ ብዛዕባ ጥልመት ዝሃቦ ማዕዳ ነዚ ግዜና ዝምልከት ብኸመይ ኢዩ፧

18 እዚ ማዕዳ እዚ ሎሚውን ኣድላዪ ኢዩ። ገሊኣቶም ብጐይታ ጥራይ ክምርዓዉ እተዋህቦም መምርሒ ምጥሓሶም ዘሕፍር ኢዩ። ገሊኣቶም እውን ሓዳሮም ንምድልዳል ጻዕሪ ዘይገብሩ ምዃኖም ዘሕዝን ኢዩ። ብዘይ​ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ፈቲሖም ካልእ ምእንቲ ኽምርዓዉ ኢሎም ነቲ ኣምላኽ ዝጸልኦ ተግባር ምኽኒት የቕርቡ: በዚ መገዲ እዚ ኸኣ ይመላለሱ ኢዮም። በዚ ዅሉ ‘ንእግዚኣብሄር የድክምዎ።’ ብግዜ ሚልክያስ እቶም ንመለኮታዊ ምኽሪ ዘይሰምዑ የሆዋ ምኽንያታዊ ኣረኣእያ ዘይብሉ ገይሮም ብምውሳዶም ድርቅና ኣርዮም ኢዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ “ኣምላኽ ፍርዲ ኣበይ አሎ፧” ኢሎም ኢዮም። ከመይ ዝበለ ቄናን ኣተሓሳስባ ዀን ኢዩ! ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መፈንጠራ ኣይንውደቕ።​—⁠ሚልክያስ 2:⁠17

19. ሰብኡትን ኣንስትን መንፈስ ኣምላኽ ክረኽቡ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

19 ሚልክያስ ገሊኣቶም ሰብኡት ንኣንስቶም ከም ዘይጠለሙ ብምግላጽ ኣወንታዊ ጐድኒ ጠቒሱ ኣሎ። ‘ዕዙዝ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዝነበሮም’ እሙናት ሰብኡት ነይሮም ኢዮም። (ቍጽሪ 15) እቲ ዘሐጕስ ሕጂ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ‘ንኣንስቶም ዘኽብሩ’ ብዙሓት ሰብኡት ይርከብዋ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 3:⁠7) ንኣንስቶም ብኣካል ይኹን ብቓላት ኣይገፍዕወንን: ሕሱር ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ ኣይግድድወንን: ንኻልኦት ኣንስቲ ብምኵሻም ወይ ስእለ⁠-​ጽዩፍ ብምርኣይ ከኣ ኣየሕስርወንን ኢዮም። ማሕበር የሆዋ ንኣምላኽን ንስድራ​ቤተንን እሙናት ብዝዀና ብዙሓት ኣንስቲ እውን ተባሪኻ ኢያ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰብኡትን ኣንስትን ብምሉኦም ኣምላኽ እንታይ ከም ዝጸልእ ይፈልጡ ኢዮም: ሓሳቦምን ተግባራቶምን ምስዚ ኣሰማሚዖም ኢዮም ዝመላለሱ። ንስኻውን ‘ንኣምላኽ ብምእዛዝ’ ከማታቶም ኩን እሞ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ብምርካብ ክትባረኽ ኢኻ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠29

20. ንዅሎም ደቅሰብ ኣብ ቀረባ እዋን እንታይ ከጋጥሞም ኢዩ፧

20 ድሕሪ ሓጺር እዋን የሆዋ ንዅሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ኽፈርዶ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ውልቀ⁠-​ሰብ ብእምነቱን ግብሩን ተሓታቲ ኢዩ። “ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።” (ሮሜ 14:12) ስለዚ ኣብዚ ግዜ እዚ ‘በታ መዓልቲ የሆዋ ዝድሕን መን ኢዩ፧’ ዝብል ኣቓልቦ ዝስሕብ ሕቶ ይለዓል ኢዩ። እዛ ሳልሰይትን ናይ መወዳእታን ዓንቀጽ ነዚ ጕዳይ እዚ ኽትምርምሮ ኢያ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• የሆዋ ንኻህናት እስራኤል ዝወቐሶም በየናይ መሰረታዊ ምኽንያታት ኢዩ፧

• ስርዓታት ኣምላኽ ደቅሰብ ንኽሕልዉዎ ኻብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዘይኰኖም ስለምንታይ ኢዩ፧

• ሎሚ ኣብ ኣመሃህራና ኽንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• የሆዋ ብፍላይ ዝዀነኖ እንታይ ክልተ ተግባራት ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ብግዜ ሚልክያስ ዝነበሩ ኻህናት መገድታት የሆዋ ብዘይ​ምሕላዎም ተወቒሶም

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

መገድታት የሆዋ ደኣ እምበር ናይ ገዛእ ርእስና ኣረኣእያ ንኸይንምህር ክንጥንቀቕ ኣሎና

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቶም ብዘይ​ጠቅም ምኽንያት ኣንስቶም ፈቲሖም ኣረማውያን ኣንስቲ ዘእተዉ እስራኤላውያን ኰነኖም

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ንቓል ኪዳኖም ኣኽቢሮም ኢዮም ዝርእዩ