ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ናብቲ ኣብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝግበር ስነ⁠-​ስርዓት ቀብሪ ወይ መርዓ ክኸይድ ጥበባዊ ድዩ፧

ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ናይ ሓሶት ኣምልኾ ምስ እንሳተፍ ንየሆዋ ስለ ዘጕህዮ: ክንገብሮ የብልናን። (2 ቈረንቶስ 6:⁠14-17፣ ራእይ 18:⁠4) ኣብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝፍጸም ስነ⁠-​ስርዓት ቀብሪ መብዛሕትኡ ግዜ ኸም ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ከምኡውን ኵሎም ሰናይ ዝገብሩ ናብ ሰማይ ኢዮም ዝኸዱ ዝብል ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት ዘጠቓለለ ኢዩ። ምልክት ናይ መስቀል ምግባርን እቲ ቐሺ ጸሎት ክገብር ከሎ ሓቢርካ ምጽላይን ከኣ ከጠቓልል ይኽእል ኢዩ። ምስ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጻረር ጸሎትን ካልእ ተግባራትን እውን ክፍሊ ናይቲ ኣብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ወይ ኣብ ካልእ ዝግበር ሃይማኖታዊ ስነ⁠-​ስርዓት መርዓ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ክርስትያን ምስኡ ዘለዉ ሰባት ብምሉኦም ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ተግባራት ኣብ ዝካፈሉሉ ቦታ ብምኻዱ ንኽሓብሮም ዘጋጥሞ ጸቕጢ ምቅዋም የጸግሞ ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጢ ባዕልኻ ምእታውስ ክሳዕ ክንደይ ዘይጥበባዊ ዀን ኢዩ!

ሓደ ክርስትያን ናይ ግድን ናብቲ ኣብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝግበር ስነ⁠-​ስርዓት ቀብሪ ወይ መርዓ ክኸይድ እንተለዎኸ፧ ንኣብነት: ሓደ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ነታ ክርስትያን ዝዀነት በዓልቲ⁠-​ቤቱ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ምስኡ ኽትከይድ ይሓታ ይኸውን። ኣብቲ ተግባራት ከይተኻፈለት ከም ተዓዛቢት ጥራይ ኰይና ኽትከይድ ትኽእልዶ ኢያ፧ ንበዓል⁠-​ቤታ ባህ ከተብል ኢላ ምስኡ ኽትከይድ ትውስን ትኸውን: ኣብ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖታዊ ተግባራት ግን ኣይትካፈልን ኢያ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ እቲ ኣብኡ ዘጋጥማ ስምዒታዊ ጸቕጢ ኣዝዩ ኸቢድ ስለ ዝኸውን: ምናልባት እውን ኣብ ስርዓታት ኣምላኽ ከም እትለማመጥ ስለ ዝገብራ: ምኻድ ክትኣቢ ትኽእል ኢያ። ነዚ ነገር እዚ ባዕላ ኢያ እትውስኖ። ንጹህ ሕልና ብምሓዝ ውሽጣዊ ሰላም ክህልዋ ኸም እትደሊ ኣየጠራጥርን ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 1:⁠19

በዚ ይኹን በቲ ንበዓል⁠-​ቤታ ኣብ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖታዊ ተግባራት ንኽትካፈል ሕልናኣ ኸም ዘይፈቕደላ ወይ ሓቢራ ኸም ዘይትዝምር ወይ ጸሎት ክግበር ከሎ ርእሳ ኸም ዘይተድንን ኣቐዲማ እንተ ገለጸትሉ ዝሓሸ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ በዓልቲ⁠-​ቤቱ ኣብቲ ቦታ እንተ ኸይዳ: ባህ ዘየብሎ ዅነታት ክፍጠር ከም ዝኽእል ክርዳእ ይኽእል ኢዩ። ንበዓልቲ⁠-​ቤቱ ኻብ ዘለዎ ፍቕሪ: ንእምነታ ኻብ ዘለዎ ኣኽብሮት: ወይ ከይሓፍር ኢሉ በይኑ ክኸይድ ይመርጽ ይኸውን። እንተዀነ ግን ክትከይድ ግዲ እንተ በላ: ከም ተዓዛቢት ጥራይ ኰይና ኽትከይድ ትኽእል ኢያ።

ሃይማኖታዊ ኣምልኾ ናብ ዝካየደሉ ቦታ ምኻድ ንኣመንቲ ብጾት ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ እውን ክርሳዕ የብሉን። ንሕልና ገሊኣቶም ከቝስሎ ይኽእልዶ፧ ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ንኸይካፈሉ ዝገብርዎ ቃልሲ የዳኽሞዶ ይኸውን፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ: እቲ ዚሐይሽ መርምሩ’ ኢሉ መዓደ።​—⁠ፊልጲ 1:⁠10

እቲ ጕዳይ ናይ ቀረባ ዘመድ ምስ ዝኸውን ድማ: ተወሳኺ ናይ ቤተሰብ ጸቕጥታት ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ዝዀነ ዀይኑ: ሓደ ክርስትያን ንዅሉ ምስዚ ዝተኣሳሰር ነጥብታት ተጠንቂቑ ኽምርምሮ ኣለዎ። ኣብ ገሊኡ ዅነታት ኣብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣብ ዝግበር ስነ⁠-​ስርዓት ቀብሪ ወይ መርዓ ተዓዛቢ ዀይኑ ብምኻዱ ጸገም ከም ዘይብሉ ይድምድም ይኸውን። ይኹን እምበር: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ብምኻዱ ሕልንኡ ዀነ ሕልና ኻልኦት ብምጕዳእ ዘምጽኦ ሳዕቤን: ካብቲ ኣብኡ ብምኻዱ ዝረኽቦ ረብሓ ዝገድድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዝዀነ ዀይኑ: እቲ ዝገብሮ ውሳነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰባትን ሰናይ ሕልና ዓቂቡ ንኽመላለስ ዘየኽእሎ ክኸውን የብሉን።