ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቶም ቅኑዓት ንጽህናኦም ይመርሖም

ነቶም ቅኑዓት ንጽህናኦም ይመርሖም

ነቶም ቅኑዓት ንጽህናኦም ይመርሖም

 መጽሓፍ ቅዱስ “ሰብ: ውሉድ ሰበይቲ: ሓጺር ዕድመ: ጽጉብ ሓሳር እዩ” ይብል። (እዮብ 14:1) ስቓይን መከራን ክፍሊ ናብራ ወድሰብ ኢዩ ዝመስል ዘሎ። አረ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ጭንቀትን ህውከትን ዝመልኣ ኽትከውን ትኽእል ኢያ! ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈታኒ ዅነታት ዝመርሓናን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽድቃዊ ኣቕዋም ሓሊና ንኽንመላለስ ዝሕግዝናን እንታይ ኢዩ፧

ኣብነት ናይቲ ኣስታት 3,500 ዓመታት ይገብር ኣብ ምድሪ ዓረብ ዝነበረ እዮብ ዝበሃል ሃብታም ሰብኣይ እሞ ርአ። ሰይጣን ኣብዚ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ሰብኣይ: እዚ ዘይበሃል መዓት ኣውረደ። ኵለን ማሉ ጠፍኣ: እቶም ዘፍቅሮም ደቁ እውን ሞትዎ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ሰይጣን ንእዮብ ካብ ሸዀና እግሩ ሒዙ ኽሳዕ ቅርቅርቱ ብብርቱዕ ቍስለት ስጋ ወቕዖ። (እዮብ ምዕራፍ 1, 2) እዮብ እዚ ዅሉ መከራ ንምንታይ ይወርዶ ኸም ዝነበረ ኣይፈልጥን ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: “ብኸናፍሩ ኣይሐጥኤን።” (እዮብ 2:10) “ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይ​ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን” ድማ በለ። (እዮብ 27:5) እወ: ንእዮብ ንጽህናኡ ኣብ እዋን ፈተና መሪሓቶ ኢያ።

ንጽህና ብስነ⁠-​ምግባር ጥዑይ ወይ ምሉእ ምዃን ተባሂላ ኢያ እትትርጐም: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጕድለትን እንታን ዘይብሉ ምዃን ከኣ ተጠቓልል። እቶም ንስርዓታት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ከማልእዎ ዘይክእሉ ዘይፍጹማት ሰባት ኣብ ኣዘራርባኦም ኰነ ተግባራቶም ፍጹማት ክዀኑ ማለት ግን ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: ንየሆዋን ንፍቓዱን ንዕላምኡን ብምሉእ ልብኻ ውፉይ ምዃን ኢያ እተመልክት። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ነቶም ቅኑዓት ሰባት ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ይመርሖም ኢዩ። ኣብ ቀዳማይ ክፋል መበል 11 ምዕራፍ ናይታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ምሳሌ: ንጽህና ኣብ እተፈላለየ መዳያት ህይወትና ብኸመይ ከም ዝመርሓና ይገልጽ: በረኸት ከም ዘምጽእ ከኣ የረጋግጸልና። እምበኣር ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ ብሃንቀውታ ንመርምሮ።

ንጽህና ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ናብ ቅንዕና ይመርሕ

እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን ብናይ ሕጊ ቓላት ገይሩ ዘይኰነስ ገጠምቲ ብዝጥቀሙሉ ቓላት ገይሩ ንቕንዕና ዝምልከት መሰረታዊ ስርዓት ኣጕልሐ:- “ሓሳዊ ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ: ቅኑዕ ሚዛን ግና ባህ የብሎ።” (ምሳሌ 11:1) እዛ ጥቕሲ እዚኣ የሆዋ ንኣምለኽቱ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታቶም ቅኑዓት ክዀኑ ኸም ዝደልዮም ንምምልካት ተባሂሉ ሚዛን ብምጥቃስ ካብ እተጻሕፋ ኣርባዕተ ጥቕስታት እታ ናይ መጀመርታ ኢያ።​—⁠ምሳሌ 16:⁠11፣ 20:⁠10, 23

ብሓሳዊ ሚዛን ወይ ብምትላል ዝርከብ መኽሰብ ዘህርር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ግጉይ ንግዳዊ ንጥፈታት ብምክያድ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ሕማቕን ጽቡቕን ዘውጽኦ መለክዒታት ክንገድፎ ምደለናዶ፧ ብንጽህና ንምራሕ እንተደኣ ዄንና: ከምዚ ኣይንገብርን ኢና። እቲ ንቕንዕና ዘመልክት ቅኑዕ ወይ ሓቀኛ ሚዛን ንየሆዋ ስለ ዘሐጕሶ: ካብ ምትላል ንርሕቕ ኢና።

“ጥበብ . . . ምስቶም ትሑታት እያ”

ንጉስ ሰሎሞን ቀጺሉ “ትዕቢት እንተ መጸ: ውርደት ከኣ ይመጽእ: ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ” በለ። (ምሳሌ 11:2) ትዕቢት ብዅርዓት: ብዘይ​ምእዛዝ: ወይ ብቕንኢ ይገለጽ ብዘየገድስ ውርደት ኢዩ ዘምጽእ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ዓቕምና ፈሊጥና ትሕት ምስ እንብል ጥበባዊ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣብነታት ንሓቅነት ናይዛ ምሳሌ እዚኣ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ጽቡቕ ገይሩ ዘረጋግጾ!

ቆራሕ ዝበሃል ሌዋዊ ኻብ ቅንኢ እተላዕለ ኻብቶም የሆዋ ዝሸሞም ሙሴን ኣሮንን ንምዕላው ኣብ እተኻየደ ናዕቢ መራሒ ነበረ። እዚ ናይ ትዕቢት ተግባር እዚ እንታይ ኣስዓበ፧ ንገለ ኻብቶም ዓለወኛታት ‘ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ኽትውሕጦም ከላ:’ ንኻልኦት እንተላይ ንቆራሕ ከኣ ሓዊ በልዖም። (ዘሁልቍ 16:⁠1-3, 16-35፣ 26:⁠10፣ ዘዳግም 11:⁠6) ኣቤት ውርደት! ብዛዕባቲ ታቦት ኪዳን ከይወድቕ ብምባል ብድፍረት ዝሓዞ ዑዛ እውን እሞ ሕስብ ነብል። ብኡንብኡ ኢዩ ተቐዚፉ። (2 ሳሙኤል 6:⁠3-8) ትዕቢት ኸነርሕቕሲ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን ኢዩ!

ትሑትን ቦታኡ ዝፈልጥን ሰብ ግን ክጋገ ኸሎ እውን ከይተረፈ ኣይዋረድን ኢዩ። እቲ ብብዙሕ መዳይ ኣብነት ዝዀነና እዮብ ፍጹም ኣይነበረን። ዘጋጠሞ ፈተና ኣብ ኣተሓሳስባኡ ኸቢድ ጕድለት ከም ዝነበሮ ኣርእዩ ኢዩ። ከሰስቱ ንዘቕረቡሉ ኽሲ ኽጣበቕ ከሎ ሚዛኑ ኣይሓለወን። ካብ ኣምላኽ ከም ዝጸድቕ ዘምስል ዘረባ እውን ተዛሪቡ ኢዩ። (እዮብ 35:⁠2, 3) የሆዋ ንኣተሓሳስባ እዮብ ብኸመይ ኣረሞ፧

የሆዋ ንምድሪ: ባሕሪ: ከዋኽብቲ ዝመልኦ ሰማይ: ገለ እንስሳታትን ካልእ ዘደንቕ ፍጥረታትን ብምጥቃስ ወድሰብ ምስ ዕቤት ኣምላኽ ክወዳደር ከሎ ኽሳዕ ክንደይ ንእሽቶ ምዃኑ ሓደ ትምህርቲ መሃሮ። (እዮብ ምዕራፍ 38-41) የሆዋ ንእዮብ ንምንታይ ይሳቐ ኸም ዘሎ ኣይሓበሮን። ክሕብሮ እውን ኣየድለዮን። እዮብ ትሑት ኢዩ ነይሩ። ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ዓብዪ ፍልልይ ከም ዘሎ: ዘይፍጽምናኡን ድኽመቱን ምስ ጽድቅን ሓይልን የሆዋ ኽነጻጸር ከሎ ሰማይን ምድርን ምዃኑ ብትሕትና ተገንዚብዎ ኢዩ። “ንርእሰይ እፍንፍን አሎኹ: ኣብ ሓመድን ሓሙዅስትን ኰይነ ኸኣ እንሳሕ አሎኹ” ድማ በለ። (እዮብ 42:6) ንእዮብ ንጽህናኡ ተግሳጽ ብቐሊሉ ንኽቕበል ኣኽኢልዎ ኢዩ። ንሕናኸ፧ ገዛእ ርእስና ብንጽህና ብምምራሕ: ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ተግሳጽ ወይ መአረምታ ንምቕባል ድሉዋት ዲና፧

ሙሴ እውን ዓቕሙ ዝፈልጥን ትሑትን ኢዩ ነይሩ። ንጸገማት ካልኦት ክፈትሕ ክብል ንርእሱ ኣብ ዘድክመሉ ዝነበረ እዋን: የትሮ ሓሙኡ ጠቓሚ ሓሳብ ሃቦ። እዚ ድማ ገለ ኻብ ሓላፍነታቱ ንኻልኦት ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ምክፋል ኢዩ ነይሩ። ሙሴ ዓቕሙ ብምፍላጥ ነዚ ሓሳብ እዚ ተቐበሎ። (ዘጸኣት 18:⁠17-26፣ ዘሁልቍ 12:⁠3) ዓቕሙ ዝፈልጥ ሰብ ንኻልኦት ሓላፍነት ንምሃብ ኣየዕጠጥን ኢዩ፣ ብቕዓት ንዘለዎም ሰባት ዝግባእ ሓላፍነት ብምሃቡ እውን ስልጣኑ ዝጐደለ ዀይኑ ኣይስምዖን ኢዩ። (ዘሁልቍ 11:⁠16, 17, 26-29) ኣብ ክንድኡስ መንፈሳዊ ዕቤት ንኽገብሩ ተሓጒሱ ኢዩ ዝሕግዞም። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠15) ንሕናኸ ከምኡ ኽንከውንዶ ኣይግብኣናን፧

‘መገዲ ፍጹም ሰብ ቅንዕቲ ኢያ’

ሰሎሞን ንጽህና ንቕኑዕ ሰብ ወትሩ ካብ ሓደጋ ወይ ጕድኣት ከም ዘየዕቍቦ ኽገልጽ ከሎ ከምዚ በለ:- “ነቶም ቅኑዓት ንጽህናኦም ይመርሖም: ነቶም ጠለምቲ ግና ልግሞም የጥፍኦም።” (ምሳሌ 11:3) ርግጽ ኢዩ: ንጽህና ንቕኑዕ ሰብ ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብቕንዕና ንኽመላለስ ይሕግዞ: ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ በረኸት የምጽኣሉ ኢዩ። እዮብ ብንጽህና ኻብ ምምልላስ ድሕር ምባል ኣበየ: የሆዋ ድማ “ንእዮብ ካብቲ ቐዳማዩስ ነቲ ዳሕራዩ ኣብሊጹ ባረኸሉ።” (እዮብ 42:12) እቶም ጠለምቲ ንኻልእ ሰብ እናጐድኡ ዝሓሸ ዝረኽቡ ወይ ንግዚኡ ዝበልጸጉ ኽመስሉ ይኽእሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን ውዒሉ ሓዲሩ ዝፍጽምዎ ምትላል ኸጥፍኦም ኢዩ።

እቲ ጥበበኛ ንጉስ “ብመዓልቲ ቝጥዓ ሃብቲ ኣይጠቅምን: ጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ ” በለ። (ምሳሌ 11:4) ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ዘዕምቝን ተወፋይነትና ዘደልድልን ከም ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ: ጸሎት: ኣብ ኣኼባ ምክፋል: ከምኡውን ግራት ኣገልግሎት ዝኣመሰለ ንጥፈታት ገዲፍና: ደድሕሪ ስጋዊ ረብሓ ኽንጐዪስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዕሽነት ኰን ኢዩ! ብዝሒ ሃብቲ ኻብቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓብዪ መከራ ኸድሕነና ኣይክእልን ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠21) ጻድቃን ጥራይ ኢዮም ዝድሕኑ። (ራእይ 7:⁠9, 14) እምበኣር ነቲ ጸፎንያስ “እታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ከይወረደትኩም: . . . ኣቱም ፍርዱ እትገብሩ ትሑታት ምድሪ ዅላትኩም: ንእግዚኣብሄር ድለይዎ። . . . ጽድቂ ድለዩ: ትሕትና ድለዩ” ብምባል እተዛረቦ ምሕጽንታ ኣብ ልብና ምስ እነሕድሮ ጥበባዊ ኢዩ። (ጸፎንያስ 2:2, 3) ክሳዕ ሽዑ ግን ‘ብጥሪትና ንእግዚኣብሄር ምኽባር’ ሸቶና ንግበሮ።​—⁠ምሳሌ 3:⁠9

ሰሎሞን ጽድቂ ምስዓብ ዘምጽኦ ተወሳኺ ረብሓ ኸጕልሕ ኸሎ: ንፍጹምን ንረሲእን ዝስዕቦም ነገራት ገሊጹ ኣሎ:- “ንፍጹም ሰብ እቲ ጽድቁ መገዱ የቕንዓሉ: ንረሲእ ግና ረሲእነቱ የውድቖ። ነቶም ቅኑዓት ጽድቆም የናግፎም: ነቶም ጠለምቲ ግና ክፍኣቶም ይሕዞም። ረሲእ እንተ ሞተ: ተስፋኡ ይጠፍእ: ትጽቢት ክፉኣትውን ይጠፍእ። ጻድቕ ካብ ጸበባ ይድሕን: ረሲእ ድማ ኣብ ክንዳኡ ይኸውን።” (ምሳሌ 11:5-8) ፍጹም ሰብ ብመገዱ ኣይወድቕን: ብተግባራቱ እውን ኣይሕንኰልን። መገዱ ቕኑዕ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ቅኑዕ ሰብ ካብ ጸበባ ይድሕን። እኩይ ሰብ ሓያል ክመስል ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ድሕነት ግን ኣይረክብን።

“ከተማ ትሕጐስ”

ንጽህና ናይቶም ቅኑዓትን እከይ ናይቶም ረሲኣንን ኣብ ካልኦት ሰባት ጽልዋ ኣለዎ። እቲ ንጉስ እስራኤል “እቲ ግቡዝ ንብጻዩ ብኣፉ የጥፍኦ: ጻድቃን ግና ሳላ ፍልጠት ይናገፉ” በለ። (ምሳሌ 11:9) ጸለመ: ሕሜት: ብዕሉግ ቃላት: ከምኡውን ሃበስ ቀደስ ንኻልኦት ኣይጐድእን ኢዩ ዝብል መን ኣሎ፧ ዘረባ ጻድቕ ግን ንጹህን ብጥንቃቐ እተሓስበሉን ሓልዮት ዘለዎን ኢዩ። ብንጽህናኡ ኣቢሉ ኸሰስቱ ሓሰውቲ ምዃኖም ንምርግጋጽ ዘድሊ መርትዖ ብምቕራብ: ሳላ ፍልጠት ይናገፍ ኢዩ።

እቲ ንጉስ ቀጺሉ “ጻድቃን ጽቡቕ እንተ ረኸቡ: ከተማ ትሕጐስ: ረሲኣን እንተ ጠፍኡ ኸኣ እልልታ ይኸውን ” በለ። (ምሳሌ 11:10) ብሓፈሻ ኽርአ ኸሎ ጻድቃን ተፈተውቲ ኢዮም: ንጐረባብቶም ከኣ የሐጕስዎምን ባህ የብልዎምን ኢዮም። ‘ንረሲኣን’ ዝፈቱ ግን ዋላ ሓደ የለን። ረሲኣን ምስ ዝሞቱ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣይሕዘነሎምን ኢዩ። የሆዋ ‘ንረሲኣን ካብ ምድሪ ኸጽንቶም: ነቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኽምንቍሶም ከሎ’ ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘይጕሂ እተረጋገጸ ኢዩ። (ምሳሌ 2:⁠21, 22) ኣብ ክንድኡስ: ብምጥፍኦም ሓጐስ ኢዩ ዝኸውን። ንሕናኸ ከመይ ኢና፧ ኣካይዳና ንኻልኦት ዘሐጕስ እንተ ዀይኑ ምስ እንምርምር ሰናይ ኢዩ።

“ከተማ . . . ልዕል ትብል”

ሰሎሞን ነቲ ቅኑዕን ረሲእን ኣብ ማሕበረሰብ ዘለዎም ተወሳኺ ጽልዋ ኸነጻጽሮ ኸሎ “ከተማ ሳላ በረኸት ቅኑዓት ልዕል ትብል: ብኣፍ ረሲኣን ግና ትግልበጥ” በለ።​—⁠ምሳሌ 11:11

ቅኑዕ መገዲ ዝስዕቡ ኣብ ሓደ ኸባቢ ዝነበሩ ሰባት ሰላምን ድሕንነትን የስፍኑ: ኣብቲ ማሕበረሰብ ንዝርከቡ ኻልኦት ከኣ ይሃንጹ። በዚ ኸምዚ: ከተማ ልዕል ትብል ወይ ትብልጽግ። እቶም ዘካፍእን ዝጐድእን ዘይጥዑይን ዘረባ ዝነዝሑ ግን ዘይምርግጋእ: ጓሂ: ምብትታን: ከምኡውን ጸገም ኢዮም ዘስዕቡ። እዞም ውልቀ⁠-​ሰባት እዚኣቶም ብሕልፊ ሓላፍነት እንተ ሃልይዎም እዚ ጐሊሑ ኢዩ ዝርአ። ከምዚኣ ዝኣመሰለት ከተማ ስርዓተ⁠-​ኣልቦነት: ብልሽውና: ስነ⁠-​ምግባራዊ ምናልባትውን ቍጠባዊ ውድቀት የጋጥማ ኢዩ።

ኣብ ምሳሌ 11:⁠11 ተጠቒሱ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት: ህዝቢ የሆዋ ኣብቲ ብኸተማ ዝምሰል ጉባኤታቶም ንሓድሕዶም ኣብ ዝገብርዎ ርክብ እውን ብማዕረ ይዓዪ ኢዩ። መንፈሳውያን ሰባት​—⁠ብንጽህና ዝምርሑ ቅኑዓት ሰባት​—⁠ጽልዋ ዝገብሩላ ጉባኤ ንየሆዋ ኽብሪ ዘምጽኡ ሕጉሳትን ንጡፋትን ንሰባት ዝሕግዙን ኣባላት ይህልዉዋ። የሆዋ ነታ ጉባኤ ይባርኻ: ንሳ ድማ ብመንፈስ ትብልጽግ። ሳሕቲ: ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ዀረይቲ: ዕግበት ዘይብሎም: ጕድለት ዝኣርዩ: ከምኡውን ንዅሉ ዝግበር ነገራት ዝነቕፉ ሰባት: ከምቲ እናለሓመ ብምኻድ ነቲ ጥዑይ ዘርክስ “መሪር ሱር” ኢዮም። (እብራውያን 12:⁠15) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ዝያዳ ስልጣንን ቦታን ኢዮም ዝደልዩ። ምጕዳል ፍትሒ: ዓሌታዊ ኣፈላላይ: ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ኣብ ጉባኤታት ወይ ኣብ ሽማግለታት ከም ዘሎ ቤላቤለው ይነዝሑ። ኣፎም ኣብ ጉባኤ ምፍልላይ ክፈጥር ከም ዝኽእል እተረጋገጸ ኢዩ። ንዘረባኦም ጸማም እዝኒ ብምሃብ ንሰላምን ሓድነትን ናይ ጉባኤና እጃምና እነበርክት መንፈሳውያን ሰባት ንምዃን ክንጽዕርዶ ኣይግብኣናን፧

ቀጺሉ ሰሎሞን ከምዚ በለ:- “እቲ ንብጻዩ ዚንዕቕ ኣእምሮ የብሉን: ለባም ግና ስቕ ይብል። እናሐመየ ዚዘውርሲ ምስጢር ይቐልዕ: እቲ እሙን ልቢ ዘለዎ ግና ንነገር ይስውሮ።”​—⁠ምሳሌ 11:12, 13

ምስትውዓል ዝጐደሎ ወይ ‘ኣእምሮ ዘይብሉ’ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ጕድኣት ኰን ኢዩ ዘስዕብ! ኣብ ኣፉ ዝመጸሉ ኢዩ ዝዛረብ: ንኻልኦት ካብ ምክፋእ ወይ ምጽራፍ እውን ድሕር ኣይብልን ኢዩ። እቶም እተሸሙ ሽማግለታት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ጽልዋ ቐልጢፎም ከም ዘቋርጽ ክገብርዎ ኣለዎም። ለባም ሰብ ግን ከምቲ ‘ኣእምሮ ዘይብሉ’ ዘይኰነስ መዓስ ስቕ ክብል ከም ዘለዎ ይፈልጥ ኢዩ። ምስጢር ኣብ ክንዲ ዝቐልዕ: ነቲ ጕዳይ ይስውሮ። ልሳን ቀይዲ እንተ ዘይተገይሩላ ብዙሕ ጕድኣት ከተምጽእ ከም እትኽእል ስለ ዝፈልጥ “እሙን ልቢ” ኣለዎ። ንኣመንቲ ብጾቱ እሙን ኢዩ: ክጐድኦም ዝኽእል ምስጢራዊ ጕዳያቶም እውን ኣይቀልዕን ኢዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሓለውቲ ንጽህና ንጉባኤ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም በረኸት ዝዀኑ!

የሆዋ ብመገዲ ፍጹማት ምእንቲ ኽንመላለስ ኢሉ: በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ኣኽል⁠-​ታርፍ መንፈሳዊ መግቢ ይህበና ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠45) ኣብተን ከም ከተማ ዝምሰላ ጉባኤታትና እውን በቶም ክርስትያን ሽማግለታት ኣቢልና በብውልቂ ብዙሕ ሓገዝ ንረክብ ኢና። (ኤፌሶን 4:⁠11-13) ብርግጽ ነዚ ነማስወሉ ኢና: ከመይሲ “ጥበበኛ ምምራሕ ኣብ ዜብሉስ: ህዝቢ ይወድቕ: ብምብዛሕ መኸርቲ ግና ደሓን ይርከብ” ኢዩ። (ምሳሌ 11:14) እምበኣር ዝመጸ ይምጻእ ‘ብንጽህና ንምምልላስ’ ቈራጽነት ንግበር።​—⁠መዝሙር 26:⁠1

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ገዲፍና ደድሕሪ ስጋዊ ረብሓታት ክንጐዪስ ከመይ ዝበለ ዕሽነት ኰን ኢዩ!

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

እዮብ ብንጽህናኡ ይምራሕ ነበረ: የሆዋ ኸኣ ባረኾ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ዑዛ ብሰንኪ ድርቅናኡ ተቐዝፈ