ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቶም ጽጉማት ፍቕራዊ ሕያውነት ኣርእዮም

ነቶም ጽጉማት ፍቕራዊ ሕያውነት ኣርእዮም

ነቶም ጽጉማት ፍቕራዊ ሕያውነት ኣርእዮም

“ንሓድሕድኩም ድማ ሰናይን ምሕረትን [“ፍቕራዊ ሕያውነትን: ” NW ] ግበሩ።”​—⁠ዘካርያስ 7:9

1, 2. (ሀ) ፍቕራዊ ሕያውነት ከነርኢ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ከመይ ዝበሉ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

 ቃል የሆዋ ኣምላኽ ‘ምሕረት [“ፍቕራዊ ሕያውነት:” NW እግረ ጽሑፍ]’ ክንፈቱ ይምዕደና ኢዩ። (ሚክያስ 6:⁠8) ክንፈትወሉ ዘሎና ምኽንያት እውን ይነግረና ኢዩ። ሓደ ኻብቲ ምኽንያት “ርሕሩሕ [“ፍቕራዊ ሕያውነት ዘለዎ:” NW ] ሰብ ንነፍሱ ጽቡቕ ይገብረላ” ይብለና። (ምሳሌ 11:17) እዝስ ኣየ ኽንደይ ሓቂ ዀን ኢዩ! ፍቕራዊ ሕያውነት: ወይ እሙን ፍቕሪ ምርኣይ ምስ ካልኦት ምዉቕን ናይ ማሕርሮን ርክብ ከም ዝህልወና ኢዩ ዝገብር። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እሙናት ኣዕሩኽ ይህልዉና። እዚ ኸኣ ብሓቂ ኣዝዩ ክቡር ዓስቢ ኢዩ!​—⁠ምሳሌ 18:⁠24

2 ብተወሳኺ: ቅዱሳት ጽሑፋት “እቲ ንጽድቅን በጕነትን [“ፍቕራዊ ሕያውነትን:” NW ] ዚስዕበን: ህይወት . . . ይረክብ” ይብለና። (ምሳሌ 21:21) እወ: ንፍቕራዊ ሕያውነት ምስዓብና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተፈተውቲ ይገብረና: ንዝመጽእ ኸኣ ዘለኣለማዊ ህይወት ሓዊስካ እተፈላለየ በረኸታት ንኽንረክብ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና ኢዩ። ፍቕራዊ ሕያውነት ከነርኢ እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧ ንመንከ ኢና ከነርእዮም ዘሎና፧ ፍቕራዊ ሕያውነትከ ካብ ሰብኣዊ ሕያውነት ወይ ካብ ሕያውነት ብሓፈሻ ዝፍለ ብኸመይ ኢዩ፧

ሰብኣዊ ሕያውነትን ፍቕራዊ ሕያውነትን

3. ፍቕራዊ ሕያውነት ካብ ሰብኣዊ ሕያውነት ዝፍለ ብኸመይ ኢዩ፧

3 ተራ ሰብኣዊ ሕያውነትን ፍቕራዊ ሕያውነትን ብብዙሕ መገድታት እተፈላለየ ኢዩ። ንኣብነት: እቶም ሰብኣዊ ሕያውነት ዘርእዩ ዝበዝሕ ግዜ ነቶም ብዙሕ ዘይፈልጥዎም ወይ ናይ ማሕርሮ ርክብ ዘይብሎም ሰባት ኢዮም ዘርእይዎ። ይኹን እምበር: ንሓደ ሰብ ፍቕራዊ ሕያውነት እንተደኣ ኣርኢናዮ: ብፍቕራዊ መገዲ ምስቲ ሰብ ንቀራረብ ኢና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ እንረኽቦ: ኣብ መንጎ ሰባት ዝግበር መግለጺ ፍቕራዊ ሕያውነት ኣብቲ ድሮ ዝጸንሐ ርክብ ኢዩ ዝምስረት። (ዘፍጥረት 20:⁠13፣ 2 ሳሙኤል 3:⁠8፣ 16:⁠17) ወይ ከኣ ኣቐዲሙ ብእተገብረ ሕያውነት ኣብ እተፈጥረ ርክብ እተመስረተ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (እያሱ 2:⁠1, 12⁠-​14፣ 1 ሳሙኤል 15:⁠6፣ 2 ሳሙኤል 10:⁠1, 2) ነዚ ፍልልይ እዚ ብመረዳእታ ንምግላጹ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰባት እተራእየ ሰብኣዊ ሕያውነትን ፍቕራዊ ሕያውነትን ዝገልጽ ኽልተ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ነረኣእዮ።

4, 5. እቲ ኣብዚ እተጠቕሰ ኽልተ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኣዊ ሕያውነትን ፍቕራዊ ሕያውነትን ዘሎ ፍልልይ ዘነጽሮ ብኸመይ ኢዩ፧

4 ሓደ ኣብነት ናይ ሰብኣዊ ሕያውነት ንሃዋርያ ጳውሎስ ሓዊስካ ነቶም መርከብ እተሰብረቶም ሰባት እተገብረ ሕያውነት ኢዩ። ካብቲ ማዕበል ድሒኖም ኣብ ደሴት መሊጠ ኢዮም ዓሪፎም። (ግብሪ ሃዋርያት 27:⁠37-​28:⁠1) እቶም ሰብ መሊጠ ምስቶም ካብ መርከብ ድሒኖም ዝወጹ ገየሽቲ ኣቐዲሞም ዝገበርዎ ኺዳን ኰነ ርክብ ዘይነበሮም ክነሱ ‘ኣዝዮም ብምድንጋጽ [“ብሰብኣዊ ሕያውነት:” NW ]’ ተቐቢሎም ኣአንገድዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 28:⁠2, 7) እቲ ዝገበርዎ እንግዶት ናይ ሕያውነት እኳ እንተዀነ: በጋጣሚ ንዘይፈልጥዎም ሰባት እተገብረ ኢዩ። ስለዚ: እቲ ተግባር ሰብኣዊ ሕያውነት ኢዩ ነይሩ።

5 ምስዚ ብምንጽጻር ነቲ ንጉስ ዳዊት ንመፊቦሸት ወዲ ዓርኩ ዮናታን ዝገበረሉ እንግዶት ንርአ። ዳዊት ንመፊቦሸት “ንሓዋሩ ኣብ መኣደይ እንጌራ ኽትበልዕ ኢኻ” በሎ። ነዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ ኸኣ “ምእንቲ ኣቦኻ ዮናታን ኢለ ርግጽ ምሕረት [“ፍቕራዊ ሕያውነት:” NW ] ክገብረልካ እየ” በሎ። (2 ሳሙኤል 9:6, 7, 13) እቲ ዳዊት ዝገበሮ ቐጻሊ እንግዶት: ነቲ ድሮ እተመስረተ ርክብ ዝነበሮ ተኣማንነት ዘረጋግጽ ብምዃኑ: ሰብኣዊ ሕያውነት ጥራይ ዘይኰነስ ፍቕራዊ ሕያውነት ተባሂሉ ኣሎ። (1 ሳሙኤል 18:⁠3፣ 20:⁠15, 42) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ብሓፈሻ ሰብኣዊ ሕያውነት የርእይዎም ኢዮም። እንተዀነ ግን: ነቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ዝቐርብዎም ሰባት ግን ቐጻሊ ፍቕራዊ ሕያውነት ወይ እሙን ፍቕሪ የርእይዎም ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 5:⁠45፣ ገላትያ 6:⁠10

6. ኣብ ቃል ኣምላኽ ካብ እተጠቕሰ ደቅሰብ ዘርኣይዎ ፍቕራዊ ሕያውነት እንታይ ነጥብታት ኢዩ ጐሊሑ ዘሎ፧

6 ገለ ናይ ፍቕራዊ ሕያውነት ተወሳኺ መግለጺታት ንምፍላጥ ነዛ ባህሪ እዚኣ ዘጕልሕ ሰለስተ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት ኣሕጽር ኣቢልና ክንርኢ ኢና። ካብዚ ጸብጻባት እዚ ድማ ደቅሰብ ዘርእይዎ ፍቕራዊ ሕያውነት (1) ብግብሪ ኸም ዝርአ (2) ብፍታው ከም ዝግለጽ (3) ብፍላይ ነቶም ጽጉማት ከም ዝግበር ከነስተብህል ኢና። ብዘይ​ዚ እውን እዚ ጸብጻባት እዚ ሎሚ ብኸመይ ፍቕራዊ ሕያውነት ከም እነርኢ ዘብርህ ኢዩ።

ሓደ ኣቦ ፍቕራዊ ሕያውነት ኣርኣየ

7. ግዙእ ኣብርሃም ንቤቱኤልን ንላባንን እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝነገሮም: እንታይ ዘተሓሳስብ ርእይቶኸ ኣቕረበ፧

7 ዘፍጥረት 24:⁠28-67 ነቲ ዝተረፈ ጸብጻብ ናይቲ ኣብ ዘሓለፈት ዓንቀጽ እተገልጸ ዛንታ ግዙእ ኣብርሃም ትገልጸልና። ንርብቃ ምስ ረኸባ ኣብ ቤት ኣቦኣ ቤቱኤል ንኽኣቱ ተዓደመ። (ቍጽሪ 28-32) ነቲ ንሰበይቲ ወዲ ኣብርሃም ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኸኣ ኣዘንተወሎም። (ቍጽሪ 33⁠-​47) ነቲ ድሮ ዝረኸቦ ኣሳልጦ: ካብ የሆዋ እተዋህቦ ምልክት ገይሩ ብምጥቃስ “ጓል ሓው ጐይታይ ንወዱ ኽወስድ ቅንዕቲ መገዲ ዝመርሓኒ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም [ኢዩ]” በለ። (ቍጽሪ 48) ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ነገራት ብቕንዕና ዘርዚሩ ምግላጹ ንቤቱኤልን ንወዱ ላባንን የሆዋ ከም ዝለኣኾ ንኸእምኖም ኢሉ ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ግዙእ “ንጐይታይ ሞገስን [“ፍቕራዊ ሕያውነትን:” NW ] እምነትን ትገብሩሉ እንተ ዄንኩም: ንገሩኒ። እንተ ዘይኰነ ድማ: ንየማን ወይስ ንጸጋም ክምለስ: ንገሩኒ” በሎም።​—⁠ቍጽሪ 49

8. ቤቱኤል ነቲ ዘጋጠሞ ንርብቃ ዝምልከት ነገራት ብኸመይ መለሰሉ፧

8 የሆዋ ንኣብርሃም ዛጊት ፍቕራዊ ሕያውነቱ ኣርእይዎ ነይሩ ኢዩ። (ዘፍጥረት 24:⁠12, 14, 27) ቤቱኤልከ ንርብቃ ምስ ግዙእ ኣብርሃም ክትከይድ ብምፍቃድ ከምኡ ንኽትገብር የፍቅደላ ደዀን ይኸውን፧ ነቲ ኣምላኽ ዘርኣዮ ፍቕራዊ ሕያውነት ሰብኣዊ ፍቕራዊ ሕያውነት ይውሰኾ ደዀን ይኸውን፧ ወይስ እቲ ነዊሕ መገሻ ናይቲ ግዙእ ከንቱ ዀይኑ ኽተርፍ ኢዩ፧ ላባንን ቤቱኤልን “እዚ ነገር እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወጸ እዩ” ምስ በልዎ ግዙእ ኣብርሃም ኣዝዩ ተሓጒሱ ክኸውን ኣለዎ። (ቍጽሪ 50) ኣብቲ ጕዳይ ኢድ የሆዋ ምህላዉ ስለ እተገንዘቡ ንውሳኔኡ ውዓል ሕደር ከይበሉ ተቐበልዎ። ቤቱኤል ቀጺሉ “እንሃ: ርብቃ ኣብ ቅድሜኻ አላ: ውሰዳ እሞ ኺድ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ: ሰበይቲ ወዲ ጐይታኻ ትኹን” ብምባል ፍቕራዊ ሕያውነቱ ገለጸ። (ቍጽሪ 51) ርብቃ ብፍታው ምስ ግዙእ ኣብርሃም ከደት: ፍቕርቲ ሰበይቲ ይስሃቅ ድማ ዀነት።​—⁠ቍጽሪ 49, 52-58, 67

ውሉድ ዘርኣዮ ፍቕራዊ ሕያውነት

9, 10. (ሀ) ያእቆብ ንወዱ ዮሴፍ እንታይ ክገብረሉ ኢዩ ዝሓተቶ፧ (ለ) ዮሴፍ ንኣቦኡ ብኸመይ ኢዩ ፍቕራዊ ሕያውነት ዝገበረሉ፧

9 ያእቆብ: ወዲ ወዱ ንኣብርሃም: እውን ፍቕራዊ ሕያውነት ተገይሩሉ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 47 ተገሊጹ ዘሎ: ኣብቲ ግዜ እቲ ያእቆብ ኣብ ግብጺ ኢዩ ዝነብር ነይሩ: ‘ዝሞታላ መዓልቲ ኸኣ ቐሪባ’ ነበረት። (ቍጽሪ 27-29) ካብታ ኣምላኽ ንኣብርሃም እተመባጽዓሉ ምድሪ ወጻኢ ስለ ዝመውት ተሻቐለ። (ዘፍጥረት 15:⁠18፣ 35:⁠10, 12፣ 49:⁠29-32) ያእቆብ ኣብ ግብጺ ክቕበር ስለ ዘይደለየ: ምስ ሞተ ሬስኡ ናብ ሃገር ግብጺ ኽውሰድ ምድላዋት ገበረ። ድሌቱ ከም ዝፍጸም ክገብረሉ ዝኽእል: ካብቲ ተሰማዕነት ዝነበሮ ወዱ ሓሊፉ እሞ መን ኢዩ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል፧

10 እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “[ያእቆብ] ንዮሴፍ ወዱ ጸዊዑ . . . ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ: . . . ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸይትቐብረኒ: በጃኻ ምሕረትን [“ፍቕራዊ ሕያውነትን:” NW ] እምነትን ግበረለይ። ምስ ኣቦታተይ ምስ ዝድቅስ ግና: ካብ ግብጺ ተሰኪምካ ኣብ መቓብሮም ቅበረኒ።” (ዘፍጥረት 47:⁠29, 30) ዮሴፍ ድሌት ኣቦኡ ኽፍጽም ምዃኑ ቓል ምስ ኣተወ ነዊሕ ከይጸንሐ ያእቆብ ሞተ። ዮሴፍን እቶም ካልኦት ደቂ ያእቆብን ንሬሳ ኣቦኦም ጸይሮም ‘ናብ ምድሪ ኸነኣን ወሰድዎ: ኣብታ ኣብርሃም ምስታ ግራታ እተሻየጣ በዓቲ ግራት ማክጴላ ኸኣ ቀበርዎ።’ (ዘፍጥረት 50:5-8, 12-14) ዮሴፍ በዚ ኸምዚ ንኣቦኡ ፍቕራዊ ሕያውነት ገበረሉ።

ሰበይቲ ወዲ ዘርኣየቶ ፍቕራዊ ሕያውነት

11, 12. (ሀ) ሩት ንናእሚ ፍቕራዊ ሕያውነት ዘርኣየታ ብኸመይ ኢያ፧ (ለ) እቲ ሩት ዘርኣየቶ ፍቕራዊ ሕያውነት “ካብቲ ቐዳማይ እቲ ዳሕራይ” ዝበልጽ ብኸመይ ኢዩ፧

11 መጽሓፍ ሩት: እታ መበለት ዝነበረት ናእሚ ካብታ መበለት ዝነበረት ሰበይቲ ወዳ ብኸመይ ፍቕራዊ ሕያውነት ከም ዝረኸበት ተዘንትወልና። ናእሚ ናብ ቤት⁠-​ልሄም ናይ ይሁዳ ኽትምለስ ምስ ወሰነት: ሩት “ናብ እትኸድዮ እኸይድ ኣብ እትሐድርዮ ኸኣ እሐድር: ህዝብኺ ህዝበይ: ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ” ብምባል ፍቕራዊ ሕያውነታን ቈራጽነታን ኣርኣየት። (ሩት 1:⁠16) ዳሕራይ ሩት ንቦኣዝ: ነቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ዘመድ ናእሚ: ክትምርዓዎ ፍቓደኛ ብምዃና ፍቕራዊ ሕያውነታ ገለጸት። a (ዘዳግም 25:⁠5, 6፣ ሩት 3:⁠6-9) ቦኣዝ ንሩት “ደድሕሪ መንእሰይ ስለ ዘይሰዐብኪ: ካብቲ ቐዳማይ እቲ ዳሕራይ ዚበልጽ ለውሃት [“ፍቕራዊ ሕያውነት:” NW ] ጌርኪ ኢኺ እሞ: እግዚኣብሄር ይባርኽኪ” በላ።​—⁠ሩት 3:⁠10

12 እቲ ሩት ዘርኣየቶ “ቐዳማይ” ፍቕራዊ ሕያውነት: ንህዝባ ገዲፋ ምስ ናእሚ እተጸግዓትሉ እዋን ኢዩ ዘመልክት። (ሩት 1:⁠14፣ 2:⁠11) ይኹን እምበር እቲ “ዳሕራይ” ንቦኣዝ ክትምርዓዎ ፍቓደኛ ብምዃን ዘርኣየቶ ፍቕራዊ ሕያውነት እውን ካብዚ ተግባር እዚ ዝበልጽ ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ሩት ነታ ቘልዓ ንምውላድ ዕድሚኣ ዝሓለፈ ናእሚ ወራሲ ኽትወልደላ ትኽእል ኢያ። መርዓ ተፈጸመ: ሩት ውሉድ ምስ ወለደት ከኣ ኣንስቲ የሩሳሌም “ንናእሚ ወዲ ተወሊዱላ” በላ። (ሩት 4:⁠14, 17) ሩት ብሓቂ “ደጊ ሰበይቲ” ስለ ዝነበረት: የሆዋ እናሓጐ የሱስ ክርስቶስ ናይ ምዃን ዘደንቕ መሰል ብምሃብ ባሪኽዋ ኢዩ።​—⁠ሩት 2:12፣ 3:11፣ 4:18-22፣ ማቴዎስ 1:⁠1, 5, 6

ብግብሪ ይርአ

13. ቤቱኤል: ዮሴፍ: ሩት ፍቕራዊ ሕያውነቶም ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧

13 ቤቱኤል: ዮሴፍ: ሩት ፍቕራዊ ሕያውነቶም ብኸመይ ከም ዘርኣይዎ ኣስተብሂልካዶ፧ ብናይ ሕያውነት ቃላት ጥራይ ዘይኰነስ እንተላይ ብግብሪ ኢዮም ኣርእዮምዎ። ቤቱኤል “እንሃ: ርብቃ” ምባል ጥራይ ዘይኰነስ ‘ንርብቃ ትኺድ ሓዲግዋ’ ኢዩ። (ዘፍጥረት 24:51, 59) ዮሴፍ “ኣነ ኸም ዘረባኻ እገብር” ምባል ጥራይ ዘይኰነስ ንሱን ኣሕዋቱን ንኣቦኦም ልክዕ “ከምቲ ዝአዘዞም ገበሩሉ።” (ዘፍጥረት 47:30፣ 50:12, 13) ሩት “ናብ እትኸድዮ እኸይድ” ምባል ጥራይ ዘይኰነስ ንህዝባ ገዲፋ ንናእሚ ኣሰንያታ ኢያ: “ናብ ቤት⁠-​ልሄም ክሳዕ ዚበጽሓ ኸኣ ክልቲኤን ከዳ።” (ሩት 1:16, 19) ሩት ኣብ ይሁዳ እውን “ከምቲ ሓማታ ዝአዘዘታ ዅሉ ገበረት።” (ሩት 3:6) እወ: ሩት ንፍቕራዊ ሕያውነታ ልክዕ ከምቲ ካልኦት ዝገበርዎ ብግብሪ ኣርእያቶ ኢያ።

14. (ሀ) ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንፍቕራዊ ሕያውነቶም ብግብሪ ዘርእይዎ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ኣብ ከባቢኻ ኣብ ክርስትያናት ዝርአ እትፈልጦ ናይ ፍቕራዊ ሕያውነት ተግባር እንታይ ኢዩ፧

14 ሎሚ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንፍቕራዊ ሕያውነቶም ብግብሪ ኸርእይዎ ኽትዕዘብ ኸሎኻ ልቢ ዝትንክፍ ኢዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ እቶም ንዝሰንከሉ: መንፈስ ጭንቀት ንዘለዎም: ብሓዘን ንእተዋሕጡ ኣመንቲ ብጾቶም ስምዒታዊ ደገፍ ብምሃብ ዘጸናንዑ ኣሕዋት እሞ ሕሰብ። (ምሳሌ 12:⁠25) ወይ ከኣ ብዛዕባ እቶም ኣረጋውያን ሰሙናዊ ኣኼባታት ንኽካፈሉ ኢሎም ብተኣማንነት ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ብማኪና ዘብጽሕዎም ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕሰብ። ሕማም ኣርትራይትስ ዘለዋ ጓል 82 ዓመት ኣና ከምዚ ብምባል ናይ ብዙሓት ሰባት ስምዒት ገለጸት:- “ናብ ኵሉ ኣኼባታት ብማኪና ኸብጽሑኻ: ካብ የሆዋ ዝመጸ በረኸት ኢዩ። የሆዋ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ፈቃራት ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ ዝሃበኒ ካብ መዓሙቕ ልበይ አመስግኖ።” ኣብ ጉባኤኻ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ትካፈል ዲኻ፧ (1 ዮሃንስ 3:⁠17, 18) ትካፈል እንተደኣ ዄንካ ፍቕራዊ ሕያውነትካ ኣዝዩ ዝምስገን ምዃኑ ኸነረጋግጸልካ ንፈቱ።

ብፍታው ይግበር

15. ከመይ ዝበለ ካልእ ናይ ፍቕራዊ ሕያውነት መግለጺ ኢዩ በቶም ኣቐዲምና ዝረአናዮም ሰለስተ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት ዝጐልሐ፧

15 እቲ ዝረአናዮ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት: ፍቕራዊ ሕያውነት ብግዴታ ዘይኰነስ ብኸምኡን ብፍታውን ከም ዝግበር የርኢ። ቤቱኤል ምስ ግዙእ ኣብርሃም ብፍታው ተሓባቢሩ ኢዩ: ርብቃ እውን ከምኡ። (ዘፍጥረት 24:⁠51, 58) ዮሴፍ ፍቕራዊ ሕያውነት ዘርኣየ ብናይ ካልኦት ሰባት ድፍኢት ኣይኰነን። (ዘፍጥረት 50:⁠4, 5) ሩት ‘ምስ ናእሚ ንምኻድ ቈሪጻ ነበረት።’ (ሩት 1:⁠18) ናእሚ ንሩት ናብ ቦኣዝ ኽትከይድ ርእይቶ ምስ ኣቕረበትላ: እታ ሞኣባዊት ዝነበረት ሩት “ዝበልክኒ ዅሉ ኽገብር እየ” ክትብል ዝደረኻ ፍቕራዊ ሕያውነት ኢዩ።​—⁠ሩት 3:1-5

16, 17. ናይ ቤቱኤል: ዮሴፍ: ሩት ፍቕራዊ ሕያውነት ብፍላይ ትርጕም ዘለዎ ከም ዝኸውን ዝገበሮ እንታይ ኢዩ: ነዛ ባህሪ እዚኣ ንምንጽብራቕ ዝደረኾምከ እንታይ ኢዩ፧

16 ቤቱኤል: ዮሴፍ: ሩት ዘርኣይዎ ፍቕራዊ ሕያውነት ፍሉይ ኣገዳስነት ነይርዎ ኢዩ። ከመይሲ ኣብርሃም: ያእቆብ: ናእሚ ጽልዋ ክገብሩ ኣብ ዝኽእሉሉ ዅነታት ኣይኰኑን ነይሮም። ቤቱኤል ንጓሉ ኽሰዳ ግዴታ ኣይነበሮን። ንግዙእ ኣብርሃም ‘ኣይከውንን ኢዩ: እዛ ህርኵትቲ ጓለይ ምሳይ ክትከውን ኢየ ዝደሊ’ ክብሎ ምኸኣለ ነይሩ። (ዘፍጥረት 24:⁠18-20) ዮሴፍ እውን ብተመሳሳሊ ድሌት ኣቦኡ ኽፍጽም ወይ ከይፍጽም ኣብ ገዛእ ርእሱ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ ያእቆብ ስለ ዝመውት ቓሉ ንኸኽብር ከገድዶ ኣይምኸኣለን። ሩት ዘገድዳ ነገር ስለ ዘይነበራ ኣብ ሞኣብ ክትተርፍ ከም እትኽእል ናእሚ ሓቢራታ ነይራ ኢያ። (ሩት 1:⁠8) ብዘይ​ዚውን ሩት ኣብ ክንዲ ንቦኣዝ ንሓደ “መንእሰይ” ክትምርዖ ናጻ ነበረት።

17 ቤቱኤል: ዮሴፍ: ሩት ካብ ልቦም ስለ እተለዓዓሉ ብፍታው ፍቕራዊ ሕያውነት ኣርእዮም ኢዮም። ልክዕ ከምቲ ንጉስ ዳዊት ንመፊቦሸት ፍቕራዊ ሕያውነት ከርእዮ እተደረኸ: እዚኣቶም እውን ነቶም ዝቐርብዎም ሰባት ነዚ ባህሪ እዚ ኸንጸባርቑሎም ሓላፍነት ተሰሚዕዎም ኢዩ።

18. (ሀ) ክርስትያን ሽማግለታት ን“መጓሰ ኣምላኽ” ዝጓስይዎ እንታይ ኣመለኻኽታ ብምሓዝ ኢዮም፧ (ለ) ሓደ ሽማግለ ንብጾቱ ክርስትያናት ብዛዕባ ምሕጋዝ ዘለዎ ስምዒት ብኸመይ ኢዩ ዝገለጾ፧

18 ፍቕራዊ ሕያውነት ሕጂ እውን እንተዀነ ነቶም ንመጓሰ ኣምላኽ ዝጓስዩ ሓዊስካ መለለዪ ህዝቢ ኣምላኽ ኢዩ። (መዝሙር 110:⁠3፣ 1 ተሰሎንቄ 5:⁠12) እዞም ሽማግለታት: ወይ ተዓዘብቲ እዚኣቶም ምስቲ እተዋህቦም ሕድሪ ተሰማሚዖም ንምንባር ሓላፍነት ይስምዖም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠28) እንተዀነ ግን: ዝገብርዎ ጕስነትን ነታ ጉባኤ ንምድጋፍ ዝፍጽምዎ ኻልእ ናይ ፍቕራዊ ሕያውነት ግብርን “ብፍታው . . . እምበር: ብግዲ” ኣይኰነን። (1 ጴጥሮስ 5:⁠2) ሽማግለታት ንመጓሰ ኣምላኽ ዝጓስይዎ: ከምኡ ንምግባር ሓላፍነትን ባህግን ስለ ዘለዎም ኢዩ። ንኣባጊዕ ክርስቶስ ፍቕራዊ ሕያውነት ዘርእይወን ክገብርዎ ስለ ዘለዎምን ክገብርዎ ስለ ዝደልዩን ኢዩ። (ዮሃንስ 21:⁠15-17) ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ኸምዚ በለ:- “ንኣሕዋት ኣብ ኣባይቶም ከይደ ኽበጽሖም ወይ ከኣ ከም ዝዝክሮም ንኽገልጸሎም ጥራይ ተለፎን ክድውል ከለኹ ባህ ኢዩ ዝብለኒ። ንኣሕዋት ምሕጋዝ ዓብዪ ምንጪ ሓጐስን ዕግበትን ኢዩ ዝዀነኒ!” ኣብ ኵሉ ቦታ ዝነብሩ ሓለይቲ ሽማግለታት ብምሉእ ልቦም ምስዚ ይሰማምዑ ኢዮም።

ነቶም ጽጉማት ፍቕራዊ ሕያውነት ኣርእዮም

19. በቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተመያየጥናሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ብዛዕባ ፍቕራዊ ሕያውነት እንታይ ክዉን ነገር ኢዩ ጐሊሑ ዘሎ፧

19 እቲ ኣቐዲምና እተመያየጥናሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት: ፍቕራዊ ሕያውነት ክግለጽ ዘለዎ ነቶም ሓደ ነገር ኣድልይዎም ባዕላቶም ግን ከማልእዎ ዘይክእሉ ሰባት ምዃኑ እውን ዘጕልሕ ኢዩ። ኣብርሃም ወለዶኡ ንኽቕጽል ናይ ቤቱኤል ምትሕብባር ኣድልይዎ ኢዩ። ያእቆብ ሬስኡ ናብ ከንኣን ንኽውሰድ ሓገዝ ዮሴፍ ኣድልይዎ ኢዩ። ናእሚ ኸኣ ወራሲ ንኽትረክብ ሓገዝ ሩት ኣድልይዋ ኢዩ። ኣብርሃም: ያእቆብ: ናእሚ ነቲ ዘድልዮም ዝነበረ ነገራት ብዘይ​ ናይ ካልኦት ደገፍ ከማልእዎ ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ ብፍላይ ነቶም ጽጉማት ሰባት ፍቕራዊ ሕያውነት ክግበረሎም የድሊ። (ምሳሌ 19:⁠17) ነቲ ርእሲ ኣቦታት ዝነበረ እዮብ ክንመስሎ ኣሎና። እዮብ “ነቲ ዚጠርዕ ጥቑዕ: ነቲ ረዳኢ ዜብሉ ዘኽታም” ከምኡውን ነቲ ‘ውጹዕ’ ቈላሕታ ገይሩሎም ኢዩ። እዮብ ‘ንልቢ መበለታት እልል ኣቢልዎ:’ ከምኡውን ‘ዓይኒ ንዝዖረ: እግሪውን ንዝሐንከሰ’ ዀይንዎ ኢዩ።​—⁠እዮብ 29:12-15

20, 21. ፍቕራዊ ሕያውነትና ዘድልዮ መን ኢዩ: ነፍሲ ወከፍናኸ እንታይ ንምግባር ኢና ቘራጽነት ክንገብር ዘድልየና፧

20 ኣብ ኵሉ ጉባኤታት ‘ዝጠርዑ ጥቑዓት’ ከም ዘለዉ ፍሉጥ ኢዩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ጽምዋ: ተስፋ ምቝራጽ: ስምዒት ባዶነት: ብኻልኦት ሰባት ምጕሃይ: ከቢድ ሕማም: ወይ ከኣ ብሰንኪ ሞት እተፍቅሮ ሰብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጸገሞም ብዘየገድስ ንዅሎም እዞም ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን: ፈቲና ብቐጻሊ ሓደ ነገር ብምግባር ብእነንጸባርቖ ፍቕራዊ ሕያውነትና ክንሕግዞም ንኽእል ኢና: ክንሕግዞምውን ኣሎና።​—⁠1 ተሰሎንቄ 5:⁠14

21 ስለዚ ብቐጻሊ ነቲ “በዓል ብዙሕ ለውሃት [“ፍቕራዊ ሕያውነት:” NW ]” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ክንመስሎ ንጽዓር። (ዘጸኣት 34:6፣ ኤፌሶን 5:1) እዚ ድማ ነቶም ጽጉማት ብፍታው ሓገዝና ብምሃብ ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ብሓቂ ድማ ‘ንሓድሕድና ምሕረት [“ፍቕራዊ ሕያውነት:” NW ]’ ብምንጽብራቕ ንየሆዋ ነኽብሮ: ዓብዪ ሓጐስ ከኣ ንዓጽድ።​—⁠ዘካርያስ 7:⁠9

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነዚ ዓይነት መርዓ እዚ ዝምልከት ዝርዝር ሓሳባት ንምርካብ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) ጥራዝ 1 ገጽ 370 ርአ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ፍቕራዊ ሕያውነት ካብ ሰብኣዊ ሕያውነት ብኸመይ ኢዩ ዝፍለ፧

• ቤቱኤል: ዮሴፍ: ሩት ፍቕራዊ ሕያውነት ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧

• እንታይ ዓይነት ኣመለኻኽታ ብምሓዝ ኢና ፍቕራዊ ሕያውነት ከነርኢ ዘሎና፧

• ፍቕራዊ ሕያውነትና ከነርእዮም ዘድልዮም መን ኢዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ቤቱኤል ፍቕራዊ ሕያውነት ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ሩት ዘርኣየቶ ፍቕራዊ ሕያውነት ንናእሚ በረኸት ኣምጺኡላ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ሰብኣዊ ፍቕራዊ ሕያውነት: ነቶም ጽጉማት ብፍታው ሓገዝ ብምሃብ ኢዩ ዝንጸባረቕ