ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንፍቕሪ ኣምላኽ ተማስወሉ ዲኻ፧

ንፍቕሪ ኣምላኽ ተማስወሉ ዲኻ፧

ንፍቕሪ ኣምላኽ ተማስወሉ ዲኻ፧

 እቲ እዮብ ዝበሃል ሰብኣይ ሓደ እዋን ነዚ ዘይፍጹም ወድሰብ ዘለዎ ዅነታት በዚ ዝስዕብ ቃላት ገይሩ ገለጾ:- “ሰብ: ውሉድ ሰበይቲ: ሓጺር ዕድመ: ጽጉብ ሓሳር እዩ። ከም ዕንባባ ይዕንብብ: ይጽምሉ ኸኣ: ከም ጽላሎት ይሀድም: ኣይነብርን ድማ።” (እዮብ 14:1, 2) እዮብ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝነበረ ህይወት ስቓይን መግደራን ዝመልኦ ኢዩ ነይሩ። ከምኡዶ ተሰሚዑካ ይፈልጥ፧

ብዙሕ ሽግራትን ጸገማትን እኳ እንተ ኣጋጠመና: ኣብ ድንጋጽን ፍቕርን ኣምላኽ እተመርኰሰት ድልዱል መሰረት ዘለዋ ተስፋ ግን ኣላ። ብቐዳምነት: እቲ መሓሪ ሰማያዊ ኣቦና ንደቅ​ሰብ ካብ ሓጢኣት ሓራ ንምውጻእ በጅነታዊ መስዋእቲ ኣዳልዩ ኣሎ። ብመሰረት ዮሃንስ 3:⁠16, 17 የሱስ ክርስቶስ ከምዚ በለ:- “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ን[ናይ ደቅሰብ] ዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ [የሱስ]: ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር: ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለአኾን።”

ኣምላኽ ነቶም ዘይፍጹማት ዝዀንና ደቅሰብ ዘለዎ ጽቡቕ ኣረኣእያ እውን ሕሰብ እሞ ኣብሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዅላ ምድሪ ኺነብሩ ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ: ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ: ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ: ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:26, 27) ሕስብ እሞ ኣብሎ! ዘይፍጹማት እኳ እንተዀንና: ምስቲ ፈቃር ፈጣሪና የሆዋ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ክንምስርት ንኽእል ኢና።

ስለዚ ኣምላኽ ከም ዝሓልየልና: ንነባሪ ጥቕምና ኢሉ እውን ብፍቕሪ ምድላዋት ከም ዝገበረልና ምፍላጥና ብዛዕባ መጻኢና ምትእምማን ክሓድረና ይኽእል ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠7፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠13) እምበኣር ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ብዛዕባ ፈቃር ኣምላኽና ንኽንማሃር ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎና።