ንፍቕሪ ኣምላኽ ተማስወሉ ዲኻ፧
ንፍቕሪ ኣምላኽ ተማስወሉ ዲኻ፧
እቲ እዮብ ዝበሃል ሰብኣይ ሓደ እዋን ነዚ ዘይፍጹም ወድሰብ ዘለዎ ዅነታት በዚ ዝስዕብ ቃላት ገይሩ ገለጾ:- “ሰብ: ውሉድ ሰበይቲ: ሓጺር ዕድመ: ጽጉብ ሓሳር እዩ። ከም ዕንባባ ይዕንብብ: ይጽምሉ ኸኣ: ከም ጽላሎት ይሀድም: ኣይነብርን ድማ።” (እዮብ 14:1, 2) እዮብ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝነበረ ህይወት ስቓይን መግደራን ዝመልኦ ኢዩ ነይሩ። ከምኡዶ ተሰሚዑካ ይፈልጥ፧
ብዙሕ ሽግራትን ጸገማትን እኳ እንተ ኣጋጠመና: ኣብ ድንጋጽን ፍቕርን ኣምላኽ እተመርኰሰት ድልዱል መሰረት ዘለዋ ተስፋ ግን ኣላ። ብቐዳምነት: እቲ መሓሪ ሰማያዊ ኣቦና ንደቅሰብ ካብ ሓጢኣት ሓራ ንምውጻእ በጅነታዊ መስዋእቲ ኣዳልዩ ኣሎ። ብመሰረት ዮሃንስ 3:16, 17 የሱስ ክርስቶስ ከምዚ በለ:- “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ን[ናይ ደቅሰብ] ዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ [የሱስ]: ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር: ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለአኾን።”
ኣምላኽ ነቶም ዘይፍጹማት ዝዀንና ደቅሰብ ዘለዎ ጽቡቕ ኣረኣእያ እውን ሕሰብ እሞ ኣብሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዅላ ምድሪ ኺነብሩ ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ: ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ: ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ: ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:26, 27) ሕስብ እሞ ኣብሎ! ዘይፍጹማት እኳ እንተዀንና: ምስቲ ፈቃር ፈጣሪና የሆዋ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ክንምስርት ንኽእል ኢና።
ስለዚ ኣምላኽ ከም ዝሓልየልና: ንነባሪ ጥቕምና ኢሉ እውን ብፍቕሪ ምድላዋት ከም ዝገበረልና ምፍላጥና ብዛዕባ መጻኢና ምትእምማን ክሓድረና ይኽእል ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:7፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) እምበኣር ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ብዛዕባ ፈቃር ኣምላኽና ንኽንማሃር ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎና።