ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ መን ምዃኑ ኽንፈልጥ የድልየና

ኣምላኽ መን ምዃኑ ኽንፈልጥ የድልየና

ኣምላኽ መን ምዃኑ ኽንፈልጥ የድልየና

 ከዋኽብቲ ዝመልኦ ሰማይ ክትርእስ ባህዶ ኣይብለካን፧ ምኡዝ ሽታ ዘለዎ ድሙቕ ዝሕብሩ ዕምባባታትከ ኣየሐጕሰካንዶ፧ ኣዕዋፍ ክዝምራን ኣብ ባህ ዘብል ኵነታት ኣየር ኣቝጽልቲ ሓሸውሸው ክብል ክትሰምዕከ ደስታዶ ኣይስምዓካን፧ ዓሳ ኣንበሪታትን ካልኦት ኣብ ባሕሪ ዝነብሩ ፍጥረታትን እውን ክሳዕ ክንደይ ዘደንቑ ዀን ኢዮም! እቲ ሕልናን ኣዝዩ እተሓላለኸ ሓንጎልን ዘለዎ ወድሰብ እውን ከይተጠቕሰ ዘይሕለፍ ኢዩ። ኵሉ እዚ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዘደንቕ ነገራት ብኸመይ ናብ ህላወ መጺኡ ምበልካ፧

ገሊኣቶም ሰባት እዚ ዅሉ ብኣጋጣሚ ኸም ዝመጸ ገይሮም ኢዮም ዝሓስቡ። ከምኡ እንተደኣ ዀይኑ ግን ደቅሰብ ኣብ ኣምላኽ ዝኣምኑ ስለምንታይ ኢዮም፧ ብኣጋጣሚ እተሓዋወሰ እተፈላለየ ከሚካላት ከመይ ኢሉ መንፈሳዊ ድሌት ዘለዎም ፍጥረታት ከምጽእ ይኽእል፧

“ሃይማኖት ኣብ ባህሪ ወድሰብ ዓሚቝ ሱር ሰዲዱ ኢዩ: እዚ ኸኣ ዝዀነ ይኹን ቍጠባዊ ደረጃን ትምህርታዊ ድሕረ⁠-​ባይታን ኣብ ዘለዎም ሰባት ኢዩ ዝርአ።” እዚ መግለጺ እዚ ነቲ ፕሮፌሰር ኣሊስተር ሃርዲ ኣብታ ዘ ስፕሪቹዋል ኔቸር ኦቭ ማን ዘርእስታ መጽሓፉ ዘቕረቦ መጽናዕቲ ብሓጺሩ ዝገልጾ ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ሊቃውንቲ ብዛዕባ ሓንጐል ዝገበርዎ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ: ደቅሰብ ሃይማኖት ናይ ምስዓብ ተኽእሎ ዘለዎም ኰይኖም ኢዮም ተፈጢሮም። እታ ኢዝ ጎድ ዘ ኦንሊ ሪያሊቲ፧ ዘርእስታ መጽሓፍ “ብሃይማኖት ጌርካ ናይ ነገራት ትርጕም ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ . . . ካብቲ ወድሰብ ናብ ህላወ ዝመጸሉ ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ኵሉ ባህልታትን ኣብ ዝዀነ ይኹን ዕድመን ዝርከቡ ሰባት ዘሕልፍዎ ሓባራዊ ተመክሮ ኢዩ” በለት።

ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር ሓደ ምሁር “ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ አለዋ: እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 3:4) አረ: እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መጀመርታ ቝጽርስ “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” ኢያ ትብል።​—⁠ዘፍጥረት 1:1

ኣምላኽ ግን መን ኢዩ፧ ወድሰብ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ተኸፋፊሉ ኢዩ ዘሎ። ዮሺ ዝበሃል ጃፓናዊ መንእሰይ ኣምላኽ መን ምዃኑ ምስ ተሓተተ “እንድዒ። ቡድሂስት ስለ ዝዀንኩ ኣምላኽ መን ምዃኑ ኽፈልጥ ኣየድልየንን ኢዩ” ኢሉ መለሰ። እንተዀነ ግን: ቡድሃ ብብዙሓት ሰባት ከም ዝምለኽ ኣሚኑሉ ኢዩ። ኣብ 60ታት ዕድሚኡ ዝርከብ ኒክ ዝበሃል ነጋዳይ ኣብ ኣምላኽ ይኣምን: ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝሓየለ ኣካል ከም ዝዀነ ገይሩ ኸኣ ይርእዮ ኢዩ። ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝፈልጥ ክገልጽ ምስ ተሓተተ ግን ሓንሳእ ድሕሪ ምሕሳብ “እዚኣ ኣዝያ ኣጸጋሚት ሕቶ ኢያ። ኣምላኽ ከም ዘሎ ጥራይ ኢየ ኽዛረብ ዝኽእል” ኢሉ መለሰ።

ገሊኣቶም ሰባት ‘ኣብ ክንዲ ፈጣሪ: ንፍጡር የምልኹ።’ (ሮሜ 1:⁠25) ብሚልዮናት ዝቝጸሩ እውን ንኣምላኽ ክቕረብ ዘይከኣል ገይሮም ስለ ዝርእይዎ: ምዉታት ኣባሓጎታቶም የምልኹ። ኣብ ናይ ሂንዱ ሃይማኖት ብዙሓት ተባዕታይን ኣንስተይትን ኣማልኽቲ ኣለዉ። ብግዜ ሃዋርያት የሱስ ክርስቶስ ከም እኒ ድያ: ሄርሜስ ዝኣመሰሉ እተፈላለዩ ኣማልኽቲ ይምለኹ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:⁠11, 12) ብዙሓት ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ኣምላኽ ነቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ዘጣመረ ስላሴ ምዃኑ ይምህራ ኢየን።

ብርግጽ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበሎ ‘ብዙሓት ኣማልኽትን ብዙሓት ጐይተትን ኣለዉ።’ ይኹን እምበር: “ኵሉ ኻብኡ ዚኸውን . . . ሓደ ኣምላኽ ጥራይ: ኣቦ: አሎ።” (1 ቈረንቶስ 8:5, 6) እወ: ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ዘሎ። ንሱ ግን መን ኢዩ፧ ከመይከ ይመስል፧ መልሲ ናይዘን ሕቶታት እዚኣተን ክንፈልጥ የድልየና ኢዩ። የሱስውን ናብዚ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክጽሊ ኸሎ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ኢሉ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:3) ዘለኣለማዊ ድሕንነትና ብዛዕባ ኣምላኽ ሓቂ ኣብ ምፍላጥ እተመርኰሰ ምዃኑ ንኽንኣምን እኹል ምኽንያት ኣሎና።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ነዚ ዅሉ ናብ ህላወ ዘምጽኦ መን ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Whale: Courtesy of Tourism Queensland