ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ መን ኢዩ፧

ኣምላኽ መን ኢዩ፧

ኣምላኽ መን ኢዩ፧

 ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና “ኣምላኽ ዝብል ስያመ ብልምዲ ነቲ ኣብ ኣድማስ ዝለዓለ ምንጭን ዝሓየለን ከምኡውን ነቲ ሃይማኖታዊ ተወፋይነት ዝወሃቦ ነገር ኢዩ ዘመልክት” ይብል። ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ ነታ “ኣምላኽ” እትብል ቃል “ካብ ሰብ ዝለዓለ ባህርን ስልጣንን ዘለዎ: ብሰብ ዝምለኽ ህያው” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ባህሪ ናይዚ ኻብ ሰብ ዝለዓለ ህያው እንታይ ኢዩ፧

ኣምላኽ ኣካል ዘይብሉ ሓይሊ ድዩ ወይስ ናይ ሓቂ ኣካል፧ ስም ኣለዎ ድዩ፧ ከምቲ ብዙሓት ዝኣምንዎ ስላሴ ድዩ፧ ንኣምላኽ ብኸመይ ክንፈልጦ ንኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶታት እዚ ሓቀኛን ዘዕግብን መልሲ ይህብ ኢዩ። አረ ኣምላኽ “ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ” ምዃኑ ብምግላጽ ንኽንደልዮ የተባብዓና ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:27

ኣካል ዘይብሉ ሓይሊዶ ወይስ ናይ ሓቂ ኣካል፧

ኣብ ኣምላኽ ዝኣምኑ ብዙሓት ሰባት ከም ሓደ ኣካል ዘይኰነስ ከም ሓይሊ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ንኣብነት ኣብ ገለ ባህልታት ኣማልኽቲ ምስ ተፈጥሮኣዊ ሓይልታት ኢዮም ዝምደቡ። ብዛዕባ ኣቃውማ ኣድማስን ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህያዋን ነገራት ዘርእይዎ ባህርይን ጽዑቕ ስነ⁠-​ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ዝገብሩ ገለ ሰባት: ነዚ ዅሉ ኸም ዝኽሰት ዝገበሮ ምንጪ ኸም ዘሎ ደምዲሞም ኢዮም። ይኹን እምበር: እቲ ነዚ ኸም ዝኽሰት ዝገበረ ምንጪ: ባህሪ ዘለዎ ኣካል ምዃኑ ይጠራጠሩ ኢዮም።

እንተዀነ ግን: ፍጥረት እተሓላለኸ ምዃኑ እቲ ነዚ ኸም ዝኽሰት ዝገበረ ምንጪ ዓብዪ ምስትውዓል ከም ዘለዎ ኣይሕብርንዶ፧ ምስትውዓል ክህሉ ኣእምሮ ይሓትት ኢዩ። እቲ ንዅሉ ፍጥረት ናብ ህላወ ዘምጽአ ዝዓበየ ኣእምሮ ኸኣ ናይ ኣምላኽ ኢዩ። እወ: ኣምላኽ ከምዚ ኸማና ስጋዊ ዘይኰነስ መንፈሳዊ ኣካል ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ “ነፍሳዊ ስጋ [“ኣካል:” NW ] ኻብ ዚህሉ: መንፈሳዊ ስጋውን [“ኣካል:” NW ] አሎ” ይብለና። (1 ቈረንቶስ 15:44) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህሪ ኣምላኽ ክገልጽ ከሎ ብንጹር “ኣምላኽ መንፈስ እዩ” ይብል። (ዮሃንስ 4:⁠24) መንፈስ ካብዚ ናትና እተፈልየ ዓይነት ህይወት ኢዩ ዘለዎ: ብዓይኒ ደቅሰብ ከኣ ክርአ ኣይከኣልን ኢዩ። (ዮሃንስ 1:⁠18) ብዓይኒ ዘይረኣዩ መንፈሳውያን ፍጥረታት እውን ኣለዉ። እዚኣቶም እቶም “ደቂ ኣምላኽ” እተባህሉ መላእኽቲ ኢዮም።​—⁠እዮብ 1:⁠6፣ 2:⁠1

ኣምላኽ ብኻልእ ዘይተፈጥረ መንፈሳዊ ኣካል ብምዃኑ: መንበሪ ቦታ ኽህልዎ ርትዓዊ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መንፈሳውያን ኣካላት ዝነብሩሉ ቦታ ኽዛረብ ከሎ ሰማያት ኣምላኽ ‘ዝነብረሉ ስፍራ’ ምዃኑ ይገልጽ። (1 ነገስት 8:⁠43) ብተወሳኺውን: እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ጳውሎስ: ‘ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክረኣየልና ናብ ሰማይ ኣተወ’ ኢሉ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 9:⁠24

እታ “መንፈስ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካልእ ትርጕም እውን ኣለዋ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ናብ የሆዋ ኽጽሊ ኸሎ “ትንፋስካ [“መንፈስካ:” NW ] ትልእኽ: ይፍጠሩ: ንገጽ ምድሪውን ትሕድሳ” በለ። (መዝሙር 104:30) እዚ መንፈስ እዚ ኣምላኽ ባዕሉ ዘይኰነስ ኣምላኽ ዝልእኮ ወይ ዝደለዮ ንምፍጻም ዝጥቀመሉ ሓይሊ ኢዩ። በዚ መንፈስ እዚ ኣቢሉ ነዚ ግኡዝ ሰማያትን ምድርን ኵሉ ህያው ፍጥረትን ፈጠረ። (ዘፍጥረት 1:⁠2፣ መዝሙር 33:⁠6 NW ) እዚ መንፈስ እዚ መንፈስ ቅዱስ ይበሃል። ኣምላኽ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፉ ሰባት ንምምራሕ መንፈስ ቅዱሱ ተጠቒሙ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 1:⁠20, 21) ስለዚ መንፈስ ቅዱስ: ኣምላኽ ዕላማታቱ ንምፍጻም ዝጥቀመሉ ብዓይኒ ዘይርአ መስለጢ ሓይሊ ኢዩ።

ኣምላኽ ናይ በይኑ ስም ኣለዎ

ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ኣጉር ከምዚ ኢሉ ሓተተ:- “ንንፋስ ኣብ ዕምኩ ዝአከቦ መን እዩ፧ ንማያት ኣብ ክዳኑ ዝቘጸሮ መን እዩ፧ ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ዘጽንዔስ መን እዩ፧ እንታይ እዩ ስሙ፧ ስም ወዱኸ እንታይ እዩ፧” (ምሳሌ 30:4) ብኻልእ ኣበሃህላ ‘ከምዚ ኽገብር ናይ ዝኸኣለ ሰብ ስም ወይ መስመር ወለዶኡ ትፈልጦዶ፧’ ኢሉ ኢዩ ዝሓትት ነይሩ። ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ንተፈጥሮኣዊ ሓይልታት ክቈጻጸር ዝኽእል ሓይሊ ዘለዎ። ፍጥረት: ኣምላኽ ከም ዘሎ ሓያል መርትዖ ዘቕርብ እኳ እንተዀነ: ስም ኣምላኽ ግን ኣይገልጸልናን ኢዩ። አረ ኣምላኽ ባዕሉ እንተ ዘይገሊጹልናስ ስሙ ኽንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና። ስሙ ኸኣ ገሊጹልና ኢዩ። ፈጣሪ “ኣነ የሆዋ ኢየ: ስመይ እዚ ኢዩ” በለ።​—⁠ኢሳይያስ 42:⁠8 NW

እቲ ናይ ብሕቲ ስም ኣምላኽ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ጥራይ ዳርጋ 7,000 ግዜ ይርከብ። የሱስ ክርስቶስ ነዚ ስም እዚ ንኻልኦት ኣፍሊጥዎምን ኣብ ቅድሚኦም ወዲስዎን ኢዩ። (ዮሃንስ 17:⁠6, 26) ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ እውን ስም ኣምላኽ ኣብቲ “ሃሌሉያ” ማለት “ንያህ ወድስዎ” ዝብል መግለጺ ይርከብ ኢዩ። “ያህ” ከኣ ሓጺር ኣጸሓሕፋ ናይቲ “የሆዋ” ዝብል ስም ኢዩ። (ራእይ 19:⁠1-6 NW እግረ⁠-​ጽሑፍ) ገና ግን ሓያሎ ዘመናዊ መጽሓፍ ቅዱሳት ነዚ ስም እዚ ኣይጥቀመሉን ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኻብቲ “ጐይታ” ወይ “ኣምላኽ” ዝብል ናይ መዓርግ ስያመታት ንምፍላይ ነዚ ቓላት ብዓብዪ ፊደላት ይጽሕፍዎ። ገሊኣቶም ምሁራት ኣደማምጻ እቲ መለኮታዊ ስም ያህወህ ዝብል ነይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓሳብ ይህቡ ኢዮም።

ስም ናይቲ ኣብ ኣድማስ ዝዓበየ ኣካል ክሳዕ ክንድዚ ዘሰሓሕብ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ እዚ ጸገም ዝጀመረ ቕድሚ ብዙሕ ዘመናት ኣይሁድ ብሰንኪ ማሪታዊ ፍርሂ ንመለኮታዊ ስም ምድማጽ ገዲፎም: ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ዘንብቡሉ ግዜ ነቲ ስም እንተ ረኺቦሞ በቲ “ሉዓላዊ ጐይታ” ዝብል ናይ እብራይስጢ ቓል ክትክእዎ ምስ ጀመሩ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ቋንቋ እብራይስጢ ኣድማጺ ፊደላት ስለ ዘይነበሮ: ሙሴ: ዳዊት ኰነ ጥንቲ ዝነበሩ ኻልኦት ሰባት ነዘን ንመለኮታዊ ስም ዘቝማ ፊደላት ብኸመይ የድምጽወን ከም ዝነበሩ ብትኽክል ዝፈልጥ የለን። ይኹን እምበር: ብትግርኛ እቲ “የሆዋ” ዝብል ኣደማምጻ ክዝውተር ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ ካልእ ቋንቋታት ድማ እዚ ኣጸዋውዓ እዚ ሰፊሕ ተቐባልነት ኣለዎ።​—⁠ዘጸኣት 6:3 ኣብ ናይ 1879 ናይ ኣምሓርኛ ትርጕም ተመልከት።

ኣብ ጥንታዊ ቛንቋ እብራይስጢ ስም ኣምላኽ ብኸመይ ይድመጽ ምንባሩ ብልክዕ ዝፍለጥ እኳ እንተ ዘይኰነ: ትርጕሙ ግን ምስጢር ኰይኑ ኣይተረፈን። ትርጕም ናይዚ ስም እዚ “ከምቲ ዝኸውን ዘኽውን” ዝብል ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ የሆዋ ኣምላኽ ዕላማታቱን መብጽዓታቱን ከም ዝፍጽም ገይሩ ንገዛእ ርእሱ ዝገልጽ። እምበኣር ነዚ ንምግባር ሓይሊ ዘለዎ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ በዚ ስም እዚ ኽጽዋዕ ዝግብኦ።​—⁠ኢሳይያስ 55:⁠11

እቲ የሆዋ ዝብል ስም ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ካብ ካልኦት ኣማልኽቲ ንምፍላይ ከም ዘገልግል ኣየተሓታትትን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ እዚ ስም እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ዝርከብ። ዝበዝሕ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ መለኮታዊ ስም ዘይጥቀም እኳ እንተዀነ: መዝሙር 83:⁠18 ግን ብንጹር “ንስኻ: ጐይታ [“የሆዋ:” NW ] ዝስምካ: በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ: ይፍለጡ” ትብል። የሱስ ክርስቶስ ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎቱ ንሰዓብቱ “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ: ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ” ኢልዎም ነበረ። (ማቴዎስ 6:9) እምበኣር ንሕናውን ናብ ኣምላኽ ክንጽልን ብዛዕባኡ ኽንዛረብን ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ክንወድሶን ከሎና ስሙ ኽንጥቀም ኣሎና።

የሱስ ኣምላኽ ድዩ፧

የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባ መንነት ወዱ ብንጹር ገሊጹ ኢዩ። የሱስ ምስ ተጠምቀ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ: ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ” ብምባል ወንጌል ማቴዎስ ይገልጸልና። (ማቴዎስ 3:16, 17) የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ።

ገሊኣቶም ሃይማኖታውያን ሰባት ግን የሱስ ኣምላኽ ኢዩ ይብሉ። ገሊኣቶም እውን ኣምላኽ ስላሴ ኢዩ ይብሉ። ብመሰረት እዚ ትምህርቲ እዚ “ኣቦ ኣምላኽ ኢዩ: ወዲ ኣምላኽ ኢዩ: መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣምላኽ ኢዩ: እንተዀነ ግን ሓደ ኣምላኽ እምበር ሰለስተ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን።” ሰለስቲኦም “ዘለኣለማውያንን ማዕረን” ከም ዝዀኑ ጌርካ ኢዩ ዝእምን። (ዘ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ቕኑዕ ድዩ፧

መንፈስ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ የሆዋ “ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ኣምላኽ ኢኻ” ይብል። (መዝሙር 90:2) መጀመርታ ዀነ መወዳእታ ዘይብሉ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:⁠17) በቲ ሓደ ሸነኽ ግን የሱስ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” ከምኡውን “መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ” ኢዩ። (ቈሎሴ 1:⁠13-15፣ ራእይ 3:⁠14) የሱስ ንኣምላኽ ከም ኣቦኡ ገይሩ ብምጥቃስ “ካባይ ኣቦይ ይዐቢ” በለ። (ዮሃንስ 14:28) ብተወሳኺውን ንሱ ዀነ መላእኽቲ ዘይፈልጥዎ ኣምላኽ ጥራይ ዝፈልጦ ነገራት ከም ዝነበረ እውን ተዛሪቡ ኢዩ። (ማርቆስ 13:⁠32) ኣብ ርእሲ እዚ የሱስ ናብ ኣቦኡ “ፍቓድካ እምበር: ፍቓደይሲ ኣይኹን” ብምባል ጸልዩ ኢዩ። (ሉቃስ 22:42) ካብኡ ንዝዓቢ ኣካል እንተ ዘይኰይኑ: ናብ መን ኢዩ ዝጽሊ ነይሩ፧ ንየሱስ ካብ ሞት ዘተንስኦ እውን ኣምላኽ ደኣ እምበር ባዕሉ ኣይነበረን።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠32

እምበኣር ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት የሆዋ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክኸውን ከሎ የሱስ ከኣ ወዱ ኢዩ። የሱስ ናብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ዀነ ኣብ እዋን ምድራዊ ህይወቱ ማዕረ ኣይነበሩን፣ የሱስ ተንሲኡ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ እውን ምስ ኣቦኡ ማዕረ ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 11:⁠3፣ 15:⁠28) ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ እቲ ሳልሳይ ክፍሊ ስላሴ ዝበሃል መንፈስ ቅዱስ እውን ኣካል ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ኣምላኽ ዝደለዮ ንምፍጻም ዝጥቀመሉ ሓይሊ ኢዩ። እምበኣር ስላሴ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ኣይኰነን። a መጽሓፍ ቅዱስ “የሆዋ ኣምላኽና ሓደ የሆዋ ኢዩ” ይብል።​—⁠ዘዳግም 6:4 NW

ንኣምላኽ ኣጸቢቕካ ፍለጦ

ንኣምላኽ ንኸነፍቅሮን እቲ ዝግብኦ ምሉእ ተወፋይነት ንኽንህቦን ከምቲ ብሓቂ ዝዀኖ ኽንፈልጦ ኣሎና። ንኣምላኽ ብዝያዳ ኽንፈልጦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ: እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ” ይብለና። (ሮሜ 1:20) ንኣምላኽ ዝያዳ ኽንፈልጦ እንኽእለሉ ሓደ መገዲ ነቲ ዝፈጠሮ ፍጥረታት ብምዕዛብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን ኢዩ።

ይኹን እምበር: ፍጥረት ጥራይ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ክንፈልጦ እንደሊ ነገራት ብምሉኡ ኣይነግረናን ኢዩ። ንኣብነት: ናይ ብሕቱ ስም ዘለዎ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ኣካል ምዃኑ ንምፍላጥ መጽሓፍ ቅዱስ ክንውከስ የድልየና። መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ንኣምላኽ ብዝያዳ ንኽንፈልጦ ዝሕግዘና ዝበለጸ መገዲ ኢዩ። የሆዋ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ምዃኑ ይነግረና ኢዩ። ዕላማታቱ ይገልጸልና: መገድታቱ እውን ይምህረና ኢዩ። (ኣሞጽ 3:⁠7፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17) ኣምላኽ ኻብቲ ፍቕራዊ ምድላዋቱ ምእንቲ ኽንጥቀም ኢሉ ናብ ‘ፍልጠት ሓቂ ኽንመጽእ’ ከም ዝደልየና ምፍላጥና ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ሓጐስ ኰን ኢዩ ዝስምዓና! (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠4) እምበኣር ብዛዕባ የሆዋ ዓቕምና ዝፈቕደልና ዅሉ ንኽንማሃር ብርቱዕ ጻዕሪ ንግበር።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባዚ ጕዳይ እዚ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ርአ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ንምድሪ ንምፍጣርን ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጽሕፉ ንምምራሕን መንፈስ ቅዱሱ ተጠቕመ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

“ወደይ እዚ እዩ ” ዝብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ናብ ኣምላኽ ማለት ናብቲ ኻብኡ ዝዓቢ ኣካል ጸለየ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንኻልኦት ስም ኣምላኽ ኣፍለጦም

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ንኣምላኽ ብዝያዳ ኽንፈልጦ ንኽእል ኢና