ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብቲ ናይ የሆዋ ፍቕራዊ ሕያውነት ተጠቐም

ካብቲ ናይ የሆዋ ፍቕራዊ ሕያውነት ተጠቐም

ካብቲ ናይ የሆዋ ፍቕራዊ ሕያውነት ተጠቐም

“ለባም ዘበለ . . . ንጸጋ [“ንፍቕራዊ ሕያውነት: ” NW ] እግዚኣብሄር . . . ኬስተውዕሎ እዩ።”​መዝሙር 107:43

1. እታ “ፍቕራዊ ሕያውነት” እትብል ስያመ ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ንመጀመርታ ግዜ እተጠቕሰት ኣበይ ኢያ: ብዛዕባ እዛ ባህሪ እዚኣኸ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንርኢ፧

 ኣስታት 4,000 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: እቲ ወዲ ሓዉ ንኣብርሃም ዝዀነ ሎጥ ብዛዕባ የሆዋ ‘ምሕረትካ [“ፍቕራዊ ሕያውነትካ:” NW ] ኣዕቤኻዮ’ በለ። (ዘፍጥረት 19:19) ኣብ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም (እንግሊዝኛ) እታ “ፍቕራዊ ሕያውነት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል ንመጀመርታ ግዜ እተጠቕሰት ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ኢያ። a ያእቆብ: ናእሚ: ዳዊትን ካልኦት ኣገልገልቲ ኣምላኽን ብዛዕባ እዛ ባህሪ የሆዋ እዚኣ ተዛሪቦም ኢዮም። (ዘፍጥረት 32:⁠10፣ ሩት 1:⁠8፣ 2 ሳሙኤል 2:⁠6) አረ እዛ ናይ እብራይስጢ ቓልሲ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፋት ካብ 250 ግዜ ንላዕሊ ኢያ ተጠቒሳ ዘላ። ይኹን እምበር: ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ እንታይ ኢዩ፧ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ እተገብረሉ መን ኢዩ፧ ሎሚኸ ካብኡ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧

2. እታ “ፍቕራዊ ሕያውነት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል ንምግላጻ ኣጸጋሚ ዝዀነት ስለምንታይ ኢያ: እንታይ ግቡእ ኣማራጺ ቓልከ ኢዩ ዘለዋ፧

2 እታ “ፍቕራዊ ሕያውነት” ተባሂላ እተተርጐመት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እትርከብ ናይ እብራይስጢ ቓል ኣዝዩ ሰፊሕ ትርጕም ካብ ምሓዛ እተላዕለ: ኣብ መብዛሕትኡ ቛንቋታት ነቲ ትርጕም ምሉእ ብምሉእ ከተመሓላልፎ እትኽእል ሓንቲ ቓል ጥራይ ክርከበላ ኣይተኻእለን። ስለዚ ከም እኒ “ፍቕሪ:” “ምሕረት:” “ተኣማንነት” ነቲ ትርጕም ምሉእ ብምሉእ ዘመሓላልፋ ኣይኰናን። ይኹን እምበር: “ፍቕራዊ ሕያውነት” እትብል ዝሰፍሐ ትርጕም ዘለዋ ስያመ ትርጕም ናይታ ቓል ተመሓላልፍ ኢያ። ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም​—⁠ምስ መወከሲኡ (እንግሊዝኛ) ነታ “ፍቕራዊ ሕያውነት” ተባሂላ እትትርጐም ናይ እብራይስጢ ቓል “እሙን ፍቕሪ” ዝብል ብቑዕ ኣማራጺ ይህብ ኢዩ።​—⁠ዘጸኣት 15:⁠13 ከምኡውን መዝሙር 5:⁠7 NW እግረ ጽሑፍ ርአ።

ካብ ፍቕርን ተኣማንነትን እተፈልየት

3. ፍቕራዊ ሕያውነት ካብ ፍቕሪ እትፍለ ብኸመይ ኢያ፧

3 ፍቕራዊ ሕያውነት ወይ እሙን ፍቕሪ: ምስ ፍቕርን ተኣማንነትን ኣጸቢቓ እትዛመድ ባህሪ እኳ እንተ ዀነት ኣገዳሲ ብዝዀነ መገድታት ግን ትፍለ ኢያ። ንኣብነት ፍቕራዊ ሕያውነትን ፍቕርን ብኸመይ ከም ዝፈላለያ ንርአ። ፍቕሪ ኣብ ነገራትን ኣምራትን እውን ክትውዕል ትኽእል ኢያ። መጽሓፍ ቅዱስ “ወይንን ዘይትን ዚፈቱ [ወይ ዘፍቅር]” ከምኡውን “ጥበብ ዚፈቱ [ወይ ዘፍቅር]” ሰብ ከም ዘሎ ይዛረብ ኢዩ። (ምሳሌ 21:⁠17፣ 29:⁠3) ፍቕራዊ ሕያውነት ግን ምስ ሰባት ደኣ እምበር ምስ ኣምር ወይ ህይወት ዘይብሉ ነገራት ኣይተሓሓዝን ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ኣብ ዘጸኣት 20:⁠6 ዝርከብ “ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት [“ፍቕራዊ ሕያውነት:” NW ] ዝገብር እየ” ዝብል ሓሳባት ምስ ሰባት እተተሓሓዘ ኢዩ።

4. ፍቕራዊ ሕያውነት ካብ ተኣማንነት እትፍለ ብኸመይ ኢያ፧

4 እታ “ፍቕራዊ ሕያውነት” ተባሂላ እትትርጐም ናይ እብራይስጢ ቓል ካብታ “ተኣማንነት” እትብል ቃል እውን ዝሰፍሐ ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት “ተኣማንነት” እትብል ቃል ዝበዝሕ ግዜ ሓደ ትሕት ዝበለ ደረጃ ዘለዎ ንሓደ ልዕሊኡ ዝዀነ ኣካል ዘርእዮ ባህሪ ንምምልካት ኢያ እትውዕል። ይኹን እምበር: ከምቲ ሓንቲ ተመራማሪት ዝበለቶ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ፍቕራዊ ሕያውነት “ዝበዝሕ ግዜ ንኣንጻር ናይዚ ዝዀነ ርክብ ኢያ እተመልክት። እዚ ማለት ድማ እቲ ልዕልነት ዘለዎ ኣካል ነቲ ድኹም ወይ ጽጉም ወይ ጽግዕተኛ እሙን ኢዩ።” በዚ ድማ ኢዩ ንጉስ ዳዊት “ንገጽካ ናብ ባርያኻ ኣብርሃዮ: ብሳህልኻ [“ብፍቕራዊ ሕያውነትካ:” NW ] ኣድሕነኒ” ኢሉ ኽልምን ዝኸኣለ። (መዝሙር 31:16) እቲ ልዑል የሆዋ ነቲ እተሸገረ ዳዊት ፍቕራዊ ሕያውነቱ: ወይ እሙን ፍቕሩ ንኸርእዮ ኢዩ ዝሕተት ዘሎ። እቲ ጽጉም ኣብቲ ሓያል ምንም ስልጣን ስለ ዘይብሉ እቲ በዚ መገዲ እዚ ዝግለጽ ፍቕራዊ ሕያውነት ብፍታው ደኣ እምበር ተገዲድካ ኣይኰነን ዝፍጸም።

5. (ሀ) ኣብ ቃል ኣምላኽ ጐሊሑ ዘሎ ገለ ናይ ፍቕራዊ ሕያውነት መግለጺታት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እንታይ መግለጺ ናይ ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ ኢና ኽንርኢ፧

5 እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ለባም ዘበለ . . . ንጸጋ [“ንፍቕራዊ ሕያውነት:” NW ] እግዚኣብሄር . . . ኬስተውዕሎ እዩ” ይብለና። (መዝሙር 107:43) ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ ድሕነትን ዕቝባን ዘምጽእ ኢዩ። (መዝሙር 6:⁠4፣ 119:⁠88, 159) ካብ ጸገማት ዘዕርፍን ዘዕቍብን ኢዩ። (መዝሙር 31:⁠16, 21፣ 40:⁠11፣ 143:⁠12) ብምኽንያት እዚ ባህሪ እዚ ሕድገት ሓጢኣት ክንረክብ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 25:⁠7) ንገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት ብምምርማርን ካልእ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስትብሃልን ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ (1) ብእተወሰነ ተግባራት ከም ዝግለጽ (2) ኣብ እሙናት ኣገልገልቱ ኸኣ ከም ዝውዕል ክንርኢ ኢና።

ድሕነት​—⁠መግለጺ ፍቕራዊ ሕያውነት

6, 7. (ሀ) የሆዋ ንሎጥ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ዘዕበየሉ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ሎጥ ብዛዕባ ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ ዝጠቐሰ መዓስ ኢዩ፧

6 ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ ስፍሓቱ ኽሳዕ ክንደይ ምዃኑ ክንፈልጠሉ ዝሕግዘና እቲ ዝበለጸ መገዲ ነቲ ምስዛ ባህሪ እዚኣ እተተሓሓዘ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ጸብጻባት ብምምርማር ኢዩ። ኣብ ዘፍጥረት 14:⁠1-16 እቲ ወዲ ሓዉ ንኣብርሃም ዝዀነ ሎጥ ብጸላእቲ ኸም እተማረኸ ዝገልጽ ጸብጻብ ንረክብ ኢና። ኣብርሃም ግን ንሎጥ ኣድሓኖ። የሆዋ ነታ ሎጥን ስድራ​ቤቱን ዝነብሩላ ዝነበሩ እክይቲ ኸተማ ሶዶም ከጥፍኣ ምስ ወሰነ ህይወት ሎጥ እንደገና ኣብ ሓደጋ ወደቐ።​—⁠ዘፍጥረት 18:⁠20-22፣ 19:⁠12, 13

7 ሶዶም ቀቅድሚ ምጥፍኣ መላእኽቲ የሆዋ ንሎጥን ስድራ​ቤቱን ካብታ ኸተማ ኽወጹ ኸለዉ ኣሰንዮምዎም ኢዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ሎጥ ከምዚ በለ:- “ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ረኺቡ አሎ: ንነፍሰይ ብምድሓንካ ዝገበርካለይ ምሕረትካ [“ፍቕራዊ ሕያውነትካ:” NW ] ድማ ኣዕቤኻዮ።” (ዘፍጥረት 19:16, 19) ሎጥ የሆዋ ካብ ጥፍኣት ብምንጋፍ ፍሉይ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ኸም ዘርኣዮ በዘን ቃላት እዚኣተን ኣፍልጦ ሃበ። በዚ መገዲ እዚ እምበኣር: ኣምላኽ ድሕነትን ዕቝባን ብምሃብ ንፍቕራዊ ሕያውነቱ ገሊጽዋ ኢዩ።​—⁠2 ጴጥሮስ 2:⁠7

ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋን መምርሒኡን

8, 9. (ሀ) ግዙእ ኣብርሃም እንታይ ተልእኾ ኢዩ ነይርዎ፧ (ለ) እቲ ግዙእ: ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ ኽረክብ ዝጸለየ ስለምንታይ ኢዩ: ክጽሊ ኸሎኸ እንታይ ኣጋጠሞ፧

8 ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 24 ናይ ኣምላኽ ፍቕራዊ ሕያውነት: ወይ እሙን ፍቕሪ ዝግለጸሉ ኻልእ መገዲ ንረክብ ኢና። እቲ ጸብጻብ: ኣብርሃም ንግዙኡ ናብ ዓዲ ኣዝማዱ ኸይዱ ንወዱ ይስሃቅ ሰበይቲ ኸምጽኣሉ ኸም ዝለኣኾ ይነግረና። (ቍጽሪ 2-4) ተልእኾኡ ኣጸጋሚ እኳ እንተ ነበረ: መልኣኽ የሆዋ ኸም ዝመርሖ ውሕስነት ተዋሂብዎ ኢዩ። (ቍጽሪ 7) ኣብ መወዳእታ እቲ ግዙእ በታ ኣዋልድ ማይ ክቐድሓላ ዝወጻላ ግዜ ኣብ ወጻኢ “ከተማ ናሆር” (ኣብ ካራን ወይ ኣብ ከባቢኣ) ኣብ ዘሎ ሓደ ዔላ በጽሐ። (ቍጽሪ 10, 11) እተን ኣዋልድ እናቐረባ ይመጻ ምህላወን ምስ ረኣየ: ተልእኾኡ ዝፍጸመሉ ወሳኒ ህሞት ከም ዝበጽሐ ፈለጠ። ይኹን እምበር: ነታ እትድለ ጓል ከመይ ገይሩ ኢዩ ኽመርጻ ዝኽእል፧

9 ግዙእ ኣብርሃም መለኮታዊ ደገፍ ከም ዘድልዮ ስለ ዝፈለጠ: ከምዚ ኢሉ ጸለየ:- “ኣታ እግዚኣብሄር: ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም: ሎሚ ዀታ ኣገባግበለይ: ንጐይታይ ኣብርሃም ከኣ ምሕረት [“ፍቕራዊ ሕያውነት:” NW ] ግበር።” (ቍጽሪ 12) የሆዋ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ዝገልጽ ብኸመይ ኢዩ፧ እቲ ግዙእ: ነታ ኣምላኽ ዝሓረያ ጓል ኸለልያ ዝኽእለሉ ፍሉይ ምልክት ክወሃቦ ሓተተ። (ቍጽሪ 13, 14) ሓንቲ ጓል ልክዕ ከምቲ ንየሆዋ ዝሓተቶ ነገራት ገበረት። እወ: ልክዕ ንጸሎቱ ዝሰምዓቶ ኢዩ ዝመስል! (ቍጽሪ 15-20) እቲ ግዙእ በዚ ተገሪሙ: “ተኲሩ ይጥምታ ነበረ።” ገና ግን ውሳነ ዘድልዮ ኣገዳሲ ጭብጥታት እውን ነይሩ ኢዩ። እዛ ምልክዕቲ ጓል እዚኣ ሓንቲ ኻብ ዘመድ ኣብርሃም ድያ ነይራ፧ ዘይተመርዓወት ድያኸ ነይራ፧ ስለዚ እቲ ግዙእ “እግዚኣብሄር መገዱ ኣቕኒዑሉ እንተ ዀነ ወይስ እንተ ዘይኰነ ኺፈልጥ: ስቕ” በለ።​—⁠ቍጽሪ 16, 21

10. ግዙእ ኣብርሃም የሆዋ ንጐይትኡ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ከም ዝገለጸሉ ዝደምደመ ስለምንታይ ኢዩ፧

10 ድሕሪዚ ነዊሕ ከይጸንሐት እታ ጓል “ኣነ ጓል ቤቱኤል: ወዲ ሚልካ ንናሆር [ሓው ኣብርሃም] ዝወለደትሉ: እየ” በለቶ። (ዘፍጥረት 11:26; 24:24) ኣብታ ህሞት እቲኣ እቲ ግዙእ ኣብርሃም የሆዋ ንጸሎቱ ከም ዝመለሰሉ ፈለጠ። ኣዝዩ ኻብ ምሕጓሱ እተላዕለ ድማ ተምበርኪኹ ከምዚ በለ:- “እቲ: ምሕረቱን [“ፍቕራዊ ሕያውነቱን:” NW ] እምነቱን ካብ ጐይታይ ዘየቋረጸ እግዚኣብሄር: ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም: ይባረኽ። እግዚኣብሄር ንኣይ ከኣ ብመገዲ ቤት ኣሕዋት ጐይታይ መርሓኒ።” (ቍጽሪ 27) ኣምላኽ መሪሕነት ብምሃብ ንኣብርሃም: ጐይታ ናይቲ ግዙእ: ፍቕራዊ ሕያውነቱ ኣርእይዎ ኢዩ።

ፍቕራዊ ሕያውነት ኣምላኽ ዕረፍትን ዕቝባን ይህብ

11, 12. (ሀ) ዮሴፍ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ፈተና ኢዩ ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ ዝረኣየ፧ (ለ) ኣምላኽ ንዮሴፍ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ዝገለጸሉ ብኸመይ ኢዩ፧

11 ቀጺልና ዘፍጥረት ምዕራፍ 39 ንርአ። ኣብቲ ናብ ግብጺ እተሸጠ ኻብ ወዲ ወዱ ንኣብርሃም ዝውለድ ዮሴፍ ኢዩ ዘተኵር። ይኹን እምበር “እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ነበረ።” (ቍጽሪ 1, 2) አረ: እቲ ግብጻዊ ጐይታ ዮሴፍ ዝነበረ ጶጢፋር እኳ ኸይተረፈ የሆዋ ምስ ዮሴፍ ከም ዝነበረ ኣስተውዒሉ ኢዩ። (ቍጽሪ 3) እንተዀነ ግን: ዮሴፍ ኣዝዩ ኸቢድ ፈተና ኣጋጠሞ። ንሰበይቲ ጶጢፋር ኽጋሰሳ ኸም ዝፈተነ ብሓሶት ተኸሲሱ ተኣስረ። (ቍጽሪ 7-20) ኣብቲ “ቤት ማእሰርቲ” ኸኣ “ነእጋሩ ብመቝሕ ሳቐዩ: ነፍሱ ኣብ ሓጺን አተወት።”​—⁠ዘፍጥረት 40:15፣ መዝሙር 105:18

12 ኣብዚ ፈታኒ ዅነታት እዚኸ እንታይ ኣጋጠሞ፧ “እግዚኣብሄር . . . ምስ ዮሴፍ ነበረ: ምሕረት [“ፍቕራዊ ሕያውነት:” NW ] ድማ ገበረሉ።” (ቍጽሪ 21ሀ) ሓደ ፍልይ ዝበለ ግብሪ ፍቕራዊ ሕያውነት ነቲ ዮሴፍ ዘሕልፎ ዝነበረ ሽግራት ዕረፍቲ ዘምጽኣሉ ተኸታታሊ ፍጻመታት ክዓምም ጀመረ። የሆዋ ንዮሴፍ “ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ . . . ሞገስ ሀቦ።” (21ለ) መወዳእትኡ እቲ ሓለቓ ንዮሴፍ ናይ ሓላፍነት ቦታ ሃቦ። (ቍጽሪ 22) ቀጺሉ: ዮሴፍ ምስቲ ዳሕራይ ኣብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ቈላሕታ ኸም ዝረክብ ዝገበሮ ሰብኣይ ተራኸበ። (ዘፍጥረት 40:⁠1-4, 9-15፣ 41:⁠9-14) እቲ ንጉስ ከኣ ንዮሴፍ ካልኣይ ገዛኢ ግብጺ ብምግባር ክብ ኣበሎ: እዚ ድማ ኣብታ ብጥሜት ተጠቒዓ ዝነበረት ሃገር ግብጺ ህይወት ናይ ምድሓን ዕዮ ንኽፍጽም መገዲ ኸፈተሉ። (ዘፍጥረት 41:⁠37-55) ዮሴፍ ስቓዩ ዝጀመረ ወዲ 17 ዓመት ክኸውን ከሎ: ካብ 12 ዓመታት ንላዕሊ ድማ ቀጸለ! (ዘፍጥረት 37:⁠2, 4፣ 41:⁠46) እንተዀነ ግን: ኣብቲ ዘሕለፎ ናይ ጭንቅን ስቓይን ዓመታት ብምሉኡ: የሆዋ ኣምላኽ ንዮሴፍ ካብ መከራ ኣዕቚቡ ኣብቲ መለኮታዊ ዕላምኡ ፍሉይ መሰል ከም ዝረክብ ብምግባር ፍቕራዊ ሕያውነቱ ኣርእይዎ ኢዩ።

ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ ከቶ ኣየቋርጽን

13. (ሀ) ኣብ መዝሙር 136 ብዛዕባ ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ ዝገልጽ እንታይ መግለጺ ኢዩ ዘሎ፧ (ለ) ፍቕራዊ ሕያውነት ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

13 የሆዋ ንእስራኤላውያን ብተዳጋጋሚ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ገሊጹሎም ኢዩ። መዝሙር 136 ብፍቕራዊ ሕያውነቱ ድሕነት (ቍጽሪ 10-15): መሪሕነት (ቍጽሪ 16): ዕቝባ (ቍጽሪ 17-20) ከም ዝሃቦም ትገልጸልና። ኣምላኽ ንውልቀ⁠-​ሰባት እውን ፍቕራዊ ሕያውነቱ ኣርእይዎም ኢዩ። ንሰባት ፍቕራዊ ሕያውነት ዘርኢ ሰብ ዘየላቡ ዅነታት ከጋጥሞም ከሎ ብፍታው ተላዒሉ ዘድልዮም ነገራት ኢዩ ዘማልኣሎም። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወከሲ ብዛዕባ ፍቕራዊ ሕያውነት ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ህይወት ናይ ምዕቃብ ወይ ናይ ምብልጻግ ተግባር ኢያ። ምእንቲ ሓደ ሕማቕ ነገራት ወይ ጭንቀት ዘጋጠሞ ሰብ ኢድካ ምእታው ማለት ኢያ።” ሓደ ምሁር “ናብ ተግባር እተተርጐመት ፍቕሪ” ኢሉ ገሊጽዋ ኣሎ።

14, 15. ሎጥ ስምረት ኣምላኽ ዝነበሮ ኣገልጋሊ ኸም ዝነበረ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 እቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ናይ ዘፍጥረት ጸብጻብ: የሆዋ ነቶም ዘፍቅርዎ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ኻብ ምግላጽ ከም ዘየቋርጽ የርእየና። ሎጥ: ኣብርሃም: ዮሴፍ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም: እተፈላለየ ፈተናታት ከኣ ኣጓኒፍዎም ኢዩ። ዘይፍጹማት ሰባት እኳ እንተ ነበሩ: ስምረት የሆዋ ዝነበሮም ኣገልገልቲ ኢዮም ነይሮም: መለኮታዊ ደገፍ ከኣ የድልዮም ነበረ። እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ፍቕራዊ ሕያውነቱ ከም ዘርእዮም ምፍላጥና ከጸናንዓና ይኽእል ኢዩ።

15 ሎጥ ናብ ጸገም ዝመርሖ ጥበባዊ ዘይኰነ ውሳነታት ገበረ። (ዘፍጥረት 13:⁠12, 13፣ 14:⁠11, 12) ይኹን እምበር: ዝነኣድ ባህርያት እውን ነይርዎ ኢዩ። ክልተ መላእኽቲ ናብ ሶዶም ምስ መጹ: ሎጥ ኣአንገዶም። (ዘፍጥረት 19:⁠1-3) ንሰብኡት ኣዋልዱ እውን ብዛዕባ እቲ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ጥፍኣት ሶዶም ብእምነት ኣጠንቂቕዎም ኢዩ። (ዘፍጥረት 19:⁠14) ኣምላኽ ብዛዕባ ሎጥ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኣብ 2 ጴጥሮስ 2:⁠7-9 ተገሊጹ ንረኽቦ:- “[የሆዋ] ነቲ ብኣበሳኦምን ብርኹስ ንብረቶምን ዚስቀ ዝነበረ ሎጥ ጻድቕ ግና ኣድሐኖ:​—⁠ማለት: እቲ ጻድቕ ኣብ ማእከሎም ኪነብር ከሎ: ኣብ ጸጽባሕ በቲ ዚርእዮን ዚሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመጻኦም: እታ ጻድቅ ነፍሱ ትስቀ ነበረት።​—⁠እምብኣርስኸ ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና [ከም ዘውጽኦም] . . . ይፈልጥ እዩ።” እወ: ሎጥ ጻድቕ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ: እቲ ኣብዚ ጥቕሲ እዚ ዘሎ ቓላት ከኣ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ከም ዝነበሮ ኢዩ ዝሕብረና። ንሕናውን “ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን” ክንመላለስ ከሎና ልክዕ ከምኡ ፍቕራዊ ሕያውነት ኣምላኽ ንረክብ ኢና።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:11, 12

16. መጽሓፍ ቅዱስ ንኣብርሃምን ዮሴፍን እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝንእዶም፧

16 እቲ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 24 እንረኽቦ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ ኣብርሃም ምስ የሆዋ ዝነበሮ ናይ ማሕርሮ ርክብ ኣነጺሩ ኢዩ ዝገልጸልና። ቍጽሪ ሓደ “እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም ብዅሉ ባሪኽዎ ነበረ” ትብለና። ግዙእ ኣብርሃም ንየሆዋ: “ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም” ኢሉ ጸውዖ። (ቍጽሪ 1227) ወደ መዝሙር ያእቆብ እውን ኣብርሃም ከም ‘ዝጸደቐ: ፍቁር ኣምላኽውን ከም እተባህለ’ ይገልጸልና። (ያእቆብ 2:21-23) ዮሴፍ እውን ብብዙሕ መገዲ ምስኡ ዝመሳሰል ኢዩ። እቲ ኣብ መንጎ የሆዋን ዮሴፍን ዝነበረ ናይ ማሕርሮ ርክብ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 39 ጐሊሑ ኣሎ። (ቍጽሪ 2, 3, 21, 23) ብተወሳኺ: ወደ መዝሙር እስጢፋኖስ ብዛዕባ ዮሴፍ “ኣምላኽ . . . ምስኡ ነበረ” በለ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 7:⁠9

17. ካብ ናይ ሎጥን ኣብርሃምን ዮሴፍን ኣብነት እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧

17 እዞም ኣቐዲምና ዝረኣናዮም ፍቕራዊ ሕያውነት ዘስተማቐሩ ሰባት ምስ የሆዋ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ዝነበሮም: ብእተፈላለየ መገድታት ከኣ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ዘገልገሉ ኢዮም ነይሮም። ብገዛእ ርእሶም ክዋጽእሉ ዘይክእሉ ዕንቅፋታቶም ሰጊሮም ኢዮም። ድሕነት ሎጥ: ምቕጻል ትውልዲ ኣብርሃም: ከምኡውን እቲ ዮሴፍ ዝነበሮ ግደ ኣብ ሓደጋ ኢዩ ነይሩ። ንድሌት እዞም ኣምላኻዊ ፍርሃት ዝነበሮም ሰባት ከማልኣሎም ዝኽእል የሆዋ ጥራይ ኢዩ ነይሩ: ነዚ ድማ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ብምርኣይ ኢዩ ገይርዎ። ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ ኣምላኽ ንዘለኣለም ንኽንረክብ: ምስኡ ናይ ማሕርሮ ርክብ ክህልወና ኣለዎ: ፍቓዱ እውን ብቐጻሊ ኽንገብር ኣሎና።​—⁠እዝራ 7:⁠28፣ መዝሙር 18:⁠50

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሞገሱ ይረኽቡ

18. እተፈላለየ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ እንታይ ኢዩ ዝሕብረልና፧

18 ‘ምድሪ ብጸጋ [“ብፍቕራዊ ሕያውነት:” NW ] ኣምላኽ መሊኣ’ ኢያ: ነዚ ባህሪ የሆዋ እዚ ኸኣ ኣዚና ነማስወሉ ኢና። (መዝሙር 119:⁠64) ነቲ ጸሓፍ መዝሙር እተጠቕመሉ ከምዚ ዝብል ኣዝማች ብምሉእ ልብና ምላሽ ንህበሉ ኢና:- “ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን [“ፍቕራዊ ሕያውነቱን:” NW ] ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።” (መዝሙር 107:8, 15, 21, 31) የሆዋ ነቶም ስምረቱ ዘለዎም ኣገልገልቱ​—⁠ብውልቀ⁠-​ሰብ ይኹን ብጕጅለ​—⁠ፍቕራዊ ሕያውነቱ ስለ ዝዝርግሓሎም ሕጕሳት ኢና። ነብዪ ዳንኤል ናብ የሆዋ ብጸሎት ቀሪቡ “ኣታ ነቶም ዚፈትዉኻን ትእዛዛትካ ዚሕልዉንሲ ኪዳንን ምሕረትን [“ፍቕራዊ ሕያውነትን:” NW ] እተጽንዓሎም ዓብይን እትፍራህን ኣምላኽ” በሎ። (ዳንኤል 9:4) ንጉስ ዳዊት “ሳህልኻ [“ፍቕራዊ ሕያውነትካ:” NW ] ነቶም ዚፈልጡኻ . . . ወስኽ” ኢሉ ጸለየ። (መዝሙር 36:⁠10) የሆዋ ንኣገልገልቱ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ስለ ዝገልጸሎምሲ ኣየ ኽንደይ ሕጉሳት ኰን ኢና!​—⁠1 ነገስት 8:⁠23፣ 1 ዜና መዋእል 17:⁠13

19. ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንርኢ፧

19 ብሓቂ ከም ህዝቢ የሆዋ መጠን ሞገሱ ረኺብና ኢና! ኣብ ርእሲ እቲ ንደቅ​ሰብ ብሓፈሻ ኻብ እተገልጸ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝርከብ ጥቕሚ: እቲ ሰማያዊ ኣቦና ብዘርእየና ፍቕራዊ ሕያውነት: ወይ እሙን ፍቕሪ ኣቢልና እውን ፍሉይ በረኸታት ነስተማቕር ኢና። (ዮሃንስ 3:⁠16) ብፍላይ ኣሸጋሪ ዅነታት ከጓንፈና ኸሎ ካብዚ ኽቡር ባህሪ የሆዋ ንጥቀም ኢና። (መዝሙር 36:⁠7) ይኹን እምበር: ነቲ ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ ኣምላኽ ብኸመይ ኢና ኽንቀድሖ እንኽእል፧ ነዚ ዘደንቕ ባህሪ እዚ ብብሕትና ነንጸባርቖዶ ኣሎና፧ እዝን ምስኡ እተተሓሐዘ ሕቶታትን ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቀዳማይ ትርጕም ኣብ ክንዲ እታ ፍቕራዊ ሕያውነት እትብል ቃል ምሕረት: ሳህሊ: ለውሃት: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ሞገስ: ጸጋ ዝብል ቃላት ኢዩ ዝርከብ።

ትዝክሮዶ፧

• ካልእ ኣማራጺ ትርጕም ናይታ “ፍቕራዊ ሕያውነት” እትብል ቃል እንታይ ኢዩ፧

• ፍቕራዊ ሕያውነት ካብ ፍቕርን ተኣማንነትን እትፍለ ብኸመይ ኢያ፧

• የሆዋ ንሎጥ: ንኣብርሃም: ንዮሴፍ በየናይ መገዲ ኢዩ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ዘርኣዮም፧

• እቲ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዘርኣዮ እተፈላለየ መግለጺ ፍቕራዊ ሕያውነቱ እንታይ ውሕስነት ኢዩ ዝህብና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ንሎጥ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ብኸመይ ከም ዘርኣዮ ትፈልጥዶ፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ብፍቕራዊ ሕያውነቱ ንግዙእ ኣብርሃም መሪሕዎ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንዮሴፍ ብምዕቛብ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ኣርእይዎ ኢዩ