ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዘደንቕ ወሰኽ ህጹጽ ዕዮ ህንጸት ኣስዓበ

ዘደንቕ ወሰኽ ህጹጽ ዕዮ ህንጸት ኣስዓበ

“ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ”

ዘደንቕ ወሰኽ ህጹጽ ዕዮ ህንጸት ኣስዓበ

 የሱስ ክርስቶስ “ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” በለ። (ማቴዎስ 11:28) እዝስ ካብቲ ርእሲ ክርስትያናዊት ማሕበር ዝቐረበ ኸመይ ዝበለ ባህ ዘብል ጻውዒት ኰን ኢዩ! (ኤፌሶን 5:⁠23) ነዚ ቓላት እዚ ተጠንቂቕና ምስ እንምርምሮ: ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምስ መንፈሳዊ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምእካብ ዝርከብ ኣድላዪ ምንጪ ዕረፍቲ ዝዀነ ምድላው ብሓቂ ነማስወሉ ኢና። ምስቲ “ኣሕዋት ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩስ: ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ” ኢሉ ዝዘመረ ጸሓፍ መዝሙር ብርግጽ ንሰማማዕ ኢና።​—⁠መዝሙር 133:1

እቶም ኣብዚ ናይ ኣምልኾ ኣኼባታት እንረኽቦም ሰባት ዝበለጹ ኣዕሩኽና ኢዮም: እቲ መንፈሳዊ ሃዋሁ እውን ዕቝባ ዝርከቦን ባህ ዘብልን ኢዩ። ሓንቲ ክርስትያን መንእሰይ እምበኣር ከምዚ ዝስዕብ ክትብል ሓቃ ኢያ:- “ምሉእ መዓልቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስለ ዝውዕል ብዙሕ ጸቕጥታት ኢዩ ዘጋጥመኒ። ኣኼባታት ግን ከም ልሙዕ ቦታ ኣብ ምድረ⁠-​በዳ ስለ ዝዀነ: እቲ ኣብኡ ዝረኽቦ ምሕዳስ ኣብታ ቀጺላ ዘላ መዓልቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዘጋጥመኒ ነገራት ክዋጽኣሉ ይሕግዘኒ ኢዩ።” ካልእ ናይጀርያዊት መንእሰይ ከኣ “ምስቶም ንየሆዋ ዘፍቅሩ ጥብቂ ምሕዝነት ምግባረይ: ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ጥብቂ ርክብ ንኽዕቅቦ ኣኽኢሉኒ ኢዩ” በለት።

ኣደራሻት መንግስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ማሕበረሰብ ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብምዃን የገልግል ኢዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት እንተ ወሓደ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣኼባታት ይግበር፣ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዑ ሰባት ከኣ ካብቲ ዕረፍቲ ዘምጽእ ኣኼባ ምእንቲ ኽጥቀሙ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ኣብኡ ንኽካፈሉ ዕድመ ይቐርበሎም ኢዩ።​—⁠እብራውያን 10:⁠24, 25

ብህጹጽ ዘድሊ ነገር

ይኹን እምበር: ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይኰኑን ምቹእ ኣደራሽ መንግስቲ ዘለዎም። ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ብዝሒ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተራእየ ዘደንቕ ወሰኽ ብህጹጽ ዘድሊ ኻልእ ነገር ኣስዓበ። ብፍላይ ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ብኣሽሓት ዝቝጸር ኣደራሻት መንግስቲ የድሊ ኣሎ።​—⁠ኢሳይያስ 54:⁠2፣ 60:⁠22

ንኣብነት: ኣብ ርእሲ ኸተማ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ 290 ጉባኤታት ዓሰርተ ኣደራሻት መንግስቲ ጥራይ ኢዩ ዘለወን። ኣብዛ ሃገር እዚኣ ብዙሕ ኣደራሻት መንግስቲ ብህጹጽ የድሊ ኣሎ። ኣብ ኣንጎላ ሒደት ኣደራሻት መንግስቲ ጥራይ ስለ ዘሎ መብዛሕትአን ጉባኤታት ኣብ ጐልጐል ኢየን ዝእከባ። ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ሽግር ኣሎ።

በዚ ምኽንያት እዚ ኻብ 1999 ኣትሒዙ ኣብተን ድኻታት ሃገራት ንዝካየድ ህንጸት ኣደራሽ መንግስቲ ንምሕጋዝ እተወደበ ጻዕሪ ኽግበር ጸኒሑ ኢዩ። ኣብተን ሃገራት ኣብ ዝካየድ ፕሮጀክትታት ህንጸት ሓገዝ ንምግባር ተመክሮ ዘለዎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወለንተኛታት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። እዚ ጻዕርታት እዝን ኣብተን ሃገራት ዝርከቡ ወለንተኛታት ዘርእይዎ ናይ ፍታው መንፈስን ተደሚሩ ኣዝዩ ዘሐጕስ ፍረ የፍሪ ኣሎ። ኣብተን ሃገራት ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ካብቲ ዝረኸብዎ ስልጠና ይጥቀሙ ኣለዉ። እዚ ዅሉ ጻዕርታት: ነዚ ዘሎ ጸገም ዋሕዲ ኣደራሻት መንግስቲ ንምፍታሕ ይሕግዝ ኢዩ።

ስለዚ ኸኣ ኣብ ህንጸት ኣደራሽ መንግስቲ ናይቲ ኸባቢ ሜላታትን ኣብኡ ዝርከብ ንዋትን ብምጥቃም ተዓጻጻፍነት ዝርኣየሉ ግብራዊ ሓገዝ ይወሃብ ኣሎ። ዕላማ ናይዚ ፕሮጀክት ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ዋሕዲ ኣደራሻት መንግስቲ ንምፍታሕ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ኸባቢ ዝሰማማዕ ናይ ጽገና ፕሮግራም ንምድላው እውን ኢዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 8:⁠14, 15

ዘተባብዕ ምዕባለታት

ናይ ኣምልኾ ቦታታት ንምህናጽ እተገብረ ጻዕርታት እንታይ ፍረ ኣፍረየ፧ ኣብ መጀመርታ 2001 ካብ ማላዊ ዝመጸ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝፍጸም ዘሎ ዕማም ብሓቂ ዘደንቕ ኢዩ። ኣብ ዝቕጽል ክልተ ወርሒ ተወሳኺ ኣደራሻት መንግስቲ ኽንዛዝም ኢና።” (ስእሊ 1ን 2ን) ኣብ ቶጎ ዝርከቡ ወለንተኛታት ኣብዚ ቐረባ ኣዋርሕ ቅልል ዝበለ ንድፊ ዘለዎ ሓያሎ ኣደራሻት መንግስቲ ኽሃንጹ ኽኢሎም ኢዮም። (ስእሊ 3) ወለንተኛታት ዓየይቲ ሰናይ ግብሪ ብምግባሮም እውን ኣብ ሜክሲኮን ብራዚልን ካልኦት ሃገራትን ምቹእ ኣደራሻት መንግስቲ ንምህናጽ ሓገዝ ይገብር ኣሎ።

ኣደራሽ መንግስቲ ምስ ተሃንጸ: ተቐማጦ እቲ ኸባቢ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ኸም ዘይጠፍኡ ንኸስተውዕሉ ኸም ዝሓገዞም ጉባኤታት ተገንዚበን ኢየን። ብዙሓት ሰባት ምቹእ ናይ ኣምልኾ ቦታ ኽሳዕ ዝህነጽ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምሕባር ሰጋእ መጋእ ዝብሉ ዝነበሩ ይመስሉ። ካብታ ኣብ ማላዊ እትርከብ ጉባኤ ናፊሰ እተላእከ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ሕጂ ምቹእ ኣደራሽ መንግስቲ ስለ ዘሎና ጽቡቕ ምስክርነት ኰይኑ ኣሎ። ስለዚ ኸኣ ምስ ሰባት ብቐሊሉ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጅምር ክኢልና ኢና።”

ኣባላት ናይታ ኣብ በኒን እትርከብ ጉባኤ ክራክ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣደራሽ መንግስቶም ምስ ገሊኡ ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት ክወዳደር ከሎ ትሑት ስለ ዝነበረ ብዙሕ ላግጺ ኣጋጢምዎም ኢዩ። (ስእሊ 4) ሕጂ እታ ጉባኤ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘኽብር መጠኑ ዝሓለወ ሓድሽ ምዕሩግ ኣደራሽ መንግስቲ ኣለዋ። (ስእሊ 5) እዛ 34 ኣስፋሕቲ ዘለዉዋ ጉባኤ ሰንበት ሰንበት ኣብ ዝግበር ኣኼባታት ብገምጋም 73 ተኣከብቲ ይመጹ እኳ እንተ ነበሩ: እዚ ኣደራሽ መንግስቲ ኽውፈ ኸሎ ግን 651 ተኣከብቲ ነበሩ። መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ኣደራሽ ብምህናጾም እተደነቑ ተቐማጦ እታ ኸተማ ኢዮም ነይሮም። ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዚምባብዌ ኣብዚ መዳይ እዚ ብዛዕባ እተረኽበ ምዕባለታት “ኣደራሽ መንግስቲ እንተ ተሃኒጹ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ቍጽሪ ተኣከብቲ ዕጽፊ ይኸውን” ብምባል ጽሒፉ ኢዩ።​—⁠ስእሊ 6ን 7ን

ሓደስቲ ኣደራሻት መንግስቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ኰኑ ተገደስቲ ሰባት መንፈሳዊ ዕረፍቲ ንኽረኽቡ ኸም ዝሕግዝ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ሓንቲ ኣብ ዩክረይን እትነብር ናይ የሆዋ ምስክር ጉባኤኣ ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ኽትጥቀም ምስ ጀመረት “ዓብዪ ሓጐስ ኢዩ ተሰሚዑና። የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዝሕግዞም ብዓይንና ርኢና ኢና” በለት።

[ኣብ ገጽ 10, 11 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ብልግሲ እተገብረ ዝምስገን ደገፍ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ብህጹጽ ዘድሊ ሓደስቲ ኣደራሻት መንግስቲ ኣብ ምህናጽ ቅልጡፍ ምዕባለ ኽርእዩ ኸለዉ ኣዝዮም ኢዮም ዝሕጐሱ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ብዝሒ ኣምለኽቲ የሆዋ ብቐጻሊ ይውስኽ ብምህላዉ: ኣብ መጻኢ ሓደስቲ ኣደራሻት መንግስቲ ኸድሊ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ። ኣብ ናይ 2001 ዓመት ኣገልግሎት ጥራይ ብገምጋም ኣብ ሰሙን 32 ሓደስቲ ጉባኤታት ይቘማ ነይረን ኢየን! እዘን ጉባኤታት እዚኣተን መአከብን ናይ ኣምልኾን ቦታ የድልየን ኢዩ።

‘ነዚ ፕሮጀክትታት ህንጸት ኣደራሻት መንግስቲ: ብፍላይ ከኣ ኣብተን ድኻታት ሃገራት ዝግበር ህንጸት: ብኸመይ ኢና እንምውሎ፧’ ዝብል ሕቶ ኽለዓል ይኽእል ኢዩ። መልሱ: ብመለኮታዊ ሓገዝን ሰባት ብዝገብርዎ ልግስን ዝብል ኢዩ።

የሆዋ ኸምቲ እተመባጽዖ ኣብ ኣገልገልቱ መንፈስ ቅዱሱ ብምፍሳስ “ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ: ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ: ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ” ኣኽኢልዎም ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:18) መንፈስ ኣምላኽ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብዅሉ መዳይ ንኽሕግዙ ማለት ግዜኦም: ጕልበቶም: ከምኡውን ካልእ ጥሪቶም ንክርስትያናዊ ንጥፈታት ብምስዋእ ደገፎም ንኽገብሩ ደሪኽዎም ኢዩ።

ናይ ልግሲ መንፈስ ንናይ የሆዋ መሰኻኽርን ንኻልኦትን ብምድራኽ ኣብቲ ናይ ምስፋሕን ህንጸትን ዕዮ ብገንዘብ ንኽድግፉ ደሪኽዎም ኢዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ጉባኤኦም ወጻኢ ንምሽፋን ዝገብርዎ ወፈያ: ኣብ ካልእ ቦታታት ንዝግበር ዕዮ ህንጸት እውን ወፈያ ይገብሩ ኢዮም።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ “ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ዝኸውን ውጽኢት​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14” ዝብል ብንጹር እተጻሕፎ ሳጹናት ኣሎ። ኣብኡ ኸኣ ውልቀ⁠-​ሰባት ብፍታዎም ወፈያ ኽገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። (2 ነገስት 12:⁠9) ብዙሕ ይኹን ሒደት ብዘየገድስ ኵሉ ዝግበር ወፈያታታት ዝምስገን ኢዩ። (ማርቆስ 12:⁠42-44) እዚ ገንዘብ እዚ ከከም ኣድላይነቱ ኣብ እተፈላለየ መዓላ ኢዩ ዝውዕል: ሓደ ኻብዚ ኸኣ ህንጸት ኣደራሻት መንግስቲ ኢዩ። እዚ ገንዘብ እዚ ደሞዝ ኣመሓደርቲ ንምኽፋል ኣይውዕልን ኢዩ: ከመይሲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደሞዝ ዝኽፈሎም ኣመሓደርቲ የብሎምን።

ንዓለምለኻዊ ዕዮ እተዋጽአ ወፈያ ኣብ መዓልኡ ድዩ ዝውዕል፧ እወ: ኣብ መዓልኡ ኢዩ ዝውዕል። ኣብታ ብውግእ ሓድሕድ ዝዓነወት ላይበርያ ዝነብሩ መብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሽቕለት⁠-​ኣልቦነትን ካልእ ከቢድ ቍጠባዊ ጸገምን ከም ዘጋጠሞም ናይታ ሃገር ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ ኢዩ። ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነበሩ ህዝቢ የሆዋ ምቹእ ቦታ ኣምልኾ ክረኽቡ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርከቡ ኣሕዋት ብልግሲ ዝገብርዎ ወፈያታት ነዚ ዕዮ እዚ ይምውል ኢዩ። ከመይ ዝበለ ጥበባውን ፍቕራውን ምድላው ኰን ኢዩ!”

ኣብተን ድኻታት ሃገራት ዝነብሩ ኣሕዋት እውን ትሑት ኣታዊ እኳ እንተለዎም ወፈያ ይገብሩ ኢዮም። ካብታ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ሴራ ልዮን ዝመጸ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “እቶም ኣብዛ ሃገር ዘለዉ ኣሕዋት ነዚ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ይድግፍዎ ኢዮም: ኣደራሽ መንግስቲ ኣብ ምህናጽ ንምሕጋዝ ከኣ ጕልበቶምን ዘላቶም ገንዘብን ተሓጒሶም ኢዮም ዝውፍዩ።”

ኣብ መወዳእታኡ እዚ ጻዕርታት እዚ ንየሆዋ ኢዩ ውዳሰ ዘምጽኣሉ። ኣብ ላይበርያ ዝርከቡ ኣሕዋት ብውዕዉዕ ስምዒት “ኣብ ምልእቲ እዛ ሃገር ምቹእ ናይ ኣምልኾ ቦታታት ይህነጽ ብምህላዉ: ነቶም ህዝቢ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ካብዚ ዓዲ ኸም ዘይጠፍእ ኸስተውዕሉ ኽሕግዞም ከምኡውን ነቲ ዓብዪ ስም ኣምላኽ ከኽብሮን ስልማት ክዀኖን ኢዩ” በሉ።