ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግርምቢጥ ተግባር ተርቱልያን

ግርምቢጥ ተግባር ተርቱልያን

ግርምቢጥ ተግባር ተርቱልያን

 ‘ኣብ መንጎ ክርስትያንን ፈላስፋን ከምኡውን ኣብ መንጎ ንሓቂ ዝብክልን ንሓቂ በቲ ልክዕ መገዲ ዝምህርን ከመይ ኢሉ ምምስሳል ክህሉ ይኽእል፧ ኣብ መንጎ እቲ ናይ ፕላቶ ቤት ትምህርትን ቤተ⁠-​ክርስትያንን እንታይ ስምምዕ ኣሎ፧’ ከምዚ ዝኣመሰለ በዳሂ ሕቶታት ዘበገሰ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ዘመን ዝነብር ዝነበረ ተርቱልያን ዝበሃል ጸሓፊ ኢዩ። “ሓደ ኻብቶም ብዛዕባ ታሪኽ ቤተ⁠-​ክርስትያንን ኣብ ግዜኡ ብዛዕባ ዝነበረ ሰረተ⁠-​እምነታትን ዝገልጽ ኣኽል⁠-​ታርፍ ምንጭታት ዝርከበሉ ኣካል” ተባሂሉ ኢዩ ዝፍለጥ። ዳርጋ ንብምሉኡ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ህይወት ኣትኵሮ ገይሩሉ ኢዩ።

ተርቱልያን በቲ ግርምቢጥ ወይ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ዝመስል መግለጺታቱ ኣጸቢቑ ይፍለጥ ኢዩ። ንኣብነት ከምዚ ኢሉ ኢዩ:- “ኣምላኽ ንእሽቶ ምስ ኰነ ኢዩ ዝያዳ ዓብዪ ዝኸውን።” “[ሞት ወዲ ኣምላኽ] ናይ ግድን ክንኣምኖ ይግባእ: ከመይሲ ዘይርትዓዊ ኢዩ።” “[የሱስ] ተቐቢሩ ተንስአ፣ እዚ ሓቂ እዚ እተረጋገጸ ኢዩ: ከመይሲ ክኸውን ዘይክእል ነገር ኢዩ።”

እንተዀነ ግን: ተርቱልያን ዘረባኡ ጥራይ ኣይኰነን ግርምቢጥ ዝነበረ። ጽሑፋቱ ንሓቂ ዝጣበቕ ከምኡውን ንንጽንህናን ሰረተ⁠-​እምነትን ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝድግፍ ክኸውን ኢሉ እኳ እንተ ጸሓፎ: ብልክዕ ክርአ ኸሎ ግን ንትምህርትታት ሓቂ በኪልዎ ኢዩ። እቲ ንህዝበ⁠-​ክርስትያን ዝገበረላ ቐንዲ ኣበርክቶ ነቲ ደሓር ጸሓፍቲ ዘቘምዎ ሰረተ⁠-​እምነት ስላሴ መሰረት ኣንቢሩ ምኻዱ ኢዩ። እዚ ብኸመይ ከም ዝዀነ ንምርዳእ: መጀመርታ ብዛዕባ ተርቱልያን እተወሰነ ምርምር እስከ ንግበር።

“ፈጺሙ ዘሰልኪ ኣይነበረን”

ብዛዕባ ህይወት ተርቱልያን ብዙሕ ዝፍለጥ ነገራት የልቦን። ብዙሓት ምሁራት ብ160 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ኣብታ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እትርከብ ካርቴጅ ከም እተወልደ ይሰማምዑ ኢዮም። ጽቡቕ ትምህርቲ ከም ዝረኸበን ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ ዝነበሩ ጕጅለታት ፍልስፍና ኣጸቢቑ ይፋለጥ ምንባሩን ርዱእ ኢዩ። ናብ ክርስትና ዝሰሓቦ እቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ምእንቲ እምነቶም ንሙማት ዘርኣይዎ ፍቓደኛነት ክኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ ሰማእታት ክርስትያን ከምዚ ዝብል ሕቶ ኣቕረበ:- “ነዚ ድሕሪ ምስትንታን ካብ ምንታይ ተደሪኾም ኢዮም ኢሉ ንኽሓትት ዘይለዓዓል መን ኢዩ፧ ነዚ ሕቶ እዚ ድሕሪ ምሕታት ንትምህርትታትና ዘይቕበሎኸ መን ኢዩ፧”

ተርቱልያን እምነቱ ናብ ስመ⁠-​ክርስትያን ምስ ቀየረ: ብልሓት ዝመልኦ ሕጽር ዝበለ ውርጹጽ መግለጺታት ዝጥቀም ክኢላ ጸሓፊ ዀነ። እታ ዘ ፋዘርስ ኦቭ ዘ ቸርች ዘርእስታ መጽሓፍ “ኣብቶም ናይ ሃይማኖት ምሁራት ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ብቐሊሉ ዘይርከብ ክእለት ነበሮ፣ ፈጺሙ ዘሰልኪ ኣይነበረን” ትብል። ሓደ ምሁር ከምዚ በለ:- “ተርቱልያን ኣብ ምሉእ ሓሳባት ዘይኰነስ ኣብ ቃላት ተውህቦ ነበሮ: ካብቲ መጐትኡ ንላዕሊ ኸኣ እቲ ተረካብ ዘረባኡ ኢዩ ብቐሊሉ ዝርድኣካ። ምናልባት በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ ስሙ ብዙሕ ግዜ ዝለዓል እኳ እንተዀነ ዝበዝሕ ግዜ ግን ንውሕ ዝበለ ሓሳባቱ ዘይጥቀስ።”

ንክርስትና ምጥባቕ

ተርቱልያን ካብ ዘዳለዎ ጽሑፋት እታ ብዝያዳ እተፈልጠት ኣፖሎጂ ዘርእስታ ዀይና ሓንቲ ኻብተን ንስመ⁠-​ክርስትያን ብጽሑፍ እተገብረላ ብሉጽ ጥብቅና ኢያ እትቝጸር። ክርስትያናት ግዳይ ናይቶም ማሪታዊ እምነት ዝነበሮም መናዓብቲ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ከኣ ኢያ ተጻሒፋ። ተርቱልያን ነዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ተጣበቐሎም: እቶም መናዓብቲ ንዝገብርዎ ዝነበሩ ናይ ዕሽነት ተግባራት ከኣ ተቓወሞ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “[ተጻረርቲ ዘበሉ] ዝዀነ ይኹን ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ጥፍኣትን ሕማቕ ኣጋጣምን ብሰንኪ ክርስትያናት ከም ዝመጸ ገይሮም ኢዮም ዝሓስቡ። . . . ፈለግ ኒል እንተ ዘይመሊኡ: ኵነታት ኣየር እንተ ዘይተቐዪሩ: ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን ፌራን እንተ ኣጋጢሙ ‘ንክርስትያናት ናብ ኣናብስ ደርብይዎም’ ዝብል ጭድርታ ብኡ​ንብኡ ይስማዕ።”

ክርስትያናት ንመንግስቲ እሙናት ከም ዘይኰኑ ጌርካ ይኽሰሱ እኳ እንተ ነበሩ: ተርቱልያን ግን ካብ ካልእ ንላዕሊ እሙናት ዜጋታት ምዃኖም ከርኢ ጸዓረ። መንግስቲ ንምግልባጥ እተገብረ ፈተነታት ድሕሪ ምጥቃስ: እቶም ውዲት ዝኣለሙ ክርስትያናት ዘይኰኑስ ኣረማውያን ምዃኖም ንተጻረርቱ ኣዘኻኸሮም። ክርስትያናት ክቕተሉ ኸለዉ እታ ሃገር ብሓቂ ኸም እትጕዳእ እውን ሓበረ።

ካልእ ጽሑፋት ተርቱልያን ንክርስትያናዊ ናብራ ዝምልከት ነበረ። ንኣብነት: ኣብቲ ኦን ዘ ሾውስ ዘርእስቱ ዝርርቡ: ክርስትያናት ናብ መዘናግዕን ኣረማዊ ጸወታታትን ተዋስኦታትን ዝረኣየሉ ቦታታት ንኸይከዱ መዓደ። ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽመሃሩ ተኣኪቦም ድሕሪ ምጽናሕ ኣረማዊ ጸወታታት ክዕዘቡ ምኻድ ዝጋጮ ዀይኑ ዘይተሰምዖም ሓደስቲ ክርስትያናት ነይሮም ክዀኑ ኣለዎም። ነቲ ናይ ምሕሳብ ክእለቶም ንምብርባር “ካብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣምላኽ ናብ እንዳ ድያብሎስ: ካብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ናብ ኣራዊታዊ ንጥፈታት ምኻድሲ ኽሳዕ ክንደይ ዘፈንፍን ኰን ኢዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ብተወሳኺውን “ብተግባር ዝነጸግኩምዎ ነገር ብቓላት እውን ኽትቕበልዎ የብልኩምን” በለ።

ንሓቂ እናተጣበቐሉ ኸሎ በከሎ

ተርቱልያን ኣብታ ኣገይንስት ፓራክሰያስ ዘርእስታ ቴማ ከምዚ ብምባል ጽሑፉ ጀመረ:- “ብእተፈላለየ መገዲ ድያብሎስ ንሓቂ ይጻባእን ይጻረርን ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ንሓቂ ብምጥባቕ ከጥፍኣ ኢዩ ዝሕልን።” እቲ ኣብዚ ቴማ ፓራክሰያስ ተባሂሉ ዘሎ ሰብ ሕጂ ብትኽክል ዘይፍለጥ እኳ እንተዀነ: ተርቱልያን ግን ነቲ እዚ ሰብ እዚ ብዛዕባ ኣምላኽን ክርስቶስን ዝነበሮ ትምህርትታት ተቓወሞ። ንፓራክሰያስ ንክርስትና ብስዉር ክብክል ዝጽዕር መሳርሒ ሰይጣን ገይሩ ረኣዮ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ መንጎ እቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ዝነበረ ቐንዲ መዘራረቢ ነጥቢ: ኣብ መንጎ ኣምላኽን ክርስቶስን ዝነበረ ርክብ ኢዩ። ገሊኣቶም ሰባት ብፍላይ ከኣ ግሪኻውያን: ኣብ ሓደ ኣምላኽ ምእማን ምስቲ የሱስ ከም መድሓንን ተበጃውን መጠን ዘለዎ ግደ ኣሰማሚዖም ንኽቕበልዎ ኸበዶም። ፓራክሰያስ ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን ፍልልይ ከም ዘየለ: የሱስ ከኣ ብኻልእ መገዲ እተገልጸ ኣቦ ኢዩ ዝብል ትምህርቲ ብምምጻእ ነቲ ጸገሞም ክፈትሖ ፈተነ። እዚ ኽልሰ⁠-​ሓሳብ እዚ: ግልጸት ተባሂሉ ዝፍለጥ: ኣምላኽ “ብግዜ ፍጥረትን እቲ ሕጊ ኣብ ዝሃበሉ ግዜን ከም ኣቦ: ኣብ የሱስ ክርስቶስ ከም ወዲ: ክርስቶስ ድሕሪ ምዕራጉ ኸኣ ከም መንፈስ ቅዱስ” ኰይኑ ኸም እተገልጸ ኢዩ ዝምህር።

ተርቱልያን ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን ንጹር ምፍልላይ ከም ዝገብር ገለጸ። ቀዳማይ ቈረንቶስ 15:⁠27, 28 ብምጥቃስ “እቲ (ዅሉ) ዘግዝእን እቲ ዅሉ ዝግዝኦን ክልተ እተፈላለዩ ኣካላት ክዀኑ ኣለዎም” ብምባል ርትዓዊ ሓሳብ ኣቕረበ። ነቲ የሱስ ባዕሉ “ካባይ ኣቦይ ይዐቢ” ዝበሎ ኸኣ ጠቐሰ። (ዮሃንስ 14:28) ከም መዝሙር 8:⁠5 ዝኣመሰለ ገለ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ገይሩ ኸኣ ወዲ “ዝንእስ” ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝገልጽ ኣርኣየ። “ስለዚ ኣቦ ኻብ ወዲ ዝዓቢ ኻብ ኰነ እተፈላለዩ ኣካላት ኢዮም” ብምባል ደምደመ። “ከምቲ ኣቦን ወድን በበይኖም ዝዀኑ፣ እቲ ዝልእኽን ዝልኣኽን ከምኡውን እቲ ዝገብርን ብእኡ ኣቢሉ ነገራት ዝግበርን በበይኖም ኢዮም።”

ተርቱልያን ንወዲ ኻብ ኣቦ ኸም ዝትሕት ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ። ይኹን እምበር: ንኽልሰ⁠-​ሓሳብ ግልጸት ክጻረር ክብል “ክንየው እቲ ጽሑፍ” ከደ። (1 ቈረንቶስ 4:⁠6) ንመለኮትነት የሱስ ብኻልእ ክልሰ⁠-​ሓሳብ ገይሩ ንኸረጋግጽ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ “ሰለስተ ኣካላት ኣብ ሓደ” ዝብል ቀመር መሃዘ። በዚ ኣምር እዚ ገይሩ ድማ ኣምላኽን ወዱን መንፈስ ቅዱስን ኣብ ሓደ መለኮት እተጠርነፉ ሰለሰተ እተፈላለዩ ኣካላት ምዃኖም ክገልጽ ፈተነ። በዚ ኸምዚ ብቛንቋ ላቲን “ስላሴ” እትብል ቃል ንኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ንምግላጽ እተጠቕመ ናይ መጀመርታ ሰብ ኰነ።

ካብ ዓለማዊ ፍልስፍና ተጠንቀቕ

ተርቱልያን “ሰለስተ ኣካላት ኣብ ሓደ” ዝብል ክልሰ⁠-​ሓሳብ ክምህዝ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ መልሲ ናይዚ ኣብቲ ነዚ ሰብኣይ እዚ ግርምቢጥ ዘብሎ ኻልእ ጠባይ ኢዩ ዝርከብ፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ፍልስፍና ዝነበሮ ኣረኣእያ ኢዩ። ተርቱልያን ንፍልስፍና “ ‘ትምህርቲ’ ሰባትን ‘ኣጋንንትን’ ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኢዩ። ንክርስትያናዊ ሓቅታት ንምድጋፍ ፍልስፍና ምጥቃም ብግህዶ ነቒፉዎ ኢዩ። “ብናይ እስጦይኮስን ፕላቶን ፍልስፍና ከምኡውን ብስነ⁠-​መጐተ እተበከለ ክርስትና ንየው በልዎ” ኸኣ በለ። እንተዀነ ግን: ምስ ሓሳባቱ ኽሰማምዓሉ ኸሎ ዓለማዊ ፍልስፍና ኸም ድላዩ ይጥቀም ነበረ።​—⁠ቈሎሴ 2:⁠8

ሓደ መወከሲ ጽሑፍ “ክልሰ⁠-​ሓሳብ ስላሴ ንኸተማዕብልን ንኽትገልጾን ናይ ሄለናውያን ኣምርን ሓሳባትን የድሊ ነበረ” ይብል። እታ ዘ ቲኦሎጂ ኦቭ ተርቱልያን ዘርእስታ መጽሓፍ ከኣ ኸምዚ ትብል:- “[እዚ ተግባር እዚ] ንሕጋውን ፍልስፍናውን ኣተሓሳስባ ዀነ ስያመታት ብጥንቃቐ ምትሕንፋጽ ኢዩ፣ እዚ ድማ ንተርቱልያን ሰረተ⁠-​እምነት ስላሴ ድሩትነትን ጕድለትን እናሃለዎ ክነሱ: ነቲ ድሓር ኣብ ዋዕላ ኒቅያ መሰረት ዝዀነ ነገር ንኸቕውም ኣኽኣሎ።” ስለዚ: ሰለስተ ኣካላት ኣብ ሓደ መለኮት ዝብል ተርቱልያን ዝመሃዞ ቐመር ኣብ መላእ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ሃይማኖታዊ ስሕተት ንምዝርጋሕ ዓብዪ እጃም ኣበርከተ።

ተርቱልያን ካልኦት ንሓቂ ኽጣበቑ ኽጽዕሩ ኸለዉ የጥፍኡዋ ኸም ዝነበሩ ገይሩ ኸሲስዎም ኢዩ። ብኣንጻሩ ግን: ባዕሉ ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ምስ ሰብኣዊ ፍልስፍና ብምትሕንፋጹ ኣብ ተመሳሳሊ መፈንጠራ ወደቐ። እምበኣር ነቲ “ንመናፍስቲ ስሕተትን ንምህሮ ኣጋንንትን” ከይንስዕብ እተዋህበና ቅዱስ ጽሑፋዊ መጠንቀቕታ ኣብ ልብና ነሕድሮ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:1

[ኣብ ገጽ 29, 30 ዘሎ ስእሊ]

ተርቱልያን ንፍልስፍና እኳ እንተ ነቐፈ ሓሳባቱ ንምድጋፍ ግን ተጠቕመሉ

[ምንጪ ስእሊ]

Pages 29 and 30: © Cliché Bibliothèque nationale de France, Paris

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምስ ሰብኣዊ ፍልስፍና ኣይሓዋውሱን ኢዮም