ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 ሓደ ኣብ ማይ ንምጥሓሉ ዘሸግር ከቢድ ኣካላዊ ጕድለት ወይ ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎ ሰብ ክጥመቕ ምስ ዝደሊ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ምጥሓሉ ኣድላዪ ድዩ፧

እታ “ምጥማቕ” እትብል ቃል ካብታ “ምጥሓል” ዝትርጕማ ባፕቶ እትብል ናይ ግሪኽ ግሲ እተወስደት ኢያ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ምጥማቕ” ምስ “ምጥሓል” ሓደ ዓይነት ትርጕም ኢዩ ዘለዎ። ብሮዘርሃርም እተዳለወ ዘ ኢምፋሳይዝድ ባይብል ብዛዕባ ጥምቀት ናይቲ ፊልጶስ ዘጠመቖ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኸምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ፊልጶስን እቲ ስሉብን ክልቲኣቶም ናብቲ ማይ ወረዱ: ኣጥሓሎውን።” (ግብሪ ሃዋርያት 8:38) ስለዚ እምበኣር: እቲ ዝጥመቕ ሰብ ኣብ ውሽጢ ማይ ይጥሕል ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 3:⁠16፣ ማርቆስ 1:⁠10

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . እናኣጥመቕኩም: . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” በሎም። (ማቴዎስ 28:19, 20) በዚ መሰረት እዚ ኸኣ ኢዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከጠምቑ ኸለዉ መሐንበሲ ጋብላ: ቀላያት: ወሓይዝ: ወይ ከኣ ካልእ ከጥሕል ዝኽእል ማይ ዘለዎ ቦታታት ዝጥቀሙ። ብምጥሓል ዝፍጸም ጥምቀት ቅዱሳት ጽሑፋት ዝሓቶ ብቕዓት ብምዃኑ: ሰባት ንሓደ ሰብ ካብ ጥምቀት ሓራ ኽገብርዎ ምንም ስልጣን የብሎምን። ስለዚ እምበኣር: ብምኽንያት ኵነታቱ ኻብቲ ልሙድ ፍልይ ዝበለ ነገራት ክግበረሉ ኣብ ዘድልየሉ ኣጋጣሚታት እኳ ኸይተረፈ ክጥመቕ ይግብኦ። ንኣብነት: ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወይ ከኣ ነቶም ኵነታት ጥዕንኦም ተነቃፊ ዝዀነ ሰባት ኣብ ዓብዪ ባስካ ከም ዝጥመቑ ምግባር ሓጋዚ ዀይኑ ጸኒሑ ኢዩ። ልቡጥ ማይ ምጥቃም ይከኣል ኢዩ: ነቲ ዝጥመቕ ቀሰይ ኣቢልካ ኣብቲ ማይ ከም ዝኣቱ ክግበር ይከኣል: ምስ ተለማመዶ ኸኣ እቲ ጥምቀት ይካየድ።

እቶም ከቢድ ጕድለት ኣካላት ዘለዎም ሰባት እኳ ኸይተረፉ ተጠሚቖም ኢዮም። ንኣብነት: መጥባሕቲ ጉርጉማ ዝገበሩ እሞ ብሰንኩ ኣብ ጐረሮኦም ቀዳድ ዘለዎም ሰባት: ወይ ከኣ እቶም ብሓገዝ ማሽን ከተንፍሱ ዘድልዮም ሰባት ኣብ ማይ ብምጥሓል ተጠሚቖም ኢዮም። ርግጽ ኢዩ: ንዅሉ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጥምቀት ብዙሕ ምድላዋት ክግበረሉ ኣድልዩ ኢዩ። ተመክሮ ዘለዎ ኣላዪ ሕሙማት ወይ ዶክተር ኣብቲ ቦታ እንተ ተረኺቡ ጥበባዊ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣቐዲምካ ፍሉይ ጥንቃቐ እንተደኣ ተገይሩ: ዳርጋ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ጥምቀት ክፍጸም ይከኣል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ ልባዊ ባህጊ እንተደኣ ኣልይዎ እሞ ኸጋጥሞ ንዝኽእል ሓደጋ ክቕበሎ ፍቓደኛ ምስ ዝኸውን ኣብ ማይ ንምጥማቑ ብምስትውዓል ዝከኣል ዘበለ ጻዕሪ ኽግበር ኣለዎ።