ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብእተርእዮ ጠባይ ተሓታቲ ዲኻ፧

ብእተርእዮ ጠባይ ተሓታቲ ዲኻ፧

ብእተርእዮ ጠባይ ተሓታቲ ዲኻ፧

 ሊቃውንቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ: ግብረ⁠-​ሶዶም: ቀይዲ ዘይብሉ ባህሪ: ዓመጽ: ካልእ ዘይልሙድ ተግባራት: አረ ሞት እውን ከይተረፈ ብጂን ማለት በቲ ኣብ ህይወታውያን ንኣመሓላልፋ ተወርሶኣዊ ባህሪ ዝቈጻጸር ባእታ ከም ዝመሓላለፍ ንምርግጋጽ ብዙሕ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ። ኣብ ጂንና ብዘሎ ስለ እንምራሕ ብተግባራትና ተሓተትቲ ዘይምዃንና ምፍላጥና እፎይታዶ ኣይኰነን ዘምጽእ፧ ንጌጋኻ ናብ ካልእ ምልጣፍ ናይ ደቅሰብ ባህሪ ኢዩ።

ጸገም ዘምጽእ ዘሎ ጂን እንተደኣ ዀይኑ: ሊቃውንቲ ኣብ ጂን ምምሕያሻት ብምግባር ነዚ ዘይድለ ጠባያት ናይ ምውጋድ ኣጋጣሚ ኣለዎም። ንብምሉኡ ኣቃውማ ጂን ወድሰብ ኣብ ምስኣል እተረኽበ ዓወት ነዚ ተስፋ እዚ ሓድሽ ሓይሊ ወሲኹሉ ኣሎ።

ይኹን እምበር: እዚ ሓሳብ እዚ ዅሉ እንፍጽሞ ሓጢኣት ኰነ ጌጋታት ብምሉኡ ብሰንኪ እቲ ብጂን ዝወረስናዮ ኢዩ ኣብ ዝብል ኣተሓሳስባ እተመርኰሰ ኢዩ። እዞም ተመራመርቲ እዚኣቶም ንጂንና ተሓታቲ ንምግባሩ እኹል መርትዖ ረኺቦምዶ ኢዮም፧ መልሲ ናይዛ ሕቶ እዚኣ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዀነ ብዛዕባ መጻኢና ንዘሎና ኣረኣእያ ኣጸቢቑ ኸም ዝጸልዎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ነቲ መርትዖታት ቅድሚ ምምርማርና ግን ብዛዕባ መበቈል ወድሰብ እንተ ረኣና ነዚ የነጽረልና ኢዩ።

ዘይፍጽምና ብኸመይ ከም ዝጀመረ

እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ማለት ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤድን ብኸመይ ከም ዝሓጥኡ ዝገልጽ ታሪኽ መብዛሕትኦም ሰባት ይፈልጥዎ ኢዮም ወይ ብዛዕብኡ ሰሚዖም ኣለዉ። ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ኣብቲ ጂኖም ጕድለት ነይርዎም ድዩ: ከም ዝሓጥኡን ከም ዘይእዘዙን ዝገብሮም እንታ ሒዞም ድዮም ተፈጢሮም፧

እቲ ዅሉ ግብሩ ፍጹም ዝዀነ ፈጣሪኦም የሆዋ ኣምላኽ ምድራዊ ፍጥረቱ ኽዛዝም ከሎ “ብዙሕ ጽቡቕ” ምዃኑ ገሊጹ ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:⁠31፣ ዘዳግም 32:⁠4) በቲ ዝፈጠሮ ዕግበት ስለ ዝነበሮ ኸኣ ነቶም ናይ መጀመርታ መጻምድቲ ባረኾም: ክፈርዩን ንምድሪ ብደቅ​ሰብ ክመልእዋን ንምድራዊ ፍጥረታት ክገዝኡን ኣዘዞም፣ ብስርሓት ኢዱ ዝጠራጠር እንተ ዝኸውን ከምዚ ኣይምበለን።​—⁠ዘፍጥረት 1:⁠28

ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ናይቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም” ብምባል ይነግረና። (ዘፍጥረት 1:27) ከምዚ ኽበሃል ከሎ ደቅሰብ ብኣካላዊ ትርኢቶም ንኣምላኽ ከም ዝመስሉ ኰይኖም ተፈጢሮም ማለት ኣይነበረን: ከመይሲ “ኣምላኽ መንፈስ እዩ።” (ዮሃንስ 4:⁠24) ኣብ ክንድኡስ: ኣምላኻዊ ባህርያትን ስነ⁠-ምግባርን ሕልናን ከም ዝወረሱ ኢዩ ዘመልክት። (ሮሜ 2:⁠14, 15) ብተወሳኺውን ንነገራት ኣመዛዚኖም ስጕምቲ ኽወስዱ ዝኽእሉ ናጻ ስነ⁠-​ምግባራዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኢዮም ነይሮም።

ይኹን እምበር: እቶም ቀዳሞት ወለድና ብዘይ​ መምርሒ ኣይተገድፉን። ኣብ ክንድኡስ: እንተ ተጋግዮም ዝመጾም ሳዕቤን ተገሊጽሎም ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:⁠17) ስለዚ: ኣዳም ኣብ መዋጥር ምስ ኣተወ: ኣብቲ ግዜ እቲ ዝጠቕሞ ወይ ዝጥዕሞ ኰይኑ እተሰምዖ ነገር ከም ዝመረጸ እቲ መርትዖ ይሕብር ኢዩ። ምስ ፈጣሪኡ ዘለዎ ርክብ ወይ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ዘምጽኣሉ ሳዕቤን ኣብ ክንዲ ዝሓስብ ንሰበይቱ ኣብ ጌጋኣ ኽሓብራ መረጸ። ጸኒሑ እውን እታ የሆዋ ዝሃቦ ሰበይቲ ኸም ዘስሓተቶ ብምግላጽ ጌግኡ ናብ የሆዋ ኸላግብ ፈተነ።​—⁠ዘፍጥረት 3:⁠6, 12፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:⁠14

ኣምላኽ ንሓጢኣት ኣዳምን ሄዋንን ዝሃቦ መልሰ⁠-​ግብሪ ነዚ ጕዳይ የነጽረልና ኢዩ። ኣብ ጂን ዘሎ ናይ ‘ንድፊ ኣበር’ ኣይኰነን ከዐሪ ዝፈተነ። የግዳስ: ነቲ ኽመጾም ምዃኑ ዝገለጸሎም ሳዕቤን ኢዩ ፈጺምዎ: እዚ ኸኣ ናብ ሞት መርሐ። (ዘፍጥረት 3:⁠17-19) እዚ ናይ ጥንቲ ታሪኽ ንባህርያት ደቅሰብ ብዝያዳ ንኽንርድኦ ይሕግዘና። a

ንተሓታትነት ጂን ዘፍርስ መርትዖ

ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ሊቃውንቲ ነቲ ሕማማትን ባህርያትን ደቅሰብ ብሰንኪ ጂን ከም ዝመጸ ናይ ምርግጋጽን መድሃኒት ናይ ምርካብን ዓብዪ ዕማም ተተሓሒዞምዎ ይርከቡ። ሽዱሽተ ጕጅለ ተመራመርቲ ንዓሰርተ ዓመት ኣበርቲዖም ድሕሪ ምዕያይ: ምስ ሕማም ሁንቲንገተን ዝተኣሳሰር ጂን ረኺቦምዎ ኣለዉ። እቲ ጂን ከመይ ገይሩ ነዚ ሕማም እዚ ኸም ዘምጽእ ግን ኣይተረድኦምን። ሳይንቲፊክ ኣመሪካን ብዛዕባ እዚ ጸብጻብ ክትህብ ከላ: እቲ ኣብ ሃርቫርድ ዝዓዪ ናይ ስነ⁠-​ህይወት ምሁር ኢቫን ባላባን “ነቲ ናይ ባህሪ ምዝባዕ ጠንቂ ዝዀነ ጂን ምርካብ ኣዝዩ ኸቢድ” ምዃኑ ኸም ዝገለጸ ሓበረት።

እተወሰነ ጂን ምስ ባህርያት ሰብ ንምትእስሳር እተገብረ መጽናዕቲ ዕዉት ኣይኰነን። ንኣብነት: ሳይኮሎጂ ቱደይ ናይ መንፈስ ጭንቀት ብሰንኪ ጂን ከም ዝመጽእ ንምርግጋጽ እተገብረ ጻዕርታት ኣመልኪታ “ብዛዕባ እቲ ቀንዲ ኣእምሮኣዊ ሕማማት እተኣከበ ጭብጥታት: ጂን ምሉእ ብምሉእ ጠንቂ ኸም ዘይኰኖ ብንጹር ይሕብር ኢዩ” ትብል። እቲ ጸብጻብ ነዚ ዝስዕብ ኣብነት ይህብ:- “ቅድሚ 1905 እተወልዱ ኣመሪካውያን ክሳዕ ደቂ 75 ዓመት ዝዀኑ 1 ሚእታዊት ኣቢሎም ዝዀኑ ናይ መንፈስ ጭንቀት የጋጥሞም ነይሩ። ድሕሪ ፍርቂ ዘመን ኣቢሎም እተወልዱ ኣመሪካውያን ግን ክሳዕ ደቂ 24 ዓመት ዝዀኑ 6 ሚእታዊት ናይ መንፈስ ጭንቀት ይሕዞም!” ስለዚ ደጋዊ ወይ ማሕበራዊ ረቛሒታት እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ዓብዪ ለውጢ ኸምጽእ ዝኽእል ካልእ ነገር የለን ዝብል መደምደምታ ተዋህበ።

እዝን ካልእ እተፈላለየ መጽናዕትታትን እንታይ ኢዩ ዝሕብር፧ ጂን ንባህርያትና ኣብ ምቕራጽ ግደ እኳ እንተ ሃለዎ: ካልእ ጽልዋታት ከም ዘሎ ግን ኣየተሓታትትን ኢዩ። ሓደ ኻብቲ ዓብዪ ረቛሒታት እቲ ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ዓብዪ ለውጢ ዝገበረ ኣከባቢና ኢዩ። እታ ቦይስ ዊል ቢ ቦይስ ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ ሎሚ ዘለዉ ነቲ ህቡብ መዘናግዒታት እተቓልዑ መንእሰያት “ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸር ሰዓታት ሰባት መጥቃዕቲ ኽወርዶም: ክትኰሰሎም: ብኻራ ኽውግኡ: ክብትበቱ: ክቝረጹ: ወይ ቈርበቶም ክቕለጡ ኸለዉ ዘርኢ መደባት ተለቪዥንን ምርኢታት ፊልምን እናረኣዩ፣ ኣብ ሙዚቃ ኸኣ ምግሳስ: ርእሰ⁠-​ቕትለት: ሓሽሽ: ኣልኮላዊ መስተ: ድርቅና ዘመጕስ ቃላት እናሰምዑ ዝዓበዩ” ቘልዑ ጥዑይ ናይ ስነ⁠-​ምግባር ስርዓታት ክህልዎም ዘይመስል ምዃኑ ገለጸት።

እቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን ንኣከባቢና ምስቲ ጽዩፍ ባህጊ ወድሰብ ዝሰማማዕ ገይሩ ኸም ዝቐረጾ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣከባቢ ኣብ ኵላትና ኸሕድሮ ዝኽእል ሓያል ጽልዋ ዝኽሕድከ መን ኣሎ፧​—⁠ዮሃንስ 12:⁠3፣ ኤፌሶን 6:⁠12፣ ራእይ 12:⁠9, 12

ሱር ጸገም ደቅሰብ

ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ: እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ሓጥኡ ኢዩ ጸገማት ደቅሰብ ዝጀመረ። ሳዕቤኑኸ፧ ዘርኢ ኣዳም በቲ ኣዳም ዝፈጸሞ ሓጢኣት ተሓተትቲ እኳ እንተ ዘይኰኑ: ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ሞትን ልክዕ ከም ክፍሊ ህይወቶም ወሪሶም ኢዮም ተወሊዶም። መጽሓፍ ቅዱስ “ስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ” ብምባል ይገልጽ።​—⁠ሮሜ 5:12

ዘይፍጽምና ወድሰብ ዓብዪ ጕድለት ኢዩ። ካብ ኵሉ ስነ⁠-​ምግባራዊ ሓላፍነት ግን ሓራ ኣይገብሮን ኢዩ። እቶም የሆዋ ህይወት ንኽንረክብ ኣብ ዝገበሮ ምድላው ዝኣምኑን ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዖም ዝመላለሱን ሰባት ስምረቱ ኸም ዝረኽቡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና ኢዩ። የሆዋ ሳላ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ንደቅ​ሰብ ንምብጃው: ወይ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ እንደገና ንምዕዳግ ምድላው ገበረ። እዚ ምድላው እዚ ኸኣ እቲ “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ኢሉ ዝተዛረበ ፍጹም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጅነታዊ መስዋእቲ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 3:⁠16፣ 1 ቈረንቶስ 15:⁠21, 22

ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ምድላው እዚ ዘለዎ ዓሚቝ ሞሳ ኸምዚ ብምባል ገለጸ:- “ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ: ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧ ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ።” (ሮሜ 7:24, 25) ጳውሎስ ብሰንኪ ድኽመቱ ሓጢኣት እንተ ፈጺሙ: ብመሰረት በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ምሕረት ኣምላኽ ክሓትት ከም ዝኽእል ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። b

ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ሎሚውን ኣዝዩ ሕማቕ ኣነባብራ ዝነበሮም ወይ ኵነታቶም ተስፋ ዘይብሉ ዝመስል ዝነበረ ብዙሓት ሰባት: ነቲ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝርከብ ርጡብ ፍልጠት ረኺቦም: ዘድሊ ለውጢ ገይሮም: በረኸት የሆዋ ኣብ ዘውህብ ኵነታት ይርከቡ ኣለዉ። እቲ ዝገበርዎ ለውጥታት ቀሊል ኣይነበረን: ብዙሓት እውን ዛጊት ምስቲ ጐዳኢ ዝንባለታቶም ክቃለሱ ኣለዎም። እንተዀነ ግን: ብሓገዝ ኣምላኽ ንጽህንኦም ክሕልዉን ንዕኡ ብምግልጋሎም ክሕጐሱን ክኢሎም ኢዮም። (ፊልጲ 4:⁠13) ተመክሮ ናይ ሓደ ንኣምላኽ ንኸሐጕስ ኢሉ ዓብዪ ለውጢ ዝገበረ ሰብ እሞ ርአ።

ዘተባብዕ ተመክሮ

“ገና ብንእስነተይ ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ እናተማሃርኩ ኸለኹ ግብረ⁠-​ሶዶም ክፍጽም ጀመርኩ: ልክዕ ኢዩ ንገዛእ ርእሰይ ግብረ⁠-​ሶዶመኛ ኸም ዝዀንኩ ገይረ እሓስብ ኣይነበርኩን። ወለደይ ተፋቲሖም ነበሩ: ኣነውን ፍቕሪ ወለዲ እደሊ እኳ እንተ ነበርኩ ኣይረኸብኩን። ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ: ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ፈጸምኩ። ኣብ ጥቓና ኣብ ዝነበረ ባራካታት ግብረ⁠-​ሶዶም ዝፍጽሙ ወተሃደራት ነይሮም። ብኣነባብራኦም ክቐንእ ስለ ዝጀመርኩ ምሳታቶም ሓበርኩ። ንሓደ ዓመት ዝኸውን ምስ ሓበርክዎም ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ግብረ⁠-​ሶዶመኛ ኸም ዝዀንኩ ገይረ ኽሓስብ ጀመርኩ: ‘ከምዚ ዀይነ ስለ እተፈጠርኩ ምንም ክገብር ኣይክእልን ኢየ’ ኢለ ኸኣ ሓሰብኩ።

“ነቲ ፍሉይ ቋንቋኦም ተማሃርኩ: ናብቲ ግብረ⁠-​ሶዶመኛታት ዝርከቡሉ ክለባት ከኣ ክኸይድ ጀመርኩ: ኣብኡውን ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተን ከም ድላይካ ይርከብ ነበረ። ብደገ ኽርአ ኸሎ ዝስሕብን ዝማርኽን ዝመስል እኳ እንተዀነ: ከም ሓቂ ግን ዘስገድግድ ኢዩ። እዚ ዓይነት ተግባር እዚ ዘይባህርያውን ንምሸቱ ለኪሙካ ዝጠፍእን ምዃኑ ኣብ ውሽጠይ ክስምዓኒ ጀመረ።

“ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ ኸለኹ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባ ኽግበር ከሎ ርአኹ። ናብቲ ኣደራሽ ኣትየ ነቲ ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዝህሉ ገነታዊ ዅነታት ዝገልጽ ዝርርብ ሰማዕኩ። ድሕሪ ኣኼባ ገለ ኻብቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ኣሰምብሊ ኽመጽእ ዓደሙኒ። ናብኡ ምስ ከድኩ ስድራ​ቤታት ሓቢረን ብሓጐስ ከምልኻ ብምርኣየይ ዓብዪ ለውጢ ኢዩ ዀይኑኒ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመርኩ።

“ቃልሲ ዀይኑኒ እኳ እንተ ነበረ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርክዎ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ጸዓርኩ። ንዅሉ እቲ ዘይንጹህ ተግባራተይ ከኣ ገደፍክዎ። ንዓመትን ክልተ ወርሕን ከጽንዕ ድሕሪ ምጽናሕ: ህይወተይ ንየሆዋ ወፍየ ተጠመቕኩ። ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ረኸብኩ። ካልኦት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ንኽረኽብዎ እውን ሓጊዘ ኢየ: ሕጂ ኸኣ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይነ እዓዪ ኣለኹ። የሆዋ ብሓቂ ባሪኹኒ ኢዩ።”

ተሓተትቲ ኢና

ንዅሉ ጌጋታትና ኣብ ጂንና ምልጣፍ መፍትሒ ኣይከውንን ኢዩ። ከምዚ ምግባር ኣብ ክንዲ ዝሕግዘና: ከምቲ ሳይኮሎጂ ቱደይ ዝበለቶ “እቲ ሱር ናይ ብዙሓት ጸገማት ዝዀነ ተስፋ ናይ ምቝራጽ ባህሪ ኢዩ ኸም እንለምድ ዝገብር። ነቲ ጸገማት ኣብ ክንዲ ዝቕንሶ: ከም ዝጋደድ ኢዩ ዝገብሮ።”

ምስ እተፈላለየ ዝጻረረና ሓይልታት እንተላይ ምስ ሓጥእ ዝንባለታትናን ምስቲ ሰይጣን ንኣምላኽ ንኸይንእዘዝ ዝገብሮ ጻዕርታትን ክንቃለስ ከም ዘሎና ፍሉጥ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠8) ጂንና ብእተፈላለየ መገዲ ኸም ዝጸልወና ዝከሓድ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ሓገዝ ንረክብ ኢና። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ሓያላት ደገፍቲ ኣለዉዎም፣ እዚኣቶም ከኣ የሆዋ: የሱስ ክርስቶስ: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ: ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ: ከምኡውን ክርስትያናዊት ጉባኤ ኢዮም።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:⁠11, 12፣ 1 ዮሃንስ 2:⁠1

ህዝቢ እስራኤል ናብ ምድሪ ተስፋ ቕድሚ ምእታዎም: ሙሴ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎም ሓላፍነት ከምዚ ብምባል ኣዘኻኸሮም:- “ህይወትን ሞትን: በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ [ኣለኹ።] እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር: ህይወት ሕረ። . . . ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ: ቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ።” (ዘዳግም 30:19, 20 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ሎሚውን ብተመሳሳሊ ንኣምላኽ ብዛዕባ ምግልጋልን ብቕዓታቱ ብዛዕባ ምምላእን ነፍሲ ወከፍ ውልቀ⁠-​ሰብ ናይ ብሕቱ ውሳነ ኽገብር ኣለዎ። እቲ ምርጫ ናትካ ኢዩ።​—⁠ገላትያ 6:⁠7, 8

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 22 መስከረም 1996 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 3-4, 4-8, 8 ርአ።

b ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ገጽ 62-9 ርአ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ጂኖም እንታ ስለ ዝነበረ ድዮም ሓጢኣት ዝፈጸሙ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንውሳነታቱ ሓላፍነት ክስከምዶ ኣለዎ ኢዩ፧

[ምንጪ ስእሊ]

Drug user: Godo-Foto

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ጂን ጠንቂ ባህርያት ሰብ ከም ዝዀነ ንምርግጋጽ እተገብረ ጻዕሪ ኣይተዓወተን

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ቅኑዓት ሰባት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ኣብ ግብሪ ምስ ዘውዕሉ ለውጢ ንኽገብሩ ኽሕግዞም ይኽእል