ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ሞት ብሰፊሑ ዝእመነሉ ነገራት ተጠንቂቕካ ኽምርመር ከሎ

ብዛዕባ ሞት ብሰፊሑ ዝእመነሉ ነገራት ተጠንቂቕካ ኽምርመር ከሎ

ብዛዕባ ሞት ብሰፊሑ ዝእመነሉ ነገራት ተጠንቂቕካ ኽምርመር ከሎ

 ወድሰብ ኣብ ታሪኹ በቲ ሞት ዘስዕቦ ጽልሙት መጻኢ ወትሩ ጋን ምስ ተሰርሐን ምስ ተሻቐለን ኢዩ። ኣብ ርእሲኡውን ናይ ሓሶት ሃይማኖት እምነታት: ልምድታት: ከምኡውን ሱር ዝሰደደ ናይ ብሕቲ እም​ነታት ነቲ ብዛዕባ ሞት ዘሎ ፍርሂ የጋድዶ ኢዩ። ሓደ ሰብ ንሞት ዝፈርህ እንተደኣ ዀይኑ: ንህይወት ኣየስተማቕራን ኢዩ: ትርጕም ህይወት እንታይ ምዃኑ ድማ ይሕርብቶ።

ብፍላይ ዓበይቲ ሃይማኖታት ነቲ ብብዙሓት ሰባት ተቐባልነት ዘለዎ ንሞት ዝምልከት እተፈላለየ እምነታት ከም ዘስፋሕፍሕ ብምግባረን ክውቀሳ ዝግብአን ኢየን። ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ጌርካ ንገሊኡ ኻብዚ እምነታት እዚ ምስ እትምርምሮ: ብዛዕባ ሞት ዘሎካ ምርዳእ ከተነጽሮ ትኽእል ኢኻ።

እምነት 1:- ሞት ባህርያዊ መወዳእታ ህይ​ወት ኢዩ።

እታ ዴዝ​—⁠ዘ ፋይናል ስቴጅ ኦቭ ግሮውዝ ዘርእስታ መጽሓፍ “ሞት ዘይንጸል ክፍሊ ህይወትና ኢዩ” በለት። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት ነቲ ሞት ንቡር ኢዩ: ንህ​ያዋን ነፍሳት ዘጋጥሞም ባህርያዊ መወዳእታ ኢዩ ዝብል እምነት የንጸባርቕ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ዅሉ ዓይነት ሃይማኖታዊ ዀነ ስነ⁠-​ምግባራዊ እምነታት ክጠፍእ ኣለዎ ዝብል ፍልስፍናን ተበላጺ ናይ ምዃን ባህርን ኣብ ብዙሓት ኣሕዲሩ ኢዩ።

ሞት ግን ብሓቂ ባህርያዊ መወዳእታ ህይወት ድዩ፧ ኵሎም ተመራመርቲ ኣይኰኑን እዚ ዓይነት እምነት እዚ ዘለዎም። ንኣብነት: ብዛዕባ እርጋን ደቅሰብ መጽናዕቲ ዝገብር ናይ ስነ⁠-​ህይወት ምሁር ካልቪን ሃርቪ ኣብ ዝገበሮ ቓለ⁠-​መጠይቕ: ደቅሰብ “ንኽሞቱ ውጥን” እተገብረሎም ዘይምዃኖም ከም ዝኣምን ገሊጹ ኢዩ። ናይ ኣካላት ስርዓተ⁠-​ምክልኻል ምሁር ዊልያም ክላርክ “ሞት ክፍሊ ናይቲ ንህይወት ዝወሃብ ትርጕም ክኸውን ኣየድልን ኢዩ” በለ። ኣብ ትካል ቴክኖሎጂ ካሊፎርንያ ዝዓዪ ሰይሞር በንዘር ከኣ “እርጋን ከም መዐቀኒ ግዜ ዘይኰነስ ክንቅይሮ ኸም እንኽእል ኵነታት ጌርካ እንተ ተገልጸ ይሓይሽ” በለ።

ሊቃውንቲ: ኣካላት ወድሰብ እተሰርሓሉ ኣገባብ ክርእዩ ኸለዉ ይድንጽዎም ኢዩ። ነቲ ካብ 70 ክሳዕ 80 ዓመት ዝበጽሕ ዕምርና ኣጸቢቑ ዝበልጾ ብልሓትን ክእለትን ከም እተዋህበና ኣስተውዒሎም ኢዮም። ንኣብነት: ሓንጎል ወድሰብ ኣዝዩ ሰፊሕ ናይ ምዝካር ክእለት ከም ዘለዎ ብምርምር ረኺቦምዎ ኢዮም። ሓደ ተመራማሪ: ሓንጎልና ዝሕዞ መጠን ሓበሬታ ኽንዲ ናይ “ዕስራ ሚልዮን መጻሕፍቲ ማለት ክንድቲ ኣብ ዓለም ዝርከባ ዝዓበያ ኣብያተ⁠-​መጻሕፍቲ” ኣቢሉ ኸም ዝኸውን ገመተ። ብዛዕባ ስርዓተ⁠-​መትኒ ዘጽንዑ ገለ ሊቃውንቲ ሓደ ሰብ ኣብቲ ብህይወት ዝጸንሓሉ ገምጋም ዕድሜኡ ኻብቲ ሓንጎሉ ዘለዎ 0.01 ኻብ ሚእቲ ጥራይ ከም ዝጥቀመሉ ይኣምኑሉ ኢዮም። እምበኣር ‘ኣብቲ ብህይወት እንጸንሓሉ ገምጋም ዕድመና ኣዝዩ ሒደት ክፋሉ ንጥቀም ክነስና ሓንጎልና ኽሳዕ ክንድዚ ዓብዪ ተኽእሎ ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧’ ኢልና ኽንሓትት ርትዓዊ ኢዩ።

ሰባት ንሞት ዘርእይዎ መልሰ⁠-​ግብሪ ዘይባህርያዊ ምዃኑ እውን ኣስተብህለሉ! ንብዙሓት ሰባት ኣብ ህይወት ካብ ዘጋጥም ኣዝዩ ዘጕሂ ነገር ሞት ናይ በዓልቲ ቤት: በዓል ቤት: ወይ ውላድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ደቅሰብ ኣጸቢቖም ዘፍቅርዎ ሰብ ምስ ሞተ ስምዒቶም ንነዊሕ እዋን ይናወጽ ኢዩ። እቶም ሞት ባህርያዊ ኢዩ ዝብሉ እውን ከይተረፉ: ምስ ሞቱ ህላወኦም ንሓዋሩ ኸም ዘኽትም ምቕባል ይኸብዶም ኢዩ። እታ ብሪትሽ ሜዲካል ጆርናል እትበሃል ጽሕፍቲ “ኵሉ ሰብ ብእተኻእሎ መጠን ዝነውሐ ግዜ ኽነብር ኢዩ ዝደሊ ዝብል ናይ ብዙሓት ክኢላታት ሓሳብ” ጠቒሳ ኢላ።

ወድሰብ ብሓፈሻ ንሞት ዘርእዮ መልሰ⁠-​ግብሪ: ንኽዝክርን ንኽመሃርን ዘለዎ ዘደንቕ ተኽእሎ: ከምኡውን ኣብ ውሽጡ ዝሰረጸ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ሃረርታ ኽትርእዮ ኸሎኻ ክነብር ከም እተፈጥረ ንጹርዶ ኸይኰነ፧ እወ: ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ዝፈጠሮም ንሓዋሩ ኽነብሩ ኢሉ ደኣ እምበር: ክሞቱ ኢሉ ኣይኰነን። ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ቅድሚኦም እንታይ ኣንቢርሎም ከም ዝነበረ እሞ ርአ:- “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን: ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ።” (ዘፍጥረት 1:28) ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘደንቕ ዘለኣለማዊ መጻኢ ኰን ኢዩ ነይርዎም!

እምነት 2:- ኣምላኽ ደቅሰብ ከም ዝሞቱ ብም​ግባር ናብኡ ይወስዶም።

ሓንቲ ሰለስተ ደቂ ዘለዉዋ ጓል 27 ዓመት ኣደ: ኣብ ኣጋ ሙማታ ንሓንቲ ድንግል ካቶሊክ “ኣብዚ መጺእኪ ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ ኣይትበልኒ። . . . ሰብ ከምዚ ኽብለኒ ኸሎ የሕርቐኒ ኢዩ” በለታ። እንተዀነ ግን: ብዙሓት ሃይማኖታት ብዛዕባ ሞት ኣብ ዝህባኦ ትምህርቲ ኣምላኽ ንሰባት ምስኡ ምእንቲ ክዀኑ ይወስዶም ኢለን ኢየን ዝምህራ።

ፈጣሪ ልብና ብሓዘን ከም ዝዅምተር እናፈለጠ ኸም እንመውት ዝገብር ጨካን ድዩ፧ ኣይፋልን: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ኣምላኽ ከምኡ ኣይኰነን። ብመሰረት 1 ዮሃንስ 4:⁠8 “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣምላኽ ፍቕሪ ኣለዎ ወይ ኣምላኽ ፈቃር ኢዩ ዘይኰነስ: ኣምላኽ ፍቕሪ ኢዩ ኸም ዝበለት ኣስተውዕል። ፍቕሪ ኣምላኽ ኣዝያ ዓባይ: ንጽህቲ: ፍጽምቲ: ከምኡውን ምልእቲ ኻብ ምዃና እተላዕለ ንባህርያቱን ንተግባራቱን ስለ እትዕብልሎ ንሱ ባዕሉ ፍቕሪ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኢዩ ተዘሪብሉ። እዚ ኣምላኽ እዚ ሰባት ከም ዝሞቱ ብምግባር ናብኡ ኣይወስዶምን ኢዩ።

ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ብዛዕባ ዅነታት ምዉታትን ኣበይ ከም ዘለዉን ብዙሕ ምድንጋር ፈጢረን ኢየን። ምዉታት ኣለዉዎ ዝበሃል ከም ሰማይ: ሲኦል: መንጽሂ ቦታ ዝኣመሰለን ካልእ ክርድኣካ ዘይክእል ወይ ዘርዕድ ትምህርትታትን ይምህራ ኢየን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ምዉታት ገለ እኳ ከም ዘይፈልጡ: ኵነታቶም ከኣ ምስ ድቃስ ክመሳሰል ከም ዝኽእል ይነግረና። (መክብብ 9:⁠5, 10፣ ዮሃንስ 11:⁠11-14) ስለዚ: ከምቲ ሓደ ሰብ ጥዑም ድቃስ ደቂሱ ምስ እንርእዮ ዘይንጭነቕ: ድሕሪ ሞት እንታይ ከጋጥመና ኢዩ ኢልና ኽንጭነቕ የብልናን። የሱስ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም” ናብቲ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዝህሉ ሓድሽ ህይወት “ኺወጹ” ምዃኖም ተዛሪቡ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 5:⁠28, 29፣ ሉቃስ 23:⁠43

እምነት 3:- ኣምላኽ ንሕጻናት መላእኽቲ ክዀኑ ይወስዶም።

ዘይምሕር ሕማም ኣብ ዝሓደሮም ውልቀ⁠-​ሰባት መጽናዕቲ ዝገበረት ኤሊሳቤት ኲብለር⁠-​ሮስ ኣብ ብዙሓት ሃይማኖታውያን ሰባት ዘሎ ካልእ ምርዳእ ጠቐሰት። ንሓደ ብሓቂ ዘጋጠመ ፍጻመ ብምጥቃስ “ንሓንቲ ሓዋ ዝሞታ ቘልዓ ኣምላኽ ሕጻናት ስለ ዝፈቱ ንጆኒ ናብ ሰማይ ወሲድዎ ምባሎም ዘይጥበባዊ” ምዃኑ ገለጸት። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት ንኣምላኽ የካፍኦ: ንባህሪኡን ጠባዩን እውን ኣየንጸባርቕን ኢዩ። ዶ/ር ኲብለር⁠-​ሮስ ቀጺላ ኸምዚ በለት:- “እዛ ንእሽቶ ጓል ምስ ዓበየት ንኣምላኽ ዝሓዘትሉ ቒም ኣየወገደቶን: ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ኣቢሉ ወዳ ምስ ሞታ ናብ ጽላለ ዘድሃበ ናይ መንፈስ ጭንቀት ኣስዓበላ።”

ያኢ ኣምላኽ ካብቶም ወለዲ ንላዕሊ ሕጻን ከም ዘድልዮስ ካልእ መልኣኽ ክረክብ ኢሉ ሕጻንዶ ምመንዝዐ፧ ኣምላኽ ንሕጻናት ዝወስዶም ነይሩ እንተ ዝኸውን: ሕሱምን ስሱዕን ፈጣሪዶ ኣይምዀነን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ግን “ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ” ኢዩ ዝብል። (1 ዮሃንስ 4:⁠7) ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ብመጠኑ ሕልና ዘለዎም ደቅሰብ ፈጺሞም ዘይቅበልዎ ሞት መምጽአዶ፧

ስለዚ ሕጻናት ዝሞቱ ደኣ እሞ ስለምንታይ ኢዮም፧ ሓደ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህበና መልሲ ኣብ መክብብ 9:⁠11 ተመዝጊቡ ኣሎ፣ “ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም” ከኣ ይብል። መዝሙር 51:⁠5 ድማ ኵላትና ክንጥነስ ከሎና ኣትሒዝና ዘይፍጹማትን ሓጢኣተኛታትን ምዃንና: ኣማስያኡ ኸኣ ብእተፈላለየ ምኽንያት ከም እንመውት ትገልጸልና ኢያ። ሓድሓደ ግዜ ሞይቶም ዝውለዱ ናጽላታት ኣለዉ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ከኣ ሕጻናት ብሰንኪ ሕማቕ ኵነታት ወይ ብሰንኪ ሓደጋ ይሞቱ ኢዮም። ኣምላኽ በዚ ተሓታቲ ኣይኰነን።

እምነት 4:- ገሊኣቶም ሰባት ድሕሪ ሞት ይሳቐዩ ኢዮም።

ብዙሓት ሃይማኖታት እኩያት ናብ ገሃነም ሓዊ ኸም ዝኣትዉ እሞ ንዘለኣለም ከም ዝሳቐዩ ይምህራ። እዚ ትምህርቲ እዚ ርትዓውን ቅዱስ ጽሑፋውን ድዩ፧ ዕምሪ ወድሰብ ካብ 70 ወይ 80 ኣይሓልፍን ኢዩ። ሓደ ሰብ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እዚ ዘይበሃል እከይ እኳ እንተ ፈጸመ: ንዘለኣለም ከም ዝሳቐ ምግባሩ ፍትሓዊ መቕጻዕቲ ክኸውን ይኽእልዶ፧ ኣይፋልን። ንሓደ ኣብዛ ሓጻር ህይወቱ ሓጢኣት ዝፈጸመ ሰብ ንዘለኣለም ከም ዝሳቐ ምግባሩ ፍትሓዊ ኣይኰነን።

ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ሰባት ድሕሪ ሙማቶም እንታይ ከም ዝዀኑ ኽገልጽ ዝኽእል: ኣብቲ ብጽሑፍ ዘስፈሮ ቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ነዚ ገሊጽዎ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢዩ ዝብለና:- “ከምቲ [እንስሳታት] ዚሞቱ [ሰባት] ከኣ ይሞቱ: ንዅሎም ሓንቲ እስትንፋስ አላቶም። . . . ኵሎም ናብ ሓንቲ ቦታ ይኸዱ: ኵሎም ካብ መሬት ኰኑ: ኵሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ።” (መክብብ 3:19, 20) ኣብዚ ብዛዕባ ገሃነም ሓዊ ዝሕብር ነገር የለን። ደቅሰብ ምስ ሞቱ ናብ መሬት ማለት ናብ ዘይምህላው ኢዮም ዝምለሱ።

ሓደ ሰብ ክሳቐ እንተ ዀይኑ: ውኖኡ ዝፈልጥ ክኸውን ኣለዎ። ምዉታት ግን ውኖኦም ይፈልጡ ድዮም፧ ኣብዚውን መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል መልሲ ይህበና:- “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ እሞ: ድሕርዚ ከቶ ረብሓ የብሎምን።” (መክብብ 9:5) ‘ገለ እኳ ዘይፈልጥ’ ምዉት ቓንዛ ኽስምዖ ኣይክእልን ኢዩ።

እምነት 5:- ሞት ህላወና ንሓዋሩ ዘኽት​መሉ ኢዩ።

ምስ ሞትና ህላወና የኽትም ኢዩ: እዚ ማለት ግን ንሓዋሩ ህያዋን ናይ ምዃን ተስፋ የብልናን ማለት ኣይኰነን። እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ ምስ ሞተ ናብ መቓብር ማለት ሲኦል ከም ዝኣቱ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነቲ ናብ ኣምላኽ ዘቕረቦ ጸሎት እሞ ኣቕልበሉ:- “ኣየ: ቍጥዓኻ ኽሳዕ ዚሐልፍሲ: እንተ ትስውረኒ: ኣብ ሲኦል እንተ ትሐብአኒ: መዓልቲ ቘጸራ እንተ ትውስነለይ እሞ: ብድሕሪኡ እንተ ትዝክረኒ። ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ፧ . . . ንስኻ ምጸዋዕካኒ: ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ።”​—⁠እዮብ 14:13-15

እዮብ ክሳዕ ሞት እሙን እንተደኣ ዀይኑ: ኣምላኽ ከም ዝዝክሮን ከም ዘተንስኦን ይኣምን ነበረ። ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምሉኦም ከምዚ ዓይነት እምነት ነበሮም። የሱስ ባዕሉ እውን ንምዉታት ኣብ ምትንሳእ ኣምላኽ ከም ዝጥቀመሉ ብምግላጽ ነዚ ተስፋ እዚ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። ክርስቶስ ባዕሉ እተዛረቦ ቓላት ነዚ መረጋገጺ እዚ ይህበና:- “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ የሱስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት: እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም።”​—⁠ዮሃንስ 5:​28, 29

ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ኣምላኽ ንዅሉ ክፍኣት ከልግሶ: ብሰማያዊ መንግስቲ እትመሓደር ሓዳስ ዓለም ድማ ከቕውም ኢዩ። (መዝሙር 37:⁠10, 11፣ ዳንኤል 2:⁠44፣ ራእይ 16:⁠14, 16) ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ መላእ ምድሪ ገነት ክትከውንን ንኣምላኽ ብዘገልግሉ ሰባት ክትምላእን ኢያ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፤ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ: ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።”​—⁠ራእይ 21:3, 4

ካብ ፍርሂ ሓራ ምዃን

ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤን ነዚ ዘዳለወ መን ምዃኑን ምፍላጥካ ኸጸናንዓካ ይኽእል ኢዩ። የሱስ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ኢሉ ተመባጺዑ ኢዩ። (ዮሃንስ 8:32) እዚ ኸኣ ካብ ፍርሂ ሞት ሓራ ምውጻእ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። የሆዋ ጥራይ ኢዩ እርጋንን ሞትን ኣልጊሱ ዘለኣለማዊ ህይወት ክህበና ዝኽእል። ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ ዝእመንዶ ኢዩ፧ እወ: ቃል ኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ፍጻሜኡ ስለ ዝረክብ ዝእመን ኢዩ። (ኢሳይያስ 55:⁠11) ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ብዛዕባ ዘለዎ ዕላማ ዝያዳ ንኽትማሃር ነተባብዓካ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ክሕግዙኻ ኢዮም።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ሓደ ሰብ ንሞት ዝፈርህ እንተደኣ ዀይኑ: ህይወት ኣየስተማቕራን ኢዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሰሌዳ]

ብዛዕባ ሞት ብሰፊሑ ዝእመነሉ ነገራት

ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ይብል፧

ሞት ባህርያዊ መወዳእታ ህይወት ኢዩ ዘፍጥረት 1:28፣ 2:17፣ ሮሜ 5:12

ኣምላኽ ደቅሰብ ከም ዝሞቱ ብምግባር ናብኡ ይወስዶም እዮብ 34:15፣ መዝሙር 37:11, 29፣ 115:16

ኣምላኽ ንሕጻናት መላእኽቲ ክዀኑ ይወስዶም መዝሙር 51:5፣ 104:1, 4፣ እብራውያን 1:7, 14

ገሊኣቶም ሰባት ድሕሪ ሞት ይሳቐዩ ኢዮም መዝሙር 146:4፣ መክብብ 9:5, 10፣ ሮሜ 6:23

ሞት ህላወና ንሓዋሩ ዘኽትመሉ ኢዩ እዮብ 14:14, 15፣ ዮሃንስ 3:16፣ 17:3፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ንሞት ዝምልከት ሓቂ ምፍላጥና ካብ ፍርሂ ሓራ የውጽኣና

[ምንጪ ስእሊ]

Barrators​—Giampolo/The Doré Illustrations For Dante’s Divine Comedy/Dover Publications Inc.