ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ሞት ዘሎካ ኣረኣእያ ኸመይ ኢዩ፧

ብዛዕባ ሞት ዘሎካ ኣረኣእያ ኸመይ ኢዩ፧

ብዛዕባ ሞት ዘሎካ ኣረኣእያ ኸመይ ኢዩ፧

 ጥዕናናን ሃብትናን ብዘየገድስ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ሞት የስግኣና ኢዩ። ጐደናታት ከነቋርጽ ከሎና ወይ ደቂስና ኸሎና ኽንመውት ንኽእል ኢና። ብ11 መስከረም 2001 ግብረ⁠-​ሽበራውያን ኣብ ከተማ ኒው ዮርክን ዋሽንግተንን ዝፈነዉዎ መጥቃዕቲ: እቲ ‘ናይ መወዳእታ ጸላኢ’ ዝዀነ ሞት ግዳያቱ ኣብ እተፈላለየ ደረጃ ናብራን ዕድመን ይሃልዉ ኸም ዘይ​ዓጅቦ: ሓድሓደ ግዜውን ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ብኣሽሓት ዝቝጸር ህይወት ከጥፍእ ከም ዝኸእል ኢዩ ዘርእየና።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠26

ሞት ዘፍርህ እኳ እንተዀነ: ንደቅ​ሰብ ግን ዝምስጦም ኢዩ ዝመስል። ብዛዕባ ሞት ዝሕብር ዜና ጋዜጣታት ብብዝሒ ኸም ዝሽየጥን ንሰባት ናብ ተለቪዥን ከም ዝሰሓቡ ኣብ ምግባርን መወዳድርቲ የብሉን፣ ብፍላይ ብዙሓት ሰባት ብዘሰቅቕ ኵነታት ምስ ዝሞቱ ኣቓልቦ ሰባት ይሰሓብ ኢዩ። ሰባት ብውግእ: ብባህርያዊ ሓደጋ: ብዓመጽ: ወይ ብሕማም ይኹን ካልእ ብዘየገድስ ብዛዕባ ሞት ዝመጾም ጸብጻባት ኣየሰልክዮምን ኢዩ። ህቡብን ውሩይን ሰብ ክመውት ከሎ ዝርአ ስምዒታት እሞ ኸኣ ዘደንጹ ኢዩ።

እዚ ዅሉ ሞት ዝፈጥሮ ስምዒታት ዝከሓድ ኣይኰነን። ሰባት ብሞት: ማለት ብናይ ካልኦት ሞት: ካብ ምምሳጥ ኣይከቋርጹን ኢዮም። ኣብ ገዛእ ርእሶም ምስ መጹ ግን ኣርእስቲ ኢዮም ዝቕይሩ። መብዛሕትና ብዛዕባ ሞትና ኽንሓስብ ኣይንደልን ኢና።

ናይ ምንባር ባህጊ

ብዛዕባ ሞቱ ኽሓስብ ባህ ዝብሎ ሰብ የለን: ኣይክህሉን እውን ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣምላኽ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ባህጊ ኣብ ልብና ኣሕዲሩልና ኢዩ። መክብብ 3:⁠11 “ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ” ኢያ እትብለና። እምበኣር እቲ ዘይተርፍ ሞት ኣብ ደቅሰብ ውሽጣዊ ምግጫው: ወይ ቀጻሊ ናይ ስምዒት ዘይምቅዳው ኢዩ ፈጢሩ። ነዚ ውሽጣዊ ምግጫው ንምፍታሕን ነቲ ባህርያዊ ዝዀነ ናይ ምንባር ባህጊ ንምዕጋብን ደቅሰብ ካብቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሰረተ⁠-​እምነት ኣትሒዝካ ኽሳዕ እቲ ሪኢንካርነሽን ዝበሃል እተፈላለየ ዓይነት እምነታት ምሂዞም ኢዮም።

በዚ ይኹን በቲ ሞት ዝርብሽን ዘፍርህን ኵነት ኢዩ: ፍርሂ ሞት ከኣ ኣብ ኵሉ ቦታታት ዘሎ ኢዩ። እምበኣር ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ንሞት ተስፋ ዘቝርጽ ገይሩ እንተ ረኣዮ ዘገርም ኣይኰነን። ከመይሲ ሞት ሃብትን ስልጣንን ኣብ ምጥራይ ዝሓለፈ ህይወት ከንቱ ኸም ዝዀነ ኢዩ ዘቃልዕ።

ኣብ ግዜ ሞት እተገለሉ፧

ኣብ ግዜ ጥንቲ ዘይምሕር ሕማም ዘለዎም ወይ ከቢድ መቝሰልቲ ዝወረዶም ሰባት መብዛሕትኡ እዋን ኣብቲ ዝለመድዎን ዘፍቅርዎን ከባቢ ቤቶም ንኽሞቱ ይፍቀደሎም ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ ግዜ ኸምኡ ኢዩ ነይሩ: ኣብ ገሊኡ ባህልታት እውን እዚ ገና ኣይተቐየረን። (ዘፍጥረት 49:⁠1, 2, 33) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣባላት ስድራ​ቤት ብሓንሳእ ይእከቡ: እቶም ቈልዑ ኸኣ ኣብቲ ዕላል ይካፈሉ ኢዮም። እዚ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ​ቤት እቲ ሓዘን ናይ በይኑ ኸም ዘይኰነ ኸም ዝስምዖ ይገብር: ምስኡ ሓቢሩ ሓላፍነቱን ሓዘኑን ዘጻውሮ ሰብ ብምህላዉ ኸኣ ይጸናናዕ።

እዚ ምስቲ ብዛዕባ ሞት ምዝርራብ ከም ነውሪ ዝረኣየሉ ወይ ሕማቕ ስምዒት ዝፈጥረሉ: ቈልዑ እውን እቲ ጕዳይ “ይኸብዶም” ኢዩ ተባሂሉ ስለ ዝሕሰብ ካብቲ ቦታ ኸም ዝርሕቑ ዝግበረሉ ሕብረተሰብ ከነረኣእዮ ኸሎና ዓብዪ ፍልልይ ኣለዎ። ኣብዚ ግዜ እዚ ዘሎ ኣማውታ እተፈልየ ኢዩ: መብዛሕትኡ ግዜውን ብጽምዋ እተሰነየ ኢዩ። ዝበዝሑ ሰባት ኣብ ቤቶም ስድራ​ቤቶም ብፍቕሪ እናኣለይዎም ብሰላም ክሞቱ ዝደልዩ እኳ እንተዀኑ: መብዛሕትኦም ግን ኣብ ሆስፒታል ቴክኖሎጂ ብዘፍረዮ ዘፍርህ መሳርሒታት ተኸቢቦም በይኖም እናተሳቐዩ ኢዮም ዝሞቱ ዘለዉ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣደዳ ጃምላዊ ቕትለት: ጥሜት: አይድስ: ውግእ ሓድሕድ: ወይ ክቱር ድኽነት ብምዃኖም ብሓንሳእ ይረግፉ ኢዮም።

ክንሓስበሉ ዘሎና ጕዳይ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሞት ምሕሳብ ከም ነውሪ ገይሩ ኣይርእዮን ኢዩ። ኣብ መክብብ 7:⁠2 እሞ ኸኣ “ናብ ቤት መስተ ኻብ ምኻድ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሐይሽ: [ከመይሲ] እዚ መወዳእታ ዅሉ ሰብ እዩ” ይብለና። ብዛዕባ ሞት ዘሎ ኽዉንነት ምስ ፈለጥና: ካብቲ ልሙድ ጭንቀትና ወይ ንጥፈታትና ውጽእ ኢልና ህይወት ክሳዕ ክንደይ ሓጺር ምዃኑ ኽንሓስብ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ህይወትና ስቕ ኢልና ወይ ብላሽ ኣብ ክንዲ እነሕልፎ ዝያዳ ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ንኽንነብር ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።

ብዛዕባ ሞት ዘሎካ ኣረኣእያ ኸመይ ኢዩ፧ ብዛዕባ መወዳእታ ህይወትካ ዘሎካ ስምዒት: እምነት: ተስፋ: ከምኡውን ፍርሂ መርሚርካዮዶ ትፈልጥ፧

ልክዕ ከም ህይወት: ሞት እውን ወድሰብ ክገልጾ ዀነ ኽርድኦ ዘይክእል ነገር ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዘተኣማምን መግለጺ ኽህብ ዝኽእል ፈጣሪና ጥራይ ኢዩ። “ናይ ህይወት ፈልፋሊ” ኣብኡ ኢዩ: “ካብ ሞት ምውጻእ” ድማ ናቱ ኢዩ። (መዝሙር 36:⁠9፣ 68:⁠20) ነቲ ንሞት ዝምልከት ገለ ልሙድ እምነታት ብቓል ኣምላኽ ጌርና ምስ እንምርምሮ ክንጸናናዕን ክንተባባዕን ንኽእል ኢና። ሞት ህላወ ንሓዋሩ ዘኽትመሉ ኸም ዘይኰነ ኽገልጸልና ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ክንመውት ከም እንኽእል ምፍላጥና ህይወትና ዝያዳ ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ንኽንመርሕ ይሕግዘና