ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብጽድቂ የሆዋ ባህ ይበልካ

ብጽድቂ የሆዋ ባህ ይበልካ

ብጽድቂ የሆዋ ባህ ይበልካ

“እቲ ንጽድቅን በጕነትን ዚስዕበን: ህይወትን ጽድቅን ክብረትን ይረክብ።”—⁠ምሳሌ 21:21

1. ከመይ ዝበለ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰባት ዝመላለስሉ መገዲ ኢዩ ሕማቕ ፍረ ኣፍርዩ ዘሎ፧

 “ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ አላ: መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ።” (ምሳሌ 16:25) እዛ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳሌ እዚኣ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ዝመላለስሉ መገዲ ኣየ ኽንደይ ጽቡቕ ገይራ ዀን ኢያ እትገልጾ! ሰባት ብሓፈሻ ነቲ ንኻልኦት ዘድልዮም መሰረታዊ ነገራት ዕሽሽ እናበሉ: ኣብ ኣዒንቶም ቅኑዕ ኰይኑ ዝረኣዮም ነገራት ጥራይ ክገብሩ ኢዩ ቃሕ ዝብሎም። (ምሳሌ 21:⁠2) ነቲ ናይ ሃገሮም ሕግታትን ስርዓታትን ነኽብሮ ኢና እናበሉ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ኻብቲ ቀይዲ ዝወጽእሉ መገድታት ክረኽቡ ሃሰስ ኢዮም ዝብሉ። እዚ ድማ እተኸፋፈለን እተደናገረን ሕብረተሰብ ኢዩ ኣፍርዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5

2. እንታይ ንደቅ​ሰብ ዝጠቅም ነገር ኢዩ ብህጹጽ ዘድሊ ዘሎ፧

2 ንጥቕምና ከምኡውን ንሰላምን ድሕንነትን ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዝኸውን ኵሎም ሰባት ክቕበልዎን ክእዘዝዎን ፍቓደኛታት ዝዀኑ ቅኑዕ ሕጊ ወይ መዐቀኒ ብህጹጽ የድልየና ኣሎ። ሰባት ዘለዎም ፍልጠትን ቅንዕናን ብዘየገድስ ዝዀነ ይኹን ዘውጽእዎ ሕጊ ወይ መዐቀኒ ነዚ ከማልእ ኣይክእልን ኢዩ። (ኤርምያስ 10:⁠23፣ ሮሜ 3:⁠10, 23) እዚ መዐቀኒ እዚ እንተደኣ ኣልዩ ዀይኑ ኣበይ ኢዩ ኽርከብ ዝኽእል: እንታይከ ኢዩ ዝመስል፧ እቲ ዝያዳ ዘገድስ ሕቶ ድማ እዚ መዐቀኒ እዚ እንተደኣ ኣልዩ ዀይኑ: ብእኡ ባህ ይብለካን ምስኡ ተሰማሚዕካ ትነብርን ዲኻ፧

ነቲ ጽድቃዊ መዐቀኒ ምርካብ

3. ኵሉ ሰብ ዝቕበሎን ጠቓምን ዝዀነ መዐቀኒ ንኽህብ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ብቕዓት ዘለዎ መን ኢዩ: ስለምንታይከ፧

3 ኵሉ ሰብ ዝቕበሎ ጠቓሚ መዐቀኒ ንምርካብ: ናብ ሓደ ብዓሌታውን ባህላውን ፖለቲካውን ዶባት ዘይሕጸር ከምኡውን ብናይ ደቅሰብ ኣርሒቕካ ዘይምርኣይ ወይ ብምኽንያት ድኻም ዘይተዓናቐፍ ኣካል ኢዩ ዘድልየና። ነዚ ምሉእ ብምሉእ ክበቕዖ ዝኽእል እቲ ዅሉ ዝኽእል ፈጣሪ: የሆዋ ኣምላኽ: እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ክኸውን ከም ዘይክእል ርግጽ ኢዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል: መገድታተይ ካብ መገድታትኩም: ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ።” (ኢሳይያስ 55:9) ኣብ ርእሲ እዚ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ “ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ: ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ” ብምባል ይገልጾ። (ዘዳግም 32:⁠4) ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ጻድቕ እዩ” ዝብል መግለጺ ንረክብ ኢና። (ዘጸኣት 9:⁠27፣ 2 ዜና መዋእል 12:⁠6፣ መዝሙር 11:⁠7፣ 129:⁠4፣ ድጕዓ ኤርምያስ 1:18) እወ: የሆዋ እሙንን ቅኑዕን ጻድቕን ስለ ዝዀነ ዝለዓለ መዐቀኒ ካብኡ ኢና ኽንረክብ እንኽእል።

4. ጻድቕ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

4 መብዛሕትኦም ሰባት ነቶም ካብ ካልኦት ንላዕሊ ዝጸደቑ ወይ እተቐደሱ ዀይኑ ዝስምዖም ሰባት ኣይፈትዉዎምን ወይ እውን የናሽዉዎም ኢዮም። ይኹን እምበር: ጻድቕ ክበሃል ከሎ ቅኑዕ: ውርዙይ: ንጹህ: ሓጢኣት ዘይብሉ: ምስቲ መሰረታዊ ስርዓታት ሕጊ ኣምላኽ ወይ ቅቡል ናይ ስነ⁠-​ምግባር መዐቀኒ ተሰማሚዑ ዝመላለስ: ቅኑዕ ወይ ጽቡቕ ግብሪ ዝገብር ማለት ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ባህርያት ዝሓዘ ሕጊ ወይ መዐቀኒ ኣየሐጕሰካንዶ፧

5. ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘላ ናይ ጽድቂ ባህሪ ግለጻ።

5 ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ ብዛዕባ ጽድቂ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ጽድቂ ሓደ ክልሰ⁠-​ሓሳባዊ ኣምር ዘይኰነስ ኣብ ኵሉ ርክባትካ ግቡእን ቅኑዕን ኣብ ምግባር እተመርኰሰ ኢዩ።” ንኣብነት: ጽድቂ ኣምላኽ ከም እኒ ቅድስንኡን ንጽህናኡን ዝኣመሰለ ውሽጣዊ ወይ ብሕታዊ ባህሪኡ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: ብቕኑዕ መገድታት ዝንጸባረቕ መግለጺ ባህርዩ ኢዩ። የሆዋ ቅዱስን ንጹህን ስለ ዝዀነ: ዝዀነ ይኹን ዝገብሮ ወይ ዝዀነ ይኹን ካብኡ ዝምንጭ ነገራት ጻድቕ ኢዩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ “እግዚኣብሄር ብዅሉ መገዱ ጻድቕ እዩ: ብዅሉ ግብሩውን ሕያዋይ እዩ።”​—⁠መዝሙር 145:17

6. ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ዘይኣመንቲ ኣይሁድ እንታይ ኢዩ ዝበለ: ስለምንታይከ፧

6 ሃዋርያ ጳውሎስ ናብቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝሰደዳ መልእኽቲ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣጕሊሕዎ ኣሎ። ብዛዕባ ገለ ዘይኣመንቲ ኣይሁድ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦምን ጸድቂ ርእሶም ኪተኽሉ ብምድላዮምንሲ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝኡን።” (ሮሜ 10:3) ጳውሎስ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ‘ጽድቂ ኣምላኽ ዘይፈልጡ’ ዝበሎም ስለምንታይ ኢዩ፧ በቲ ሕጊ ማለት በቲ ጻድቕ ስርዓታት ኣምላኽ ኣይተማህሩንዶ ኢዮም፧ ብርግጽ ተማሂሮም ኢዮም። ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ንጽድቂ ምስ ብጾቶም ሰባት ኣብ ዝገብርዎ ርክብ ክመርሖም ዝኽእል መዐቀኒ ገይሮም ኣብ ክንዲ ዝርእይዎ: ከም ሓደ ተጠንቂቕካ ሃይማኖታዊ ሕግታት ብምሕላው ዝብጻሕ ብሕታዊ ውርዝና ገይሮም ኢዮም ርእዮምዎ። ከምቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ፍትሕን ጽድቅን ቀንዲ ትርጕም ስሒቶምዎ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 23:⁠23-28

7. ጽድቂ የሆዋ ብኸመይ ኢዩ ተገሊጹ፧

7 ጽድቂ የሆዋ ግን ብኣንጻሩ ኣብ ኵሉ ተግባራቱ ኢዩ ዝግለጽን ብንጹር ዝርአን። ሽሕኳ ጽድቁ ንሓጢኣት ናይቶም ደይመደይ ኢሎም ዝእብሱ ሰባት ዕሽሽ ዘይብሎ እንተዀነ: ዘይሓሊ: ጠለባት ዘብዝሕ: ዝፍራህን ዘይቅረብን ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ: እቲ ጽድቃዊ ተግባራቱ ደቅሰብ ናብኡ ክቐርብሉ ዝኽእሉ መሰረት ኣንቢሩ ካብ ሳዕቤን ናይ ሓጢኣት ከም ዝድሕኑ ገይርዎም ኢዩ። ስለዚ የሆዋ “ጻድቕን ዜድሕንን ኣምላኽ” ተባሂሉ እንተ ተገልጸ ምሉእ ብምሉእ ዝበቕዖ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 45:⁠21

ጽድቅን ድሕነትን

8, 9. እቲ ሕጊ ንጽድቂ ኣምላኽ ዝገለጾ በየናይ መገድታት ኢዩ፧

8 ኣብ መንጎ ጽድቂ ኣምላኽን ፍቕራዊ ናይ ድሕነት ተግባራቱን ዘሎ ርክብ ንኽንርድኦ: ነቲ ብሙሴ ኣቢሉ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕጊ ንርአ። እቲ ሕጊ ቕኑዕ ምንባሩ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ሙሴ ኣብቲ ናይ ስንብታ ቓላቱ ንእስራኤላውያን “ከምዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብረልኩም ዘሎኹ ዅሉ ሕጊ: ከምኡ ቅኑዕ ሕጋጋትን ፍርድታትን ዘለዎኸ: ኣየናይ ዓብዪ ህዝቢ እዩ፧” ኢሉ ኣዘኻኺርዎም ኢዩ። (ዘዳግም 4:8) ዘመናት ጸኒሑ ዳዊት ንጉስ እስራኤል “ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ: ንዘለኣለም ይነብር: ፍርድታት እግዚኣብሄር ሓቂ እዩ: ብዘሎውን ጻድቕ እዩ” በለ።​—⁠መዝሙር 19:9

9 የሆዋ ነቲ ናይ ቅኑዕን ጌጋን ፍጹም መዐቀኒታቱ በቲ ሕጊ ገይሩ ኣነጺርዎ ኢዩ። እቲ ሕጊ እስራኤላውያን ኣብ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ናይ ንግዲ ጕዳያት: ሓዳር: ኣመጋግባን ጽሬትን: ከምኡውን ኣብ ፍትሓዊ ውሳነታት ብኸመይ ክመላለሱ ከም ዘለዎም ብዝርዝር ኣነጺርዎ ኢዩ። እቲ ሕጊ ነቶም ዝጥሕስዎ ሰባት ተሪር መቕጻዕቲ ከም ዝወርዶም: አረ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታትሲ ብሞት እውን ከይተረፈ ከም ዝቕጽዑ ይገልጽ ኢዩ። a ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ሕጊ እተገልጸ ጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ከምቲ ሎሚ ሓያሎ ሰባት ዝብልዎ: ነቶም ህዝቢ ናጽነቶምን ሓጐሶምን ዘጥፍኣሎም ከቢድ ጾር ድዩ ነይሩ፧

10. እቶም ንየሆዋ ዘፍቅርዎ ሰባት ብዛዕባ ሕግታቱ ኸመይ ኢዩ ዝስምዖም፧

10 እቶም ንየሆዋ ዘፍቅርዎ ሰባት በቲ ጽድቃዊ ሕግታቱን ፍርድታቱን ኣጸቢቑ ኢዩ ባህ ዝብሎም። ንኣብነት: ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ንጉስ ዳዊት ንፍርድታት የሆዋ ሓቅን ጻድቕን ምዃኑ ኣፍልጦ ሂቡሉ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ልቡ ኢዩ ዝፈትዎን ዘማስወሉን ነይሩ። ብዛዕባ ሕጊ የሆዋን ፍርድታቱን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ካብ ወርቂ: ኤረ ኻብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ዚሕረ እዩ: ካብ መዓር: ኤረ ኻብ መዓር ወለላ ዚጥዕም እዩ። ባርያኻውን ብእኡ ተማሂሩ: ብምሕላዉ ዓብዪ ኻሕሳ አሎ።”​—⁠መዝሙር 19:7, 10, 11

11. እቲ ሕጊ ‘ናብ ክርስቶስ ዘብጽሕ ቀጻዒ’ ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧

11 ዘመናት ምስ ሓለፈ እውን ጳውሎስ ብዛዕባ ዝዓበየ ጥቕሚ ናይቲ ሕጊ ጠቒሱ ኣሎ። ናብ ሰብ ገላትያ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ “ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕሲ: ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ” በለ። (ገላትያ 3:24) ኣብ ግዜ ጳውሎስ ቀጻዒ [“መምህር:” NW ] ኣብ ሓደ ዓብዪ ስድራ​ቤት ዘገልግል ኣገልጋሊ ወይ ባርያ ኢዩ ነይሩ። ነቶም ቈልዑ ንምዕቛብን ናብ ቤት ትምህርቲ ኽወስዶምን ዕዮኡ ኢዩ ነይሩ። እቲ ሕጊ ብተመሳሳሊ ንእስራኤላውያን ኣብ ከባቢኦም ካብ ዘሎ ሕሱር ስነ⁠-​ምግባርን ሃይማኖታዊ ልምድታትን ኣዕቚብዎም ኢዩ። (ዘዳግም 18:⁠9-13፣ ገላትያ 3:⁠23) ብተወሳኺ: እቲ ሕጊ ንእስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ ሓጥእ ኵነታቶም ከምኡውን ሕድገት ሓጢኣትን ድሕነትን ከም ዘድልዮም ኣፍሊጥዎም ኢዩ። (ገላትያ 3:⁠19) እቲ ብዛዕባ መስዋእቲ እተገብረ ምድላው መስዋእታዊ በጅነት ከም ዘድሊ ሓቢሩ: እቲ ሓቀኛ መሲሕ ክልለየሉ ዝኽእል ትንቢታዊ ጽላሎት እውን ሂቡ ኢዩ። (እብራውያን 10:⁠1, 11, 12) ስለዚ እምበኣር: የሆዋ ንጽድቁ ብሕጊ ኣቢሉ ኽገልጾ ኸሎ: ንድሕንነት እቲ ህዝብን ንዘለኣለማዊ ምድሓኖምን ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ ገይርዎ።

እቶም ብኣምላኽ ከም ጻድቃን እተቘጽሩ

12. እስራኤላውያን ነቲ ሕጊ ተጠንቂቖም ብምሕላው እንታይ ክረኽቡ ኢዮም ዝኽእሉ ነይሮም፧

12 እቲ ብየሆዋ እተዋህበ ሕጊ ብዅሉ መገድታት ቅኑዕ ስለ ዝነበረ: እስራኤላውያን ነቲ ሕጊ እቲ ብምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽድቃዊ ኣቕዋም ክህልዎም ይኽእል ነይሩ ኢዩ። እስራኤላውያን ምድሪ ተስፋ ኽኣትዉ ኽቀራረቡ ኸለዉ ሙሴ ከምዚ ብምባል ኣዘኻኸሮም:- “ንኣና ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና: ከምቲ ዝአዘዘና: ንዅሉ እዚ ትእዛዛት እዚ ንምግባሩ እንተ ተጠንቀቕና: ጽድቂ ይዀነልና።” (ዘዳግም 6:25) ኣብ ርእሲ እዚውን የሆዋ “ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ሐልዉ: እቲ ዝገብሮ ሰብ ብእኡ ህያው ይኸውን። ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ኢሉ ተመባጺዑ ነበረ።​—⁠ዘሌዋውያን 18:5፣ ሮሜ 10:⁠5

13. የሆዋ ንህዝቡ ነቲ ቕኑዕ ሕጉ ኽሕልዉ ምሕታቱ ዘይፍትሓዊ ድዩ ነይሩ፧ ግለጽ።

13 እቲ ዘሕዝን ግን እስራኤላውያን ከም ህዝቢ መጠን ‘ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዅሉ እዚ ትእዛዛት እዚ ኻብ ምግባሩ’ ሰኒፎም ኢዮም። ሕጊ ኣምላኽ ፍጹም ንሳቶም ግን ዘይፍጹማት ስለ ዝነበሩ ንዅሉ ትእዛዛት ኣምላኽ ክሕልውዎ ኣይክኣሉን። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ኣምላኽ ዘይፍትሓዊ ወይ ዘይቅኑዕ ኢዩ ማለትዶ ኢዩ፧ ፈጺሙ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ጳውሎስ “እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ አሎ፧ ያእ የልቦን” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 9:14) ምኽንያቱ ድማ እቲ ሕጊ ቕድሚ ምውሃቡ ዀነ ድሕሪ ምውሃቡ: ገለ ውልቀ⁠-​ሰባት ዘይፍጹማትን ሓጢኣተኛታትን እኳ እንተ ነበሩ ብኣምላኽ ከም ጻድቃን ተቘጺሮም ኢዮም። ኣብ መንጎ እዞም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ዝነበሩ ሰባት ኖህ: ኣብርሃም: እዮብ: ረሃብ: ዳንኤል ይርከብዎም። (ዘፍጥረት 7:⁠1፣ 15:⁠6፣ እዮብ 1:⁠1፣ ህዝቅኤል 14:⁠14፣ ያእቆብ 2:⁠25) እቲ ሕጂ ዝለዓል ዘሎ ሕቶ እምበኣር ‘እዞም ሰባት እዚኣቶም ብኣምላኽ ከም ጻድቃን ዝቝጸሩ ዘለዉ ብምንታይ መሰረት ኢዮም፧’ ዝብል ኢዩ።

14. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰብ “ጻድቕ” ኢሉ ክዛረብ ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧

14 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰብ “ጻድቕ” ኢሉ ኽዛረብ ከሎ ካብ ሓጢኣት ናጻ ወይ ፍጹም ምዃን ማለቱ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡ ግን ነቲ ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ዘለዎ ግዴታ ምፍጻሙ ኢዩ ዘመልክት። ንኣብነት ኖህ ‘ምስ ኣምላኽ ስለ እተመላለሰን ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ድማ ከምኡ ስለ ዝገበረን’ “ኣብቶም ወለዶታቱ ጻድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ” ተባሂሉ ኣሎ። (ዘፍጥረት 6:⁠9, 22፣ ሚልክያስ 3:⁠18) እቶም ወለዱ ንዮሃንስ መጥመቕ ዝዀኑ ዘካርያስን ኤልሳቤጥን “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቃን ነበሩ።” ምኽንያቱ ድማ ‘ብዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ሕጋጋቱን ብዘይ​ ጕድለት ኢዮም ዝኸዱ ነይሮም።’ (ሉቃስ 1:⁠6) እስራኤላዊ ዘይነበረ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ኢጣልያዊ ሓለቓ ሰራዊት “ንኣምላኽ ዚፈርህ ጻድቕ ሰብኣይ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠22

15. ጽድቂ ምስ ምንታይ ኢዩ ተኣሳሲሩ ዘሎ፧

15 ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ሰባት ዘሎ ጽድቂ ምስቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ምግባር ጥራይ ዘይኰነስ ብዝያዳ ምስቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ነገራት​—⁠ኣብ የሆዋን መብጽዓታቱን ዘለዎ እምነትን ሞሳን ፍቕርን​—⁠ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ ኢዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብርሃም “ብእግዚኣብሄር . . . አመነ: ንሱ ድማ ንጽድቂ ቘጸረሉ” ይብለና። (ዘፍጥረት 15:6) ኣብርሃም ኣብ ህላወ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ እቲ “ዘርኢ” ኣብ ዝነበሮ መብጽዓ እውን እምነት ነይርዎ ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:⁠15፣ 12:⁠2፣ 15:5፣ 22:⁠18) ኣብርሃምን ካልኦት እሙናት ሰባትን ከምዚኣ ዝኣመሰለት እምነትን ምስ እምነቶም ዝሰማማዕ ግብርን ስለ ዝነበሮም የሆዋ ምሳታቶም ርክብ ክገብርን ክባርኾምን ክኢሉ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 36:⁠10፣ ሮሜ 4:⁠20-22

16. ኣብቲ በጅነት እምነት ምግባር እንታይ ኣፍረየ፧

16 መወዳእትኡ ጽድቂ ደቅሰብ ኣብ መስዋእታዊ በጅነት የሱስ ክርስቶስ እምነት ኣብ ምግባር እተመርኰሰ ኢዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም አብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት “በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ [ብጸጋ ኣምላኽ] ይጸድቁ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 3:⁠24) ጳውሎስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ እቶም ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ መዋርስቲ ክርስቶስ ክዀኑ እተሓርዩ ሰባት ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። ይኹን እምበር: እቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ካልኦት ሰባት እውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽድቃዊ ኣቕዋም ከጥርይሉ ዝኽእሉ ኣጋጣሚ ከፊቱሎም ኢዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ “ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ: ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም: . . . ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም” ርእዩ ኢዩ። ‘ንኽዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሐጺቦም ስለ ዘጻዕደዉ:’ እቲ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹሃትን ጻድቃንን ምዃኖም ዘመልክት ኢዩ።​—⁠ራእይ 7:⁠9, 14

ብጽድቂ የሆዋ ባህ ይበልካ

17. ደድሕሪ ጽድቂ ንምስዓብ እንታይ ስጕምትታት ኢዩ ኽውሰድ ዘለዎ፧

17 የሆዋ ኣብ ቅድሚኡ ጽድቃዊ ኣቕዋም ምእንቲ ክህልወና ኢሉ ብፍቕሪ ተላዒሉ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ እኳ እንተ ሃበና: እዚ ጽድቃዊ ኣቕዋም እዚ ሃንደበት ዝመጽእ ኣይኰነን። የግዳስ ኣብቲ በጅነት እምነት ክህልወካ: ንናብራ ህይወትካ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ከተሰማምዖ: ህይወትካ ንየሆዋ ኽትውፊ: ብማይ ጥምቀት ከኣ ከተርእዮ የድሊ። ድሕርዚ ደድሕሪ ጽድቅን ካልእ መንፈሳዊ ባህርያትን ክትስዕብ ይግባእ። እቲ ሰማያዊ ጽውዓ ዝነበሮ ጥሙቕ ክርስትያን ዝነበረ ጢሞቴዎስ ‘ደድሕሪ ጽድቂ: ኣምልኾ: እምነት: ፍቕሪ: ትዕግስቲ: ህድኣት ክስዕብ’ ማዕዳ ተዋሂብዎ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:11፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:22) የሱስ እውን “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” ብምባል ቀጻሊ ጻዕሪ ምግባር ከም ዘድሊ ኣጕልሐ። በረኸታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምርካብ ኣጸቢቕና ንጽዕር ንኸውን: ይኹን እምበር ነቲ ጽድቃዊ መገድታት የሆዋ ንምስዓብከ ማዕረ እዚ ንጽዕር ዲና፧​—⁠ማቴዎስ 6:33

18. (ሀ) ደድሕሪ ጽድቂ ምስዓብ ቀሊል ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ካብ ኣብነት ሎጥ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧

18 ኵላትና ዘይፍጹማት ብምዃንናን እቲ ባህርያዊ ዝንባለና ኸኣ ጽድቃዊ ዘይኰነ ነገራት ክንገብር ስለ ዝደፋፍኣና: ደድሕሪ ጽድቂ ምስዓብ ቀሊል ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። (ኢሳይያስ 64:⁠6) ኣብ ርእሲ እዚውን ኵላትና ንጽድቃዊ መገድታት የሆዋ ግዲ ብዘይ​ገብርሉ ሰባት ኢና ተኸቢብና ዘሎና። ኵነታትና ምስቲ ኣብታ ብእኩይ ተግባራት ዕልልቲ ዝነበረት ከተማ ሶዶም ዝነብር ዝነበረ ሎጥ ኣጸቢቑ ዝመሳሰል ኢዩ። የሆዋ ንሎጥ ካብቲ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ጥፍኣት ከድሕኖ ብቑዕ ኰይኑ ዝረኸበሉ ምኽንያት ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “እቲ ጻድቕ ኣብ ማእከሎም ኪነብር ከሎ: ኣብ ጸጽባሕ በቲ ዚርእዮን ዚሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመጻኦም: እታ ጻድቅ ነፍሱ ትስቀ ነበረት።” (2 ጴጥሮስ 2:⁠7, 8) ስለዚ ነፍሲ ወከፍና ከምዚ ዝስዕብ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና:- ‘ነቲ ኣብ ከባቢየይ ዝርእዮ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት እሰምሮ ድየ፧ እቲ ህቡብ ግናኸ ዓመጻ ዘንጸባርቕ መዘናግዒታት ወይ ዓይነት ስፖርት ሕማቕ ከም ዝዀነ ገይረ ጥራይ ድየ ዝወስዶ፧ ወይስ በዚ ናይ ዓመጻ ተግባራት እዚ ልክዕ ከም ሎጥ እስቀ ኢየ፧’

19. ብጽድቂ ኣምላኽ ባህ ዝብለና እንተደኣ ዀይኑ እንታይ በረኸታት ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

19 ኣብዚ ሓደገኛ ዝዀነ ቅልውላው ዝመልኦ እዋን ብጽድቂ የሆዋ ባህ ዝብለና እንተደኣ ዀይኑ ድሕንነትን ዕቝባን ንረክብ ኢና። ንጉስ ዳዊት “ዎ እግዚኣብሄር: ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፧ ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፧” ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ “እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን [ኢዩ]” በለ። (መዝሙር 15:⁠1, 2) ደድሕሪ ጽድቂ ኣምላኽ ምስ እንስዕብን ብእኡ ኸኣ ባህ ምስ ዝብለናን ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ነጥሪ ስምረቱን በረኸቱን ከኣ ንረክብ። ዕግበትን ምትእምማንን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ከኣ ይህልወና። ቃል ኣምላኽ “እቲ ንጽድቅን በጕነትን ዚስዕበን: ህይወትን ጽድቅን ክብረትን ይረክብ” ይብለና ኢዩ። (ምሳሌ 21:21) ብተወሳኺ እውን ኣብ ኵሉ እቲ እንገብሮ ጻዕርታት ብዝከኣለና መጠን ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ምስ እንጽዕር ምስ ሰባት ይኹን ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ዘሐጕስ ይኸውን: ብስነ⁠-​ምግባር ይኹን ብመንፈሳዊ መገዲ ኸኣ ዝሓሸ ናብራ ህይወት ይህልወና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ፍርዲ ዚሕልዉ: ኵሉ ጊዜ ጽድቂ ዚገብሩ ብጹኣን እዮም” በለ።​—⁠መዝሙር 106:3

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እቲ ሰፊሕ ሕጊ ሙሴ ዝገልጽ ዝርዝር ሓሳባት ንምርካብ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስታ መጽሓፍ 2ይ ጥራዝ: ገጽ 214-20 ዘሎ “ገለ መዳያት ናይ ሕጊ ኺዳን” ዝብል ዓንቀጽ ርአ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ጽድቂ እንታይ ኢዩ፧

• ድሕነት ምስ ጽድቂ ኣምላኽ ዝተሓሓዝ ብኸመይ ኢዩ፧

• ደቅሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ጻድቃን እተቘጽሩ በየናይ መሰረት ኢዮም፧

• ብጽድቂ የሆዋ ባህ ክብለና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ንጉስ ዳዊት ንሕጊ የሆዋ ኻብ ልቡ ይፈትዎ ኸም ዝነበረ ገለጸ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ኖህ: ኣብርሃም: ዘካርያስ: ኤልሳቤጥ: ቆርኔሌዎስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ጻድቃን ተቘጺሮም ኢዮም። ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧