ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቴትራግራማተን ኣብ ሰፕቱጀንት

ቴትራግራማተን ኣብ ሰፕቱጀንት

ቴትራግራማተን ኣብ ሰፕቱጀንት

 እቲ የሆዋ ዝብል መለኮታዊ ስም ብቴትራግራማተን ማለት በተን ኣርባዕተ ናይ እብራይስጢ ፊደላት יהוה (የሀወሀ) ኢዩ ዝጸሓፍ። ቴትራግራማተን ኣብ ቅዳሓት ሰፕቱጀንት የለን ተባሂሉ ንነዊሕ እዋን ክእመን ዝጸንሐ ኢዩ። ስለዚ: ጸሓፍቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኽጠቕሱ ኸለዉ: ኣብ ጽሑፋቶም መለኮታዊ ስም ኣይተጠቕሙን ዝብል ኣተሓሳስባ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመታት ኣቢሉ እተረኽበ ተኸታታሊ ርኽበታት ስም ኣምላኽ ኣብ ሰፕቱጀንት ከም ዝነበረ ኣነጸረ። ብዛዕባዚ ሓደ ምንጪ ኸምዚ ይብል:- “እቶም ግሪኽኛ ዝዛረቡ ኣይሁድ ነቲ ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ግሪኽኛ ኽትርጕምዎ ኸለዉ: ነቲ ቕዱስ ስም ኣምላኽ ብትኽክል ንምዕቃብ ካብ ዘለዎም ብርቱዕ ባህጊ እተላዕለ: ነተን ናይ ቴትራግራማተን ፊደላት ኣብ መንጎ ናይ ግሪኽኛ ፊደላት ከም ዘለውኦ ቀድሕወን።”

እዚ ብሸነኽ ጸጋም ዝርአ ዘሎ ቝራጽ ፓፒረስ ሓደ ኻብዚ ኣብነታት ኢዩ። ኣብ ኦክሲሪንከስ: ግብጺ: እተረኽበ ዀይኑ ቍጽሪ 3522 ኸኣ ተዋህቦ፣ እዚ ቝራጽ እዚ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈ ኢዩ። a ዓቐኑ ኸኣ 7 ብ10.5 ሳንቲ ሜተር ኢዩ: እዮብ 42:​11, 12 ድማ ዝሓዘ ኢዩ። እቲ ተኸቢቡሉ ዘሎ ቴትራግራማተን ብናይ እብራይስጢ ፊደላት ኢዩ ተጻሒፉ። b

እሞኸ መለኮታዊ ስም ኣብ ቀዳሞት ቅዳሓት ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ነይሩ ድዩ፧ ጆርጅ ሆዋርድ ከምዚ በለ:- “ቴትራግራም ኣብቲ ጽሑፋት ጥንታዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝዀነ ቅዳሓት ናይ ግሪኽኛ መጽሓፍ ቅዱስ [ሰፕቱጀንት ] ተጻሒፉ ስለ ዘሎ: ጸሓፍቲ ሓ[ድሽ] ኪ[ዳን] ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክጠቕሱ ኸለዉ ነቲ ቴትራግራም ዓቂቦሞ ኢዮም ምባል ርትዓዊ ኢዩ።” ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ቀዳሕቲ ነቲ መለኮታዊ ስም ብኸም ኪሪዮስ (ጐይታ) ከምኡውን ቴኦስ (ኣምላኽ) ዝኣመሰለ መዓርጋት ክቕይርዎ ዝጀመሩ ኢዩ ዝመስል።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዛዕባ እቲ ኣብ ኦክሲሪንከስ እተረኽበ ፓፒረስ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብ ናይ 15 ለካቲት 1992 ግምቢ ዘብዐኛ (እን​ግሊዝኛ) ገጽ 26-8 ርአ።

b መለኮታዊ ስም ኣብ ጥንታዊ ናይ ግሪኽ ጽሑፋት ከም እተረኽበ ዘርኢ ኻልእ ኣብነታት እንተ ደሊኻ: ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም​—⁠ምስ መወከሲ: (እንግሊዝኛ) ኣብ መመላእታ ጽሑፍ 1C ርአ።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Courtesy of the Egypt Exploration Society