ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሰናይ ግብሪ ዝነጽሀ ህዝቢ

ንሰናይ ግብሪ ዝነጽሀ ህዝቢ

ንሰናይ ግብሪ ዝነጽሀ ህዝቢ

“ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና: ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ።”​2 ቈረንቶስ 7:⁠1

1. የሆዋ ካብቶም ዘምልኽዎ እንታይ ብቕዓት ኢዩ ዝደሊ፧

 “ናብ ከረን እግዚኣብሄር ዚድይብ መን እዩ፧ ኣብቲ ቕዱስ ቦታኡ ዚቐውምሲ መን እዩ፧” እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቅቡል ዝዀነ ኣምልኾ ኣመልኪቱ ነዚ ዘተሓሳስብ ሕቶ እዚ ድሕሪ ምልዓሉ “እቲ ንጹህ ዝኣእዳዉን ንጹህ ዝልቡን: ነፍሱ ናብ ከንቱ ዘየልዕል: ብጥበራ ዘይምሕል ሰብ እዩ” ኢሉ መለሰ። (መዝሙር 24:3, 4) ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝለዓለ ኣብነት ቅድስና ዝዀነ የሆዋ ተቐባልነት ንኽረክብ ንጹህን ቅዱስን ክኸውን የድሊ። የሆዋ ኣቐድም ኣቢሉ ንማሕበር እስራኤል “ተቐደሱ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ: ቅዱሳት ኩኑ” ብምባል ኣዘኻኸሮም።​—⁠ዘሌዋውያን 11:⁠44, 45፣ 19:⁠2

2. ጳውሎስን ያእቆብን ንኣድላይነት ናይቲ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽህሉ ዘለዎ ንጽህና ብኸመይ ኢዮም ኣጕሊሖምዎ፧

2 ዘመናት ምስ ሓለፈ እውን ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ብስነ⁠-​ምግባር ተባላሽያ ዝነበረት ከተማ ቈረንቶስ ይነብሩ ንዝነበሩ ክርስትያናት ብጾቱ “ኣቱም ፍቁራተይ: እዚ ተስፋታት እዚ ኻብ ዚህ​ልወናስ: ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና: ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (2 ቈረንቶስ 7:⁠1) እዚ ድማ ሓደ ሰብ ምስ ኣምላኽ ርክብ ንኽገብርን ነቲ መብጽዓ እተገብረሉ በረኸት ከኣ ንኽረክብን ካብ ኣካላዊ ይኹን መንፈሳዊ ርኽሰትን ብልሽውናን ንጹህ ክኸውን ኣለዎ ማለት ኢዩ። ብተመሳሳሊ ወደ መዝሙር ያእቆብ እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ ኣምልኾ ኽጽሕፍ ከሎ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ: ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ: ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።”​—⁠ያእቆብ 1:⁠27

3. ኣምልኾና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ንኽረክብ: ብዛዕባ እንታይ ኢና ኣርዚንና ኽንሓስብ ዘሎና፧

3 ንጹህ: ቅዱስ: ዘይርኹስ ምዃን ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽሳዕ ክንድዚ ዘገድስ ረቛሒታት ካብ ኰነ: ዝዀነ ይኹን ስምረት ኣምላኽ ክረክብ ዝደሊ ሰብ ነዚ ብቕዓታት እዚ ንኸማልእ ኣርዚኑ ኽሓስበሉ ኣለዎ። ይኹን እምበር: ሎሚ ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ ጽሬት ኣዝዩ እተፈላለየ መዐቀኒታትን ሓሳባትን ስለ ዘለዎም: የሆዋ ንጹህን ቅቡልን ዝብሎ ነየናይ ምዃኑ ኽንርዳእን ምስኡ ተሰማሚዕና ኽንነብርን የድልየና። በዚ መዳይ እዚ ኣምላኽ ካብ ኣምለኽቱ ዝሓቶ ነገራት እንታይ ምዃኑን ኣብ ቅድሚኡ ንጹሃትን ተቐባልነት ዘለዎምን ኰይኖም ክነብሩ ኢሉ ንኽሕግዞም ድማ እንታይ ከም ዝገበረን ክንፈ​ልጥ የድልየና ኢዩ።​—⁠መዝሙር 119:⁠9፣ ዳንኤል 12:⁠10

ምእንቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንጹሃት

4. ብዛዕባ ንጽህና ዝመጸ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓሳባት ግለጾ።

4 መብዛሕትኦም ሰባት ንጹህ ወይ ጽሩይ ምዃን ክበሃል ከሎ ርስሓት ወይ ብከላ ዘይብሉ ምዃን ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ንጹህ ምዃን ንዝብል ሓሳብ: ብኣካላዊ መገዲ ጥራይ ዘይኰነስ መብዛሕትኡ ግዜ ብስነ⁠-​ምግባራውን መንፈሳውን መገዲ ንጹህ ምዃን ዝገልጽ ሓያሎ ናይ እብራይስጥን ናይ ግሪኽን ቃላት ተጠቒሙ ኣሎ። ስለዚ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢንሳይክሎፔድያ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እተን ‘ንጹህን’ ‘ዘይንጹህን’ ዝብላ ቓላት ምስ ስነ⁠-​ጥዕና ብምትሕሓዝ ዝግለጻ ሳሕቲ ጥራይ ኢየን: ብቐንዱ ግን ሃይማኖታዊ ሓሳብ ዝሓዛ ኢየን። ብመሰረት እዚ መግለጺ እዚ ናይ ‘ንጽህና’ መሰረታዊ ሓሳብ ዳርጋ ንዅሉ መዳያት ናብራ ዝትንክፎ ኢዩ።”

5. ሕጊ ሙሴ ንእስራኤላውያን ብዛዕባ ንጽህና እንታይ መምርሒ ኢዩ ሂብዎም፧

5 እወ: ሕጊ ሙሴ እቲ ንጹህን ቅቡልን እንታይ ምዃኑ ኣነጺሩ ብምግላጽ ዳርጋ ኣብ ኵሉ መዳያት ናብራ ህይወት እስራኤላውያን ዝዓዪ ስርዓታትን መምርሒታትን ኣውጺኡ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 11 ክሳዕ ምዕራፍ 15 ምስ ንጹህን ርኹስን እተተሓሓዘ ዝርዝር መምርሒታት ንረክብ ኢና። ገሊኦም እንስሳታት ርኹሳት ስለ ዝነበሩ እስራኤላውያን ኣይበልዕዎምን ኢዮም ነይሮም። ሓንቲ ሰበይቲ ምስ እትወልድ ንእተወሰነ ግዜ ትረክስ ነበረት። ብፍላይ ከም ለምጺ ዝኣመሰለ ገለ ናይ ቆርበት ሕማማትን ካብ ብልዕቲ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝፈስስ ፈሳስን ንሓደ ሰብ የርክሶ ነበረ። እቲ ሕጊ: ምስ ርኽሰት እተተሓሓዘ ነገር ምስ ዘጋጥም እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ እውን ኣነጺሩ ይገልጽ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ዘሁልቍ 5:⁠2 “ንዅሉ ለምጻምን ንዅሉ ጀጋልን ብሬሳ ንዝረኸሰ ዅሉን ካብ ሰፈር ኬውጽኡ ንደቂ እስራኤል አዝዞም” ዝብል ነንብብ ኢና።

6. እቲ ንንጽህና ዝምልከት ሕጊ ንምንታይ ዕላማ ኢዩ ተዋሂቡ፧

6 ኵሉ እቲ ኣብዚ እተጠቕሰን ዘይተጠቕሰን ካብ የሆዋ እተዋህቦም ሕግታት ካብቲ ደቅሰብ ብምርምር ዝበጽሕሉ እዋን ነዊሕ ዘመናት ኣቐዲሙ ብዛዕባ ሕክምናውን ፊዝዮሎጅያውን ኣተሓሳስባ ዘንጸባርቕ ኢዩ ነይሩ: እቶም ህዝቢ ኽስዕብዎ ኸለዉ ኸኣ ይጥቀሙ ነበሩ። ይኹን እምበር: እዚ ሕግታት እዚ ኸም ስርዓተ⁠-ጥዕና ወይ ከኣ ናይ ሕክምና መምርሒ ክኸውን ተባሂሉ ጥራይ ኣይኰነን ተዋሂቡ። ክፍሊ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኢዩ ነይሩ። እቲ ሕጊ ንኸም እኒ ብልዒ: ሕርሲ: ሓዳርን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን መዓልታዊ ናብራ ህይወት ናይቶም ህዝቢ ምትንካፉ: ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ እተወፈዩ ህዝቢ ብምንባሮም ኣብ ኵሉ ናብራ ህይወቶም ዝገብርዎ ግቡእን ዘይግቡእን ነገራት እንታይ ምዃኑ ንምውሳን ስልጣን ዘለዎ ከም ፈጣሪኦም መጠን የሆዋ ጥራይ ምዃኑ ዘጕልሕ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ዘዳግም 7:⁠6፣ መዝሙር 135:⁠4

7. ህዝቢ እስራኤል ነቲ ሕጊ ምስ ዝሕልውዎ እንታይ በረኸት ይረኽቡ ነይሮም፧

7 እቲ ሕጊ ኺዳን ንእስራኤላውያን ካብቲ ርኹስ ተግባራት ናይቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ህዝቢ እውን ዘዕቝቦም ኢዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ነቲ ሕጊ እንተላይ ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹሃት ኰይኖም ንኽርከቡ ዝሓቶም ኵሉ መምርሒታት ምስ ዝሕልውዎ ንኣምላኽ ንምግልጋልን በረኸቱ ንምቕባልን ብቕዓት ይህልዎም ነበረ። በዚ መዳይ እዚ ዝመጸ የሆዋ ነቶም ህዝቢ “ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም: ኪዳነይውን እንተ ሐሎኹም: ኵላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ: ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም። ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም።​—⁠ዘጸኣት 19:⁠5, 6፣ ዘዳግም 26:⁠19

8. ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ነቲ ብዛዕባ ንጽህና ዝምልከት ሕጊ ከቕልቡሉ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧

8 የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ ቅድሚኡ ጽሩያትን ቅዱሳትን ቅቡላትን ክዀኑሉ ዝኽእሉሉ መገዲ ምእንቲ ኽምህሮም ኢሉ ዝርዝር ናይቲ ሕጊ ኻብ ሃቦም: ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ነዚ ብቕዓታት እዚ ብኸመይ ከም ዘማልእዎ ተጠንቂቖም ክምርምርዎስ ግቡእዶ ኸይኰነ፧ ሽሕኳ ክርስትያናት በቲ ሕጊ ዘይቅየዱ እንተዀኑ: ከምቲ ጳውሎስ ዝገለጾ ግን ኵሉ ኣብቲ ሕጊ ተሰሪዑ ዘሎ ነገራት ‘ነቲ ዝመጽእ ጽላሎቱ ከም ዝዀነ እቲ ስጋ ግና ክርስቶስ ምዃኑ’ ክዝክሩ ይግባእ። (ቈሎሴ 2:⁠17፣ እብራውያን 10:⁠1) እቲ ‘ኣነ ኣይልወጥን ኢየ’ ዝበለ የሆዋ ኣምላኽ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ዝነበረ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንጹህን ዘይርኹስን ምዃን ክሳዕ ክንድዚ ኣገዳሲ ገይሩ ካብ ረኣዮ: ሎሚ እውን ስምረቱን በረኸቱን ክንረክብ ንደሊ እንተደኣ ዄንና ንኣካላዊ: ስነ⁠-​ምግባራውን መንፈሳውን ንጽህና ኣርዚንና ኽንርእዮ ይግብኣና።​—⁠ሚልክያስ 3:⁠6፣ ሮሜ 15:⁠4፣ 1 ቈረንቶስ 10:⁠11, 31

ኣካላዊ ንጽህና ንብቕዓትና ይምስክር

9, 10. (ሀ) ኣካላዊ ንጽህና ንክርስትያናት ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ዓበይቲ ኣኼባታት ዝበዝሕ ግዜ ከመይ ዝበለ ርእይቶታት ኢዩ ዝወሃብ፧

9 ኣካላዊ ንጽህና ሎሚ እውን እንተዀነ ክፍሊ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ድዩ፧ ሽሕኳ ኣካላዊ ንጽህና ንበይኑ ንሓደ ሰብ ናይ ሓቂ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝገብሮ እንተ ዘይኰነ: ሓደ ናይ ሓቂ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኵነታት ብዘፍቅደሉ መጠን ብኣካል ንጹህ ክኸውን የድልዮ። ብፍላይ ኣብዚ ሎሚ ሰባት ሰብነቶም: ክዳውንቶም: ወይ ከባቢኦም ንጹህ ገይሮም ንምሓዝ ክሳዕ ክንድዚ ዘይግደስሉ ዘለዉ እዋን ነቶም በዚ መዳይ እዚ ጥንቁቓት ዝዀኑ መብዛሕትኡ ግዜ ኻልኦት ይዕዘብዎም ኢዮም። እዚ ድማ ልክዕ ከምቲ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝበሎም ኣወንታዊ ውጽኢት ኢዩ ዘፍሪ:- “ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ: ንሓደ እኳ ብገለ ነገር መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና። ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ አሎና።”​—⁠2 ቈረንቶስ 6:⁠3, 4

10 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍላይ በቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታቶም ዝርአ ንጽህናኦም: ስርዓቶም: ኣኽብሮት ዘለዎ ጠባያቶምን ልምድታቶምን ብሰበ⁠-​ስልጣን ክነኣዱ ጸኒሖም ኢዮም። ንኣብነት ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢጣልያ: ኣብ ኣውራጃ ሳቮና እተኻየደ ዓብዪ ኣኼባ: ላ ስታምፓ እተባህለት ጋዜጣ ከምዚ በለት:- “ነቲ ህንጻ ኽትዕዘቦ ኸሎኻ ፍልይ ዘብሎ ነገር እንተልዩ ንጽህናን ስርዓትን ናይቶም ዝጥቀምሉ ህዝቢ ኢዩ።” ኣብ ሳኦ ፓውሎ: ብራዚል: ደድሕሪ እቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ: ናይቲ ስታድዩም ሓላፊ ነቲ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛታቱ ዝቈጻጸረሉ ሰብ “ካብ ሕጂ ንንየው ነዚ ስታድዩም እዚ ኸምቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘጽርይዎ ዀይኑ ኽጸሪ ኢና እንደልዮ” በሎ። ካልእ ሓላፊ ናይቲ ስታድዩም እቲ ኸኣ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ስታድዩም እዚ ኽካረይዎ ምስ ዝደልዩ: ብዛዕባ እቲ ዝካረየሉ ዕለት ጥራይ ኢና እንሓስብ። ካልእ ዘጨንቐና ነገር የለን” በለ።

11, 12. (ሀ) ብዛዕባ ብሕታዊ ንጽህና ዝመጸ ነየናይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ስርዓት ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧ (ለ) ብዛዕባ ብሕታዊ ልምድታትናን ኣነባብራናን ከመይ ዝኣመሰለ ሕቶታት ኢዩ ኽሕተት ዝከኣል፧

11 ኣብቲ ኣምልኾና እነካይደሉ ቦታ ዝርአ ንጽህናን ስርዓትን ነቲ እነምልኾ ኣምላኽ ውዳሰ ዘምጽኣሉ ኻብ ኰነ: ነዚ ባህርያት እዚ ኣብ ብሕታዊ ናብራ ህይወትና ምንጽብራቑ እውን ማዕሪኡ ኣገዳሲ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ቤትና በይንና ኣብ እንዀነሉ እዋን ድላይና ኽንገብር መሰል ዘሎና ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። ብኣከዳድናናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን ዝመጸ ኸኣ ምሹእን ዝስሕብን ኰይኑ እተሰምዓና ክንመርጽ ናጽነት ኣሎና! ብስፍሕ ዝበለ መገዲ ኽርአ ኸሎ ግን ኵሉ እዚ ናጽነት እዚ ተዛማዲ ጥራይ ኢዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ሓደ ሰብ ክመርጾ ዘለዎ መግቢ ኽዛረብ ከሎ “እቲ ሓርነትኩምሲ ነቶም ድኹማት መዓንቀፊ ኸይኰኖም: ተጠንቀቑ” ብምባል ንብጾቱ ክርስትያናት ዝሃቦም መጠንቀቕታ ኣይትረስዓዮ። ቀጺሉ “ኵሉ ተፈቒዱለይ: ኵሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ: ኵሉ ተፈቒዱለይ: ኵሉ ግና ኣይሀንጽን እዩ” ብምባል ነቲ ጠቓሚ መሰረታዊ መምርሒ ገለጾ። (1 ቈረንቶስ 8:⁠9፣ 10:⁠23) ብዛዕባ ንጽህና ዝመጸ ምኽሪ ጳውሎስ ኣባና ዝውዕል ብኸመይ ኢዩ፧

12 ሰባት ንሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኣብ ናብራ ህይወቱ ንጹህን ጽፉፍን ክኸውን እንተ ተጸበይዎ ምኽንያታዊ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: መልክዕ ገዛናን ከባቢኡን ነቲ ኸም ኣገልገልቲ ቓል ኣምላኽ መጠን እንፍለጠሉ ስም ዘየጽርፍ ምዃኑ ኸነረጋግጽ ይግብኣና። ገዛና: ብዛዕባናን ብዛዕባ እቲ እንኣምኖን እንታይ ዓይነት ምስክርነት ኢዩ ዝህብ፧ ኣብቲ ሰባት ንኽረኽብዎ ኣርዚንና እንምሕጸኖም: ንጹህን ጽፉፍን ጽድቂ ዝነብረሉ ሓዳስ ዓለም ክንነብር ልባዊ ሃረርታ ከም ዘሎና ዘርኢ ድዩ፧ (2 ጴጥሮስ 3:⁠13) ብተመሳሳሊ እቲ ኣብ ግዜ ምዝንጋዕ ይኹን ኣብ ኣገልግሎት ዝንጸባረቕ ትርኢትና እውን ነቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ተቐባልነት ከም ዝረክብ ወይ ከም ዘይረክብ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ሜክሲኮ ናይ ሓንቲ ጋዜጣ ወሃብ ዜና ዝሃቦ ሓሳብ ነስተብህለሉ:- “ዝበዝሑ ኣባላት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መንእሰያት ኢዮም: ኣተሓሕዛ ጸጕሮም: ጽሬቶም: እቲ ጽፉፍ ኣከዳድናኦም ከኣ ጐሊሑ ኢዩ ዝርአ።” ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መንእሰያት ኣብ ማእከልና ኽህልዉስ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ!

13. ኵሉ መዳያት ናብራ ህይወትና ጽሩይን ምዕሩይን ምዃኑ ንኸነረጋግጽ እንታይ ክንገብር ምኸኣልና፧

13 ሰብነትና: ንብረትና: ገዛና ዅሉ ግዜ ጽሩይን ምዕሩይን ጌርና ኽንሕዞ: ካብ ክትገብሮ ኽትብሎ ከም ዝቐልል ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ዝድለ ግን እተሓላለኸን ክቡር ዝዋግኡን ኣቝሑ ወይ መሳርሒ ዘይኰነስ ጽቡቕ መደብ ምውጻእን ዘየቋርጽ ጻዕሪ ምግባርን ኢዩ። ኣካላትና: ክዳውንትና: ገዛና: መኪናናን ካልእ ነገራትናን እነጽርየሉ ግዜ ኽንምድብ ይግባእ። ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራና እንስከሞ ሓላፍነታት: ብኣገልግሎት: ብኣኼባ: ብናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ትሑዝ ምዃንና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ጽሩያትን ቅቡላትን ንኸይንኸውን ምኽንያት ኣይኰነናን ኢዩ። እቲ “ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ” ዝብል ፍሉጥ መሰረታዊ ስርዓት: ነዚ ኽፍሊ ናብራ ህይወትና እውን ዝምልከት ኢዩ።​—⁠መክብብ 3:⁠1

ዘይረኸሰ ልቢ

14. ስነ⁠-​ምግባራውን መንፈሳውን ንጽህና ካብ ኣካላዊ ንጽህና ዝያዳ ዘገድስ ኢዩ ኽበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧

14 ንኣካላዊ ንጽህና ቘላሕታ ኽንገብረሉ ኣድላዪ ኻብ ኰነ: ንስነ⁠-​ምግባራውን መንፈሳውን ንንጽህና ዝያዳ ኣቓልቦ ክንገብረሉ የድሊ። ከምዚ ኽንብል እንኽእል ከኣ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ዝነጸጎም ኣካላዊ ንጽህና ብዘይ​ምሕላዎም ዘይኰነስ ብስነ⁠-​ምግባርን ብመንፈስን ተበላሽዮም ብምንባሮም ኢዩ። የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ገይሩ: “ሓጥእ ዓሌት: በደል እተጻዕነ ህዝቢ” ብምዃኖም: መስዋእትታቶም: ሰርቂ ኣዋርሖም: ሰናብቶም እወ: ጸሎቶም እኳ ከይተረፈ ጾር ኰይንዎ ኸም ዝነበረ ነገሮም። እንደገና ስምረት የሆዋ ንኽረኽቡ እንታይ ክገብሩ ነበሮም፧ የሆዋ “ተሐጸቡ: ንጽሁ: ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ: ምግባር እከይ ሕደጉ” በሎም።​—⁠ኢሳይያስ 1:⁠4, 11-16

15, 16. የሱስ ንሰብ ዘርክሶ እንታይ ኢዩ ዝበለ: ካብ ቃላት የሱስ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧

15 ኣድላይነት ናይ ስነ⁠-​ምግባራ​ውን መንፈሳውን ንጽህና ንኽንርዳእ ክሕግዘና ዝኽእል ተወሳኺ ሓሳባት ንምርካብ: ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ንደቀ⁠-​መዛሙርቲ የሱስ ኣእዳዎም ከይተሓጽቡ መግቢ ብምብልዖም ከም ርኹሳት ገይሮም ምስ ተዛረቡሎም የሱስ ዝሃቦም መልሲ ንመርምር። “ንሰብ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ እዩ ዜርክሶ እምበር: እቲ ናብ ኣፍ ዚአቱስ ንሰብ ኣየርክሶን” ብምባል ኣረሞም። ቀጺሉ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ብምባል ገለጸ:- “እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ . . . ካብ ልቢ እዩ ዚመጽእ እሞ: ንሱ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ: ቅትለት: ዝሙት: ምንዝር: ስርቂ: ምስክር ሓሶት: ጸርፊ ይወጽእ እዩ እሞ: እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር: ብዘይ​ተሐጽበ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን።”​—⁠ማቴዎስ 15:⁠11, 18-20

16 ካብ ቃላት የሱስ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧ የሱስ እቲ ኽፉእን ብዕሉግን ርኹስን ተግባራት በቲ ኻብ ልቢ ዝወጽእ ክፉእን ብዕሉግን ርኹስን ዝንባለ ኸም ዝጅምር ኢዩ ዘጕልሕ ነይሩ። ከምቲ ያእቆብ እቲ ወደ⁠-​መዝሙር ዝበሎ “ነፍሲ ወከፍ . . . ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን።” (ያእቆብ 1:⁠14, 15) ስለዚ እምበኣር: ኣብቲ የሱስ ዝገለጾ ኸቢድ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይንወድቕ: ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ዝደፋፍኣና ዝዀነ ይኹን ዝንባለ ካብ ልብና ምሒውና ኸነውጽኦ ይግባእ። እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ እነንብቦን እንርእዮን እንሰምዖን ነገራት ክንጥንቀቕ ይግብኣና ማለት ኢዩ። ሎሚ ምእንቲ ጥቕሚ ጸሓፍትን ስነ⁠-​ጥበባውያንን ተባሂሉ ናይ መዘናግዕን ረክላምን ትካላት ንባህጊ ናይዚ ድኹም ስጋ ኸለዓዕል ዝኽእል ማእለያ ዘይብሉ ናይ ድምጽን ምስልን ስነ⁠-​ጥበብ የፍርያ ኣለዋ። ዝዀነ ይኹን ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት ኣብ ኣልባብና ሱር ክሰድድ ፈጺምና ንኸይነፍቅደሉ ቘራጽነት ክንገብር ይግብኣና። እቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ነገር ንኣምላኽ ንምሕጓስን ኣብ ቅድሚኡ ተቐባልነት ንምርካብን ንጹህን ዘይረኸሰን ልቢ ንምዕቃብ ወትሩ ኽንተግህ ይግብኣና።​—⁠ምሳሌ 4:⁠23

ንሰናይ ግብሪ ዝነጽሁ

17. የሆዋ ንህዝቡ ዘንጽሆ ስለምንታይ ኢዩ፧

17 ብሓገዝ የሆዋ ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ ኣቕዋም ሒዝና ኽንመላለስ ብርግጽ በረኸትን ዕቝባን ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 6:⁠14⁠-​18) ይኹን እምበር: የሆዋ ንህዝቡ ንሓደ ፍሉይ ዕላማ ኢሉ ኸም ዘንጽሆም እውን ንግንዘቦ ኢና። ጳውሎስ ንቲቶስ “የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣና: ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘቡ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ: ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ” በሎ። (ቲቶስ 2:14) ከም ንጹህ ህዝቢ መጠን ንኸመይ ዝኣመሰለ ዕዮ ኢና ቐናኣት ክንከውን ዝግብኣና፧

18. ንሰናይ ግብሪ ቐናኣት ምዃንና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

18 ቅድም ቀዳድም: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንእውጅ ክንጽዕር ይግባእ። (ማቴዎስ 24:⁠14) በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ ኵሉ ሃገራት ንዘለዉ ሰባት ካብ ዝዀነ ይኹን ብከላ ናጻ ኣብ ዝዀነት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ከም ዘሎ ንነግር። (2 ጴጥሮስ 3:⁠13) እቲ ሰናይ ግብርና: ኣብ መዓልታዊ ናብራ ህይወትና ፍረ መንፈስ ምንጽብራቕ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። በዚ ድማ ንሰማያዊ ኣቦና ነኽብሮ። (ገላትያ 5:⁠22, 23፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠12) ነቶም ብባህርያዊ ሓደጋታት እተጠቕዑ ወይ ዘሕዝን ተመክሮ ዘጋጠሞም ኣብ ሓቂ ዘለዉ ብጾትና እውን ኣይንርስዖምን ኢና። ነቲ “እምብኣርሲ ጊዜ ኸሎና: ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” ዝብል ማዕዳ ጳውሎስ ወትሩ ንዝክሮ ኢና። (ገላትያ 6:10) ኵሉ እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኻብ ንጹህ ልብን ካብ ንጹህ ድራኸን ዝቐርብ ኣገልግሎት ንኣምላኽ ኣጸቢቑ ዘሐጕሶ ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 1:⁠5

19. ብኣካላውን ስነ⁠-​ምግባራውን መንፈሳውን መገዲ ወትሩ ንጽህናና ዓቂብና እንተደኣ ተመላሊስና እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧

19 ከም ኣገልገልቲ ናይቲ ልዑል ኣምላኽ መጠን ነቲ ጳውሎስ “ኣሕዋተየ: ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ: ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ: እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ነቕልበሉ ኢና። (ሮሜ 12:1) ነቲ የሆዋ ንኸንጽሃና ረኺብናዮ ዘሎና ፍሉይ መሰል ወትሩ ሓብሒብና ንሓዞ: ኣካላውን ስነ⁠-​ምግባራውን መንፈሳውን ንጽህናና ዓቂብና ንኽንመላለስ ከኣ ብዝከኣለና መጠን ንጽዓር። ከምዚ ምስ እንገብር ሕጂ ርእሰ⁠-​ተኣማንነትን ዕግበትን ንረክብ ጥራይ ዘይኰነስ “እቲ ቐዳማይ” ማለት እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይን ርኹስን ኣገባብ ክሓልፍን ኣምላኽ ‘ንዅሉ ከሐድሶን’ ከሎ ኽንርኢ ኢና።​—⁠ራእይ 21:⁠4, 5

ትዝክሮዶ፧

• እስራኤላውያን ብዛዕባ ንጽህና ሓያሎ ሕግታት እተዋህቦም ስለምንታይ ኢዩ፧

• ኣካላዊ ንጽህና ነቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ማራኺ ከም ዝኸውን ዝገብሮ ብኸመይ ኢዩ፧

• ስነ⁠-​ምግባራውን መንፈሳውን ንጽህና ካብ ኣካላዊ ንጽህና ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

• “ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእ” ህዝቢ ምዃንና ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ኣካላዊ ንጽህና ነቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ማራኺ ከም ዝኸውን ይገብሮ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ እኩይ ሓሳባት ናብ እኩይ ተግባራት ከም ዝመርሕ ኣጠንቀቐ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ንጹሃት ህዝቢ መጠን ንሰናይ ግብሪ ቐናኣት ኢዮም