ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ውፉይ ብምዃነይ ዓስቢ ረኸብኩ

ንኣምላኽ ውፉይ ብምዃነይ ዓስቢ ረኸብኩ

ታሪኽ ህይወት

ንኣምላኽ ውፉይ ብምዃነይ ዓስቢ ረኸብኩ

ዊልያም ኣይሂኖርያ ዘዘንተዎ

ለይቲ ምድሪ በቲ ልሙድ ኣቦይ ዘስምዖ ናይ ቃንዛ ድምጺ ተበራበርኩ። ከብዱ ሒዙ ኣብ ባይታ ጠንቀላዕላዕ ይብል ነበረ። ኣነን ኣደይን ዓባይ ሓብተይን ናብ ጥቕኡ ኸድና። እቲ ቓንዛ ህድእ ምስ በለሉ: ኮፍ በለ እሞ ኡፍ ድሕሪ ምባል “ኣብዛ ዓለም እዚኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኢዮም ሰላም ዘለዎም” በለ። እዚ ዘረባ እዚ ደንጸወኒ: እንተዀነ ግን ቅድሚኡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰሚዐ ስለ ዘይፈልጥ ዓሚቝ ጦብላሕታ ገደፈለይ። እንታይ ማለቱ ምዃኑ ክፈልጥ ድማ ተሃንጠኹ።

 እዚ ዝዀነ ብ1953 ኢዩ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ነበርኩ። ኣብታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይጀርያ እትርከብ ኢዎሳ እትበሃል ብሕርሻ እትመሓደር ቍሸት ኢየ ተወሊደ: ኣቦይ ድማ ብዙሓት ኣንስቲ ነበራኦ። ካልኣይ ውላድ እኳ እንተ ዀንኩ: ኣብታ ጸኒሓ 3 ኣንስትን 13 ቈልዑን ዘጠቓለለት ስድራ​ቤትና ናይ መጀመርታ ወዲ ነበርኩ። ኣብታ ኣርባዕተ ኽፍሊ ዘለዋ ናይ ኣባሓጎይ ኣጕዶ ኸኣ ንነብር ነበርና። ኣብታ ኣጕዶ ዓባየይን ሰለስተ ሓወቦታተይ መምስ ስድራ​ቤቶምን እውን ምሳና ይነብሩ ነበሩ።

ቈልዓ ኸለኹ ኸርፋሕ ናብራ ኢየ ኣሕሊፈ። ከምዚ ክኸውን ዝኸኣለ ኸኣ ኣቦይ ጥዕና ስለ ዘይነበሮ ኢዩ። ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ኣብ ከስዐኡ ቓንዛ ዝገብረሉ ሕዱር ሕማም ነበሮ። ካብቲ ዘይተፈልጠ ሕማሙ ንምሕዋይ ሓደ ኣፍሪቃዊ ዓዃይ ክገብሮ ኻብ ዝኽእል ዓይነት ባህላዊ ሕክምና ዘይፈተኖ የለን። ዝበዝሕ ግዜ ለይቲ ንሱ ብቓንዛ ኣብ ባይታ ፈፈው ክብል: ንሕና ድማ ጥቕኡ ዄንና ኽንበኪ ምድሪ ወጊሑ ደርሆ ይንቊ ነበረ። ንሱን ኣደይን ንሕማሙ ፈውሲ እንተ ረኸቡሉ ኢሎም ንዓይን ንኣሕዋተይን ኣሓተይን ምስ ዓባይና ገዲፎም ይገሹ ነበሩ።

ስድራ​ቤትና ያም: ካሳቫ: ከምኡውን ኮላ ናት ዝበሃል ፍርያት ሕርሻ ኣፍርያ ብምሻጥ ድራር ዕለት ትምእርር ነበረት። ነቲ ኻብ ኢድ ናብ ኣፍ ጥራይ ዝነበረ እቶትና ንምድጋፍ እውን ብእተወሰነ ደረጃ ነቲ ንመስርሒ ጎማ ዝኸውን ፈሳሲ ኻብ ኣእዋም ነውጽእ ነበርና። ቀንዲ መግብና ያም ነበረ። ቍርሲ ያም: ምሳሕ እተጣሕነ ያም: ድራር ድማ ያም ንበልዕ ነበርና። ሳሕቲ ፕላንተይን ዝበሃል ንባናና ዝመስል መግቢ ጠቢስና ኽንበልዕ ከሎና ለውጢ ይዀነና ነበረ።

ናይ ኣባሓጎታት ኣምልኾ ኣገዳሲ ኽፍሊ ህይወትና ነበረ። ስድራ​ቤትና ኣብ ቅድሚ ዛዕጎል እተኣስሮ በትሪ መግቢ ብምቕራብ ንኣባሓጎታቶም የምልኹ ነበሩ። ኣቦይ እውን እኩያት መናፍስትን ጠንቈልትን ንምርሓቕ ጣኦት የምልኽ ነበረ።

ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከለኹ: ካብታ ቝሸትና ናብቲ 11 ኪሎ ሜትር ርሒቕካ ዝርከብ ቦታ ሕርሻ ንግዚኡ ገዓዝና። ኣብኡ ኸኣ ኣቦይ ጊኒ ዎርም ዝበሃል ዓይነት ሓሰኻ ዘምጽኦ ሕማም ሓዞ: ኣብ ርእሲ እቲ ዝነበሮ ናይ ኣምዑት ስቓይ ድማ ስቓይ ወሰኸሉ። ቀትሪ ቐትሪ ክሰርሕ ኣይክእልን: ለይቲ ለይቲ ኸኣ ኣምዑቱ ብርቱዕ ቓንዛ ይገብረሉ ነበረ። ኣነ ድማ ሕማም ቲፎ ሓመምኩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኢድ ኣዝማድና ኽንጽበ ጀመርና። ብሽግር ምእንቲ ኸይንመውት ናብታ ኢዎሳ እትበሃል ዓድና ተመለስና። ኣቦይ በዅሪ ወዱ ስለ ዝነበርኩ ዓዃይ ኰይነ ኽተርፍ ኣይደለየንን። ጽቡቕ ትምህርቲ እንተ ረኺበ ንናብራ ስድራ​ቤትና ኸመሓይሾ ኸም ዝኽእል: ንኣሕዋተይን ኣሓተይን ከኣ ኸም ዝሕግዞም ኣመነ።

እተፈላለየ ሃይማኖታት ምፍላጥ

ኣብ ቍሸትና ትምህርቲ ጀሚረ ነይረ። እዚ ኸኣ ንሃይማኖታት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ከም ዝፈልጠን ገይሩኒ ኢዩ። ኣብ 1950ታት ናይ ምዕራባውያን ትምህርቲ ኻብ ሃይማኖት ናይቶም ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣይፍለን ኢዩ ነይሩ። ኣብ ናይ ካቶሊክ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ስለ እተመሃርኩ: ካቶሊክ ክኸውን ነበረኒ።

ወዲ 19 ዓመት ኣቢለ ምስ ኰንኩ ማለት ብ1966 ናብታ ኻብ ኢዎሳ 8 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ ከተማ ኢዎሂንሚ እትርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ፒልግሪም ባብቲስት ኣተኹ። ኣብኡ ድማ እቲ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ተቐየረ። ኣብ ናይ ፕሮተስታንት ቤት ትምህርቲ ስለ ዝኣተኹ ኸኣ: እቶም ናይ ካቶሊክ ካህናት ቅዱስ ቁርባን ከይወስድ ከልከሉኒ።

ኣብዚ ናይ ባብቲስት ቤት ትምህርቲ ኸለኹ ኸኣ ኢየ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ዝጀመርኩ። ናብ ናይ ካቶሊክ ቤተ⁠-​ክርስትያን ምኻድ እኳ እንተ ዘየቋረጽኩ: ሰንበት ሰንበት ካብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ምስ ተመለስኩ መጽሓፍ ቅዱስ አንብብ ነበርኩ። ትምህርትታት የሱስ ክርስቶስ ይምስጠኒ ከምኡውን ንኣምላኽ ውፉይ ኰይነ ናይ ምንባር ባህጊ የለዓዕለለይ ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ብዘንበብኩ መጠን: ገሊኣቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዘርእይዎ ግብዝናን ብዙሓት ምእመናን ዘለዎም ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ኣነባብራን ዝያዳ ፈንፈንክዎ። እቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ዝገብርዎ ተግባራት ካብቲ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ዝመሃርዎን ዝገበርዎን ኣዝዩ እተፈልየ ምዃኑ ኣስተብሃልኩ።

ብፍላይ ገለ ኣጋጣሚታት ኣሰምቢዱኒ ኢዩ። ሓደ እዋን መቝጸርያ ንምዕዳግ ኣብቲ ንናይ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዝኸውን ነገራት ዝሽየጠሉ ድኳን ምስ ከድኩ: ኣብ ልዳት እቲ ገዛ ክታብ ተንጠልጢሉ ረኣኹ። ኣብ ካልእ ግዜ ኸኣ እቲ ሓለቓ ናይ ባብቲስት ቤት ትምህርቲ ብጾታ ኽዕምጸኒ ፈተነ። ጸኒሐ ግብረ⁠-​ሶዶመኛ ምዃኑን ንብዙሓት ከም ዝዓመጾምን ፈለጥኩ። ‘ምእመናንን መራሕትን በቲ ዝፍጽምዎ ኸቢድ ሓጢኣት ዘይሕተቱለን ሃይማኖታት ኣምላኽ ይሰምረን ድዩ፧’ ኢለ እውን ክሓስብ ጀመርኩ።

ሃይማኖተይ ምቕያር

ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብክዎ እፈትዎ ስለ ዝነበርኩ ምንባብ ንኸየቋርጽ ወሰንኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ኢየ ነቲ ቕድሚ 15 ዓመት ኣቢሉ ኣቦይ “ኣብዛ ዓለም እዚኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኢዮም ሰላም ዘለዎም” ኢሉ እተዛረቦ ዘረባ ኸስተንትነሉ ዝጀመርኩ። ይኹን እምበር: ኣብ ቤት ትምህርትና ዝነበሩ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይጽረፉ: ኣብቲ ንግሆ ንግሆ እንገብሮ ኣምልኾ ብዘይ​ምሕባሮም እውን ሓድሓደ ግዜ ይቕጽዑ ብምንባሮም ፈራህኩ። ገሊኡ እምነታቶም ከኣ ጥዑይ ኣይመሰለንን። ንኣብነት: ነቲ 144,000 ጥራይ ናብ ሰማይ ከም ዝኸዱ ዝገልጽ ትምህርቲ ኽኣምኖ ኣጸጊሙኒ ኢዩ። (ራእይ 14:⁠3) ናብ ሰማይ ክኸይድ እደሊ ስለ ዝነበርኩ: ቅድሚ ምውላደይ እዚ ቝጽሪ እዚ መሊኡ ይኸውን ኢዩ ኢለ ሓሰብኩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በካይዳኦምን ጠባዮምን ፍሉያት ምንባሮም ንጹር ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ካልኦት ተማሃሮ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ተግባራትን ዓመጽን ኣይካፈሉን ኢዮም ነይሮም። ካብ ዓለም ብሓቂ እተፈልዩ ምዃኖም ኣስተውዓልኩ: እዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከተማልኦ ኻብ ዝግባእ ነገራት ሓደ ምዃኑ ኣንቢበ ነይረ።​—⁠ዮሃንስ 17:⁠14-16፣ ያእቆብ 1:⁠27

ተወሳኺ ምርምር ክገብር ወሰንኩ። ኣብ መስከረም 1969 ነታ ናብ ናይ ዘልኣለም ህይወት እትመርሕ ሐቂ ዘርእስታ መጽሓፍ ረኸብኩ። ኣብታ እትቕጽል ወርሒ ምስ ሓደ ኻብቶም ፓይነራት ተባሂሎም ዝጽውዑ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከጽንዕ ጀመርኩ። በቲ ዝገበርክዎ መጽናዕቲ ስለ እተነቓቓሕኩ: ቀዳም ምሸት ነታ መጽሓፍ ሐቂ ኸንብባ ጀመርኩ: ንጽብሒቱ ድሕሪ ቐትሪ ድማ ወዳእክዋ። ብኡንብኡ: ንመማህረተይ ብዛዕባ እቲ ዘንበብክዎ ዘደንቕ ነገራት ክነግሮም ጀመርኩ። እቶም ተማሃሮን መምህራንን እቲ ሓድሽ እምነተይ ናብ ጽላለ ዘድሃበለይ ኰይኑ ተሰምዖም። ኣነ ግን እጽለል ከም ዘይነበርኩ እፈልጥ ነይረ ኢየ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 26:⁠24

ሃይማኖት ከም ዝቐየርኩን ክሰብኽ ከም ዝጀመርኩን ንወለደይ ወረ በጽሖም። እንታይ ጸገም ከም ዘሎኒ ንኽፈልጡ ኢሎም ናብ ዓዲ ብኡንብኡ ኽመጽእ ለኣኹለይ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዅሎም እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኢለሻ ኣብ ዝግበር ኣውራጃዊ ኣኼባ ንምክፋል ከይዶም ስለ ዝነበሩ: ዘማኽሮ ሰብ ኣይነበረንን። ናብ ዓዲ ምስ ተመለስኩ: ካብ ኣደይን ካልኦት ኣዝማድናን እዚ ዘይበሃል ሕቶታትን ነቐፌታታትን ቀረበለይ። ነቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይረ ንምጥባቕ ዓቕመይ ዝፈቕደለይ ገበርኩ።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:⁠15

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓሶት መምህራን ከም ዝዀኑ ንምርግጋጽ ዝገበርዎ ጻዕሪ ምስ ፈሸለ: ኣኮይ ካልእ ኣቀራርባ ተጠቕመ። “ትምህርቲ ዝኣቶኻ ኽትመሃር ምዃኑ ኣይትረስዕ። ምህሮ ገዲፍካ ክትስብኽ እንተ ጀሚርካ: ትምህርትኻ ኣይክትውድእን ኢኻ። ኣባል ናይዚ ሓድሽ ሃይማኖት ቅድሚ ምዃንካ ንምንታይ ትምህርትኻ ዘይትውድእ” ኢሉ ተማሕጸነኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ እዚ ምኽንያታዊ ዀይኑ ተራእየኒ: ስለዚ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብሮ ዝነበርኩ መጽናዕቲ ገደፍክዎ።

ኣብ ታሕሳስ 1970 ድሕሪ ምምራቐይ ብኡንብኡ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኸድኩ: ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዘ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ዝገብርዎ ኣኼባታት ምኻድ ኣየቋረጽኩን። ብ30 ነሓሰ 1971 ህይወተይ ንኣምላኽ ከም ዝወፈኹ ንምርኣይ ተጠመቕኩ። እዚ ንወለደይ ጥራይ ዘይኰነስ ንብምሉኦም ደቂ ዓድና ኣሰምበዶም። ካብ ኢዎሳ ዝለዓለ ትምህርቲ ዝረኸብኩ ናይ መጀመርታ ሰብ ብምዃነይ ከም ዘጕሃኽዎም ገለጹ። ብዙሓት ልዑል ትጽቢታት ገይሮምለይ ነይሮም። በቲ ዝረኸብክዎ ትምህርቲ ገይረ ነታ ዓዲ ኸመሓይሻ ይጽበዩኒ ነይሮም።

ሃይማኖት ብምቕያረይ ዝሰዓበ ነገራት

ስድራ​ቤተይን ዓበይቲ ዓድን እምነተይ ንኽገድፎ ኸእምኑኒ ሰባት ለኣኹለይ። እቲ ጻዕርታቶም መርገም እውን እተሓወሶ ኢዩ ነይሩ። “ነዚ ሃይማኖት እዚ እንተ ዘይገዲፍካዮ: መጻኢኻ ሕማቕ ክኸውን ኢዩ። ስራሕ ኣይክትረክብን: ገዛ ኣይክትሰርሕን: ሓዳር ጌርካ ኸኣ ቘልዑ ኣይክትወልድን ኢኻ” በሉኒ።

ብኣንጻሩ ግን ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ ድሕሪ ዓሰርተ ወርሒ: መምህር ኰይነ ስራሕ ተቘጸርኩ። ኣብ ጥቅምቲ 1972 ንቬሮኒካ ተመርዓኽዋ: ኣዝየ ኸኣ ኢየ ዘፍቅራ። ጸኒሑ: መንግስቲ ኣብ ምስፍሕፋሕ ሕርሻ ክዓዪ ኣሰልጠነኒ። ናይ መጀመርታ ማኪናይ ዓደግኩ: ቤት እውን ክሃንጽ ጀመርኩ። ብ5 ሕዳር 1973 በዅሪ ጓልና ወለድና እሞ ቪክትሪ በልናያ: ስዒቡ ኣብ ዘሎ ዓመታት ከኣ ሊድያን ዊልፍረድን ጆኣንን ተወልዱ። ብ1986 እቲ ማይካ ዝበልናዮ ናይ መወዳእታ ወድና ተወልደ። ኵሎም የሆዋ ዝሃበና ውህበት: ተፈተውቲ ውሉዳት ኰይኖምልና ኢዮም።​—⁠መዝሙር 127:⁠3

ንድሕሪት ምልስ ኢለ ኽሓስብ ከለኹ: እቲ ደቂ ዓደይ እተመነዩለይ ሕማቕ ፋል ናብ በረኸት ተቐዪሩ ኽብል እኽእል ኢየ። ስለዚ ኸኣ ኢየ ነታ ናይ መጀመርታ ጓለይ ቪክትሪ (ዓወት) ኢለ ዝሰመኽዋ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ: ደቂ ዓደይ “ኣምላኽ ይባርኸካ ስለ ዘሎ: ናብ ዓዲ ተመሊስካ ኣብቲ ንዓድና ንምምዕባል ዝግበር ጻዕሪ በጃኻ ተሳተፍ” ኢሎም ጽሒፎምለይ ኢዮም።

ንደቀይ ብመገዲ ኣምላኽ ምዕባይ

ኣነን በዓልቲ ቤተይን እቲ ደቅና ንምዕባይ ኣምላኽ ዝሃበና ሓላፍነትን ደድሕሪ ስጋዊ ረብሓ ምጕያይን ከም ዘይቃዶ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ: ብቐሊል ናብራ ምዕጋብ ተመሃርና። ሓድሽ ኣነባብራ ሳዕቤን ክህልዎ ስለ ዝኽእል ሃንደራእ ኢልና ኣብ ክንዲ እንኣትዎ ኸም ቀደምና ቐሊል ናብራ መረጽና።

ኣብ ሃገርና ምስ ካልኦት ስድራ​ቤታት ኣብ ሓደ ካንሸሎ ምንባር: ኣብ ሓደ ዓይኒ ምድርን ክሽነን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ምጥቃም ልሙድ ኢዩ። ኣብተን ብናይ መንግስቲ ስራሕ ዝነበርኩለን ከተማታት ናይ ብሕትና መንበሪ ገዛ ኽካረ ብምኽኣለይ የሐጕሰኒ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: እዚ መንበሪ እዚ ኽቡር እኳ እንተዀነ: ደቅና ንሕማቕ ጽልዋታት ንኸይቓልዑ ግን ሓጊዙ ኢዩ። ኣብዚ ዅሉ ዓመታት ንደቅና ብመንፈስ ጥዑይ ኣብ ዝዀነ ሃዋሁ ኸነዕብዮም ብምኽኣልና ንየሆዋ አመስግኖ ኢየ።

ብተወሳኺውን በዓልቲ ቤተይ ንደቅና ንኽትኣሊ ብምባል ኣይትሰርሕን ነበረት። ካብ ስራሕ ምስ ተመለስኩ: ከም መጠን ስድራ​ቤት ሓቢርና ኽንዓዪ ንፍትን ነበርና። ዝዀነ ይኹን ነገር ብሓባር ኴንና ንገብሮ ነበርና። እዚ ድማ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምድላውን ኣብኡ ምክፋልን: ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ምክፋል: ከምኡውን ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታት ምስታፍ ዘጠቓልል ኢዩ።

ነቲ ኣብ ዘዳግም 6:⁠6, 7 ዝርከብ ወለዲ ንውሉዳቶም ኣብ ቤት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ንኽምህርዎም እተዋህበ ምኽሪ ኽንዓየሉ ጽዒርና ኢና። እዚ ኸኣ ደቅና ምስ ኣባላት ጉባኤ ደኣ እምበር ምስ ካልኦት ንኸይተዓራረኹ ሓገዞም። ኣነን ቬሮኒካን ከም ናትና እምነት ምስ ዘይብሎም ሰባት ብዙሕ ግዜ ስለ ዘይነሕልፍ: ምስ መን ከም ዝተዓራረኹ ተጠንቂቖም ንኽመርጹ ብኣብነት ምሂርናዮም ኢና።​—⁠ምሳሌ 13:⁠20፣ 1 ቈረንቶስ 15:⁠33

ልክዕ ኢዩ: ንደቅና ኣወንታዊ ጽልዋ ዝገበረሎም ኣመራርሓናን እንምህሮም ትምህርትን ጥራይ ኣይኰነን። ቤትና ንቐናኣት ክርስትያናት ወትሩ ኽፉት ኢዩ: መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም ከኣ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም። እዞም ብሱላት ክርስትያናት ምስ ስድራ​ቤትና ዘሕለፍዎ ግዜ: ንደቅና ጥቕሚ ርእስኻ እትስውኣሉ ኣነባብራ ንኽዕዘቡን ካብኡ ንኽማሃሩን ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። እዚ ኸኣ ነቲ እንምህሮም ትምህርቲ ኣራጒድዎ ኢዩ: ነታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እውን ናታቶም ገይሮምዋ ኢዮም።

ንኣምላኽ ውፉይ ብምዃን ዝረኸብክዎ ዓስቢ

ሎሚ ኣነን በዓልቲ ቤተይን ኣርባዕተ ኻብ ደቅናን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸሚድና ኣሎና። መጀመርታ ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ዝጀመርኩ ብ1973 ኢዩ። ካብ ሽዑ ንነጀው: ብሰንኪ ቝጠባዊ ጸገማት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብተደጋጋሚ ኣቋሪጸ ኢየ። ኣብቲ ንክርስትያናት ተዓዘብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስልጠና ዝህብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ: መምህር ኰይነ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ረኺበ ኢየ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣባል ናይቲ ምስ ሆስፒታል ዘረዳድእ ኮሚተ ከምኡውን ናይ ከተማ ኡሆንሞራ ተዓዛቢ ዀይነ አገልግል ኣለኹ።

እተን ቀዳሞት ክልተ ደቀይ: ቪክትሪን ሊድያን: ንፉዓት ክርስትያን ሽማግለታት ተመርዕየን ተሓጒሰን ይነብራ ኣለዋ። ምስ ሰብኡተን ኣብቲ ኣብ ኢጋይዱማ ዝርከብ ናይ ናይጀርያ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር የገልግላ ኣለዋ። እቲ ዊልፍረድ ዝበሃል ዓብዪ ወደይ ናይ ጉባኤ ኣገልጋሊ ክኸውን ከሎ: እቲ ማይካ ዝበሃል ሕሳስ ልደ ወድና ኸኣ በብእዋኑ ሓጋዚ ፓይነር ኰይኑ የገልግል ኢዩ። ብ1997 ጆኣን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ምስ ወድአት ስርዓታዊት ፓይነር ኰይና ኸተገልግል ጀመረት።

ኣብ ህይወተይ ካብ ዝረኸብክዎ ዘሐጕስ ተመክሮታት: ንኻልኦት ንየሆዋ ኣምላኽ ንኸገልግሉ ምሕጋዝ ኢዩ። ካብዚኣቶም ኣዝማደይ እውን ይርከብዎም ኢዮም። ኣቦይ ንየሆዋ ንምግልጋል ጻዕሪ እኳ እንተ ገበረ: ብዙሓት ኣንስቲ ስለ ዝነበርኦ ግን ተሓናዀለ። ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ንሰባት አፍቅር ኢየ። ናይ ካልኦት ስቓይ ክርኢ ኸለኹ: ሽግረይ ቀሊል ከም ዝዀነ ገይረ ኢየ ዝርእዮ ነይረ። ንኽሕግዞም ካብ ልቢ ኸም ዝጽዕር ስለ ዝርእዩ ኸኣ ኢዩ መስለኒ: ንኸዘራርቦም ቀሊል ዝዀነለይ።

ሓደ ኻብቶም ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ኽፈልጡ ዝሓገዝክዎም ሰባት ካብ ዓራቱ ክትንስእ ዘይክእል መንእሰይ ይርከቦም። ኣብ ናይ ኤለክትሪክ ኩባንያ ኢዩ ዝሰርሕ ነይሩ፣ ሓደ ግዜ ኸኣ ኣብ ስራሕ ኤለክትሪክ ምስ ሓዞ: ካብ ኣፍልቡ ንታሕቲ ለመሰ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዕ ዝቐረበሉ ዕድመ ተቐበለ እሞ ነቲ እተማህሮ ኸኣ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ጀመረ። ብ14 ጥቅምቲ 1995 ኣብ ጥቓ ገዝኡ ኣብ ዝርከብ ወሓዚ ኽጥመቕ ከሎ ድሕሪ 15 ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ኢዩ ኻብ ዓራቱ ተንሲኡ። ኣብ ህይወቱ ዝለዓለ ሓጐስ ዝረኸበላ መዓልቲ ምዃና ኸኣ ተዛረበ። ኣብዚ ግዜ እዚ ናይ ጉባኤ ኣገልጋሊ ዀይኑ ይዓዪ ኣሎ።

ቅድሚ 30 ዓመታት ኣቢሉ ምስቶም ሓድነት ዘለዎምን ውፉያትን ህዝቡ ዀይነ ንየሆዋ ኸገልግሎ ዝገበርክዎ ውሳነ ኣጣዒሱኒ ኣይፈልጥን። ኣብ መንጎ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ናይ ሓቂ ፍቕሪ ብተግባር ርእየያ ኢየ። የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ዝህቦም ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት እንተ ዘይህሉ ነይሩ እውን: ኣብ ህይወተይ ንኣምላኽ ውፉይ ኰይነ ኽመላለስ ምመረጽኩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠6፣ እብራውያን 11:⁠6) ከመይሲ ንዓይን ንስድራ​ቤተይን ሓጐስ: ዕግበት: ከምኡውን ባህታ ብምምጻእ ንህይወተይ ቀሪጽዎን መሰረት ኰይንዎን ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ብ1990 ምስ በዓልቲ ቤተይን ደቀይን

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ምስ በዓልቲ ቤተይ: ደቀይ: ክልተ ሰብኡት ደቀይ