ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንርእስኻን ንኻልኦትን ክርስትያናዊ ስነ-ምግባር ምሃር

ንርእስኻን ንኻልኦትን ክርስትያናዊ ስነ-ምግባር ምሃር

ንርእስኻን ንኻልኦትን ክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ምሃር

“እምብኣርሲ ኣታ ንኻልእ እትምህር: ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧”​—⁠ሮሜ 2:21

1, 2. መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጽንዕ ዝድርኸካ እንታይ ምኽንያታት ኣሎ፧

 መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ንኽትገብር ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎካ። ብዛዕባ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ሓቅታት ማለት ብዛዕባ ሰባት: ፍጻመታት: ቦታታት: ከምኡውን ካልእ ነገራት ክትፈልጥ ትደሊ ትኸውን። ብዘይ​ዚውን ብዛዕባ እቲ ምስ ስላሴን መሳቐዪ ሓውን ዝኣመሰለ ሃይማኖታዊ ስሕተት ዝጻረር ሰረተ⁠-​እምነታዊ ሓቂ እውን ክትፈልጥ ትደሊ ኢኻ። (ዮሃንስ 8:⁠32) ከም ናይ የሆዋ ዝኣመሰለ ባህርያት ንኽህልወካን ኣብ ቅድሚኡ ብቕንዕና ንኽትመላለስን ኢልካ እውን ዝያዳ ኽትፈልጦ ባህጊ ኽሓድረካ ይግባእ።​—⁠1 ነገስት 15:⁠4, 5

2 ቃል ኣምላኽ ንኸተጽንዕ ምኽንያት ዝዀነካ ኻልእ ምስዚ ዝተኣሳሰርን ኣገዳስን ጕዳይ ከኣ ንኻልኦት ማለት ንእተፍቅሮም: እትፈልጦም: ከምኡውን ክሳዕ ሕጂ ንዘይትፈልጦም ንኽትምህር ኢልካ ምእንቲ ኽትዕጠቕ ኢዩ። እዚ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ናይ ምርጫ ጕዳይ ኣይኰነን። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኣዚዝዎም ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 28:​19, 20

3, 4. ከምቲ የሱስ ዝኣዘዘካ ጌርካ ምምሃር ኣኽቢርካ እትርእዮ ስለምንታይ ኢዩ፧

3 ንኻልኦት ንኽትምህር ኢልካ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ዝነኣድ ኢዩ: ምንጪ ነባሪ ዕግበት እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምምህርና ኻብ ጥንቲ ኣኽቢርካ ዝርአ ሞያ ኢዩ። ኢንካርታ ኢንሳይክሎፔድያ “ኣብ ኣይሁድ ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት ንመምህራን ናብ ድሕነት ዝመርሑ ኸም ዝዀኑ ገይሮም ይርእይዎም ስለ ዝነበሩ: ንቘልዑ ኻብ ወለዶም ንላዕሊ እውን ከይተረፈ ንመምህራኖም ከኽብሩ ይላበዉዎም ነበሩ” በለ። ብፍላይ ክርስትያናት መጽሓፍ ቅዱስ እናጽንዑ ንርእሶምን ንኻልኦትን ምምሃሮም ኣኽቢርካ ዝርአ ተግባር ኢዩ።

4 “ካብ ኣብ ካልእ ሞያ ንላዕሊ ኣብ ምምህርና እተዋፈሩ ሰባት ይበዝሑ። ኣብ መላእ ዓለም ዳርጋ 48 ሚልዮን ኣቢሎም ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን መምህራን ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ።” (ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ) ኣብ ኣብያተ⁠-​ትምህርቲ ዝምህር መምህር: ቈልዑ ኽምህር ኢዩ ሕድሪ ዝወሃቦ: ኣብ መጻኢ ህይወቶም እውን ጽልዋ ኽገብረሎም ይኽእል ኢዩ። ነቲ የሱስ ንኻልኦት ንኽንምህር ዝሃበና ትእዛዝ ከተኽብር ከሎኻ ግን እተሕድሮ ጽልዋ ዝዓበየ ኢዩ፣ ነቶም ተማሃሮኻ ንዘለኣለም ጽልዋ ኸተሕድረሎም ትኽእል ኢኻ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ: በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ: ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ” ኽብሎ ኸሎ ነዚ ኢዩ ኣጕሊሑ። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠16 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ: እትምህሮ ትምህርቲ ምስ ድሕነት እተተሓሓዘ ኢዩ።

5. ክርስትያናዊ ትምህርቲ ዝበለጸ ዓይነት ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

5 ንርእስኻ ብድሕሪኡ ኸኣ ንኻልኦት ምምሃር እቲ ዝለዓለ ምንጪ ዝዀነ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ዝመስረቶን ዝመርሖን ኢዩ። እዚ ንገዛእ ርእሱ እውን ካብ ካልእ ዝዀነ ይኹን ዓለማዊ ምምህርና: ማለት ካብ መባእታዊ: ካብ ናይ ሞያ ዀነ ካብ ናይ ሕክምና ትምህርቲ ንላዕሊ ኽብ የብሎ። ሓደ ክርስትያን ዝህቦ ትምህርቲ እቲ ተማሃራይ ንወዲ ኣምላኽ: ክርስቶስ የሱስ: ምእንቲ ኽመስሎን ንኻልኦት ከምኡ ንኽገብሩ ምእንቲ ኽምህሮምን ብውልቂ ምስልጣን ዘጠቓልል ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 15:⁠10

ንምንታይ ኢኻ ንርእስኻ እትምህር፧

6, 7. (ሀ) መጀመርታ ንርእስና ኽንምህር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ንኽምህሩ ብቕዓት ዘይነበሮም ብኸመይ ኢዩ፧

6 መጀመርታ ንርእስና ኽንምህር ኣሎና እተባህለ ስለምንታይ ኢዩ፧ መጀመርታ ንርእስና እንተ ዘይምሂርና ንኻልኦት ብግቡእ ክንምህር ስለ ዘይንኽእል ኢዩ። ጳውሎስ ነዚ ጕዳይ እዚ ኣመልኪቱ ናብቶም ሽዑ ዝነበሩ ኣይሁድ ዘተኰረ: ነዞም ሕጂ ዘለዉ ክርስትያናት ከኣ ዕቱብ መልእኽቲ ዘለዎ ሓሳባት ጽሒፉ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ድማ ሓተተ:- “እምብኣርሲ ኣታ ንኻልእ እትምህር: ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧ ኣታ: ኣይትስረቑ: ኢልካ እትሰብኽ: ባዕልኻዶ ትሰርቕ፧ ንስኻ፤ ኣይትዘምዉ: እትብል: ባዕልኻዶ ትዝሙ፧ ንስኻ ጣኦት እትፍንፍን: ባዕልኻዶ ቤተ መቕደስ ትሰርቕ፧ . . . ኣታ ብሕጊ እትምካሕ: ሕጊ ብምፍራስካዶ ንኣምላኽ ተሕስሮ አሎኻ፧”​—⁠ሮሜ 2:21-23

7 ጳውሎስ ጣቋ ብዘለዎ ዘረባ ገይሩ ነቲ ኣብ ዓሰርተ ትእዛዛት ብቐጥታ እተዋህበ ኽልተ ትእዛዛት ጠቒሱ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ኣይትስረቕ ከምኡውን ኣይትዘሙ ዝብል ኢዩ። (ዘጸኣት 20:⁠14, 15) ብግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ገለ ኣይሁድ ቃል ኣምላኽ ኣብ ኢዶም ስለ ዝነበረ ይሕበኑ ነበሩ። ‘ካብ ሕጊ እተማህሩ: መራሕቲ ዕዉራት: ኣብ ጸልማት ንዘለዉ ብርሃን: ንቘልዑ መምህር ከም ዝዀኑ ገይሮም ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም።’ (ሮሜ 2:17-20) ይኹን እምበር: ገሊኣቶም ብምስጢር ይሰርቁ ወይ ይዝምዉ ስለ ዝነበሩ ግቡዛት ኢዮም ነይሮም። እዚ ኸኣ ነቲ ሕጊ ዀነ ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ደራሲኡ ኣኽብሮት ዘይምህላው ኢዩ። ንርእሶም ይምህሩ ስለ ዘይነበሩ ንኻልኦት ንምምሃር ብቕዓት ከም ዘይነበሮም ከተስተውዕል ትኽእል ኢኻ።

8. ብግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ገሊኣቶም ኣይሁድ ‘ቤተ መቕደስ ዝሰረቑ’ ብኸመይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧

8 ጳውሎስ ቤተ መቕደስ ብዛዕባ ምስራቕ ተዛሪቡ ኢዩ። ገሊኣቶም ኣይሁድ ቃል ብቓሉ ኸምኡ ገይሮም ድዮም፧ ጳውሎስ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ፧ ከም ሓቂ እንተዀይኑ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዙሕ ስለ ዘይትገልጸልና: ገሊኣቶም ኣይሁድ ብኸመይ ‘ቤተ መቕደስ ከም ዝሰረቑ’ ርግጸኛታት ኴንና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ኣቐድም ኣቢሉ ናይ ከተማ ኤፌሶን ጸሓፊ: ብጾት ጳውሎስ ‘ሰረቕቲ ቤተ መቕደስ’ ዘይምዃኖም ተዛሪቡ ነይሩ: እዚ ድማ እንተ ወሓደ ገሊኣቶም ሰባት ኣይሁድ በዚ ጕዳይ እዚ ተሓተትቲ ኸም ዝዀኑ ገይሮም ይሓስቡ ምንባሮም ዘመልክት ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:⁠29-37) ብወረርቲ ወይ በቶም ሕሉፍ ሃይማኖታዊ ቅንኢ ዝነበሮም ሰባት ካብ ናይ ኣረማውያን ኣብያተ⁠-​መቕደስ እተዘምተ ክቡር ኣቕሑ ብውልቆም ይጥቀሙ ወይ ይነግዱ ድዮም ነይሮም፧ ብመሰረት ሕጊ ኣምላኽ ብወርቂ ዀነ ብብሩር እተሰርሐ ጣኦት ክጠፍእ እምበር ኣብ ብሕታዊ መዓላ ኽውዕል ኣይግባእን ኢዩ ነይሩ። (ዘዳግም 7:⁠25) a ስለዚ ጳውሎስ ነቶም ንሕጊ ኣምላኽ ብምፍራስ በቲ ኻብ ኣረማዊ ቤተ መቕደስ ዝመጸ ኣቝሑ እተጠቕሙ ወይ ዝኸሰቡሉ ኣይሁድ ይእምት ነይሩ ይኸውን።

9. ምስቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ ዝተሓሓዝ እንታይ ግጉይ ተግባራት ኢዩ ንቤተ መቕደስ ከም ምስራቕ ዝሕሰብ፧

9 በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ጆሰፈስ: መምህር ናይ ሕጊ ዝመራሒኦም ኣርባዕተ ኣይሁድ ኣብ ሮሜ ዝፈጸምዎ ብልሽውና ኣዘንትዩ ኢዩ። እዞም ኣርባዕተ ሰባት ንሓንቲ እምነታ ናብ ኣይሁድነት ዝቐየረት ሮማዊት ሰበይቲ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ቤተ መቕደስ ወርቅን ካልእ ክቡር ነገራትን ክትውፊ ኣእመንዋ። ነዚ ኣብ ኢዶም ምስ ኣእተዉ: ንብሕቶም ተጠቕሙሉ፣ እዚውን ንቤተ መቕደስ ካብ ምስራቕ ኣይፍለን ኢዩ። b ካልኦት እውን ጐደሎ መስዋእቲ ብምቕራቦም ከምኡውን ኣብቲ ቤተ መቕደስ ብስስዐ ንግዲ ብምክያድ ነቲ ቦታ “በዓቲ ጐሓሉት” ብምግባሮም ብገለ መዳይ ካብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ሰሪቖም ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 21:⁠12, 13፣ ሚልክያስ 1:⁠12-14፣ 3:⁠8, 9

ክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ምሃር

10. ነየናይ ቍም ነገር ናይቲ ኣብ ሮሜ 2:⁠21-23 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት ጳውሎስ ኢና ኽንስሕቶ ዘይብልና፧

10 ጳውሎስ እተዛረበሉ ምስ ስርቂ: ዝሙት ኰነ ምስ ምስራቕ ቤተ መቕደስ እተተሓሓዘ ተግባር ኣየናይ ምንባሩ ብዘየገድስ ነቲ ቝም ነገር ናይቲ መልእኽቱ ግን ኣይንስሓቶ። “እምብኣርሲ ኣታ ንኻልእ እትምህር: ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧” ኢሉ ኢዩ ሓቲቱ። እቲ ጳውሎስ ዘበገሶ ነጥብታት ምስ ስነ⁠-​ምግባር ዝተሓሓዝ ጕዳይ ምንባሩ ኸነስተብህለሉ ዝግባእ ኢዩ። እዚ ሃዋርያ እዚ ኣብ ሰረተ⁠-​እምነት ወይ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየተኰረን። ንርእስኻን ንኻልኦትን ምምሃር ምስ ክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ዝተሓሓዝ ምዃኑ ኢዩ ጠቒሱ።

11. መጽናዕቲ ቃል ኣምላኽ ክትገብር ከሎኻ ንክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ከተተኵረሉ ዝግባእ ስለምንታይ ኢዩ፧

11 ንሕና ነቲ ኣብ ሮሜ 2:⁠21-23 ዝርከብ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንተደኣ ዄንና: ካብ ቃል ኣምላኽ ክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ክንመሃር: ምስቲ እተመሃርናዮ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ: ብድሕሪኡ ኸኣ ካልኦት ሰባት ተመሳሳሊ ነገር ክገብሩ ኽንምህር ማለት ኢዩ። በዚ መሰረት እዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከሎኻ: ነቲ ምንጪ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ዝዀነ መዐቀኒታት የሆዋ ንምርካብ ንቑሕ ኩን። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብካዮ ምኽርን ትምህርትን ኣስተንትነሉ። ድሕሪኡ ብትብዓት ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ከምዚ ምግባር ብርግጽ ትብዓትን ቈራጽነትን ዝሓትት ኢዩ። ዘይፍጹማት ሰባት ኣብ ሓደ ዅነታት ንምንታይ ክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ከም ዘፍረሱ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ናይ ግድን ከፍርስዎ ኸም ዝነበሮም ምኽኒት ከቕርቡ ይቐለሎም ኢዩ። ምናልባት እቶም ጳውሎስ ዝጸሓፈሎም ኣይሁድ ብቑዕ ምኽንያት ንኸቕርቡ ወይ ንኻልኦት ንኸታልሉ ኢሎም ብረቂቕ መገዲ ምኽኒት ብምቕራብ ዝመጸ ኽኢላታት ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን ክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ከም ድሌትካ ክቕየር ወይ ዕሽሽ ክበሃል ከም ዘይከኣል ቃላት ጳውሎስ የርኢ ኢዩ።

12. ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ኣካይዳ ንየሆዋ ኣምላኽ ከጽርፎ ወይ ከኽብሮ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ: ነዚ ሓቂ እዚ ኣብ ኣእምሮ ምሓዝ ሓጋዚ ዝዀነኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

12 እዚ ሃዋርያ እዚ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትረኽቦ ስነ⁠-​ምግባራዊ መዐቀኒታት ቅድም ንርእስኻ ኽትምህር: ድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ግቡእ ዝዀነሉ ቐንዲ ምኽንያት ገሊጹ ኢዩ። እቶም ኣይሁድ ዘርኣይዎ ሕማቕ ኣካይዳ ኻልኦት ንየሆዋ ከም ዘኽብርዎ ወይ ዝጸርፍዎ ይገብሮም ነይሩ ኢዩ፣ “ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ እዩ [እሞ]: . . . ኣታ ብሕጊ እትምካሕ: ሕጊ ብምፍራስካዶ ንኣምላኽ ተሕስሮ አሎኻ፧” ኸኣ በሎም። (ሮሜ 2:23, 24) ሎሚውን ክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ዕሽሽ እንተ ኢልና: ነቲ ምንጩ ኢና ነሕስሮ። ብኣንጻሩ ግን ንስርዓታት ኣምላኽ ኣጽኒዕና እንተ ሒዝናዮ: ንኣምላኽ ክብሪ ነምጽኣሉ። (ኢሳይያስ 52:⁠5፣ ህዝቅኤል 36:⁠20) ነዚ ምፍላጥካ ፈተናታት ከጋጥመካ ኸሎ ወይ ከኣ ክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ዕሽሽ ምባል ዝቐለለ ወይ ዝሓሸ ኽመስለካ ኸሎ ነቲ ዝገበርካዮ ቘራጽነት ንኸይትጥሕስ ከደልድሎ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ቃላት ጳውሎስ ካልእ ነገር ይምህረና ኢዩ። ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣካይዳ ንኣምላኽ ዘኽብሮ ወይ ዘሕስሮ ጥራይ ዘይኰነስ: ንኻልኦት ክትምህር ከሎኻ ነቲ ዝመሃርዎ ዘለዉ ስነ⁠-​ምግባራዊ መዐቀኒታት ኣብ ግብሪ ዘውዕሉሉ መገዲ ንየሆዋ ኽብሪ ወይ ጸርፊ ኸም ዘምጽኣሉ ንኽግንዘቡ ሓግዞም። ክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ዕግበት የምጽእ: ንጥዕናኻ ኸኣ ዕቝባ ይኸውን ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ እቲ ዘቘሞን ንእኡ ምፍጻም ዘተባብዕን ኣካል ሓደ ስምዒት ይፈጥር ኢዩ።​—⁠መዝሙር 74:⁠10፣ ያእቆብ 3:⁠17

13. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ስነ⁠-​ምግባራዊ ኣካይዳ ንኽህልወና ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ፍረ ነገር ናይቲ ኣብ 1 ተሰሎንቄ 4:⁠3-7 ዝርከብ ምኽሪ ግለጽ።

13 ስነ⁠-​ምግባራዊ ኣካይዳ ንኻልኦት ሰባት ጽልዋ ይገብር ኢዩ። ነዚ ኸኣ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመዝጊቡ ዘሎ ስነ⁠-​ምግባራዊ መዐቀኒታት ኣምላኽ ምኽባር ዘምጽኦ ረብሓን ምጥሓሱ ዘምጽኦ ሳዕቤንን ካብ ኣብነታት ክትዕዘብ ትኽእል ኢኻ። (ዘፍጥረት 39:⁠1-9, 21፣ እያሱ 7:⁠1-25) ብዛዕባ ስነ⁠-​ምግባራዊ መዐቀኒታት ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ንጹር ማዕዳ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ:- “ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ: ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ: ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ: ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ: እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር: ንርኽሰት ኣይጸውዓናን እሞ: . . . ሓደ እኳ ን[“መሰላት:” NW ] ሓዉ በዚ ነገርዚ ኣየናሽዎን ኣይበለጸሉን።”​—⁠1 ተሰሎንቄ 4:3-7

14. ብዛዕባ እቲ ኣብ 1 ተሰሎንቄ 4:⁠3-7 ተዋሂቡ ዘሎ ምኽሪ ንርእስኻ እንታይ ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል፧

14 ካብዛ ጥቕሲ እዚኣ ጾታዊ ርኽሰት ንክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ምጥሓስ ምዃኑ ዳርጋ ዅሉ ሰብ ከስተውዕል ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ካብዚ ዝዓምቝ ምርዳእ እውን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ገለ ጥቕስታት ዝያዳ መጽናዕቲ ንኽትገብርን ንኸተስተንትነሉን መገዲ ይኸፍተልካ ኢዩ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ዝዓመቘ ምርዳእ ይህልወካ። ንኣብነት: ጳውሎስ ምምንዛር ‘ንመሰላት ሓውኻ በዚ ነገርዚ ምንሻውን ምብላጽን’ ከም ዝዀነ ዝገለጸ ስለምንታይ ምዃኑ ኸተስተንትነሉ ትኽእል ኢኻ። እንታይ መሰላት ኢዩ ኣብዚ ዝጠቓለል: ብዛዕባ እዚ ዝዓመቘ ምርዳእ ምህላውከ ክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ንኽትሕሉ ድራኸ ዝዀነካ ብኸመይ ኢዩ፧ ናይቲ እትገብሮ ምርምር ውጽኢት ንኻልኦት ንኽትምህርን ንኣምላኽ ከኽብሩ ንኽትሕግዝን ብዝያዳ ዘዕጥቐካ ብኸመይ ኢዩ፧

ንኽትምህር ኣጽንዕ

15. ብናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ጌርካ ንርእስኻ ንኽትምህር እንታይ መሳርሒታት ክትጥቀም ትኽእል፧

15 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንርእሶም ወይ ንኻልኦት ክምህሩ ኸለዉ ዝለዓሉ ሕቶታት ወይ ጕዳያት ዝምርምሩሉ መሳርሒታት ኣለዎም። ሓደ ኻብዚ መሳርሒታት ብብዙሕ ቋንቋታት ዝሕተም ዎች ታወር ፓብሊኬሽን ኢንደክስ ኢዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ እንተ ሃልዩካ: ነቲ ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓትምዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ዘሎ ሓበሬታ ንምርካብ ክጠቕመካ ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ብኣርእስቲ ወይ ብጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰሪዑ ዘሎ ዝርዝር ብምንዳይ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ካልእ ብዙሓት ተዛረብቲ ብዘለውዎ ቛንቋታት ዝርከብ መሳርሒ ዎችታወር ላይብረሪ ኢዩ። እዚ ኣብ ሲዲ⁠-​ሮም ዝርከብ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም ብዙሕ ጽሑፋት ዝሓዘ ኢዩ። እዚ ፕሮግራም ብዛዕባ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣርእስትታት ምርምር ንምግባር የኽእል ኢዩ። ካብዘን ክልተ መሳርሒታት ሓዲአን ወይ ክልቲአን እንተ ሃልዩካ: ንኻልኦት ንምምሃር ቃል ኣምላኽ ከተጽንዕ ከሎኻ ወትሩ ተጠቐመለን።

16, 17. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ኣብ 1 ተሰሎንቄ 4:⁠6 ተጠቒሱ ዘሎ መሰላት ዝያዳ መብርሂ ኣበይ ክትረክብ ትኽእል፧ (ለ) ምንዝር ንመሰላት ናይ ካልእ ሰብ ምብላጽ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧

16 ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣብነት ማለት 1 ተሰሎንቄ 4:⁠3-7 እስከ ንርአ። እቲ እተላዕለ ሕቶ ብዛዕባ መሰላት ኢዩ። ብዛዕባ ናይ መን መሰላት ኢና እንዛረብ ዘሎና፧ ነዚ መሰላት እዚ ክትብለጸሉ እትኽእልከ ብኸመይ ኢዩ፧ ነቲ እተጠቕሰ መሳርሒታት እንተ ተጠቒምካሉ: ኣብዚ ጥቕስታት እዚ ዀነ ኣብቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ መሰላት ብዙሕ መብርሂ ትረክብ ትኸውን። ብዛዕባ እዚ ዝገልጽ ሓሳባት ኣብ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) 1ይ ጥራዝ ገጽ 863-4፣ ትሩ ፒስ ኤንድ ሰኲሪቲ​—⁠ሃው ካን ዩ ፋይንድ ኢት፧ (እንግሊዝኛ) ገጽ 145፣ ከምኡውን ናይ 15 ሕዳር 1989 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 31 ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

17 ብዛዕባዚ መጽናዕቲ ምስ ገበርካ: እዚ ጽሑፋት እዚ ቓላት ጳውሎስ ክሳዕ ክንደይ ረዚን ምዃኑ ኸርእየካ ኢዩ። ሓደ ምንዝር ዝፍጽም ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይሓጥእ: ገዛእ ርእሱ ኸኣ ንሕማም የቃልዕ። (1 ቈረንቶስ 6:⁠18, 19፣ እብራውያን 13:⁠4) ምንዝር ዝፈጸመ ሰብኣይ ንመሰላት ናይታ ምስኣ ዝመንዘረ ሰበይቲ ይብለጸሉ ኢዩ። ነቲ ጽሩይ ስነ⁠-​ምግባራዊ ኣቕዋማን ሰናይ ሕልናኣን የበላሽዎ። ንጽል እንተደኣ ዀይና: ድንግል ኰይና ንኽትምርዖ ዘለዋ መሰል ይጽይቐላ: ነቲ ኣብ መጻኢ ዝምርዓዋ ሰብኣይ ከኣ ድንግል ኰይና ንኽረኽባ ዘለዎ መሰል ይጥሕሶ። ንወለዲ እታ ሰበይቲ ከምኡውን ምርዕውቲ እንተ ዀይና ንሰብኣያ ይጐድኦም። እቲ ብዕሉግ ሰብኣይ ብስነ⁠-​ምግባር ዝመጸ ናይ ኣባላት ስድራ​ቤቱ ስም የበላሹ። ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ እንተ ዀይኑ ኸኣ: ነታ ማሕበር የጽርፋ: ሕማቕ ስም ድማ የውህባ።​—⁠1 ቈረንቶስ 5:⁠1

18. ብዛዕባ ክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገበርካዮ መጽናዕቲ ብኸመይ ኢዩ ዝጠቅመካ፧

18 ብዛዕባ መሰላት ዝገልጽ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት ነቲ ዓሚቝ ትርጕም ናይዛ ጥቕሲ ንኽትርድኦ ኣይሓገዘካንዶ ኢዩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ብርግጽ ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። እንተ ተጠቒምካሉ ንርእስኻ ኢኻ እትምህር። ብዛዕባ ሓቂ ዘሎካ ምርዳእን ቃል ኣምላኽ ዘሕድረልካ ጦብላሕታን ክዓቢ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠመካ: ነቲ ክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ኣጥቢቕካ ንምሓዝ ዘሎካ ቈራጽነት ተደልድሎ ኢኻ። ከም መምህር መጠን ከኣ ክሳዕ ክንደይ ኣስላጢ ኸም እትኸውን እሞ ሕሰቦ! ንኣብነት: ንኻልኦት ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኽትምህሮም ከሎኻ ነቲ ኣብ 1 ተሰሎንቄ 4:⁠3-7 ዘሎ ዓሚቝ ምርዳእ ከተካፍሎም ትኽእል ኢኻ: በዚ ኸኣ ንክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ዝያዳ ምርዳእን ሞሳን ከም ዝህልዎም ትገብር። እምበኣር መጽናዕትኻ ንዓኻን ንብዙሓት ካልኦትን ንኣምላኽ ክብሪ ንኽትህቡ ኽሕግዝ ዝኽእል ኢዩ። ክሳዕ ሕጂ ኻብቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ዝለኣኾ መልእኽቱ ሓደ ኣብነት ጥራይ ኢና ጠቒስና ዘሎና። ብዛዕባ ክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ብዙሕ ዘይጠቐስናዮ መዳያት ኣሎ: ብእኡ መጠን ድማ ከተጽንዖን ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎን ክትምህረሉን እትኽእል ብዙሕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣብነታትን ምኽርታትን ኣሎ።

19. ንክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ኣጥቢቕካ ኽትሕዞ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

19 ብክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ምምልላስ ጥበባዊ ምዃኑ ዘተሓታትት ኣይኰነን። ያእቆብ 3:⁠17 “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ካብ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝዀነት ትገልጽ: “ቅድም ንጽህቲ እያ” ኸኣ ትብል። እዚ ንገዛእ ርእሱ ስነ⁠-​ምግባራዊ መዐቀኒታት ኣምላኽ ክንስዕቦ ኸም ዝግባእ ብንጹር የርኢ ኢዩ። የሆዋ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምሃር ዝውክልዎ ሰባት “ብንጽህና” ዝመጸ ጽቡቕ ኣርኣያ ክዀኑ ኢዩ ዝጽበዮም። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠12) ከም እኒ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ዝኣመሰሉ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ዘሕለፍዎ ኣነባብራ ነዚ ዘረጋግጽ ኢዩ፣ ካብ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት ዝረሓቑ ነበሩ: ጳውሎስ እሞ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ኢዩ ጽሒፉ:- “ከምቲ ንቕዱሳን ዚግብኦም . . . ደኣ እምበር: ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩም። ዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም።”​—⁠ኤፌሶን 5:3, 4

20, 21. ነቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:⁠3 ዝጸሓፎ እንሰማምዓሉ ስለምንታይ ኢና፧

20 ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝቐረበ ስነ⁠-​ምግባራዊ መዐቀኒታት ንጹር እኳ እንተዀነ: ጾር ግን ኣይኰነን። እዚ ነቲ ኻብ ሃዋርያት ዝነውሐ ግዜ ብህይወት ዝጸንሐ ዮሃንስ ነጺሩሉ ኢዩ። ካብቲ ዘሕለፎ ናይ ብዙሕ ዓመታት ተመክሮ ተበጊሱ ክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ጐዳኢ ዘይምዃኑ ተዓዚቡ ኢዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ጽቡቕን ጠቓምን ዓስቢ ዘለዎን ኢዩ። ዮሃንስ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” ኢሉ ብምጽሓፍ ነዚ ኣጕሊሕዎ ኢዩ።​—⁠1 ዮሃንስ 5:3

21 ዮሃንስ ነቲ ኣምላኽ ዘውጽኦ ስነ⁠-​ምግባራዊ መዐቀኒታት ምእዛዝ ዝበለጸ መገዲ ዝኸውን ካብ ብዙሕ ጸገማት ወይ ሕማቕ ሳዕቤናት ስለ ዝባልሃና ጥራይ ኢዩ ኸም ዘይበለ ኣስተብህል። ብቐዳምነት ንየሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ እነርእየሉ ዝበለጸ መገዲ ምዃኑ ብምግላጽ ብዛዕባ ምእዛዝ ክህልወና ዘለዎ ቕኑዕ ኣረኣእያ ኢዩ ኣንጸባሪቑ። ንኣምላኽ ንኸነፍቅር ርእስና ኽንምህር ወይ ካልኦት ንኣምላኽ ንኸፍቅሩ ኽንምህሮም እንተደኣ ዄንና: ነቲ ልዑል መዐቀኒታቱ ተቐቢልና ኣብ ግብሪ ምውዓል ይሓተና ኢዩ። እወ: ንርእስናን ንኻልኦትን ክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ምምሃር ማለት ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ጆሰፈስ ንኣይሁድ ንቕዱስ ነገራት ዘየርክሱ ገይሩ እኳ እንተ ገለጾም ንሕጊ ኣምላኽ ግን ከምዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ:- “ዋላ ሓደ ሰብ ካልኦት ከተማታት ንዘምልኽኦም ኣማልኽቲ ኣይጽረፍ: ናይ ካልኦት ቤተ መቕደስ ኣይስረቕ: ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ እተወፈየ መዝገብ ከኣ ኣይውሰድ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)​—⁠ጅዊሽ ኣንቲኲቲ 4ይ መጽሓፍ: ምዕራፍ 8: ሕጡብ ጽሑፍ 10

b ጅዊሽ ኣንቲኲቲ: መበል 18 መጽሓፍ: ምዕራፍ 3: ሕጡብ ጽሑፍ 5

ትዝክሮዶ፧

• ንኻልኦት ቅድሚ ምምሃርና ንርእስና ንምምሃር መጽናዕቲ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

• ኣካይዳና ንየሆዋ ኽብሪ ወይ ጸርፊ ኸምጽኣሉ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

• ሓደ ምንዝር ዝፍጽም ሰብ ንናይ መን መሰላት ኢዩ ኽበለጸሉ ዝኽእል፧

• ብዛዕባ ክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር ዘሎካ ቈራጽነት እንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

“ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ”