ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብነት ነገስታት ስዓብ

ኣብነት ነገስታት ስዓብ

ኣብነት ነገስታት ስዓብ

“ካብቲ . . . ሕጊ ንእኡ ዚኸውን ቀዲሑ ኣብ መጽሓፍ ይጽሐፍ። . . . ምስኡ ይኹን: ኵሉ መዓልቲ ህይወቱ ኸኣ የንብቦ።”—⁠ዘዳግም 17:⁠18, 19

1. ሓደ ክርስትያን ከም መን ክኸውን ኢዩ ኽብህግ ዝኽእል፧

 ንጉስ ከም ዝዀንካ ጌርካ ኣይትሓስብን ትኸውን። ኣየናይ ክርስትያን ወይ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ንገዛእ ርእሱ ኸም እኒ ዳዊት: ዮስያስ: ህዝቅኤል: ወይ ዮሳፋጥ ዝኣመሰሉ እሙናት ነገስታት ገይሩ ዝቘጽራ፧ ይኹን እምበር እንተ ወሓደ ብሓደ ፍሉይ መዳይ ከምኦም ክትከውን ትኽእል ኢኻ: ክትከውን እውን ኣሎካ። እዚ እንታይ ኢዩ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ኸምኦም ክትከውን ዘሎካኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

2, 3. የሆዋ ብዛዕባ ሰብኣዊ ንጉስ እንታይ ኢዩ ኣቐዲሙ ዝረኣየ: ከምዚ ዝኣመሰለ ንጉስከ እንታይ ክገብር ነበሮ፧

2 ብግዜ ሙሴ: ኣምላኽ ንደቂ እስራኤል ሰብኣዊ ንጉስ ክነግሶም ቅድሚ ምፍቃዱ ነዊሕ እዋን ይገብር ኣብ መንጎ ህዝቡ ንጉስ ክነግሶም ዝደልዩ ኸም ዝህልዉ ኣቐዲሙ ረኣየ። ስለዚ ንሙሴ ብመንፈስ ተደሪኹ ነዚ ዝምልከት መምርሒ ኣብቲ ሕጊ ኺዳን ከም ዝጽሕፍ ገበሮ። እዚ ንንጉስ ዝወሃብ መምርሒ ነበረ።

3 ኣምላኽ ከምዚ በለ:- “ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ አቲኻ . . . ከምቶም ኣብ ዙርያይ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት: ንጉስ ኣብ ልዕለይ ከንግስ እየ: እንተ በልካ: ሽዑ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚሐርዮ ኣብ ልዕሌኻ ኣንገሶ። . . . ይኸውን ድማ: ኣብ ልዕሊ ዝፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ: ካብቲ . . . ሕጊ ንእኡ ዚኸውን ቀዲሑ ኣብ መጽሓፍ ይጽሐፍ። ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኺመሀር . . . ናይ እዚ ሕጊ እዚ ቓላትን እዚ ትእዛዛት እዝን ተጠንቂቑ ኺገብሮስ: ምስኡ ይኹን: ኵሉ መዓልቲ ህይወቱ ኸኣ የንብቦ።”​—⁠ዘዳግም 17:14-19

4. ኣምላኽ ንነገስታት ዝሃቦም መምርሒ እንታይ ዘጠቓልል ነበረ፧

4 እወ: እቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝመርጾ ንጉስ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኽትረኽቦ እትኽእል መጻሕፍቲ ናይ ብሕቱ ቅዳሕ ከዳሉ ነበሮ። ድሕሪኡ እቲ ንጉስ ነቲ ዝቐድሖ መጽሓፍ መዓልታዊ ብተደጋጋሚ ኸንብቦ ነበሮ። እዚ ናይ ምዝካር ክእለቱ ንምምሕያሽ እተገብረ ምድላው ኣይነበረን። እዚ መጽናዕቲ ኢዩ ነይሩ: ጥቕሚ ድማ ነበሮ። እቲ የሆዋ ዝሰመሮ ንጉስ ቅኑዕ ልቢ ሒዙ ምእንቲ ኽመላለስ ኸምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ብዘይ​ምቍራጽ ክገብር ነበሮ። ዕዉትን መስተውዓልን ንኽኸውን እውን ነዚ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፋት ከጽንዖ ነበሮ።​—⁠2 ነገስት 22:⁠8-13፣ ምሳሌ 1:⁠1-4

ከም ንጉስ ተምሃር

5. ንጉስ ዳዊት ነየናይ ክፋል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ክቐድሖን ከንብቦን ዝኽእል ዝነበረ: ብዛዕባዚ ኸመይ ዝበለ ስምዒት ነበሮ፧

5 ዳዊት ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ እንታይ ክገብር ዝነበሮ ዀይኑ ይስምዓካ፧ ነቲ ናይ ፔንታቲዩክ መጻሕፍቲ (ዘፍጥረት: ዘጸኣት: ዘሌዋውያን: ዘሁልቍ: ዘዳግም) ክቐድሖ ነበሮ። ነቲ ሕጊ ንምቕዳሕ ኣዒንቱን ኣእዳዉን ብምጥቃሙ ኣብ ኣእምሮኡን ልቡን እንታይ ጦብላሕታ ኸም ዝገደፈሉ እሞ ሕስብ ኣብሎ። መጽሓፍ እዮብን መዝሙር መበል 90ን 91ን ሙሴ ኸም ዝጸሓፈን ፍሉጥ ኢዩ። ዳዊት ነዚኣተን እውን ቀዲሕወን ድዩ፧ ምናልባት። ኣብ ርእሲ እዚ: መጽሓፍ እያሱ: መሳፍንቲ: ሩት ክረክብ ይኽእል ነይሩ። ስለዚ ንጉስ ዳዊት ከንብቦን ከስተንትነሉን ዘለዎ እኹል ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ነበሮ። ብዛዕባ ሕጊ የሆዋ ኣብ መዝሙር 19:⁠7-11 እተዛረቦ ሓሳባት ክትርኢ ኸሎኻ: ከምኡ ኸም ዝገበረ ንኽትኣምን እኹል ምኽንያት ኣሎካ።

6. የሱስ ልክዕ ከም ኣባሓጎኡ ዳዊት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገዳስነት ከም ዝነበሮ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

6 እቲ ዓብዪ ዳዊት​—⁠የሱስ ወዲ ዳዊት​—⁠ተመሳሳሊ ኣብነት ኢዩ ስዒቡ። የሱስ ኣብ ሰሰሙን ናብ ቤት ጸሎት ናይ ምኻድ ልማድ ነበሮ። ኣብኡ ኸኣ ቅዱሳት ጽሑፋት የንብብን ሓሳብ ይህበሉን ነበረ። ብዘይ​ዚውን ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዓው ኢሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣንቢቡን ኣወዓዕላኡ ገሊጹን ኢዩ። (ሉቃስ 4:⁠16-21) ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ሌላ ኸም ዝነበሮ ብቐሊል ከተስተውዕሎ ትኽእል ኢኻ። ጸብጻባት ወንጌል እንተ ኣንቢብካ የሱስ ክንደይ ሳዕ “ጽሑፍ እዩ” ኸም ዝበለ ወይ ብኻልእ መገድታት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዝጠቐሰ ኽትግንዘብ ትኽእል ኢኻ። አረ ኣብቲ ማቴዎስ መዝጊብዎ ዘሎ ኣብ ከረን ዝገበሮ ስብከቱ እሞ ኸኣ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ 21 ሳዕ ጠቒሱ ኣሎ።​—⁠ማቴዎስ 4:⁠4-10፣ 7:⁠29፣ 11:⁠10፣ 21:​13፣ 26:⁠24, 31፣ ዮሃንስ 6:​31, 45፣ 8:⁠17

7. የሱስ ካብቶም መራሕቲ ሃይማኖት እተፈልየ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧

7 የሱስ ነቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ኣብ መዝሙር 1:⁠1-3 ዝርከብ ምኽሪ ስዒብዎ ኢዩ:- “ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ: . . . ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ: ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን: ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። . . . ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።” ካብቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ባዕሎም “ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም” ክነሶም “ሕጊ እግዚኣብሄር” ዕሽሽ ዝበሉ መራሕቲ ሃይማኖት ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ዀን ኢዩ ነይሩ!​—⁠ማቴዎስ 23:⁠2-4

8. ከምቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ዝገብርዎ ዝነበሩ ገይሩ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብብን ዘጽንዕን ሰብ ዘይጥቀም ስለምንታይ ኢዩ፧

8 ይኹን እምበር: ንገሊኣቶም ሰባት እታ የሱስ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸይተጽንዕ ይደፋፍእ ከም ዝነበረ ጌርካ ኽትትርጐም እትኽእል ጥቕሲ ትድንጽዎም ትኸውን ኢያ። ኣብ ዮሃንስ 5:⁠39, 40 የሱስ ብግዜኡ ንዝነበሩ ገሊኣቶም ሰባት ከምዚ በሎም:- “ናይ ዘለኣለም ህይወት በተን ጽሑፋት እትረኽቡ እናመሰለኩምሲ ትምርምርወን አሎኹም: ንሳተን ከኣ ብዛዕባይ እየን ዚምስክራ። ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ: ናባይ ክትመጹ ኣይትደልዩን ኢኹም።” እዚ የሱስ ዝሃቦ ሓሳብ ግን ነቶም ኣይሁድ ሰማዕቱ ቅዱሳት ጽሑፋት ምጽናዕ ንኽገድፍዎ ዝደፋፍእ ኣይነበረን። የግዳስ ነቲ ዝነበሮም ግብዝና ወይ ዓሰርተ ሳዕ ናይ ምግልባጥ ባህሪ ኢዩ ዘቃልዕ ነይሩ። እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክመርሖም ከም ዝኽእል ፈሊጦም ነይሮም ኢዮም: እንተዀነ ግን እቲ ዝምርምርዎ ዝነበሩ ጽሑፋት ናብ የሱስ እቲ መሲህ ክመርሖም እውን ነይርዎ። ንሳቶም ግን ክቕበልዎ ኣይደለዩን። እምበኣር ቅኑዓትን ክመሃሩ ዝደልዩን ስለ ዘይነበሩ መጽናዕቶም ከንቱ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ዘዳግም 18:⁠15፣ ሉቃስ 11:⁠52፣ ዮሃንስ 7:⁠47, 48

9. ሃዋርያትን ቅድሚኦም ዝነበሩ ነብያትን እንታይ ሰናይ ኣብነት ኢዮም ገዲፎም፧

9 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እንተላይ እቶም ሃዋርያት ኣየ ኽሳዕ ክንደይ እተፈልዩ ዀን ኢዮም ነይሮም! ‘ነተን ንምድሓን ከለብማ ዝኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት’ የጽንዕወን ነይሮም ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠15) በዚ ኸምዚ ኸኣ ከምቶም ‘ዝደለዩን ዝመርመሩን’ ቀዳሞት ነብያት ኢዮም ኰይኖም። እዞም ነብያት እዚኣቶም ምምርማር ክበሃል ከሎ ንሒደት ኣዋርሕ ወይ ንዓመት ጽዑቕ መጽናዕቲ ምግባር ጥራይ ገይሮም ኣይወሰድዎን። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብፍላይ ብዛዕባ ክርስቶስን ንደቅ​ሰብ ብምድሓን እንታይ ክብሪ ኸም ዝመጽእን “እናመርመሩ” ብምባል ጠቒስዎም ኣሎ። ጴጥሮስ ኣብታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ካብ ዓሰርተ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መጻሕፍቲ 34 ግዜ ጠቒሱ ኣሎ።​—⁠1 ጴጥሮስ 1:⁠10, 11

10. ኵላትና መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ተገዳስነት ኸነሕድር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

10 ንነገስታት ጥንታዊት እስራኤል ቃል ኣምላኽ ተጠንቂቕካ ምጽናዕ ኽፍጽምዎ ዝግባእ ዕማም ምንባሩ እምበኣር ዘጠራጥር ኣይኰነን። የሱስ ነዚ ኣብነት እዚ ስዒቡ ኢዩ። እቶም ምስ ክርስቶስ ነገስታት ኰይኖም ኣብ ሰማይ ዝነግሱ እውን ቃል ኣምላኽ ከጽንዑ ነበሮም። (ሉቃስ 22:⁠28-30፣ ሮሜ 8:⁠17፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:⁠12፣ ራእይ 5:⁠10፣ 20:⁠6) እቶም ሎሚ ዘለዉ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝህሉ በረኸታት ዝጽበዩ ሰባት እውን በዚ መገዲ ነገስታት እዚ ኽመላለሱ ይግባእ።​—⁠ማቴዎስ 25:⁠34, 46

ነገስታት ኰኑ ንስኻ ኽትፍጽሞ ዘሎካ ዕማም

11. (ሀ) ንመጽናዕቲ ብዝምልከት ክርስትያናት ኣብ ከመይ ዝበለ ሓደገኛ ዅነታት ኢዮም ክኣትዉ ዝኽእሉ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ንገዛእ ርእስና ኽንሓትት ዝግባእ፧

11 ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ ነፍሲ ወከፍ ናይ ሓቂ ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስ ክምርምር ከም ዘለዎ ኸነጕልሖ ይግባእ። እዚ መጀመርታ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከሎኻ ጥራይ እትገብሮ ክኸውን የብሉን። ነፍሲ ወከፍና ኸምቶም ብግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ድሕሪ ግዜ ናይ ብሕቲ መጽናዕቶም ዕሽሽ ዝበልዎ ሰባት ከይንኸውን ቈራጽነት ክንገብር ይግባእ። ነቲ ኸም “ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ” ዝኣመሰለ “ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ” ተማሂሮምዎ ነይሮም ኢዮም። እንተዀነ ግን: መጽናዕቲ ምግባር ስለ ዘቋረጹ ‘ናብ ፍጻሜ [“ብስለት:” NW ] ኣይሓለፉን።’ (እብራውያን 5:12–​6:3) ንሕናውን ኣብዚ ተመርኲስና ከምዚ ኢልና ንገዛእ ርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና:- ‘ምስ ክርስትያናዊት ማሕበር ክሓብር ካብ ዝጅምር ሓጺር ግዜ ይኹን ወይ ነዊሕ ብዘየገድስ ብዛዕባ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ከመይ ኢዩ ዝስምዓኒ፧ ጳውሎስ ብግዜኡ ዝነበሩ ክርስትያናት “ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበዩ” ንኽኸዱ ጸልዩ ኢዩ። ኣነኸ ተመሳሳሊ ባህጊ ኸም ዘሎኒ አርኢ ድየ፧’​—⁠ቈሎሴ 1:⁠9, 10

12. ንቓል ኣምላኽ ወትሩ ምፍቃር ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

12 ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልማድ ንኽህልወካ ዝሕግዝ ቐንዲ ረቛሒ ንቓል ኣምላኽ ፍቕሪ ምምዕባል ኢዩ። መዝሙር 119:⁠14-16 ንቓል ኣምላኽ ዕላማ ጌርካ ብቐጻሊ ምስ እተስተንትነሉ ሓጐስ ከም እትረክብ ኢያ እትሕብር። ክርስትያን ኴንካ ዘሕለፍካዮ ዓመታት ብዘየገድስ እዚ ጕዳይ እዚ ኣይቅየርን ኢዩ። ኣብነት ጢሞቴዎስ ነዚ ኢዩ ዘጕልሕ። እዚ ክርስትያን ሽማግለ ኸም “ንፉዕ ናይ ክርስቶስ የሱስ ዓቀይታይ” ኰይኑ የገልግል እኳ እንተ ነበረ: ጳውሎስ “ቓል ሓቂ ብቕንዕና [“ብግቡእ:” NW ] ዜማቕል” ንኽኸውን ክጽዕር ተማሕጸኖ። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠3, 15፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:⁠15) ‘ምጽዓር’ ክበሃል ከሎ ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልማድ ዘጠቓልል ምዃኑ ንጹር ኢዩ።

13. (ሀ) ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ግዜ ብኸመይ ክርከብ ይከኣል፧ (ለ) ንመጽናዕቲ ዝኸውን ግዜ ንምርካብ እንታይ ምትዕርራይ ክትገብር ትኽእል፧

13 ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ወትሩ ግዜ ምምዳብ ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልማድ ንኽህልወካ ዝሕግዝ ሓደ ስጕምቲ ኢዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኸመይ ኢኻ፧ ኣብ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ዝያዳ ግዜ ምስ እተሕልፍ እትጥቀም ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ ‘ብኸመይ ኢየ ነዚ ዝኸውን ግዜ ኽረክብ ዝኽእል፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ገሊኣቶም ኣንጊሆም ብምትንሳእ ውጽኢታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ኽኢሎም ኢዮም። ን15 ደቒቕ መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ ወይ ካልእ ናይ ብሕቶም መጽናዕቲ ይገብሩ። ከም ካልእ ኣማራጺ ኸኣ: ኣብ ሰሙናዊ መደብካ እተወሰነ ለውጢ ንምንታይ ዘይትገብር፧ ንኣብነት: ኣዘውቲርካ ጋዜጣ ናይ ምንባብ ወይ ምሸት ምሸት ኣብ ተለቪዥን ዜና ናይ ምርኣይ ልማድ እንተሎካ: ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ክትስርዞዶ ምኸኣልካ፧ ነቲ ግዜ እቲ ተወሳኺ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ናይ ሓደ መዓልቲ ዜና ሰሪዝካ ነቲ 30 ደቒቕ ኣቢሉ ዝኸውን ግዜ ንናይ ብሕቲ መጽናዕቲ እንተ ተጠቒምካሉ: ኣብ ዓመት ልዕሊ 25 ሰዓታት ዝኸውን ግዜ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ንባብ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተሕልፎ 25 ሰዓታት ዝኸውን ተወሳኺ ግዜ ዘምጽኦ ረብሓታት እሞ ሕስብ ኣብሎ! ካልእ ሓሳብ ከኣ: ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ምሸት ምሸት ናይታ መዓልቲ ንጥፈታትካ ኽትምርምሮ ትኽእል ኢኻ። ዝያዳ ንባብ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ክስረዝ ወይ ክንከ ዝኽእል ንጥፈት ክትረክብ እንተ ኽኢልካ ድማ ርአ።​—⁠ኤፌሶን 5:⁠15, 16

14, 15. (ሀ) ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ብዝምልከት ሸቶታት ምውጻእ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመጸ እንታይ ሸቶታት ምውጻእ ይከኣል፧

14 መጽናዕቲ ዝቐለለን ዝስሕብን ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧ ከምዚ ዝገብሮ ሸቶታት ምውጻእ ኢዩ። ክትበጽሖ እትኽእል እንታይ ናይ መጽናዕቲ ሸቶታት ከተውጽእ ትኽእል፧ ብዙሓት ሰባት ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካ ምውዳእ መጀመርታ ኸውጽእዎ ዝኽእሉ ዝነኣድ ሸቶ ኢዩ። ምናልባት ክሳዕ ሕጂ እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካን ካብኡ ተጠቒምካን ትኸውን ኢኻ። ሕጂ ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ሸቶ ኸተውጽእዶ ትኽእል፧ ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ መጀመርታ ነተን ኣርባዕተ ወንጌላት ተንብብ እሞ: ድሕሪኡ ዝተረፈ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ናይ ምንባብ ንኡስ ሸቶ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። በዚ ዕግበትን ጥቕምን ምስ ረኸብካ: ካብቲ ሙሴ ዝጸሓፎ መጻሕፍቲ ኣትሒዝካ ክሳዕ ኣስቴር ዘሎ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ናይ ምንባብ ሸቶ ኸተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ነዚ እንተ ፈጺምካዮ: ዝተረፈ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ምንባቡ ቐሊል ኰይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ። ክርስትያን ክትከውን ከላ ጓል 65 ዓመት ዝነበረት ሓንቲ ሰበይቲ: ኣብ ውሽጣዊ ገበር መጽሓፍ ቅዱስ ንባብ ዝጀመርትላ ዕለት ጸሓፈት: ጸኒሓ ኸኣ ዝወድኣትላ መዓልቲ መዝገበት። ኣብዚ ግዜ እዚ ሓሙሽተ ጽምዲ ዕለት መዝጊባ ኣላ! (ዘዳግም 32:⁠45-47) ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ኮምፕዩተር ወይ ካብ ኮምፕዩተር ኣብ እተሓትመ ወረቐት ዘይኰነስ ብቐጥታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢያ እተንብብ።

15 ገለ ኻብቶም ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ሸቶኦም ዝወቕዑ ሰባት: ነቲ ዘየቋርጽ መጽናዕቶም ጠቓምን ዓስቢ ዘለዎን ንምግባር ካልእ ስጕምትታት ይወስዱ ኢዮም። ሓደ መገዲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ሓንቲ መጽሓፍ ቅድሚ ምንባብካ ንመጽናዕቲ ዝሕግዝ ጽሑፍ መሪጽካ ምንባብ ኢዩ። ኣብተን “ኦል ስክሪፕቸርስ ኢዝ ኢንስፓይርድ ኦቭ ጎድ ኤንድ በነፊሻል” ከምኡውን ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ዝበሃላ ጽሑፋት ብዛዕባ ታሪኻዊ ድሕረ⁠-​ባይታን ኣጸሓሕፋን ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከባ መጻሕፍትን ካባታተን ክትረኽቦ እትኽእል ጥቕምን ዝገልጽ ሓበሬታ ይርከብ ኢዩ። a

16. ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣገባብ ኢና ኽንስዕብ ዘይብልና፧

16 መጽናዕቲ ኽትገብር ከሎኻ: እቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት ዝበሃሉ ሰባት ዝጥቀሙሉ ሜላ ኣይትጠቐም። ንሳቶም መጽሓፍ ቅዱስ ያኢ ሰብኣዊ ምንጪ ኸም ዘለዎስ ኣጸሓሕፋኡ ኣብ ምምርማር ዝያዳ ኣትኵሮ ይገብሩ ኢዮም። ገሊኣቶም ነፍሲ ወከፍ መጽሓፍ ንእተወሰኑ ሰባት ከም እተጻሕፈ ገይሮም ንምቕራብ ይጽዕሩ ወይ ከኣ ዕላማን ኣረኣእያን ናይቲ ሰብኣዊ ደራሲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽሓፍ ከም ዝንጸባረቕ ገይሮም ብምሕሳብ ነዚ ክረኽቡ ህርድግ ይብሉ ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መጻሕፍቲ ኸም ታሪኽ ወይ ኣብ ሃይማኖት ከም እተራእየ ምዕባለታት ጥራይ ጌርካ ኸም እትወስዶ ኢዩ ዝገብር። ገሊኣቶም ምሁራት ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ቃላት ኣብ ምጽናዕ ጥራይ ግዜኦም የሕልፉ። ኣብ ክንዲ ኣብ ቍም ነገር ናይቲ መልእኽቲ ኣምላኽ ኣብ መበቈል ናይ ቃላት ከምኡውን ናይ እብራይስጥን ግሪኽኛን ትርጕሙ ኣብ ምጽናዕ ኢዮም ዝያዳ ትሑዛት ኰይኖም ዘለዉ። ከምዚ ዘኣመሰለ ሜላ ዓማቝን ድራኸ እተሕድርን እምነት ዘፍሪዶ ይመስለካ፧​—⁠1 ተሰሎንቄ 2:⁠13

17. መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ ሰብ ዝኸውን መልእኽቲ ኸም ዝሓዘ ጌርና ኽንርእዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17 ንምዃኑ ናይ ምሁራት ኣተሓሳስባ ቕኑዕ ድዩ፧ ነፍሲ ወከፍ መጽሓፍ ሓደ ነጥቢ ጥራይ ዝሓዘት ወይ ንእተወሰነ ጕጅለ ጥራይ እተጻሕፈት ኢያ ምባልሲ ቕኑዕ ድዩ፧ (1 ቈረንቶስ 1:⁠19-21) ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ እተን ቃል ኣምላኽ ዝሓዛ መጻሕፍቲ ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመን ኣተዓባብያን ንዝርከቡ ሰባት ወትሩ ዝጠቕማ ኢየን። ገሊኡ መጻሕፍቲ ኣብ መጀመርታ ንሓደ ሰብ: ንኣብነት ናብ ጢሞቴዎስ ወይ ቲቶስ: ወይ ከኣ ንእተወሰነ ጕጅለ: ንኣብነት ናብ ሰብ ገላትያ ወይ ሰብ ፊልጲ: ተባሂለን እኳ እንተ ተጻሕፋ ኵላትና ግን ነዘን መጻሕፍቲ ኸነጽንዐን ንኽእል ኢና: ከነጽንዐን እውን ይግባእ። እዘን መጻሕፍቲ ንዅላትና ይጠቕማና ኢየን: ሓንቲ መጽሓፍ እተፈላለየ ኣርእስታት ከተልዕልን ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ንዘለዉ ሰባት ክትጠቅምን ትኽእል ኢያ። እወ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መልእኽቲ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ሰባት ዝጠቅም ኢዩ: እዚ ድማ ስለምንታይ ናብቲ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘለዉ ህዝብታት ናብ ዝዛረብዎ ቛንቋታት ከም እተተርጐመ ንኽንርዳእ ይሕግዘና።​—⁠ሮሜ 15:⁠4

ንስኻ ዀንካ ኻልኦት ዝረኽብዎ ጥቕሚ

18. ቃል ኣምላኽ ከተንብብ ከሎኻ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ኸተስተንትን ዘሎካ፧

18 መጽናዕቲ ኽትገብር ከሎኻ መጽሓፍ ቅዱስ ክርድኣካን ነቲ ዝርዝር ነጥብታት ብኸመይ ከም ዝተሓሓዝ ከተስተውዕልን እንተ ጽዒርካ ብዙሕ ኽትጥቀም ኢኻ። (ምሳሌ 2:⁠3-5፣ 4:⁠7) የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ ዝገለጾ ነገራት ምስ ዕላምኡ ኣጸቢቑ ይተኣሳሰር ኢዩ። ስለዚ ኸተንብብ ከሎኻ ነቲ ሓቅታትን ምኽርታትን ምስኡ ኣተሓሕዞ። ሓደ ፍጻመ: ሓሳብ: ወይ ትንቢት ምስ ዕላማ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝተኣሳሰር ከተስተንትን ትኽእል ኢኻ። ንገዛእ ርእስኻ ‘እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ኢዩ ዝሕብረኒ፧ ምስቲ ብመንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ዝፍጸም ዕላምኡ ብኸመይ ይተሓሓዝ፧’ ኢልካ ሕተት። ‘ነዚ ትምህርቲ እዚ ብኸመይ ክጥቀመሉ እኽእል፧ ኣብዚ ጥቕስታት ተመርኲሰ ንኻልኦት ንምምሃር ወይ ንምምዓድ ክጥቀመሉ እኽእልዶ፧’ ኢልካ እውን ከተስተንትን ትኽእል ኢኻ።​—⁠እያሱ 1:⁠8

19. ነቲ ዝረኸብካዮ ፍልጠት ንኻልኦት ክትነግር ከሎኻ ጥቕሚ ዝረክብ መን ኢዩ፧ ግለጽ።

19 ብዛዕባ ካልኦት እትሓስብ ምዃን: ብኻልእ መዳይ እውን ረብሓ የምጽእ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብን ከተጽንዕን ከሎኻ ብዙሕ ነገራት ክትመሃርን ዝዓመቘ ኣረኣእያ ኽህልወካን ኢዩ። ነዚ ድማ ምስ ኣባላት ስድራ​ቤትካ ወይ ምስ ካልኦት ኣብ እትገብሮ ሃናጺ ዕላል ተጠቐመሉ። ኣብቲ ግቡእ ግዜኡን ብትሕትናን ከምዚ ዝኣመሰለ ምይይጥ ትገብር እንተደኣ ዄንካ: ረብሓ ከም እትረክብ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ነቲ ዝፈለጥካዮ ወይ ኣቓልቦኻ ዝሰሓበ ሓበሬታ ብቕንዕናን ብውዕዉዕ መንፈስን ምስ እትዛረበሉ: ካልኦት ብዝያዳ ኽምሰጡ ይኽእሉ ኢዮም። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ንርእስኻ እውን ትጥቀም ኢኻ። ብኸመይ፧ ሓደ ሰብ ነቲ ዝፈለጦ ወይ ዘጽንዖ ሓበሬታ ገና ብሓድሹ ኸሎ ዝጥቀመሉ ወይ ከኣ ንኻልኦት ብምንጋር ኰነ ብኻልእ መገዲ ዝደጋግሞ እንተደኣ ዀይኑ: ንነዊሕ እዋን ከም ዝዝክሮ ኽኢላታት ኣስተውዒሎም ኢዮም። b

20. መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ምንባብ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

20 ሓንቲ ኻብተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከባ መጻሕፍቲ ምስ ኣንበብካ ሓድሽ ፍልጠት ትረክብ ኢኻ። ኣቐዲሙ ዘይምስጠካ ዝነበረ ጥቕስታት ጦብላሕታ ኽገድፈልካ ኢዩ። ዝያዳ ምርዳእ ክትረክብ ኢኻ። እዚ ተርእዮ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ደቅሰብ ዝመነጨ ስነ⁠-​ጽሑፍ ዘይኰነስ: ብተደጋጋሚ ንኸተጽንዖን ንኽትጥቀመሉን ብቑዕ ዝዀነ መዝገብ ምዃኑ ኢዩ ኸጕልሕ ዘለዎ። ከም ዳዊት ዝኣመሰለ ንጉስ “ኵሉ መዓልቲ ህይወቱ . . . የንብቦ” ምንባሩ ኣይትረስዕ።

21. ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ እትገብሮ መጽናዕቲ ዝያዳ ዓሚቝ ብምግባር እንታይ ዓስቢ ኢኻ ኽትረክብ እትኽእል፧

21 እወ: እቶም ግዜ ወሲዶም ዓሚቝ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብሩ ብዙሕ ረብሓ ኢዮም ዝረኽቡ። መንፈሳዊ መዝገብን ምስትውዓልን ይረኽቡ ኢዮም። ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ብዝያዳ ድልዱልን ጥብቅን ይኸውን። ንኣባላት ስድራ​ቤቶም: ነቶም ኣብ ክርስትያናዊት ማሕበር ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን: ከምኡውን ነቶም ብሕጂ ኣምለኽቲ የሆዋ ዝዀኑ ሰባት ብዝያዳ ይጠቕሙ።​—⁠ሮሜ 10:⁠9-14፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:⁠16

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዚ ንመጽናዕቲ ዝሕግዝ ጽሑፋት ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ዀይኑ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ይርከብ።

b ናይ 15 ነሓሰ 1993 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 3-5 ርአ።

ትዝክሮዶ፧

• ነገስታት እስራኤል እንታይ ክገብሩ ኢዮም ዝሕተቱ ዝነበሩ፧

• የሱስን ሃዋርያትን ብዛዕባ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣብነት ኢዮም ዝገደፉ፧

• ኣብ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ እተሕልፎ ግዜ ንኸተዛይዶ እንታይ ምትዕርራያት ክትገብር ትኽእል፧

• ቃል ኣምላኽ ከተጽንዕ ከሎኻ እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ኽህልወካ ዘለዎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን]

“በእዳውና እናገንጸልና”

“ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሐበሪ . . . እንተ ደሊና: ካብ ኢንተርነት ዝሓይሽ መሳርሒ ኣይንረክብን ኢና። ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነንብቦ: ከነጽንዖ: ክንሓስበሉ: ከነስተንትነሉ እንተደኣ ደሊና ግን በእዳውና እናገንጸልና ኽንጥቀመሉ ኣሎና: ከመይሲ ኣብ ኣእምሮናን ኣልባብናን ክበጽሕ ዝኽእል በዚ መገዲ እዚ ጥራይ ኢዩ።”​—⁠ገርትሩድ ሃመልፋርብ: ኣብ ሲቲ ዩኒቨርሲቲ: ኒው ዮርክ: እተፈልጠት ጡረታ ዝወጸት ፕሮፌሰር