ካብ ታሪኽ ሮማውያን እንረኽቦ ትምህርቲ
ካብ ታሪኽ ሮማውያን እንረኽቦ ትምህርቲ
ገሊኣቶም ሰባት እዘን ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:32 ዝርከባ “ኣነ ከም ግእዚ ሰብ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት እንተ ገጠምኩ” ዝብላ ቓላት: ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ናይ ሮማውያን መድረኽ ትርኢት ክቃለስ ከም እተፈርዶ ዘመልክታ ይመስሎም ኢዩ። እዚ እተፈጸመ ነገር ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ መድረኻት ዝግበር ዝነበረ ኽሳዕ ሞት ዘበጽሕ ቃልሲ ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ታሪኽ ብዛዕባ እዚ መድረኻት እዝን ኣብኡ ዝግበር ዝነበረ ነገራትን እንታይ ኢዩ ዝነግረና፧
ከም ክርስትያናት መጠን ንሕልናና ብኣተሓሳስባ የሆዋ ኽንቀርጾ ኢና እንጽዕር: እዚ ድማ ኣብ ዘመናዊ መዘናግዒ ውሳነ ንኽንገብር ይሕግዘና። ንኣብነት: ኣምላኽ ብዛዕባ ዓመጽ ዘለዎ ኣረኣእያ ኣብዚ ዝስዕብ ቃላት እሞ ረኣዮ:- “ብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእ: መገዱ ዘበለ ዅሉ ኣይትምረጽ።” (ምሳሌ 3:31) ቀዳሞት ክርስትያናት ብዙሓት ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ሰባት በቲ ኣብ ሮማ ዝግበር ዝነበረ ቓልስታት ክዘናግዑ ኸለዉ ንሳቶም ግን በዚ ምኽሪ እዚ ይምርሑ ነበሩ። ነዚ ፍጻመታት እዚ ኽንምርምር ከሎና ክርስትያናት ካብኡ እንታይ ንጹር ትምህርቲ ኸም ዝረኽቡ ንርአ።
ክልተ ኣጽዋር እተዓጥቑ ተቓለስቲ ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ መድረኽ ትርኢት ይጋጠሙ። ኣብ መጀመርታ ዝፍንውዎ መጥቃዕትታት ኣብቲ ዋላቱ ኢዩ ዝዓልብ: እቶም ያዕያዕ ዝብሉ ተዓዘብቲ ኸኣ ንባህ ዝበሎም ተቓላሳይ ይድግፉ። ናይ ሞትን ህይወትን ቃልሲ ኢዩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ሓደ ኻብቶም ተቓለስቲ ስለ ዝቘሰለን ኣላሽ ስለ ዝበለን ኣጽዋሩ ደርብዩ ይንብርከኽ: ስዕረቱ ኣሚኑ ኸኣ ምሕረት ይልምን። እቲ ጭድርታ መሊሱ ይውስኽ። ገለ ኻብቶም ተዓዘብቲ ምሕረት ክግበረሉ ኽጭድሩ ኸለዉ: ካልኦት ከኣ ይቀተል ይብሉ። ኵለን ኣዒንቲ ናብቲ ሃጸይ የተኵራ። ንሱ ድማ ንዓብላሊ ድሌት ናይቲ ህዝቢ ብምግምጋም ነቲ ስዩም ዝበለ ተቓላሳይ ናጻ ኽሰዶ ወይ ዓባይቶኡ ንታሕቲ ብምግባር ከቕትሎ ይኽእል ኢዩ።
ሮማውያን ቃልሲ ምርኣይ ኣጸቢቖም ይፈትዉ ነበሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቓልስታት ኣብ ቀብሪ ናይ ክቡራት ሰባት ይግበር ምንባሩ ምስማዕካ ይገርመካ ይኸውን። እዚ ግጥም እዚ ኻብቶም ኣብ ማእከላይ ኢጣልያ ዝነበሩ ህዝቢ ኦስካን ወይ ሳምኒት ዝመጸ ዀይኑ ምንጩ ኻብቲ ሰብ ናይ ምስዋእ ልምዶም ዝመጸ ኢዩ። እቲ መስዋእትታት መናፍስቲ ምዉታት ንኸይቝጥዑ ተባሂሉ ዝግበር ነበረ። ከምዚ ዝኣመሰለ ግጥም ሙኑስ ወይ “ውህበት” (ንብዙሕ ሙነራ ) ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። ኣብ ሮማ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መዝገብ ዝሰፈረ ጸወታ ብ264 ቅ.ኣ.ዘ. ዀይኑ ሰለስተ ጽምዲ ተቓለስቲ ኣብ ዕዳጋ ብዕራይ ከም እተቓለሱ ኢዩ ዝፍለጥ። ኣብ ቀብሪ ማርከስ ኣሚልየስ ለፒደስ 22 ግጥም ተገይሩ። ኣብ ቀብሪ ፓብሊዩስ ሊሲንዩስ 60 ጽምዲ ተጋጠሙ። ብ65 ቅ.ኣ.ዘ. ጁልየስ ቄሳር 320 ጽምዲ ናብ መድረኽ ቓልሲ ሰዲዱ ነይሩ።
ጸሓፍ ታሪኽ ኪት ሆፕኪንስ ከምዚ በለ:- “ናይ ኣሪስቶክራት ቀብሪ ፖለቲካዊ ዛዕባ ነይርዎ ኢዩ: ኣብ ቀብሪ ዝግበር ግጥማት ከኣ . . . ነቶም መራጾ ይስሕቦም ስለ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሸቶታት ነይርዎ። እወ: እቲ ምርኢት ቓልስታት እናዓበየ ምኻዱ በቲ ኣብ መንጎ እቶም ህርፋን ስልጣን ዝነበሮም ኣሪስቶክራት ዝርአ ፖለቲካዊ ውድድር ይጐሃሃር ምንባሩ ኢዩ ዘርኢ።” ኣጉስጦስ ኣብ ዝነገሰሉ ግዜ (27 ቅ.ኣ.ዘ ክሳዕ 14 ከ.ኣ.ዘ.) ሙነራ እቶም ሃብታማት ሰበ-ስልጣን ኣብ ፖለቲካ ዘለዎም ስልጣን ንምንዋሕ ንሓፋሽ ንምዝንጋዕ ዝህብዎ ዓብዪ ህያብ ኰነ።
ተሳተፍትን ስልጠናን
‘እቶም ተቓለስቲ እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ባሮት: ንሞት እተፈርዱ ገበነኛታት: ምሩኻት: ወይ ዝናን ሃብትን ክረኽቡ ዝደልዩ ናጻ ሰባት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ኵላቶም ኣብ ከም ቤት ማእሰርቲ ዝኣመሰለ ኣብያተ-ትምህርቲ ኢዮም ዝስልጥኑ። እታ ጆኪ ኢ ስፔታኮሊ (ጸወታታትን ተዓዘብትን) ዘርእስታ መጽሓፍ: እቶም ተቓለስቲ ኽስልጥኑ ኸለዉ “ወትሩ ሓለዋ ኸም ዝግበረሎምን ኣዝዩ ተሪር ስነ-ስርዓት ከም ዝስዕቡን ነዚውን ከቢድ መቕጻዕትታት እውን ከም ዝነበሮ” ትሕብር። ቀጺላ ድማ “እዚ ኣተሓሕዛ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ርእሰ-ቕትለትን ናዕብን ይመርሕ ነበረ” በለት። ካብ ሮማ እቲ ዝዓበየ ቤት ትምህርቲ ተቓለስቲ እንተ ወሓደ ንሽሕ ዝዀኑ ተማሃሮ ተባሂሉ እተዳለወ ንኣሽቱ ኽፍልታት ነበሮ። ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ብእተፈልየ ዓይነት ቃልሲ ይስልጥን ነበረ። ገሊኣቶም ድርዒ ገይሮም: ዋልታ ተሰኪሞም: ብሴፍ ይቃለሱ ነበሩ፣ ገሊኣቶም ከኣ ብሰኪዔትን ሰለስተ ዝኣፉ ኲናትን ገይሮም ይቃለሱ ነበሩ። ካልኦት ከኣ ምስ ኣራዊት ንምቅላስ ስልጠና ይወሃቦም ነበረ: እዚ ኸኣ ሃድን ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣዝዩ ፍሉጥ ምርኢት ኢዩ። ጳውሎስ ብዛዕባዚ ደዀን ይዛረብ ነይሩ ይኸውን፧
እቶም ነቲ ምርኢት ዘካይዱ: ካብቶም ደቂ 17 ወይ 18 ዓመት ዝዀኑ መንእሰያት ንቓልሲ ዘሰልጥኑ ነጋዶ ሓገዝ ይደልዩ ነበሩ። ህይወት ሰባት ምሻጥ ብዙሕ መኽሰብ ዝርከቦ ንግዲ ኢዩ ነይሩ። ትራጃን ወተሃደራዊ ዓወቱ ንምጽንባል ኣብ ዘካየዶ ምርኢት 10,000 ተቓለስትን 11,000 እንስሳታትን ብምስታፍ ፍልይ ዝበለ ገበሮ።
ኣብቲ መድረኽ ዝግበር ዝነበረ መዓልታዊ ንጥፈታት
ንግሆ ንግሆ ኣብቲ መድረኽ ሃድን ዝካየደሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። እተፈላለዩ ዓይነት ኣራዊት ኣብቲ መድረኽ ይፍነዉ ነበሩ። እቶም ተዓዘብቲ ብፍላይ ኣብ መንጎ ኣርሓ ብዕራይን ድብን ዝግበር ቓልሲ ይፈትዉዎ ነበሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓዲኦም ክሳዕ ዝመውት ምእንቲ ኽቓለሱ ብሓንሳእ ይእሰሩ ነበሩ: ድሕሪኡ እቲ ዘይሞተ ብሃዳናይ ይቕተል። ኣብ መንጎ ኣንበሳን ናይ እስያ ነብርን ወይ ኣብ መንጎ ሓርማዝን ድብን ዝግበር ዝነበረ ቓልሲ እውን ህቡብ ነበረ። እቶም ሃደንቲ ኻብ እተፈላለየ ዅርናዕ ናይቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ዝመጹ እንስሳታት ብምቕታል ክእለቶም የርእዩ ነበሩ፣ ወጻኢታቱ ብዘየገድስ ድማ ነብሪ: ሓርሽ: ጉማረ: ዘራፍ: ዝብኢ: ገመል: ተዅላ: መፍለስ: ዓገዘን ብዘይ ንሕስያ ይቕተሉ ነበሩ።
ነቲ ምርኢት ንምምልካዕ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ንሃድን ኻብ ኣእምሮ ዘይሕከኽ ገይርዎ ኢዩ። ኣኻውሕን ራህያታትን ኣእዋምን ብምግባር እቲ መድረኽ ዱር ከም ዝመስል ይግበር ነበረ። ኣብ ገሊኡ መድረኻት እቶም ኣራዊት ካብ ትሕቲ መሬት ብሓደ ዓይነት መሳርሒ ብሃንደበት ናብቲ መድረኽ ይመጹ ወይ ኣብ ባይታ ኻብ እተሰርሐ መዓጹ በሎኽ ኢሎም ስለ ዝወጹ ብሽሕር ዝመጹ ኢዮም ዝመስሉ ነይሮም። እቶም እንስሳታት ዘርእይዎ ዘይተለምደ ጠባይ ዝያዳ ሃንቀውታ የለዓዕል ነበረ: እንተዀነ ግን ሃድን ማራኺ ዝገበሮ ነገር እቲ ጭካነ ኢዩ ነይሩ።
ድሕርዚ ቕትለታት ይፍጸም ነበረ። ነዚ ኸኣ ሰባት ብግሁድ ንኽርእይዎ ጻዕሪ ይግበር ነበረ። ተዋሳእቲ ናይ ሓቂ ዝቕተሉሉ ጽውጽዋያዊ ድራማታት እውን ንምርኢት ይቐርብ ነበረ።
ድሕሪ ቐትሪ ኣብ እተፈላለየ ኽፍሊ ዝምደቡ ንሓድሕዶም ንኽቃተሉ ዝሰልጠኑ ተቓለስቲ በብዓይነቱ ኣጽዋር ብምሓዝ ይቃለሱ ነበሩ። ገለ ኻብቶም ሬሳታት ጐቲቶም ዘውጽኡ ሰባት: ከም ናይ ምዉታት ኣምላኽ ዝዓይነቱ ኽዳን ይኽደኑ ነበሩ።
ኣብቶም ተዓዘብቲ ዝነበሮ ጽልዋ
እቶም ተዓዘብቲ ቓልሲ ንኽርእዩ ዝነበሮም ህርፋን መወዳእታ ኣይነበሮን: ስለዚ ዘድሓርሕሩ ዘበሉ ተቓለስቲ ሓለንግን መዓለምን ይጽበዮም ነበረ። እቶም ተዓዘብቲ ኸኣ “ካብቲ ሰይፊ ብፍርሂ ዘድሓርሕር ስለምንታይ ኢዩ፧ ንምንታይ ኢዩ ኣወቓቕዓ ኣንስቲ ገይሩ ዝወቅዕ፧ ንምንታይ [ብፍቓዱ] ዘይመውት፧ ምእንቲ ኽበራበር ሓንሳእ ብሓለንጊ ዝበጥዎ! ኣፍልቦም ጥርሑ ብምግባር ከም ዝዛበጡ ግበርዎም!” ብምባል ይጭድሩ ነበሩ። ሰነካ ዝበሃል ሮማዊ በዓል ስልጣን ኣብ ግዜ ዕረፍቲ “መደብ ምዝንጋዕ ምእንቲ ኸየቋርጽ: እተወሰኑ ሰባት ክሕረዱ ኢዮም!” ዝብል ምልክታ ይንገር ምንባሩ ጽሒፉ ኣሎ።
ሰነካ ናብ ገዝኡ “ዝያዳ ጨካንን ኢሰብኣውን” ኰይኑ ኸም እተመልሰ ምእማኑ ዘገርም ኣይኰነን። እዚ ተዓዛቢ እዚ ብግህዶ ምእማኑ ንሕና ኣርዚንና ኽንሓስበሉ ዝግባእ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዝግበር ስፖርታዊ ንጥፈታት ዝዕዘቡ ገለ ሰባት እውን ብተመሳሳሊ “ዝያዳ ጨካናትን ኢሰብኣውያንን” ይዀኑ ደዀን ይህልዉ፧
አረ ገሊኣቶምሲ ናብ ኣባይቶም ብምምላሶም ንርእሶም ዕድለኛታት ኸም ዝዀኑ ገይሮም ቈጺሮማ ይዀኑ ኢዮም። ሓደ ተዓዛቢ ብዛዕባ ዶሚሽያን ዝወግእ ዘረባ ምስ ተዛረበ: እቲ ሃጸይ ካብቲ ኾፍ ዝበሎ ኣልዒሎም ናብ ኣኽላባት ከም ዝድርብይዎ ገበረ። ካሊጉላ ድማ ዝቕተሉ ገበነኛታት ምስ ሰኣነ ኻብቶም ተዓዘብቲ ገሊኣቶም ናብ ኣራዊት ከም ዝድርበዩ ገበረ። ክላውዲዮስ እቲ ኣብ መድረኽ
ዝርከብ ማሽነሪ ከምቲ ዝሓሰቦ ስለ ዘይኰነሉ: ነቶም ዝሰርሕዎ ሰባት ኣብቲ መድረኽ ከም ዝቃለሱ ገበሮም።ናይቶም ተዓዘብቲ ሕሉፍ ድርቅና እውን ዕንወትን ናዕብን ኣስዒቡ ኢዩ። ኣብ ሰሜን ሮማ ዝርከብ ኣምፊትያትር ከም ዝዓነወን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኸም ዝሞቱን ይፍለጥ ኢዩ። ብ59 ከ.ኣ.ዘ. እውን ኣብ ፖምፐይ ናዕቢ ተላዒሉ ኢዩ። ታሲቱስ እቲ ኣብ መንጎ እቶም ደቂ እታ ኸተማን ካብታ ኣብ ጥቕኣ እትርከብ ከተማ ዝመጹ ደገፍትን እተላዕለ ግጭት ብምጽርራፍ ከም ዝጀመረ: ጸኒሑ ናብ ኣእማን ምድርባይ ከም እተቐየረ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብኣስያፍ ብምቅትታል ከም እተዛዘመ ገሊጹ ኣሎ። ሓያሎ ሰባት ኣካለ-ጐደሎ ዀይኖም ወይ ቈሲሎም: ብዙሓት ከኣ ተቐቲሎም ኢዮም።
ንጹር ትምህርቲ
ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ኮለስየም ምስቲ ናይ ጥንቲ ሙነራ ዝመሳሰል ምርኢት (ሳንጐ ኤ ኣሬና: “ደምን ሑጻን”) ተገይሩ ነይሩ። እቲ ዘገርም ከኣ እዚ ምርኢት እዚ ብኮምፕዩተር እተዳለወ ዀይኑ ሰብ ምስ ኣርሓ ብዕራይ ዝገብሮ ቃልሲ: መኸተ ጕስጢ: ኣብ ናይ ማኪና ወይ ሞተር ብሽክለታ ውድድር ዘጋጠመ ዘሰቅቕ ግጭት: ተጻወትቲ ኣብ መንጎ ጸወታታት ዝገበርዎ ባእሲ: ከምኡውን ተዓዘብቲ ዘለዓዓልዎ ናዕቢ ዘርኢ ነበረ። እቲ ምርኢት ንኮለስየም ካብ ላዕሊ ብምርኣይ ኢዩ ዝዛዘም። እቶም በጻሕቲ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ዝበጽሑ ይመስለካ፧ ክንደይ ዝዀኑ ኢዮም ካብዚ ትምህርቲ ዝወስዱ፧
ሎሚውን ኣብ መንጎ ኣኽላባት: ኩክናያት: ኣራሑ ዝግበር ቃልስን እተፈላለየ ዘሰቅቕ ስፖርትን ኣብ ገሊኡ ሃገራት ልሙድ ኢዩ። ንብዙሓት ሰባት ንምዝንጋዕ ተባሂሉ ዝግበር ቅድድም ማኪና ዀነ ሞተር ብሽክለታታት ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኢዩ። ኣብ መዓልታዊ መደብ ፈነወ ተለቪዥን ዝርአ እውን ሕስብ እሞ ኣብሎ። ኣብ ሓንቲ ምዕራባዊት ሃገር እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ ሓደ ብመጠኑ ቲቪ ዝርኢ ቘልዓ ክሳዕ ወዲ 10 ዓመት ዝኸውን ብገምጋም 10,000 ቕትለታትን 100,000 ዓመጽን ከም ዝርኢ ይገልጽ።
ኣብ ሳልሳይ ዘመን ዝነበረ ተርቱልያን ዝበሃል ጸሓፊ: እቶም ተዓዘብቲ ዝረኽብዎ ባህታ “ምስ ናይ ሓቂ ሃይማኖትን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ልቢ ምስ ምእዛዝን ከም ዘይቃዶ” ገለጸ። እቶም ኣብቲ ቦታ እተረኽቡ ምስቶም ቀተልቲ ኸም እተሓባበሩ ገይሩ ገለጾም። ሎሚኸ ኻብዚ እተፈልየ ድዩ፧ ሓደ ሰብ ‘ደም: ቅትለት: ወይ ዓመጽ ብዘለዎ ኣብ ተለቪዥን ወይ ኢንተርነት ብዝቐርብ ምርኢት እዘናጋዕ ድየ፧’ ኢሉ ንርእሱ ኽሓትት ይኽእል ኢዩ። መዝሙር 11:5 “እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ: ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም” ከም እትብል ክንርስዕ ኣይግባእን።
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን]
“ምዉታት ንኸይቝጥዑ” ዝግበር ቃልስታት
እቲ ኣብ ሳልሳይ ዘመን ዝነበረ ተርቱልያን ዝበሃል ጸሓፊ ብዛዕባ መበቈል ናይቲ ኣብ መድረኽ ዝግበር ዝነበረ ቓልስታት ከምዚ በለ:- “እቶም ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት ነዚ ቓልስታት እዚ ዘሰቅቕ ዓይነት ጭካነ ዘለዎ ገይሮም ብምቕራብ ነቶም ምዉታት መስዋእቲ ዘቕረቡ ይመስሎም ነይሩ። ኣብ ግዜ ጥንቲ: ነፍሳት ምዉታት ብደም ወድሰብ ይተዓረቓ ኢየን ዝብል እምነት ስለ ዝነበረ: ኣብ ቀብሪ ንምሩኻት ወይ ንዝዓደግዎም ድኹማት ባሮት ይስውእዎም ነበሩ። ድሕሪኡ ነዚ ጭካነኦም ብመዘናግዒ ጌርካ ምሽፋኑ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮም። ስለዚ ነቶም ዝውንንዎም ሰባት በቲ ዘለዎም ኣጽዋር ገይሮም ብሉጽ ስልጠና ድሕሪ ምሃብ—እቲ ስልጠና ኸኣ ከመይ ጌርካ ከም እትቕተል ንምምሃር ኢዩ ነይሩ—ኣብቲ ቘጸራ እተገብረሉ መዓልቲ ቐብሪ ኣብ መቓብራት ይቐትልዎም ነበሩ። በዚ ኸምዚ ሰብ ብምቕታል ይጸናንዑ። እዚ ኢዩ መበቈል ናይ ሙኑስ። ድሕሪ ግዜ ግን እቲ ጭካነ ማዕረ ባህሊ ምዕባለ ገበረ፣ ኣብ ግዜ በዓላት ሓደ ሕሱም ኣራዊት ንኣካላት ወድሰብ እንተ ዘይመናጪትዎ ሓደ ነገር ዝጐደለ ዀይኑ ኽስምዖም ጀመረ። እቲ ምዉታት ንኸይቝጥዑ ዝግበር ነገራት ከም ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ጌርካ ኢዩ ዝቝጸር ነይሩ።”
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ጥንታዎት ተቓለስቲ ዝወድይዎ ዝነበሩ ቝራዕ ርእስን ድርዒ በራቒቶን
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ጥንታዎት ክርስትያናት ዓመጽ ዝመልኦ መዘናግዒታት ጌጋ ኸም ዝዀነ ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ። ንስኻኸ፧
[ምንጪ ስእሊ]
Boxing: Dave Kingdon/Index Stock Photography; car crash: AP Photo/Martin Seppala
[ምንጪ ስእሊ]
Phoenix Art Museum, Arizona/Bridgeman Art Library