ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸገማት ደቅሰብ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ከኽትም ኢዩ!

ጸገማት ደቅሰብ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ከኽትም ኢዩ!

ጸገማት ደቅሰብ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ከኽትም ኢዩ!

 “ናይ ግብረ⁠-​ሰናይ ተግባራት ምስቲ ቐንዲ ጠንቅታት ግጭት ንምፍታሕ ዝግበር ዓበይቲ መደባት እንተ ዘይተጠርኒፉን ፓለቲካዊ ደገፍ ከኣ እንተ ዘይረኺቡን እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ብዙሕ ጥቕሚ ኣይህልዎን ኢዩ። ብፍላይ ነቲ ብመሰረቱ ምስ ፖለቲካ እተተሓሓዘ ጸገማት ናይ ግብረ⁠-​ሰናይ ተግባር በይኑ ኽፈትሖ ኸም ዘይክእል ብተደጋጋሚ ተራእዩ ኢዩ።”​—⁠ዘ ስቴት ኦቭ ዘ ዎርልድስ ረፍዩጅስ 2000

ማሕበራት ግብረ⁠-​ሰናይ ዓብዪ ደገፍ ይገብራ እኳ እንተለዋ: ጸገማት ደቅሰብ እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ፖለቲካ ንሓዋሩ ዝኸውን መፍትሒ ከምጽእ ይኽእል ድዩ፧ ከም ሓቂ እንተደኣ ዀይኑ ብዙሕ ተስፋ ዝግበረሉ ኣይኰነን። ስለዚ ኻበይ ደኣ ኢና መፍትሒ ኽንጽበ እንኽእል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መእተዊ ናይታ ኣብ ኤፌሶን ንዝነበሩ ክርስትያናት ዝጸሓፋ መልእኽቱ: ኣምላኽ ንዅሉ ጸገማት ደቅሰብ ብኸመይ መወዳእታ ኸም ዝገብረሉ ገሊጹ ኢዩ። ነዚ ብመን ገይሩ ኸም ዝፍጽሞ እውን ከይተረፈ ሓቢሩ ኢዩ። እቲ ዝጥቀመሉ ኣካል ድማ ንዅሉ እቲ ሎሚ ዘሸግረና ዘሎ ጸገማት ካብ ሱሩ ኽምሕዎ ኢዩ። ነቲ ጳውሎስ ዝበሎ ስለምንታይ ዘይትምርምሮ፧ እቲ ሓሳባት ከኣ ኣብ ኤፌሶን 1:⁠3-10 ይርከብ።

“ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለል”

ዕላማ ኣምላኽ “ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ [ወይ ምምሕዳር]” ከቕውም ምዃኑ ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ። እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ኣምላኽ “ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን: ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለል” ግዜ መዲቡ ኣሎ ማለት ኢዩ። (ኤፌሶን 1:10) እወ: ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ንምግባር ሓደ ምድላው ገይሩ ኣሎ። ጀይ. ኤች. ታየር እተባህለ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ነዛ ኣብዚ “ምእንቲ ኺጥቕለል” ተባሂላ ዘላ ሓረግ ክገልጻ ከሎ ኸምዚ ይብል:- “ንዅሉ ነገራትን ፍጡርን (ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ብሓጢኣት ተፈልዩ ዝነበረ) ኣብ ክርስቶስ ብሓደ ከም ዝጥርነፍ ብምግባር . . . ኣብ ገዛእ ርእሱ ጠቕሊልዎ ኢዩ።”

እዚ ድማ ኣምላኽ ነቲ ኣብ መጀመርታ እተፈጥረ ምፍልላይ ኣብ ግምት ብምእታው ምድላዋት ክገብር ከም ዘድለዮ ዝሕብር ኢዩ። ኣብ መፈለምታ ታሪኽ ወድሰብ እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና: ኣዳምን ሄዋንን: ምስ ሰይጣን ድያብሎስ ብምሕባር ካብ ኣምላኽ ዓልዮም ኢዮም። ጽቡቕን ክፉእን ባዕሎም ክውስኑ ብምምራጽ ካብ ኣምላኽ ከይተጸበዩ ብገዛእ ርእሶም ክሓድሩ ደለዩ። (ዘፍጥረት 3:⁠1-5) ኣምላኽ ከኣ ምስ ፍትሑ ብምስምማዕ ካብ ስድራ​ቤቱ ሰጐጎም: ምስኡ ዝነበሮም ርክብ ድማ ኣጥፍኡ። ንዅሉ እቲ ሎሚ እነሕልፎ ዘሎና ሕማቕ ሳዕቤናት ዘምጽአ ዘይፍጽምና ኸኣ ኣመሓላለፉልና።​—⁠ሮሜ 5:⁠12

እከይ ንግዜኡ ተፈቕደ

ገለ ሰባት ‘ኣምላኽ ከም ድላዮም ክገብሩ ዘፍቀደሎም ስለምንታይ ኢዩ፧ ነቲ ዝለዓለ ሓይሉ ተጠቒሙ ፍቓዱ ክገብሩ ብምግዳድ ነዚ ሕጂ እነሕልፎ ዘሎና ጓህን ስቓይን ብኣጋኡ ዘይኣለዮ ስለምንታይ ኢዩ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። ከምዚ ኢልካ ኽትሓትት ንቡር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ንሓይሉ በዚ ኣገባብ እዚ እንተ ዝገልጾ ነይሩ እንታይ መርኣየ፧ ሓይሊ ስለ ዘለዎ ጥራይ ንዝቃወሞ ዘበለ ዅሉ ብምድርዓም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ከም ዝኸውን ዝገብር ኣካል ኣይመጕሃየካንዶ፧ ብርግጽ መጕሃየካ።

እዞም ዓለወኛታት እዚኣቶም ኣምላኽ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ሓያል ምዃኑ ኣይተቓወምዎን። ብድሆ ዘቕረብሉ ብፍላይ ነቲ ንምግዛእ ዘለዎ መሰልን ኣገባብ ኣገዛዝኣኡን ኢዮም። የሆዋ ነቲ እተላዕለ መሰረታዊ ብድሆታት ሓንሳእን ንሓዋሩን ከም ዝድቅስ ንምግባር ኢሉ ንፍጡራቱ ካብ ቍጽጽሩ ወጻኢ ዀይኖም ንእተወሰነ ግዜ ብገዛእ ርእሶም ክመሓደሩ ፈቐደሎም። (መክብብ 3:⁠1፣ ሉቃስ 21:⁠24) እቲ ግዜ እቲ ምስ ኣብቅዐ ንምድሪ እንደገና ምሉእ ብምሉእ ንኽቈጻጸራ ኢዱ ኸእቱ ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ: ንተቐማጦ ምድሪ ዘለኣለማዊ ሰላምን ሓጐስን ብልጽግናን ከምጽእ ዝኽእል ኣገዛዝኣ ናይ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ኣሉ ዘይበሃለሉ ዀይኑ ክርከብ ኢዩ። ኵሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ጨቈንቲ ድማ ንዘለኣለም ከልግሱ ኢዮም።​—⁠መዝሙር 72:⁠12⁠-​14፣ ዳንኤል 2:⁠44

“ቅድሚ ምስራት ዓለም”

የሆዋ ነዚ ዅሉ ነገራት ክፍጽም ዕላማ ዝገበረ ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሙ ኢዩ። ጳውሎስ “ቅድሚ ምስራት ዓለም ” ብምባል ኢዩ ጠቒስዎ። (ኤፌሶን 1:⁠4, 5) እዚ ግን ምድሪ ወይ ኣዳምን ሄዋንን ቅድሚ ምፍጣሮም ማለት ኣይኰነን። እታ ዓለም እቲኣ “ብዙሕ ጽቡቕ” ኢዩ ተባሂሉላ: ዕልወት ከኣ ኣይጀመረን ነይሩ። (ዘፍጥረት 1:⁠31) ስለዚ እምበኣር ሃዋርያ ጳውሎስ “ዓለም” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ ነታ ደቂ ኣዳምን ሄዋንን ዝሓቘፈት ዓለም​—⁠በጅነት ዘድልዮም ሓጢኣት ወይ ዘይፍጽምና ዝወረሱ ናይ ደቅሰብ ዓለም​—⁠ማለቱ ኢዩ። የሆዋ ኣዳምን ሄዋንን ውሉድ ቅድሚ ምውላዶም: ነቶም በጅነት ዘድልዮም ዘርኢ ኣዳም ብኸመይ ራህዋ ከም ዘምጽኣሎም ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 8:⁠20

እዚ ኽበሃል ከሎ ግን እቲ ሉዓላዊ ገዛኢ ኣድማስ: ከመሓድር ከሎ ከምቲ ደቅሰብ ዝጥቀምሉ ኣገባብ ኢዩ ዝጥቀም ማለት ኣይኰነን። ደቅሰብ ዘይተሓስበ ዅነታት ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ስለ ዝግንዘቡ ነዚ ንኽዋጽእሉ ዝሕግዞም እተፈላለየ ዝርዝር መደባት የውጽኡ ኢዮም። እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ግን ዕላማ ይገብር ይፍጽሞ ድማ። ይኹን እምበር: የሆዋ ንደቅ​ሰብ ንሓዋሩ ዝኸውን ራህዋ ምእንቲ ኸምጽኣሎም ጸገማቶም ክፈትሕ ብኸመይ ከም ዝወሰነ ጳውሎስ ገሊጹ ኢዩ። እዚ መለክዒታት እዚ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

መን ኢዩ ራህዋ ዘምጽእ፧

እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ: ነቲ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳም ዝመጸ ጕድኣት ንምዕራይ ፍሉይ ግደ ከም ዘለዎም ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ። ምስ የሱስ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቱ ምእንቲ ኽገዝኡ የሆዋ ‘ብኡኡ [ብክርስቶስ ] ከም ዝሓረዮም ’ ድሕሪ ምግላጹ “ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና” በለ። (ኤፌሶን 1:5) የሆዋ ከም ውልቀ⁠-​ሰባት መጠን ከም ዘይሓረዮም ወይ ከም ዘይመደቦም ፍሉጥ ኢዩ። ይኹን እምበር: ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ነቲ ሰይጣን ድያብሎስ ምስ ኣዳምን ሄዋንን ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ዓሌት ወድሰብ ዘውረዶ ጕድኣት ዘዐርዩ እሙናትን ውፉያትን ዝዀኑ ሰባት ብጕጅለ ደረጃ መዲብዎም ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 12:⁠32፣ እብራውያን 2:⁠14-18

እዝስ ኣየ ኽንደይ ዘደንቕ ኰን ኢዩ! ሰይጣን ኣብቲ ብዛዕባ ሉዓላውነት ኣምላኽ ዘልዓሎ ናይ መጀመርታ ብድሆኡ: እቶም ፍጥረት ኣምላኽ ዝዀኑ ደቅሰብ መንቅብ ከም ዘለዎም: ስደት እንተደኣ ወሪድዎም ወይ መስድዒ እንተደኣ ተገይሩሎም ከኣ ዅሎም ካብ ግዝኣት ኣምላኽ ክዓልዉ ከም ዝኽእሉ ኢዩ ዝእምት ነይሩ። (እዮብ 1:⁠7-12፣ 2:2-5) የሆዋ ኣምላኽ ግዜኡ ሓልዩ ብ“ኽብሪ ጸጋኡ” ብዘደንቕ መገዲ ንገለ ኻብቶም ሓጢኣት ዝወረሱ ዘርኢ ኣዳም መንፈሳውያን ደቁ ክዀኑ ውልድነት ብምሃብ ኣብ ምድራውያን ፍጡራቱ ዘለዎ እምንቶ ኣርእዩ ኢዩ። እቶም ኣባላት እዛ ንእሽቶ ጕጅለ ኸኣ ኣብ ሰማይ ከገልግሉ ክውሰዱ ኢዮም። ንምንታይ ዕላማ፧​—⁠ኤፌሶን 1:3-6፣ ዮሃንስ 14:2, 3፣ 1 ተሰሎንቄ 4:15-17፣ 1 ጴጥሮስ 1:3, 4

ሃዋርያ ጳውሎስ: እዞም ውልድነት ዝረኸቡ ደቂ ኣምላኽ “ንክርስቶስ” ኣብታ ሰማያዊት መንግስቱ “መዋርስቱ” ምዃኖም ገሊጹ ኣሎ። (ሮሜ 8:⁠14-17) ነገስታትን ካህናትን ብምዃን ንሰብኣዊ ስድራ​ቤት ካብቲ ሎሚ ዘሕልፎ ዘሎ ጓህን ስቓይን ሓራ ኸውጽእዎ ኢዮም። (ራእይ 5:⁠10) “ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን” ፍሉጥ ኢዩ። ይኹን እምበር: ድሕሪ ሓጺር እዋን እዞም ብኣምላኽ እተመርጹ ፍሉያት ደቂ ኣምላኽ ምስ የሱስ ክርስቶስ ሓቢሮም ስጕምቲ ኽወስዱ ኢዮም: ኵሎም እዙዛት ደቅሰብ ከኣ ‘ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኽወጹ ኢዮም።’​—⁠ሮሜ 8:18-22

ብበጅነት እተረኽበ “ምድሓን”

እዚ ዅሉ ኽርከብ እተኻእለ በቲ ኣምላኽ ነዛ ንደቅ​ሰብ እተመልክት ዓለም ዘርኣዮ ዘገርም መግለጺ ጸጋኡ ኢዩ። እዚ ጸጋ እዚ ድማ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብእኡ [ብየሱስ ክርስቶስ ] ብደሙ ምድሓን: ማለት፤ ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ ሕድገት ሓጢኣት አሎና።”​—⁠ኤፌሶን 1:⁠7

ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ቀዳማይ ቦታ ዘለዎ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። (እብራውያን 2:⁠10) የሆዋ ሕግታቱን መሰረታዊ ስርዓታቱን ከይለወጠ በቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ሕጋዊ መሰረት ኣንቢሩ ኢዩ። በዚ መሰረት ከኣ ንገለ ኻብ ዘርኢ ኣዳም ውልድነት ብምሃብ ኣባላት ሰማያዊ ስድራ​ቤቱ ገበሮም: ንደቅ​ሰብ ብሓፈሻ ኸኣ ካብቲ ሓጢኣት ኣዳም ዘመጽኦ ሳዕቤን ሓራ ኣውጽኦም። (ማቴዎስ 20:⁠28፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:⁠6) የሆዋ ንዅሉ ነገራት ምስ ጽድቁን ምስቲ ፍጹም ፍትሑን ተሰማሚዑ ኢዩ ገይርዎ።​—⁠ሮሜ 3:⁠22-26

“ምስጢር” ኣምላኽ

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ብኸመይ ከም ዝፍጽሞ ንኣሽሓት ዓመታት ዝኣክል ኣነጺሩ ከይገለጾ ጸንሐ። ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ግን ንክርስትያናት ‘ምስጢር ፍቓዱ ኣፍሊጥዎም ’ ኢዩ። (ኤፌሶን 1:⁠9) ጳውሎስን እቶም ብጾቱ ቅቡኣት ክርስትያናትን: ነቲ ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ንየሱስ ክርስቶስ እተዋህቦ ዓብዪ ግደ ኣነጺሮም ተረዲኦምዎ ኢዮም። ነቲ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ የሱስ ክርስቶስ መዋርስቱ ክዀኑ እተዋህቦም ፍሉይ መሰል እውን ተገንዚቦምዎ ኢዮም። (ኤፌሶን 3:5, 6, 8-11) እወ: እታ ኣብ ኢድ የሱስ ክርስቶስን መጋዝእቱን ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ምድሪ እውን ከይተረፈ ዘለኣለማዊ ሰላም ንምምጻእ ኣምላኽ ዝጥቀመላ መሳርሒት ኢያ። (ማቴዎስ 6:⁠9, 10) የሆዋ ብኣኣ ኣቢሉ ነዛ ምድሪ እዚኣ ናብቲ ናይ መጀመርታ ዕላምኡ ኽመልሳ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 45:⁠18፣ 65:⁠21-23፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠21

ጭቈናን ምቕናን ፍትሕን ካብ ምድሪ ዘጥፍኣሉ ምዱብ ግዜ ቀሪቡ ኢዩ። ነዚ መስርሕ እዚ ግን ካብ ጴንጠቈስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ጀሚርዎ ኢዩ። ብኸመይ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ ነቲ “ኣብ ሰማይ ዘሎ ” ማለት ነቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያት ዝገዝኡ ክእክቦም ጀመረ። እዚኣቶም ነቶም ኣብ ኤፈሶን ዘለዉ ክርስትያናት ዘጠቓልሉ ኢዮም። (ኤፌሶን 2:⁠4-7) ኣብዚ ቐረባ እዋን ድማ ነቲ “ኣብ ምድሪ ዘሎ ” ነገራት ክእክብ ጸኒሑ ኢዩ። (ኤፌሶን 1:⁠10) በቲ ዓለምለኻዊ ናይ ስብከት ወፈራ ገይሩ ኸኣ ንዅሎም ኣህዛብ ብዛዕባ እታ ኣብ ኢድ የሱስ ክርስቶስ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ የፍልጦም ኣሎ። እቶም ዝቕበልዎ ናብቲ መንፈሳዊ ዕቝባን ፍወሳን ዝርከቦ ቦታ ይእከቡ ኣለዉ። (ዮሃንስ 10:⁠16) ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣብዛ ዝጸረየት ምድሪ ካብ ዝዀነ ይኹን ምቕናን ፍትሕን ስቓይን ምሉእ ናጽነት ረኺቦም ክነብሩ ኢዮም።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠13፣ ራእይ 11:⁠18

ብናይ ግብረ⁠-​ሰናይ ተግባር ነቶም እተጨቈኑ ደቅሰብ ንምሕጋዝ “ዘደንቕ ስጕምትታት ተገይሩ” ኢዩ። (ዘ ስተይት ኦቭ ዘ ዎርልድስ ቺልድረን 2000 ) እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዘደንቕ ስጕምቲ ግን ኣብዚ ቐረባ እዋን የሱስ ክርስቶስን መጋዝእቱን በታ ሰማያዊት መንግስቲ ዝወስድዎ ስጕምቲ ኢዩ። ንዅሉ ጠንቂ ግጭት ዝዀነ ነገራትን ዘጨንቐና እከይን ምሉእ ብምሉእ ክፈትሕዎ ኢዮም። ንዅሉ ጸገማት ደቅሰብ ከኣ መወዳእታ ኽገብርሉ ኢዮም።​—⁠ራእይ 21:⁠1-4

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ግብረ⁠-​ሰናይ ንሽግራት ደቅሰብ ኣይፈትሖን

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

በጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ ካብቲ ብኣዳም እተመሓላለፈ ሓጢኣት ራህዋ ክረኽቡ መገዲ ኸፊቱ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ እውን መንፈሳዊ ዕቝባን ፍወሳን ክርከብ ይከኣል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ድሕሪ ሓጺር ግዜ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ጸገማትና ምሉእ ብምሉእ ብምፍታሕ ዕረፍቲ ኸተምጽኣልና ኢያ