ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሃይማኖታዊ ስእሊ መበቈሉ ኻብ ጥንቲ ኢዩ

ሃይማኖታዊ ስእሊ መበቈሉ ኻብ ጥንቲ ኢዩ

ሃይማኖታዊ ስእሊ መበቈሉ ኻብ ጥንቲ ኢዩ

“ስእሊ ናብ . . . ኣምላኽን ናብ ቅዱሳኑን ከም እንቐርብ ዝገብረና መገዲ ኢዩ።”-ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ሰበኻ

 እዋኑ ወርሒ ነሓሰ ኢዩ ነይሩ: ኣብታ ኣብ ባሕሪ ኤጅያን እትርከብ ደሴት ጢኖስ ድማ ብርቱዕ ሃሩር ነበረ። እቲ ኣብታ ደሴት ናብ ዝርከብ ደብሪ “ቅድስቲ ወላዲት ኣምላኽ” ዝወስድ መደያይቦ እውን ካብታ ብርትዕቲ ጸሓይ መጽለሊ ኣይነበሮን። እቶም ልዕሊ 25,000 ዝዀኑ ንንግደት ዝመጹ ውፉያት ኣባላት ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ነዚ ብርቱዕ ሃሩር እዚ ተጻዊሮም ናብቲ ተሰላሊሙ ዝነበረ ስእሊ ወላዲት የሱስ ክበጽሑ ይጽዕሩ ነበሩ።

ሓንቲ እትሕንክስ ቈልዓ ኣብራኻ ደም ቲፍቲፍ እናበለ ተንፋሑኽ ነበረት። ጥቕኣ ኸኣ ሓንቲ ኻብ ርሑቕ ቦታ ዝመጸት ዓባይ ሰበይቲ ሰለይ እናበለት ትጐዓዝ ነበረት። ሓደ ሰብኣይ ከኣ እናረሃጸ ምስቲ ጽቕጥቅጥ ኢሉ ዝነበረ ህዝቢ ይደፋፋእ ነበረ። ዕላምኦም እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ስእሊ ማርያም ንምስዓምን ኣብ ቅድሚኣ ንምስጋድን ኢዩ።

እዞም ውፉያት ሃይማኖተኛታት እዚኣቶም ንኣምላኽ ንምምላኽ ዝብል ቅኑዕ ድሌት ከም ዝነበሮም ፍሉጥ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሃይማኖታዊ ስእሊ ካብ ክርስትና ነዊሕ ዘመናት ኣቐዲሙ ዝጀመረ ምዃኑ ዝግንዘቡ ኽንደይ ኢዮም፧

ምስፍሕፋሕ ሃይማኖታዊ ስእሊ

ኦርቶዶክስ ኣብ ዘላቶ ሃገራት ሃይማኖታዊ ስእሊ ኣብ ፍቖድኡ ኢዩ ዝርከብ። ኣብ ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት ስእሊ የሱስ: ስእሊ ማርያም: ስእሊ ሓያሎ ካልኦት “ቅዱሳን” ቀንዲ ቦታ ኢዩ ዘለዎ። ምእመናን ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስእሊ ብምስላም ከምኡውን ኣብ ዙርያኡ ዕጣን ብምዕጣንን ሽምዓ ወይ ጥዋፍ ብምውላዕን ኢዮም ዘኽብርዎ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ዳርጋ ዅሎም ኣባላት ኦርቶዶክስ ኣብ ኣባይቶም ስእሊ ብምስቃል ይጽልዩ ኢዮም። መብዛሕትኦም ምእመናን ኦርቶዶክስ ንሓደ ስእሊ ኣብ ዘምልኽሉ ግዜ ናብ ኣምላኽ ዝቐረቡ ዀይኑ ከም ዝስ​ምዖም ኢዮም ዝገልጹ። እቲ ስእሊ መለኮታዊ ጸጋን ትእምርቲ ናይ ምፍጻም ሓይልን ከም ዘለዎ ኢዮም ዝኣምንሉ።

እዞም ኣመንቲ እዚኣቶም: ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ኣምልኾኦም ስእልን ምስልን ይጥቀሙ ከም ዘይነበሩ ምስ ዝግንዘቡ ከይተገረሙ ኣይተርፉን ኢዮም። እታ ባይዛንትዩም እትበሃል መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ኣይሁዳውያን ንጣኦታት ናይ ምጽላእ ባህሪ ስለ ዘለዎም: ቀዳሞት ክርስትያናት ነዚ ባህሪ እዚ ብምውራስ ንቕዱሳን ሰባት ዝውክል ስእሊ ይፍንፍንዎ ኢዮም ነይሮም።” እታ መጽሓፍ ቀጺላ ኸምዚ ትብል:- “ካብ ሓሙሻይ ዘመን ንነጀው . . . ስእሊ ወይ ምስሊ ኣብ ብሕታውን ህዝባውን ኣምልኾ እናኣስፋሕፍሐ ኸደ።” መበቈሉ ኻብ ቀዳማይ ዘመን ክርስትና እንተደኣ ዘይኰይኑ ካበይ ደኣ ኢዩ መጺኡ፧

መበቈል ሃይማኖታዊ ስእሊ

ቪታሊጅ ኢቫኖቪች ፔትሬንኮ እተባህለ ተመራማሪ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ምስልን ልምድታቱን ካብ ቅድሚ ክርስትና ነዊሕ ዘመናት ኣቐዲሙ ኢዩ ጀሚሩ: ‘መበቈሉ ኸኣ ካብ ኣረማውነት’ ኢዩ።” እተን ኣብ ባቢሎንን ግብጽን ግሪኽን ዝነበራ ጥንታዎት ሃይማኖታት ስእሊ የምልኻ ከም ዝነበራ ብዙሓት ጸሓፍቲ ታሪኽ ዝሰማምዕሉ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ቅሩጽ ምስልታት ይጥቀሙ ነበሩ። ሓይሊ ኣምላኽ ከም ዘለዎ ጌርካ ኸኣ ይውሰድ ነበረ። ሰባት ገሊኡ ምስልታት ብኢድ ሰብ እተገብረ ዘይኰነስ ካብ ሰማይ ከም ዝወረደ ገይሮም ኢዮም ዝሓስብዎ ነይሮም። ኣብ ግዜ ፍሉይ በዓላት ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ሃይማኖታዊ ዑደት ክግበር ከሎ ነዚ ምስልታት እዚ ይማልእዎ ነበሩ: መስዋእቲ ኸኣ የቕርብሉ ነበሩ። ፔትሬንኮ ኸምዚ በለ:- “ኣብ መንጎ ኣምላኽን ምስሉን ፍልልይ ከም ዘሎ ንምንጻር ጻዕሪ ይግበር እኳ እንተ ነበረ: እቶም ሃይማኖታውያን ነቲ ምስሊ ከም ኣምላኽ ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ ነይሮም።”

እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባን ልምድታትን ናብ ክርስትያናት ሰሊኹ ዝኣተወ ብኸመይ ኢዩ፧ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ተመራማሪ: ኣብቲ ደድሕሪ ሞት ሃዋርያት ክርስቶስ ዝነበረ ዘመናት ብፍላይ ኣብ ግብጺ ዝነበረ ዅነታት ክገልጽ ከሎ ከምዚ በለ:- “እምነት ክርስትና በቲ ‘ምስ ኣረማውነት እተሓናፈጸ እምነታት’ ተኸቢቡ ነበረ። እዚ ምስ ኣረማውነት እተሓናፈጸ እምነታት ድማ ምስቲ ናይ ክርስትና እምነትን ልምድታትን ማዕረ ማዕረ ዝኽበር ዝነበረ ናይ ግብጻውያን ግሪኻውያን ኣይሁድን ከምኡውን ናይ ምብራቓውያን ሃገራትን ሮማውያንን ልምድታትን እምነታትን ኢዩ።” ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ “እቶም ኣብ ክርስትና ዘለዉ ኽኢላታት [እተሓናፈጸ እምነት] ብምትእትታው ንኣረማዊ ምልክታት ምስ ክርስትና ኣተሓሒዞም ክጥቀምሉ ጀመሩ። እዚ ምልክታት እዚ ምስ ክርስትና ተሓዊሱ ሓድሽ ስም ብምሓዙ ጥራይ ካብ ናይ ኣረማውያን ጽልዋ ምሉእ ብምሉእ ናጻ ክኸውን ኣይከኣለን።”

ነዊሕ ከይጸንሐ ሃይማኖታዊ ስእሊ ብብሕቲ ይኹን ብህዝቢ ደረጃ ክምለኽ ጀመረ። ጸሓፍ ታሪኽ ዊል ዱራንት ኣብታ ዘ ኤጅስ ኦቭ ፈይዝ እትበሃል መጽሓፉ ብዛዕባ ኣመጻጽኣኡ ኸምዚ ብምባል ገለጸ:- “ቍጽሪ ናይቶም ዝምለኹ ቅዱሳን እናበዝሐ ብዝኸደ መጠን: መዘከርታ ክግበረሎም ጀመረ፣ ሓያሎ ናይዞም ቅዱሳንን ናይ ማርያምን ስእልታት ከኣ ተዘርግሐ። ብዛዕባ ክርስቶስ ከኣ መልክዑ ጥራይ ዘይኰነስ መስቀሉ እውን ከይተረፈ ክስገደሉ ጀመረ: አረ እቶም ገርህታትሲ መንፈሳዊ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ገይሮም ወሰድዎ። ሰባት ከኣ ብኣተሓሳስባኦም ነቲ ቅዱስ ስእልታትን ሓወልትታትን ናብ ኣምልኾ ቀይርዎ፣ ይሰግድሉ: ይሳለምዎ: ሽምዓን ዕጣንን ከኣ ይገብርሉ: ብዕንባባ ይስልምዎ: በቲ ስዉር ሓይሉ ተኣምራት ክገብረሎም ከኣ ይጽበይዎ ነበሩ። . . . ኣበው ቤተ⁠-​ክርስትያን ኰኑ ኣብ ዋዕላታት ዝወጸ መግለጺ: ምስልታት ንኣማልኽቲ ዘዘኻኽር ደኣ እምበር እቲ ምስልታት ንባዕሉ ኣማልኽቲ ከም ዘይኰነ ደጋጊሞም ይገልጹ እኳ እንተ ነበሩ እቶም ህዝቢ ግን ፍልልዩ ኣይግደስሉን ኢዮም ነይሮም።”

ሎሚ እውን እንተዀነ ሃይማኖታዊ ስእሊ ዝጥቀሙ ሓያሎ ሰባት እቲ ምስሊ ንኣምላኽ ንኸምልኽዎ ዝሕግዞም ነገር ከም ዝዀነ ደኣ እምበር ንዕኡ ከም ዘየምልኽዎ ኢዮም ዝገልጹ። ብዘይ​ብእኡ ኸኣ ንኣምላኽ ከምልኽዎ ከም ዘይክእሉ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዖም። ንስኻውን ከምኡ ይስምዓካ ይኸውን ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ከገድሰና ዘለዎ ሕቶ ግን ‘ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ከመይ ይስምዖ፧’ ዝብል ኢዩ። ንሓደ ስእሊ ናብ ኣምላኽ ከም ዘቕርበካ ጌርካ ምውሳዱ ከም ዘምለኽካዮ ክቝጸር ይኽእል ድዩ፧ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ልምድታት ስዉር ሓደጋ ይህልዎ ደዀን ይኸውን፧

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኣብ መንጎ ስእልን ምስልን እንታይ ፍልልይ ኢዩ ዘሎ፧

ምስሊ ልክዕ ከም ሓወልቲ እተቐርጸ ዀይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣምልኾ ናይ ሮማ ካቶሊክ ብብዝሒ ዝርአ ኢዩ። እቲ ንክርስቶስ: ንማርያም: “ንቕዱሳን:” ንመላእኽቲ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ንዘለዉ ሰባት ይኹን ተግባራት: ወይ ኣብ ታሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ንእተፈጸመ ነገራት ዝውክል ስእሊ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጸፊሕ ነገራት ብሕብሪ ዝሰኣል ኢዩ።

ብመሰረት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን “ስእሊ ቅዱሳን ከም ናይ ሓደ ተራ ሰብ መልክዕ ጌርካ ኣይኰነን ዝሰኣል።” ኣብ ርእሲ እዚ እውን እቲ ስእሊ “ሓይሊ ኣምላኽ ክህልዎ” ከም ዝኽእል ጌርካ ኢዩ ዝውሰድ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ሃይማኖታዊ ስእሊ ኣረማዊ መበቈል ኢዩ ዘለዎ

[ምንጪ ስእሊ]

© AFP/CORBIS