ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በቲ ዓለምለኻዊ ሕውነትና ተበራታዕኩ

በቲ ዓለምለኻዊ ሕውነትና ተበራታዕኩ

ታሪኽ ህይወት

በቲ ዓለምለኻዊ ሕውነትና ተበራታዕኩ

ቶምሶን ካንጋለ ዘዘንተዎ

ብ24 ሚያዝያ 1993 እቲ ኣብ ሉሳካ: ዛምብያ: እተሰርሐ 13 ህንጻታት ዘለዎ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክውፈ ኸሎ ኣብቲ ፕሮግራም ኽርከብ ተዓደምኩ። ብእግረይ ምዝዋር የጸግመኒ ስለ ዝነበረ: እታ ነቲ ዙረት እትመርሖ ዝነበረት ክርስትያን ሓብቲ “ጸጸኒሕካ ምእንቲ ኸተዕርፈሉ ኮፍ መበሊ እንተ ኣምጻእኩልካ ከመይ ይመስለካ፧” በለትኒ። ኣነ ኣፍሪቃዊ: ንሳ ግን ፈረንጂ እኳ እንተ ዀነት: እዚ ንዓኣ ዘገድስ ኣይነበረን። ልበይ ስለ እተተንከፍኩ: ኣመስገንክዋ። ሳላ ሕያውነታ ኸኣ ንዅሉ እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክዞሮ ኸኣልኩ።

 ኣብ ዘሕለፍክዎ ዓመታት ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት ንልበይ ተንኪፉኒ: ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክርስትያናዊ ሕብረት ከም ዘሎ እምነተይ ኣደልዲሉለይ: እታ ክርስቶስ መለለዪ ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ምዃና ዝገለጻ ፍቕሪ ኸም ዘላ እውን ንኽግንዘብ ኣኽኢሉኒ ኢዩ። (ዮሃንስ 13:⁠35፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠17) ብ1931 ምስዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ብኸመይ ከም እተላለኹ ኽነግረኩም፣ ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸኣ ኢዮም በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስሞም ክጽውዑ ኸም ዝደልዩ ብግህዶ ዝገለጹ።​—⁠ኢሳይያስ 43:⁠12

ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ኣገልግሎት

ሕዳር 1931 ወዲ 22 ዓመት ከለኹ ኣብ ኪትወ ነበርኩ። እዛ ኸተማ እዚኣ ኣብቲ ኮፐርበልት ዝበሃል ኣብ ሰሜናዊ ሮደዥያ (ሕጂ ዛምብያ) ዝርከብ ዞባ ኢያ ዘላ። ምሳይ ኵዕሶ እግሪ ዝጻወት ዝነበረ ዓርከይ ከኣ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣፋለጠኒ። ኣብ ገሊኡ ኣኼባታቶም ምስ ተኻፈልኩ: ናብቲ ኣብ ኬፕ ታውን: ደቡብ ኣፍሪቃ: ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ደብዳበ ብምጽሓፍ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጽንዕ እትሕግዝ ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ ዘርእስታ መጽሓፍ ክትለኣኸለይ ሓተትኩ። a እታ መጽሓፍ ብእንግሊዝኛ ኢያ ነይራ። ነዚ ቛንቋ እዚ ዘይመልኮ ስለ ዝነበርኩ ድማ: እታ መጽሓፍ ምርድኣ ኸበደትኒ።

እቲ ኻብ ቀላይ ባንግዊሉ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ገጹ ዳርጋ 240 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ዝርከብ ኮፐርበልት ዝበሃል ዝዓበኹሉ ኸባቢ: ካብ ካልእ ኣውራጃታት ዝመጹ ሰራሕተኛታት እተኣኻኸቡሉ ኢዩ ነይሩ። ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዑ ኣብኡ ይራኸቡ ነበሩ። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ኻብ ኪትወ ናብታ ኣብ ጥቓና እትርከብ ከተማ ንዶላ ገዓዝኩ: ኣብኡ ምስ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ክእከብ ጀመርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓለቓ ጋንታ ዅዕሶ እግሪ ፕሪንስ ኦቭ ዌልስ ነበርኩ። ኣብ ቤት ናይ ሓደ ኣካያዲ ስራሕ ኣፍሪካን ሌክስ ኮርፖረሽን ዝዀነ ፈረንጂ እውን እዓዪ ነበርኩ፣ እዚ ኩባንያ እዚ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ብዙሕ ደዃኵን ነበሮ።

ብዙሕ ትምህርቲ ስለ ዘይነበረኒ እተን ዝፈልጠን ዝነበርኩ ሒደት ቃላት እንግሊዝኛ ኻብቶም ወሃብቲ ስርሐይ ዝነበሩ ኣውሮጳውያን ኢየ ተማሂረየን። እንተዀነ ግን: ምህሮ ኽመሃር ስለ ዝደለኹ ኣብቲ ኣብ ፕለምትሪ: ደቡባዊ ሮደዥያ (ሕጂ ዚምባብወ) ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኽኣቱ ኣመልከትኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ ናብቲ ኣብ ኬፕ ታውን ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ካልኣይ ሳዕ ደብዳበ ጸሓፍኩ። እታ ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ እትበሃል መጽሓፍ ከም ዝበጽሓትንን ንየሆዋ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይነ ኸገልግሎ ኸም ዝደልን ሓበርክዎም።

ኣብቲ ዝመጸኒ መልሲ “ንየሆዋ ኸተገልግሎ ዘሎካ ባህጊ ዝነኣድ ኢዩ። ነዚ ጕዳይ ብጸሎት ክትሓስበሉ ነተባብዓካ: የሆዋ ብዛዕባ ሓቂ ዝሓሸ ምርዳእ ንኽህልወካ ኽሕግዘካ ኢዩ: እተገልግለሉ ቦታ ድማ ኸዳልወልካ ኢዩ” ዝብል ብምንባበይ ተደኒቐ ኢየ። ነታ ደብዳበ ደጋጊመ ኣንበብኩዋ: ንብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ እንታይ ከም ዝገብር ሓተትክዎም። ንሳቶም ድማ “ንየሆዋ ኸተገልግል ልባዊ ባህጊ እንተደኣ ሃልዩካ: ሰጋእ መጋእ ኣይትበል” በሉኒ።

ሰሙን መመላእታ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ጸለኹ: ኣብ መወዳእታኡ ዓለማዊ ትምህርተይ ገዲፈ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብሮ ዝነበርኩ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክደፍኣሉ ወሰንኩ። ንዓመታኡ ማለት ኣብ ጥሪ 1932 ህይወተይ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኹ ብማይ ጥምቀት ኣርኣኹ። ካብ ንዶላ ናብታ ኣብ ጥቓና እትርከብ ከተማ ሉዋንሻ ምስ ገዓዝኩ: ጃኔት ምስ እትበሃል ናይ የሆዋ ምስክር ተፋለጥኩ፣ ኣብ መስከረም 1934 ከኣ ተመርዓና። ንጃኔት ክምርዓዋ ኸለኹ: ድሮ ሓደ ወድን ሓንቲ ጓልን ነበርዋ።

ቀስ ብቐስ መንፈሳዊ ዕቤት ገበርኩ እሞ ብ1937 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርኩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ክኸውን ተመዘዝኩ። ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እናበጽሑ ብመንፈስ ዘበራትዑ ኣገልገልቲ ኢዮም።

ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ዝነበረ ስብከት

ኣብ ጥሪ 1938 ንሓደ ሶኮንትዊ ዝበሃል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽበጽሕዎ ደብዳበ ዝጸሓፈ ሓለቓ ሓንቲ ቝሸት ክበጽሖ ተለኣኽኩ። ናብቲ ንሱ ዝርከቦ ኸባቢ ንምኻድ ንሰለስተ መዓልትታት ብብሽክለታ ተጓዓዝኩ። መምጽእየይ ናብቲ ኣብ ኬፕ ታውን ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ደብዳበ ስለ ዝለኣኸ ምዃኑ ምስ ገለጽኩሉ: ብሓቂ ኢዩ ኣማስዩ።

ኣብታ ቝሸት ካብ ኣጕዶ ናብ ኣጕዶ እናኸድኩ ናብ ኢንሳካ (ባይቶ ዓዲ) ኽመጹ ዓደምክዎም። ምስ ተኣከቡ ነቶም ህዝቢ ዝርርብ ሃብኩዎም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ብዙሓት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩ። እቲ ናይታ ቝሸት ሓለቓን እቲ ጸሓፍን ናይተን ኣብቲ ኸባቢ ዝቘማ ጉባኤታት ናይ መጀመርታ ተዓዘብቲ ዀይኖም ተመዘዙ። ኣብዚ ግዜ እዚ ልዕሊ 50 ዝዀና ጉባኤታት ኣብዚ ሳምፍያ ዝበሃል ኣውራጃ ይርከባ ኣለዋ።

ካብ 1942 ክሳዕ 1947 ኣብ ከባቢ ቐላይ ባንግዊሉ ኣብ ዝርከብ ዞባ ኣገልጊለ ኢየ። ምስ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ዓሰርተ መዓልትታት እጸንሕ ነይረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ መንፈሳዊ ቐውዒ ዝካፈሉ ዓየይቲ ሒደት ስለ ዝነበሩ: ከምቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ: ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ” ኽብል ከሎ እተሰምዖ ኢዩ ዝስምዓና ነይሩ። (ማቴዎስ 9:⁠36-38) መገሻውን ቐሊል ኣይነበረን: ስለዚ ጃኔት መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ደቅና ኣብ ሉዋንሻ ኽትጸንሕ ከላ ኣነ ግን ንጉባኤታት እበጽሕ ነበርኩ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ክልተ ቘልዑ ወሊድና ነበርና: እቲ ሓደ ግን ወዲ ዓሰርተ ወርሒ ኸሎ ሞተ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሓት ማካይን ኣይነበራን: ብዙሕ ጽርግያታት እውን ኣይነበረን። ሓደ መዓልቲ ናይ ጃኔት ብሽክለታ ተወጢሐ 200 ኪሎ ሜትር ኣቢሉ ዝኸውን መገዲ ተጓዒዘ ኢየ። ሓድሓደ ግዜ ውሕጅ ክሰግር ከለኹ ብሽክለታይ ኣብ መንኵበይ ጸይረ: በቲ ሓደ ኢደይ ነታ ብሽክለታ እሕዛ: በቲ ኻልኣይ ከኣ እናሓንበስኩ እሰግር ነበርኩ። ኣብቲ እዋን እቲ ድማ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ሉዋንሻ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓብዪ ወሰኽ ገበረ: ብ1946 ከኣ 1,850 ዝዀኑ ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ተኣኪቦም ነይሮም።

ኣብ ዕዮና ምጽራር ኣጋጠመና

ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን: ሓደ ግዜ እቲ ናይቲ ኣውራጃ በዓል⁠-​መዚ ጸውዓኒ እሞ “ጽሑፋት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ስለ እተኣገደ: በዛ ማሕበር ኣዚኣ እተሓትመ መጻሕፍቲ ምጥቃም ከተቋርጽ ኣሎካ። ንስራሕካ ዘድልየካ ካልእ መጻሕፍቲ ባዕልኻ ንኽትጽሕፍ ግን ዘድልየካ ናውቲ ኽህበካ ፍቓደኛ ኢየ” በለኒ።

ኣነ ድማ “በቲ ዘሎኒ ጽሑፋት ዕጉብ ስለ ዝዀንኩ: ካልእ ኣይደልን ኢየ” በልክዎ።

“ስማዕ ንኣመሪካውያን ኣጸቢቕካ ኣይትፈልጦምን ኢኻ። ከታልሉኻ ኢዮም” በለኒ (ኣብቲ ግዜ እቲ ጽሑፋትና ኣብ ሕቡራት መንግስታ ኣመሪካ ኢዩ ዝሕተም ነይሩ)።

“ብጾተይ ከምኡ ኣይገብሩን ኢዮም” በልክዎ።

ድሕሪኡ “ንጉባኤታትኩም ከምቲ ኻልኦት ሃይማኖታት ዝገብራኦ ዘለዋ ነዚ ውግእ ዝኸውን ገንዘብ ክውፍያ ኸተተባብዕ ትኽእልዶ፧” ኢሉ ሓተተኒ።

“እዚ ንናይ መንግስቲ ልኡኻት እተመደበ ስራሕ ኢዩ” ኢለ መለስኩሉ።

“ንምንታይ ናብ ቤትካ ኼድካ ዘይትሓስበሉ፧” በለኒ።

“ኣብ ዘጸኣት 20:⁠13 ከምኡውን 2 ጢሞቴዎስ 2:⁠24 መጽሓፍ ቅዱስ ከይንቐትልን ከይንበኣስን ኣዚዙና ኢዩ” በልክዎ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ክኸይድ እኳ እንተ ሓደገኒ: ጸኒሑ ግን ናብታ ሽዑ ፎርት ሮዝበሪ ሕጂ ኸኣ ማንሳ እትበሃል ከተማ ኽመጽእ ተጸዋዕኩ። “መንግስቲ ንመጻሕፍትኹም ከም ዘኣገዶ ኽሕብረካ ኢየ ጸዊዐካ” ኸኣ በለኒ።

“እወ። ብዛዕባዚ ሰሚዐ ነይረ” በልክዎ።

“እምበኣር ናብ ኵላተን ጉባኤታትኩም ኬድካ ነቶም ደቂ ሃይማኖትካ ነቲ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ከምጽኡለይ ንገሮም። ተረዲኡካዶ፧” በለኒ።

ኣነ ድማ “እዚ ስርሐይ ኣይኰነን። ናይ መንግስቲ ልኡኻት ክዓይዎ ዝግባእ ሓላፍነት ኢዩ” በልክዎ።

ብኣጋጣሚ ምርኻብና ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየ

ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ስብከትና ቐጸልና። ብ1947 ኣብታ ምዋንዛ እትበሃል ቍሸት እትርከብ ጉባኤ ዝገበርክዎ ምብጻሕ ምስ ወዳእኩ: ኣብቲ ኸባቢ እንዳ ሻሂ ዝርከብ እንተ ዀይኑ ሓተትኩ። ናብታ ሚስተር ንኮንዲ ዝውንና ቤት ሻሂ ክኸይድ ድማ ተሓበርኩ። ሚስተር ንኮንዲን በዓልቲ ቤቱን ብጽቡቕ ተቐበሉኒ። ኣነውን ሻሂ ኽሳዕ ዝሰቲ ንሚስተር ንኮንዲ ኣብታ “ለት ጎድ ቢ ትሩ ” እትበሃል መጽሓፍ እትርከብ “ሲኦል: ብተስፋ እትዓርፈሉ ቦታ” ዘርእስታ ምዕራፍ ከንብብ ሓተትክዎ።

ሻሂ ሰትየ ምስ ወዳእኩ “እሞኸ ሲኦል እንታይ ምዃኑ ተረዲኡካዶ፧” ኢለ ሓተትክዎ። በቲ ዘንበቦ ስለ እተደነቐ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመረ: ጸኒሑ ኸኣ ንሱን በዓልቲ ቤቱን ተጠምቁ። ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ እኳ እንተ ዘይቀጸለ: በዓልቲ ቤቱን ብዙሓት ደቁን ብተኣማንነት ጸኒዖም ኢዮም። ፒልኒ ዝበሃል ሓደ ኻብቶም ደቁ ድማ ኣብቲ ኣብ ዛምብያ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር የገልግል ኣሎ። ኣደ ፒልኒ ብዕድመ ኣጸቢቓ ዝደፍአት እኳ እንተዀነት: ክሳዕ ሕጂ ግን እምንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኢያ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝጸናሕኩሉ እዋን

እቲ ብ1948 ኣብ ሉሳካ እተመስረተ ኣብ ሰሜናዊ ሮደዥያ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትና: ናብ ታንጋኒካ (ሕጂ ታንዛንያ) ክኸይድ መደበኒ። ናብቲ ቦታ ንምኻድ በቲ ኣኽራን ዝበዝሖ ቦታ ብእግርና ኽንጐዓዝ ነበረና። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ድማ ንዓይን ንበዓልቲ ቤተይን ኣሰነየና። ሰለስተ መዓልቲ ዝወስድ ኣዝዩ ኣድካሚ ጕዕዞ ኢና ጌርና። ኣነ ነቲ መጻሕፍቲ: በዓልቲ ቤተይ ንኽዳውንትና: እቲ ዘሰነየና ሓው ድማ እንድቅሰሉ መንጸፍና ተሰኪምና ነበርና።

መጋቢት 1948 ኣብ ምበያ ምስ በጻሕና: ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣሕዋት ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታት ምሉእ ብምሉእ ተሰማሚዖም ምእንቲ ኽመላለሱ ብዙሕ ምትዕርራይ ንኽገብሩ ኽሕግዞም ነበረኒ። ቅድም ቐዳድም ኣብቲ ኸባቢ ‘ሰብ ግምቢ ዘብዐኛ’ ብዝብል ስም ኢና እንፍለጥ ነይርና። እቶም ኣሕዋት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስም እኳ እንተ ተቐበልዎ: ንህዝቢ ግን ኣየግሃድዎን። ብተወሳኺውን ገሊኣቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምዉታት ምስ ምኽባር ዝተሓሓዝ ገለ ልምድታት ክገድፍዎ ነበሮም። እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣጸጋሚ ኽብሎ ዝኽእል ግን ንመርዓኦም ብሕጋዊ መገዲ ምምዝጋብ ኢዩ ነይሩ፣ እዚ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኽቡራት ዝገብሮም ስጕምቲ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 13:⁠4

ጸኒሑ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ ኻልኦት ቦታታት: እንተላይ ኣብ ኡጋንዳ ናይ ምግልጋል ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኸብኩ። ኣብ ኢንተበን ካምፓላን ሽዱሽተ ሰሙናት ዝኸውን ጸናሕኩ: ንብዙሓት እውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኽፈልጡ ሓገዝኩ።

ናብ ከተማ ኒው ዮርክ ንኽኸይድ እተገብረለይ ዕድመ

ድሕርቲ ኣብ ኡጋንዳ ዝገበርክዎ ኣገልግሎት: ኣብ መጀመርታ 1956 ናብታ ዳሬ ሰላም እትበሃል ርእሰ ኸተማ ታንጋኒካ ኸድኩ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ኻብቲ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተላእከት ደብዳበ ጸንሐትኒ። ኣብቲ ኻብ 27 ሓምለ ክሳዕ 3 ነሓሰ 1958 ኣብ ኒው ዮርክ ዝግበር ኣህጉራዊ ኣኼባ ንኽካፈል ምድላው ክገብር እትገልጽ ነበረት። እንታይሞ ኽብለኩም: በዚ ኣዝየ ተሓጐስኩ።

እቲ ዝኸደሉ ግዜ ምስ በጽሐ: ኣነን ሉካ ምዋንጎ ዝበሃል ካልእ ገያሺ ተዓዛብን ካብ ንዶላ ናብታ ኣብ ደቡባዊ ሮደዥያ እትርከብ ሳሊስበሪ (ሕጂ ሃራረ): ካብኡ ኸኣ ናብ ናይሮቢ: ኬንያ: ብነፋሪት ከድና። ድሕሪኡ ናብ ለንደን: ዓዲ እንግሊዝ: ከድና እሞ ኣብኡውን ጽቡቕ ኣቀባብላ ተገብረልና። ኣብታ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተናላ ምሸት ክንድቅስ ከሎና: ሓጐስና ደረት ኣይነበሮን። ኣፍሪቃውያን ክነስና ብፈረንጂ ኸመይ ዝኣመሰለ ኣቀባብላ ኸም እተገብረልና ንዘራረብ ነበርና። በቲ ዘጋጠመና ተመክሮ ብዙሕ ተተባባዕና።

ኣብ መወዳእታ ናብታ እቲ ዓብዪ ኣኼባ ዝካየደላ ኸተማ ኒው ዮርክ በጻሕና። ኣብቲ ዓብዪ ኣኼባ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ሮደዥያ ዘሎ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጸብጻብ ሃብኩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጠቕላላ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ፖሎ ግራውንድስን ያንኪ ስታድዩምን ዝነበሩ ተኣከብቲ ዳርጋ 200,000 በጺሑ ነበረ። በታ ለይቲ እቲኣ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብክዎ ፍሉይ መሰል ክሓስብ ከይደቀስኩ ሓደርኩ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ግን እቲ ኣኼባ ተዛዘመ: ንሕና ኸኣ ናብ ዓድና ተመለስና። ናብ ዓድና ኽምንለስ ከሎና እውን: ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን እንደገና ፍቕራዊ እንግዶት ገይሮምልና ኢዮም። ኣብቲ መገሻና ዓሌት ኰነ ዜግነት ብዘየገድስ ህዝቢ የሆዋ ሓድነት ከም ዘለዎም ካብ ኣእምሮና ብዘይ​ጠፍእ መገዲ ተቐሪጹልና ኢዩ።

ቀጻሊ ኣገልግሎትን ፈተናታትን

ብ1967 ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ዀይነ ተመዘዝኩ፣ እዚ ማለት ከኣ ካብ ወረዳ ናብ ወረዳ እናኸድኩ ምግልጋል ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ዛምብያ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቍጽሮም ካብ 35,000 ንላዕሊ በጺሑ ነበረ። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ግን ጥዕና ስለ ዝሰኣንኩ ኣብ ኮፐርበልት እንደገና ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ተመደብኩ። ጃኔትውን ናይ ጥዕና ጸገም ኣጋጠማ እሞ ኣብ ታሕሳስ 1984 ንየሆዋ ብተኣማንነት እናገልገለት ሞተት።

ድሕሪ ሞታ እቶም ዘይኣመንቲ ኣዝማዳ ፈዊሰ ኸም ዝቐተልክዋ ገይሮም ምስ ከሰሱኒ ብዙሕ ኢየ ተጐዲአ። ገለ ኻብቶም ንሕማም ጃኔት ዝፈልጥዎን ምስቲ ዝከታተላ ዝነበረ ሓኪም እተዘራረቡን ሰባት ግን ነቶም ኣዝማዳ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣረድእዎም። ድሕሪኡ ኻልእ ፈተና መጸ። ገለ ኣዝማደይ ነቲ ኡኩፕያኒካ ዝበሃል ባህላዊ ተግባር ክፍጽም ደለዩኒ። ብመሰረት እዚ ልምዲ እዚ ናይ መርዓ ብጻይ ምስ ዝመውት እቲ ብህይወት ዘሎ ምስቲ ናይ ቀረባ ዘመድ ናይቲ ዝሞተ ሰብ ጾታዊ ርክብ ይፍጽም። እዚኳ ሕቶ ዘድልዮ ኣይነበረን: ኣበኽዎም።

ኣብ መወዳእታኡ እቲ ኻብ ኣዝማደይ ዝመጽእ ዝነበረ ጸቕጥታት ዝግ በለ። የሆዋ ተሪር ኣቕዋም ክህልወኒ ስለ ዘኽኣለኒ ኣዝየ ኢየ ዘመስግኖ። በዓልቲ ቤተይ ምስ ተቐብረት ድሕሪ ወርሒ ኣቢሉ: ሓደ ሓው መጸኒ እሞ “ሓው ካንጋለ: ሰበይትኻ ምስ ሞተት ካብቲ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ልምዲ ብሓንቲ እኳ ስለ ዘይተለማመጥካ ብዙሕ ምትብባዕ ኢኻ ዄንካና። ኣዚና ኢና እነመስግነካ” በለኒ።

ዘደንቕ ምህርቲ

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ኻብ ዝኸውን 65 ዓመታት ሓሊፉ ኢዩ። ኣብዘን ዓመታት እዚኣተን ኣብቲ ገያሺ ተዓዛቢ ዀይነ ዘገልገልኩሉ ቦታታት ብኣማእታት ዝቝጸራ ጉባኤታት ክቘማን ብዙሕ ኣደራሻት መንግስቲ ኽህነጽን ምርኣየይ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! እቶም ኣብ ዛምብያ ዘለዉ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ካብቲ ብ1943 ዝነበርዎ 2,800 ናብ ልዕሊ 122,000 በጺሖም ኣለዉ። ዓሚ ኣብዛ ኻብ 11 ሚልዮን ዝውሕድ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ልዕሊ 514,000 ዝዀኑ ሰባት ኣብ በዓል ዝኽሪ ተኣኪቦም ነይሮም።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት የሆዋ ንዓይ ጽቡቕ ገይሩ ተኸናኺኑኒ ኢዩ። ሓደ እዋን ሕክምና ምስ ኣድለየኒ: ሓደ ክርስትያን ሓው ናብ ሆስፒታል ወሰደኒ። ጉባኤታት ክሳዕ ሕጂ ህዝባዊ ዝርርብ ክህብ ይዕድማኒ ኢየን: እዚ ኸኣ ብዙሕ ኢዩ ዝሃንጸኒ። ክርስትያን ኣሓት በብተራ እናመጻ ቤተይ ከጽርያኦ ብጉባኤና ምድላው ተገይሩለይ ኢዩ: ኣሕዋት ከኣ ብፍታዎም ኣብ ሰሰሙን ናብ ኣኼባ ክኸይድ ከለኹ የሰንዩኒ ኢዮም። ንየሆዋ እንተ ዘየገልግሎ ነይረ: ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ ሓልዮት ከም ዘይረክብ እፈልጥ ኢየ። ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክሳዕ ሕጂ ይጥቀመለይ ምህላዉን ክሳዕ ሕጂ ብዙሕ ሓላፍነታት ተሰኪመ ምህላወይን አመስግኖ ኢየ።

ሕጂ ኣዒንተይ ደኺመን ኢየን: ናብ ኣኼባ ክኸይድ ከለኹ እውን ብተደጋጋሚ ኸዕርፍ እግደድ ኢየ። ኣብዚ ግዜ እዚ ቦርሳይ እውን ስለ ዝኸብደኒ: ኣብ ኣኼባ ዘየድልየኒ ጽሑፋት ብምንካይ አፍኵሶ ኢየ። ኣገልግሎተይ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ቤተይ ንዝመጹ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕ እተሓጽረ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ንዘሕለፍክዎ ዓመታት ምልስ ኢለ ኽርእዮ ኸለኹ እሞ ነቲ ዘደንቕ ወሰኽ ከስተንትነሉ ኸለኹ ኣዝየ ኢየ ዝሕጐስ! ኣብ ኢሳይያስ 60:⁠22 ዝርከብ ቃላት የሆዋ ዘደንቕ ፍጻሜ ኣብ ዝረኸበሉ ኸባቢ ኢየ ኣገልጊለ። ኣብኡ “እቲ ንእሽቶስ ሽሕ: እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ” ይብል። እወ: እዚ ኣብ ዛምብያ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መላእ ዓለም እውን ፍጻሜኡ ኽረክብ ከሎ ርእየዮ ኢየ። b

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወት ዀይና ሕጂ ግን ኣይትሕተምን ኢያ።

b ሓው ካንጋለ ብእርጋን ስለ ዝደኸመ: እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንሕትመት ክትዳሎ ኸላ ብተኣማንነት ሞይቱ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ቶምሶን ካንጋለ ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዛምብያ እተሳእሎ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ሕጂ ዘሎ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዛምብያ