ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ “ብመንፈስ” ኣምልኮ

ንኣምላኽ “ብመንፈስ” ኣምልኮ

ንኣምላኽ “ብመንፈስ” ኣምልኮ

“ንኣምላኽ ምስ መን ተማሳስልዎ፧ ምስ ኣየናይ መልክዕከ ኸተመዓራርይዎ ኢኹም፧”-ኢሳይያስ 40:18

 ንስኻውን ምናልባት ብስእሊ ኣቢልካ ንኣምላኽ ምምላኽ ቅቡል ከም ዝዀነ ጌርካ ትኣምን ትኸውን። ናብቲ ጸሎት ዝሰምዕ ዘይርአ ኣምላኽ ዘቕርበካ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን።

ይኹን እምበር: ናብ ኣምላኽ እንቐርበሉ መገዲ ባዕልና ኽንመርጽሲ ምሉእ ናጽነትዶ ኣሎና ኢዩ፧ ቅቡልን ዘይቅቡልን ነገር ክውስን ዘለዎ ኣምላኽ ባዕሉዶ ኣይኰነን፧ የሱስ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ​ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ብምባል ድሌት ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ገሊጽዎ ኣሎ። (ዮሃንስ 14:6) እዘን ቃላት የሱስ እዚኣተን ጥራይ እኳ ሃይማኖታዊ ስእሊ ይኹን ከም ቅዱስ ዝርአ ዝዀነ ይኹን ካልእ ነገራት ምዝውታር ቅቡል ከም ዘይኰነ ዝሕብራ ኢየን።

እወ: የሆዋ ኣምላኽ ዝቕበሎ ፍሉይ ዓይነት ኣምልኾ ኣሎ። እዚ ፍሉይ ኣምልኾ እዚ እንታይ ኢዩ፧ የሱስ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ከምዚ ብምባል ገሊጹ ኣሎ:- “ኣምላኽ መንፈስ እዩ: እቶም ዚሰግዱሉ [“ዘምልኽዎ:” NW ] ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግድሉ ይግብኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ: እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።”​—⁠ዮሃንስ 4:23, 24

ነዚ “መንፈስ” ዝዀነ ኣምላኽ ዝውክል ዝርአ ምስሊ ክህሉ ይኽእልዶ፧ ኣይክእልን ኢዩ። ሓደ ስእሊ ዝጸበቐ እንተ ጸበቐ ምስ ክብሪ ኣምላኽ ክመዓራረ ስለ ዘይክእል ክውክሎ ኣይክእልን ኢዩ። (ሮሜ 1:⁠22, 23) ስለዚ እምበኣር: ንኣምላኽ ሰብ ብዝሰኣሎ ስእሊ ምስ እንቐርቦ ‘ብሓቂ’ ንሰግደሉ ወይ ነምልኾ ኣሎና ክበሃል ይከኣልዶ፧

ንጹር ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ሕጊ ኣምላኽ ስእልን ምስልን ጌርና ከነምልኽ ኣይፈቕደልናን ኢዩ። ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት እታ ኻልአይቲ ኸምዚ ትብል:- “ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ: ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ: ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ: ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ።” (ዘጸኣት 20:4, 5) እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት እውን “ኻብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ” ዝብል ትእዛዝ ይህብ ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 10:⁠14

ሓያሎ ሰባት: ‘እቲ ንኣምልኾ እንጥቀመሉ ስእሊ ጣኦት ኣይኰነን’ ከም ዝብሉ ፍሉጥ ኢዩ። ንኣብነት ናይ ኦርቶዶክስ ክርስትያናት ነቲ ዝሰግድሉን ተምበርኪኾም ዝጽልይሉን ስእሊ ከም ዘየምልኽዎ ኢዮም ዝገልጹ። ሓደ ቐሺ ኦርቶዶክስ “ነቲ ስእሊ ክቡር ጌርና እንሕዞ: ቅዱስ ነገር ብምዃኑን ነቶም ዝውክሎም ቅዱሳን ከኣ ስለ እነኽብሮምን ኢዩ” በለ።

ይኹን እምበር: ‘ኣምላኽ ነቲ ንዕኡ ንምኽባር ተባሂሉ ብተዘዋዋሪ መገዲ ዝዝውተር ስእሊ ይሰምሮ ድዩ፧’ ዝብል ሕቶ ኣገዳሲ ኢዩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ዝድግፍ ሓሳብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይንረክብን ኢና። እስራኤላውያን ናብ የሆዋ ንምቕራብ ክሕግዞም ኢሎም ምስሊ ምራኽ ምስ ሰርሑ: ከም ዝኸሓድዎ ገይሩ ዀኒንዎም ኢዩ።​—⁠ዘጸኣት 32:⁠4-7

ስዉር ሓደጋ

ኣብ ኣምልኾ ስእልን ምስልን ምዝውታር ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ። ሰባት ዕላምኦም ስሒቶም ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ነቲ ስእሊ ከምልኹ ብቐሊሉ ክፍተኑ ይኽእሉ ኢዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ስእሊ ኣቓልቦኦም ስለ ዝስሕቦ ጣኦት ይኸውን ኣሎ ማለት ኢዩ።

እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ ግዜ እስራኤላውያን ብእተፈላለየ ነገራት ተራእዩ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ በረኻ ኣብ ዝጓዓዝሉ ዝነበሩ እዋን ሙሴ ካብ ኣስራዚ ተመን ሰርሐ። ኣብ ፈለማ እቲ ኣብ ባላ እተሰቕለ ተምሳል ተመን ንምሕዋይ ተባሂሉ ኢዩ ተገይሩ። እቶም ተመን ዝነኸሶም ሰባት ናብቲ ተመን ምስ ዝጥምቱ ሓገዝ ኣምላኽ ይረኽቡ ነበሩ። እቶም ህዝቢ ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ ግን እቲ ናይ ኣስራዚ ተመን ናይ ምሕዋይ ሓይሊ ከም ዘለዎ ገይሮም ብምውሳድ ነዚ ባላ እዚ ናብ ጣኦት ቀየርዎ። ዕጣን ዓጠንሉ “ነሑሽታን” ከኣ ተባህለ።​—⁠ዘሁልቍ 21:⁠8, 9፣ 2 ነገስት 18:⁠4

እስራኤላውያን: እቲ ታቦት ኪዳን ንባዕሉ ካብ ጸላእቶም ንምድሓን ክሕግዞም ዝኽእል ፍሉይ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ገይሮም እውን ክጥቀምሉ ፈቲኖም ኢዮም፣ ይኹን እምበር: ጥፍኣት ኢዩ ኣስዒቡሎም። (1 ሳሙኤል 4:⁠3, 4፣ 5:​11) ብግዜ ኤርምያስ ተቐማጦ የሩሳሌም ኣብ ክንዲ ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ናብታ ቤተ መቕደስ ከተኵሩ ጀመሩ።​—⁠ኤርምያስ 7:⁠12-15

ሎሚ እውን እንተዀነ ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ንነገራት ናይ ምምላኽ ዝንባለ ኣብ ብዙሓት ይርአ ኣሎ። ቪታሊጅ ኢቫኖቪች ፔትሬንኮ እተባህለ ተመራማሪ ኸምዚ በለ:- “ሃይማኖታዊ ስእሊ ይምለኽ ኢዩ: ከም ጣኦት ክውሰደሉ ዝኽእል ኣጋጣሚ ኸኣ ኣሎ። እዚ ምስ ስእሊ ምምላኽ እተተሓሓዘ እምነት ካብ ኣረማውነት ዝመጸ ምዃኑ ኣፍልጦ ኽወሃበሉ ይግባእ።” ብተመሳሳሊ: እቲ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ካህን ዲሜትርዮስ ኮንስታንቴሎስ ኣብታ ኣንደርስታንዲንግ ዘ ግሪክ ኦርቶዶክስ ቸርች እተባህለት መጽሓፉ “ሓደ ክርስትያን ሃይማኖታዊ ስእሊ ኽሳዕ እተጠቕመ ነቲ ስእሊ ኣምልኾ ምሃቡ ዘይተርፍ ኢዩ” በለ።

ስእሊ ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ደኣ ኢዩ ዝሕግዝ እምበር ኣይምለኽን ኢዩ ዝብል እምነት ኣዝዩ ዘተሓታትት ኢዩ። ስለምንታይ፧ ንኣብነት ሓደ ፍልይ ዝበለ ስእሊ ማርያም ወይ ስእሊ “ቕዱሳን” ካብቲ ብኻልእ መገዲ እተሳእለ ስእሊ ማርያም ወይ ስእሊ “ቕዱሳን” ዝያዳ ኽብሪ ኽዋሃቦ ዝግባእን ጠቓምን ጌርካ ዝርአ ምዃኑሲ ሓቂዶ ኣይኰነን፧ ንኣብነት ኣብ ጢኖስ: ግሪኽ: ንማርያም ዝውክል ስእሊ ዝሳለሙ ሰገ​ድትን ቈረብትን ኣባላት ኦርቶዶክስ ኣለዉ። ነዚኣቶም ምስቶም ኣብ ሰሜን ግሪኽ ዝነብሩ ሱሜላ ኣብ ዝበሃል ደብሪ ንዘሎ ስእሊ ማርያም ዝሳለሙ ካልኦት ሰገድትን ቈረብትን ኣባላት ከነነጻጽሮም ንኽእል ኢና። ክልቲኡ ስእሊ ነዊሕ ዓመታት ይገብር ኣብ ምድሪ ንዝነበረት ማርያም ዝውክል እኳ እንተዀነ ክልቲኦም ጕጅለታት ነናይ ገዛእ ርእሶም ስእሊ ክብ ኣቢሎም ብምርኣይ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ዝያዳ ተኣምራት ናይ ምፍጻም ሓይሊ ኣለዎ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ። ስለዚ ብግብሪ ኽርአ ኸሎ ሰባት ንገለ ዓይነት ስእሊ ፍሉይ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ገይሮም ብምውሳድ የምልኽዎ ኢዮም።

ናብ “ቅዱሳን” ወይ ማርያም ምጽላይከ ግቡእ ድዩ፧

ናብ ከም እኒ ማርያም ወይ “ቅዱሳን” ዝኣመሰሉ ውልቀ⁠-​ሰባት ብዛዕባ ምጽላይከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ የሱስ ነቲ ኻብ ሰይጣን ዝመጾ ፈተና ኽምልሰሉ ኸሎ ዘዳግም 6:⁠13 ጠቒሱ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ: ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ” በለ። (ማቴዎስ 4:10) ኣብ ካልእ ግዜ ኸኣ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ “ነቦ” ደኣ እምበር ንማንም ካልእ ከምልኹ ከም ዘይብሎም ገለጸ። (ዮሃንስ 4:⁠23) ሓደ መልኣኽ እውን ነዚ ስለ ዝፈልጥ ሃዋርያ ዮሃንስ ክሰግደሉ ምስ ፈተነ “ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። . . . ንኣምላኽ ደኣ ስገድ” ብምባል ገንሖ።​—⁠ራእይ 22:9

ኣብ ክንዳኻ ዀይና ንኣምላኽ ምእንቲ ኽትልምነልካ ናብታ ኣብ ምድሪ ኣዲኡ ንየሱስ ዝነበረት ማርያም ወይ ከኣ ናብ እተፈልዩ “ቅዱሳን” ምጽላይ ግቡእ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይ . . . እቲ ሰብ: ክርስቶስ የሱስ: ሓደ በይኑ እዩ” ዝብል ቀጥታዊ መልሲ ኢዩ ዝህበና።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 2:⁠5

ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ሓብሕቦ

ስእሊ ምምላኽ: ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ንጹር ትምህርቲ ዝጻረር ብምዃኑ ንሰባት ስምረት ኣምላኽን ድሕነትን ንኽረኽቡ ክሕግዞም ኣይክእልን ኢዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ብመሰረት እቲ የሱስ ዝበሎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረከብ እንኽእል ብዛዕባ እቲ ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍልጠት ብምርካብ ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ብዛዕባ እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ባህርያቱ ዀነ ብዛዕባ ዕላማታቱን ምስ ደቅሰብ ዘለዎ ርክብን ዝኣክል ፍልጠት ምቕሳም ማለት ኢዩ። (ዮሃንስ 17:⁠3) ክርኢ: ክድህስስ: ወይ ክዛረብ ዘይክእል ስእሊ ብዛዕባ ኣምላኽ ክንፈልጥን ንሱ ብዝሰምሮ መገዲ ከነምልኾን ክሕግዘና ኣይክእልን ኢዩ። (መዝሙር 115:⁠4-8) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ጥራይ ኢና ኽንረኽቦ እንኽእል።

ንስእሊ ምምላኽ ጥቕሚ የብሉን ጥራይ ዘይኰነስ ብመንፈሳዊ መገዲ እውን ክጐድኣና ይኽእል ኢዩ። ብኸመይ፧ ቅድም ቀዳድም ኣባናን ኣብ መንጎ የሆዋን ጋግ ክፈጥር ይኽእል ኢዩ። ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ‘ብጓኖት ኣማልኽቲ ዘቕንእዎ’ እስራኤላውያን ክዛረብ ከሎ ‘ገጸይ ክሓብአሎም እየ’ በለ። (ዘዳግም 32:16, 20) ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ንኽምለስ ከኣ ግድን ‘ጣኦታቶም ክድርብዩ’ ነበሮም።​—⁠ኢሳይያስ 31:⁠6, 7

ስለዚ እምበኣር “ኣቱም ደቀየ: ካብ ጣኦታት ተሐለዉ” ዝብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኽወሃብስ ግቡእዶ ኸይኰነ፧​—⁠1 ዮሃንስ 5:21

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]

“ብመንፈስ” ከምልኻኦ ተሓጊዘን

ኦሊቨራ መንፈሳዊ ቅንኢ ዝነበራ ኣባል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣልባንያ ኢያ ነይራ። ብ1967 ኣብታ ሃገር ሃይማኖት ብሕጊ ምስ ተኸልከለ ካብቲ እትረኽቦ ዝነበረት ሒደት ንመነባብሮኣ ዝኸውን ገንዘብ ብወርቅን ብሩርን እተዳለወ ስእሊ: ዕጣንን ሽምዓን እናዓደገት ኣምልኾኣ ብስውር ተካይድ ነበረት። እቲ ስእልታት ምእንቲ ኸይርአ ወይ ከይስረቕ ኢላ ኸኣ ኣብ ዓራት ትሓብኦ እሞ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ጥቓ እቲ ዓራት ኣብ ሰድያ ትድቅስ ነበረት። ኣብ መጀመርታ 1990ታት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ተራኸበት ግን እቲ ዝነገርዋ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ተገንዘበት። መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ “ብመንፈስ” ክግበር ከም ዘለዎ ዝገልጽ ምዃኑ ምስ ተረድአት: ኣምላኽ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ስእሊ ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ ምዃኑ ፈለጠት። (ዮሃንስ 4:⁠24) እታ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህራ ዝነበረት ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ቤት ኦሊቨራ ክትከይድ ከላ እትርእዮ ዝነበረት ሃይማኖታዊ ስእልታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሓደ ይኸይድ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ግን ዋላ ሓንቲ ኣይነበረን። ኦሊቨራ ድሕሪ ምጥማቓ ኸምዚ በለት:- “ሕጂ ዘይረብሕ ስእሊ ዘይኰነስ መንፈስ የሆዋ ኢዩ ዘሎኒ። ብዘይ​ ሓገዝ ስእሊ መንፈስ ኣምላኽ ክረክብ ብምኽኣለይ ድማ ሕጕስቲ ኢየ።”

ኣብ ግሪኽ: ኣብ ደሴት ሌስቦስ: እትነብር ኣቴና ኸኣ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ሰጋዲትን ቈራቢትን ነበረት። ኣባል መዘምራን ከኣ ኢያ ነይራ: ስእልታት ምምላኽ ሓዊስካ ንሃይማኖታዊ ልምድታት ተጠንቂቓ ተኽብሮ ነበረት። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ንኣቴና ገለ ኻብቲ እተማህረቶ ነገራት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማማዕ ምዃኑ ክትግንዘብ ሓገዝዋ። እዚ ድማ ንስእልን መስቀልን ምምላኽ ዘጠቓልል ኢዩ። ኣቴና ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ናይዚ ነገራት እዚ ባዕላ ምርምር ክትገብር ጀመረት። ኣብ እተፈላለየ መጻሕፍቲ ዓሚቝ ምርምር ምስ ገበረት ከኣ መበቈሉ ካብ ክርስትና ኸም ዘይኰነ ተረድአት። ንኣምላኽ “ብመንፈስ” ንኸተገልግሎ ባህጊ ስለ ዝነበራ ድማ ሃይማኖታዊ ስእልታታ: ክቡር ዋጋ ዘውጽእ እኳ እንተ ነበረ: ጐሓፈቶ። ይኹን እምበር: ኣቴና ዝኸሰረት ከሲራ ንኣምላኽ ንጹህን ተቐባልነት ብዘለዎን መንፈሳዊ መገዲ ኸተምልኾ ሕጕስቲ ኢያ ነይራ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 19:⁠19

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]

ንሃይማኖታዊ ስእሊ ከም ስነ⁠-​ጥበባዊ ስርሓት ጌርካ ኽትሕዞ ግቡእ ድዩ፧

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ነቲ ኣብ ኦርቶዶክስ ዝዝወተር ሃይማኖታዊ ስእሊ ዝእክቡ ሰባት ኣለዉ። እቶም ነዚ ዝእክቡ ሰባት ንስእሊ ቕዱሳን ከም ቅዱስ ነገር ገይሮም ዘይኰኑስ: ንእዋን ቢዛንትዩም ዘዘኻኽር ስነ⁠-​ጥበብ ገይሮም ኢዮም ዝቘጽርዎ። ሓደ ብህላወ ኣምላኽ ዘይኣምን ሰብ ኣብ ቤቱ ወይ ከኣ ቤት ጽሕፈቱ እተፈላለየ ሃይማኖታዊ ስእልታት ሰቒሉ ክትርኢ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን።

ቅኑዓት ክርስትያናት ግን ሃይማኖታዊ ስእሊ ቀንዲ ዕላምኡ እንታይ ምዃኑ ኣይርስዕዎን ኢዮም። ንኣምልኾ ተባሂሉ ኢዩ ዝዳሎ። ስለዚ ክርስትያናት ነቲ ኻልኦት ከምዚ ዝኣመሰለ ስእሊ ንምሓዝ ዘለዎም መሰል ዘይቃወምዎ እኳ እንተዀኑ ብብሕቲ ደረጃ ግን ከም ስነ⁠-​ጥበብ ገይሮም ብምቝጻር እውን እንተዀነ ኣይሕዝዎን ኢዮም። እዚ ምስቲ ኸምዚ ዝብል ኣብ ዘዳግም 7:⁠26 ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ዝተሓሓዝ ኢዩ:- “ንስኻ ድማ ከምኡ ምእንቲ ሕሩም ከይትኸውንሲ: ገለ ፍንፉን ነገር [ንኣምልኾ ኢልካ ዝዝውተር ስእሊ ዀነ ምስሊ] ናብ ቤትካ ኣይተእቱ: ተሐሪሙ እዩ እሞ: ኣዚኻ ጽልኣዮን ፈንፍኖን።”

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ብምስሊ ጌርና ከነምልኾ ኣይፈቕደልናን ኢዩ

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ብመንፈስ ንኸነምልኾ ይሕግዘና