ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንፉዕ መምህር ዲኻ፧

ንፉዕ መምህር ዲኻ፧

ንፉዕ መምህር ዲኻ፧

 ወለዲ: ሽማግለታት: ከምኡውን ሰበኽቲ ናይቲ ብስራት መምህራን ክዀኑ የድልዮም ኢዩ። ወለዲ ንደቆም ይምህሩ: ሽማግለታት ንኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤኦም ይምህሩ: ሰበኽቲ ናይቲ ብስራት ከኣ ንሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ይምህሩ ኢዮም። (ዘዳግም 6:⁠6, 7፣ ማቴዎስ 28:⁠19, 20፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:​13, 16) ንፉዕ መምህር ንኽትከውን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ሓደ መገዲ ንኣብነትን ሜላን ናይቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተጠቕሱ ኽኢላታት መምህራን ምቕዳሕ ኢዩ። እዝራ ሓደ ኻብዚኣቶም ኢዩ ነይሩ።

ካብ እዝራ ትምህርቲ ምርካብ

እዝራ ኣስታት 2,500 ዓመታት ይገብር ኣብ ባቢሎን ዝነብር ዝነበረ ኻብ ዘርኢ ኣሮን እተወልደ ኻህን ኢዩ። ብ468 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ናብታ ኸተማ ኸደ። (እዝራ 7:⁠1, 6, 12, 13) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ሕጊ ኣምላኽ ክምህሮም ነበሮ። እዝራ ንፉዕ መምህር ክኸውን ዝሓገዞ እንታይ ኢዩ፧ እተወሰነ ነጥብታት ሓጊዝዎ ኢዩ። ኣብ እዝራ 7:⁠10 ተመዝጊቡ ዘሎ እተጠቕመሉ ነጥብታት እሞ ርአ።

“እዝራ [1] ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን [2] ንምግባርን: [3] ስርዓትን ፍርድን ከኣ ኣብ እስራኤል ኪምህርንሲ [4] ልቡ ኣዳለወ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ነዚ እዝራ ዝወሰዶ ስጕምትታት ንመርምሮ እሞ ካብኡ እንታይ ትምህርቲ ኸም እንረክብ ንርአ።

“እዝራ . . . ልቡ ኣዳለወ”

ልክዕ ከምቲ ሓደ ሓረስታይ ዘርኢ ቕድሚ ምዝርኡ ንግራቱ ብምሕራስ ዘዳልዎ: እዝራውን ቃል ኣምላኽ ኣብ ልቡ ምእንቲ ኸስርጾ ብጸሎት ንልቡ ኣዳለወ። (እዝራ 10:⁠1) ብኻልእ ኣበሃህላ ‘ልቡ’ ናብ ትምህርትታት የሆዋ ‘ኣድነኖ።’​—⁠ምሳሌ 2:⁠2

ብተመሳሳሊ ንጉስ ዮሳፋጥ ‘ልቡ ናብ ምድላይ ኣምላኽ መሊስዎ’ ምንባሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 19:⁠3) ብኣንጻሩ ግን ሓደ ወለዶ እስራኤላውያን “ልቡ ቀጥ ዘይበለ” ስለ ዝነበረ “ህልኸኛን ዓለወኛን” ተባሂሉ ኣሎ። (መዝሙር 78:⁠8) የሆዋ “እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብ” ኢዩ ዝርኢ። (1 ጴጥሮስ 3:4) እወ: “ንትሑታት . . . መገዱ ኼስተምህሮም እዩ።” (መዝሙር 25:9) እምበኣር: ሎሚ ዘለዉ መምህራን ፈለማ ብጸሎት ኣልባቦም ብምድላው ኣብነት እዝራ ኽስዕቡስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ዀን ኢዩ!

“ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማር”

እዝራ ክኢላ መምህር ምእንቲ ክኸውን ቃል ኣምላኽ መርሚሩ ኢዩ። ምርመራ ንዝገብረልካ ሓኪም ከተዘራርቦ ኸሎኻ: እቲ ዝብለካ ነገራት ምእንቲ ኽርድኣካ ወይ እንታይ ዓይነት መድሃኒት ከም ዝኣዘዘልካ ምእንቲ ኽትፈልጥ ጽን ኢልካዶ ኣይኰንካን እትሰምዖ፧ ጥዕና ኽትረክብ ስለ እትደሊ: ከምኡ ኸም እትገብር ዘጠራጥር ኣይኰነን። ነቲ የሆዋ ብቓሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ከምኡውን በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ገይሩ ዝነግረና ወይ ዝእዝዘና ነገራት ደኣኸ ብዝያዳ ጽን ኢልና ኽንሰምዖዶ ኣይግባእን፧ እወ: እቲ ዝህበና ማዕዳ ንህይወትና ዝትንክፍ ኢዩ! (ማቴዎስ 4:⁠4፣ 24:⁠45-47) ልክዕ ኢዩ: ሓካይም ክጋገዩ ይኽእሉ ኢዮም: “ሕጊ እግዚኣብሄር [ግን] ፍጹም እዩ።” (መዝሙር 19:⁠7) ኣብ ካልእ ኬድካ ከተመጻሪ ዘድልዮ ኣይኰነን።

እተን እዝራ መጀመርታ ኣብ ሓደ ጥራዝ ዝጸሓፈን ቀዳማይን ካልኣይን ዜና መዋእል: ንፉዕ ተማሃራይ ምንባሩ ዘረጋግጻ ኢየን። ነዘን መጻሕፍቲ እዚኣተን ንምጽሓፍ እተፈላለየ ምንጭታት ተወኪሱ ኢዩ። a እቶም ካብ ባቢሎን ካብ ዝምለሱ ነዊሕ ዘይገበሩ ኣይሁድ ንታሪኽ ህዝቦም ክፈልጥዎ የድልዮም ነይሩ ኢዩ። ብዛዕባ ኣብ እምነቶም ዝበዓል ዝነበረ በዓላት: ኣብ ቤተ⁠-​መቕደስ ዝግበር ኣገልግሎት: ከምኡውን ብዛዕባ ናይ ሌዋውያን ዕዮ እኹል ፍልጠት ኣይነበሮምን። ብዛዕባ ወለዶኦም ዝገልጽ መዝገብ ኣዝዩ ኣድላዪ ነበረ። እዝራ ነዚ ጕዳያት እዚ ፍሉይ ኣቓልቦ ገበረሉ። ኣይሁድ እቲ መሲህ ክሳዕ ዝመጽእ ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር: ቤተ⁠-​መቕደስ: ካህናት: ኣመሓዳሪ ዘለዎም ህዝቢ ዀይኖም ክጸንሑ ነበሮም። ሳላ እቲ እዝራ ዝኣከቦ ሓበሬታ: ሓድነት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽዕቀብ ከኣለ።

መጽናዕትኻ ምስ ናይ እዝራ ኽወዳደር ከሎ ኸመይ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ምስ እተጽንዕ ንፉዕ መምህር ንኽትከውን ክሕግዘካ ኢዩ።

ብስድራ​ቤት ደረጃ ‘ሕጊ እግዚኣብሄር መርምሩ’

ሕጊ የሆዋ ምምርማር ክበሃል ከሎ ኣብ ብሕታዊ መጽናዕቲ ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ ነዚ ኽንገብረሉ እንኽእል ብሉጽ ኣጋጣሚ ኢዩ።

ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ያንን ዩልያን ዝበሃሉ ሰብ ሓዳር: ንኽልተ ደቆም ካብታ እተወልዱላ መዓልቲ ኣትሒዞም ዓው ኢሎም የንብቡሎም ነበሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣይቮ ወዶም ወዲ 15 ዓመት ክኸውን ከሎ ኤዶ ወዲ 14 ዓመት ኢዩ። ክሳዕ ሕጂ ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ ይገብሩ። ያን ብዛዕባዚ ኸምዚ ብምባል ገለጸ:- “ቀንዲ ሸቶና ደቅና ነቲ እተመያየጡሉ ጕዳይ ክርድእዎ ደኣ እምበር ብዙሕ ጽሑፋት ምሽፋን ኣይኰንን። ደቅና ብዙሕ ምርምር ይገብሩ ኢዮም። ዘይፈልጥዎ ቓላት ክረኽቡ ኸለዉ ትርጕሙ ክፈልጡ ይጽዕሩ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከቡ ዘይፈልጥዎም ሰባት ከኣ መዓስ ይነብሩ ኸም ዝነበሩ: እንታዎት ምንባሮም: ስርሖም እንታይ ምንባሩን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ንምፍላጥ ይምርምሩ ኢዮም። ካብታ ምንባብ ዝኸኣሉላ ግዜ ኣትሒዞም ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: መዝገበ⁠-​ቓላት: ከምኡውን መዝገበ⁠-​ፍልጠት ገንጺልካ ምምርማር ጀመሩ። እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕትና ዝያዳ ባህ ዘብል ይገብሮ። ደቅና ወትሩ ብሃንቀውታ ኢዮም ዝጽበይዎ።” ብተወሳኺውን እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ብኽእለት ቋንቋኦም ኣብ ከክፍሎም ብሉጻት ኰይኖም ኢዮም።

ጆንን ቲኒን እውን ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብሩ ሰብ ሓዳር ኢዮም። ምስ ኢስሊ ወዶምን (ሕጂ ወዲ 24 ዓመት ኢዩ: ኣብ ካልእ ጉባኤ ኸኣ ፓይነር ኰይኑ የገልግል ኣሎ) ምስ ሊንዳ ጓሎምን (ሕጂ ጓል 20 ዓመት ኢያ: ንሓደ ንፉዕ ሓው ከኣ ተመርዕያ ኢያ) ብሓባር ኰይኖም መጽናዕቲ ይገብሩ ነበሩ። ይኹን እምበር: ሓደ ጽሑፍ በቲ እተለምደ ሕቶን መልስን ገይሮም ኣብ ክንዲ ዘጽንዕዎ: ንዕድመ ናይቶም ውሉዳትን ዘድልዮም ትምህርትን ኣብ ግምት ብምእታው መልክዑ ብምቕያር ኢዮም መጽናዕቲ ዝገብሩ ነይሮም። እንታይ ሜላ ኢዮም ዝጥቀሙ ነይሮም፧

እቶም ውሉዳት ኣብቲ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” (ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝርከብ) ከምኡውን ኣብቲ “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ” (ኣብ ንቕሑ! ዝርከብ) ዝረኸብዎ ዘገድሶም ኣርእስታት ይመርጹ። ድሕሪኡ ነቲ ዘዳለዉዎ ሓሳባት ኣብ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ የቕርብዎ: እዚ ኸኣ ኣገዳሲ ምይይጥ ንኽገብሩ የኽእሎም። በዚ ኸምዚ እቶም ውሉዳት ብኸመይ ምርምር ከም ዝገብሩን ነቲ ዝረኸብዎ ነጥብታት ብኸመይ ከም ዝመያየጡሉን ተመክሮ ኣጥርዮም ኢዮም። ምስ ደቅኻ ኴንካ ‘ንሕጊ እግዚኣብሄር ምርምር’ ትገብረሉ ዲኻ፧ እዚ ክእለት ኣመሃህራኻ የመሓይሸልካ ጥራይ ዘይኰነስ: ንደቅኻ እውን ንፉዓት መምህራን ንኽዀኑ ክሕግዞም ኢዩ።

“ንምግባር”

እዝራ ነቲ ዝረኸቦ ፍልጠት ኣብ ግብሪ የውዕሎ ነይሩ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ባቢሎን ከሎ ጥጡሕ ናብራ ነይርዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሰባት ክሕግዞም ከም ዝኽእል ምስ ፈለጠ: ነቲ ኣብ ባቢሎን ዝነበሮ ምቾት ገዲፉ ናብታ ጸገማትን ሓደጋታትን ዝነበራ ኸተማ የሩሳሌም ከደ። እምበኣር: እዝራ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ የጥሪ ነይሩ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ እውን ድሉው ምንባሩ ንጹር ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 3:⁠13

እዝራ ጸኒሑ ኣብ የሩሳሌም ክነብር ምስ ጀመረ: ነቲ ዝረኸቦ ፍልጠትን ዝምህሮ ትምህርትን ኣብ ግብሪ የውዕሎ ምንባሩ ኣርእዩ ኢዩ። እዚ ድማ እስራኤላውያን ሰብኡት ንኣረማውያን ኣንስቲ ኸም ዘእተዉ ምስ ሰምዐ ብዝገበሮ ነገራት ክርአ ይከኣል ኢዩ። ‘ክዳኑን ባርኖሱን ከም ዝቐደደ: ጸጕሪ ርእሱን ጭሕሙን ከኣ ከም ዝነጸየ: ሓዚኑ ድማ ክሳዕ ምሸት ኮፍ ከም ዝበለ’ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና ኢዩ። ገጹ ናብ የሆዋ ‘ኸየልዕል ሓፈረን ፈርሀን።’​—⁠እዝራ 9:⁠1-6

ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኽ ዝገበሮ መጽናዕቲ ኣጸቢቑ ኢዩ ጸልይዎ። እቶም ህዝቢ ብዘይ​ምእዛዞም እንታይ ሳዕቤን ከም ዝመጾም ብንጹር ይረኣዮ ነይሩ ኢዩ። እቶም ናብ ሃገሮም እተመልሱ ኣይሁድ ሒደት ኢዮም ነይሮም። ምስ ኣረማውያን ህዝብታት እንተ ተኣታትዮም: ድሕሪ ግዜ ምስቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ጸላእቶም ምተሓናፈጹ እሞ ጽሩይ ኣምልኾ ካብ ገጽ ምድሪ ምጠፍአ ነይሩ።

እንተዀነ ግን: እዝራ ንኣምላኽ ዝነበሮ ፍርሃትን ቅንእን ንእስራኤላውያን መገዶም ንኸዐርዩ ደረኾም። ነተን ጓኖት ኣንስቶም ናብ ዓደን መለስወን። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ዅሉ ነገር ተዓረየ። እዝራ ንሕጊ ኣምላኽ እሙን ብምንባሩ: ንፉዕ መምህር ንኽኸውን ብዙሕ ሓጊዝዎ ኢዩ።

ሎሚውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ሓደ ክርስትያን ኣቦ “ውሉዳት ንእትብሎም ዘይኰነስ ንእትገብሮ ኢዮም ዝገብሩ” በለ። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ይሰርሕ ኢዩ። ሽማግለታት ጽቡቕ ኣርኣያ ምስ ዝዀኑ: ትምህርትታቶም ኣብታ ጉባኤ ፍረ ዘለዎ ክኸውን ትጽቢት ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም።

“ስርዓትን ፍርድን . . . ኣብ እስራኤል ኪምህር”

እዝራ ንፉዕ መምህር ዝዀነሉ ኻልእ ምኽንያት እውን ኣሎ። ናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳባት ዘይኰነስ “ስርዓትን ፍርድን” ኢዩ ዝምህር ነይሩ። ከምዚ ኽበሃል ከሎ ኸኣ ስርዓታት ወይ ሕግታት የሆዋ ይምህር ነይሩ ማለት ኢዩ። ካህን ብምንባሩ እዚ ሓላፍነት እዚ ነበሮ። (ሚልክያስ 2:⁠7) ፍርዲውን ይምህር: ነቲ ቕኑዕን ፍትሓውን ነገራት ብምግባር ከኣ ነቲ ዝመሃሮ ኣብ ግብሪ የውዕል ነበረ። እቶም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ቅኑዕ ፍርዲ ምስ ዝፈርዱ ማለት ፍትሒ ምስ ዘውጽኡ: ህድኣት ይርከብ: ነባሪ ረብሓውን ይህሉ። (ምሳሌ 29:⁠4) ብተመሳሳሊ ኸኣ ቃል ኣምላኽ ኣጸቢቖም ዝፈልጡ ክርስትያን ሽማግለታት: ወለዲ: ከምኡውን ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ: ንኣባላት ጉባኤኦም: ንስድራ​ቤቶም: ከምኡውን ንተገደስቲ ሰባት ስርዓታትን ፍርድታትን የሆዋ ኽምህርዎም ከለዉ ብመንፈስ ድልዱላት ንኽዀኑ ይሃንጽዎም ኢዮም።

ነቲ እሙን ዝነበረ እዝራ ምሉእ ብምሉእ ምስ እትመስሎ ንፉዕ መምህር ኣይምዀንካዶ፧ እምበኣር ‘ንልብኻ ኣዳልዎ: ሕጊ እግዚኣብሄር መርምር: ግበሮ: ስርዓትን ፍርድን እግዚኣብሄር ከኣ ምሃር።’​—⁠እዝራ 7:⁠10

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ 1ይ ጥራዝ (እንግሊዝኛ) ገጽ 444-5: እዝራ እተጠቕመሉ 20 ምንጭታት ተዘርዚሩ ኣሎ።

ንእዝራ ንፉዕ መምህር ዝገበሮ እንታይ ኢዩ፧

1. ልቡ ኣዳልዩ

2. ሕጊ የሆዋ መርሚሩ

3. ነቲ እተማህሮ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ሰናይ ኣብነት ገዲፉ

4. ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንኽምህር ኣበርቲዑ ጽዒሩ