ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከይትታለል ተጠንቀቕ

ከይትታለል ተጠንቀቕ

ከይትታለል ተጠንቀቕ

 ምትላል ዳርጋ ወድሰብ ክፍጠር ከሎ ኢዩ ጀሚሩ። ሓደ ኻብቲ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ እንረኽቦ ናይ መጀመርታ ተግባራት ብዛዕባ ምትላል ዝገልጽ ክኸውን ከሎ እዚ ድማ እቲ ሰይጣን ኣብ ገነት ኤደን ንሄዋን ብምጥባር ዝገበሮ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 3:⁠13፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:⁠14

ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ ምትላል ኣብ ብዘላ ምድሪ ተዘርጊሑ እኳ እንተ ሃለወ ኸም ሎሚ ገይሩ ግን ገኒኑ ኣይፈልጥን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግዜና “እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም” ብምባል የጠንቅቕ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠13

ሰባት ብብዙሕ መገድታት ክታለሉ ይኽእሉ ኢዮም። መደናገርቲ ኣታሊሎም ካብ ካልኦት ሰባት ገንዘብ ይወስዱ። ገለ ገለ ፖለቲካውያን ኣብ ስልጣኖም ንኽቕጽሉ ዝገበሩ ገይሮም ንህዝቢ የታልሉ። ሰባት ንገዛእ ርእሶም እውን ከይተረፈ የታልሉ ኢዮም። ነቲ ኸም እኒ ሽጋራ ምትካኽ: ሓሽሽ: ጾታዊ ርኽሰት ዝኣመሰለ ሓደገኛ ተግባራት ከምጽኦ ዝኽእል ሳዕቤን ኣብ ክንዲ ዝኣምንሉ ምንም ጕድኣት የብሉን ኢሎም ንገዛእ ርእሶም የእምንዋ።

ብሃይማኖታዊ መገዲ እውን ምትላል ኣሎ። ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ህዝቢ የታልልዎ ነይሮም ኢዮም። የሱስ ብዛዕባ እዞም መታለልቲ ኸምዚ በለ:- “ሕደግዎም: ዕዉራትን መራሕቲ ዕዉራትን እዮም። ንዕዉርስ ዕዉር እንተ መርሖ: ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ።” (ማቴዎስ 15:⁠14) ብተወሳኺ ሰባት ብሃይማኖታዊ መገዲ ንገዛእ ርእሶም እውን ከይተረፈ የታልሉ ኢዮም። ምሳሌ 14:⁠12 “ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ አላ: መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ” ትብል።

ከምቲ ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበረ ሎሚ እውን ብዙሓት ሰባት ብሃይማኖታዊ መገዲ እንተ ተታለሉ ኣየገርምን ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ: ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ: ምእንቲ ኸየብርሃሎም” ሰይጣን ‘ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ከም ዘዖሮ’ ገሊጹ ኣሎ።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:4

መደናገርቲ ምስ ዘታልሉና ገንዘብና ኢዩ ዝጠፍእ። ሓደ ፖለቲከኛ ምስ ዘታልለና ኸኣ ብመጠኑ ናጽነትና ነጥፍእ ንኸውን። ነቲ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ዝገልጽ ሓቂ ንኸይንቕበል ኢሉ ሰይጣን ምስ ዘታልለና ግን ዘለኣለማዊ ህይወት ኢና እነጥፍእ! ስለዚ እምበኣር: ከይትታለል ተጠንቀቕ። ነቲ ዘየማትእ ምንጪ ሃይማኖታዊ ሓቂ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብቕኑዕ ድራኸ መርምሮ። ከምዚ እንተዘይ ጌርካ ግን ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዝወድቕ።​—⁠ዮሃንስ 17:⁠3