ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክብሪ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ የንጸባርቕ

ክብሪ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ የንጸባርቕ

ክብሪ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ የንጸባርቕ

“እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ ኪዀነልኪ [ኢዩ ]።”​—⁠ኢሳይያስ 60:20

1. የሆዋ ንእሙናት ህዝቡ ዝባረኾም ብኸመይ ኢዩ፧

 “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሂግዎም እዩ እሞ: ንትሑታት ብምድሓን ይስልሞም።” (መዝሙር 149:4) ከምዚ ዝበለ ሓደ ጥንቲ ዝነበረ ጸሓፍ መዝሙር ክኸውን ከሎ: ታሪኽ ከኣ ንሓቅነት ናይዚ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። ህዝቢ የሆዋ እሙናት ምስ ዝዀኑ: የሆዋ ኸኣ ይሓልየሎምን የብዝሖምን የዕቍቦምን ኢዩ። ኣብ ግዜ ጥንቲ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ዓወት ሂብዎም ኢዩ። ኣብዚ ግዜና ብመንፈስ ድልዱላት ከም ዝዀኑ ገይርዎም: ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ ድማ ከም ዝድሕኑ ኣረጋጊጽሎም ኢዩ። (ሮሜ 5:⁠9) ከምዚ ዝገብር ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ባህ ዘብሉ ስለ ዝዀኑ ኢዮም።

2. ህዝቢ ኣምላኽ ምጽራር ዘጋጥሞም እኳ እንተዀነ: ብዛዕባ እንታይ ኢዮም ርግጸኛታት ዝዀኑ፧

2 ልክዕ ኢዩ: ኣብዛ ጸልማት ወሪስዋ ዘሎ ዓለም እቶም ‘ብፍርሃት እግዚኣብሄር ዝነብሩ’ ምጽራር የጋጥሞም ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠12) እንተዀነ ግን: የሆዋ ነቶም ተጻረርቲ ስለ ዝዕዘቦም ከምዚ ብምባል መጠንቀቕታ ይህብ:- “እቲ ዘይግዝኣኪ ህዝብን መንግስትን ኪጠፍእ: እወ: እዞም ኣህዛብ ብጥራስ ኪጸንቱ እዮም።” (ኢሳይያስ 60:⁠12) ኣብዚ ግዜ እዚ ምጽራር ብእተፈላለየ መገዲ ኢዩ ዝመጽእ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት እቶም ተጻረርቲ ነቲ እቶም ቅኑዓት ክርስትያናት ንየሆዋ ከቕርብዎ ዝጽዕሩ ኣምልኾ ክድርትዎ ወይ ክእግድዎ ይጽዕሩ ኢዮም። ኣብ ካልኦት ሃገራት ከኣ ጥሩፋት ሃይማኖታውያን ንኣምለኽቲ የሆዋ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ኣውሪዶምሎምን ንብረቶም ኣቃጺሎምሎምን ኢዮም። የሆዋ ዕላምኡ ንምዕጋት ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ምጽራር እንታይ ውጽኢት ከም ዝህልዎ ድሮ ምውሳኑ ግን ኣይትረስዕ። ጻዕሪ ናይቶም ተጻረርቲ ኽፈሽል ኢዩ። ኵሎም እቶም ምስታ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ደቃ ዝውክልዋ ጽዮን ዝዋግኡ ኽስዓሩ ኢዮም። እዝስ እቲ ዓብዪ ኣምላኽና የሆዋ ዝሃበና ዘተባብዕ መረጋገጺዶ ኸይኰነ፧

ካብቲ እተጸበይዎ ንላዕሊ ተባረኹ

3. ኣምለኽቲ የሆዋ ኸም ዝስለሙን ዝስስኑን ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧

3 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ናይዚ ኣገባብ እዚ: የሆዋ ንህዝቡ ኻብቲ እተጸበይዎ ንላዕሊ ባሪኽዎም ኢዩ። ብፍላይ ነቲ ናይ ኣምልኾ ቦትኡን ነቶም ስሙ ዝጾሩ ህዝብን ብቐጻሊ ሰሊምዎም ኢዩ። ብመሰረት ትንቢት ኢሳይያስ ንጽዮን ከምዚ በላ:- “ነቲ ስፍራ መቕደሰይ ምእንቲ ኺስልምዎ: ክብሪ ሊባኖስ: ጽሕድን ሙዝን ዝበን: ሐቢሮም ኪመጹኺ እዮም። ኣነውን ንስፍራ መርገጽ እግረይ ከኽብሮ እየ።” (ኢሳይያስ 60:⁠13) ብዱር እተሸፈነ ኣኽራን ባህ ዘብል ትርኢት ኣለዎ። እምበኣር እቲ ኣእዋም ልሙዕ ምዃኑ ኣምለኽቲ የሆዋ ኸም ዝስለሙን ዝስስኑን ዘመልክት ጽቡቕ ምሳሌ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 41:⁠19፣ 55:⁠13

4. እቲ ‘መቕደስን ስፍራ መርገጽ እግሪ [የሆዋን]’ እንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ተሰለመ፧

4 ኣብ ኢሳይያስ 60:⁠13 ተጠቒሱ ዘሎ ‘መቕደስን ስፍራ መርገጽ እግሪ [የሆዋን]’ እንታይ ኢዩ፧ እዚ ቓላት እዚ ነቲ ኣጸድ ናይታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ የሆዋ ኢዩ ዘመልክት፣ እዚ ድማ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ንየሆዋ ኣምልኾ ንኸነቕርበሉ እተገብረ ምድላው ኢዩ። (እብራውያን 8:⁠1-5፣ 9:⁠2-10, 23) የሆዋ ኻብ ኵላቶም ኣህዛብ ዝመጹ ሰባት ናብ መንፈሳዊ ቤተ መቕደሱ ኸም ዝመጹን ከም ዘምልኽዎን ብምግባር ንቤቱ ብኽብሪ ኽመልኣ ዕላምኡ ምዃኑ ገሊጹ ኢዩ። (ሃጌ 2:⁠7) ኢሳይያስ እውን ኣቐዲሙ ኻብ ኵሎም ህዝብታት ዝመጹ ብዙሓት ሰባት ናብቲ ኽብ ዝበለ ናይ ኣምልኾ ኸረን የሆዋ ኽውሕዙ ኸለዉ ርእዩ ነይሩ ኢዩ። (ኢሳይያስ 2:⁠1-4) ኣማእታት ዓመታት ጸኒሑ: ሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ” ከም ዝረኣየ ገሊጹ ነይሩ። እዚኣቶም “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ እዮም: ኣብታ መቕደሱውን ለይትን መዓልትን የገልግልዎ አለዉ።” (ራእይ 7:⁠9, 15) እዚ ትንቢታት እዚ ኣብዚ ግዜና ፍጻሜኡ ኽረክብ ከሎ: ቤት የሆዋ እናረኣናያ ተሰሊማ ኢያ።

5. እቶም ደቂ ጽዮን እንታይ ዓብዪ ምምሕያሽ ኢዮም ገይሮም፧

5 እዝስ ንጽዮን ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምምሕያሽ ኰን ኢዩ! የሆዋ “ኣብ ክንዲ እቲ ሓደ እኳ ዘየግልሰኪ ሕድግትን ጽልእትን ዝነበርኪ: ኣነ ዘለኣለማዊ መሓበንን ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ደስታን ክገብረኪ እየ” በለ። (ኢሳይያስ 60:⁠15) ኣብ ጥቓ መወዳእታ ቐዳማይ ውግእ ዓለም: “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ብርግጽ ኣብ ጓሂ ኢዮም ነይሮም። (ገላትያ 6:⁠16) እወ: እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ደቂ ጽዮን ነቲ ኣምላኽ ብዛዕብኦም ዘለዎ ዕላማ ብንጹር ስለ ዘይፈለጡ: ጽዮን ‘ተሓዲጋ’ ዝነበረት ኰይኑ ኢዩ ተሰሚዕዋ። ብ1919 ግን የሆዋ ነቶም ቅቡኣት ኣገልገልቱ ኣበራበሮም: ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ድማ ብዘደንቕ መንፈሳዊ ብልጽግና ይባርኾም ኣሎ። ብዘይ​ዚውን ኣብታ ጥቕሲ ዝኣተወሎም መብጽዓ ዘነቓቕሕዶ ኸይኰነ፧ የሆዋ ንጽዮን ‘መሐበኒ’ ኽገብራ ኢዩ። እወ: ደቂ ጽዮንን የሆዋን ብጽዮን ክሕበኑ ኢዮም። “ደስታ” እተምጽእ ወይ ምንጪ ናይ ዘይተኣደነ ሓጐስ ክትከውን ኢያ። እዚውን ንሓጺር ግዜ ኣይኰነን። እቲ ባህ ዘብል ኵነታት ናይታ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ደቃ ዝውክልዋ ጽዮን “ንውሉድ ወለዶ” ክቕጽል ኢዩ። እወ: ፈጺሙ ኣይከቋርጽን ኢዩ።

6. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ናይ ኣህዛብ ጥሪትን ብልሓትን እተጠቕሙ ብኸመይ ኢዮም፧

6 ሕጂ ኸኣ ካልእ ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ ርአ። የሆዋ ንጽዮን ክዛረባ ኸሎ “ጸባ ኣህዛብ ክትጠብዊ: ኣጥባት ነገስታት ከኣ ክትጠብዊ ኢኺ። ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኺ: እቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ተበጃዊኺ ምዃነይውን ክትፈልጢ ኢኺ” በላ። (ኢሳይያስ 60:16) ጽዮን ‘ጸባ ኣህዛብን ኣጥባት ነገስታትን’ እትጠቡ ብኸመይ ኢያ፧ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናትን ብጾቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕን’ ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ ኣብ ምድንፋዕ ናይ ኣህዛብ ጥሪትን ብልሓትን ብምጥቃሞም ኢዩ። (ዮሃንስ 10:⁠16) ብፍታው ዝግበር ወፈያ ኣብ መላእ ዓለም ሰፊሕ ዕዮ ስብከትን ትምህርትን ንኽካየድ ይሕግዝ ኢዩ። ሳላ እቲ ጥበባዊ ኣጠቓቕማ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ: ብኣማእታት ብዝቝጸር ቋንቋታት መጽሓፍ ቅዱስን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትን ይሕተም ኣሎ። ሎሚ: ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ብዘይ​ፈልጥ መገዲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንሰባት ቀሪቡሎም ኣሎ። ዜጋታት ብዙሓት ሃገራት: ነቶም ቅቡኣት ኣገልገልቱ ኻብ መንፈሳዊ ምርኮ እተበጀዎም የሆዋ: ብሓቂ መድሓኒ ምዃኑ ይመሃሩ ኣለዉ።

ምምሕዳራዊ ምምሕያሽ

7. ደቂ ጽዮን እንታይ ዘደንቕ ምምሕያሽ ኢዮም ዝገበሩ፧

7 የሆዋ ንህዝቡ ብኻልእ መገዲ ሰሊምዎም ኢዩ። ኣብ ናይ ማሕበር ኣሰራርሓ ምምሕያሽ ንኽገብሩ ባሪኽዎም ኢዩ። ኣብ ኢሳይያስ 60:⁠17 ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ኣብ ክንዲ ነሃሲ ወርቂ ኸምጽእ: ኣብ ክንዲ ሓጺን ብሩር: ኣብ ክንዲ ዕጨይቲ ኸኣ ነሃሲ: ኣብ ክንዲ እምኒውን ሓጺን ከምጽእ እየ። ኣሕሉቝኪ ሰላም: ሹማምትኺ ድማ ጽድቂ ኽገብር እየ።” ነሃሲ ብወርቂ ምትካእ ምምሕያሽ ማለት ኢዩ፣ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኻልእ ነገራት እውን ከምኡ ምምሕያሽ ኢዩ ዘርኢ። ምስዚ ብምስምማዕ ኣብ ብምሉኡ ዳሕሮት መዓልትታት ናይ ኣምላኽ እስራኤል ቀጻሊ ናይ ኣመሓዳድራ ምምሕያሻት ገይሮም ኣለዉ። እስከ ሒደት ኣብነታት ንርአ።

8-10. ካብ 1919 ኣትሒዙ ኣብ ምምሕዳር እተገብረ ምምሕያሻት ግለጽ።

8 ክሳዕ 1919 ጉባኤታት ህዝቢ ኣምላኽ በቶም ብዲሞክራስያዊ መገዲ እተመርጹ ሽማግለታትን ዲያቆናትን ኢየን ዝመሓደራ ነይረን። ካብታ ዓመት እቲኣ ኣትሒዙ ግን እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ንንጥፈታት ግራት ኣገልግሎት ዝቈጻጸር ናይ ኣገልግሎት ዳይረክተር መዘዘ። (ማቴዎስ 24:⁠45-47) እንተዀነ ግን: በተን ጉባኤታት እተመርጹ ገለ ሽማግለታት ነቲ ዕዮ ወንጌላውነት ምሉእ ብምሉእ ምድጋፍ ስለ ዝኣበዩ እዚ ኣሰራርሓ እዚ ብዙሕ ፍረ ኣይነበሮን። ስለዚ ብ1932 ጉባኤታት: ሽማግለታትን ድያቆናትን ብድምጺ ምርጫ ምምራጽ ከቋርጻ መምርሒ ተዋህበን። ኣብ ክንድኡ ምስቲ ናይ ኣገልግሎት ዳይረክተር ዝዓዩ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ኽመርጻ ጀመራ። እዚ ኣብ ክንዲ “ዕጨይቲ” “ነሃሲ” ኸም ምምጻእ ማለት ዓብዪ ምምሕያሽ ኢዩ ነይሩ!

9 ብ1938 ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ጉባኤታት ምስቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝስርሓሉ ዝነበረ ኣገባብ ዝያዳ ዝሰማማዕ ዝሓሸ ኣሰራርሓ ኽጥቀማ ወሰና። ሓደ ኣገልጋሊ ጕጅለ ብኻልኦት ኣገልገልቲ እናተሓገዘ ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ኸም ዘካይድ ተገብረ፣ እዚኣቶም ኵላቶም በቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ኢዮም ዝምዘዙ። ምርጫ ዝበሃል ተረፈ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኵላቶም ኣብ ጉባኤ ዘገልግሉ ሰብኡት ብቲኦክራሲያዊ መገዲ ኽሽየሙ ጀመሩ። እዚ ድማ ኣብ ክንዲ ‘እምኒ ሓጺን’ ኣብ ክንዲ ‘ነሃሲውን ወርቂ’ ኸም ምምጻእ ኢዩ ነይሩ።

10 ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እቲ ምምሕያሽ ቀጺሉ ኢዩ። ንኣብነት: ብ1972 ጉባኤታት ብኣካል ሽማግለታት ከም ዝመሓደራ ማለት ሓደ ሽማግለ ኣብ ካልኦት ሽማግለታት ስልጣን ከም ዘይህልዎ ምግባር: ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ማሕበር እትጥቀመሉ ምስ ዝነበረ ኣሰራርሓ ኣጸቢቑ ዝቀራረብ ምዃኑ ምርዳእ ተረኽበ። ቅድሚ ዓሚ ድማ ካልእ ምምሕያሽ ስለ እተገብረ: ኣብ ናይ ገሊኡ ሕጋዊ ትካላት ኣመራርሓ እተወሰነ ምትዕርራያት ተገይሩ ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣመሓዳሪ ኣካል በቲ ኣብ መዓልቲ መዓልቲ ዘጋጥም ሕጋዊ ጕዳያት ትሑዝ ኣብ ክንዲ ዝኸውን: ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ህዝቢ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ንኸተኵር ኣኽኣሎ።

11. ምንጪ ናይቲ ህዝቢ የሆዋ ዝገበርዎ ናይ ምምሕዳር ለውጥታት መን ኢዩ: እዚ ለውጥታት እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧

11 ምንጪ ናይዚ ቐጻሊ ለውጥታት መን ኢዩ፧ ብዘይ​ጥርጥር የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ። “ወርቂ ኸምጽእ” ዝበለ ባዕሉ ኢዩ። “ኣሕሉቝኪ ሰላም: ሹማምትኺ ድማ ጽድቂ ኽገብር እየ” ዝበለውን ንሱ ኢዩ። እወ: የሆዋ ኢዩ ንህዝቡ ዝመርሖ ዘሎ። እዚ ንኣሰራርሓ ማሕበር ዝምልከት ኣቐዲሙ ብትንቢት እተነግረ ምምሕያሽ: ንህዝቡ ዝስልመሉ ሓደ መገዲ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብብዙሕ መገድታት ተባሪኾም ኢዮም። ኣብ ኢሳይያስ 60:⁠18 “ድሕርዚ ዓመጽ ኣብ ምድርኺ: ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ ዶብኪ ኣይኪስማዕን እዩ። ግናኸ ንቐጽርታትኪ ምድሓን: ንደጌታትኪ ኸኣ ምስጋና ኢልኪ ኽትሰምይየን ኢኺ” ዝብል ነንብብ ኢና። እዝስ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዘብል ኰን ኢዩ! ፍጻሜኡ ዝረኸበ ግን ብኸመይ ኢዩ፧

12. ኣብ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ሰላም ዝሰፈነ ብኸመይ ኢዩ፧

12 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ የሆዋ ኢዮም መምርሒ ዝጽበዩ: ፍሪኡ ኸኣ ከምቲ ኢሳይያስ “ኵላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም: ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ” ብምባል እተነበዮ ኢዩ። (ኢሳይያስ 54:13) ኣብ ርእሲ እዚውን መንፈስ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ይዓዪ ኢዩ: ሓደ ኻብቲ እዚ መንፈስ እዚ ዘፍርዮ ፍረ ኸኣ ሰላም ኢዩ። (ገላትያ 5:⁠22, 23) ህዝቢ የሆዋ ሰላማውያን ብምዃኖም ኣብዛ ዓመጽ ዝመልኣ ዓለም ከምቲ ኣብ ምድረ⁠-​በዳ ዝርከብ ነእምሮ ዘሐድስ ልሙዕ ቦታ ኢዮም። እቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ፍቕሪ ዝመሰረቱ ሰላም ኣብ ሓዳስ ዓለም ህይወት እንታይ ከም ዝመስል ዘርኢ ኢዩ። (ዮሃንስ 15:⁠17፣ ቈሎሴ 3:⁠14) ኵላትና ነዚ ሰላም እዚ ብምርካብናን ንዕኡ ኣበርክቶ ብምግባርናን ኣዚና ንሕጐስ ኢና: እዚውን ንኣምላኽ ውዳሰን ክብርን የምጽኣሉ: ኣብ መንፈሳዊ ገነትና ድማ ዓብዪ ግደ ኣለዎ።​—⁠ኢሳይያስ 11:⁠9

ብርሃን የሆዋ ምብራህ ኣይከቋርጽን ኢዩ

13. ብርሃን የሆዋ ኣብ ህዝቡ ኻብ ምብራህ ፈጺሙ ኸም ዘየቋርጽ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

13 የሆዋ ኣብ ህዝቡ ብርሃኑ ብቐጻሊ ኸብርህ ድዩ፧ እወ! ኣብ ኢሳይያስ 60:⁠19, 20 ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ: ኣምላኽኪ ድማ ክብርኺ ኪኸውን እዩ እምበር: ድሕርዚ ጸሓይ ብመዓልቲ ብርሃንኪ ኣይክትከውንን: ወርሒ ኸኣ ብምድማቓ ኣይከተብርሃልክን እያ። እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ ኪዀነልኪ: መዓልትታት ሓዘንኪ ኸኣ ኪውድኣ እየን እሞ: ድሕርዚ ጸሓይኪ ኣይክትዐርብን: ወርሕኺ ድማ ኣይክትጐድልን እያ።” ብ1919 ‘ሓዘን’ ናይቶም መንፈሳውያን ምሩኻት ምስ ኣብቅዐ: ብርሃን የሆዋ ኣብኦም ከብርህ ጀመረ። ሕጂውን ድሕሪ 80 ዓመታት ብርሃን የሆዋ ምብራህ ስለ ዘየቋረጸ ሞገሱ ይረኽቡ ኣለዉ። ኣይከቋርጽን ከኣ ኢዩ። ኣምላኽና ነቶም ኣምለኽቱ ኸም ጸሓይ ‘ኣይዓርብን’ ወይ ከም ወርሒ ‘ኣይጐድልን’ ኢዩ። የግዳስ ንዘለኣለም ብርሃኑ ኸብርሃሎም ኢዩ። እዝስ ነዞም ኣብዘን ድቕድቕ ጸልማት ዝመልአን ዳሕሮት መዓልትታት እንነብር ዘሎና ሰባት ክሳዕ ክንደይ ዘደንቕ መረጋገጺ ዀን ኢዩ ዝዀነና!

14, 15. (ሀ) ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ “ጻድቃን” ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ምስ ኢሳይያስ 60:⁠21 ብምስምማዕ ካልኦት ኣባጊዕ ነየናይ ኣገዳሲ ፍጻሜ ኢዮም ዝጽበዩ፧

14 ሕጂ የሆዋ ብዛዕባ ምድራውያን ወከልቲ ጽዮን ማለት ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ እስራኤል እተዛረቦ መብጽዓ እስከ ስማዕ። ኢሳይያስ 60:⁠21 ከምዚ ትብል:- “ኵሎም ህዝቢ ብዘለዉ ጻድቃን ኪዀኑ: ነታ ሃገር ከኣ ንዘለኣለም ኪወርስዋ እዮም: ንሳቶም ንኽብረይ ዚኸውን ጨንፈር ተኽለይ: ግብሪ ኣእዳወይ እዮም።” ብ1919 ቅቡኣት ክርስትያናት ናብ ንጥፈታቶም ምስ ተመልሱ: ፍልይ ዝበሉ ጕጅለ ህዝቢ ኢዮም ኰይኖም። ኣብዛ ምሉእ ብምሉእ ሓጢኣት ዝወረሳ ዓለም ብመሰረት እቲ ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ የሱስ ዘለዎም ነቕ ዘይብል እምነት ‘ጸዲቖም’ ኢዮም። (ሮሜ 3:⁠24፣ 5:⁠1) ድሕሪኡ: ከምቶም ካብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ዝወጹ እስራኤላውያን: ነታ “ሃገር” ወረስዋ። እዚ ኸኣ ነቲ መንፈሳዊ ገነት ወኒኖምዎ ማለት ኢዩ። (ኢሳይያስ 66:⁠8) እቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ከምቶም ጥንታዎት እስራኤል ዘይእሙናት ስለ ዘይኰኑ: እቲ ኸም ገነት ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ጽባቐ እታ ሃገር ፈጺሙ ኣይክበላሾን ኢዩ። እምነቶምን ጽንዓቶምን ቅንኦምን ወትሩ ንስም ኣምላኽ ክብሪ ኸምጽኣሉ ኢዩ።

15 ኵላቶም ኣባላት ናይቲ መንፈሳዊ ህዝቢ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣትዮም ኢዮም። ሕጊ የሆዋ ኣብ ኣልባቦም ተጻሒፉሎም: ብመሰረት በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ከኣ የሆዋ ሓጢኣቶም ይቕረ ኢሉሎም ኢዩ። (ኤርምያስ 31:⁠31-34) ልክዕ ከም “ውሉድ” ገይሩ ብምውሳድ ኣጽደቖም: ፍጹማት ከም ዝዀኑ ገይሩ ድማ ረኣዮም። (ሮሜ 8:⁠15, 16, 29, 30) እቶም ብጾቶም ካልኦት ኣባጊዕ እውን ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ ሓጢኣቶም ተገዲፍሎም: ከም ኣብርሃም ብእምነቶም ኣዕሩኽ ኣምላኽ ብምዃኖም ድማ ጸዲቖም ኢዮም። ‘ንኽዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕድዮም ኢዮም።’ ካልእ ዘደንቕ በረኸት እውን ይጽበዩ ኢዮም። ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ምስ ደሓኑ ወይ ምስ ተንስኡ: ምልእቲ ምድሪ ገነት ክትከውን ከላ ኢሳይያስ 60:⁠21 ቃል ብቓሉ ኽትፍጸም ክርእይዋ ኢዮም። (ራእይ 7:⁠14፣ ሮሜ 4:⁠1-3) ኣብቲ ግዜ እቲ “ትሑታት . . . ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።”​—⁠መዝሙር 37:⁠11, 29

እቲ ወሰኽ ይቕጽል ኣሎ

16. የሆዋ እንታይ ዘደንቕ መብጽዓ ኢዩ ዝኣተወ: እዝኸ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ብኸመይ ኢዩ፧

16 ኣብ መወዳእታ ቝጽሪ ናይ ኢሳይያስ ምዕራፍ 60 ከምዚ ዝስዕብ ዝብል የሆዋ ንጽዮን ዝኣተዎ ናይ መወዳእታ መብጽዓ ነንብብ ኢና:- “እቲ ንእሽቶስ ሽሕ: እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ።” (ኢሳይያስ 60:⁠22) ኣብዚ ግዜና የሆዋ መብጽዓኡ ሓልዩ ኢዩ። ብ1919 እቶም ቅቡኣት እንደገና ንጥፈታቶም ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን: ብቝጽሪ ሒደት ስለ ዝነበሩ ብሓቂ “ንእሽቶ” ኢዮም ነይሮም። ተወሰኽቲ መንፈሳውያን እስራኤላውያን ምስ መጹ ግን ቍጽሮም ወሰኸ። ብድሕሪኡ ኸኣ ካልኦት ኣባጊዕ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብብዝሒ ኽውሕዙ ጀመሩ። ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ‘ሃገሮም’ ዝረኸብዎ ሰላምን መንፈሳዊ ገነትን ንሓያሎ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ስለ ዝሰሓቦም: “እቲ ኣዝዩ ውሑድ” ብሓቂ “ብርቱዕ ህዝቢ” ዀይኑ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ነቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤልን ካብ ሽዱሽተ ሚልዮን ንዝበዝሑ ህይወቶም ዝወፈዩ ‘መጻእተኛታትን’ ዘጠቓልል “ህዝቢ:” ካብ ብዝሒ ህዝቢ ናይ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ዝዛይድ ኢዩ። (ኢሳይያስ 60:⁠10) ኵሎም እዞም ዜጋታት እዚኣቶም ብርሃን የሆዋ ኣብ ምንጽብራቕ ይካፈሉ ኢዮም: እዚ ድማ ኣብ ኣዒንቱ ባህ ዘብሉ ከም ዝዀኑ ኢዩ ዝገብሮም።

17. ብዛዕባ ኢሳይያስ ምዕራፍ 60 ዝገበርናዮ ምይይጥ ብኸመይ ተንኪፉካ፧

17 እወ: ነዚ ቐንዲ ቐንዲ ነጥብታት ናይ ኢሳይያስ ምዕራፍ 60 ምምርማርና ንእምነትና ዘደልድል ኢዩ። የሆዋ ኣቐዲሙ ህዝቡ ናብ መንፈሳዊ ምርኮ ኸም ዝኸዱን ሓራ ኸም ዝወጹን ይፈልጥ ምንባሩ ምርዳእና የጸናንዓና ኢዩ። ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዓብዪ ወሰኽ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኣቐዲሙ ብምርኣዩ እውን የደንቐና ኢዩ። ብዘይ​ዚውን የሆዋ ኸም ዘይሓድገና ምፍላጥና ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘጸናንዓና! ነቶም “ንዘለኣለም ህይወት ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ሰባት መርሓባ ኢልካ ንምቕባሎም ደጌታት ናይታ “ኸተማ” ኸይተዓጽዋ ምጽንሐንስ ክሳዕ ክንደይ ፍቕራዊ ዀን ኢዩ! (ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠48 NW ) የሆዋ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ምብራህ ኣይከቋርጽን ኢዩ። ደቂ ጽዮን ዘብርህዎ ብርሃን እናደመቐ ስለ ዝኸይድ: ጽዮን ወትሩ መሐበኒ ኽትከውን ኢያ። (ማቴዎስ 5:⁠16) ብርግጽ እምበኣር ምስ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ጠቢቕና ንኽንመላለስን ብርሃን የሆዋ ንኸነንጸባርቕ ዘሎና መሰል ኣኽቢርና ንኽንርዮን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ቘሪጽና ኢና!

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ምጽራር እውን እንተ ኣጋጠመ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

• ደቂ ጽዮን ‘ጸባ ኣህዛብ ዝጠበዉ’ ብኸመይ ኢዮም፧

• የሆዋ ‘ኣብ ክንዲ ዕጨይቲ ነሃሲ’ ዘምጽአ ብኸመይ ኢዩ፧

• ኣብ ኢሳይያስ 60:⁠17, 21 እንታይ ክልተ ባህርያት ኢዩ ጐሊሑ ዘሎ፧

• “እቲ ኣዝዩ ውሑድ” “ብርቱዕ ህዝቢ” ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ትንቢት ኢሳይያስ--ንዅሎም ደቅሰብ ዝኸውን ብርሃን

ኣብዛ ዓንቀጽ ቀሪቡ ዘሎ ትምህርቲ ኣብቲ “መምህራን ቃል ኣምላኽ” ዘርእስቱ ናይ 2001/​2002 ኣውራጃዊ ኣኼባ ብዝርርብ ቀሪቡ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ዝርርብ: ኣብ ዝበዝሕ ቦታታት እታ ትንቢት ኢሳይያስ​—⁠ንዅሎም ደቅሰብ ዝኸውን ብርሃን: ካልአይቲ ጥራዝ ወጺኣ ኢያ። ኣቐዲማ ኣብ ዝነበረት ዓመት ትንቢት ኢሳይያስ​—⁠ንዅሎም ደቅሰብ ዝኸውን ብርሃን: ቀዳመይቲ ጥራዝ ወጺኣ ነይራ። እዘን ሓደስቲ ጽሑፋት እዚኣተን ስለ ዝወጻ ዳርጋ ብምሉኡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ዝርከብ ጥቕስታት እዋናዊ ምይይጥ ክግበረሉ ይከኣል ኢዩ። እዘን ጥራዛት እዚኣተን ነቲ እምነት ዘደልድል ትንቢት ኢሳይያስ ዘሎና ምርዳእን ሞሳን ኣብ ምዕማቝ ሓገዝቲ ኢየን።

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ከቢድ ምጽራር ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ እውን ‘እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብምድሓን ይስልሞ ኢዩ’

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ናይ ኣህዛብ ጥሪትን ብልሓትን ይጥቀሙ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንህዝቡ ኣብ ምምሕዳር ከም ዝመሓየሹ ብምግባርን ሰላም ብምሃብን ባሪኽዎም ኢዩ