ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ንህዝቡ ብብርሃን ይስልሞ

የሆዋ ንህዝቡ ብብርሃን ይስልሞ

የሆዋ ንህዝቡ ብብርሃን ይስልሞ

“ብርሃንኪ መጺኡ: ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ: ተንስኢ: ብርሂ።”​ኢሳይያስ 60:1

1, 2. (ሀ) ወድሰብ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት ኢዩ ዘሎ፧ (ለ) ጠንቂ ናይዚ ንደቅ​ሰብ ኣጐልቢብዎም ዘሎ ጸልማት መን ኢዮም፧

 “ኢሳይያስ ወይ ቅዱስ ጳውሎስ እንተ ዝህልዉ መን ምሃበ!” ነዚ ናይ ጓሂ ቓላት ዘውስአ እቲ ኣብ 1940ታት ናይ ሕ.መ.ኣ. ፕረዚደንት ዝነበረ ሃሪ ትሩማን ኢዩ። ንምንታይ ኢዩ ኸምዚ ዝበለ፧ ዝበለጸ ኽእለት ዘለዎም ጥዑያት መራሕቲ ኸም ዘድልዩ ስለ እተገንዘበ ኢዩ። ዓለም ነቲ ኣብ መበል 20 ዘመን ዘጋጠመ ዝኸፍአ ጸልማት ማለት ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ እተሕልፍ ነዊሕ ኣይገበረትን ነይራ። እንተዀነ ግን: እቲ ውግእ እኳ እንተ ኣብቅዐ: ዓለም ሰላም ኣይረኸበትን። ጸልማትውን ኣይተቐንጠጠን። እወ: ሕጂ እቲ ውግእ ካብ ዘብቅዕ 57 ዓመታት እኳ እንተ ሓለፈ: ዓለም ገና ኣብ ጸላም ኢያ ዘላ። ፕረዚደንት ትሩማን ብህይወት ነይሩ እንተ ዝኸውን: ከም ኢሳይያስ ወይ ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ጥዑያት መራሕቲ ሕጂውን ከም ዘድልዩ ምተገንዘበ ነይሩ።

2 ፕረዚደንት ትሩማን ነዚ ይፈልጦ ነይሩ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ: ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ንደቅ​ሰብ ወሪስዎም ዘሎ ጸልማት ኣብ ጽሑፉ ገሊጹ ኢዩ። ንኣብነት “እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር: ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን” ብምባል ንኣመንቲ ብጾቱ ኣጠንቂቑ ኢዩ። (ኤፌሶን 6:12 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢሉ ንዓለም መንፈሳዊ ጸልማት ኣጐልቢብዋ ኸም ዘሎ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቶም ምንጪ ናይዚ ዝዀኑ “ገዛእቲ ዓለም” እተባህሉ ሓያላት ኣጋንንቲ እውን ከም ዝፈልጦም ኣርእዩ ኢዩ። ሓያላት መንፈሳውያን ፍጥረታት ጠንቂ ናይዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸልማት ካብ ኰኑ: ሰባት ንኽቅንጥጥዎ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧

3. ደቅሰብ ኣብ ጸላም እኳ እንተ ሃለዉ: ኢሳይያስ ነቶም እሙናት ዘበሉ እንታይ ከም ዝረኽቡ ኢዩ እተነበየ፧

3 ብተመሳሳሊውን ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ንደቅ​ሰብ ኣጐልቢብዎም ዘሎ ጸልማት ጽሒፉ ኢዩ። (ኢሳይያስ 8:⁠22፣ 59:⁠9) እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እዚ ግዜና ኣመልኪቱ ኽዛረብ ከሎ ኣብዚ ጸልማት ዝወረሶ ግዜ እውን ከይተረፈ የሆዋ ንኣረኣእያ እቶም ብርሃን ዘፍቅሩ ሰባት ከም ዘብርሆ ተነብዩ ኢዩ። እወ: ጳውሎስን ኢሳይያስን ኣብዚ እዋን እዚ ብኣካል እኳ እንተ ዘየለዉ: እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፋቶም ግን ክመርሓና ይኽእል ኢዩ። እዚ ነቶም ንየሆዋ ዘፍቅርዎ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ በረኸት ምዃኑ ንምርኣይ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 60 ዝርከብ ትንቢታዊ ቓላት ንርአ።

ብትንቢት እተገልጸት ሰበይቲ ብርሃን ኣብርሀት

4, 5. (ሀ) የሆዋ ነታ ሰበይቲ እንታይ ክትገብር ኢዩ ኣዚዝዋ: እንታይ መብጽዓኸ ኢዩ ኣትዩላ፧ (ለ) ኢሳይያስ ምዕራፍ 60 እንታይ ዘሐጕስ ሓበሬታ ኢያ ሒዛ ዘላ፧

4 እተን ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 60 ዝርከባ ናይ መጀመርታ ቓላት ንሓንቲ ኣብ ሕማቕ ኵነታት እትርከብ ሰበይቲ እተዘርባ ኢየን፣ ኣብ ጸልማት ኣብ ባይታ ኢያ ተሰጢሓ ዘላ። ብሃንደበት ግን ኣብቲ ደልሃመት ጩራ ብርሃን በርሀ፣ የሆዋ ድማ “ብርሃንኪ መጺኡ: ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ: ተንስኢ: ብርሂ” በላ። (ኢሳይያስ 60:⁠1) እታ ሰበይቲ ተንሲኣ ብርሃን ወይ ክብሪ ኣምላኽ እተንጸባርቐሉ ግዜ መጸ። ስለምንታይ፧ መልሲ ናይዚ ኣብታ ቐጺላ ዘላ ቝጽሪ ተገሊጹ ኣሎ:- “እንሆ: ጸልማት ንምድሪ: ጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም: ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኺ ኺወጽእ: ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኺርኤ እዩ።” (ኢሳይያስ 60:⁠2) እታ ሰበይቲ ንየሆዋ ምስ ተኣዘዘቶ: ዘደንቕ ፍረ ኸም እትረክብ መረጋገጺ ተዋህባ። የሆዋ “ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ: ነገስታት ከኣ ናብ ጸዳል ምብራቕኪ ኺመጹ እዮም” በላ።​—⁠ኢሳይያስ 60:⁠3

5 ኣብዘን ሰለስተ ቝጽርታት ዝርከብ ዘሐጕስ ቃላት ነቲ ኣብ ዝተረፈ ኽፋል ናይ ኢሳይያስ ምዕራፍ 60 ዝርከብ ሓሳባት ጽሙቝ ኣቢሉ ኢዩ ዝገልጾ። ብዛዕባ እታ ብትንቢት ተገሊጻ ዘላ ሰበይቲ እተሕልፎ ነገራት ይንበ ከምኡውን ንደቅ​ሰብ ጸልማት ኣጐልቢብዎም እኳ እንተሎ: ብኸመይ ብብርሃን የሆዋ ክንመላለስ ከም እንኽእል ይሕብረና። እንተዀነ ግን: እዚ ኣብዘን ሰለስተ ቍጽርታት ዘንበብናዮ ትንቢት ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

6. እታ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 60 ተጠቒሳ ዘላ ሰበይቲ መን ኢያ: ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ወከልታኸ መን ኢዮም፧

6 እታ ኣብ ኢሳይያስ 60:⁠1-3 ተጠቒሳ ዘላ ሰበይቲ ጽዮን ማለት ብመንፈሳውያን ፍጡራት ዝቘመት ሰማያዊት ማሕበር የሆዋ ኢያ። ሎሚ ምድራውያን ወከልቲ ጽዮን እቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኰይኖም ንኽገዝኡ ተስፋ ዘለዎም ተረፍ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል:” ማለት ኣህጕራዊ ማሕበር ናይቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ኢዮም። (ገላትያ 6:⁠16) እዚ መንፈሳዊ ህዝቢ እዚ 144,000 ኣባላት ኣለዉዎ፣ ዘመናዊ ፍጻመ ኢሳይያስ ምዕራፍ 60 ኸኣ ኣብቶም ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኣብ ምድሪ ብህይወት ዘለዉ ዘተኰረ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1፣ ራእይ 14:⁠1) እቲ ትንቢት ብዛዕባ እቶም “ዓብዪ ጭፍራ” ናይተን “ኻልኦት ኣባጊዕ” ዝበሃሉ ብጾት ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት እውን ብዙሕ ይገልጽ ኢዩ።​—⁠ራእይ 7:⁠9፣ ዮሃንስ 10:⁠16

7. ብ1918 ኵነታት ጽዮን ከመይ ነበረ: እዚ ብትንቢት እተነግረኸ ብኸመይ ኢዩ፧

7 ከምቲ ነታ ብትንቢት ተገሊጻ ዘላ ሰበይቲ ዘጋጠማ: እዞም “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ኣብ ጸልማት ዝነበሩሉ ግዜ ነይሩ ድዩ፧ እወ: ቅድሚ 80 ዓመት ኣቢሉ ኸምዚ ኣጋጢሙ ኢዩ። ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም: ቅቡኣት ክርስትያናት ነቲ ዕዮ ምስክርነት ንምቕጻል ብርቱዕ ቃልሲ ገይሮም ኢዮም። ኣብታ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝካየደላ ዝነበረት ናይ መወዳእታ ዓመት ማለት ብ1918 እቲ እተወደበ ዕዮ ስብከት ዳርጋ ኣቋሪጹ ነይሩ ኢዩ። እቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ኣብ ምዕዛብ ሓላፍነት ዝነበሮ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድን ካልኦት ሓላፍነት ዝነበሮም ክርስትያናትን ብናይ ሓሶት ክሲ ናይ ነዊሕ ግዜ ማእሰርቲ ተፈርዱ። ኣብ መጽሓፍ ራእይ እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት “ኣብ ኣደባባይ እታ . . . ብመንፈሳዊ ሓሳብ . . . ሶዶምን ግብጽን እትብሀል ዓባይ ከተማ” ኸም እተደርበዩ ሬሳታት ኰይኖም ብትንቢት ተገሊጾም ኣለዉ። (ራእይ 11:⁠8) እቲ እዋን እቲ: ነታ ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ቕቡኣት ደቃ ዝወከልዋ ጽዮን ብሓቂ ጸልማት ኢዩ ነይሩ!

8. ብ1919 እንታይ ዓብዪ ለውጢ ኢዩ እተገብረ: እንታይ ፍረኸ ተረኽበ፧

8 ይኹን እምበር: ብ1919 ዘደንቕ ለውጢ ተገብረ። የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጽዮን ብርሃኑ ኣብርሀ! እቶም ዝተረፉ ኽፍሊ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ከይፈርሁ እንደገና ነቲ ብስራት ንምእዋጅ ስጕምቲ ብምውሳዶም ብርሃን ኣምላኽ ኣንጸባሪቖም ኢዮም። (ማቴዎስ 5:⁠14-16) ሳላ እቲ ኸም ብሓድሽ እተወልዐ ቕንኢ ናይዞም ክርስትያናት ድማ ካልኦት ናብ ብርሃን የሆዋ ተሳሕቡ። እቶም ኣብ መጀመርታ ዝመጹ ከም ተወሰኽቲ ኣባላት ናይ ኣምላኽ እስራኤል ብምዃን ተቐብኡ። ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንክርስቶስ መዋርስቱ ስለ ዝዀኑ ኣብ ኢሳይያስ 60:⁠3 ነገስታት ተባሂሎም ኣለዉ። (ራእይ 20:⁠6) ጸኒሖም ዓብዪ ጭፍራ ናይተን ካልኦት ኣባጊዕ ናብ ብርሃን የሆዋ ተሳሕቡ። እዚኣቶም እቶም ኣብቲ ትንቢት “ኣህዛብ” ተባሂሎም ዘለዉ ኢዮም።

ደቃ ነታ ሰበይቲ ናብ ቤቶም መጹ!

9, 10. (ሀ) እታ ሰበይቲ እንታይ ባህ ዘብል ትርኢት ኢያ ዝረኣየት: እዚኸ ንምንታይ የመልክት፧ (ለ) ጽዮን ንኽትሕጐስ እንታይ ምኽንያት ኣለዋ፧

9 ድሕርዚ የሆዋ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 60:⁠1-3 ተጠቒሱ ዘሎ ሓበሬታ ብዝርዝር ክገልጾ ጀመረ። ነታ ሰበይቲ ኻልእ ትእዛዝ ሃባ። እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንርአ:- “ኣዒንትኺ ናብ ዙርያ ቛሕ ኣብሊ እሞ ጠምቲ።” እታ ሰበይቲ ኸምቲ እተባህለቶ ገበረት: ኣየ ኸመይ ዝበለ ባህ ዘብል ትርኢት ኰን ኢያ ዝረኣየት! ደቃ ናብ ቤቶም ይመጹ ኣለዉ። እታ ጥቕሲ ቐጺላ ኸምዚ ትብል:- “ኵሎም ተአኪቦም ናባኺ ይመጹ አለዉ: ኣወዳትኪ ኻብ ርሑቕ: ኣዋልድኪውን ተሐቝፈን ይመጹ አለዉ።” (ኢሳይያስ 60:⁠4) እቲ ብ1919 ዝጀመረ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ: ብኣሽሓት ንዝቝጸሩ ሓደስቲ ሰባት ናብ ኣገልግሎት የሆዋ ሰሓቦም። እዚኣቶም እውን ‘ኣወዳትን ኣዋልድን’ ጽዮን ማለት ቅቡኣት ኣባላት ናይ ኣምላኽ እስራኤል ኰኑ። ስለዚ የሆዋ ነቶም ናይ መወዳእታ ክፋል 144,000 ናብቲ ብርሃን ምስ ሰሓቦም ንጽዮን ሰለማ።

10 ጽዮን ደቃ ምስ መጽዋ እተሓጐሰቶ ታሕጓስ ኣብ ኣእምሮኻ ክትስእሎዶ ምኸኣልካ፧ ኣብ ርእሲ እዚውን የሆዋ ኸምዚ ዝስዕብ ካልእ ንጽዮን ዘሐጕሳ ነገር ተዛረበ:- “ምልኣት ባሕሪ ናባኺ ኺምለስ: ሃብቲ ኣህዛብ ከኣ ናባኺ ኺመጽእ እዩ እሞ: ሽዑ ኽትርእዪ: ብታሕጓስ ድማ ከተንጸባርቒ ኢኺ: ልብኺውን ትርግርግ ኪብልን ኪርሕብን እዩ።” (ኢሳይያስ 60:⁠5) ምስዚ ትንቢታዊ ቓላት እዚ ብምስምማዕ ካብ 1930ታት ኣትሒዙ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንኽነብሩ ተስፋ ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ናብ ጽዮን ውሒዞም ኢዮም። እዚኣቶም ካብቶም ከም “ባሕሪ” ዝኣመሰሉ ኻብ ኣምላኽ እተፈልዩ ደቅሰብ ኢዮም ወጺኦም: ንሃብቲ ኣህዛብ ዝውክሉ ኸኣ ኢዮም። እዚኣቶም “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” ኢዮም። (ሃጌ 2:⁠7፣ ኢሳይያስ 57:⁠20) እዞም “ክቡር ነገር” ተባሂሎም ዘለዉ ነፍሲ ወከፎም በብመገዶም ንኣምላኽ ከገልግሉ ይኸዱ ኸም ዘየለዉ ኣስተውዕል። እወ: ምስቶም ቅቡኣት ኣሕዋቶም ‘ሓደ መጓሰን’ ኣብ ትሕቲ ‘ሓደ ጓሳን’ ኰይኖም ሓቢሮም ንኸምልኹ ብምምጻእ ንጽዮን ስልማት ኰይኖምዋ ኢዮም።​—⁠ዮሃንስ 10:⁠16

ነጋዶን ጓሶትን ናብ ጽዮን መጹ

11, 12. ናብ ጽዮን እንታይ ዓይነት ሰባት ከም እተጓዕዙ ግለጽ።

11 እዚ ብትንቢት ተገሊጹ ዝነበረ ምእካብ ኣብቶም ንየሆዋ ዝውድሱ ሰባት ዘደንቕ ወሰኽ ኣምጺኡ ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣብዚ ቐጺሉ ዘሎ ትንቢታዊ ቓላት ተገሊጹ ኣሎ። ምስታ ብትንቢት እተገልጸት ሰበይቲ ኣብ ከረን ጽዮን ደው ኢልካ ኸም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ናብ ምብራቕ ገጽካ ቝሊሕ ምስ እትብል እንታይ ኢኻ እትርኢ፧ “ብዝሒ ኣግማልን ረብዓት ኣግማል ሚድያንን ኤፋን ኪለማኺ እየን: ኵላቶም ካብ ሳባ ኺመጹ: ወርቅን ዕጣንን ኬምጽኡ: ውዳሴ እግዚኣብሄር ከኣ ኪነግሩ እዮም።” (ኢሳይያስ 60:⁠6) ብዙሓት ነጋዶ ምስ ቃፍላይ ኣግማሎም ናብ የሩሳሌም ገጾም ይጓዓዙ ኣለዉ። እተን ኣግማል ከኣ ካብ ብዝሐን እተላዕለ ንምድሪ ኸደንኣ! እቶም ነጋዶ ኽቡር ውህበት ማለት “ወርቅን ዕጣንን” ሒዞም ‘ውዳሴ እግዚኣብሄር ንኽነግሩ’ ማለት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምእንቲ ኽውድስዎ ናብ ብርሃኑ ይመጹ ኣለዉ።

12 እቶም ዝመጹ ዘለዉ ነጋዶ ጥራይ ኣይኰኑን። ጓሶት እውን ናብ ጽዮን ይውሕዙ ኣለዉ። እቲ ትንቢት ቐጺሉ “ኵላተን መጓሴታት ቄዳር ናባኺ ኺእከባ: ድቤላታት ኔባዩት ኬገልግሉኺ” ይብል። (ኢሳይያስ 60:⁠7ሀ) መጓሰ ዘለዎም ነገዳት ካብ መጓሰኦም ዘዝበለጻ ንኽውፍዩ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ይመጹ ኣለዉ። ንጽዮን ንኸገልግሉ ገዛእ ርእሶም እውን ወፍዮም ኢዮም! የሆዋ ነዞም መጻእተኛታት ብኸመይ ኢዩ ዝቕበሎም፧ ኣምላኽ ባዕሉ “ባህ ንምባለይ ናብ መሰውእየይ ኪስውኡ እዮም: ኣነውን ንቤት ክብረይ ከኽብሮ እየ” ብምባል መልሲ ሃበ። (ኢሳይያስ 60:⁠7ለ) የሆዋ ነቲ እዞም መጻእተኛታት ሒዞምዎ ዝመጹ ወፈያታትን ዝህብዎ ኣገልግሎትን ባህ ኢልዎ ኢዩ ዝቕበሎ። ናብቲ ቦታ ምምጽኦም ንቤተ መቕደሱ ዝስልም ኢዩ።

13, 14. ብሸነኽ ምዕራብ እንታይ ኢየን ዝመጻ ዘለዋ፧

13 ሕጂ ብሓሳብካ ናብ ምዕራባዊ ሸነኽ ገጽካ ጠምት። እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧ ብማዕዶ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ጻዕዳ ደበና ዝመስል ይርአ ኣሎ። የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ሓተተ:- “እዞም ከም ደበናን ከም ናብ ኣባይተን ዚነፍራ ረገቢትን ዚመጹ እንታዎት እዮም፧” (ኢሳይያስ 60:⁠8) ባዕሉውን ከምዚ ኢሉ መለሰ:- “ደሴታት ይጽበያኒ: ንሱ ኣኽቢሩኪ እዩ እሞ: ንደቅኺ ምስ ብሩሮምን ወርቆምን ናብ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ: ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ: ካብ ርሑቕ ምእንቲ ኼምጽኣስ: መራኽብ ተርሲስ ቅድም ኪመጻ እየን።”​—⁠ኢሳይያስ 60:⁠9

14 ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ ክትስእሎዶ ምኸኣልካ፧ እቲ ጻዕዳ ደበና እናቐረበ ይመጽእ ኣሎ: ሕጂ ነጠብጣብ መሲሉ ይርአ ኣሎ። ብማዕዶ ኽትሪኦ ጥቓ እቲ ባሕሪ ዝነፍራ ዘለዋ ኣዕዋፍ ይመስል: እናቐረበ ምስ መጸ ግን ጋንጽላአን ገቲረን ዝሰፋ መራኽብ ኢየን። ናብ የሩሳሌም ገጸን ዝመጻ ዘለዋ መራኽብ ኣዝየን ብዙሓት ስለ ዝዀና ጸዓዱ ረገቢት ኢየን ዝመስላ። ካብ ርሑቕ ቦታታት ንየሆዋ ንኸምልኹ ናብ የሩሳሌም ገጾም ዝመጹ ኣመንቲ ዝጸዓና መራኽብ ብፍጥነት ይግስግሳ ኣለዋ።

ማሕበር የሆዋ ዓበየት

15. (ሀ) ኣብ ኢሳይያስ 60:⁠4-9 እንታይ ወሰኽ ኢዩ ብትንቢት እተነገረ፧ (ለ) ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ መንፈስ ኢዮም ዘርእዩ፧

15 ቍጽሪ 4 ክሳዕ 9 ብዛዕባ እቲ ኻብ 1919 ኣትሒዙ ዘጋጠመ ዓለምለኻዊ ወሰኽ ከመይ ዝበለ ንጹር ትንቢታዊ ስእሊ ዀን ኢዩ ዝስእለልና! የሆዋ ንጽዮን እዚ ወሰኽ እዚ ንኽትገብር ዝባረኻ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ኻብ 1919 ኣትሒዞም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ብተኣዛዝነትን ብዘይ​ምቍራጽን ብርሃን የሆዋ ኣብሪሆም ኢዮም። ብመሰረት ቍጽሪ 7 ግን እቶም ሓደስቲ ሰባት ‘ናብ መሰውኢ [ኣምላኽ]’ ከም ዝመጹ ኣስተብሂልካዶ፧ መሰውኢ ኽበሃል ከሎ መስዋእትታት ዝቐርበሉ ቦታ ኢዩ: እዚ ኽፋል ናይዚ ትንቢት ከኣ ኣገልግሎት የሆዋ መስዋእቲ ዝሓትት ምዃኑ ኢዩ ዘዘኻኽረና። ሃዋርያ ጳውሎስ “ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ . . . እምዕደኩም አሎኹ: እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኢዩ። (ሮሜ 12:⁠1) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምስዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ ብምስምማዕ ኣብ እተወሰነ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ኣብ ሰሰሙን ብምእካቦም ጥራይ ኣይዓግቡን ኢዮም። ጽሩይ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ግዜኦምን ጕልበቶምን ጥሪቶምን ይውፍዩ ኢዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውፉያት ኣምለኽቲ: ንቤት የሆዋ ስልማትዶ ኸይኰኑ፧ ትንቢት ኢሳይያስ ስልማት ከም ዝዀኑ ኢዩ ዝገልጽ። ብተወሳኺውን እዞም ቀናኣት ኣምለኽቲ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ባህ ዘብሉ ምዃኖም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

16. ነቲ ኣብ ጥንቲ እተገብረ ዳግመ ህንጻ ኣበርክቶ ዝገበሩ መን ኢዮም: ኣብዚ ግዜና ኸምኡ ዝገበሩኸ መን ኢዮም፧

16 እቶም ሓደስቲ መጻእተኛታት ክዓዩ ይደልዩ ኢዮም። እቲ ትንቢት ቀጺሉ “ደቂ መጻእተኛታት ንቐጽርኺ ኺነድቅዎ: ነገስታቶም ከኣ ኬገልግሉኺ እዮም” ይብለና። (ኢሳይያስ 60:⁠10) እዘን ቃላት እዚኣተን ናይ መጀመርታ ፍጻሜአን ኣብ ዝረኸባሉ እዋን ማለት እስራኤላውያን ካብ ምርኮ ባቢሎን ክምለሱ ኸለዉ: ነገስታትን ካልኦት ኣህዛብን ነታ ቤተ መቕደስን ንኸተማ የሩሳሌምን ኣብ ምህናጽ ሓገዝ ገይሮም ኢዮም። (እዝራ 3:⁠7፣ ነህምያ 3:⁠26) ኣብዚ ዘመናዊ ፍጻሜኡ ኸኣ እቶም ዓብዪ ጭፍራ ነቶም ቅቡኣት ተረፍ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ምህናጽ ይሕግዝዎም ኢዮም። ክርስትያናዊ ጉባኤታት ኣብ ምህናጽ ይሕግዙ: በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ኸም ናይ ከተማ ዝኣመሰለ ‘ቐጽሪ’ ማሕበር የሆዋ የጽንዕዎ። ብተወሳኺውን ኣደራሻት መንግስቲ: ኣደራሻት ኣሰምብሊ: ከምኡውን ህንጻታት ቤትኤል ቃል ብቓሉ ኣብ ምህናጽ ይካፈሉ ኢዮም። በዚ ዅሉ እተጠቕሰ መገድታት ኣቢሎም ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቶም ነታ እናሰፍሐት እትኸይድ ዘላ ማሕበር የሆዋ ኣብ ምእላይ ይሕግዝዎም ኢዮም!

17. የሆዋ ሓደ ኻብቲ ንህዝቡ ዝሰለመሉ መገዲ እንታይ ኢዩ፧

17 ኣብ ኢሳይያስ 60:⁠10 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት ክሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን ኢዩ! የሆዋ “ብዅራይ ወቒዔኪ: ብለውሃተይ ግና ምሒረኪ እየ” በለ። እወ: ብ1918/19 የሆዋ ንህዝቡ ገሲጽዎ ኢዩ። እዚ ግን ሓሊፉ ኢዩ። ሕጂ የሆዋ ንቕቡኣት ኣገልገልቱን ንብጾቶም ካልኦት ኣባጊዕን ምሕረት ዘርእየሉ እዋን ኢዩ። ሓለፍ ዝበለ ወሰኽ ንኽገብሩ ብምሕጋዝ ስለ ዝባረኾም ወይ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ስለ ‘ዝሰለሞም’ ምሕረት ከም ዘርኣዮም መርትዖ ኢዩ።

18, 19. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባ እቶም ናብ ማሕበሩ ዝመጹ ሓደስቲ ሰባት እንታይ መብጽዓ ኢዩ ዝኣተወ፧ (ለ) እተን ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 60 ዝርከባ ዝተረፋ ቝጽርታት እንታይ ኢየን ዝነግራና፧

18 ዓመት ዓመት ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሓደስቲ “መጻእተኛታት” ምስ ማሕበር የሆዋ ይሓብሩ ኣለዉ: እቲ ደጌታት ድማ ሕጂውን ክፉት ኢዩ ዘሎ። የሆዋ ንጽዮን ከምዚ በላ:- “ሃብቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኼእትዉልኪ: ነገስታቶም ድማ ተዐጅቦም ኪአትዉኽስ: ደጌታትኪ ዅሉ ጊዜ ኽፉት ኪኸውን: ለይትን መዓልትን ኣይኪዕጾን እዩ።” (ኢሳይያስ 60:⁠11) ገሊኣቶም ተጻረርቲ ነዚ “ደጌታት” እዚ ኽዓጽዉዎ ይጽዕሩ ኢዮም: ክዕወቱ ኸም ዘይክእሉ ግን ንፈልጥ ኢና። የሆዋ ባዕሉ እቲ ደጌታት ክፉት ኰይኑ ኸም ዝጸንሕ ተዛሪቡ ኢዩ። እቲ ወሰኽ ኣይከቋርጽን ኢዩ።

19 የሆዋ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንህዝቡ ዝባረኸሉ ወይ ዝሰለመሉ ኻልእ መገድታት እውን ኣሎ። እተን ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 60 ዝርከባ ዝተረፋ ቍጽርታት ነዚ ብትንቢት ይገልጽኦ ኢየን።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• እታ ኣምላኽ እተዛረበላ ሰበይቲ መን ኢያ: ኣብ ምድሪ ዝውክልዋኸ መን ኢዮም፧

• ደቂ ጽዮን ኣብ መሬት ተሰጢሖም ዝነበሩሉ እዋን መዓስ ኢዩ: መዓስን ብኸመይንከ ኢዮም ‘ዝተንስኡ፧’

• የሆዋ ብእተፈላለየ ምልክታት ገይሩ ብዛዕባ እዚ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ወሰኽ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተነበየ ብኸመይ ኢዩ፧

• የሆዋ ብርሃኑ ኣብ ህዝቡ ኸም ዝበርህ ዝገበረ ብኸመይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እታ የሆዋ እተዛረበላ ሰበይቲ ኽትትንስእ ተነግራ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

እተን መራኽብ ብማዕዶ ኽረኣያ ኸለዋ ረገቢት ኢየን ዝመስላ