ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ብመንፈሳዊ ጕዳይ ዝመጸ ርእሳ ኽትጕልበብ ዘለዋ ኣብ ከመይ ዝበለ ኣጋጣሚታት ኢዩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሰበይቲ ዘበለት ኵላ ግና ክትጽሊ ወይስ ትንቢት ክትንበ ኸላ: ርእሳ እንተ ዘይተጐልበበት . . . ርእሳ ተሕስር እያ።” ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብመሰረት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ንርእስነት ዝምልከት መሰረታዊ ስርዓት “ርእሲ ሰበይቲ ሰብኣይ ኢዩ።” ከም ንቡር ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ ምጽላይን ምስባኽን ሓላፍነት ዘለዎ ሰብኣይ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ነቲ ብበዓል ቤታ ወይ ብኻልእ ሓው ክግበር ዝነበሮ ንኣምልኾ ዝምልከት ጕዳይ ብሓላፍነት ክትመርሕ ኣብ እትድለየሉ እዋን ርእሳ ኽትጕልበብ ኣለዋ።​—⁠1 ቈረንቶስ 11:⁠3-10

ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ኣብ ሓዳራ እውን ርእሳ ክትጕልበብ ዘድልየሉ ኣጋጣሚታት ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ኣባላት ስድራ​ቤት ሓቢሮም መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘጽንዑሉ ወይ ንመኣዲ ኣብ ዝቕረቡሉ እዋን ዝምህሮምን ኣብ ክንድኦም ኰይኑ ናብ ኣምላኽ ዝጽልን ዝበዝሕ ግዜ ሰብኣይ ኢዩ። ኣማኒ እንተ ዘይኰይኑ ግን ነዚ ሓላፍነት እዚ እትስከም ሰበይቱ ኢያ። ስለዚ ሓንቲ ሓብቲ በዓል ቤታ ኸሎ ነታ ስድራ​ቤት ወኪላ ኣብ እትጽልየሉ ወይ ንደቃ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እትመርሓሎም እዋን ርእሳ ኽትጕልበብ ኣለዋ። በዓል ቤታ እንተ ዘይሃልዩ ግን ንደቃ ክትምህር መለኮታዊ ሓላፍነት ስለ ዘለዋ ምጕልባብ ኣየድልያን ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 1:⁠8፣ 6:⁠20

ኣብታ ስድራ​ቤት ንየሆዋ ኣምላኽ ዘገልግል ህይወቱ ወፍዩ እተጠመቐ ቘልዓ ምስ ዝህሉኸ፧ እዚ ቘልዓ እዚ ኣባል እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ስለ ዝዀነ: ክመሃር ዘለዎ ካብቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮ ኢዩ። (1 ጢሞ. 2:⁠12) ኣቦኡ ኣማኒ እንተ ዀይኑ ድማ ክምህሮ ኣለዎ። እቲ ኣቦ ኣብ ዘይህልወሉ እዋናት ግን እታ ኣደ ነቲ እተጠመቐ ሓዊስካ ንደቃ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እትመርሓሉ እዋን ርእሳ ኽትጕልበብ ኣለዋ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ወይ ኣብ መኣዲ: ወዳ ኽጽሊ ኣለዎ ድዩ የብሉን ንሳ ኢያ እትውስኖ። ክእለት የብሉን ኢላ ብምሕሳብ ባዕላ ኽትጽሊ ምስ እትመርጽ ርእሳ ኽትጕልበብ ኣለዋ።

ክርስትያን ኣሓት ኣብ ገለገለ ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ኣብ ዝካፈላሉ ግዜ ርእሰን ክጕልበባ ከድልየን ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዝግበር ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ኣሓት ጥራይ ክርከባ ይኽእላ ኢየን። ሓደ ጥሙቕ ሓው እኳ ዘይብሉ ኣሓት ጥራይ ዝርከባሉ ካልእ ናይ ጉባኤ ኣኼባ እውን ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ ሓብቲ እቲ ብሓደ ሓው ክቐርብ ዝነበሮ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ወይ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ክትመርሕ እንተደኣ ዀይና ርእሳ ኽትጕልበብ ኣለዋ።

ክርስትያናት ኣሓት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ናብ ካልእ ቋንቋ ኣብ ዝትርጕማሉ እዋን ወይ ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ክሕግዝ ተባሂሉ ካብ እተዳለወ ሓደ መጽሓፍ ወይ መጽሔት ኣብ ጉባኤ ኣብ ቅድሚ ተኣከብቲ ኣብ ዘንብባሉ እዋን ርእሰን ክጕልበባ የድልየን ድዩ፧ ኣየድልየንን ኢዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ እተን ኣሓት ይመርሓ ወይ ይምህራ ኣይኰናን ዘለዋ። ብተመሳሳሊ: መርኣያ ከቕርባ ኸለዋ: ተመኵሮ ኣብ ዘዘንትዋሉ እዋን: ወይ እውን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ናይ ተማሃራይ ዝርርብ ክህባ ኸለዋ ርእሰን ክጕልበባ ኣየድልየንን ኢዩ።

ኣብ ጉባኤ ናይ ምምሃር ሓላፍነት ዘለዎም እተጠመቑ ሰብኡት እኳ እንተዀኑ ካብ ጉባኤ ወጻኢ ግን ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ናይ ምስባኽን ምምሃርን ሓላፍነት ኣለዎም። (ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20) ስለዚ ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ምስ ሓደ ሓው ኰይና ንኻልኦት ቃል ኣምላኽ ኣብ እትሰብከሉ ግዜ ርእሳ ኽትጕልበብ ኣየድልያን ኢዩ።

ይኹን እምበር: ስርዓታዊ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ሓደ እተጠመቐ ሓው ምስ ዝህሉ እቲ ዅነታት ፍልይ ዝበለ ኢዩ። ኣብዚ መደብ እዚ እቲ ዝምህር ነቲ መጽናዕቲ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እቲ መጽናዕቲ ካብ ጉባኤ ብዙሕ ዝፍለ ኣይኰነን። ስለዚ ሓንቲ ሓብቲ ምስ ሓደ እተጠመቐ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ጽንዓት ምስ እትመርሕ ርእሳ ኽትጕልበብ ኣለዋ። ክጽሊ ዘለዎ ግን እቲ ሓው ኢዩ። ሓው ከሎ ሓብቲ ኽትጽሊ ኣይትኽእልን ኢያ። ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ግን: ንኣብነት እቲ ሓው ክዛረብ ዘይክእል እንተደኣ ዀይኑ ወኪላ ኽትጽሊ ትኽእል ኢያ።

ሓንቲ ሓብቲ ምስ ሓደ ዘይተጠመቐ ኣስፋሒ ዀይና ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓሉ ኣጋጣሚ ኽህሉ ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ እዋንዚ እንተ ደልያ ንሱ ንኽመርሕ ክትሓቶ ትኽእል ኢያ። ብጸሎት ዝመጸ ግን ነታ ጥምቕቲ ሓብቲ ብግቡእ ክውክላ ስለ ዘይክእል ባዕላ ኽትጽሊ ኣለዋ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ጽንዓት ክትመርሕን ክትጽልን ከላ ርእሳ ኽትጕልበብ ኣለዋ። እቲ ኣስፋሒ ዋላኳ ዘይተጠመቐ እንተዀነ ካልኦት ግን በቲ ዕዮ ስብከቱ ከም ኣባል ናይታ ጉባኤ ኢዮም ዝፈልጥዎ።

ሃዋርያ ጳውሎስ “ምእንቲ እቶም መላእኽቲ ንሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ምልኪ ኺህልዋ ይግባእ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። እወ: ክርስትያናት ኣሓት ነዞም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ንየሆዋ ወትሩ ብትሕትና ዝግዝኡ መላእኽቲ ኣብነት ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ተዋሂብወን ኣሎ። ስለዚ እምበኣር ፍርሃት ኣምላኽ ዘለወን ኣንስቲ ኣብቲ ዘድልየሉ እዋን ርእሰን ምጕልባብ ኣርዚነን ክወስዳኦ ግቡእ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ምጕልባብ: ርእስነት ናይ ምኽባር ምልክት ኢዩ