ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሓቂ ግን ሲኦል እንታይ ኢዩ፧

ብሓቂ ግን ሲኦል እንታይ ኢዩ፧

ብሓቂ ግን ሲኦል እንታይ ኢዩ፧

 እታ “ሲኦል” እትብል ቃል ክትሰምዕ ከሎኻ ኣብ ሓሳብካ ዝመጸካ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ሲኦል ሓጥኣን ዝቕጽዕሉ ቦታ ጌርካ ኢዩ ዝውሰድ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓጢኣትን ሳዕቤኑን ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ።” (ሮሜ 5:⁠12) ኣብ ርእሲ እዚውን “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ” ይብለና። (ሮሜ 6:23) ናይ ሓጢኣት መቕጻዕቲ ሞት ካብ ኰነ እቲ ቕኑዕ ትርጕም ሲኦል ንምውሳን ዝሕግዘና መሰረታዊ ሕቶ: ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን ዝብል ኢዩ፧

ህይወት ድሕሪ ሞት ካልእ መልክዕ ሒዛ ወይ ካልእ ዓይነት ኰይና ትቕጽል ድያ፧ ሲኦል እንታይ ኢዩ: ናብኡ ዝኸዱኸ እንታይ ዓይነት ሰባት ኢዮም፧ ነቶም ኣብ ሲኦል ዘለዉ ገለ ተስፋ ኣለዎምዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶታት እዚ ናይ ሓቅን ዘዕግብን መልሲ ይህበና ኢዩ።

ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ ድዩ፧

ምስ ሞትና ካባና ተፈልዩ ዝቕጽል ኣብ ውሽጥና ዝነብር ነፍሲ ወይ መንፈስ ኣሎ ድዩ፧ ኣዳም እቲ ቐዳማይ ሰብ ብኸመይ ህይወት ክረክብ ከም ዝኸኣለ ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ: ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ” ይብለና። (ዘፍጥረት 2:7) ኣዳም ብህይወት ንኽነብር ምትንፋስ ዘድልዮ እኳ እንተ ነበረ: ኣብ ኣፍንጫኡ “ትንፋስ ህይወት” ኡፍ ምባል ናብ ሳናብኡ ኣየር ካብ ምእታው ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ኣምላኽ ነቲ ህይወት ዘይነበሮ ኣካላት ኣዳም “ሓይሊ ህይወት” ኣንቢሩሉ ማለት ኢዩ። እዚ ሓይሊ ህይወት እዚ ድማ ኣብ ኵሎም ፍጡራቱ ዝርከብ ኢዩ። (ዘፍጥረት 6:⁠17 NW ፣ 7:⁠22 NW ) መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓይሊ ህይወት እዚ “መንፈስ” ኢሉ ኢዩ ዝዛረበሉ። (ያእቆብ 2:⁠26) እቲ መንፈስ እቲ ምስቲ ንሓደ ማሽን ወይ መሳርሒ ኸም ዝንቀሳቐስ ዝገብር ሓይሊ ኤለክትሪክ ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ዋሕዚ ኤለክትሪክ ፈጺሙ ባህርይ ናይቲ መሳርሒ ዘይሕዝ: ሓይሊ ህይወት እውን ባህርይ ናይቶም ህያው ዝገብሮም ፍጥረታት ኣይሕዝን ኢዩ። መለለዪ ባህርይ ዀነ ናይ ምሕሳብ ክእለት የብሉን።

ሰብ ምስ ሞተ እቲ መንፈሱ እንታይ ኢዩ ዝኸውን፧ መዝሙር 146:⁠4 “ትንፋሱ [“መንፈሱ:” NW ] ይወጽእ: ናብ መሬቱ ይምለስ: በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ” ትብለና። ሰብ ምስ ሞተ እቲ ኣካል ዘይብሉ መንፈሱ ከም መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ኣብ ካልእ ዓለም ኣይነብርን ኢዩ። ‘ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ኢዩ ዝምለስ።’ (መክብብ 12:7) እዚ ድማ እቲ ሰብ ዘለዎ ዝዀነ ይኹን መጻኢ ተስፋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣምላኽ እተመርኰሰ ምዃኑ ዘመልክት ኢዩ።

ከም እኒ ሶቅራጠስን ፕላቶን ዝኣመሰሉ ናይ ጥንቲ ፈላስፋታት ኣብ ውሽጢ ሰብ ዘላ ነፍሲ ድሕሪ ሞት ካብኡ ተፈልያ ከይሞተት ትነብር ኢያ ዝብል እምነት ኢዩ ነይርዎም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነፍሲ እንታይ ኢዩ ዝምህር፧ ዘፍጥረት 2:⁠7 ኣዳም “ህያው ነፍሲ ዀነ” ትብለና። ነፍሲ ኣይተቐበለን፣ ንሱ ንገዛእ ርእሱ ነፍሲ ማለት ምሉእ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ነፍሲ ዕዮ ከም እትዓዪ: መግቢ ኽትበልዕ ከም እትብህግ: ከም እትነብዕን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ከም እትገብርን ይዛረብ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 23:⁠30፣ ዘዳግም 12:⁠20፣ መዝሙር 119:⁠28) እወ: ሰብ ንገዛእ ርእሱ ነፍሲ ኢዩ። እቲ ሰብ ምስ ሞተ እታ ነፍሲ ኸኣ ትመውት።​—⁠ህዝቅኤል 18:⁠4

ስለዚ: ምዉታት ደኣ እሞ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ኢዮም ዘለዉ፧ የሆዋ ንኣዳም ክፈርዶ ኸሎ “መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ” በሎ። (ዘፍጥረት 3:19) ኣዳም ካብ መሬት ቅድሚ ምፍጣሩ ኣበይ ኢዩ ነይሩ፧ ኣበይ ክነብር ደኣ! ህላወ ኣይነበሮን። ምስ ሞተ ድማ ከም ቀደሙ ናብ ዘይምህላው ተመልሰ። ኵነታት ምውታት ኣብ መክብብ 9:⁠5, 10 ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ:- “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። . . . ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን።” ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ሞት ካብ ህላወ ምቍራጽ ማለት ኢዩ። ምዉታት ንቕሓት ኰነ ስምዒት ወይ ሓሳባት የብሎምን።

ዘለኣለማዊ ስቓይ ድዩ ወይስ ተራ መቓብር፧

ምዉታት ገለ እኳ ስለ ዘይፍለጦም: ሲኦል እኩያት ድሕሪ ሞት ዝሳቐይሉ ሓዊ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። እንታይ ደኣ ኢዩ እሞ፧ የሱስ ምስ ሞተ ዘጋጠሞ ነገር ምምርማርና ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። እቲ ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሉቃስ: ብዛዕባ የሱስ “ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ: ስጋኡ ኸኣ ጥፍኣት ከም ዘይርኢ” ገለጸ። a (ግብሪ ሃዋርያት 2:31) ስለዚ የሱስ ከይተረፈ ዝኸዶ ሲኦል ደኣ ኣበይ ኢዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ: ተቐብረ ኸኣ: ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ: ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስኤ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 15:3, 4) ስለዚ: የሱስ ኣብ ሲኦል ማለት ኣብ መቓብር ኢዩ ነይሩ: ይኹን እምበር ኣብኡ ኣይተረፈን: ተንሲኡ ኢዩ።

እቲ ብዙሕ ስቓይ ዘሕለፈ ጻድቕ እዮብ ዝበሎ እውን ንርአ። ካብ ስቓዩ ምእንቲ ኸዕርፍ “ኣየ: ቍጥዓኻ ኽሳዕ ዚሐልፍሲ: እንተ ትስውረኒ: ኣብ ሲኦል እንተ ትሐብአኒ” ኢሉ ለመነ። (እዮብ 14:13) b እዮብ ኣብ መሳቐዪ ሓዊ ንኽስወር ኢዩ ዝምነ ነይሩ ምባል ምኽንያታዊ ኣይኰነን። እዮብ “ሲኦል” ክብል ከሎ ኻብ ስቓዩ ዝዓርፈሉ መቓብር ማለቱ ኢዩ። ስለዚ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ሲኦል ክበሃል ከሎ ጻድቃንን ሓጥኣንን ዝኸድሉ ተራ መቓብር ደቅሰብ ማለት ኢዩ።

ሲኦል ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ዘመልክት ድዩ፧

ናይ ሲኦል ሓዊ ከም ምልክት ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ክኸውንከ ይኽእልዶ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ንሓዊ ካብ ሲኦል ብምፍላይ “ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ” ይብለና። ሞትን ሲኦልን ናብ ቀላይ ሓዊ ተደርብዮም ቃል ብቓሉ ኽቃጸሉ ስለ ዘይክእሉ: እቲ ኣብዚ እተጠቕሰ “ቀላይ” ምሳልያዊ ኢዩ። “እዚ [ቀላይ ሓዊ] እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ” ማለት እንደገና ብህይወት ናይ ምንባር ተስፋ ዘይብሉ ሞት ኢዩ።​—⁠ራእይ 20:14

ቀላይ ሓዊ ምስቲ የሱስ እተዛረበሉ “ገሃነም ሓዊ” ሓደ ዓይነት ትርጕም ኢዩ ዘለዎ። (ማቴዎስ 5:22፣ ማርቆስ 9:47, 48) ገሃነም ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ 12 ግዜ ኢዩ ዝርከብ: ነቲ ኣብ ወጻኢ ቀጽሪ የሩሳሌም ዝነበረ ስንጭሮ ወዲ ሄኖም ከኣ ኢዩ ዘመልክት። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እዚ ስንጭሮ እዚ መአከብ ጐሓፍ ኢዩ ነይሩ። “ኣብኡውን ሬሳ ናይ ገበነኛታት ሰባትን ገምቢ ናይ እንስሳን ካልእ ጐሓፍን ይድርበዮ ነበረ።” (ስሚዝስ ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ባይብል) እቲ ጐሓፍ ምእንቲ ኽቃጸልውን ዲን ብምውሳኽ እቲ ሓዊ ኸም ዘይጠፍእ ይግበር ነበረ። እምበኣር የሱስ ነቲ ስንጭሮ ከም ምልክት ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ገይሩ ኽጥቀመሉ ሓቁ ኢዩ።

ቀላይ ሓዊ እውን ልክዕ ከም ገሃነም ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ኢዩ ዘመልክት። ሞትን ሲኦልን ናብኡ “ተደርበዩ” ክበሃል ከሎ ኸኣ ወድሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኽወጽእ ከሎ ክልቲኦም ሞትን ሲኦልን ክጸንቱ ኢዮም ማለት ኢዩ። ደይመደይ ኢሎም ሓጢኣት ዝገብሩ ዘይናስሑ ሓጢኣተኛታት እውን “ግዲኦም” ኣብቲ ቐላይ እቲ ክኸውን ኢዩ። (ራእይ 21:⁠8) ንሳቶም እውን ንዘለኣለም ክጸንቱ ኢዮም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ማለት ኣብቲ ተራ መቓብር ወድሰብ ዝዀነ ሲኦል ዘለዉ ሰባት ዘደንቕ ተስፋ ኢዩ ዘለዎም።

ሲኦል ጥርሑ ተረፈ!

ራእይ 20:⁠13 “ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት: ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ” ትብል። እወ: ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ሲኦል ጥርሑ ኽተርፍ ኢዩ። ከምቲ የሱስ እተመባጽዖ “ኣብ [“ናይ ዝኽሪ:” NW ] መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ የሱስ:] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ። . . . ኺወጹ [ኸኣ] እዮም።” (ዮሃንስ 5:28, 29) ኣብ ዝኽሪ የሆዋ ኣምላኽ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ምዉታት ሕጂ ይነብሩ እኳ እንተ ዘየለዉ ኣብታ እትምለስ ምድራዊት ገነት ግን ክትንስኡ ኢዮም።​—⁠ሉቃስ 23:43፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15

ኣብ ሓዳስ ዓለም እቶም ካብ ምዉታት ዝተንስኡ ምስቲ ጽድቃዊ ሕግታት የሆዋ ተሰማሚዖም እንተደኣ ተመላሊሶም እንደገና ኣይክሞቱን ኢዮም። (ኢሳይያስ 25:⁠8) “ኣምላኽ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21:4) ነቶም ኣብ ሲኦል ወይ “ዝኽሪ መቓብር” ዘለዉስ ኣየ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ ተዳልይሎም ዘሎ! እዚ በረኸት እዚ ኸኣ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ዝያዳ ፍልጠት ንኸነጥሪ ብቑዕ ምኽንያት ኢዩ ዝዀነና።​—⁠ዮሃንስ 17:⁠3

[እግረ-ጽሑፋት]

a እታ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዓሰርተ ግዜ ዝኸውን ሃደስ ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ኣብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቀዳማይ ትርጕም “ሲኦል” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ኣብ ሉቃስ 16:⁠19-31 ከኣ ስቓይ ብዝብል ተጠቒሳ ኣላ: እቲ ጸብጻብ ብምሉኡ እንተደኣ ርኢናዮ ግን ምሳልያዊ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ። ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል መጽሓፍ ምዕራፍ 88 ርአ።

b እታ “ሺኦል” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ 65 ግዜ ተጠቒሳ ኣላ: ኣብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቀዳማይ ትርጕም ከኣ “ሲኦል:” “ሺኦል:” “ሽኦል:” “ዓሚቝ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

እዮብ ኣብ ሲኦል ክስወር ጸለየ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ገሃነም ሓዊ ምልክት ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ኢዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

‘እቶም ኣብ ናይ ዝኽሪ መቓብር ዘለዉ ኽወጹ ኢዮም’