ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ሲኦል ዝነበረ ኣረኣእያ ይቕየር ኣሎ

ብዛዕባ ሲኦል ዝነበረ ኣረኣእያ ይቕየር ኣሎ

ብዛዕባ ሲኦል ዝነበረ ኣረኣእያ ይቕየር ኣሎ

 “ሲኦል” እትብል ቃል ክትሰምዕ ከሎኻ ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ ኢዩ ዝመጸካ፧ ንዘለኣለም ዘሳቒ ሓውን ዲንን ዘለዎ ቦታ ድዩ ወይስ ካብ ኣምላኽ ተፈሊኻ እትነብረሉ ዅነታት፧

ናይ ህዝበ⁠-​ክርስትያን መራሕቲ ሃይማኖት ሲኦል ሓጥኣን ዝሳቐይሉ ቦታ ከም ዝዀነ ገይሮም ክምህሩ ካብ ዝጅምሩ ዘመናት ኢዮም ገይሮም። ብዙሓት ካልኦት ሃይማኖታት እውን ከምኡ ኢየን ዝኣምና። ዩ.ኤስ.ኒውስ ኤንድ ዎርልድ ሪፖርት እትበሃል መጽሔት ከምዚ በለት:- “ሲኦል እትብል ቃል ከም እትፍለጥ ገይሮምዋ ክዀኑ ዝኽእሉ ክርስትያናት እኳ እንተዀኑ: ኣብ ሲኦል ዝኣምኑ ግን ንሳቶም ጥራይ ኣይኰኑን። ዳርጋ ዅለን እተን ዓበይቲ ሃይማኖታትን ገለ ኻብተን ንኣሽቱን ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሞት ዝወሃብ ናይ ስቓይ መቕጻዕቲ ተመሳሳሊ እምነት ኢዩ ዘለወን።” ሂንዱ: ቡድሂስት: እስላም: ከምኡውን ሰዓብቲ ጃኒዝምን ታኦይዝምን ኣብ ሲኦል ይኣምኑ ኢዮም።

ይኹን እምበር: ኣብዚ ቐረባ እዋን እቲ ብዛዕባ ሲኦል ዝነበረ ኣረኣእያ ይቕየር ኢዩ ዘሎ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት መጽሔት ወሲኻ ኸምዚ ብምባል ገለጸት:- “ሲኦል መሳቐዪ ቦታ ኢዩ ኢሎም ዝኣምኑ ሓያሎ ሰባት እኳ እንተለዉ: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግን ሲኦል ካብ ካልኦት ተገሊልካ እትነብረሉ ዘለኣለማዊ መቕጻዕቲ ኢዩ ዝብል ኣረኣእያ ይቕልቀል ኣሎ። እዚ ድማ ቃል ብቓሉ መሳቐዪ ኣይኰነን ዝብል ሓሳብ ዘመሓላልፍ ኢዩ።”

ብኣቕሽሽቲ ካቶሊክ እትሕተም ላ ቺቪልታ ካቶሊካ እተባህለት መጽሔት “ኣምላኽ ነቶም እተዀነኑ ሰባት ብኣጋንንቲ ገይሩ ኣብ ሓዊ የሳቕዮም ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ጌጋ ኢዩ” ድሕሪ ምባላ “ሲኦል ኣሎ: እንተዀነ ግን ሓደ ሰብ ካብ ኣምላኽ ብምፍላዩ ዝስምዖ ናይ ስቓይ ኵነታት ደኣ ኢዩ እምበር ቦታ ኣይኰነን” በለት። ብ1999 ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኸምዚ በሉ:- “ሲኦል ቦታ ዘይኰነስ ንዅነታት ናይቶም ደይመደይ ኢሎም ካብቲ ምንጪ ህይወቶምን ሓጐሶምን ዝዀነ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ዝፍለዩ ሰባት ዘመልክት ኢዩ።” ብዛዕባ እቲ መሳቐዪ ቦታ ኢዩ ዝበሃል ሓሳብ ከኣ “ነቲ ኻብ ኣምላኽ ብምፍላይካ እተሕልፎ ጭንቀትን ባዶነትን ዝመልኦ ናብራ ህይወት ኢዩ ዘመልክት” በሉ። ማርቲን ማርቲ ዝበሃል ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያን ጸሓፍ ታሪኽ ድማ እቶም ጳጳስ ንሲኦል ከም “ሃልሃልታ ሓውን መስአ ዝሓዘ ድያብሎስን ዘለዎ ቦታ” ገይሮም ገሊጾምዎ ነይሮም እንተ ዝዀኑ “ሰባት ኣይምኣመንዎን” በለ።

ካልኦት ሃይማኖታት እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ብዛዕባ ሲኦል ዘለወን ኣረኣእያ ይቕይራ ኣለዋ። ካብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ዝቐረበ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ሲኦል ዘለኣለማዊ ስቓይ ዘይኰነስ ምሉእ ብምሉእ ምስ ኣምላኽ ዝጻረር ኣነባብራ ብምምራጽካ ኣብ መወዳእታ ኻብ ህላወ እትጠፍኣሉ ዅነታት ኢዩ።”

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ ናይ ኤጲስቆጶስ ቤተ⁠-​ክርስትያን ንሲኦል “ብኣምላኽ ተነጺግካ ዘለኣለማዊ ሞት ሙማት” ማለት ከም ዝዀነ ገይሩ ገለጾ። ብዙሓት ሰባት “ረሲኣን መወዳእታኦም ጥፍኣት ደኣ እምበር ዘለኣለማዊ ስቓይ ኣይኰነን። . . . እቲ ‘ዝባላዕ ሓዊ’ ነቶም ንኣምላኽ ደይመደይ ኢሎም ዝነጽግዎ ሰባት ካብ ህላወ ዘጥፍእ ኢዩ” ዝብል ሓሳብ የተባብዑ ከም ዘለዉ ዩ.ኤስ.ኒውስ ኤንድ ዎርልድ ሪፖርት ገለጸት።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ሰባት ነቲ ሲኦል ማለት ሓውን ዲንን ዘለዎ ናይ ዘለኣለም መሳቐዪ ቦታ ኢዩ ዝብል ኣተሓሳስባኦም ይቕይሩ እኳ እንተለዉ: ሓያሎ ኻልኦት ግን ሲኦል ቃል ብቓሉ መሳቐዪ ቦታ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ ኣለዉ። ኣብ ሉዊቪል: ኬንታኪ: ሕ.መ.ኣ. ዝርከብ ሳውዘርን ባፕቲስት ቲኦሎጂካል ሰሚናሪ “ቅዱሳት ጽሑፋት: ንሲኦል ቃል ብቓሉ ንዘለኣለም ዘሳቒ ሓዊ ዘለዎ ቦታ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ” በለ። ብማሕበር ወንጌላዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝቘመ ኮሚሽን (ኢቫንጀሊካል ኣልያንስ ኮሚሽን) ኣብቲ እንታይነት ሲኦል ዝብል ጸብጻቡ ኸምዚ ብምባል ገለጸ:- “ሲኦል ስለ እተነጸግካ እተስቈርቍረሉን እህህ እናበልካ እትሳቐየሉን ቦታ ኢዩ። . . . ኣብ ሲኦል ብመጠን እቲ ኣብ ምድሪ ኸሎኻ እትገብሮ ዝነበርካ ሓጢኣት ኢኻ እትሳቐን እትቕጻዕን” በለ።

ስለዚ እምበኣር ሲኦል ንዘለኣለም ዘሳቒ ሓዊ ዘለዎ ቦታ ድዩ ወይስ ፈጺምካ ምጥፋእ ኢዩ ዘመልክት፧ ካብ ኣምላኽ ተፈሊኻ እትነብረሉ ዅነታት ጥራይ ድዩ፧ ብሓቂ ደኣ እሞ ሲኦል እንታይ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሲኦል ከም መሳቐዪ ቦታ ጌርካ ኽውሰደሉ ዝጀመረ ግዜ

ተን ክርስትያን ኢና ዝብላ ሃይማኖታት ሲኦል መሳቐዪ ቦታ ኢዩ ዝብል እምነት መዓስ ኢየን ኣተኣታቲየንኦ፧ ካብቲ የሱስ ክርስቶስን ሃዋርያቱን ዝነበርሉ ግዜ ነዊሕ እዋን ጸኒሐን ኢየን። ብቛንቋ ፈረንሳ እተዳለወ ኢንሳይክሎፔድያ ዩኒቨርሳሊስ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ብዛዕባ እቲ ሓጥኣን ኣብ ሲኦል ዘሕልፍዎ ስቓይን መቕጻዕትን ዝገልጽ ብክርስትያናት እተዳለወ ናይ መጀመርታ [ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ] ጽሑፍ: እቲ ናይ ጴጥሮስ ኣፖካሊፕስ ዝበሃል (ናይ 2ይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ.) ጽሑፍ ኢዩ።”

ይኹን እምበር: ኣብ መንጎ እቶም ቀዳሞት ኣበው ቤተ⁠-​ክርስትያን ብዛዕባ ሲኦል ዘይምስምማዕ ነይሩ ኢዩ። ጀስቲን ማርቲር: ክለመንት ብዓል ኣሌክሳንድርያ: ተርቱልያን: ከምኡውን ሳይፕርያን ሲኦል ማለት ሓዊ ዘለዎ ቦታ ኢዩ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም። ኦሪጀንን እቲ ናይ ቲኦሎጂ ምሁር ዝነበረ ግሪጎሪ ብዓል ኒሳን: ሲኦል ካብ ኣምላኽ ተፈሊኻ እትነብረሉ ቦታ ማለት መንፈሳዊ ስቓይ ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝሓስብዎ ነይሮም። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ኦገስቲን ብዓል ሂፖ እቲ ኣብ ሲኦል ዘሎ ስቓይ መንፈሳውን ኣካላውን ስቓይ ኢዩ ዝብል ተቐባልነት ዝረኸበ ኣረኣእያ ነበሮ። ፕሮፌሰር ጀይ.ኤን.ዲ. ኬሊ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ኣብ መበል ሓሙሻይ ዘመን እቲ ሓጥኣን ድሕሪ ሞት ካልኣይ ዕድል የብሎምን: እቲ ዝውሕጦም ሓዊ ኸኣ ፈጺሙ ኣይጠፍእን ኢዩ ዝብል ጽኑዕ ሰረተ⁠-​እምነት ኣብ ኵሉ ቦታ ተዘርጊሑ ኢዩ ነይሩ።”

ኣብ መበል 16 ዘመን ከም እኒ ማርቲን ሉተርን ጆን ካልቪን ዝኣመሰሉ ናይ ፕሮተስታን ተሓድሶ መራሕቲ: እቲ ኣብ ሲኦል ዘሎ ዘሳቒ ሓዊ ምሳልያዊ መግለጺ ናይቲ ኻብ ኣምላኽ ንሓዋሩ ተፈሊኻ እትነብሮ ናብራ ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝርድእዎ ነይሮም። ይኹን እምበር: ሲኦል መሳቐዪ ቦታ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ድሕሪኡ ኽልተ ሚእቲ ዓመት ጸኒሑ ተመልሰ። ጆናታን ኤድዋርድ እተባህለ ናይ ፕሮተስታንት ሰባኺ: ነቶም ኣብ መበል 18 ዘመን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ብሪጣንያ ዝነበሩ ኣመሪካውያን ብዛዕባ ሲኦል ዘጃጁ ሓሳብ ቀረጸሎም።

ይኹን እምበር: ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ሲኦል ሃልሃልታ ሓዊ ኣሎ ዝብል እምነት ክጠፍእ ጀመረ። ዩ.ኤስ.​ኒውስ ኤንድ ዎርልድ ሪፖርት ኣብ መበል 20 ዘመን ሲኦል መሳቐዪ ቦታ ኢዩ ዝብል ኣረኣእያ እናተረፈ ከም ዝኸደ ገለጸት።

[ስእሊ]

ጀስቲን ማርቲር ሲኦል መሳቐዪ ቦታ ኢዩ ኢሉ ይኣምን ነበረ

ኦገስቲን ብዓል ሂፖ ኣብ ሲኦል መንፈሳውን ኣካላውን ስቓይ ኣሎ ኢሉ ይምህር ነበረ